Lilo Media - ሊሎ ሚድያ

Lilo Media - ሊሎ ሚድያ ርትዓዊ ምልከታ!!
(1)

ኣብ ከተማ ሰቲት ሑመራ ተኣሲሮም ዝነበሩ 31 መናእሰይ ተጋሩ ብሓገዝ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ናብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ክኣትው ተገይሩ።ሊሎ ሚድያ (17 ታሕሳስ፣ 2016 ዓ/ም) ኣብ...
27/12/2023

ኣብ ከተማ ሰቲት ሑመራ ተኣሲሮም ዝነበሩ 31 መናእሰይ ተጋሩ ብሓገዝ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ናብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ክኣትው ተገይሩ።

ሊሎ ሚድያ (17 ታሕሳስ፣ 2016 ዓ/ም) ኣብ ከተማ ሰቲት ሑመራ ኣብ መረበቶም ብመንነቶም ምኽንያት ብወረርቲ ሓይልታት ተኣሲሮም ዝፀንሑ 31 መናእሰይ ሎማዓንቲ ብኣንፈት ዓዲ ጎሹ ተከዘ ሰጊሮም ናብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ከምዝኣተዉ ቤት ፅሕፈት ፀጥታ እታ ወረዳ ኣፍሊጡ።

እቶም ተጋሩ ብምዃኖም ጥራሕ ኣብ ዓዶም ብወረርቲ ሓይልታት ዕጡቓት ኣምሓራ ተታሒዞም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክሳቐዩ ዝፀንሑ መናእሰይ ብሓገዝ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ትማሊ ዕለት 16 ታሕሳስ 2016 ዓ/ም ካብ ቤት ማእሰርቲ ክወፁ ክኢሎም እዮም።

ሽዑ ንሽዑ ብኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ተዓጂቦም ብኣንፈት ዓዲ ጎሹ ናብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ እንትጓዓዙ ዕጡቓት ኣምሓራ ብዝፈጠርዎ ዕንቅፅና እቶም መናእሰይ ኣብ ዓዲ ጎሹ ክሓድሩ ከምዝተገደዱ ኣተሓባባሪ ፀጥታ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ኣይተ መብራህቶም ገዛኢ ንድምፂ ወያነ ትግራይ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ ገሊፆም።

ሎሚ ብዝተገበረ ፃዕሪ ካብ ዓዲ ጎሹ ንተከዘ ሰጊሮም ናብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ከምዝኣተዉን ኣብ ከተማ ሸራሮ ክዓርፉ ከምዝተገበረን ኣይተ መብራህቶም ሓቢሮም።

እቶም መናእሰይ ኣብ ዝሃቡዎ ርኢቶ ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝፀንሑሉ እዋን ኣብ ልዕሊኦም ከበድቲ ግፍዕታት ከምዝተፈፀሙን ንሶም ኣብ ዝነበሩሉ ቤት ማእሰርቲ ኮነ ኣብ ካልኦት ኣብያተ ማእሰርቲ ብርክት ዝበሉ ተጋሩ ብመንነቶም ጥራሕ ተኣሲሮም ይሳቐዩ ከምዘለዉን ተዛሪቦም።
©ድምፂ ወያነ

"ርትዓዊ ምልከታ" ሊሎ ሚድያ (17 ታሕሳስ 2016 ዓ/ም)

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
- ሊሎ ሚድያ ፌስቡክ ገፅ like, fellow ይግበሩ ርትዓዊ ምልከታታትን ትኩስ ሓበሬታን ክረኽቡ እዮም።

- youtube ቻናልና ሳብስክራብ ይግበሩ።
https://www.youtube.com/channel/UCYvPOhhTNUnjlw6hTLuREFw?sub_confirmation=1&app=desktop

ዜና ዕረፍቲነባር ጋዜጠኛ ሃይሉ ገሰሰ ብዝሓደሮ ሕማም ሎሚ 26/3/2016 ዓ/ም ዓሪፉ። ጋዜጠኛ ሃይሉ ገሰሰ / ሃይሉ ገምበላ/ ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ኣብ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ መደብ ቋንቋ ት...
06/12/2023

ዜና ዕረፍቲ
ነባር ጋዜጠኛ ሃይሉ ገሰሰ ብዝሓደሮ ሕማም ሎሚ 26/3/2016 ዓ/ም ዓሪፉ።

ጋዜጠኛ ሃይሉ ገሰሰ / ሃይሉ ገምበላ/ ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ኣብ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ መደብ ቋንቋ ትግርኛን ኣብ ቴሌቪዥን ትግራይን ካብ ተራ ጋዜጠኛ ክሳብ ዝተፈላለዩ ብርክታት መሪሕነት ዝሰረሐ ጋዜጠኛ ነይሩ።

ጋዜጠኛ ሃይሉ ገሰሰ መገሻ ኣርሆ፣መገሻ ዓዲ ኩናምን ቀያሕቲ እንባታት ኢሮብን ካልኦትን ዝብሉ ዓበይቲ ሰነዳዊ መደባት ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ብምስራሕ ዝፍለጥ ጋዜጠኛ ነይሩ።

ካብ ኮሌጅ መምህራን ኮቶቤ ዲፕሎማ፣ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብሞያ ጋዜጠኝነትን ኮሙኒኬሽንን ቀዳማይ ድግሪን ካብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ድማ ብሞያ ስነ ፅሑፍን ቋንቋታት ወፃእን 2ይ ድግሪ ዝተምሃረ ጋዜጠኛ ሃይሉ ገሰሰ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሽዱሽተ ቆልዑን እዩ ነይሩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ጋዜጠኛ ሃይሉ ገሰሰ ፅባሕ ሕዳር 27/3/2016 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ቤተ ክርስትያን ማርያም ጉግሳ ሰዓት 12:ዐዐ ንጎሆ ስድርኡ፣ መሳርሕቱን ፈተውቱን ኣብ ዝተረኸብሉ ክፍፀም እዩ።

ሊሎ ሚድያ ብሕልፈት ጋዜጠኛ ሃይሉ ገሰሰ እናሐዘነ ንመላእ ስድራቤቱን ፈተውቱን ፅንዓት ይምነ።

ሊሎ ሚድያ (26 ሕዳር 2016 ዓ/ም)

"ትንሳኤ ትግራይን ትግራዋይነትን" ዘርእስታ መፅሓፍ ትግርኛ ተመሪቓ።ሊሎ ሚድያ (01 ሕዳር  2016 ዓ/ም) ብደራሲ ኣታኽልቲ ሓጎስ ዝተፀሓፈት ትንሳኤ ትግራይን ትግራዋይነትን ዘርእስታ መፅሓ...
11/11/2023

"ትንሳኤ ትግራይን ትግራዋይነትን" ዘርእስታ መፅሓፍ ትግርኛ ተመሪቓ።

ሊሎ ሚድያ (01 ሕዳር 2016 ዓ/ም) ብደራሲ ኣታኽልቲ ሓጎስ ዝተፀሓፈት ትንሳኤ ትግራይን ትግራዋይነትን ዘርእስታ መፅሓፍ ሎሚ ዕለት 01 ሕዳር 2016 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ተመሪቓ ንንባብ በቒዓ።

እዛ 253 ገፃት ዘለዋ መፅሓፍ፣ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ስርዓታት ዝበፅሕዋ መንነት መሰረት ዝገበሩ ፀገማትን ዛጊድ ይቕፅሉ ዘለዉ ኣንፃር ህላወን መንነትን ህዝቢ ትግራይ ከመይ መዕለቢ ይረኽቡ፡ከምኡ ዉን ትግራይ ካብ ስልጣነን ምዕባለን ከመይ እናንቆልቆለት ከምዝመፀትን ንቐፃሊ ከመይ ትንሳኤ ትግራይ ምግሃድ ከምዝከኣል ኣንፈት ዘቕመጠት ከምዝኾነት ደራሲ ኣታኽልቲ ሓጎስ ገሊፁ።

"ርትዓዊ ምልከታ" ሊሎ ሚድያ (01 ሕዳር 2016 ዓ/ም)

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
- ሊሎ ሚድያ ፌስቡክ ገፅ like, fellow ይግበሩ ርትዓዊ ምልከታታትን ትኩስ ሓበሬታን ክረኽቡ እዮም።

- youtube ቻናልና ሳብስክራብ ይግበሩ።
https://www.youtube.com/channel/UCYvPOhhTNUnjlw6hTLuREFw?sub_confirmation=1&app=desktop

 # "ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘዕገርግሩ ዘለው ውልቀ ሰባት እዮም"  -ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም # "ካብ መንግስታዊ መዝነተይ ምልዓለይ ዝፈለጥኩ ከም ሃገረይ ብማሕበራዊ ሚድያ'ዩ።" - ወይዘሮ ሊያ ካሳ...
09/11/2023

# "ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘዕገርግሩ ዘለው ውልቀ ሰባት እዮም" -ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም

# "ካብ መንግስታዊ መዝነተይ ምልዓለይ ዝፈለጥኩ ከም ሃገረይ ብማሕበራዊ ሚድያ'ዩ።" - ወይዘሮ ሊያ ካሳ።

# "ኣነ ካብ መዝነተይ ምልዓለይ ብዙሕ ትኹረት ዝወሃቦ ኣይኮነን።" - ኣይተ ኣማንኤል ኣሰፋ።

ካብ መንግስታዊ መዝነቶም ዝተኣለዩ ላዕለዎት ኣመራርሓ፣ ንዝተውሃቦም ሓላፍነት ብኣግባቡ ክዋፅኡ ብዘይምኽኣሎም እዩ ክብል ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ትግራይ ኣፍሊጡ።

ሊሎ ሚድያ (29 ጥቅምቲ ፣ 2016 ዓ/ም) ኣብ ቀረባ እዋን ካብ መንግስታዊ መዝነቶም ዝተኣለዩ ላዕለዎት መሪሕነት መንግስቲ ንዝተውሃቦም መንግስታዊ ሓላፍነት ብኣግባቡ ክዋፅኡ ብዘይምኽኣሎም'ዩ ክብሉ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ጊዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ገሊፆም።

ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓትን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ጊዝያዊ መንግስቲ ትግራይን ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ንዝተወሰደ መንግስታዊ ስጉምቲ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ - መንግስቲ ዝሕቱልን ዓንቃፋይን መስርሕ ኣብ ልዕሊ ዘሰጉሙ ስጉምቲ ምውሳዱ ኣብሪሆም።

መንግስቲ ትግራይ ንዚ ስጉምቲ ወሲዱ ዘሎ ሃንደበት ዘይኮነስ ነገራት ንምዕራይ ተደጋጋሚ ፃዕሪ ድሕሪ ምክያዱ ክሰምረሉ ስለ ዘይከኣለ'ዩ ዝበሉ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም መንግስቲ መሰል ስጉምቲ ክወስድ መንግስታዊ ስልጣኑ ስለዝምእዝዞ'ዩ ኢሎም።

ኣብ ሞንጎ መሪሕነት ዘሎ ፍልልያት እቲ ሓደ ወገን ነገራት ብሰላምን ብሰላምን ክፍታሕ ፅኑዕ እምነት ዘለዎን ኣብ ሞንጎ ነገራት ብሓይለ መልጢ ክፍታሕ ዝደሊ ፍልልያት ኣሎ ፤ እዚ ከከም ኣረኣእያኻ'ዩ ድሕሪ ምባል ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘዕገርግሩ ዘለው ግን ውልቀ ሰባት ምዃኖም ገሊፆም።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ መንግስታዊ መዝነተን ዝተኣለያ ወይዘሮ ልያ ካሳ ብዛዕባ ካብ መዝነተን ምልዓለን ኣመልኪተን ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃበኦ ቃል ከም ዝገለፀኦ ካብ መንግስታዊ መዝነተን ምልዓለን ዝፈለጣ ንቲ ዝተፅሓፈ ደብዳቤ ኣብ ኢደን ከይበፅሐን ከሎ ከም ሃገረን ብማሕበራዊ ሚድያ ከምዝሰምዓን ንግዚኡ ግን ብዛዕብኡ ዝርዝር መብርሂ ካብ ምሃብ ምቑጣብ ከምዝሓይሽ ሓቢረን።

