ድምፂ ተጋሩ Voice of Tegaru

  • Home
  • ድምፂ ተጋሩ Voice of Tegaru

ድምፂ ተጋሩ Voice of Tegaru ካብ ብረታዊ ቃልሲ ናብ ሰላማዊ ቃልሲ ንሰጋገር ኣለና።ሃገርነት ትግራይ ብብረታዊ ቃልሲ ክንምልስ ኣይከኣልናን። ስለዚ መንእሰይ ተወዲቡ ብሰላማዊ መገዲ ተቃለስ።

13/06/2024

👌ኣመራርሓ/ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክሳብ ሎሚ ተስፋ ይገብረሎም ነይረ። ሕዚ ግን ስራሕኹም ብጣዕሚ እናሕፈረኒ ይመጽ ኣሎ። ኣብ #ጸለምቲ ዝገበርኩሞ መሕዘንን መሕፈርን እዩ። ዕሙቕ ብዝበለ ክዛረብ ኣይደልን። ኩለኹም ተስፋ ዘይብልኩም ኢኹም። በቲ ናሃትኩም ሞራልን ስነልቦናን ምስ መን ከምትሰርሑ ዘይትፈልጡ ምዃንኩም ይብረሀልና ኣሎ። እቶም ናይ ብልጽግና መራሕቲ እውን ከምዝነዓቕኹም ዘመላኽት እዩ።

👌 ምስ መን ተዘራሪብኩም ኢኹም ህዝቢ ጉንበት 30 ክኣቱ እዩ ዝበልኩም? ሓደ ናይ መንደር ጎረምሳ ክምልሰኩም እንተሎ ንስኹም ኣብ ማእኸል ዓዲ ክንደይ ከምዝተናዓቕኩም ዘመላኽት እዩ።

08/06/2024

#ውዕሊ ፕሪቶርያ ካብ ድርድር ናብ #ልመና ተቐይሩ ኣሎ። ሕዚ ብቲ ዝወጸ መደብ ምምላስ ተመዛባሊ ህዝብና ኣብ ዕንክሊል ኣለና። እቲ ውዕሊ ኣብ ልመና ስለዝተመስረተ እዩ። እዚ ድማ ናይ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጸገም እዩ።

👌ጉንበት 30 ኣብ ልመና ተመስሪቱ ኣሎ። እምበር ዋላ ሓንቲ ዘዐንቅፍ ነገር ኣይመነበረን።

06/06/2024

#ሓበራዊ ቓልስና ካብ ጉንበት 30 ይኹን። ቐጺሉ ናብ ሰነ 30 በርቲዕና ክንቅጽል ኣለና። ካብኡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ትግራይ ንተሓናነቕ። ጸገማት ከባቢና ወይ ንፈልጦ እናልዐልና ንእርምን ንቃለስን።


Aregawi Gebreslasie Desta

06/06/2024

ካብያ መጽበዓ ዝኣተኻዮ ክትጠልም ዝወለድኻዮ ይጠለም።

06/06/2024

ኣለማጣን ማይጸብርን ንጉንበት 30!!

06/06/2024

ጉንበት 30 ጽባሕ እዩ።
ተመዛበልቲ ደቡብን ማይጸብርን ንምምላስ ምድላው ከመይ ኣሎ?
መራሕቲ #ግምት ንህዝቢ ዝኣተኹሞ ቓል ክተተክብሩ ንላቦ።

06/06/2024

👌ኣብ ትግራይ ነብስኹም ክምችወኩም እንተደሊኹም ምስ ሰብ ግዜ ክትሕስዉ፣ ክትመሳሰሉ፣ ክተላኽዑ፣ ለዓት ክትሕዙን ወዘተ ኣለኩም። ንህዝሊናይ ኢየ ዝነብር ትብሉ ሰባት #ስጋኹምን ስድራኹምን ትጎድእዋ ኢኹም።

ምስ ሰባት መሲልኩምን ኣላኺዕኩም ኣብ ትነብርሉ እዋን ዝሓሸ ነገር ትረኽቡ። ክብል ኣይግበኣንን ግን ሓቂ እዩ። ትግራይ ንዝኮነላ ኣይትኾንን። ንዝኾነላ ንኽትኾውን ምቅላስ እዩ።

06/06/2024

ድሕሪ ፈርይ ሃፍታም ፈርይ በዓል ስልጣን ኣሎ።
ድሕሪ ፈርይ በዓል ስልጣን ፈርይ ሃፍታም ኣሎ።

🤞ብዙሕ ሰብ ንእከለ ሃፍታ ብኸመይ እዚ ይግበረሉ? ንምንታይ ይጸድቀሉ ይብሉ። ክልቲኦም ተመጋገብቲ ብዘይካ እቲ ሓደ እቲ ኻሊእ ክነብር ኣይኽእልን። ንቲ ሓደ እንተነኺእኻ ምስቲ ካሊእ ትጓነጽ ከምዘለኻ ክርደኣኻ ኣሎ።

