TG Tube ትጂ ቱዩብ

TG Tube ትጂ ቱዩብ Personaly freedom vioce

ቀተልቲ ህጻን ናኦድ ተኽላይ ድሕሪ ጽዑቕን ዝተዋደደን ክትትል ኣብ ቀይዲ ውዒሎም። ቅድሚ ሰሙናት ንዚ ህፃን ጨውዮም ብዘስካሕክሕ ጭካነ ዝቐተሉ 3 ተጠርጠርቲ ብዘይተሓለለ ክትትልን ፃዕርን ፖሊ...
27/08/2025

ቀተልቲ ህጻን ናኦድ ተኽላይ ድሕሪ ጽዑቕን ዝተዋደደን ክትትል ኣብ ቀይዲ ውዒሎም። ቅድሚ ሰሙናት ንዚ ህፃን ጨውዮም ብዘስካሕክሕ ጭካነ ዝቐተሉ 3 ተጠርጠርቲ ብዘይተሓለለ ክትትልን ፃዕርን ፖሊስ ዞባ ሰ/ምዕራብ ትግራይ ፥ ምም/ር ሰ/ምዕራብ ትግራይን ከምኡ 'ውን ምም/ርን ቤት ጽ/ት ፖሊስን ከተማ እንዳባጉና እዮም ሐዚ ኣማሲዮም ኣብቀይዲ ውዒሎም። እቲ ዝገርም ካብቶም 3 ጨወይትን ቀተልትን ህጻን ናኦድ ተኽላይ እቲ ሓደ ኣኮኣ ንወላዲት ግዳይ ዝኾነ ተጠርጣሪ ክብሮም ኣማረ እንትኸውን ንህጻን ናኦድ ተኽላይ ኣብዝተጨወየሉ ገዛ [ከተማ ሽረ እንዳስላሰ 03 ቀበሌ] ኮይኑ ካሜራ ዝቐርጽን ዘፈራርሕን ዝነበረ ተጠርጣሪ ገበነኛ ድማ ከሰተ ደበብ እዩ። ተጠርጣሪ ፀጋይ ይብራህ ድማ ንወላዲት ናኦድ ምስ ክብሮም ኣማረ ብስልኪ ዘራኽብ ዝነበረ ተጠርጣሪ እዩ። 3ቲኦም ገበነኛታትን ካልኦት ተሓባበርቲ ተጠርጠርትን ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ዞባ ሰ/ምዕራብ ትግራይ ኣትዮም ኣለዉ። ግቡእ ፍርዲ ድማ ይጽበዮም።

ሓበሬታ:-ልፍዓተይ ተስፋ

ፅቡቅ ሓሳብ እዪ።
25/08/2025

ፅቡቅ ሓሳብ እዪ።

ግልጋሎት ኤለክትሪክ ኢትዮጵያ ካብ ሓምለ 1 /2017ዓ.ም. ክሳብ መስከረም 30 / 2018 ዓ.ም ኣብ ምትግባር ዝርከብ ዝርዝር ታሪፍ ዕላዊ ጌሩ።

መማሓየሺ ታሪፍ መብራህቲ ናህሪ ዕዳጋን ትሑት መነባብሮ ዝነብር ክፋል ማ/ሰብ ናይ ምክፋል ዓቅሚ ዘገናዘበን ተጠቀምቲ ድጎማ ዘግብርን ኮይኑ፤ተወሳኺ ፅዕንቶ ንምንካይ ብምዕላም በቢ ርብዒ ዓመት ተመቃቂሉ ዝክፈል ሙኳኑ ኣዘኻኺሩ።