ካብ ሞንጎ'ቶም ካብ መንግስታዊ መዝነቶም ዝተኣለዩ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ ብወገኖም ኣብ ዝሃብዎ ቃል ከምዝገለፅዎ ናተይ ካብ ስልጣነይ ናይ ምልዓለይን ዘይምልዓለይን ጉዳይ ቡዙሕ ትኹረት ዝወሃቦ ጉዳይ ኣይኮነን ኢሎም።
©Fm mekelle 104.4

"ርትዓዊ ምልከታ" ሊሎ ሚድያ (29 ጥቅምቲ ፣ 2016 ዓ/ም)


እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
- ሊሎ ሚድያ ፌስቡክ ገፅ like, fellow ይግበሩ ርትዓዊ ምልከታታትን ትኩስ ሓበሬታን ክረኽቡ እዮም።

- youtube ቻናልና ሳብስክራብ ይግበሩ።
https://www.youtube.com/channel/UCYvPOhhTNUnjlw6hTLuREFw?sub_confirmation=1&app=desktop

ፕሬዚዳንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣርባዕተ ላዕለዎት ኣመራርሓ ካብ መንግስታዊ ሓላፍነቶም ኣሰናቢቶም።ሊሎ ሚድያ (27 ጥቅምቲ ፣ 2016 ዓ/ም) እቶም ካብ መንግስታዊ ሓ...
07/11/2023

ፕሬዚዳንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣርባዕተ ላዕለዎት ኣመራርሓ ካብ መንግስታዊ ሓላፍነቶም ኣሰናቢቶም።

ሊሎ ሚድያ (27 ጥቅምቲ ፣ 2016 ዓ/ም) እቶም ካብ መንግስታዊ ሓላፍነት ዝተልዓሉ ላዕለዎት ኣመራርሓ ዝስዕቡ እዮም፣
- ኣይተ ኣለም ገብረዋህድ (ብምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ኣማኻሪ ፕሬዚዳንት ጉዳያት ምልዕዓል ህዝቢ)
- ወ/ሮ ሊያ ካሳ (ኣመሓዳሪት ዞባ ደቡብ ምብራቕ)
- ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ (ቺፍ ካቢኔ ሴክሬታርያት)
- ኣይተ ተኽላይ ገብረመድህን (ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜን ምዕራብ)

ናይ ፕሬዝዳንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ፊርማ ዝዓረፎ ደብዳበ ከምዘመላኽቶ ኣርባዕቲኦም ላዕለዎት ኣመራርሓ ንዝሃብዎ መንግስታዊ ግልጋሎት ብምምስጋን ካብ ዕለት 15 ወርሒ ጥቅምቲ 2016 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ካብ ዝነበሮም ሓላፍነት ከምዝተልዓሉ ይገልፅ።
ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ብዕለት 14 ጥቅምቲ 2016 ዓ/ም ኣብ ዝተፅሓፈ ደብዳበ ሽዱሽተ ሓለፍቲ ቤት ፅሕፈት ምልዕዓል ህዝቢ ዞባታት ምብራቕ፣ደቡብ፣ ማእኸላይ፣ ደቡብ ምብራቕ፣ ሰሜን ምዕራብን ምዕራብን ዝነበሩ ላዕለዎት ኣመራርሓ ካብ ሓላፍነቶም ምስንባቶም ዝዝከር እዩ።

"ርትዓዊ ምልከታ" ሊሎ ሚድያ (27 ጥቅምቲ ፣ 2016 ዓ/ም)


እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
- ሊሎ ሚድያ ፌስቡክ ገፅ like, fellow ይግበሩ ርትዓዊ ምልከታታትን ትኩስ ሓበሬታን ክረኽቡ እዮም።

- youtube ቻናልና ሳብስክራብ ይግበሩ።
https://www.youtube.com/channel/UCYvPOhhTNUnjlw6hTLuREFw?sub_confirmation=1&app=desktop

ኣብ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ተምሃራይ ትግራይ ዝረኸቦ 657 ዝለዓለ ውፅኢት ኾይኑ ተመዝጊቡ።ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ  ሃገርለኸ ፈተና 12 ክፍሊ ካብ መንጎ ዝተፈተኑ ተምሃሮ 657 ውፅኢት...
04/11/2023

ኣብ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ተምሃራይ ትግራይ ዝረኸቦ 657 ዝለዓለ ውፅኢት ኾይኑ ተመዝጊቡ።

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ሃገርለኸ ፈተና 12 ክፍሊ ካብ መንጎ ዝተፈተኑ ተምሃሮ 657 ውፅኢት ብምርካብ ብሃገር ብርኪ ዝለዓለ ውፅኢት ኾይኑ ተመዝጊቡሎ።

እቲ ዝተመዝገበ ልዑል ውፅኢት ዝረኸበ ተምሃራይ ሙሴ ኪዳነ እንትኾን ኣብ ቃላሚኖ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ናይ ተፈጥሮ ሳይንስ ተምሃሪ ከምዝኾነ ተፈሊጡ።

ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶ/ር ኪሮስ ጉዑሽ ከምዘፍለጥዎ ሓፈሻዊ ረቛሒ ኣማሊኦም ካብ መንጎ ዝተፈተኑ ተምሃሮ እቶም 73.09 ሚኢታዊ ተፈተንቲ ተፈጥሮ ሳይነስ፣ እቶም 51.38 ሚኢታዊ ድማ ናይ ማሕበራዊ ሳይንስ ተፈተንቲ፤ ብሓፈሻ 66.96 ሚኢታዊ ተምሃሮ 50 ሚኢታዊን ልዕሊኡን ውፅኢት ብምርካብ ናብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዘእቱ ነጥቢ ረኺቦም እዮም።

"ርትዓዊ ምልከታ" ሊሎ ሚድያ (24 ጥቅምቲ ፣ 2016 ዓ/ም)


እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
- ሊሎ ሚድያ ፌስቡክ ገፅ like, fellow ይግበሩ ርትዓዊ ምልከታታትን ትኩስ ሓበሬታን ክረኽቡ እዮም።

- youtube ቻናልና ሳብስክራብ ይግበሩ።
https://www.youtube.com/channel/UCYvPOhhTNUnjlw6hTLuREFw?sub_confirmation=1&app=desktop

ኣብ ትግራይ ለበዳ ሕማም ኮሌራ ከምዝተኸሰተ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣፍሊጡ።ሊሎ ሚድያ (22 ጥቅምቲ ፣ 2016 ዓ/ም) ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚዩኒኬሽን ኣብ ዘውፅኦ እዋናዊ መግለፂ ካብ ዝ...
02/11/2023

ኣብ ትግራይ ለበዳ ሕማም ኮሌራ ከምዝተኸሰተ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣፍሊጡ።

ሊሎ ሚድያ (22 ጥቅምቲ ፣ 2016 ዓ/ም) ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚዩኒኬሽን ኣብ ዘውፅኦ እዋናዊ መግለፂ ካብ ዝሓለፉ መዓልታት ጀሚሩ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ማለት እውን ራያ ዓዘቦ፣ ከተማ መኾኒ፣ ከባቢታት ራያ ኣላማጣን ኦፍላን ሕማም ኮሌራ ከም ዝተርኣየን ክሳብ ሕዚ በዚ ሕማም ሞት ከምዘጋጠመን ዕላዊ ገይሩ።

ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሎሚ 22 ጥቅምቲ 2016ዓ.ም ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባኡ ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ለበዳ ብዝርዝር ገምጊሙ ንህዝቢ ትግራይ ብዕሊ ንክወጅ ከምዝወሰነ ተሓቢሩሎ።

ብፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝምራሕ ሓይሊ ዕማም ብምጥያሽ ቀልጢፉ ናብ ስራሕ ንክኣቱ እውን ወሲኑ ኣሎ ዝበለ መግለፂ እቲ ቤት ፅሕፈት ሕድሕድ ቤት ዕዮ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ድማ ነዚ ለበዳ ንምክልኻል ዘኽእል ቆላሕታ ሂቡ ክሰርሕ ከምዘለዎ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር መምርሒ ሂቡ እዩ።

ህዝቢ እውን ነዚ ኣፀጋሚ ጥዕናዊ ኩነታት ብዝግባእ ተረዲኡ ዓርሱን ከባቢኡን ካብዚ ሕማም ንምክልኻል ብልዑል ትኹረት ክረባረብን መንግስቲ በቢእዋኑ ዘውርዶም ኣንፈታት እናተኸታተለ ንተግባራዊነቶም ሓጋዛይ ግደ ክፃወትን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፃውዒት ምቕራቡ ኣብቲ መግለፂ ተመላኺቱ።

"ርትዓዊ ምልከታ" ሊሎ ሚድያ (22 ጥቅምቲ ፣ 2016 ዓ/ም)


እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
- ሊሎ ሚድያ ፌስቡክ ገፅ like, fellow ይግበሩ ርትዓዊ ምልከታታትን ትኩስ ሓበሬታን ክረኽቡ እዮም።

- youtube ቻናልና ሳብስክራብ ይግበሩ።
https://www.youtube.com/channel/UCYvPOhhTNUnjlw6hTLuREFw?sub_confirmation=1&app=desktop

ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኲሓ ንሓደ ሽሕ ወገናት ወፍሪ ነፃ ሕክምና መጥባሕቲ ዓይኒ ከምዝህብ ኣፍሊጡ።ሊሎ ሚድያ (21 ጥቅምቲ ፣ 2016 ዓ/ም) ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኲሓ ምስ ቢሮ ጥዕና ትግራይን ፕሮጀ...
01/11/2023

ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኲሓ ንሓደ ሽሕ ወገናት ወፍሪ ነፃ ሕክምና መጥባሕቲ ዓይኒ ከምዝህብ ኣፍሊጡ።

ሊሎ ሚድያ (21 ጥቅምቲ ፣ 2016 ዓ/ም) ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኲሓ ምስ ቢሮ ጥዕና ትግራይን ፕሮጀክት ሂማልያን ካትራክት ዝተብሃለ ትካል ገባሪ ሰናይን ብምትሕብባር ካብ 10 ክሳብ 16 ሕዳር 2016 ዓ/ም ንኣስታት 1000 ዝኾኑ ወገናት ነፃ ወፍሪ መጥባሕቲ ሞራ ዓይኒ ከምዘሳልጥ ተሓቢሩ።

ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኲሓ ልክዕ ከምተን ካልኦት ትካላት ጥዕና ትግራይ ሓፈሻዊ ግልጋሎት ሕክምና ዝህብን ማእኸል ሕክምና ዓይኒ ብምዃን እናገልገለ ዝርከብን እዩ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ምስ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ብምትሕግጋዝ ማእኸል ህንፀት ትምህርትን ስልጠናን ብምዃን ብብርኪ ስፔሻላይዝድ እናምሃረ ናብ ስራሕ ዘዋፍር ትካል ጥዕና ትግራይ ምዃኑ ሜዲካል ዳይሬክተር እቲ ሆስፒታል ዶ/ር ክብሮም ተወልደ ገሊፆም።

"ርትዓዊ ምልከታ" ሊሎ ሚድያ (21 ጥቅምቲ ፣ 2016 ዓ/ም)


እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
- ሊሎ ሚድያ ፌስቡክ ገፅ like, fellow ይግበሩ ርትዓዊ ምልከታታትን ትኩስ ሓበሬታን ክረኽቡ እዮም።

