Efoyta Media Network 2

Efoyta Media Network 2 ➲⓵ኹሉ ሓበሬታ ኣብ ሓደ መርበብ📣

⚪️ሰላም ንዓድና ፍቕርን ንህዝብና 🔴

13/07/2025

😳😳👇👇

13/07/2025

😜

13/07/2025

😳😳

04/07/2025

🤔

03/07/2025

ግፋ ተጋሩ ቀፂሉ ኣሎ!

ኣብ ኣዲስኣበባ ዝተጀመረ ግፋ ኣብ ተጋሩ ትኹረት ዝገበረ እዩ::

ተገፊፍካ ምስ ኣተኻ ዝቐርበልካ ሕቶ፦
1. ሙሉእ ሽም ምስ ኣቦሓጎ
2. ሽም ወላዲት
3.ትውልዲ ኸባቢ
4.ወታደራዊ ስልጠና ምውሳድካን ዘይምዉሳድካን

ኣብ ከይዲ ግፋ ዝተሓባበርዎም ተወለድቲ ትግራይ ናይ ፖሊስ ክትትል (ፖሊስ ደህንነት) ዝበሃሉ ኣለዉ።

ንተጋሩ ገፊፎም ካብ ዝወስዱሉ ቦታ ገርጂ ፍሉይ ቦታ ኣንበሳ ገራዥ ኸባቢ ሓደ እዩ::

ካልኣይ ድማ ኣብ ገርጂ ፍሉይ ቦታ ጃክሮሰ ከባቢ ብድሕሪት ሮቤራ ቡና መፃረዪ ዘሎ ናይ ጉና ዓብዪ ግቢ እዩ።

"መዳ ሓወይ ብጣዕሚ ብዙሕ መንእሰይ ትግራዋይ እዩ ተዳጒኑ ዘሎ:: እቲ ዓርከይ ኣንበሳ ገራዥ ግቢ እዩ ተኣሲሩ፤ ብሰብ ሰብን ቅርሺ ኸፊሉን እዩ ወፂኡ" ዝብል መልእኽቲ በፂሑኒ።

ኣብ ከተማ ኣ.ኣበባን ከባቢኣን ዝርከቡ ብራንዳ ሓደርትን ሊስትሮ ተወለድቲ ወላይታ ገፊፎም ናብ ወታደራዊ መሰልጠኒ ወሲዶሞም እዮም።

03/07/2025

"ጌታቸዉ ረዳ ነንባዕልካ ክኸፋፍለና እዩ መፅዩ" ሓላፊ ቢሮ ብልፅግና ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ፀገዴ

ብዕለት 24 ሰነ ኣብ ወረዳ ፀገዴ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛ መድረክ ተሳሊጡ።

መማየጢ ሰነድ "የለውጡ ትርፋቶች ፣ተጠባቂ ፈተናዎች እና መውጫ መንገዶች" ዝብል ብኣምሓራ ክልል ዝተዳለወ ሰነድ እዩ።
ነቲ መድረክ ዝመርሑ ኣካላት
1. ኣዛናው ከፋለ -ኣማሓዳሪ ወረዳ
2. ሓጎስ የኑስ -ብልፅግና ሓላፊ ኮይኖም እዮም መሪሐምዎ።
ናይ መጀመርያ መዛተይ ዛዕባ ዝገበርዎ ብዛዕባ ንሑመራ ጌታቸው ምምፃእ ዝምልከት እዩ።

እቲ ቀንዲ መምፅኢ ምክንያት ጌታቸው ነንባዕልና ክከፋፍለና እዩ መፂኡ። ህወሓት ኣብ ክልተ ከም ዝተከፈለ ገይሩ ኣብ መድረክ ዘቅረቦ፡ ኮነ ተባሂሉ ንኣና ንምድንጋር እዩ። ከም ወረዳ ይኩን ከም ዞባ ኣይተቀበልናዮን። ታሪካውያን ፀላእትና ምስ ከም ግብፂ፣ ኤርትራ ዝበሉ ምስ ህወሓት ተኣሳሲሮም ከጥፉኡና ይሰርሑ ኣለው ዝብል ሓሳብ እቲ ሓላፊ ብልፅግና ሂቡ።

