Chele Tube/ ጨለ ቲዩብ /

Chele Tube/ ጨለ ቲዩብ / One Love

ሓላፊ ቢሮ ትራንስፖርት ትግራይ ኣይተ ታደለ መንግስቱ ብትእዛዝ ቤት ፍርዲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሉ።ምስ ሰበስልጣን ህወሓት ዝነበራ መኻይን መንግስቲ መሊኡ ብዘይምርካቡ እዩ ተኣሲሩ ዘሎ።
23/04/2025

ሓላፊ ቢሮ ትራንስፖርት ትግራይ ኣይተ ታደለ መንግስቱ ብትእዛዝ ቤት ፍርዲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሉ።ምስ ሰበስልጣን ህወሓት ዝነበራ መኻይን መንግስቲ መሊኡ ብዘይምርካቡ እዩ ተኣሲሩ ዘሎ።

ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣማኻሪ ካውንስል ቀዳማይ ህፁፅ ኣኼብኡ ሎሚ 7 ለካቲት 2017 ዓም ጀሚሩ። እዚ ህፁፅ ኣኼባ ካብ ዕለት 7 ክሳብ 9 ለካቲት 2017 ዓም ክካየድ እዩ።ጨለ ቲዩብ
14/02/2025

ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣማኻሪ ካውንስል ቀዳማይ ህፁፅ ኣኼብኡ ሎሚ 7 ለካቲት 2017 ዓም ጀሚሩ። እዚ ህፁፅ ኣኼባ ካብ ዕለት 7 ክሳብ 9 ለካቲት 2017 ዓም ክካየድ እዩ።
ጨለ ቲዩብ

10/02/2025
ህወሓት የለን=======ህወሓት-ብፍሉይ ኣዋጅ ምዝገባ ፖለቲካዊ  ፓርቲታት ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ቅድመ ኣፍልጦ ተዋሂባ: ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ ሕጋዊ ጉባኤ ገይራ ሃምሱሩዕ ፖለቲካ ፓርቲ ክ...
10/02/2025

ህወሓት የለን
=======
ህወሓት-ብፍሉይ ኣዋጅ ምዝገባ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ቅድመ ኣፍልጦ ተዋሂባ: ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ ሕጋዊ ጉባኤ ገይራ ሃምሱሩዕ ፖለቲካ ፓርቲ ክትምዝገብ ብዕለት 03/12/2016 ዓም ልተውሃባ ፍቓድ ሎሚ 03/06/2017ዓም ተወዲኡ መዝገብ ተዓፅዩ'ሎ::

እዚ ማለት ካብ ሎሞዓንቲ ጀሚሩ ህወሓት ልበሃል ፖለቲካዊ ፓርቲ የለይ::

ጭምጭምታ ሓበሬታካብ ኢድ ብኢድ ምጭብባጥ ዝዓበየ እወንታዊ ሓበሬታ እንሰምዐሉ ዕርቂ ይግበር ኣሎያ ተባሂሉ።እዚ ዕርቂ ከንቱ ምትህልላኽ ኣፅርዩ ምእንቲ ህዝቢ ሓቢርካ ምስራሕ ወይ ሓቢሮም ንዝሰ...
08/02/2025

ጭምጭምታ ሓበሬታ
ካብ ኢድ ብኢድ ምጭብባጥ ዝዓበየ እወንታዊ ሓበሬታ እንሰምዐሉ ዕርቂ ይግበር ኣሎያ ተባሂሉ።

እዚ ዕርቂ ከንቱ ምትህልላኽ ኣፅርዩ ምእንቲ ህዝቢ ሓቢርካ ምስራሕ ወይ ሓቢሮም ንዝሰርሑ ምሃብ ዘምፅእ ምዃኑ ይትስፈወሉ ኣሎ።

Via-Mamuye Negash Zewaldba

06/02/2025

ሰልፊ ተጋሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ

ሰላም ዝፅውዕ ሰልፊ ተወላዶ ትግራይ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ።እቶም  ተወላዶ ሎሚ 29 ጥሪ 2017 ዓ.ም ኣብ ዘካየድዎ ሰልፊ " ሕርያና ሰላም እዩ ! ውዕሊ ፕሪቶርያ ይተግበር !" ዝ...
06/02/2025

ሰላም ዝፅውዕ ሰልፊ ተወላዶ ትግራይ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ።

እቶም ተወላዶ ሎሚ 29 ጥሪ 2017 ዓ.ም ኣብ ዘካየድዎ ሰልፊ " ሕርያና ሰላም እዩ ! ውዕሊ ፕሪቶርያ ይተግበር !" ዝብሉን ካልኦት ጭርሖታት ኣጋዊሖም።

ብተወሳኺ ፖለቲከኛታት ትግራይ ኣብ ሞንጎኦም ዘሎ ዘይምርድዳእ ብዘተ ክፈትሑን ንሰላም ስግኣት ካብ ምዃን ክቑጠቡን ዘተሓሳስቡ ተረርቲ መልእኽታት በቶም ሰልፈኛታት ተቓሊሖም

05/02/2025

ሜንጆሪኖ ስለ ደብዳበ ኣብይ መልሲ ሂባ

"50 ዓመት ኣብ ቃልሲ፣ ፅንዓትን ዓወትን"መበል 50 ዓመት በዓል 11 ለካቲት ካብ ዕለት ሓደ ለካቲት  ጀሚሩ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ከምዝኽበር ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ህወሓት ወ/ሮ ፈትለወርቅ ...
05/02/2025