- youtube ቻናልና ሳብስክራብ ይግበሩ።
https://www.youtube.com/channel/UCYvPOhhTNUnjlw6hTLuREFw?sub_confirmation=1&app=desktop

ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ካብ ዝቕፅል ሰሙን ጀሚሩ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ኔትወርክ ከምዘሳልጥ ኣፍሊጡ።ሊሎ ሚድያ (21 ጥቅምቲ ፣ 2016 ዓ/ም) ኣብ ኢትዮጵያ ግልጋሎት ቴሌኮም ናይ ...
01/11/2023

ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ካብ ዝቕፅል ሰሙን ጀሚሩ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ኔትወርክ ከምዘሳልጥ ኣፍሊጡ።

ሊሎ ሚድያ (21 ጥቅምቲ ፣ 2016 ዓ/ም) ኣብ ኢትዮጵያ ግልጋሎት ቴሌኮም ናይ ምሃብ ፍቓድ ረኪቡ ናብ ተግባር ዝተሰጋገረ ዓለምለኸ ኩባንያ ቴሌኮም ሳፋሪኮም ኢትዮጲያ ኣብ ትግራይ ዝርግሐ ኔትዎርክን መሰረተ ልምዓትን ንምስላጥ ኣብ ዘኽእሎ ኩነታት ኣድሂቡ ምስ ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ሓዊሱ ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ከም ዝዘተየ ሳፋሪኮም ኢትዮጲያ ኣብ ማሕበራዊ ገፅ ፌስቡኩ ዕላዊ ገይሩ ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ትካል ዊም ቫንሄለፑትን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓን ሳፋሪኮም ኢትዮጲያ ኣብ ከተማ መቐለ ተረኺቦም ምስ ፕሬዝዳንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ትግራይ ዝርግሐ ኔትዎርክን መሰረተ ልምዓትን ኣመልኪቶም ዕውት ዝኾነ ልዝብ ከምዘካየዱን ብተመሳሳሊ ምስ ሓላፊት ካቢኔ ጉዳያት መሰረተ ልምዓትን ወይዘሮ ያለም ፀጋይ እውን ዘተ ከም ዘሳለጡን ኣፍሊጡ ኣሎ።

ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ዝርግሐ ኔትዎርክን መሰረተ ልምዓትን ንምጅማር ዘኽእሎ ዘተ ምስላጡ እቲ ኩባንያ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዝዘርገሖ ሓበሬታ የመላኽት።

"ርትዓዊ ምልከታ" ሊሎ ሚድያ (21 ጥቅምቲ ፣ 2016 ዓ/ም)


እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
- ሊሎ ሚድያ ፌስቡክ ገፅ like, fellow ይግበሩ ርትዓዊ ምልከታታትን ትኩስ ሓበሬታን ክረኽቡ እዮም።

- youtube ቻናልና ሳብስክራብ ይግበሩ።
https://www.youtube.com/channel/UCYvPOhhTNUnjlw6hTLuREFw?sub_confirmation=1&app=desktop

ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ሊበራል ዴሞክራሲ ሓዱሽ ውዳባዊ ፕሮግራሙ ገይሩ ከምዝሰርሕ ብጉባኤ ዝተመረፁ ሓደሽቲ ኣመራርሓ እቲ ውድብ ገሊፆም።ኣብ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብውድብ ...
01/11/2023

ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ሊበራል ዴሞክራሲ ሓዱሽ ውዳባዊ ፕሮግራሙ ገይሩ ከምዝሰርሕ ብጉባኤ ዝተመረፁ ሓደሽቲ ኣመራርሓ እቲ ውድብ ገሊፆም።

ኣብ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብውድብ ባይቶና ዝተወከሉን ነቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ዝነፀጉን ኣባላት እቲ ውድብ ብወገኖም ኣብ መረፃ ትግራይ 2012 ዓ/ም ብመልክዕ ማኒፌስቶ ዘቕረበ ውድባዊ ፕሮግራም ሒዙ ዝቕፅል ምዃኑ ኣፍሊጦም።

ሊሎ ሚድያ (21 ጥቅምቲ ፣ 2016 ዓ/ም) ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ካብ ዕለት 17 ከሳብ 18 ጥቅምቲ 2016 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣመልኪቱ ብላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ውድብ ኣብ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለፂ፣ እቲ ውድብ 85 ሚኢታዊ ብሓደሽቲ ኣመራርሓ ከምዝተክአን፣ ሊበራል ዴሞክራሲ ርእዮተ አለም ብምኽታል ናብ ሓዱሽ መድረኽ ከምዝኣተወ ኣቦ ወንበር ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ ኣይተ ክብሮም በርሀን ምክትል ኣቦ ወንበር ኣይተ ዮሴፍ በርሀን ገሊፆም።

ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ስንፍና ፖለቲከኛታት ናብ ጥፍኣት ክኣቲ ኽኢሉ እዩ፣ ነዚ ድማ ከም ውድብ ይቅርታ ንሓትት ዝበሉ ኣቦ ወንበር ባይቶና ኣይተ ክብሮም በርሀ ብቐፃሊ ህዝቢ ትግራይ ካብ ዘንፀላሉ ዘሎ ተወሳኺ ጥፍኣትን ኲናትን ክድሕንን ባህሊ ፖለቲካ ትግራይ ክዕረን ከምዝሰርሑ ተዛሪቦም።

ምጥፍፋእ መሰረት ዝገበረ ባህሊ ፖለቲካ ትግራይ ሐዚ ከብቅዕ ኣለዎ ዝበሉ ኣይተ ክብሮም ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ብቐሊሉ ክረአ ከምዘይብሉን ህልውና ህዝቢ ትግራይ ንምቅፃል ካብ ሕሉፍ ተሞክሮ ምምሃር ከምዘድሊን ተዛሪቦም።

ኣቦ ወንበር ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ኣይተ ክብሮም በርሀ ህዝቢ ትግራይ ንፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ብንቕሓት ክከታተልን ንፖለቲካ ውድባት ትግራይ ድጋፍ ክገብርን ድማ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብስም ባይቶና ዝተወከሉ ኣመራርሓ እቲ ውድብ ብወገኖም ነቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ብምንፃግ ቅድሚ ሐዚ ዝነበረ ውድባዊ ፕሮግራም ከምዘቐፅሉ ኣፍሊጦም።

ብፅሑፍ ኣብ ዘውፅኡዎ መግለፂ "ቦርድ መረፃ ኢ/ያ ኣፍልጦ ዝሃቦም መተሓባበርቲ ኮሚቴ ዘግለለን ንኣብዝሓ ነባር ኣባላት ዘየሳተፈን ጉባኤ ብምክያድ ሓዱሽ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ዕላዊ ምግባሮምን፣ ብዛዕባ እቲ ተኻይዱ ዝተብሃለ ጉባኤ ቦርድ መረፃ ኢ/ያ ዝህቦ ግብረ መልሲ ክሳብ ዝርከብ ንዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት እንጥቀመሉ ዝነበርና ኩለመዳያዊ መዋቕር ይኹን ውድብና ኣብ መረፃ ትግራይ 2012 ዓ/ም ብመልክዕ ማኒፌስቶ ዘቕረቦ ውድባዊ ፕሮግራም ሒዙ ዝቕፅል ምዃኑ ነፍልጥ።" ክብሉ መርገፂኦም ዕላዊ ገይሮም እዮም።

"ርትዓዊ ምልከታ" ሊሎ ሚድያ (21 ጥቅምቲ ፣ 2016 ዓ/ም)


እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
- ሊሎ ሚድያ ፌስቡክ ገፅ like, fellow ይግበሩ ርትዓዊ ምልከታታትን ትኩስ ሓበሬታን ክረኽቡ እዮም።

- youtube ቻናልና ሳብስክራብ ይግበሩ።
https://www.youtube.com/channel/UCYvPOhhTNUnjlw6hTLuREFw?sub_confirmation=1&app=desktop

ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ጣልያናዊት ክልል ላዝዮን ንምትሕግጋዝን ተሓባቢርካ ንምስራሕን ዘኽእል ስምምዕነት ተፈሪሙ።ሊሎ ሚድያ (20 ጥቅምቲ ፣ 2016 ዓ/ም) ኣመሓዳሪ ክልል ላዝዮ  ሚስተር...
31/10/2023

ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ጣልያናዊት ክልል ላዝዮን ንምትሕግጋዝን ተሓባቢርካ ንምስራሕን ዘኽእል ስምምዕነት ተፈሪሙ።

ሊሎ ሚድያ (20 ጥቅምቲ ፣ 2016 ዓ/ም) ኣመሓዳሪ ክልል ላዝዮ ሚስተር ፍራንሲስኮ ሮካ ኣብ ማሕበራዊ ምትሕግጋዛት ብፍሉይ ድማ ኣዝዩ ተሃስዩ ንዘሎ ስርዓት ጥዕና ትግራይ ንምድጋፍ ዘኽእል ስምምዕ ሰነድ ምስ ፕሬዝዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ተፈራሪሞም።

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ኩነታት ከምዘሎ፣ መሬት ትግራይ ሕዚ እዉን ብ ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ተወሪሩ ብ ሚልዮናት ዝቑፀር ህዝቢ ኣብ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ኮይኑ ከቢድ ናይ ስቓይ እዋን የሕልፍ ከምዘሎ ነቲ ልኡኽ ጉጅለ ዘብርሁ ፕሬዝዳንት ጌታቸው ረዳ ፣ ሚስተር ፍራንሲስኮ ሮካ ፈታዊ ትግራይ ምዃኖም ብምግላፅ ንትግራይ ሕዚ እዉን ክሕግዙ ምምፅኦም ንኢዶም።

ኣምባሳደር ሃገረ ጣልያን ኣብ ኢ/ያ ዝርከብዎ ብ ኣመሓዳሪ ግዝኣት ላዝዮ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ከተማ መቐለ ተረኺቡ ኣብ ዩንቨርስቲ መቐለን ካልኦት ትካላትን ብምዝዉዋር ዝተዓዘበ እንትኸዉን ኣብ ላዝዮ ዘሎ ዩንቨርሲቲ ምስ ዩንቨርሲቲ መቐለ ብሓባር ዝሰርሑሉ ዕድል ከምዘመቻቹው እውን ገሊፆም።
©ትግራይ ቴቪ

"ርትዓዊ ምልከታ" ሊሎ ሚድያ (20 ጥቅምቲ ፣ 2016 ዓ/ም)


እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
- ሊሎ ሚድያ ፌስቡክ ገፅ like, fellow ይግበሩ ርትዓዊ ምልከታታትን ትኩስ ሓበሬታን ክረኽቡ እዮም።

- youtube ቻናልና ሳብስክራብ ይግበሩ።
https://www.youtube.com/channel/UCYvPOhhTNUnjlw6hTLuREFw?sub_confirmation=1&app=desktop

ቤት ማዘጋጃ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ግልጋሎት  ምሃብ ከምዝጀመረ አፍሊጡ።ሊሎ ሚድያ (19 ጥቅምቲ ፣ 2016 ዓ/ም) ድሕሪ ዝተካየደ ምፍላይን ምፅራይን ሰነዳት  ብዘይካ መሸጣን ዝውውርን ...
30/10/2023

ቤት ማዘጋጃ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ግልጋሎት ምሃብ ከምዝጀመረ አፍሊጡ።

ሊሎ ሚድያ (19 ጥቅምቲ ፣ 2016 ዓ/ም) ድሕሪ ዝተካየደ ምፍላይን ምፅራይን ሰነዳት ብዘይካ መሸጣን ዝውውርን ገዛ ከሉ ዓይነት ግልጋሎት ምሃብ ከምዝጀመረ ቤት ማዘጋጃ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ገሊፁ።

