ATN ዜና ትግርኛ

ATN ዜና ትግርኛ "Rooted in history, rising with purpose. Empowering Eritreans through unity, culture, and unstoppable resilience."

 # ንኽልተ ዓመታት ብሉጽ ኣጥቃዓይ ክለባት ኢትዮጲያ ኮይኑ ዝተሸለመ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን( ረድ ሲ ካመልስ)   ምስ ግብጻዊት ጋንታ እስማዒላ ንኽጻወት ውዕል ኮንትራት ፈሪሙ። # ...
08/08/2025

# ንኽልተ ዓመታት ብሉጽ ኣጥቃዓይ ክለባት ኢትዮጲያ ኮይኑ ዝተሸለመ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን( ረድ ሲ ካመልስ) ምስ ግብጻዊት ጋንታ እስማዒላ ንኽጻወት ውዕል ኮንትራት ፈሪሙ።
# ዓሊ ሱሌማን ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ተጸንቢሩ ኣብ ውድድራት ሴካፋ ብዘርኣዮ ልዑል ብቅዓት ካብ 2021 ጀሚሩ ምስ ክለባት ኢትዮጲያ ባህርዳር ከነማን ሃዋሳን ሲቲን ተጸንቢሩ ኣብ ፕረመርሊግ ናይታ ሃገር ዓብላሊ ብቅዓት ድሕሪ ምንጽብራቁ ኢዩ ናብዛ ክለብ ዝጽንበር ዘሎ።

እንቛዕ ሓጎሰካ ዓሊ ሱሌማን።

ብንያም ግርማይ ናይ ትካል ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ናይ ክብሪ ኣምባሳዶር ኤርትራ ኮይኑ ተሸሙ።Ambassador Temede Tekele announced that, as a result of...
08/08/2025

ብንያም ግርማይ ናይ ትካል ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ናይ ክብሪ ኣምባሳዶር ኤርትራ ኮይኑ ተሸሙ።

Ambassador Temede Tekele announced that, as a result of the significant influence Biniam has created at both African and global levels—and in recognition of his potential to promote the country’s development programs internationally and positively inspire youth—the United Nations Development Programme has appointed him as its Honorary Ambassador in Eritrea.
ATN ዜና ትግርኛ

ቢንያም ግርማይ ወግዓዊ ናይ ምቅባል ስነ-ስርዓት ተገይርሉ----8 ነሓሰ 2025 ኤርትራዊ ኦሎምፒካዊ ተቐዳዳማይ ብንያም ግርማይ ኣብ ዙር ፈረንሳ 2025 ተሳቲፉ ናብ ሃገሩ ድሕሪ ምምላሱ ትማ...
08/08/2025

ቢንያም ግርማይ ወግዓዊ ናይ ምቅባል ስነ-ስርዓት ተገይርሉ----

8 ነሓሰ 2025 ኤርትራዊ ኦሎምፒካዊ ተቐዳዳማይ ብንያም ግርማይ ኣብ ዙር ፈረንሳ 2025 ተሳቲፉ ናብ ሃገሩ ድሕሪ ምምላሱ ትማሊ ኣብ ኣዳራሽ ሃኮስኤ ወግዓዊ ናይ ምቕባል ስነ ስርዓት ተገይሩሉ።

ምንጪ-ሓበሬታ፣ ምኒስትሪ ዜና

04/08/2025

Coming very soon…

01/08/2025

🇪🇷 🇺🇸 President Donald Trump has sent a letter to President Isaias Afwerki, on July 30 this week, underlining that he is "reversing the negative, harmful damage of the Biden Administration around the globe".

In his message that also expresses appreciation for President Isaias' letter of Congratulations of November last year, President Trump referred to his Administration's readiness to re-establish a respectful and productive national relationship between the US and "based on honesty, respect, and opportunities to improve peace and prosperity across the Horn of Africa and the Red Sea".

