
27/12/2023
ኣብ ከተማ ሰቲት ሑመራ ተኣሲሮም ዝነበሩ 31 መናእሰይ ተጋሩ ብሓገዝ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ናብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ክኣትው ተገይሩ።
ሊሎ ሚድያ (17 ታሕሳስ፣ 2016 ዓ/ም) ኣብ ከተማ ሰቲት ሑመራ ኣብ መረበቶም ብመንነቶም ምኽንያት ብወረርቲ ሓይልታት ተኣሲሮም ዝፀንሑ 31 መናእሰይ ሎማዓንቲ ብኣንፈት ዓዲ ጎሹ ተከዘ ሰጊሮም ናብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ከምዝኣተዉ ቤት ፅሕፈት ፀጥታ እታ ወረዳ ኣፍሊጡ።
እቶም ተጋሩ ብምዃኖም ጥራሕ ኣብ ዓዶም ብወረርቲ ሓይልታት ዕጡቓት ኣምሓራ ተታሒዞም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክሳቐዩ ዝፀንሑ መናእሰይ ብሓገዝ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ትማሊ ዕለት 16 ታሕሳስ 2016 ዓ/ም ካብ ቤት ማእሰርቲ ክወፁ ክኢሎም እዮም።
ሽዑ ንሽዑ ብኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ተዓጂቦም ብኣንፈት ዓዲ ጎሹ ናብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ እንትጓዓዙ ዕጡቓት ኣምሓራ ብዝፈጠርዎ ዕንቅፅና እቶም መናእሰይ ኣብ ዓዲ ጎሹ ክሓድሩ ከምዝተገደዱ ኣተሓባባሪ ፀጥታ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ኣይተ መብራህቶም ገዛኢ ንድምፂ ወያነ ትግራይ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ ገሊፆም።
ሎሚ ብዝተገበረ ፃዕሪ ካብ ዓዲ ጎሹ ንተከዘ ሰጊሮም ናብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ከምዝኣተዉን ኣብ ከተማ ሸራሮ ክዓርፉ ከምዝተገበረን ኣይተ መብራህቶም ሓቢሮም።
እቶም መናእሰይ ኣብ ዝሃቡዎ ርኢቶ ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝፀንሑሉ እዋን ኣብ ልዕሊኦም ከበድቲ ግፍዕታት ከምዝተፈፀሙን ንሶም ኣብ ዝነበሩሉ ቤት ማእሰርቲ ኮነ ኣብ ካልኦት ኣብያተ ማእሰርቲ ብርክት ዝበሉ ተጋሩ ብመንነቶም ጥራሕ ተኣሲሮም ይሳቐዩ ከምዘለዉን ተዛሪቦም።
©ድምፂ ወያነ
"ርትዓዊ ምልከታ" ሊሎ ሚድያ (17 ታሕሳስ 2016 ዓ/ም)
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
- ሊሎ ሚድያ ፌስቡክ ገፅ like, fellow ይግበሩ ርትዓዊ ምልከታታትን ትኩስ ሓበሬታን ክረኽቡ እዮም።
- youtube ቻናልና ሳብስክራብ ይግበሩ።
https://www.youtube.com/channel/UCYvPOhhTNUnjlw6hTLuREFw?sub_confirmation=1&app=desktop