አብ ትግራይ ብዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ምኽንያት ግልጋሎት ምሃብ ጠጠው አቢሉ ዝነበረ ቤት ማዘጋጃ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ፣ አብ ሰነዳት ዝርአዩ ዝነበሩ ምጭብርባራት ንምፍላይ ኮምቴ አጣይሹ ድሕሪ ዝገበሮ ምፅራይ ሎሚ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ አብ ዝተረኸብሉ ብዕሊ ስራሕ ከምዝጀመረ ዋና ኣመሓዳሪ እታ ክፍለ ከተማ ኣይተ መንበሩ ንጉሰ ገሊፆም።

ኣብቲ ኣወሃህባ ግልጋሎት፣ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዘቀመጦ አንፈት መሰረት ሓዱሽ ካርታ ምስራሕ ፣ መሬት ምሻጥን ምልዋጥን ከምዘይከአል እቶም ኣመሓዳሪ ሓቢሮም።

ኣብታ ክፍለ ከተማ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ብዝተገበረ ምፅራይ ሰነዳት ካብቶም 8240 መዛግብቲ እቶም 646 ከይንቀሳቐሱ ተዓሺጎም ተወሳኺ ምፅራይ ክግበረሎም ከምዝተፈለዩ ምምሕዳር እቲ ክፍለ ከተማ ኣፍሊጡሎ።

"ርትዓዊ ምልከታ" ሊሎ ሚድያ (19 ጥቅምቲ ፣ 2016 ዓ/ም)


እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
- ሊሎ ሚድያ ፌስቡክ ገፅ like, fellow ይግበሩ ርትዓዊ ምልከታታትን ትኩስ ሓበሬታን ክረኽቡ እዮም።

- youtube ቻናልና ሳብስክራብ ይግበሩ።

አዲስ እና ተአማኒ መረጃዎች በሐላፊነት ወደናንተ እናደርሳለን... ሰብስክራይብ በማድረግ የሊሎ ቤተሰብ ይሁኑ::በዚህ ቴሌግራም ላይ ልታገኙን ትችላላችሁ::

29/10/2023

እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ኣመልኪቱ ብጥምረት ማሕበራት ተጋሩ ዲያስፖራ (ኣታድ) ዝወፀ
መግለፂ ቅዋም

ናይ ስዉኣትና መርድእ ይኣኽለና ካልኣይ መርድእ ኣይተስምዑና!

1.ጊዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ይኹን ህወሓት ትግራይ ኣብዚ እዋንዚ ዘለዋ ኣዝዩ መሰከፊ ኩነታት ብምግማትን ብምእማትን፣ ማእኸልኩም ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ብምግባር ፣ እቲ ዝተኸፍለን ዝኽፈል ዘሎን መስዋእቲ ኣብ ሚዛን ብምእታው፣ ብምስትውዓል፣ ብጥበብ፣ ብውፍይነትን ብተገዳስነትን ንኽትሰርሑ ብትሪ ንሓትት።ካብዚ ሓሊፉ ሕዝብና ናብ ዝገደደ ምክፍፋል ብምእታው ንዳግም ሓደጋ እንተተቓሊዑ ብታሪክን ብሕግን ተሓተቲ ምኻንኩም ክንሕብር ንፈቱ ።

2. ናይ መንግስትን ውድብን ስራሕቲ ነናይ ባዕሉ ክኢሉ ከይተሓሟዘቐ፤ መንግስቲ ናይ መንግስትነቱ፣ውድብ ናይ ውድብነቱ ግና ብምድግጋፍ ክትሰርሑን ባህግታት ህዝቢ ትግራይ ብዝተማለአ መልክዑ ንኽፍፀም ክትቃለሱ ብፅንዓት ንሓትት።

3. ኣብ ስሩዕን ማሕበራዊ ሚድያታት ትግራይ ትነጥፉ ዘለኹም ኣካላትን ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ትግራይን ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ብምጉህሃር ዘይኮነስ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ክፈትሕ ብዘኽእል መገዲ ንኽትቃለሱ ኣትሪርና ንሓትት።

ኣብ መወዳእታ ኣብ ትግራይ ጉዳይ የእትወና ኢዩ ትብሉ ዓበይቲ ዓዲ፣ ቤተ እምነታት፣ ሲቪክ ማሕበራት፣ ተንሓናሕቲ ፖለትካዊ ውድባትን ሓይልታት ፀጥታ ትግራይን እቲ ጉዳይ ብኣዎንታዊ መልክዑ ንኽዛዘም ብጊዜ የብልናን መንፈስ ንኽትቀሳቐሱ ንዕድም።

ጥምረት ማሕበራት ትግራይ ዲያስፖራ /ATAD/
ጥቅምቲ 28 2023 ዓ/ም/ፈ

እዋናዊ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብዚ እዋን ኣመራርሓን መላእ ህዝብናን ኣብ ናይ ቀውዒ ማእቶት ምእካብ ኣበርቲዖም ንክረባረቡ ናይ ስራሕ መምርሒ ከምዘውረደን ...
28/10/2023

እዋናዊ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብዚ እዋን ኣመራርሓን መላእ ህዝብናን ኣብ ናይ ቀውዒ ማእቶት ምእካብ ኣበርቲዖም ንክረባረቡ ናይ ስራሕ መምርሒ ከምዘውረደን በዚ መሰረት ድማ ናብ ጭቡጥ ስራሕ ከምዝኣተናን ይፍለጥ።

ይኹን እምበር ሓበራዊ ምውዳድ ዘይተገበረሉ ናይ ላዕለዎት ካድረታት ኣኼባ ተፀዊዑ ነይሩ እዩ። ኣብ ኣድላይነት እቲ መድረኽ ኣፈላላይ እንተዘይሃለወ እውን ኣብዚ እዋን ቀዳምነት ተዋሂብዎ ክካየድ ዝግብኦ ከምዘይኮነ ምርድዳእ ተበፂሑ እዩ ።

በዚ መሰረት እውን ሎሚ 17 ጥቅምቲ 2016ዓ.ም (ንጎሆ) ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ ኣመራርሓ ውድብን ሓለፍቲ ፀጥታን ብዝተገብረ ሓበራዊ ምርድዳእ እቲ ተፀዊዑ ዝነበረ ኣኼባ ተዓፂፉ እቲ ንኣኼባ መፂኡ ዝነበረ ኣመራርሓ መንግስቲ ናብ ዘቀመጦ ዕምም (ዝበፅሐ እኽሊ ክእክብ፣ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ክከላኸልን እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብ ካብ ዘብፅሖ ሓደጋ እናተኸላኸለ ጠብ ዝበለት ማይ ናብ ረብሓ ህዝብና ንምቕያርን) ብዝተወደበ መንገዲ ንክዋፈሩ ምርድዳእ ተበፂሑሉ እዩ።

ነዚ ሓበራዊ ውሳነ ስዒቡ ድማ ነዚ ኣኼባ ዝፀወዐ ኣመራርሓ ውድብ ህወሓት እቲ ኣኼባ ንካሊእ እዋን ከምዝተመሓላለፈ ነቶም ዝመፅኡ ካድረታት ውድብ መብርሂ ሂቡ ክስንዮም ኣንፈት ተቐሚጡ እዩ።

ካብዚ ወፃእ ኣብዚ እዋን ብብርኪ ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ዝካየድ ዝኾነ ዓይነት ኣኼባ ከምዘየለ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ደጊሙ እናፍለጠ መሪሕነትና እውን ናብ ስሩዕ መደባቱ ክረባረብ ይግባእ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ
17 ጥቅምቲ 2016ዓ.ም
መቐለ

ናይ መንግስቲ፣ ንህዝብን ዓድን ዝረብሕ ስራሕ  ዘዐንቅፍ ዝኾነ ይኹን ኣካል ስጡም ስጉምቲ ከምዝውሰድ ፕሬዝዳንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ኣተሓሳስቦም። ሊሎ ሚድያ (16 ጥቅምቲ ...
27/10/2023

ናይ መንግስቲ፣ ንህዝብን ዓድን ዝረብሕ ስራሕ ዘዐንቅፍ ዝኾነ ይኹን ኣካል ስጡም ስጉምቲ ከምዝውሰድ ፕሬዝዳንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ኣተሓሳስቦም።

ሊሎ ሚድያ (16 ጥቅምቲ ፣ 2016 ዓ/ም) ህዝብን መንግስትን ኣብዚ ግዘ ዘይህብ ድርቅን ወቕቱ ዘይሓለወ ዝናብን ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋ ንምክልኻል ኢደይ ኢድካ ብምባል ሓያል ርብርብ ኣብ ዝግበረሉ እዋን፣ መንግስቲ ብዘይፈልጦ፣ ናይ ህዝቢ ሃፍቲ ብምብኻን ካብ 14 ጥቅምቲ 2016 ዓም ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ካብ ጣብያ፣ ወረዳን ዞባን ዝተኣኻኸበ ሓይሊ ኣኼባ ናብ መቐለ ምፅውዑ ምኽንያቱ ግልፂ ከምዘይኮነ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።

ናይዚ ቀንዲ ተሳተፍቲ በቢብርኩ ዘለው ናይ ህዝቢ ምልዕዓል ሓለፍቲ እንትኾኑ መንግስትን ህዝብን ዝሃቦም ሓላፍነት ኣብዘይተጠቐሙ ኣካላት ስጉምቲ ተወሲዱ ኣሎ። እዚ ዝተጀመረ ስጉምቲ እውን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ፕረዚደንት ጌታቸው ገሊፆም።

እዞም መለዓዓልቲ ህዝቢ ነቲ ኣብ መሬት ኣጋጢሙና ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ፣ ህዝቢ ሒዝካ ኣብ ክንዲ ምውፋር ናብ መቐለ መፂኻ ምእካብ ዕላምኡ ግልፂ ከምዘይኮነ እውን ፕረዚደንት ጌታቸው ሓቢሮም።

በቲ ዝተገበረ ናይ ኣኼባ ፃውዒት " ኣብ ገለገሊኡ ስንቂ እውን ሒዞም ንኽመፁ" ከምዝተነገሮም ዝሓበሩ ፕረዚደንት ጌታቸው፣ እዚ ክፍተት ምስ ዝምልከቶም ላዕለዎት ኣመራርሓ ውድብ ከምዝዝትይሉን ነቶም ኣብ ካሊእ ስራሕ ውዒሎም ካብ ሓላፍነቶም ዝተልዓሉ ኣካላት ኣብቲ ዝነበርዎ ቦታ ክፍተት ንኸይፍጠር መንግስቲ ብቕልጡፍ መስተኻኸሊ ስጉምቲ ይወስደሉ ከምዘሎ ገሊፆም።

"ነቲ ሐዚ በፂሑና ዘሎ ፀገም ሰራዊትና፣ ውድብናን ህዝብናን ኣንቀሳቒስና ንምስትኽኻል ክስራሕ እዩ" ዝበሉ ፕረዚደንት ጌታቸው፤ ዝኾነ ይኹን ኣካል ኣይትተኣከቡ ዝበለ ከምዘየለ እውን ተዛሪቦም።

ለይቲ ሰዓት 7 ሰባት ፀዊዕኻ ኣብ መቐለ መድረኽ ናይ ምክያድ ተግባር ህዝብና ካብቲ ገጢምዎ ዘሎ ሽግር ንምውፃእ መንግስቲ እናገበሮ ንዝርከብ ልዑል ፃዕሪ ዝዘርግ ስለዝኾነ ክዕገት ከምዘለዎ ፕረዚደንት ጌታቸው ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ጌታቸው ኣተሓሕዞም፣ ኩሉ በቢብርኩ ዝርከብ ናይ መንግስቲ ኣካል ህዝብን መንግስትን ዝሃቦ ሓላፍነት ብኣግባቡ ብምውፃእ ንህዝቢ ዝረብሕ ነገር ንኽሰርሕ ፀዊዖም።

