Hafi show

Hafi show Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Hafi show, Belfast.
(1)

‎ኣብዚ page በቲ ልዕሊ ዝኾነ ክቡር ቋንቋና ትግርኛ መሳጢን መሃሪን ጽሑፋት ዝቐርበሉ ብሉፅ page ኮይኑ☆ዕላምኡ ድማ ኣፍልጦን ግንዛበን መንእሰይ ንምዕባይ እዩ follow ኢልና ቤተሰብ ንኹን!🙏
‎ዩቱብ ቻናል👇
https://psee.io/Hafishow

ቲክቶክ account 👇
‎tiktok.com/

30/11/2025

ቀሲንካ ክትነብር እንተ ደሊኻ
ሰባት ብዛዕባኻ ብዙሕ ክፈልጡ ዕድል ኣይትሃብ!🤐👍

🧠 Hafi Show 📚 ... ❤️ ህይወት ኩሉ ግዜ ቀሊል ኣይኮነን። ኩላትና ማንም ዘይርእዮ ቃንዛን ሕልምን ስቕ ዝበለ ውግኣትን ተሰኪምና ኢና ንኸይድ።ስለዚ’የ ድማ HAFI SHOW ቴሌግራም ...
30/11/2025

🧠 Hafi Show 📚

... ❤️ ህይወት ኩሉ ግዜ ቀሊል ኣይኮነን። ኩላትና ማንም ዘይርእዮ ቃንዛን ሕልምን ስቕ ዝበለ ውግኣትን ተሰኪምና ኢና ንኸይድ።ስለዚ’የ ድማ HAFI SHOW ቴሌግራም ቻናል — ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ተስፋን ሓይልን ድርኺትን ዝህቡ ጥቅሰታትን፡ጽሑፍትን post ትገብር.....ሰለዚ ንልብኻ ዝትንክፍ መዓልታዊ ድርኺት እንተደሊኻ...ክትዓቢ እንተደሊኻ፡ ትኹረትካ ኣብ ዕላማኻ ክትገብር እንተደሊኻ፡ ከምኡ'ውን ዝበለጸ ስሪት ነብስኻ ክትከውን እንተደሊኻ...ሕጂ..ናብ ቴሌግራም ቻነል HAFI SHOW JOin ብምግባር ቤተሰብ ኩን
👇👇👇👇👇👇👇
🔗 https://t.me/hafishow1

29/11/2025

ንመላእ ተኸተልቲ እምነት ኦርቶዶክስ እንኳዕ ንዓመታዊ በዓል ሕዳር ፅዮን ኣክሱም 2018 ዓ.ም. ኣብፀሐኩም! ኣብፀሐና! 🙏

29/11/2025

ሃብታማት ዘይኮኑ ግን ከኣ ጽቡቕ ህይወት ክህቡኻ ዓቕሚ ዘለዎም ወለዲ ምስ ዝህልዉኻ ተመስገን በል🙏🙏

29/11/2025

‎ንዚ ፔጅ ሓደሽቲ ዝኮንኩም ፎሎው ምግባር ከይትርሰዑ።እንተ ኪኢልኩም ከኣ ናይ ዩቲብ ቻናለይ link ኣብ profilይ ኣለኩም ኣቲኹም ሳብስክራይብ ግበሩለይ ንትገብሩለይ ኣቐዲመ የመስግን ።

Please subscribe ምግባር ኣይትረሰዑ ደቂ ሪመይ🙏

 !ማማኻ ክትሕበን ዝከኣለካ ግበር-ምኽንያቱ ብድሕሪ ነፍሲ ወከፍ እትህበካ ፍሽኽታ፡ ፈጺማ ዘይትዛረበሉ መስዋእቲ ኣሎ።ንሻቕሎትካ ኣብ መንኵባ ተሰኪማቶ፡ ንመጻኢኻ ስቕ ኢላ በኺያ፡ ዋላ’ውን ን...
29/11/2025

!

ማማኻ ክትሕበን ዝከኣለካ ግበር-ምኽንያቱ ብድሕሪ ነፍሲ ወከፍ እትህበካ ፍሽኽታ፡ ፈጺማ ዘይትዛረበሉ መስዋእቲ ኣሎ።ንሻቕሎትካ ኣብ መንኵባ ተሰኪማቶ፡ ንመጻኢኻ ስቕ ኢላ በኺያ፡ ዋላ’ውን ንሰኻ ኣብ ዘይትፈልጠሉ እዋን ጸለየትልካ..ነዓኻ ክተዕቢ ክንደይ ታሕትን ላዕልን ኢላ።ብቃላት ዘይግለጹ ብዙሕ መሰዋእቲ ከፊላ...
ንሳ እታ ቃንዛኻ ከም ናታ ጌራ ዝጸዓነት ሰበይቲ እያ፣
ዋላ ልባ እናተሰብረ ከሎ ፍሽኽ ዝበለት እያ፣
ካብ እትፈልጦ ንላዕሊ ዝበዝሐ ግዜ ጸልያትልካ።