ናይ ትግራይ ኩሉ ግዕዝትና መሰረቱ እዚ እዩ። ጸርዩ ዘይጸርይ ከምሽንፍላ በዚ ምክንያት እዩ።

ንቆርጠምቲ ሓጺን ኣይምልከት!!===================👌እዛ ታንኪ ኣብ ከተማ ሓውዜን ነይራ። ድሕሪ ውሱን እዋናት ተለዓይላ ኣይነበረትን። ኣነ ከምውልቀይ ዋላ ኣብ  ማእኸል መንገዲ ትኹ...
04/06/2024

ንቆርጠምቲ ሓጺን ኣይምልከት!!
===================
👌እዛ ታንኪ ኣብ ከተማ ሓውዜን ነይራ። ድሕሪ ውሱን እዋናት ተለዓይላ ኣይነበረትን። ኣነ ከምውልቀይ ዋላ ኣብ ማእኸል መንገዲ ትኹን ክትለዓል ኣይነበራን ይብል። ንጸጋም ኣንፈት ብደንቢ መኪና ከንቐሳቕስ ዝኽእል እኩል ቦታ ነይርዋ። ወይ ድማ ኣመቻቺኻ ክትቅመጥ ነይራ ይብል።
✔ሓደ እዛ ታንኪ ክትቓጸል እንከላ ደቂ ህዝቢ ብዙሕ ጅግንነት ከምዝፈጸሙላ ይዝረብ እዩ። ታሪኾም ብደንቢ ክስነድ ይግባእ።
✔ካልኣይ እታ ታንኪ ኣብ ማእከል ምዃን ብዙሓት ቱሪስታት ናብ ትግራይ ብፍላይ ሓውጺን ከባቢ ዝመጹ ክንደየናይ ኣስካሕኻሒ ኩናት ከምዝተኻየደ ኣብ ማእከል ከተማ እንተይተረፈ ውግእ ከምዝነበረን ዘመላኽት እዩ። እዚ እውን #ጆኖሳይዳዊ ኩናት ትግራይ ከይሃስስ የግብር። ኣብ ትግራይ ዝነበረ ሓጺን መጺን ምልዓል ካብ ቁጠባዊ ቁሕለት ንላዕሊ ሓበሬታ ምጥፋእ የሕምም።

🤞ኣብ ኩሉ ከባብታት ትግራይ ክትጎዓዝ ከለኻ ኣበይ ከባቢ እንታይ ከምዝተፈጸመ ብቐሊሉ ካብቲ ዝተቓጸለ ወታደራዊ ሓጻዊን ትዕዘብ። ምትሕንናቕ ደቂ ህዝቢ ኣበይ እንታይ ከምዝሰርሐ፣ ኩነታት እቲ ውግእን እንታይ ዓይነት ሂወት ከምዘኽፈለ ንለባም ቐሊል ነይሩ። ሕዚ ግን ሰብ እንድሕር ዘይነጊርካ ክትዕዘብ ኣይትኽእልን። ኣብ ሕድሕድ ዝተቓጸለት ታንኪ፣ ዙ፣ ተሓሳሓቢት፣ ባስ ወዘተ ተጻሒፉ ዘይውዳእ ናይ መላምል ታሪኽ ኣሎ። ዝፈልጦ እዩ ዝፍፈልጦ።

🤞ለባም መራሒ የለን እምበር እንተዝህልወና እተን ዝተቓጸላ #ሓጻዊን ተሓዚኤን ወይ ተሓልየን ክቕመጣ ነይርዎን። ደቅናን ደቅደቅናን ወይ ንዝመጽእ ትውልዲ እናስታወሰ ንኻልኣይ እዋን ከይድገምን፣ ዋጋ ዝኸፈሉ ናይ ሕዚ ትውልዲ እናኽበርዎ ክነብሩ ነይሮም። እንተኾነ ግን ትግራይ ኣይተዓደለትን ንጽባሕ ዘይሓስቡ ሰባት ይመርሕዋ ኣለው። ውሒጣት ብሓንቲ ደብዳበ ተመናጢሎመን።