"እቲ ክእከብ ዝግባእ ምህርቲ ምእካብ እምበር ፍርቂ ለይቲ ናብ ኣኼባ ኣርክቡ ምባል ዕላምኡ ኣይተፈለጠን። ስለዚ ነዚ ናይ መንግስቲ ንህዝብን ዓድን ዝረብሕ ስራሕ ዘዐንቅፍ ዝኾነ ይኹን ኣካል ድማ ስጡም ስጉምቲ ከምዝውሰድ ፕረዚደንት ጌታቸው ኣተሓሳስቦም ክብል ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ኣብ ፌስቡክ ገፅ ፀብፂቡሎ።

ቤት ፅሕፈት ህወሓት ካድረታቱ ንኣኼባ ናብ መቐለ ንክመፁ ፃውዒት ኣቕሪቡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

"ርትዓዊ ምልከታ" ሊሎ ሚድያ (16 ጥቅምቲ ፣ 2016 ዓ/ም)


እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
- ሊሎ ሚድያ ፌስቡክ ገፅ like, fellow ይግበሩ ርትዓዊ ምልከታታትን ትኩስ ሓበሬታን ክረኽቡ እዮም።

- youtube ቻናልና ሳብስክራብ ይግበሩ።
https://www.youtube.com/channel/UCYvPOhhTNUnjlw6hTLuREFw?sub_confirmation=1&app=desktop

ህዝብና ከይትደናገር - ፕሬዚዳንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ሊሎ ሚድያ (15 ጥቅምቲ ፣ 2016 ዓ/ም) ብስም ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ክልል ትግራይ ዝተኸፈተ ናይ ፌስቡክ ገፅ ከምዘ...
26/10/2023

ህዝብና ከይትደናገር - ፕሬዚዳንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ

ሊሎ ሚድያ (15 ጥቅምቲ ፣ 2016 ዓ/ም) ብስም ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ክልል ትግራይ ዝተኸፈተ ናይ ፌስቡክ ገፅ ከምዘየለ ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ኣብ ትዊተር (x) ገፆም ሓቢሮም።

እቶም ፕሬዚዳንት ብስም ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ክልል ትግራይ ብዝተኸፈቱ ናይ ፌስቡክ ገፃት ዝውዝዑ ዘለው ሓበሬታታት ህዝብና ከይትደናገር ክብሉ መልእኽቶም ኣሕሊፎም።

"ርትዓዊ ምልከታ" ሊሎ ሚድያ (ጥቅምት 15 ፣ 2016 ዓ/ም)


እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
- ሊሎ ሚድያ ፌስቡክ ገፅ like, fellow ይግበሩ ርትዓዊ ምልከታታትን ትኩስ ሓበሬታን ክረኽቡ እዮም።

- youtube ቻናልና ሳብስክራብ ይግበሩ።
https://www.youtube.com/channel/UCYvPOhhTNUnjlw6hTLuREFw?sub_confirmation=1&app=desktop

የትግራይ ግዚያዊ አስተዳደር የኢትዮጵያ ሰብአዊ መብቶች ኮምሽን ተፈናቃዮችን በተመለከተ ያወጣውን ሐላፊነት የጎደለው ያለው ሪፖርት፣  የሰላም ሂደቱን የሚያውክ በመሆኑ የፌዴራል መንግስት ተገቢ...
26/10/2023

የትግራይ ግዚያዊ አስተዳደር የኢትዮጵያ ሰብአዊ መብቶች ኮምሽን ተፈናቃዮችን በተመለከተ ያወጣውን ሐላፊነት የጎደለው ያለው ሪፖርት፣ የሰላም ሂደቱን የሚያውክ በመሆኑ የፌዴራል መንግስት ተገቢውን የእርምት እርምጃ እንዲወስድ ጥሪ አቀረበ።

ሊሎ ሚድያ (ጥቅምት 15 ፣ 2016 ዓ/ም) ኢሰመጉ ተፈናቃዮችን በተመለከተ ባወጣው ሁለተኛ ሪፖርት ላይ የፌዴራል መንግስት ባደረገው ጥረት በጦርነት ምክንያት የተፈናቀሉ ተጋሩ በብዛት ወደ ቀያቸው እንደተመለሱና ሰብአዊ ድጋፍም እየተደረገላቸው መሆኑን በሪፖርቱ ማቅረቡ ተቀባይነት የሌለው እና ሐላፊነት የጎደለው ተግባር ሲል የትግራይ ግዚያዊ አስተዳደር ባወጣው መግለጫ ኮንኖታል።

ግዚያዊ አስተዳደሩ በመግለጫው በሚልዮን የሚቆጠሩ ተጋሩ ከአካባቢያቸው ተፈናቅለው በከፋ ሁኔታ ባሉበት ሁኔታ፣ የትግራይ ግዚያዊ አስተዳደር ተፈናቃዮች ወደ ቀያቸው ይመለሱ በማለት እየወተወተ ባለበትና ተፈናቃዮቹን ለመመለስ እዚህ ግባ የሚባል ተግባራዊ እንቅስቃሴ ባልተደረገበት ሁኔታ፣ የኢትዮጵያ ሰብአዊ መብቶች ኮምሽን እንዲህ ዓይነት ሐላፊነት የጎደለው ሪፖርት ማውጣቱ በዋናነት ኮምሽኑ ካሁን በፊት በትግራይ ህዝብ ላይ ሲያደርስ የነበረውን በደል የሚያስቀጥል እና በትግራይ ህዝብ ስቃይ ማለገጥ ነው ሲል ተግባሩን ኮንኖታል።

ከዚህ በተጨማሪም ሪፖርቱ የዓለም ማሕበረሰብን ለማጭበርበር አልሞ ሆነ ብሎ ያዘጋጀው ቅጥፈት በመሆኑ ተቀባይነት የሌለው መሆኑን ግዚያዊ አስተዳደሩ በመግለጫው አመላክቷል።

የፌዴራል መንግሰት እንዲህ ዓይነት ሐላፊነት የጎደላቸው ሪፖርቶች ሆን ተብሎ በመዋቅሩ ይፋ ሲደረጉ፣ የሰላም ሂደቱን የሚያውኩ እና መተማመንን የሚሸረሽሩ መሆናቸውን ከግምት በማስገባት ተገቢውን እርምጃ በመውሰድ እንዲያርማቸው የትግራይ ግዚያዊ አስተዳደር ጥሪ አቅርቧል።

"ርትዓዊ ምልከታ" ሊሎ ሚድያ (ጥቅምት 15 ፣ 2016 ዓ/ም)


እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
- ሊሎ ሚድያ ፌስቡክ ገፅ like, fellow ይግበሩ ርትዓዊ ምልከታታትን ትኩስ ሓበሬታን ክረኽቡ እዮም።

- youtube ቻናልና ሳብስክራብ ይግበሩ።
https://www.youtube.com/channel/UCYvPOhhTNUnjlw6hTLuREFw?sub_confirmation=1&app=desktop

ኣብ ትግራይ ብሓደ ግዱስ በዓል ሃፍቲ 7ተ ኣብያተ ትምህርቲ ንምህናፅ  እምነ ሰረት ተነቢሩ።ሊሎ ሚድያ (11 ጥቅምቲ ፣ 2016 ዓ/ም) ኣብ ሸውዓተ ዞባታት ትግራይ ብልዕሊ 350 ሚልዮን ብር...
22/10/2023

ኣብ ትግራይ ብሓደ ግዱስ በዓል ሃፍቲ 7ተ ኣብያተ ትምህርቲ ንምህናፅ እምነ ሰረት ተነቢሩ።

ሊሎ ሚድያ (11 ጥቅምቲ ፣ 2016 ዓ/ም) ኣብ ሸውዓተ ዞባታት ትግራይ ብልዕሊ 350 ሚልዮን ብር 7 ኣብያተ ትምህርቲ ንምህናፅ ስምምዕነት ሰነድ ተፈራሪሙ።

ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ብኲናት ዝዓነወት ትግራይ ዳግም ንምህናፅ ሰብ ሃፍቲ ኮነ ካልእ ዓቕሚ ዘለዎ ትግራዋይ ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ቅዱስ ተግባር ክረባረብን ሕድሪ ሰማእታት ትግራይ ከተግበርን ኣተሓሳሲቦም።

በዓል ሃፍቲ ክቡር ዶክተር ዘርኡ ገብረሊባኖስ ሃፍትኻ እትውንኖን ዕውትን ዝኸውን ኣብ ረብሓ ህዝቢ እንትተውዕሎ እዩ ብምባል ኩሉ ዓቕሚ ዘለዎ ትግራዋይ ብዝኸኣሎ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምፍታሕ ክረባረብ ይግባእ ኢሎም።

ንሕድሕድ ኣብያተ ትምህርቲ 50 ሚልዮን ብር ከም ዝተመደበለንን ህንፀት እተን ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ሓፂር ግዜ ተሳሊጡ ናብ ኣገልግሎት ክኣትዋ ብፅፈትን ሰለጤንን ክስራሕ ምዃኑ እውን በዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገብረሊባኖስ ሓቢሮም።

እቲ ስነ-ስርዓት ምፍርራም ኣብ ክፍለ ከተማ ኲሓ ዕላዊ ዝተገበረ ኮይኑ ካብ ኩሎም ዞባታት ተወከልቲ ተረኺቦም ተፈራሪሞም እዮም።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምፍርራም ኣብ ዞባ መቐለ ክፍለ ከተማ ኲሓ ጣብያ ማይ ፀዶ ኲሓ ቁሸት ዝባን ዛላ ንዝህነፅ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ እምነ ሰረት ብፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳን በዓል ሃፍቲ ክቡር ዶክተር ዘርኡ ገብረሊባኖስን ተነቢሩ፤ ከም ፀብፃብ ኤመሓት።

"ርትዓዊ ምልከታ" ሊሎ ሚድያ (11 ጥቅምቲ ፣ 2016 ዓ/ም)


እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
- ሊሎ ሚድያ ፌስቡክ ገፅ like, fellow ይግበሩ ርትዓዊ ምልከታታትን ትኩስ ሓበሬታን ክረኽቡ እዮም።

- youtube ቻናልና ሳብስክራብ ይግበሩ።
https://www.youtube.com/channel/UCYvPOhhTNUnjlw6hTLuREFw?sub_confirmation=1&app=desktop

ካቢኔ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ መሰልን ጥቕማ ጥቕምን ስድራ ስውኣት ሓርበኛታትን ስድራ ሓርበኛታትን ኣመልኪቱ ዘትዩ።ሊሎ ሚድያ (09 ጥቅምቲ ፣ 2016 ዓ/ም) ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት...
20/10/2023

ካቢኔ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ መሰልን ጥቕማ ጥቕምን ስድራ ስውኣት ሓርበኛታትን ስድራ ሓርበኛታትን ኣመልኪቱ ዘትዩ።

ሊሎ ሚድያ (09 ጥቅምቲ ፣ 2016 ዓ/ም) ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ንሚዲያታት ከም ዝገለፅዎ፣ መሰልን ጥቕማ ጥቕምን ስድራ ስውኣት ሓርበኛታትን ስድራ ሓርበኛታትን ንምኽባር ካቢኔ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዝርዝር ርእዩ ወሲኑ ኣሎ።

ብዛዕባ እዚ ቅድም ኢሉ መፅናዕትታት እናተኻየደን ንውሕ ዝበለ ርሕቀት ከምዝተኸደ ዝሓበሩ ኣይተ ረዳኢ፣ ሕዚውን ሰፊሕ ተሳትፎ ህዝቢ ስለዘድሊ ኣብ ቀፃሊ ምስ ህዝቢ ዓሚዩቕ ምይይጥ ከም ዝካየድ ሓቢሮም።