ስለዚ ዝከኣለካ ግበር...
ንዓለም ኣይኮነን፣ ንዘይግደሱ ሰባት ኣይኮነን፣
ነቲ ብኣኻ ምእማን ዘየቋረጸት ምእንታኻ ክትብል ብዙሕ ዋጋ ዝኸፈለት...ክብርቲ ኣዴኻ ክትሕበን ግበራ።

ብተግባራትካ ክትሕበን ግበራ።
ብስነስርዓትካ ክትሕበን ግበራ።
ብሕያውነትካ ክትሕበን ግበራ።
ዓወትካ መልሲ ናይ ነፍሲ ወከፍ ዝሓብኣቶ ንብዓት ይኹን።
ብሰነ_ምግባርካ ክትሕበን ግበራ።
ሓጎሳ ዓወትካ ግበሮ።
መስዋእታ ዋጋ ዘለዎ ግበሮ።

‎✍️ጸሓፊhafi show(the black writer

‎ ‎ካብዛ ጽሑፍ ገለ ነገር ከም ተማሃርኩም ተሰፋ እገብር...✍️✍️✍️✍️

👍🏼 ሓጋዚ ኮይኑ እንተረኺብክሞ like,share and follow ምግባር !ኣይትረስዑ ደቂ ሪመይ🙏

እንተ ኪኢልኩም ከኣ ናይ ዩቲብ ቻናለይ link ኣብ profileይ ኣለኩም ሳብስክራይብ ግበሩለይ ንትገብሩለይ ኣቐዲመ የመስግን ።

28/11/2025

ጸሎት ኣደይ ካብ ዝሓስቦ ንላዕሊ ንህይወተይ ከም ዘድሓነኒ 100% ፐርስንት ርግጸኛ’የ።❤️🙏🏻💯🛐

‎ 👇‎‎ 7 ምልክታት ብሱል ሰብኣይ ንሓዳርኪ ዝኸውን✨‎‎ 1. ብንጹር ይረዳዳኣኪ🗣️‎‎ ስምዒቱ ብቕንዕና ይገልጸልኪ፡ ክትዛረብዮ ከለኺ ድማ ብጽሞና ይሰምዓኪ።‎‎ 2.ኣብ ሞንጎኹም ንዝፍጠር ...
28/11/2025

‎ 👇

‎ 7 ምልክታት ብሱል ሰብኣይ ንሓዳርኪ ዝኸውን✨

‎ 1. ብንጹር ይረዳዳኣኪ🗣️

‎ ስምዒቱ ብቕንዕና ይገልጸልኪ፡ ክትዛረብዮ ከለኺ ድማ ብጽሞና ይሰምዓኪ።

‎ 2.ኣብ ሞንጎኹም ንዝፍጠር ግርጭት ብህድኣት ይሕዞ 🤝
‎ ኣይጭድርን’ዩ፡ ብኽብርኺ ጸወታ ኣይጻወትን’ዩ- ንጸገማትኩም ድማ ብኣኽብሮት’ዩ ዝፈትሖም።

‎ 3.ናይ ተግባር ሰብ ይኸውን።⏳

‎ ቃላቱ ምስ ተግባራቱ ይሰማማዕ፡ መዓልታዊ ድማ ብተመሳሳሊ መንገዲ የፍቅረክን የኽብርክን።

‎ 4. ሓላፍነት ይወስድ 🙌

‎ ጌጋታት ይእመን፡ ይቕሬታ ​​ይሓትት፡ ዝሓሸ ንኽሰርሕ ድማ ይጽዕር።

‎ 5. ዶብ የኽብር 🚦
‎ ንዓኺ ዝህበኪ ጊዜን ንውልቃዊ ቦታኺ ኣኽቢሩ ይሕዞም።

‎ 6. እሙን ኮይኑ ይጸንሕ። ካብ ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ ይርሕቕ ❤️
‎ ምሰ ካልኦት ደቂ ኣንሰትዮ ምቅራብ ፡ንሓዳሩ ጠንቂ ምኻኑ ሰለ ዝፈልጥ፡ ምሰ ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ ኣቓልቦ ሂቦ ኣየዘናግዕን’ዩ።ምኽንያቱ ትኹረቱ ኣብ ልዕሌኺ ጥራይ ሰለ ዝኾነ ።

