Qelem Hasabat

  • Home
  • Qelem Hasabat

Qelem Hasabat We host deep, unhurried conversations on philosophy, society, and literature Qelem Hasabat is published by the Eritrean Organization of Writers and Journalists

Qelem Hasabat | Painting Thoughts with Words and Vision

Step into Qelem Hasabat, an intellectual and artistic platform dedicated to elevating the way we think and see the world.

16/08/2026
10/08/2026

ኣብቲ በረኻታት ነድወ ለይቲ ኹናት ተኸፊቱ ሓጻር ግዜ እያ ምናልባት ስለያ ዝሓደሩ ፊት ንፊት ተራኺቦም ይኹኑ ቅድሚኣ እንትዝብገስ ከምታ ናይ ዮናስ ምገጠምትኒ ትኸውን ተታሒዘ ምተመለስኹ ዛንታ ኻልእ ምኾነ

መደበይ ምድሪ ጽቡቅ ክበርህ ኣለዎ ዝብል ስለ ዝነበር ግን ኣብታ ዝሓደኹላ ብዓቲ ኾፍ ኢለ ::

መሬት ውግሕ ምበለ ሰጊረ :: ወተሃደራት ኢትዮጵያ ተቀቢሎም ቁልቁለት ዝበዝሖ ኣጻድፍ ብዝመስል ቦታ ናብ ማይ ጨዓ ወሲዶምኒ :: ብጣዕሚ ጸሊኣዮ ኣኻውሕን ስንጭሮን እታ ዓዲ ማይጨዓ ግን ኣብ ዓማቅ ግን ድሓን ዝኾነት ረኺበያ ንፈለማ እዋን እየ ርእየያ ስለዚ ብሓሳብ ናብ ኣስታት 24 ዝተፈለኹዎ ጎላግል ሽመጃና ተመሊሰ ::

ድሓር ንደውሃ ክኸይድ ናብ በራኽ ጎቦ ሰቂሉኒ በታ ዝወረድኽዋ ደይበ ብኣ ኣቢሉ ናብ ሓንቲ ዓዲ ኣትየ ጽባሕ ሕዳር ጽዮን ነይሩ ምሳይ ዝጏዓዝ ዝነበር ምልሻ ሓጎስ ኣሰኽሕ ትፈልጦ ዶ ኢሉኒ እወ ምስ በልኩዎ ናብ ጏሉ ኣቲና እዚኣ ጏሉ እያ ኢልኒ ኣብኣ ውዒልና ::

ቅድሚ ኣብዚ ምብጻሕና ኣብታ በራኽ ዝባን ኣስታት 1/4 ስዓት ኣዕሪፍና ሕጂ ኣብዚኣ እያ እታ ስምዒት ትፍጠር ነታ ዘለኹዎ ቦታ ምስቲ ኣማዕድየ ዝጥምቶ ዘለኹ ጎላጉል ሽመጃና ብጽባቀን ኣቀማምጣን ምውድዳር መጺኡ::

ከቢድ ስምዒትን ሑቶን መጺኡኒምዓስ ይምለስ ይኸውን ዝብል ሑቶ ንነብሰይ ሓቲተያ

ንሑቶይ መልሲየለን ብጣዕሚ ነዊሕ ኸም ዝኸውን ግን ርዱእ ኾይንለይ ዳግማይ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣይኽርእዮ ማለት ድዩ ዝብል ስምዒት ወሩስኒ ስምዒተይ ብንብዓት ኣውጺኣዮ

እቲ ምልሻ እንታይ ኾይንካ ኢልኒ ዋላ ሓንቲ ጥራሕ ኻብዛ ቦታ ውሰደኒ ኢለዮ ::
ወዲ መን ምኳነይ ሓቲቱኒ ነጊረዮ ወሎዶ ሓቲቱ ነጊረዮ ስሞም ምበር ምስሎም ዘይፈልጦም ስድራቤታት ብወለዶ ቆጺረ ነጊረዮ ክትረኽቦም ዶ ኢልኒ ኣይደልን ኻብዚ ቦታ ጥራሕንበገስ ኢለዮ ::ስድራ ቤታዊ ሓልዮት እዩ ኣርእዩኒ ተበግስና ናብታ ዓዲ ጏል ሓጎስ ኣሰኽሕ ኣቲና