ብዘይካዚ መቓብር ሓርበኛታት ብዝምልከት፣ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኩሎም በቢ ሽንጥሮኡ ዘለው ስውኣትን ሰማእታትን ናብ በብከባቢኡ ዝጣየሹ ማእኸል መቓብር ሓርበኛታት ክጓዓዙ ከም ዝወሰነ ኣገንዚቦም።

ከምኡ እውን እዞም ምእንተ ክብሪ ህዝቢ ትግራይ ኢሎም ዝተዋደቑ ጀጋኑ ስውኣት ትግራይ ዝኾነ ይኹን ሰብ ካብ ዝወደቑሉ ቦታ ካብ ዝዓረፍሉ ወይውን ካብ ዝተቐበርሉ ቦታ ካብ ናይ መንግስቲ ይኹን ናይ ኮምሽን ሓርበኛታት ትግራይ ፍቓድ ወፃኢ ምንቅስቃስ ፍፁም ዝተኸልከለ ምዃኑ ኣይተ ረዳኢ ገሊፆም።

"ርትዓዊ ምልከታ" ሊሎ ሚድያ (09 ጥቅምቲ ፣ 2016 ዓ/ም)


እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
- ሊሎ ሚድያ ፌስቡክ ገፅ like, fellow ይግበሩ ርትዓዊ ምልከታታትን ትኩስ ሓበሬታን ክረኽቡ እዮም።

- youtube ቻናልና ሳብስክራብ ይግበሩ።
https://www.youtube.com/channel/UCYvPOhhTNUnjlw6hTLuREFw?sub_confirmation=1&app=desktop

ኢትዮጵያ ክልል ኣየራ ብብቕዓት ንምሕላው ዘኽእል ሓይሊ ኣየር ከምዝሃነፀት  ኣፍሊጣ።ሊሎ ሚድያ (09 ጥቅምቲ ፣ 2016 ዓ/ም) 24 ሰዓት ክልል ኣየር ኢትዮጵያ ብዘተኣማምን ብቕዓት ንምሕላው...
20/10/2023

ኢትዮጵያ ክልል ኣየራ ብብቕዓት ንምሕላው ዘኽእል ሓይሊ ኣየር ከምዝሃነፀት ኣፍሊጣ።

ሊሎ ሚድያ (09 ጥቅምቲ ፣ 2016 ዓ/ም) 24 ሰዓት ክልል ኣየር ኢትዮጵያ ብዘተኣማምን ብቕዓት ንምሕላው ዘኽእል ሓይሊ ኣየር ከምዝሃነፀ ዋና መምርሒ መሳርሒን ፅገናን መከላኸሊ ኣየር ኣፍሊጡ።

ሓላፊ እቲ መምርሒ ኮሎኔል ተሾመ ባጫ ከምዝገለፁዎ÷ እቲ ሓይሊ ኣየር ናይ ምትግባር ዓቕሙ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ክብ ኢሉ ኢዩ፡፡

እቲ ሓይሊ ኣየር ብዘመናዊ ቴክኖሎጂታትን ብዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብን ኣብ ምውዳብ ዝበረታታዕ ስራሕ ከምዝተወገነ እውን እቶም ሓላፊ ኣመልኪቶም፡፡

ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ብዘበናዊ ዕጥቂን ብቑዕ ሓይሊ ሰብን ክሕገዝ ምግባር ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ዘተኣማምን ዘብዒ ክልል ኣየር ኢትዮጵያ ኮይኑ ከምዝተሃነፀ ኣረጋጊፆም፡፡

እቲ ሓይሊ ኣየር ዝተዓጠቖም መሳርሒታት ብምፅጋን ብግቡእ ኣብ ረብሓ ክውዕሉ ንምግባር ዘኽእል ብቑዕ ሓይሊ ሰብ ከምዘፍረየ እውን ሓቢሮም ክብል ኢዜአ ፀብፂቡ፡፡

ምውናን በሪ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ናይ ህልውና ጉዳይ ምኳኑ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብዚ ሰሙን ንኣባላት ተወከልቲ ህዝቢ ገለፃ ምግባሮም ስዒቡ፣ ብመራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ዓብዩ ኣጀንዳ ተገይሩ ካብ ምውዕዋዕ ብዝዘለለ ወታደራዊ ኣመራርሓ እታ ሃገር ወታደራዊ ዓቕሞም ዘርእይሉ ኹነታት ምስትውዓሉ ብቐፃሊ ኲናት ከየስዕብ ብርክት ዝበሉ ተንተንቲ ኣካላት ስግኣቶም እናገለፁ እዮም።

"ርትዓዊ ምልከታ" ሊሎ ሚድያ (09 ጥቅምቲ ፣ 2016 ዓ/ም)


እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
- ሊሎ ሚድያ ፌስቡክ ገፅ like, fellow ይግበሩ ርትዓዊ ምልከታታትን ትኩስ ሓበሬታን ክረኽቡ እዮም።

- youtube ቻናልና ሳብስክራብ ይግበሩ።
https://www.youtube.com/channel/UCYvPOhhTNUnjlw6hTLuREFw?sub_confirmation=1&app=desktop

’’ ህዝብና ሰንሰን ዘብሉ ቆራዲድ ካብ ዝኾነ ይኹን መሓውር ክእለይሉ ዝኽእሉ ኩነታት ክንፈጥር ግድን እዩ።’’ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳሊሎ ሚድያ (06 ጥቅምቲ ፣ 2016 ዓ/ም) ፕሬዝዳንት ግ...
17/10/2023

’’ ህዝብና ሰንሰን ዘብሉ ቆራዲድ ካብ ዝኾነ ይኹን መሓውር ክእለይሉ ዝኽእሉ ኩነታት ክንፈጥር ግድን እዩ።’’ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ

ሊሎ ሚድያ (06 ጥቅምቲ ፣ 2016 ዓ/ም) ፕሬዝዳንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ መዛዘሚ መድረኽ ብሄራዊ መርድእን ዝኽርን ስውኣት ትግራይ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ "መንፈስ ስውኣትና ክቀስንን ሰላምን ድሕንነትን ክስስንን ዝኽሪና ንዐኦም ብንህቦ ክብሪን ሕድሮም ንዘይምዕባር ብንገብሮ ፃዕሪን ክዕጀብ ግድን እዩ" ኢሎም።

ፀላእትና ዘሎን ዘየለን ዓቕሞም ተጠቒሞም ንህዝብና ከፅንቱ ዝፈፀምዎ ታሪኽ ዘይርስዖ ገበን ክፅብፀብ ጥራሕ ዘይኮነስ ክንዲ ዝወሰደ ግዜ ይውሰድ ተሓታታይነት ክረጋገፅ ክንሰርሕ ኣለና። እዚ ዘይሕለፍ መስመር እዩ ዝበሉ ፕሬዝዳንት ጌታቸው ረዳ፣ ከም መራሕቲ ታይ ስለዝገበርና፣ ወይ ስለዘይገበርና ኣብዚ ናይ ፅንተት ሓደጋ’ዚ ጥሒልና ዝብል ውራይ ንፅባሕ ከይበልና ብኣደባባይ ክንፍትሽ፣ ልዕሊ ኩሉ ክንንሳህን ክንማሃርን ግን ድማ ብስሩዕ ተሓታትነት ንምርግጋፅ ብዘኽእለና መንገዲ ክንዝትየሉን ብዘይንሕስያ ክንጋፈጦን ዝግበአና ቀንዲ ዛዕባና ክኸውን ይግባእ ኢሎም።

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ መደርኦም ውሑዳት ብዝወስንዎ ወይ ክወስድዎ እናተገበኦም ብዘይገበርዎ ውሳነ ምክንያት ህልውናና ከም ህዝቢ ናብ ሓደጋ ዝወድቀሉ ኩነታት ክእርም እንተድኣ ኾይኑ፣ በቢ ሰላሳ ዓመቱ ደድሕሬና እናሰዓበ ኣሸሓት እናኸፈልና ኣብ ፀድፊ ጥፍኣት ዘብፅሐና ሽተላይ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ክውገድ እንተድኣ ኾይኑ ፖለቲካና ንሓንሳብን ንሓዋሩን ክዕሪ ክንሰርሕ ኣለና ክብሉ ተሰሚዖም።

መስዋእትነት ከም ሕብሽቲ ዝተማቐሉ ሓይልታት፣ መንገዲ መፃኢት ትግራይ ኣብ ምትላም ሓደ ወዲ ገዛ፣ ካሊእ ጓና ዝኾነሉ ኩነታት ክህሉ የብሉን ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው ብዛዕባ ወንበሩ፣ ብዛዕባ ርስቱ ቀልጢፉ ናብ ሕቱኽቱኽ ዝኣቱ ወገን ዝዕገስ እንግድዓ ከምዘይብልና ብምርኣይ ጥራሕ ኢና ስውኣትና ንድብሶምን ክብሉ ኣረጋጊፆም።።

እቶም ፕሬዝዳንት ኣብ መደርኦም ኣብ ፍትሒ ፀጥታ፣ ኣብ ምሕደራ ዝረኣያ ሽግራት ክፍትሑ፣ ብስርቂ፣ ብጉሕለትን ብስኣን ሰናይ ምሕደራን ህዝብና ሰንሰን ዘብሉ ቆራዲድ ገፆም ይከወል ምባል ጥራሕ ከይንኮነስ ካብ ዝኾነ ይኹን መሓውር ክእለየሉ ዝኽእሉ ኩነታት ክንፈጥር ግድን እዩ ክብሉ ተዛሪቦም።

ህዝቢ ትግራይ ምስ ኩሎም ጎረባብቱ ኣምሓራ፣ ዓፋር ፣ኤርትራን ሱዳንን ብሰላም ክነብር ድልዊ ምዃኑ ዝገለፁ ፕሬዝዳንት ጌታቸው ረዳ ይኹን እምበር ንካልኦት ክኸውን ዘይንምነዮ ኣብ ልዕሌናን ክኸውን ዘይንደሊ ኣብ ህልውናና ዘይንዳራደር ህዝቢ ምዃና ድማ ኩሎም ጎረባብትና ክዝንግዕዎ እዮም ኢልና ኣይንኣምንን ክብሉ ተዛሪቦም።

ምስ ኩሎም ናይ ፖለቲካ ሓይልታት ተቐራሪብካ ናይ ሓባር ቤትና ክቃናዕ ካብ ምሰራሕ ወፃኢ መማረፂ የለን ዝበሉ እቶም ፕሬዚዳንት እቲ ሕዚ ፅልግልግ ዝብል ኩነታት ቀልጢፍና ተረባሪብና ናብ ዝተማልአ ብርሃን ንአትወሉ ኩነታት ክንፈጥር ንረባረብ ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

"ርትዓዊ ምልከታ" ሊሎ ሚድያ (06 ጥቅምቲ ፣ 2016 ዓ/ም)

- ሊሎ ሚድያ ፌስቡክ ገፅ like, fellow ይግበሩ ርትዓዊ ምልከታታትን ትኩስ ሓበሬታን ክረኽቡ እዮም።

- youtube ቻናልና ሳብስክራብ ይግበሩ።
https://www.youtube.com/channel/UCYvPOhhTNUnjlw6hTLuREFw?sub_confirmation=1&app=desktop

Baga Ayyaana Irreechaa 2016 Geessani
06/10/2023

Baga Ayyaana Irreechaa 2016 Geessani

ብኲናት ዝዓነወ መዕርፎ ነፈርቲ ኣክሱም ስራሕቲ ፅገና ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ንምዝዛም ከይዲ ምሕራይ ኮንትራክተራት ተጀሚሩ።ሊሎ ሚድያ (16 መስከረም፣ 2016 ዓ/ም) ኣብ ትግራይ ብዝተኻ...
27/09/2023