በዚ መሰረት ካብ 0 ክሳብ 200 ኪሎ ዋት ሰዓት ዝጥቀሙ ዓማዊል መንበሪ ገዛ ተጠቀምቲ ድጎማ ከም ዝኾኑ።

✅ ታሪፍ መንበሪ ገዛ

➡️ 0 - 50 ኪ.ዋ.ሰ. = 0.6764 ብር ብ ኪ.ዋ.ሰ. (+0.0807 )
➡️ 51 - 100 ኪ.ዋ.ሰ. = 1.6708 ብር ብኪ.ዋ.ሰ. (+0.1807)
➡️ 101 - 200 ኪ.ዋ.ሰ. = 2.9320 ብር ብኪ.ዋ.ሰ. (+0.2614)
➡️ 201 - 300 ኪ.ዋ.ሰ. = 4.2983ብር ብኪ.ዋ.ሰ. (+0.4596)
➡️ 301 - 400 ኪ.ዋ.ሰ. = 4.4898 ብር ብኪ.ዋ.ሰ. (+0.458)
➡️ 401 - 500 ኪ.ዋ.ሰ. = 4.6169 ብር ብኪ.ዋ.ሰ. (+0.4424)
➡️ 500 ኪ.ዋ.ሰ. በላይ = 4.6627 ብር ብኪ.ዋ.ሰ. (+0.4364)

✅ ንንግድን ጠቅላላ ግልግሎትን = 4.5324 (+0.4817)
✅ ንኣናእሽቱ ኢንዲስትሪ (380v) = 2.8224 ብር ብኪ.ዋ.ሰ. (+0.2635)
✅ ንማእከላይ ኢንዱስትሪ (15kv) = 2.2714 ብር ብኪ.ዋ.ሰ. (+0.2208)

👉 ታሪፍ ክፍሊት ዲማንድ ቻርጅ

➡️ ንኣናእሽቱ ኢንዲስትሪ = 404.4ብር ብኪዋ (+36.88)
➡️ ንማእከላይ ኢንዱስትሪ = 297.23 ብር ብኪዋ (+27.1)

👉 ግልግሎት ክፍሊት መንበሪ

ንድሕረ ክፍሊት
✅ ካብ 0 - 50 ኪ.ዋ.ሰ. = 11.19 ብር (+0.24)
✅ ካብ 50 ኪ.ዋ.ሰ. ንላዕሊ = 46.75 ብር (+0.95)

ንቅድመ ክፍሊት
✅ ካብ 0 - 50 ኪ.ዋ.ሰ.= 4.36 ብር(+0.18)
✅ ካብ 50 ኪ.ዋ.ሰ. ንላዕሊ= 16.28 ብር (+0.31)

👉 ንጠቅላላ ንግዲ

✅ ንድሕረ ክፍሊት= 59.94 ብር(+1.19)
✅ ንቅድመ ክፍሊት= 20.94 ብር (+0.41)

👉 ንኣናእሽትን ዓበይትን ኢንዱስትሪ = 59.94 ብር(+1.19)

👉ድመቀት ኣሸንዳ 2017ኣብ ሰመናዊት ኮኮብ መቀለ❤👏
25/08/2025

👉ድመቀት ኣሸንዳ 2017
ኣብ ሰመናዊት ኮኮብ መቀለ❤👏

24/08/2025
እንካዕ ንበዓል ኣሸንዳ 2017 ዓ.ም ኣብፀሐና ኣብፀሐኩም! ሰናይ ቅንያት ኣሸንዳ ይግበረልና።
21/08/2025

እንካዕ ንበዓል ኣሸንዳ 2017 ዓ.ም ኣብፀሐና ኣብፀሐኩም!
ሰናይ ቅንያት ኣሸንዳ ይግበረልና።

መዕርፎ ነፍርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ብከመዙይ ተጫናኒቃ ኣላበዓል  ኣሸንዳ 2017 ንምብዓል እዪሰናይ ቅንያት በዓል ኣሸንዳ
21/08/2025

መዕርፎ ነፍርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ብከመዙይ ተጫናኒቃ ኣላ
በዓል ኣሸንዳ 2017 ንምብዓል እዪ
ሰናይ ቅንያት በዓል ኣሸንዳ

16/08/2025

Address

Wukro

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when TG Tube ትጂ ቱዩብ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share