18/04/2026
ሰላም ኩቡራት ኣንበብቲ! ሎሚ ብዛዕባ እቲ ኣብ ትሕቲ እግሪ ነርገጸሉ ዘለና መሬት ተሓቢኡ ዝርከብ፡ ንዓለም ዘገረመ ሓድሽ ርካብ 10 ነጥብታት ከካፍለኩም፦
ዕምቆት 700 ኪሎ ሜተር፦ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት (Geologists) ኣብ ትሕቲ ገጽ መሬት ኣስታት 700 ኪሎ ሜተር ዕምቀት ኣብ ዘለዎ ቦታ፡ ግዙፍ መጠን ዘለዎ ማይ ከም ዝርከብ ኣረጋጊጾም።
ካብ ባሕሪ ብ3 ዕጽፊ ይዓቢ፦ እዚ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝርከብ ማይ፡ ካብ ኩሎም ኣብ ልዕሊ መሬት ዘለዉ ውቅያኖሳት (ኣትላንቲክ፡ ፓሲፊክ ወዘተ) ተደሚሮም ብሰለስተ ዕጽፊ ዝዓቢ መጠን ማይ ዝሓዘ እዩ።
ፈሳሲ ባሕሪ ኣይኮነን፦ እዚ ማይ እዚ ከምቲ ንሕና እንፈልጦ ንቑጽ ወይ ፈሳሲ ባሕሪ ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡ፡ "ሪንግዉዳይት" (Ringwoodite) ኣብ ዝበሃል ሰማያዊ ከውሒ፡ ኣብ ሞለኪዩላዊ ደረጃ ተሓቢኡ ዝርከብ እዩ።
ከም 'ሰፍነግ' (Sponge) ዝሰርሕ ከውሒ፦ እቲ ሪንግዉዳይት ዝበሃል ከውሒ ከም ሰፍነግ ኮይኑ፡ ንማይ ስሒቡ ናይ ምሓዝ ፍሉይ ዓቕሚ ኣለዎ። እዚ ድማ ኣብቲ ትሕቲ መሬት ዘሎ ልዑል ጸቕጥን ሙቐትን ዝፍጠር ተርእዮ እዩ።
መበቆል ማይ መሬት፦ እዚ ርካብ እዚ ሓደ ዓቢ ሕቶ ይምልስ፦ "ኣብ መሬት ዘሎ ማይ ካበይ መጸ?" ዝብል። ቅድሚ ሕጂ ማይ ካብ በረድ ዝሓዙ "ኮመት" (Comets) ከም ዝመጸ ይእመን ነይሩ፡ ሕጂ ግን መሬት ባዕላ ካብ ውሽጣ ማይ ከተመንጩ ከም እትኽእል ተፈሊጡ።
ምንቅጥቃጥ መሬት መሳርሒ ኮይኑ፦ ሳይንቲስት እዚ ማይ እዚ ንምርካብ፡ 2,000 ዝኾኑ መሳርሒታት (Seismometers) ተጠቂሞም፡ ንምንቅጥቃጥ መሬት (Seismic waves) ብምጽናዕ እዮም በጺሖምዎ።
መቆጻጸሪ ማይ ዓለም፦ እዚ ውሽጣዊ ማይ ከም "መኽዘን" ኮይኑ የገልግል እዩ። እዚ ማይ እዚ ኣብ ውሽጢ መሬት እንተዘይህሉ ነይሩ፡ መሬትና ብምልእታ ብማይ ምተሸፈነት ነይራ (ጥራይ ጫፍ ኣኽራናት ምተረኣየ ነይሩ)።
"Transition Zone" ይበሃል፦ እዚ ማይ ዝርከበሉ ቦታ ኣብ መንጎ "Upper Mantle"ን "Lower Mantle"ን ዝርከብ ክፍሊ ኮይኑ፡ "Transition Zone" ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ስቲቭ ጃኮብሰን (Steve Jacobsen)፦ እዚ ዓቢ ርካብ ብተመራማሪ ዩኒቨርሲቲ ሰሜናዊ ምዕራብ (Northwestern University) ስቲቭ ጃኮብሰን ዝተመርሐ ኮይኑ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝተገብረ ምርምር እዩ።
መሬት ገና ብዙሕ ምስጢር ኣለዋ፦ እዚ ርካብ እዚ ንደቂ ሰባት ዘዘኻኽሮ ነገር እንተሃለወ፡ ብዛዕባ እታ ንነብረላ ዘለና ዓለም ክሳብ ሕጂ እንፈልጦ ነገር ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ እዩ።
ዝኸበርኩም ኣንበብቲ፦ ዓለምና መስተንክር እያ! ብዛዕባ እዚ "ሕቡእ ውቅያኖስ" ዘለኩም ርእይቶ ኣብ ኮመንት ኣካፍሉና።