ነዊሕ እዩ ናይዛ ዝብላ ዘለኹ ሕጽር ዝበለት እዝኣ እያ

09/08/2026

ዕላል ምስ ስነጥበባዊ ዮናስ ጠዓመ ሙሉእ ትሕዝቶ ኣብ መውሃቢ ርእቶ ኣሎኹም

እዚ ዛንታ ናይ ውልቂ ኣይኾነን ብልሳን ውልቂ ንውልቃዊ ተጏንን ብድሆን ብምትራኽ ዝቀርብ ዘሎ ዛንታ ዋላ እንተኾነ ዛንታን ተጏንፎንኹሎም ኤርትራውያን  እዩሰላም ክቡራት ተኸታተልቲ Qelem H...
08/08/2026

እዚ ዛንታ ናይ ውልቂ ኣይኾነን ብልሳን ውልቂ ንውልቃዊ ተጏንን ብድሆን ብምትራኽ ዝቀርብ ዘሎ ዛንታ ዋላ እንተኾነ ዛንታን ተጏንፎንኹሎም ኤርትራውያን እዩ

ሰላም ክቡራት ተኸታተልቲ Qelem Hasabat! ከመይ ቀኒኹም?

ንሎሚ ድማ ካብቲ ልሙድ እነቅርቦም መደባት ነዊሕ ታሪኽ ዝሓቖፈን ፍሉይ መደብ ሒዝናልኩም መጺእና ኣለና።
ኣብ ኤርትራ ዝነበሮ ናይ ፈለማ ዓመታት ድምቀትን ስነ-ጥበባዊ ጉዕዞን ክሳብቲ ኣብ መገዲ ስደት ዘጋጠመ መሪርን ሓርፋፍን ናይ ህይወት ብድሆታት ዝሓለፈ ንጽባሕ ቀዳም ኣብ መደብና፡ ንድምጻዊን ስነ-ጥበባዊን "ዮናስ ጠዓመ (ወዲ ለምለም)" ዕድመ ጌርናዮ ኣለና። ምስኡ ዝገበርናዮ ሰፊሕ ቃለ መጠየቕ 1ይ ክፋል ሒዝናልኩም ቀሪብና ኣለና።
ኣብዚ ንጽባሕ እንዝርጋሖ ቀዳማይ ክፋል
🎶 ናይ ፈለማ መኣዝን ድሕረ-ባይታኡን ተመክሮኡን፡
ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝነበሮ ናይ ስነ-ጥበብ ጉዕዞን ናይ ፈለማ ስርሓቱን።
ስነ-ጥበብን ስደትን፡ስነ-ጥበባዊ መንነት ምስ ብድሆታት ስደት ተኣሳሲሩ ብኸመይ ከም ዝሓለፎ። ኣብቲ ነዊሕን ሓርፋፍን መገዲ ስደት ዘጋጠሙ ተጽዕኖታት፡ መካልፍን ብሩህ መድረኻትን ብዕምቆት ተዛሪብናሉ ኣለና።
እዚ ታሪኽ'ዚ ናይ ሓደ ስነ-ጥበባዊ ጥራይ ዘይኮነ፡ ድምጺ ናይቶም ብዙሓት ስደተኛታት እውን እዩ። ነዚ ሰብኣዊን ስነ-ጥበባዊን መዛረቢ ዛንታ ንምስማዕ ምሳና ጽንሑ!
🔔 ንዝስዕብ ቀዳማይ ክፋል ሰማዕቲ ንምዃን ቻነልና ሰብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ኩኑ። ርእይቶኹም ክንሰምዕ ድማ ድሉዋት ኢና!
ሊንክ ኣብ ታሕቲ ኣለኩም
ዮናስ ጠዓመ, ወዲ ለምለም, Yonas Tseame, Wedi Lemlem, ቃለ መጠየቕ, Eritrean Interview, ስነ ጥበብ ኤርትራ, Eritrean Music, ስደት ኤርትራውያን, Eritrean Diaspora, ቀዳማይ ክፋል, 1ይ ክፋል, Qelem Hasabat, ቃለ ምሕተት, Eritrean Artist