ኣብ ንኡስ ዞባ ሽዕብ ፡ ሓረስቶት ምምሕዳር ኸባቢ ስሜን መንሸብ ፡ ብብርቱዕ ብውሒጅ ዝተሃስየ ግራውቶምን ዝዓነወ ዓግማትን ብወፈራ ይጽግኑ ኣለዉ። EriTV MOI
01/08/2025

ኣብ ንኡስ ዞባ ሽዕብ ፡ ሓረስቶት ምምሕዳር ኸባቢ ስሜን መንሸብ ፡ ብብርቱዕ ብውሒጅ ዝተሃስየ ግራውቶምን ዝዓነወ ዓግማትን ብወፈራ ይጽግኑ ኣለዉ።

EriTV MOI

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕብ30 ሓምለ 2025 ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝሰደዶ መልእኽቲ፡ ኣብ ቅንዕናን ምክብባርን ዝተሰረተ ሃናጺ ዝምድና ምስ ኤርትራ ንምምዕባል ዘለዎ ድልውነ...
01/08/2025

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕብ30 ሓምለ 2025 ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝሰደዶ መልእኽቲ፡ ኣብ ቅንዕናን ምክብባርን ዝተሰረተ ሃናጺ ዝምድና ምስ ኤርትራ ንምምዕባል ዘለዎ ድልውነት ኣረጋጊጹ።

President Donald Trump has sent a letter to President Isaias Afwerki, on July 30 this week, underlining that he is "reversing the negative, harmful damage of the Biden Administration around the globe".

In his message that also expresses appreciation for President Isaias' letter of Congratulations of November last year, President Trump referred to his Administration's readiness to re-establish a respectful and productive national relationship between the US and Eritrea "based on honesty, respect, and opportunities to improve peace and prosperity across the Horn of Africa and the Red Sea".

As it will be recalled, President Isaias had sent a warm message of Congratulations to President Trump in November last year on his "historic comeback and election as the 47th President of the United States of America...at a very crucial time when global peace is of paramount importance more than ever before".

President Isaias had at the time expressed his hopes that President Trump's "election will open a new chapter of fruitful and constructive ties of cooperation between Eritrea and the US".

https://x.com/hawelti/status/1951213534894776602/photo/1

ሚኒስትር ሃፍቲ ባሕሪ ኣቶ ተወልደ ቀላቲ ሎሚ ኣብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ምስ ልኡኽ ኢጣልያ ተራኺቡ---ሎሚ 30 ሓምለ 2025 ምኒስተር ሃብታ ዓሳ ንብሚስተር ፍራንቸስኮ ሎሎብሪጊዳ፡ ሚኒስተር...
30/07/2025

ሚኒስትር ሃፍቲ ባሕሪ ኣቶ ተወልደ ቀላቲ ሎሚ ኣብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ምስ ልኡኽ ኢጣልያ ተራኺቡ---

ሎሚ 30 ሓምለ 2025 ምኒስተር ሃብታ ዓሳ ንብሚስተር ፍራንቸስኮ ሎሎብሪጊዳ፡ ሚኒስተር ሕርሻ፡ ዉሕስነት መግብን ኣግራብን፤ ከምኡ’ውን፡ ሚስተር ኤድሞንዶ ሲሪየሊ፡ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝን ዝተመርሐ ልኡኽ ኢጣሊያ ኣብ ቤተ-ጽሕፈቱ ተቀቢሉ ኣብ ልምዓታዊ ፕሮጀክትታት እቲ ምኒስትሪ ተጓዑዙ ንጉጅለ ኢጣልያ ሰፊሕ መደባት ባሕርና ኢንዱስትሪ ዓሳ መግለጺ ሂቡ።

30/07/2025

ERI/Italy 🇪🇷 🇮🇹 |• ቁጠባዊ ዉዕላት ኤርትራን ኢጣሊያን፡

ኣብ መወዳእታ ጥሪ ዝሓለፈ ዓመት 2024፡ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጆርጂያ መሎኒን ንዝተገብረ ዘተ መሰረት ብምግባር፡ትማል 29 ሓምለ 2025፡ ኤርትራን ኢጣሊያን ኣገዳሲ ቁጠባዊ ዉዕላት ከቲመን ኣለዋ።

እቲ ውዕል ብወገን ኤርትራ ብኣቶ ነስረዲን መሓመድ ሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትሪን ኤርትራ፡ ብወገን ኢጣሊያ ድማ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝን ሚኒስተር ኤድሞንዶ ሲሪየሊ እዮም ፈሪሞሞ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቲ ብሚኒስተር ሕርሻን ዉሕስነት መግብን ኢጣልያ ሚስተር ፍራንቸስኮ ሎብሪጊዳ ዝተመርሐ ልኡኽ፡ ሰሉስ 29 ሓምለ ኣብ ኣስመራ ረኺቡ ከም ዘዛራረበ እውን ተፈሊጡ።

