07/08/2025
#ዝግባእ
👉👉 ፍሉይ ትኹረት ዘድልዮ,,ይነበብ ይተግበር,,👈👈
ህዝብና ደማዊ ኲናት ካብ ዝጅመር ብተደጋጋሚ ኣብ ህዝብና ዝወረደ ጀኖስያዳዊ ብርሰት፣ ክባን ዕፅዋን ካልኦት ከበድቲ ማሕለኻታትን ከይኣኽሎ ብተፈጥራዊ ሓደጋታት እውን እናተፈተነን ሓሰረ መከርኡ እናረኸበን ዘሎ ህዝቢ እዩ፣ ከምቲ ዝፍለጥ ናይ ሎምዘበን ክረምቲ ድማ ካብ ምእታው ጀሚሩ ስርጭቱ ብጣዕሚ ዝነኣሰ እንትኾን ብፍላይ ዞባ ደቡብ ብኽፋል ኣብ ዞባ ማእኸላይን ዞባ ሰ/ምዕራብን እውን ብተመሳሳሊ ክሳብ ሕዚ ማይ ዘይረኸባ ጣብያታት ኣለዋ።
===========================
ብዝኸፈአ ድማ ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ቆላ ተምቤን ጣብያ ያቄር፣ ካብ ዞባ ሰ/ምዕራብ ወረዳ ላ/ፀለምቲ ኣብ 6 ጣብያ ኮይኑ ብዝኸፈአ ከዓ 3 ጣብያ ማለት ሜዳ፣ ምድረ ሓምሾን ዳገብራይን ዝተበሃላ ጣብያት ክሳብ ሕዚ ዝናብ ብዘይ ምዝናቡ ኣብ ሰብን እንስሳን ናይ ሞት ሓደጋ የጋጥም ኣሎ። ድርቂ ድማ ግዜ ዘይህብ ሓደጋ ስለዝኾነ ህዝብና ብቑልጡፍ ክንበፀሓሉ ኣለና፣ መንግስቲ ድማ ፍሉይ ትኹረት ብምሃብ ኩሉ ዝምልከቶ ከም ውልቀ ይኹን ከም ውዳበ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ጥምረት ብምፍጣር እዚ ህዝቢ ተሓባቢርና ካብዛ ፈታኒት ግዜ ክነሻግሮ ኣለና።
ድምፂ ድምፂ ወያነ ግሩፕ / Dimtsi Weyene Group ሱታፌ ትግራይ Sutafe Tigraitaሱታፌ ትግራይ Sutafe Tigrai ትካል ገባሪ ሰናይ ሕውየት - Hiwyet Charity AssociationsAdis Honest