መፃኢት ትግራይ

መፃኢት ትግራይ እዚ ገፅ እዙይ ኣብ ክውንነትን ተርእዮን ህልው ኩነታት ትግራይ ኣድሂቡ 'መፃኢት ትግራይ' ዝጥምትን ኣብ ኩለመደያዊ ጠቐምቲ ሓሳባት ብዕምቆት ብምዝታይ መፃኢ ኣንፈት ትግራይ የመላኽት::

22/09/2025

A Piece on the Debate Over

The question of whether Tigray should remain within Ethiopia or pursue independence is deeply emotional, much like debates in Scotland, Quebec, or Catalonia. These are high-stakes identity issues, so strong verbal tone is inevitable and often necessary.

Where strong tone helps:

Advocates for independence may use firm, passionate arguments to highlight historical injustices, self-determination rights, or failures of the Ethiopian state.

Ethiopian unionists may use strong tone to stress the risks of secession, such as economic instability or regional isolation.

In both cases, the strong tone can clarify stakes, energize the public, and signal urgency.

Where it turns destructive:

When the tone crosses into insult or character assassination, debate shifts from “Which option secures Tigray’s future?” to “Who can shout the loudest?”

This silences nuanced positions (e.g., autonomy within Ethiopia, confederation models) because people fear mockery or harassment.

The result is polarization, where camps demonize each other instead of competing to persuade the public.

Global parallels:

In Scotland (2014 referendum), both unionists and separatists used strong rhetoric, but official debates avoided branding opponents as “traitors.” The vote was sharp, but legitimized by civility and process.

In Catalonia (2017), insults and heavy-handed responses hardened divisions, leading to violence and instability.

Tigray risks repeating the Catalonia path if passion is not kept within democratic guardrails.

Key lesson for Tigray

Strong tone should be embraced as a tool to wake up society and emphasize urgency. But both independence advocates and Ethiopian unionists must avoid insults, which only erode legitimacy. Ultimately, the people—not bullies—must judge through open debate and, ideally, a free referendum.

26/07/2025

ካብታ ዝሓለፈትን እታ ሐዚ ዘላን ብቡዙሕ ረቋሒታት ትፍለ። እቲ ኣፈላላይ እቲ ክውንነት ኣብ ምቅባልን ዘይምቅባልን ይምስረት። ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ግን ከቶ ኣይቅይሮን።

01/11/2024

ነገር ህወሓት - ነገር ‘ማፍያ’ - ‘ኮዛ ኖስትራ’
(መጋቢት 2014 ኣብ መፅሄት ረመፅ ካብ ዝተሓተመ ፅሑፍ)
---
ወዲኒታት (ማፍያ) ዓዲ ጥልያን፤ ንርእሶም ‘ኮዛ
ኖስትራ’ ኢሎም እዮም ዝፅውዑ፡፡ ጥረ ትርጉሙ ‘ናትና
ነገር‘ ማለት እዩ፡፡ ሓለቕቶት ናይዚ ስድራ ወዲነታት፤
ነንርእሶም ዝሸማገልሉ ‘ኮሚሽን’ ኣለዎም፡፡ ሓዲኡ ወዲነ
እንተበዲሉ፤ ጉዳዩ በዚ ኮሚሽን እዩ ዝረኣይ፡፡ ዝቕፃዕ
ዝቕፀዐሉ፤ ነቐፌታ ዝገብር ነቐፌታ ገይሩ ይቕረታ
ዝግበረሉ --- በዚ ኮሚሽን እዩ፡፡ ገበነኛታት ካብ ዓይኒ
ሕጊ ተኸዊሎም ነንርእሶም ፍትሒ ክረኽቡ ዝፅዕርሉ
መገዲ፤ መገዲ ማፍያ፡፡
መገዲ ገምጋም [ሽምግልና] መራሕቲ ህወሓት እውን፤ ብመሰረቱ ነዚ መገዲ እዚ እዩ ዝኽተል፡፡
ዝሰረቐ፣ ስልጣኑ ተበሊፁ ንወዲ ሓፍቱ ስራሕ ዘቑፀረ
--- ወዘተ ገበነኛ፤ ኣብ ክንዲ ብመቕፅዒ ገበነኛታት ኣብ
ሕጊ ቐሪቡ ብስሩዕ ዝዳነ፤ ኣብ እንዳ ህወሓት ብገምጋም
እዩ ጉዳዩ ዝረኣይ፡፡ ወዲነታት እንትእከቡ፤ ልዕሊ ሕጊ
ዝኾንሉ ካልእ ሕጊ እዮም ዝፈጥሩ፡፡ ኣብ ቅኑዕ መገዲ
ሕጊ ደው ክብሉ ዘይክእሉ ገበነኛታት፤ ነንርእሶም ይቕረ
ዝበሃሃልሉ ስልቲ ገምጋምን ኮሚሽንን ይሕንፅፁ፡፡
እዚ ውድባዊ ሕማም፤ ምስ’ቲ ብዕሙት ናይ ምድጋፍን
ዘይምሕታትን ማሕበረሰባዊ ልምዲ ተሓዊሱ፤ ኣብ
ትግራይ ብስሩው ፖለቲካዊ ባህሊ ከጣጥሕ ምኽንያት
ኮይኑ ኣሎ፡፡
ስልጣን እንተልዩካ፤ ሰሪቕካ ከምዘይትእሰር፣ ኣጥፊእኻ
ከምዘይትቐፃዕ፣ በዲልካ ከምዘይትክሕስ ብተግባር
ዝረኣዩ ዘበሉ፤ ሎሚ’ኳስ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ፀገም
ጥሒሉ እንተሎ፤ ላምባን ካልእን ክጉሕሉዎ
ኣይተሰከፉን፡፡ እንታይ ከይመፆም፤ ሃፅ እንተበለ
ክግምገሙ [ክሸማገሉ] እንዳኣ’ዮም፡፡
ናትና ነገር - ከምኡታት እዩ፡፡