ብኲናት ዝዓነወ መዕርፎ ነፈርቲ ኣክሱም ስራሕቲ ፅገና ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ንምዝዛም ከይዲ ምሕራይ ኮንትራክተራት ተጀሚሩ።

ሊሎ ሚድያ (16 መስከረም፣ 2016 ዓ/ም) ኣብ ትግራይ ብዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ከቢድ ዕንወት ዝበፅሖ መዕርፎ ነፈርቲ ኣክሱም ንምፅጋን ዝኽእሉ ስራሕ ተቋረፅቲ (ኮንትራክተራት) ኣብ ከይዲ ምሕራይ ከምዝርከብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ መንገዲ ኣየር 2 መስከረም 2016 ዓ/ም ንኻልኣይ ግዘ ኣብ ዘውፀኦ ምልክታ ጨረታ ብርኪ ክልተን ልዕሊኡን ዝኾኑ ሓፈሻዊ ስራሕ ተቋረፅቲ (ኮንትራክተራት) ብምእንጋድ መዕርፎ ነፈርቲ ኣክሱም ንምፅጋን ከምዝደሊ ይገልፅ።

እቲ ጨረታ 28 መስከረም 2016 ዓ/ም ድሕሪ ሰዓት ከምዝኽፈት ተሓቢሩሎ።

መዕርፎ ነፈርቲ ኣክሱም ኣብ ኩሉ ዓይነት መሰረተ ልምዓቱ ዕንወት ከምዝበፅሖን፣ እቲ ፅገና ድማ መዕረፊን መበገስን ነፈርቲ፣ ህንፃ ተርሚናል ምፅጋንን ምሕዳስን ትኹረት ዝገበረ ምዃኑ እቲ መንገዲ ኣየር ኣፍሊጡሎ።

እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ድሕሪ እቲ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት ብዝበፅሖ ዕንወት ክሳብ ሐዚ ግልጋሎቱ ተቋሪፁ እዩ ዝርከብ።
ቅድሚ እቲ ኲናት ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣክሱም መዓልታዊ ክልተ በረራታት ይካየዱ ምንባሮም ዝዝከር እዩ።

ዝበፅሐ ዕንወት ብዝምልከት ብዝተኻየደ መፅናዕቲ መሰረት፣ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንፅገናን ዳግመ ህንፀትን ስራሕቲ እኹል በጀት ከምዘዳለወ እውን ኣፍሊጡሎ።

ኮንትራክተር ተሓርዩ ስራሕ ምስተጀመረ ከይዲ ፅገና ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ከምዝዛዘምን፣ ብዝምከቶም ኣካላት መፅናዕቲ ምስተገበረሉ ድማ ሽዑ ንሽዑ በረራ ከምዝጅምር ተሓቢሩሎ።
©ሪፖርተር

"ርትዓዊ ምልከታ" ሊሎ ሚድያ (16 መስከረም፣ 2016 ዓ/ም)

- ሊሎ ሚድያ ፌስቡክ ገፅ like, fellow ይግበሩ ርትዓዊ ምልከታታትን ትኩስ ሓበሬታን ክረኽቡ እዮም።

- youtube ቻናልና ሳብስክራብ ይግበሩ።
https://www.youtube.com/channel/UCYvPOhhTNUnjlw6hTLuREFw?sub_confirmation=1&app=desktop

ኣብ ውሽጥና ብዘሎ ናይ መሪሕነትን ምሕደራናን ድኽመታት ኣብ ሕማቕ ብርኪ ንርከብ  ኢሉ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት፡፡ ሊሎ ሚድያ (14 መስከረም፣ 2016 ዓ/ም)  ማእኸላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ...
25/09/2023

ኣብ ውሽጥና ብዘሎ ናይ መሪሕነትን ምሕደራናን ድኽመታት ኣብ ሕማቕ ብርኪ ንርከብ ኢሉ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት፡፡

ሊሎ ሚድያ (14 መስከረም፣ 2016 ዓ/ም) ማእኸላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ንሓደ ሰሙን ዝኣክል ግዘ ኣብ ህልው ኩነታት ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ፣ ውሽጣዊ ኩነታት እቲ ውድብን ኣመራርሕኡን፣ መደባት ግዝያዊ ምምሕዳርን ኣንፈታት ቀፃሊ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልስን ኣድሂቡ ኣብ ዘካየዶ ዘተ ድሕሪ ምዝዛም ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ

ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብሙሉእነት ዘይምትግባሩ ህዝብና ኣብ ዓብይ ሽግር ወዲቑ ከም ዝርከብ ዝገለፀ መግለፂ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ነዚ ንምፍታሕ ኣብቲ ስምምዕ ዝተቐመጡ ውዕላት ብዘይምሽርራፍ ክትግበሩን ቀፀልቲ ፖሊቲካዊ ዘተ ክካየድን ምስ ፌደራል መንግስቲ ብቐረባ ምስራሕ ከምዝግባእ ኣፅንኦት ሂቡ ዘትዩሉ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ህልው ኩነታት ምምሕዳርና ንምርግጋፅ ሰላም፥ፍትሕን ድሕንነትን ህዝብናን እውን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ብቐንዱ ድማ ኣብ ውሽጥና ብዘሎ ናይ መሪሕነትን ምሕደራናን ድኽመታት ኣብ ሕማቕ ብርኪ
ይርከብ እውን ኢሉ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት፡፡

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣጠቓላሊ ህልው ኩነታትን ከይዲ ኣፈፃፅማ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልስን፣ኣብ ውሽጢ እቲ ውድብ ዘለው ድኽመታትን ቀፀልቲ ውድባውን መንግስታውን ናይ መደብ ኣንፈታትን ብምዝታይ ውሳነታት ኣሕሊፉ።
©tigraitv
"ርትዓዊ ምልከታ" ሊሎ ሚድያ (14 መስከረም፣ 2016 ዓ/ም)

- ሊሎ ሚድያ ፌስቡክ ገፅ like, fellow ይግበሩ ርትዓዊ ምልከታታትን ትኩስ ሓበሬታን ክረኽቡ እዮም።

- youtube ቻናልና ሳብስክራብ ይግበሩ።
https://www.youtube.com/channel/UCYvPOhhTNUnjlw6hTLuREFw?sub_confirmation=1&app=desktop

ኣብ ትግራይ ስሩዕ ግልጋሎት ምሕደራ መሬት ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝጅመር ተሓቢሩ።ሊሎ ሚድያ (14 መስከረም፣ 2016 ዓ/ም) ቢሮ መሬትን መዓድንን ትግራይ ኣብ ምጅማርን ኣዋህባን ግልጋሎት መሬ...
25/09/2023

ኣብ ትግራይ ስሩዕ ግልጋሎት ምሕደራ መሬት ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝጅመር ተሓቢሩ።

ሊሎ ሚድያ (14 መስከረም፣ 2016 ዓ/ም) ቢሮ መሬትን መዓድንን ትግራይ ኣብ ምጅማርን ኣዋህባን ግልጋሎት መሬት ዝጠመተ ዋዕላ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ከተማ መቐለ ኣሳሊጡ።

ኣብቲ መድረኽ ብዘይካ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ኣመሓደርትን ከንቲባታትን ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝርከባ ወረዳታት ይሳተፉ ኣለው።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ምስ መሬት ተታሒዞም ዝለዓሉ ፀገማት ብመፅናዕቲ ንምፍታሕን ናብ ስሩዕ መስርሕ ንምእታውን ይስራሕ ከምዘሎ ዝተገለፀ ኮይኑ፣ ስሩዕ ግልጋሎት ምሕደራ መሬት ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝጅመር ኣብቲ መድረኽ ተገሊፁ።
©dimtsi weyane

"ርትዓዊ ምልከታ" ሊሎ ሚድያ (14 መስከረም፣ 2016 ዓ/ም)

- ሊሎ ሚድያ ፌስቡክ ገፅ like, fellow ይግበሩ ርትዓዊ ምልከታታትን ትኩስ ሓበሬታን ክረኽቡ እዮም።

- youtube ቻናልና ሳብስክራብ ይግበሩ።
https://www.youtube.com/channel/UCYvPOhhTNUnjlw6hTLuREFw?sub_confirmation=1&app=desktop

ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ፌደራል ክልቲኣዊ መድረኽ ዘተ ክመቻቸወሉ ንሚኒስቴር ፍትሒ ሕቶ ኣቕሪቡ።ሊሎ ሚድያ ( 9 መስከረም ፣ 2016 ዓ/ም) እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ም...
20/09/2023

ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ፌደራል ክልቲኣዊ መድረኽ ዘተ ክመቻቸወሉ ንሚኒስቴር ፍትሒ ሕቶ ኣቕሪቡ።

ሊሎ ሚድያ ( 9 መስከረም ፣ 2016 ዓ/ም) እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ፌደራል ክልቲኣዊ መድረኽ ዘተ ክመቻቸወሉ ሓቲቱ ዘሎ ኣብ ትሕቲ ሚኒስቴር ፍትሒ ዝተጣየሸ ዘይሻራዊ ጉጅለ ሰብ ሞያ ዘዳለዎ ረቂቅ ፖሊሲ ስግግር ፍትሒን ኣብ ሓፈሻዊ ኣካይድኡን ዘለዎ ናይ ቅዋም ኣፈላላይ ንምንፅብራቕን ኣማራፂ ዝብሎ ምኽረ ሓሳብ ንምቕራብ ምኻኑ ተሓቢሩ።

ሚኒስቴር ፍትሒ 26 ነሓሰ 2015 ዓ/ም ንግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳበ "ኣማራፅታት ፖሊሲ ስግግር ፍትሒ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝብል ርእሲ ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ዘተ ላዕለዎት ኣመራርሓ" እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ተሳተፍቲ ክሰድድ ፃውዒት ኣቕሪቡ ምንባሩ ፀብፃብ ሪፖርተር ኣዘኻኺሩ።

ይኹን እምበር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ካብ ሚኒስቴር ፍትሒ ንዝበፅሖ ናይ ፃውዒት ደብዳበ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ " ብምኽንያት ቅድም ኢሎም ዝተትሓዙ ተደራራቢ ናይ ስራሕ መደባት ክንርከብ ከምዘይንኽእል ብትሕትና ንገልፅ" ክብል ምላሽ ሂቡ እዩ።

ምኽትል ፕሬዚዳንት ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገብረ ትንሳኤ 2 ጳጉሜን 2015 ዓ.ም. ንሚኒስቴር ፍትሒ ኣብ ዝፀሓፍዎ ደብዳበ ብምኽንያት ተደራራቢ መደባት ስራሕ ኣብ ዝተፀወዐ መድረኽ ዘተ ክርከቡ ዋላ ተዘይኸኣሉ፣ ኣብቲ ዝተሓንፀፀ ፖሊሲ ስግግር ፍትሒን ኣብ ሓፈሻዊ ከይዱን እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ሰፊሕ ኣፈላላይ ከምዘለዎ ኣፍሊጦም እዮም።

እቶም ኣፈላላያት ብምሕባር ንክፍትሑ ድማ ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ፌደራል መንግስቲ ዓሚቕ ዘተ ንምክያድ እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ድልየት ከምዘለዎ ዝገለፁ ሌተናል ጀነራል ፃድቃን፤ ነዚ ድማ ሚኒስቴር ፍትሒ ምስ ፌደራል መንግስቲ ክልቲኣዊ መድረኽ ዘተ ንከመቻቹ ኣብ ዝፀሓፍዎ ደብዳበ ሓቲቶም።