👌ብዝኾነ ሓንቲ ታንኪ ይገልጽ ኣለኹ እምበር እስቲ ኣንቱም ትግራይ ዝዘርኩሟ ካብ ኣላማጣ-ማይጨው-መቐለ፣ ኣላማጣ-ሒዋነ፣ መቐለ-ተንቤን፣ ተንቤን-ሸውዓተ ኣሕጉም-የጭላ፣ ተንቤን ጉያ፣ ተንቤን-ጎሮሮ-ኣቕመራ-ጅራ፣ ጅራ-ዕዳጋ ሰሉስ-ሰመማ፣ ጅራ-ዛና፣ ሰመማ-ዕዳጋ በርሀ፣ ሰመማ-ዳዕሮሓፋሽ-ማሕበረዴጎ፣ ተንቤን-ማቅነጣል-ዓድዋ፣ ምፍልላይ-ዕዳጋ-ዓርቢ-ነበለት-ሓውዜን-ስንቃጣ፣ ሓውዜን-ወርቃኣምና፣ ሓውዜን-ድጉም-ውቕሮ፣ መቐለ-ውቕሮ-ዕዳጋ-ሓሙስ-ዓዲግራት-ዛላንበሳ፣ ዓድግራት-ዓድዋ-ኣክሱም-ሽረ፣ ሽረ-ማይጸብሪ፣ ሽረ-ሸራሮ፣ ሽረ-ጸሊሞይ/ደደቢት፣ ኣብ ኩሉ ገጠራት ትግራይን ወዘተን ዘይወደቐ ሓጺን ኣይነበረን። እዘን ዝጠቐስኩዎን ቦታታት ኣብ መኪና ኾይንካ እናተጎዓዝካ ዝተፈጠሩ ናይቲ ውግእ ከቢድነት ብደንቢ ትዕዘብ ኢኻ።
🤞ብስም ህዝቢ ትግራይ ዝሽቅጥ ትእምት ወይ መስፍን ኢንዳስትራል ኢንጅነሪግ ተረኪበን። መዓዝ እዚ ጥራሕ ኾይኑ። ናብ ሓረድትና ዝኸዳ ቐለልቲ ኣይኾናን።

👌ንምንታይስ ንመስፍን ይወሃባ ? መስፍን ናይ ሓደ ውድብ ትካል እዩ። ካብኡ ዝሓለፈ እውን ናይ ውልቀ ትካል ምባል ይከኣል። እተን ዝተቓጸላ ድማ መላእ ወዲ ህዝቢ ዝወደቐለን እየን።

ንስኹም ከ እንታይ ትብሉ?

👌👌👌👌👌👌👌👌👌👌👌👌
Aregawi Gebreslasie Desta

03/06/2024

ነጋዳይ ትግራይ!!

👌መብዛሕትኦም ነጋዶ ትግራይ ኩነታት ዘይገዝኦም ካብ ዓማጺጽካ ገንዘብ #ምውህላል ንድሕሪት ዘይብሉ እዮም። ኣብዚ እዋን እውን ብዘይካ ውሑዳት ንቲ ናይ ትግራይ ጸገም ከምዕድል ብምጥቃም ሃፍቶም ዘኻዕበቱ እዮም። ንህዝቢ ትግራይ ብጎረርኡ ብምሓዝ ብዙሓት ስራሕቲ ሰሪሖም እዮም። ምናልባት እውን ካብ ናይ ጸላኢ ስራሕቲ ዋላ ሓንቲ ኣይነኣኣስን። ህዝቢ ትግራይ ወይ ሰራዊት ትግራይ እንታይ ይደሊ? እንታይ ኸ ዘይፈተወ ይገዝኦም ? ብምጽናዕ ብግዲ ክገዝኦ ዝኽእል ንብረት ካብቲ ዝነበረ ዓጻጺፎም ይሸጡ ነይሩ።

👌ሎመዓንቲ ምስ ክልተ ነጋዶ #ቡን ይሰቲ ነይረ። ንቲ ሓደ እየ ዝፈልጦ። ድሕሪ ምምላስ ደብረብርሃይን ከምዘይተራኸቡ የውግዑ ነይሮም። መፋለጢኦም ደድሕሪ ሰራዊት ትግራይ ንብረት ይዘርፉ ከምዝነበሩ ካብ ወግዖም ተረዲኤ። ክጠቕሶ ዘይደሊ ንህሊናኻ ዘቑንዙ ይዛረቡ ነይሮም። ዘይወረስዎ ንብረት ካብ ጨው ክሳብ ከበድቲ ንብረታት ከምዘሎ ይጠቕሱ ነይሮም። ብዙሓት ኣዕርኽቶም ናይ ሂወት ዋጋ ከምዝኸፈሉ ይሕብሩ ነይሮም።

🤞ብሓፈሻ ካብ ወግዖም ዝተረደኣኹዎ ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጸበባ ዝነበረ ይመስለኒ ነይሩ። ለኻስ ንፍርቁ ብርሃን ግዲ እዩ ነይሩ የብል። ኣብቲ ጸቢብ እዋን ሃፍቲመ ክሓልፈለይ ምባሎም ተገሪመ እየ። ብርግጽ ውሱን ዝፈልጦ ጉዳይ ከምዝነበረ፣ ግን ከምቲ ናታቶም ዝተዛረብዎ ኣይመስለንን ነይሩ።