‎ 7. ንመጻኢ ይውጥን 📌

‎ ንሕጂ ኣብኡ ምሳኺ ጥራይ ሰለዘሎ ዘይኮነሰ-ንነዊሕ እዋን ንመጻኢ ህይወቱ ኣብ መደባቱ የካትተኪ።

‎ዝተረፈ ንባዕልኺ.......ከምተን ኣዴታትና ፈሪሄ እግዚኣብሄር ዘለወን ለባም መሰተውዓልቲ ኩኒ።

‎👍🏼 ሓጋዚ ኮይኑ እንተረኺብክሞ like,share and follow ምግባር !ኣይትረስዑ ደቂ ሪመይ🙏

✍️ጸሓፊ hafi show(the black writer

‎   #ዝምርኮስ 💔💡‎‎  ኣብ ህይወት ክትገብሮ ካብ እትኽእል ዓበይቲ ጌጋታት ሓደ ብቕንዕና ንነብስኻ ከይሓተትካ ናብ ሓዳር ምጉያይ እዩ‎ ምኽንያቱ ግጉይ ውሳነ ሓዳር ነቲ ድሮ ኣብ መስመር ...
28/11/2025

‎ #ዝምርኮስ 💔💡

‎ ኣብ ህይወት ክትገብሮ ካብ እትኽእል ዓበይቲ ጌጋታት ሓደ ብቕንዕና ንነብስኻ ከይሓተትካ ናብ ሓዳር ምጉያይ እዩ
‎ ምኽንያቱ ግጉይ ውሳነ ሓዳር ነቲ ድሮ ኣብ መስመር ዝነበረ ህይወትካ ኬጥፍኦ ይኽእል እዩ።
‎ ገለ ሰባት ብሰንኪ ግጉይ ሓዳር ብዙሕ ነገር ከሲሮም እዮም።መንነቶም፡ ሰላሞም፡ ሕልሞም ዝስኣኑ ውሕዳት ኣይኮኑን።
‎ ክንደይ ሰባት ከኣ ኣለዉ ኣብ ሓዳር ስቕ ኢሎም ይሳቐዩ ከምዘለዉ ዝዛረበሎም ሰብ ዝሰኣኑ፣ ምስ ሓንቲ መልክዓ እምብር ውሸጣ ምሰ ዘይፈልጡዋ ጓል ሓዳር ጌሮም ዝሳቀዩ ብዛሓት እዮም ።

‎ ብቕንዕና ክገልጸልኩም፤ ተወሳኺ ሰባት ክሰምዕዎ ዝምነዮም ሓቀኛ ምኽሪ እነሆ፤

‎ 1. መጀመርታ ኣብ ዕላማኻ ንጹር ኩን።
‎ ናበይ ከም እትኸይድ እንተዘይፈሊጥካ፡ መን ምሳኻ ክኸይድ ከም ዝኽእል ክትፈልጥ ኢክትኽእልን ኢኻ።

‎ ምስ ካልእ ሰብ ክትህሉ ጥራይ ንነብስኻ ኣይትጥፍ።

‎2 እታ ንሰኻ ንሓዳር ትምነያ ጓል ምሰ ሕልምኻ ትኸይድ ድያ ኣይትኸይድ ኣረጋግፅ?ብኣእምሮ ብሱልቲ ድያ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ከ?ከመይ እያ ክትፅንዕ ኣለካ።

‎ 3.ኢኮኖሚ ዓቅምኻ ከመይ እዩ።
‎ሓዳራ ማለት ድርጅት እዩ ንሓደ ድርጅት ንምምሕዳር ገንዘብ ናይ ግድን እዩ።ቅድሚ ሓዳር ክትገብር ምሕሳብካ ጅባኻ ፈትሸ።

‎ 3,ናይ ዕድመ ጸቕጢ ክጓየየካ ኣይትፍቀደሉ።
‎ ካብ ናይ ዕድመ ምሉእ ስምዒታዊ ስቓይ ምድንጓይ መርዓ ይሓይሽ።

‎ 4,,ካብ ሰብ ሓዳር ጥበባዊ ምኽሪ ውሰድ።
‎ሰብ ካብ ሰብ እዩ ዘመሃር ።ብቕንዕና ሕተት ምኽሪ ዓባይቲ ሰብ ሓዳር ድማ ሸለለ ኣይትብል።ቆብ ኣብላ

‎5 ናይ መወዳእታ ሓቂ፤
‎ ሓዳር ሓደ ካብቲ ዝዓበየ በረኸት ህይወት ክኸውን ይኽእል እዩ — ቅኑዕ ሰብ እንተመሪጽካ።
‎ ግጉይ ሰብ እንተመሪጽካ ግን ናይ ዕድመ ልክዕ መሪር ቤት ማእሰርቲ ክኸውን ይኽእል’ዩ።