ሰላም ክቡራት ተኸታተልቲ Qelem Hasabat! ከመይ ቀኒኹም?ንሎሚ ድማ ካብቲ ልሙድ እነቅርቦም መደባ...

The 48 Laws of Power) ዝተሰምየ መጽሓፍ ጽሓፊኣ ሮበርት ግሪን (Robert Greene) እዩ። ኣመሪካዊ ደራሲን ጽሓፊን እዛ ፍልጥቲ መጽሓፍ ብ1998 ዝተሓትመት  መጽሓፉ ብትግርኛ...
08/08/2026

The 48 Laws of Power) ዝተሰምየ መጽሓፍ ጽሓፊኣ ሮበርት ግሪን (Robert Greene) እዩ። ኣመሪካዊ ደራሲን ጽሓፊን እዛ ፍልጥቲ መጽሓፍ ብ1998 ዝተሓትመት መጽሓፉ ብትግርኛ 48 ሓይልታት ሕጊ ዝተተርጎመት ወሲኻ ብዛዕባ ሓይሊ፡ እስትራተጂን ተኣማንነትን ዝገልጹ ሓያሎብሉጻት መጻሕፍቲ ምጽሓፉ ይሕበር ።

ሮበርት ግሪን ኣይሁዳዊ መበቆል ዘለዎኣመሪካዊ እዩ ::
ቅድሚ ደራሲ ምኳኑ ዝተፈላለዩ ኣስታት 80ዝኾኑ ስርሓት ምትርጏምን ኣዳላዊ ጽሑፋት ንሆላውድን ብምኳን ሰሪሑ ኣብ ዝተፈላለያ ጋዘጣታትን መጺሔታትን እንግሊዝን ጥልያንን ውን ከም ኣሰናዳእን ጋዘጠኛን ኾይኑ ሰሪሑ

ሮበርት ግሪን 14/5/1959 ተወሊደ ኣብዚ እዋን ሎሰንጀለስ ካሊፎንያን እናነበረ ኣብ ድርሰት ዓበይቲ መጻሕፍቲ ይርከብ
ግሪን
The 48 Laws of Power 1998
ኣጠቃቅማ ሓይሊ፣ ውዲትን ምቁጽጻርን ትትንትን ፍልጥቲን ኣካታዒትን መጽሓፍ ኣሕቲሙ
ቀጺሉ ኣብ
2001 The Art of Seduction
2006 The 33 Strategies of War
2009 The 50th Law
2012 Mastery
2018 The Laws of Human Nature
2021 The Daily Laws ጽሒፉ

ኣብ 1998 ዝጽሓፋ ኣኻታዒት መጽሓፉ ናብ 24 ቋንቋታት ተተርጊሙ ብሚልዮናት ቅዳሕ ተሸይጣ ብልጽቲ መጽሓፍ ኣብ ዕዳጋ ኾይና ::

"መጽሓፍ '48 ሕግታት ሓይሊ' ብሮበርት ግሪን ዝተጻሕፈት ብዮናታን ናብ ትግርኛ ተተርጒማ ኸም ኩሉ ኣንባቢ ኣንቢበ ግን ድማ ኣብዛ መጽሓፍዚኣ ብዙሕ ኣካታዒ ሓሳባት ስለ ዘሎ፣ ንዓኡ ኣመልኪተ ፈላሚ ርእይቶይ ኣንቢረ ኣለኹ ኣብ ቀለም ሓሳባት እዚ መደብ 📺 ኸከም ኣድላይነቱ ዝቐጽል እዩ።"