"50 ዓመት ኣብ ቃልሲ፣ ፅንዓትን ዓወትን"

መበል 50 ዓመት በዓል 11 ለካቲት ካብ ዕለት ሓደ ለካቲት ጀሚሩ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ከምዝኽበር ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ህወሓት ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገ/እግዛብሄር ገሊፀን።

ናይ ሎሚ ዘበን መበል 50 ዓመት በዓል 11 ለካቲት
"50 ዓመት ኣብ ቃልሲ፣ ፅንዓትን ዓወትን" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ ክኽበር።

በቲ ዉሳነ ሕጉስ ኣይኮንኩን ኣቦ መዋቲት ሓበን የማነ                ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ዞባ መቐለ ሎሚ ኣብ ዝውዓሎ መጋበኣያ ኣብ ገበን ቅትለት ንእስቲ ሓበን የማነ ግፍዓዊ ቅትለት...
05/02/2025

በቲ ዉሳነ ሕጉስ ኣይኮንኩን ኣቦ መዋቲት ሓበን የማነ ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ዞባ መቐለ ሎሚ ኣብ ዝውዓሎ መጋበኣያ ኣብ ገበን ቅትለት ንእስቲ ሓበን የማነ ግፍዓዊ ቅትለት ዝፈፀመ ተኸሳሲ ዳዊት ዘርኡ ብዕድመ ልክዕ ፅኑዕ ማእሰርቲ ንክቅፃዕ ፍርዲ ሂብ።
ዳዊት ዘርኡ ዝተባህለ ተኸሳሲ ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ፍሉይ ቦታ ሩፍታና መደቀሲ ብዕለት 8/ጥቅምቲ/2017ዓ.ም ንምንታይ ምሳይ ብ ፍቕሪ ኣይቅፅልን ኢልኺ ብዝብል ምኽንያት ንንእስቲ ሓበን የማነ ብካራ ኮነ ኢሉ ኣብ ኣብዝፈላለዩ ክትሞተሎም ትኽእለሎም ኣካላታ ኣብ 8 ቦታት ብምዉጋእን ብ ናይ ፅማቅ ብርጭቆ ርእሳ ወቂዑ ብዙሕ ደም ክፈሳን ገይሩ ብግፍዒብምቕታል ኣብቲ ተኸሳሲ ዝሓዞ ቤት መደቀሲ ጥራሕ ነብሳ ዓፅዩ ሂወታ ክሓልፍ ገይሩ እዩ። ብተወሳኺ እዉን ተኸሳሲ ናመዋቲ ክዳዉንቲ ተኸዲኑ ካብ ሕጊ ተሓታትነት ንምላጥ ፈቲኑ እዩ። ዓቃቢ ሕጊ ብመረዳእታ ኣሰንዩ ክከራኸር ፀኒሑ እዩ:: ተኸሳሲ ጥፍኣተኛ ዝተብሃለሉ ገበን ብዕድመ ልክዕ ዘቅፅዕ እዩ።ኾይኑ ግና እዚ ፍፃመ ነዉረኛን ሓደገኛን ፍፁም ጭካነ ዝተመልኦን ንእምነት ዘሕደረትሉ ፍቕረኝኡ ብጭካነ ሂወታ ክሓልፍ ብምግባሩን ንተኸሳሲ መአረሚ ንሕብረተሰብ መምህርን ዝኾነ ዉሳነ ክወሃብ ድማ ንቤት ፍርዲ ሕትኡ ኣቅሪብ እዩ።
ተኸሳሲ ዳዊት ዘርኡ ብዝተጠርጠረሉ ገበን ግፍዓዊ ቅትለት ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ዞባ መቐለ ጥፍኣተኛ ኮይኑ ስለ ዝረኸቦ ሎሚ ዕለት 28 ጥሪ 2017 ዓ.ም ኣብ ዝወዓሎ መጋባእያ ብዕድመ ልክዕ ፅኑዕ ማእሰርቲ ንክቅፃዕ ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ዞባ መቐለ ዉሳነ ሂብ።እዚ ዝተወሃበ ውሳነ ኣምሃራይ እዩ ኢለ ኣይሓስብን ብስሩ እዉን ከም ጭካነ ኣቅታትላ ዝግቦ ሞት ፍርዲ እዩነይሩ ብምባል ከይዲ እዚ ዉሳነ ዝተቃወሙ ድማ ወልዲ መዋቲት ሓበን ኣይተ የማነን ወ/ሮ ኣለምት ምክትል ሓላፊት ጉዳይ ደቂ ኣንስትይን እዮም

ብገበን ቅትለት ሓበን የማነ  ዝተኸሰሰ  ዳዊት ዘርኡ ብዕድመ ልክዕ ፅንኑዕ እስራት ክቕፃዕ ተወሲኑ ።
05/02/2025

ብገበን ቅትለት ሓበን የማነ ዝተኸሰሰ ዳዊት ዘርኡ ብዕድመ ልክዕ ፅንኑዕ እስራት ክቕፃዕ ተወሲኑ ።

መግለፂ ድጋፍ ንውሳነ ሰራዊት ትግራይ ካብ ኮር ውዳበ ህወሓት ሰሜን ኣሜሪካ
03/02/2025

መግለፂ ድጋፍ ንውሳነ ሰራዊት ትግራይ ካብ ኮር ውዳበ ህወሓት ሰሜን ኣሜሪካ

Address

359 Kingsland Road
London
E84DR

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Chele Tube/ ጨለ ቲዩብ / posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share