‎ በጃኹም፡ ግዜኹም ውሲድኩም ሕሰብሉ።ፈጣሪ ቅኑዕ መጻምድቲ ክህበኩም ጸልዩ።ምኽንያቱ ምሰ ቅኑዕ ሰብ ክትምርዖ ከለኻ ሰላምካን ዕብየትካን ሓጎስካን ዓወትካን የብዝሖ። ምሰ ግጉይ ሰብ ክትምርዖ ከለኻ ግን ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኩሉ ከጥፍኦ ይኽእል እዩ።

‎ ዘክር፦ ጽምዋ ስለ ዝደኸምካ ወይ ዕድመ ጥራይ ስለ ዝኸደካ ኣይትምርዓው። ምስ ህይወትካን ዕላማኻን ሰላምካን ዝሰማማዕ ሰብ ስለ ዝረኸብካ ተመርዓ።
‎ ብጥበብ ምረጽ። እግዚኣብሄር ንኹላትና ዘሰተውዕል ልብን ኣእምሮን ይሃበና🙏

‎✍️ጸሓፊhafi show(the black writer

‎ ‎ካብዛ ጽሑፍ ገለ ነገር ከም ተማሃርኩም ተሰፋ እገብር...✍️✍️✍️✍️

👍🏼 ሓጋዚ ኮይኑ እንተረኺብክሞ like,share and follow ምግባር !ኣይትረስዑ ደቂ ሪመይ🙏

እንተ ኪኢልኩም ከኣ ናይ ዩቲብ ቻናለይ link ኣብ profileይ ኣለኩም ሳብስክራይብ ግበሩለይ ንትገብሩለይ ኣቐዲመ የመስግን ።


‎ውሉድ ምውላድ በረኸት ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።  ንሓደ ቆልዓ ናብ ዓለም ኣምጺእካ ንኽዓቢ ዘድልይዎ መሰረታዊ ነገራት’ውን ከተቕርበሉ ምስ ዘይትኽእል ግን ጾር እዩ ዝኸውን። ‎‎ ከም ወላዲ...
26/11/2025

‎ውሉድ ምውላድ በረኸት ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ንሓደ ቆልዓ ናብ ዓለም ኣምጺእካ ንኽዓቢ ዘድልይዎ መሰረታዊ ነገራት’ውን ከተቕርበሉ ምስ ዘይትኽእል ግን ጾር እዩ ዝኸውን።

‎ ከም ወላዲ ወይም ከም ኣቦ ንውላዱ ፡ከሕጉሰ ዝኽእል ኣቦ እምበር ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ፡ ወይም ብሰንኪ ኢኮኖሚዊ ዓቅሚ ንዝወለድካዮ ወላድካ ዕድልካ ሕማቅ እዩ ኢልካ ክትረግሞ ወይም ብዕድሉ ክሓዝን ምግባር ግቡእ ኣይኮነን። ስለ’ዚ ድማ’ዩ ብትልሚ ምውላድ ቁልፊ ናይ ዕቤትካ ዝኾነ — ዓቕምኻ ፍለጥ፣ወለዱ ኢልካ ኣይትውለድ ኣቐዲምካ መደብ ግበር፣ ብዛዕባ ብዝሒ ውላድካ ድማ ኮነ ኢልካ ሕሰብ።

‎ ቆልዑ ህያባት ፈጣሪ እዮም።ግን ኢኮኖሚያዊ ዓቅምኻ ኣብ ግምት ምእታው ጽቡቅ እዩ። ምኽንያቱ ናይ ደቅኻ ድሌታት ንምምላእ ገንዘብ ይሓተካ እዩ። ቆልዑ ብዕድሎም ይዕበዩ ዝብል፡ሓቅነቱ ዘይተረጋገጸ ግጉይ ኣተሓሳስባ ትኽተል እንተኾንካ፡ግን እንታይ ክብለካ ኮይነ እግዚኣብሄር መዋጽኦ ይፍጠረልካ እየ ክብለካ ዝኽእል።


✍️ጸሓፊ hafi show(black writer

ካብዛ ጽሑፍ ገለ ነገር ከም ተማሃርኩም ተሰፋ እገብር...✍️✍️✍️✍️

👍🏼 ሓጋዚ ኮይኑ እንተረኺብክሞ like,share and follow ምግባር !ኣይትረስዑ ደቂ ሪመይ🙏...
እንተ ኪኢልኩም ከኣ ናይ ዩቲብ ቻናለይ link ኣብ profileይ ኣለኩም ሳብስክራይብ ግበሩለይ ንትገብሩለይ ኣቐዲመ የመስግን ።

Address

Belfast

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Hafi show posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share