01/07/2021
ንፍሽኽታ
ኣብ ሓደ ፌርማታ ኣውተቡስ ዝጽበዩ ዝነበሩ ሓደ መንእሰይን ሽማግለ ሰብኣይን
እዮም። ብዕላል ዕላል ‘ወለዶ ሎሚዶ ወለዶ ቀደም ኣብ ስራሕን ግዜን ዘለዎም
ኣመለኻኽታ ይውሕልል’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ይካትዑ ነበሩ። ኣብ ከምዚ
ኣጋጣሚ እቶም ሰብኣይ ነቲ መንእሰይ - “ደቂ ሎሚ ኣዚኹም ህኩያትን ንግዜ
ብግቡእ ዘይትጥቀሙሉን ኢኹም። ክትፈልጥ - ቀደም ንሕና ምስ ወለድና ኣብ
መዓልቲ 26 ሰዓታት ከየዕረፍና ኢና ንሰርሕ ነይርና።” ክብሉ ተዛረቡዎ።
እቲ መንእሰይ ትቕብል ኣቢሉ - “እዋእ ኣቱም ኣቦ ኣብ መዓልቲ ደኣ 24
ሰዓት ጥራይ እንድዩ ዘሎ” ክብል ብኣግርሞት መለሰሎም። ድሕሪ’ዚ እቶም ሽማግለ
ሰብኣይ፡ “ርኤኻ ዝወደይ ንሕና ንግሆ ሓደ ሰዓት ኣቐዲምና ስራሕ ንጅምር ምሸት
ድማ ሓደ ሰዓት ደንጒና ንወጽእ” ክብሉ መለሱሉ ይበሃል።