ሰላም ክቡራት ተኸታተልቲ Qelem Hasabat!  ከመይ ቀኒኹም?ንሎሚ ድማ ካብቲ ልሙድ እነቅርቦም መደባት  ነዊሕ ታሪኽ ዝሓቖፈን ፍሉይ መደብ ሒዝናልኩም መጺእና ኣለና። ኣብ ኤርትራ ዝነበሮ...
07/08/2026

ሰላም ክቡራት ተኸታተልቲ Qelem Hasabat! ከመይ ቀኒኹም?
ንሎሚ ድማ ካብቲ ልሙድ እነቅርቦም መደባት ነዊሕ ታሪኽ ዝሓቖፈን ፍሉይ መደብ ሒዝናልኩም መጺእና ኣለና።

ኣብ ኤርትራ ዝነበሮ ናይ ፈለማ ዓመታት ድምቀትን ስነ-ጥበባዊ ጉዕዞን ክሳብቲ ኣብ መገዲ ስደት ዘጋጠመ መሪርን ሓርፋፍን ናይ ህይወት ብድሆታት ዝሓለፈ ንጽባሕ ቀዳም ኣብ መደብና፡ ንድምጻዊን ስነ-ጥበባዊን "ዮናስ ጠዓመ (ወዲ ለምለም)" ዕድመ ጌርናዮ ኣለና። ምስኡ ዝገበርናዮ ሰፊሕ ቃለ መጠየቕ 1ይ ክፋል ሒዝናልኩም ቀሪብና ኣለና።

ኣብዚ ንጽባሕ እንዝርጋሖ ቀዳማይ ክፋል
🎶 ናይ ፈለማ መኣዝን ድሕረ-ባይታኡን ተመክሮኡን፡
ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝነበሮ ናይ ስነ-ጥበብ ጉዕዞን ናይ ፈለማ ስርሓቱን።
ስነ-ጥበብን ስደትን፡ስነ-ጥበባዊ መንነት ምስ ብድሆታት ስደት ተኣሳሲሩ ብኸመይ ከም ዝሓለፎ። ኣብቲ ነዊሕን ሓርፋፍን መገዲ ስደት ዘጋጠሙ ተጽዕኖታት፡ መካልፍን ብሩህ መድረኻትን ብዕምቆት ተዛሪብናሉ ኣለና።

እዚ ታሪኽ'ዚ ናይ ሓደ ስነ-ጥበባዊ ጥራይ ዘይኮነ፡ ድምጺ ናይቶም ብዙሓት ስደተኛታት እውን እዩ። ነዚ ሰብኣዊን ስነ-ጥበባዊን መዛረቢ ዛንታ ንምስማዕ ምሳና ጽንሑ!
🔔 ንዝስዕብ ቀዳማይ ክፋል ሰማዕቲ ንምዃን ቻነልና ሰብስክራይብ ብምግባር ቤተሰብ ኩኑ። ርእይቶኹም ክንሰምዕ ድማ ድሉዋት ኢና!

ሊንክ ኣብ ታሕቲ ኣለኩም
ዮናስ ጠዓመ, ወዲ ለምለም, Yonas Tseame, Wedi Lemlem, ቃለ መጠየቕ, Eritrean Interview, ስነ ጥበብ ኤርትራ, Eritrean Music, ስደት ኤርትራውያን, Eritrean Diaspora, ቀዳማይ ክፋል, 1ይ ክፋል, Qelem Hasabat, ቃለ ምሕተት, Eritrean Artist

---

03/08/2026

I got over 100 reactions on one of my posts last week! Thanks everyone for your support! 🎉

01/08/2026

Thanks for joining our exclusive live broadcast. Feel free to share your questions and interact with other participants in the chat.

Address

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Qelem Hasabat posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Qelem Hasabat:

Shortcuts

  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share