ተፅሓፈ ብ ደስታ ገብረመድህን

03/09/2024

ኣብ መራሕቲ ሕወሓት ዘሎን ዝነበረን መወዳእታ ዘይብሉ ፓለቲካዊ ሸፈጥን ሕቱኽቱኽን ሕቶ ህዝቢ ንዘይምምላስን ብቑዕ ፖለቲካዊ መሪሕነት ናብ ስልጣን ንከይወፅእ ንምግታእ ዝግበር ፖለቲካዊ ድራማ እዩ፡፡
ንሓርነቱ ዝቃለስ ዝነቕሐ ሓዱሽ ወለዶ ኣብ ዝጠፈሸን ዝኣረገን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ጢሒሉ፣ ተረግሪጉን ተለጢፉን መጫወትን መሳርሕን እተን ማፍያ ጉጅለታት (The Oligarchs) ኣይኸውንን፡፡ እኻ ደኣስ ናይ ባዕሉ ጠንካራ ውዳበ ፈጢሩ
>ሓዱሽ ኣተሓሳስባታት ሚሂዙ
>ሓዱሽ ስልትታት ነዲፉ
>ኣንፈታት ነፂሩ
ብትብዓትን ብጅግንነትን ብነፃነት ንሓርነቱ ይቃለስ እንበር ኣይስኮንን፡፡