-ዋና ኣማሓዳሪ እቲ ወረዳ ኣዛናው ከፋለ ዝተዛረቦ፦

መንግስቲ ሰራሕተኛ ኣይቃለስን ዘሎ። ነቲ ኣመራርሓ ክዳከምን ክዋረድን እዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ምምላስ መንነትን ወሰንንኣ ጀንድኡ ገይሩ ኣይፈልጥን። ወያነ ማኣዝ ትመፅእ እናበለ ዝፅበ እዩ እቲ ዝበዝሕ። ከም ፀገዴ ወረዳ ናይ ሰነ ልቦና ውድቀት ገጢምና እዩ። ክብርና ተዳኪሙ እዩ። ብፀላእትና ንዳከም ኣለና። ሃፍትና ሽሻይ ካልኦት ይከውን ኣሎ። ነንባዕልና ክንረዳዳእን። ክንስማማዕን ኣይካኣልናን። አመራርሓና ኣብ ፀገም ክወድቅ ገይርኩምዎ ኣለኩም። በዚ ምክንያት ዳርጋ ኩሉ ክብሃል ዝክእል ኣመራርሓና መልቀቂ ወረቀት የእቱ ኣሎ። ተኪኡ ዝመርሕ የለን። መንእሰይ ጠሊምና ሕነ ዝፈዲ የለን። ኣብ ጎንና ክስለፍ ኣይካአለን። የግዳስ ኣንፃርና እዩ ዝስርሕ ዘሎ። ኣሕዋትና ብገንዘብ እናተደለሉ የፍሩስና ኣለው። ወያነ ንፀላእትና ትሕግዝ እያ እንብል ብምክንያት ኢና። ኣብነት ምሬ ወዳጆ ቆሲሉ ኣብ መቀለ ወሲዳ ክሕከም ገይራ እያ። መንግስቲ ሰራሕተኛ ንምንታይ ተከዘ ሰጊሩ ሸረ፣ መቀለ ይከይድ ኣሎ።

ካብ ተሳተፍቲ ዝቀረበ ሓሳብ ድማ ፦

👉ደድሕረይና እናስዓብኩም ሻሂ መሰተይ ከሊእኩምና
👉ባንዳ እናበልኩም ርእስና ክነድንን ኣይትግበሩና
👉ክትከታተሉና ኣይንደልን፤ ስራሕና ኢና ንሰርሕ ዘለና። ኣይተሳዱዱና።
👉ናይዚ ኩሉ ፀገም መበገሲ ኮነሬል ደመቀ ዘውዱ እዩ።ነንባዕልና ክንባላዕ ይገብር ኣሎ። መሬትና ክውረር ገይሩ እዩ። ምስ ወያነ ዝነፃፀር ኣይኮነን። ወያነ ወያነ ኣይትበሉ። ወያነ እንታይ እዩ ገይሩና? እቲ ሽግር ኣብ ባዕልና እዩ ዘሎ። ፋኖ ንሕና ኣየምፃናዮን። ደመቀ እዩ ኣምፅእዎ። አመራርሓ ኢኩም ኣምፂእኩሞ። ኣብ ዓድና መቀመጢ ከልእኩምና! ዝብል ሓሳብ ተላዕሉ እዩ። እቲ ዝበዝሕ ግን ተቃውምኡ ሱቅ ብምባል እዩ ገሊፁ።

ብዕለት 25 ሰነ ኣብ መንደር ኣውሮራ (ዲቭዥን) ናይ ቆላታት ምልሻን ሰላም መክበርቲን ንወፍሪ አገዲዶም ፍሉይ ቦታ ታሃድሶ ኣብ ዝብሃል ተኣኪቦም።

ብምቅፃል ከባቢ 10:00 ስዓት ነቲ ወፍሪ ብምቅዋም ብባጃጅ፣ብሞተር ሳይክል፣ብእግሪ ተበታቲኖም ነንገዝኦም ከይዶም ኣለው። (ናይ ዳንሻን ከባቢኣን፣ናይ ወረዳ ኣውራ ፣ መስመር ዲቭዥን እንባ ጋላን) እዮም።

ዘልዐልዎም ሓሳባት፦ ሰነ ምድሪ እንታይ ግበሩ ኢኩም እትብሉና ዘለኩም? ሓሪስና ደቅና ክነዕቢ ንደሊ ኢና። ምስ መን ኢኩም ክተዋግኡና? መን እዩ ሓላፍነት ዝወስደልና? ንውልቀ ጥቅመኛታትን ደለይቲ ስልጣንን ኣይንመውትን! እንተደሊኩም መሳርያኩም ውሰዱ ዝብሉ ተረርቲ ተቃውሞታት ድሕሪ ምልዓል እዮም ተበታቲኖም።

ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝዓረደ ኣርሚ 70 ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶርያ፡ ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት ብትዕግስቲ ይፅበ ኣሎ።

06/06/2025

😂😂😂😂

25/05/2025

😂😂

Adresse

Gjøvik

Varslinger

Vær den første som vet og la oss sende deg en e-post når Efoyta Media Network 2 legger inn nyheter og kampanjer. Din e-postadresse vil ikke bli brukt til noe annet formål, og du kan når som helst melde deg av.

Del