Shire Press

Shire Press To provide evidence-full information for face book users

08/08/2020

ሓድግታት ትግራይ ብፍልጠት እናተመርሑ ንዓለም ክላለዩ ይግበር ኣሎ ተባሂሉ

ኣብ ትግራይ ዘለው ልዕሊ 120 ካብ ከውሒ ዝተፈልፈሉ ኣብያተ ክርስትያናትን ባህላውን ተፈጥሮኣውን ሓድግታትን ብፍልጠት እናተመርሑ ንዓለም ክላለዩን ንምግባር ኣወዳድብኡ ክሳብ ወረዳ ዘርጊሑ ብዙሓት ስራሕቲ እናሳለጠ ከምዝኾነ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡

ሓላፊት ቢሮ ባህልን ቱሪዙምን ክልል ትግራይ ወይዘሮ ብርኽቲ ገብረመድህን ከምዝበልኦ፣ ኣብ ትግራይ ኣብ ውሽጦም ብዙሕ ታሪኽን ምሽጥርን ዝሓዙ ልዕሊ 120 ካብ ከውሒ ዝተፈልፈሉ ኣብያተ ክርስትያናትን ዝንቀሳቐሱን ዘይንቀሳቐሱን ባህላውን ተፈጥሮኣውን ሓድግታትነ ዘለው ኮይኖም ብፍልጠት ተመሪሖም ንዓለም ክላለዩን ንምግባር እቲ ቢሮ ኣወዳድብኡ ክሳብ ወረዳ ብምዝርጋሕ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናሳለጠ እዮም ኢለን፡፡

እቲ ቢሮ ምስ ኣብ ታሕቲ ዘለው መሓውራቱ ተዋዲዱ ብኦን ላይንን ሕትመት ሚድያታትን ከምኡ እውን ናብ ሃገራት ኣንጎላን ቱርክን ብምኻድ ስራሕቲ ምልላይ ባህሊ ኣሸንዳን መስጊድ ኣልነጃሽን ካልኦት ሓድግታትን ብብርኪ ዓለም ክላለዩ እናገበረ እዩ ዝበላ እተን ሓላፊት፣ ይኹን እንበር ስራሕቲ ምልላይ ሓድጊ ብርክት ዝበለ በጀት፣ ዘመናዊ መሳርሒን ሉዑል ክእለትን ዝጠልብ ስለዝኾነ ኣብዛ ክልል ዘሎ ቅርስን ሃፍትን ብዝግባእ ንዓለም ተፋሊጡ እዩ ምባል ኣይከኣልን ብምባል ተዛሪበን፡፡

ተላባዲ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ታሪኻዊ ቦታታት እዛ ክልል ዝነበረ ዋሕዚ ሃወፅቲ ውሽጥን ወፃእን ዓዲ ዝሓሸ እኳ እንተነበረ፣ ድሕሪ ምጅማር እቲ ቫይረስ ግና ካብ ናብ ምንቅስቓስ ስለዘይከኣል ጠቕላላ ስራሕቲ ባህልን ቱሪዝምን ጠጠው ክብል ከምዝኸኣለ ዝገለፃ ወይዘሮ ብርኽቲ፣ ኮሮና ቫይረስ ክሳብ ሐዚ መዓዝ ከምዝጠፍእ ዝተፈለጠ ነገር ስለዘየለን ብሰንኩ ድማ ቁጠባዊ ቅልውላው የጋጥም ስለዘሎን ግና ኣብ ቱሪዙም ውሽጢ ዓዲ ትኹረት ገይርካ ንምስራሕ ክልተ ዓይነት ስትራቴጂ ተዳሊዩ ከምዘሎ ኣብሪህን፡፡

ኣብ መወዳእታ ኣብ እዛ ክልል ዘለው መስሕባት ቱሪዝም ሕብረተሰብ ናተይነት ተሰሚዕዎ ንክከናኸኖም ስራሕቲ ምዕባይ ግንዛበ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ብምግላፅ ኩሉ ሰብ ቕርሱ፣ መንነቱን ታሪኹን ብምዕቃብ መስሕባት ትግራይ ክለምዑን ክፋለጡን ንምግባር ምስ መንግስቲ ተዋዲድካ ምስራሕ ከምዘድሊ ወይዘሮ ብርኽቲ ኣረዲአን፡፡

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

01 ነሓሰ

Address

Shire
Shire Inda Silase

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Shire Press posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Shire Press:

Share