27/08/2024

ትዕዝብተይ:- ኣከባብራ በዓል ኣሸንዳ ኣብ መቐለ
ብዛዕባ ታሪኻዊ ኣመፃፅኣን ክብርታትን ከይዲ ኣከባብራ በዓል ኣሽንዳ ብዙሕ ስለዝተብሃለ ኣብዙይ ክትንትን ጊዜ ኣይጥፍእን::
ኣብ ሓፈሻዊ ከይዲን ኣመፃፅኣን በዓል ኣሸንዳ ዝተወሰነ ከም መበገሲ ንምባል ዝኣክል በዓል ኣሸንዳ ካብ ባህላዊ ትውፊታትን ክብርታትን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ባህላዊ በዓል እዩ። ዓመት ሙሉእ ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራውን ቁጠባውን ንጥፈታትን ስራሕትን ተወጢረንን ተፀሚደንን ዝፀንሓ ዝባፅሓ ኣጋላት ደቂ ኣሸንዳ ማሕበረሰባውን ማሕበራውን ምትእስሳርን ምዝማድን ብዝፈጥር መልክዑ ብነፃነትን ብዘይምንም ስክፍታን ኣብ ጎደና ወፂኤን ዝፃወታሉ፣ ዝህደሳሉ ፣ ዝዛመዳሉ፣ ፍቅራዊ ረክቢ ዝምስርታሉ፣ ኣብ ከባቢአን ምስዘለዉ ማሕበረሰባት ዝፋለጣሉን ዝዛመዳሉን ብሓፈሻ ማሕበራዊ ምትእስሳር ዝፈጥራሉ ከይዲ በዓል እዩ
ይኹን እንበር ኣብዘን ቀረባ ዓመታትን ሎሚዘበንን ኣብ ከይዲ ኣከባብራ እቲ በዓል ዝረኣዩ ዘለዉ ተርእዮታት ትዕዝብተይ ንምግላፅ ዝኣክል ዝተወሰነ ሓሳብ ከልዕል።
ኣብ መቐለ ባዓል ኣሽንዳ ብዝደመቐ ምኽባር ካብ ዝጅምር ልዕሊ 20 ዓመት ኮይንዎ ኣሎ ኾይኑ ግን ባህርያትን ከይድን ኣበዓዕላ እቲ በዓል ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናተለወጠ መፂኡ ኣብዚ ዘለናዮ ዓመት በፂሑ ኣሎ።
ናይ ሎሚ ዓመት በዓል ኣሽንዳ ካብቲ ዝፍለጠሉ ክብርታት ናይ ጎደና ጋይላን ፀወታን (Street Carnival) ወፂኡ ናይ ኮንሰርት ፀወታ( Concert Festival) ዝኾነሉ ካብኡ ሓሊፉ እውን ናይ ስክራንን ዕጥራንን ፈንጠዚያ በዓል ኮይኑ ኣሎ እንተተብሃለ ይቀልል።
ምክንያቱ እቲ በዓል ባህላዊ ክብርታቱ ብዝሰሓተ ኣብ ሆቴላት፣ ናይት ክለባት፣ ባራትን ኣዳራሻትን ዝተብዓለ ውሱናት ፕሮሞተራትን ኢቨንት ኦርጋናይዘራትን ውሱናት ሰብሃፍትን፣ ሰብዋና ሆቴላት፣ ናይት ክለባትን ባራትን ዝተጋነነ ጥቅሚ ብዝፈጥር መልክዑ ዝተጋነነ ወሰኽ ዋጋ ኣብ መዕረፊ ኣጋይሽ፣ ምግቢ፣ መስተ፣ ባህላዊ ክዳውንቲ፣ መመላክዒ ኣቁሑትን ካልኦት ኣድለይቲ ነቲ ከይዲ ኣከባብራ እቲ በዓል ዝኾኑ እታወታት ካብ 3 እስካብ 6 ዕፅፊ ወሰኽ ዋጋ ዝተርኣየሉ ነቲ በዓል ከኽብሩ ካብ ዝተፈለላዩ ክፋላት ዓለም ናብ መቐለ ዝመፁ በፃሕቲ ብሰንኪ ዝተጋነነ ወሰኽ ዋጋ ብጣዕሚ ከማርሩ ዝተርኣዩሉ እቲ በዓል ብዝተዘባረቀ ስምዒት ከኽብሩ ዝተገደደሉ ዝመፅእ ዓመት መሊሶም ንምምፅኦም ዝተጠራጠሩሉ ፃኒሒቶም ዘሕፀርሉ ኩነታት ዝፈጠረ ጠቅላላ ህዝቢ መቐለ ብሰንኪ ዝተጋነነ ወሰኽ ዋጋ ከንፀርፅር ዝተርኣየሉ፣ ደቂ ኣሸንዳ ንመመላክዒ ዘውፅእኦ ወፃኢ ሰማይ ዝተሰቐለሉ ብሓፈሻ ማሕበራውን ቁጠባውን ቀውሲ ዝተርኣየሉ ናብ ጥዕና ዘይብሉ መደባዊ ምትፍናን ዝዓበየሉ ውሱናት ሰብገንዘብ ናይቲ ኣብዝሓ ህዝቢ ማሕበራዊ ሰላም ብዝህውኽ ዝዕንድሩሉን ዝፍንጥዝሉን ዝሰክሩሉን ዝዓጥርሉን ኣብዝሓ ነባራይ ህዝቢ መቐለ ግን ዘማርረሉን ዘንፀርፅረሉን ከይዲ በዓል ኮይኑ እዩ ሓሊፉ ምባል ይክኣል
ብዙይ ኣካይዳ እዙይ በዓል ኣሸንዳ ባህላዊ ክብርታቱ ስሒቱ ናይ ውሱናት በዓል ኮይኑ ብከይዲ እናሃሰሰ ክጠፍእ ወይድማ ካሊእ ዓይነት ባህርያት ሒዙ ባህላዊ ቅርስነቱ ክስሕት ከምዝክእል እዙይ ድሙቅ መርኣያ እዩ።
ስለዝኾነ እዚ በዓል ይምልከተና እዩ ዝብሉ መንግስታዊ ኮነ ዘይመንግስታዊ ትካላትን ጉቡእ ትኩረት ሂቦም እቶም ፀገማት ብዝግባእ ፈቲሾም መስተኸኻሊ ክገብሩሉን ባህላዊ ክብርታቱን ትሕዝቶኡን ከይሃሰሰ እናተከበረ ንወለዶታት ንክቅፅል ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ይላቦ።
ማሕበራዊ ሰላም ንዕቤትን ስልጣነን ሓደ ህዝቢ ወሳኒ ተራ ኣለዎ።
© Eyene Blooy

Address

How See, Street
Jijiga
251

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when መፃኢት ትግራይ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share