Azewo Press

Website

Azewo Press cultural events

15/08/2026

ጉማየና ሃየ

09/08/2026
03/08/2026

‎ተጠቃምነት ስድራ ስዉኣትን ሃርበኛታትን ብዝወፀ መምርሒ ክፍፀም ፤ፍትሕን ስናይ ምምሕዳር ክስፍን፤ዉራ መሬት ኣብ ምክልኻል ኣብ ስራሕ ዘመን ዓመት 2019 ዓ/ም ቀዳምነት ሂቡ ከምዝስርሕ ቤት ምክሪ ከተማ መኾኒ ኣፍሊጡ ።
‎
‎እቲ ቤት ምክሪ ኣብ 2017 ዓ/ም ን902 ስድራ ስዉኣትን ሃበኛታትን ንመንበሪ ዝትዓደለ መሬት ምስ ቤት መዘጋጃ እታ ከተማ ብምትሕብባር 172 ሚልዮን ብር ካሕሳ ተከፊሉ ኣብ 2018 ዓ/ም እቲ መሬት ናብ ተጠቐምቲ ክስግር ከምዝተገበረ ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምክሪ ከተማ መኾኒ ሻምበል መረሳ ሽሙየ ናብቲ ከባቢ ምስ ዝወፈረ ጉጅለ ጋዜጠኛታት ድወት ኣብ ዝገበርዎ ቃለ-መሕተት ሓቢሮም ።
‎
‎ብተወሳኪ ን155 ስድራ ስዉኣት ን154 ሃርበኛታት መስርሕን መሽጥን ዝኾዉን መሬት ክዕደል ቐረብ መስተ ማይ እታ ከተማ ንምቅላል ሓደ ጒድጓድ ክዃዓት ፥1.2 ኪሎ ሜትር መሰረተ ዝርጋሐ ሓይሊ ኤሌትሪክ ክስራሕ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምኳን ድጋፍ ከምዝገበረ ኣብሪሆም ።
‎
‎ኣብ 2015 ዓ/ም ኣብታ ከተማ ስፊሕ ዉራ መሬት ተፈፂሙ ምፅንሑ ዝሓበሩ እቶም ኣፈ-ጉባኤ እቲ ቤት ምክሪ ኣብ 2018 ዓ/ም ብዝካየዶ ስፊሕ ቃልሲ 7 ሽሕ ካሬ መሬት ናብ ባንኪ መሬት መንግስቲ ክምለስ ከምዝተገበረ ገሊፆም ።
‎
‎እቲ ቤት ምክሪ ኣብ ቀፃሊ ስራሕ ዘመን 2019 ዓ/ም ጀሚርዎም ዘሎ ስራሕቲ ብምጥንኻር ብፍላይ ድማ ብ ገበርቲ ስናይ ብ 500 ሚልዮን ብር ዝተጀመረ ፕሮጀክት ቐረብ ፅሩይ ዝስተ ማይ እታ ከተማ ክዛዘም፥ምስ ሱር ኮንስትራክሽን ዝተጀመረ ህንፀት ኣስፋልቲ ዘሎ ምትእጉጎል ተፈታሑ ህንፀቱ ንክዛዘም፥ተረባሕነት መንኣስይን ደቂ ኣንስትዮን ንምርግጋፅ፥ ብመስረት መምርሒ ነባር ተጋደልትን ኣብ ምግደል ዘለዉ ተጋደልትን ተጠቐምቲ መሬት ኣብ ምግባር ብቀዳምነት ከምዝስርሕ ሻምበል መረሳ ሓቢሮም ።
#‎ሙሉጌታ ታደለ

03/08/2026

🙏🙏🙏ሓደ ዓርከይ ካብ ዓፋር ዝለኣኸለይ

"ደሓር ንዓና እውን ልክዕ ከም TDF ትርእዩና ዲኹም?ኣብ ዝደለናዮ ከባብታት ፎርም ኣምሊእኹም ዝግበአና መሬት ንረክብ ዶ ንኸውን?ክንደይ ሰብ አፍሪስና እንተመጺእና ጥቕማጥቕሚ ንረክብ፥ንሕና እኮ አታሊሎምና እዮም እምበር ልብናስ ምስ TDF ሓውና እዩ፡፡ ኣብ ሓራ መሬት ዘሎ ሓይሊ ገበነኛን ዝተታለለን ክትፈልዩን ክትፈልጡን ንሕና እውን ናብ ዓድና ብሰላም ንክንኣቱ ዘሕትተናን ዘየሕትተናን ዝርዝር ኣነጺርኹም ሓብሩና እሞ ኣብ ቀረባ ብሰላም ክንአቱ፡፡ኣብ ኢድና ዘሎ ክላሽን ሬድዮን ካልኦት ወታደራዊ ዕጥቅታትን እውን ሒዝና ክንመጽእን ዓድና ክንክሕስን ኢና ንደሊ ወዘተን ወዘተን እትብሉ ሰባት"
ብዝተወደበን ብጥርኑፍን፥ግን ድማ ንህይወትኩም ጥንቃቐ ብዝተመለኦ መንገዲ ክትፍጽሙዎ ኢና ንድሊ
ብዝኾነ ግን ሓሳብኩም ዝምልከቶ ኣካል እውን ብዝግባእ ስለዝተመልከቶ ኣብ ቀረባ ክፍታሕ እዩ፡፡

ብፆትኹም ክቅበልኹም ቑሩባት እዮም።

Address

Mekelle
23END?!

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Azewo Press posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

Share