ኣብቲ ደብዳበ ካብ ሞንጎ ዝጠቐሱዎም ነጥብታት ኣፈላላይ እቲ ዝተሓንፀፀ ፖሊሲ ስግግር ፍትሒ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ መሰረት ዘይገበረ፣ ፍሉይ ኩነታት ክልል ትግራይ ዘየገናዘበን ናይ ክልል ትግራይ ወሳናይ ተሳትፎ ከምዘየካተተ ዝብሉ ይርከብዎም።

ሌተናል ጀነራል ፃድቃን "ሐዚ ዘሎ ኣወዳድባን ከይዲ ቀረፃ ፖሊሲ ስግግር ፍትሒ፣ ህዝቢ ትግራይ እምነት ከምዘይብሉ" እቲ ጉጅለ ሰብሞያ ኣብ ትግራይ ምስ ዝተፈላለዩ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ኣብ ዝገበሮ ዘተ ከምዝተልዓሉን እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ከምዝተገንዘበን ኣብ ደብዳበኦም ገሊፆም።

እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ዘቕረቦ ሕቶ ዛጊድ ካብ ሚኒስቴር ፍትሒ ዝተውሃበ ምላሽ ከምዘየለ ሪፖርተር ጋዜጣ ኣብ ናይ ረቡዕ 9 መስከረም 2016 ዓ/ም ሕታሙ ፀብፂቡ።

"ርትዓዊ ምልከታ" ሊሎ ሚድያ (9 መስከረም፣ 2016 ዓ/ም)

- ሊሎ ሚድያ ፌስቡክ ገፅ like, fellow ይግበሩ ርትዓዊ ምልከታታትን ትኩስ ሓበሬታን ክረኽቡ እዮም።

- youtube ቻናልና ሳብስክራብ ይግበሩ።
https://www.youtube.com/channel/UCYvPOhhTNUnjlw6hTLuREFw?sub_confirmation=1&app=desktop

ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ሓዱሽ ክብረ ወሰን ዓለም ኣመዝጊባ። ሊሎ ሚድያ ( 6 መስከረም ፣ 2016 ዓ/ም) ሎሚ ምሸት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ዳይመንድ ሊግ 5000 ሜትሮ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ውድድ...
17/09/2023

ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ሓዱሽ ክብረ ወሰን ዓለም ኣመዝጊባ።

ሊሎ ሚድያ ( 6 መስከረም ፣ 2016 ዓ/ም) ሎሚ ምሸት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ዳይመንድ ሊግ 5000 ሜትሮ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ውድድራ 14 ደቒቃ 00 ሰከንድ 21 ማይክሮ ሰከንድ ብምዝዛም ሓዱሽ ክብረ ወሰን ዓለም ኣመዝጊባላ።

"ርትዓዊ ምልከታ" ሊሎ ሚድያ

- ሊሎ ሚድያ ፌስቡክ ገፅ like, fellow ይግበሩ ርትዓዊ ምልከታታትን ትኩስ ሓበሬታን ክረኽቡ እዮም።

- youtube ቻናልና ሳብስክራብ ይግበሩ።
https://www.youtube.com/channel/UCYvPOhhTNUnjlw6hTLuREFw?sub_confirmation=1&app=desktop

ላዕለዋይ ኣመራርሓ ዞባ ደቡብ ትግራይ ብጥይት ተቐቲሎም።ሊሎ ሚድያ (2 መስከረም ፣ 2016 ዓ/ም) ላዕለዋይ ኣመራርሓ እቲ ዞባ ኣይተ ሳምሶን ተፈሪ ባሕቲ መስከረም 2016 ዓ/ም ኣብ ከተማ ...
13/09/2023

ላዕለዋይ ኣመራርሓ ዞባ ደቡብ ትግራይ ብጥይት ተቐቲሎም።

ሊሎ ሚድያ (2 መስከረም ፣ 2016 ዓ/ም) ላዕለዋይ ኣመራርሓ እቲ ዞባ ኣይተ ሳምሶን ተፈሪ ባሕቲ መስከረም 2016 ዓ/ም ኣብ ከተማ ማይጨው ምሸት ሰዓት 3:30 ብዝተተኮሰሎም ጥይት እዮም ተቐቲሎም።

ኣይተ ሳምሶን ተፈሪ ካብ ዕለት 21 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም ጀምሩ ንሰለስተ ዓመታት ከንቲባ ከተማ ማይጨው ኾይኖም ኣገልጊሎም እዮም።

ብዝተተኮሰሎም ጥይት ህይወቶም ክሳብ ዝሓለፈሉ መዓልቲ ሓላፊ ማሕበራዊ ጉዳይ ዞባ ደቡብ ትግራይ ብምዃን እናገልገሉ ፀኒሖም እዮም።

ንኣይተ ሳምሶን ተፈሪ ብምቕታል ዝተጠርጠረ ግለሰብ ዛጊድ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘይወዓለ ፍልፍላትና ሓበሮም።
ሊሎ ሚድያ ብቕትለት ኣይተ ሳምሶን ተፈሪ ዝተሰመዐና ሓዘን እናገለፅና ንስድራቤት፣ መሓዙቶምን መሳርሕቶምን ፅንዓት ንምነ።

"ርትዓዊ ምልከታ" ሊሎ ሚድያ (2 መስከረም ፣ 2016 ዓ/ም)

- ሊሎ ሚድያ ፌስቡክ ገፅ like, fellow ይግበሩ ርትዓዊ ምልከታታትን ትኩስ ሓበሬታን ክረኽቡ እዮም።

- youtube ቻናልና ሳብስክራብ ይግበሩ።
https://www.youtube.com/channel/UCYvPOhhTNUnjlw6hTLuREFw?sub_confirmation=1&app=desktop

ኣብ ሊብያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ቁፅሪ ዝሞቱ ሰባት ካብ 5 ሽሕ ከምዝዛየደ ተገሊፁ።ሊሎ ሚድያ (2 መስከረም ፣ 2016 ዓ/ም) ከባቢታት ምብራቓዊ ሊቢያ ብዘዕለቕለቐ ሓደጋ ውሕጅ ዝሞቱ ሰባት...
13/09/2023

ኣብ ሊብያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ቁፅሪ ዝሞቱ ሰባት ካብ 5 ሽሕ ከምዝዛየደ ተገሊፁ።

ሊሎ ሚድያ (2 መስከረም ፣ 2016 ዓ/ም) ከባቢታት ምብራቓዊ ሊቢያ ብዘዕለቕለቐ ሓደጋ ውሕጅ ዝሞቱ ሰባት ቁፅሪ ካብ ሓሙሽተ ሽሕ ከምዝዛየደ ሰራሕተኛታት ረድኤት ኣፍሊጦም።

መብዛሕቲኡ ከባቢታት ብውሕጅን ጭቃን ዝተሸፈነት ኣብ ምብራቓዊ ሊቢያ ናይ ትርከብ ከተማ ደርና ማእኸል ግልጋሎት ኣምቡላንስን ህፁፅ ሓገዝን ከምዘፍለጦ ክሳብ ሎሚ ንጉሆ በቲ ሓደጋ 5 ሽሕን 202 ሰባት ሞይቶም እዮም።

ካብ ደቡባዊ ኣውሮፓ ዝተሻገረ ኣውሎ ንፋስ ኣብ ሰሜን ምብራቕ ሊብያ ንዝርከቡ ግድባት ብምፍራሱ ብርክት ዝበላ ከተማታት ጥሒለን እየን።

ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት በቲ ሓደጋ ጉድኣት ዝበፅሖም 700 ሰባት ህይወት ካብ ሞት ከምዘድሓኑ ኣፍሊጦም ኣለው።

ዛጊድ በቲ ሓደጋ ልዕሊ 30 ሽሕ ሰባት ከመረበቶም ምንቓሎም ተፈሊጡሎ።

ኣብ ሊብያ ተፀዋዒ ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ትማሊ ከምዘፍለጥዎ እቲ ሓደጋ ካብ ዝፍጠር ንነዘ 10 ሽሕ ሰባት ሃለዋቶም ኣይተፈለጠን። ©DW

"ርትዓዊ ምልከታ" ሊሎ ሚድያ (2 መስከረም ፣ 2016 ዓ/ም)

- ሊሎ ሚድያ ፌስቡክ ገፅ like, fellow ይግበሩ ርትዓዊ ምልከታታትን ትኩስ ሓበሬታን ክረኽቡ እዮም።

- youtube ቻናልና ሳብስክራብ ይግበሩ።
https://www.youtube.com/channel/UCYvPOhhTNUnjlw6hTLuREFw?sub_confirmation=1&app=desktop

ሰብ መዚ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝኣሰርዎም ተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብቕልጡፍ ክፈትሑዎም ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ፀዊዑ።ሊሎ ሚድያ (3 ጳጉሜን ፣ 2015 ዓ/ም) ዓለምለኻዊ ትካል ተሓላቒ ሰ...
08/09/2023

ሰብ መዚ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝኣሰርዎም ተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብቕልጡፍ ክፈትሑዎም ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ፀዊዑ።

ሊሎ ሚድያ (3 ጳጉሜን ፣ 2015 ዓ/ም) ዓለምለኻዊ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብዕለት 2 ጳጉሜን ኣብ ከተማ መቐለ ሰላማዊ ሰልፊ ብምክያዶም ንማእሰርቲ ዝተዳረጉ ተሳተፍቲ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብቕልጡፍ ክፍትሑን ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ልዕሊ ተሳተፍቲ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ጥቕዓት ዝፈፀሙ ኣካላት ፀጥታ ምፅራይ ክገብርን ኣተሓሳሲቡ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ትዊተር ገፁ ከምዘመላኸቶ፣ ኣብ ትግራይ ንዝተፈፀሙ ገበናት ፍትሕን ተሓታትነትን ንክረጋገፅን ካልኦት 38 ሕቶታት ሒዞም ብሰላማዊ ሰልፊ ድምፆም ንከስምዑ ኣብ ልዕሊ ዝወፁ ተሳተፍቲ መውቃዕቲ፣ ማእሰርትን ምፍርራሕን ከምዝተፈፀመ ዘረጋግፁ ሓበሬታት በፂሖምኒ እዮም ኢሉሎ።

ብምዃኑ ድማ ሰብ መዚ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሓሳብ ብነፃነት ናይ ምግላፅ መሰል ዜጋታት ከኽብሩ ከምዝግባእ ዘተሓሳሰበ እቲ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት፣ ብፍላይ ድማ መዕነዋይ ኩናት ኣብ ዘሕለፈ ክልል መሰል ዜጋታት ምኽባር ኣገዳሲ እዩ ክብል ገሊፁሎ።

ሰብ መዚ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝኣሰርዎም ተሳተፍቲ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብህፁፅ ክፈትሑዎምን ኣብ ልዕሊ ተሳተፍቲ መጥቃዕቲ ዝፈፀሙ ኣካላት ፀጥታ ምርመራ ከካይዱን ዓለምለኸ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብናይ ምብራቕ ኣፍሪካ ቤት ፅሕፈቱ ትዊተር ገፅ ኣቢሉ ኣተሓሳሲቡ።

"ርትዓዊ ምልከታ" ሊሎ ሚድያ (3 ጳጉሜን ፣ 2015 ዓ/ም)

- ሊሎ ሚድያ ፌስቡክ ገፅ like, fellow ይግበሩ ርትዓዊ ምልከታታትን ትኩስ ሓበሬታን ክረኽቡ እዮም።

- youtube ቻናልና ሳብስክራብ ይግበሩ።
https://www.youtube.com/channel/UCYvPOhhTNUnjlw6hTLuREFw?sub_confirmation=1&app=desktop

Address

Haweliti
Mekelle
7000

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Lilo Media - ሊሎ ሚድያ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Lilo Media - ሊሎ ሚድያ:

Videos

Share