ክልቲኤን ሃገራት፡ ኣብ ጽላታት ጸዓት፡ ዕደና፡ መሰረተ ልምዓት፡ ሰንዓ/ማኑፋክቸሪን፡ ሕርሻ፡ ሃብቲ ባሕሪ፡ ቱሪዝም፡ ባህልን ስፖርትን፡ ምምዕባል ሰብኣዊ ርእሰማል፡ ቍጠባዊ ምትሕብባርን ፋይናንስን ኣቶኪረን ክዓያ ተሰማሚዐን ኣለዋ።

ኤርትራን ኢጣልያን ኣብ'ዚ ደረጃ ዝምድና ዝበጽሓ፡ ቀዳማይቲ ሚኒስተር ሜሎኒ ዉን ድሕሪ ርክብ ምስ ፕረዚደንት ኢሰይያስ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዕድላት ንምድህሳስ ዘማኽሩን ዝከታተለሉን ላዕለዎት ሰብ-ስልጣን ሃገራ ከም ዝመዘዘትን፡ ክሳብ ኣካየድቲ ዝተፈላለያ ኩባኒያታት ኢጣሊያ ጠርኒፎም፡ ኣብ ኤርትራ ንመዓልታት ዳህሳስ ብምክያዶምን፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታትን ትካላትን ብምብጻሕን እዩ ነይሩ።

ጆርጅ ሜሎኒ፡ ንወፍሪ ኣብ ዝምልከት ጉዳያት ብቐረባ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝሰርሕ ቀንዲ ኣማኻሪኣ ምሻማ እውን ኣፍሊጣ ምንባራ ይዝከር።

ነዚ ናይ ሕጂ ስምምዓት ኣመልኪቱ ሚኒስተር ፍራንቸስኮ ንማዕከን ዜና ኤርትራ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ምዕባለ፡ ኣብ ኣስመራን ሮማን ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ ንምዕባይ ኣብ ዝተገብረ ጻዕርታት፡ "ዝጭበጥ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ዘንጸባርቕ፡" ክብል ገሊጽዎ።

ኣብ ሰነ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኤርትራ ወግዓዊ ምብጻሕ ዘካየደ ላዕለዋይ ሚኒስተር ንግድን ሃገራዊ ፍርያት ኢጣልያን ኣዶልፎ ኡርሶ እውን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ካልኦት 10 ሚኒስተራትን ከም ዝተመያየጠ ተገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ'ቲ ናይ ሽዑ ርክብ፡ እቲ ሚኒስተር ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ቀጥታዊ ርክባት ኣየር" ዝርከቦም "ፕሮጀክትታት ኣብ ዝመጽእ እዋን ንምትግባር ዘለዎም ውጥን፡" ከም ዘቕረቡ ተዛሪቡ ነይሩ።

ATN ዜና ትግርኛ

ሳምሶም ኣማረ 2ይ ወጺኡ*********************ኤርትራዊ ኣትለት ሳምሶም ኣማረ ሎሚ ሰንበት ኣብ ዝተካየደ ውድድር MMB Bogota Half Marathon 2025 [Samsom Amar...
27/07/2025

ሳምሶም ኣማረ 2ይ ወጺኡ
*********************
ኤርትራዊ ኣትለት ሳምሶም ኣማረ ሎሚ ሰንበት ኣብ ዝተካየደ ውድድር MMB Bogota Half Marathon 2025 [Samsom Amare 🇪🇷🥈... 1:03:40]2ይ ብምውጻእ ኣብ ፖድዩም ደይቡ።

ብኒ ጅግና ሓበን ንጉስ  ኣምበሳድር መላእ ኣፍሪቃ እንቋዕ ብሰላም ጀምርካ ብሰላም ወድኣኻ። ኮርዕኻ ኣኹርዕኻና   ኢኻ እሞ ክብርን መጎስን ንዓኻ። ሽምካን ሽም ህዝብኻን ሃገርካን ን21 መዓል...
27/07/2025

ብኒ ጅግና ሓበን ንጉስ ኣምበሳድር መላእ ኣፍሪቃ እንቋዕ ብሰላም ጀምርካ ብሰላም ወድኣኻ። ኮርዕኻ ኣኹርዕኻና ኢኻ እሞ ክብርን መጎስን ንዓኻ። ሽምካን ሽም ህዝብኻን ሃገርካን ን21 መዓልቲ ኣብ መላእ ዓለም ከም ዝጽዋዕ ጌርካ ኢኻ እሞ ክበርር ንበርርር

Address

London Borough Of Islington

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ATN ዜና ትግርኛ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to ATN ዜና ትግርኛ:

Share