✔ሰራዊት ትግራይ መጺኡ ተበሃይሉ ሽርጥ፣ ኮንጎ ጫማ፣ ሽጋራ ወዘተ ዳርጋ ሰለስተ ዕጽፊ ይገብርዎ ነይሮም እዮም። ውግእ ክለዓል እዩ ተበሃይሉ ጨው ካብ ሰማንያ ናብ ልዕሊ ክልተ ሚኢቲ ኣእቲዮማ እዮም።
ብዙሕ ምባል ይኸኣል።

👌ብገንዘቦም ዝተቓለሱ የለውን ማለት ኣይኾንኩን።

ብዝኾነ ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ተጋዳላይ እዩ ዝበሃል መላምልት ይቕረ።

@highlight

29/05/2024

ህዝቢ ትግራይ ንናይ ደገ ጸላኢ እምበር ንናይ ውሽጡ ጸላኢ ተንበርካኺ እዩ። ዓዲ-ሃገር ዋጋ ዳቦ ወሲኹ ኢሎም መንግስቲ ይግልብጡ። ንሱ ሰጥለበጥ ኢሉ ይግዛእ።

ህዝብና ብደቁ ዝመጸ ዕላማ እናተጨወየ ስኽ ይብል።

ኩነታት ጸጽታ ትግራይ!!=============👌ኩነታት ጸጽታ ትግራይ ኣብ ብጣዕሚ መሰከፊ ንርከብ። በቢእዋን ህዝቢ ትግራይ ሞት ከምዝተላማመዶ ብዝመስል ንኸይድ ኣለና። ህጻውንቲ፣ ደቂ ኣነስትዮ...
29/05/2024

ኩነታት ጸጽታ ትግራይ!!
=============
👌ኩነታት ጸጽታ ትግራይ ኣብ ብጣዕሚ መሰከፊ ንርከብ። በቢእዋን ህዝቢ ትግራይ ሞት ከምዝተላማመዶ ብዝመስል ንኸይድ ኣለና። ህጻውንቲ፣ ደቂ ኣነስትዮ ይጭወዩ ኣለው። ስርቂን ክትራንን ተለማሚድናዮ ኢና። ገበን ተሓታትነት የለን። ገበን ዝፈጸሙ ሰባት #ሸለል ተበሃይሎም ክሕለፉ ንርእይ ኣለና።

ሕቶ ኣለኒ?

✔ብሓቂ ድዩ ጸጽታ መሓውር ትግራይ ክቖጻጸሮ ዘይኸኣለ?

✔ንሽሾ ወታደራት ወጻኢ ዝመከተ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ከተማ ዘሎ ሽፍታ ድዩ ምጽራይ ኣብይዎ?

✔ቅድሚ ዝተወሰነ ኣዋርሕ ተናሓናሕቲ ውድባት ሰላማዊ ሰልፊ ንምግባር ኣብ ዝተዳለውሉ ኩሉ ጸጽታ ሓይሊ ትግራይ መፈናፈኒ ኣስኢኑዋ ነይሩ? ሕዚ ከ ንምንታይ?

✔ኣንታ ካብስልጣን ርሒቐ ኢልካ ትቑዙም ሓይሊ ብድሕረይ ንመሪሕትትን ድሕንነትን ትግራይ ዝኽእላ ወይ ዝበቕዕ የለን ንምባል ዶ ትኾውን? ብዘይካ ኣነ ካሊእ ኣይኽእልና። ብተግባር ርኣይዎ ንምባል ዶ ትኾውን?

✔ኣንታ ተሸይምካ ዘለካ #ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንምንታይ ናይ ሰራዊት ትግራይ መሓውር ኣንቐሳቒስካ ጸጽታ ዘይተኽብር? ኣነ ዝፈልጦ ናይ ሰራዊት ውሱን ሓለዋ ዘለው ኣብ ከተማ መቐለ እዩ።
ንነብስኹም ንምሕላው ድዩ? ንምንታይ ካልኦት ከተማታ ዘይተረጋግኡ? ኣብ መቐለ እውን ዝተረጋገኡ እዩ ማለት ኣይኮነን።

✔ኣብ ትግራይ ብዘሎ ህልዊ ኩነታት ብናይ ፖሊስ ሓይሊ ማሕበረሰብና ሰላሙ ክረጋገጽ ኣይኽእልን። ንምንታይ ተወሳኺ ጽጽታ ዘይተሰማርው? ወይ ዝነበሩ ፖላዊስ ናብ ስርሖም ዘይምለሱ?

@highlight
Aregawi Gebreslasie Desta

Address

Shire Inda Silase

Telephone

+251914434792

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ድምፂ ተጋሩ Voice of Tegaru posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to ድምፂ ተጋሩ Voice of Tegaru:

  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share