HaHu Events

HaHu Events Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from HaHu Events, Digital creator, .

መረፃ ብኢሜል- እዋይ ትግራይ ትረኽቦካብ ሃመማ ሓኸለ ዝፅበዩ ከኣ እኒሄውታ:: ያኢ ካብቲ ጆኖሳይደር ኣብዪ ጥዑይ ነገር ተፀቢዮምሲ ምርጫ ዝመርፁ ተጋሩ ንርኢ ኣለና:: ኣይ ጠቕሊሉ እንድዩ ተ...
27/03/2025

መረፃ ብኢሜል- እዋይ ትግራይ ትረኽቦ

ካብ ሃመማ ሓኸለ ዝፅበዩ ከኣ እኒሄውታ:: ያኢ ካብቲ ጆኖሳይደር ኣብዪ ጥዑይ ነገር ተፀቢዮምሲ ምርጫ ዝመርፁ ተጋሩ ንርኢ ኣለና:: ኣይ ጠቕሊሉ እንድዩ ተፃዊቱልና!!

ኒሕ ዘይብሉ ህዝቢ! ሱቕቕቕ ውን ኮ ተቓውሞ እዩ!

ህወሓት ቆለ ጥራሕ እዩ ሒዙ ተሪፉ"ሓደ ብሄር መንግስቲ እንተዘይብሉ፣ ትካል እንተዘይብሉ፣ ቤት ምኽሪ እንተዘይብሉ፣ ሓድነት ዘይብሉ፣ ስትራቴጂ ዝሕንፅፅ መንገድታት እንተዘይብሉ፣ መሬት ከጉድል...
05/01/2025

ህወሓት ቆለ ጥራሕ እዩ ሒዙ ተሪፉ

"ሓደ ብሄር መንግስቲ እንተዘይብሉ፣ ትካል እንተዘይብሉ፣ ቤት ምኽሪ እንተዘይብሉ፣ ሓድነት ዘይብሉ፣ ስትራቴጂ ዝሕንፅፅ መንገድታት እንተዘይብሉ፣ መሬት ከጉድል እንተዘይኮይኑ መሬት ከምልስ ኣይኽእልን እዩ::

ኣብ ውዕሊ ፕሪቶርያ ዕድል ነይርዎ እዩ:: ብሰንኪ ፀገም መሪሕነት ናብዚ በፂሑ:: እቲ መሪሕነት ድማ ሓሳብ ስለ ዝወድአ እዩ:: ሓሳብ እንተወዲኡ ባህጊ ጥራሕ እዩ ዝህልዎ:: ናብ ቆለ እዩ ተቐይሩ፣ ቆለ ድማ ሃቡኒ ጥራሕ እዩ ዝብል፣ እቲ ናይ ቆለ ድሌት ከኣ ክተማልኦ ኣይትኽእልን።"

~ፕሮፌሰር መድሃንየ ታደሰ

30/12/2024

ስታሊን ኣደመ- መልእኽትኻ ተቐበል!! ሓሶት ቀንስ

ትግራይ ኩሉ እንዳረኣያ ትጠፍእ ኣላ!ወራር እዩ: ጥፍኣት ዓዲ እዩ:: 30,000 መንእሰይ ዓዱ ገዲፉ ናብ ስደት ይነፍፅ!! እዚ ቁፅሪዚ ኣብ ሓደ ወርሒ ዝጠፍእ ዘሎ ወለዶ እዩ:: ብዚ ፍጥነት...
30/12/2024

ትግራይ ኩሉ እንዳረኣያ ትጠፍእ ኣላ!

ወራር እዩ: ጥፍኣት ዓዲ እዩ:: 30,000 መንእሰይ ዓዱ ገዲፉ ናብ ስደት ይነፍፅ!! እዚ ቁፅሪዚ ኣብ ሓደ ወርሒ ዝጠፍእ ዘሎ ወለዶ እዩ:: ብዚ ፍጥነት እዚ ትግራይ ብዘይ መንእሰይ ንምትራፍ ከምቲ ናይ ኤርትራ ሰላሳ ዓመት ኣይክወሰደላን እዩ- ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ዝፃፈፍ ጥፍኣት እዩ:: እዚ ዕብዳን/ማድነስ እዩ::

ምኽሪ ንመናእሰይ!
ዓድኹም ሃፍታም እዩ- ሃፍቲ ዓድኹም ብማዕረ ክመቓራሕ ተቓለሱ:: ኣብ ዓድኹም ናይ ማዕርነት ስርዓት ንምምስራት ተቓለሱ:: ቃልሲ ፈሪሕኩም ዓድኹም ገዲፍኩም ምስ እትኸዱ ግን እቶም ዘሰድድኹም ዘለዉ ሸፋቱ መራሕቲ ንዓኹም ኣባሪሮም ይገፍሓሎም እምበር ዝስእንዎ ነገር የለን:: ስደት መፍትሒ ኣይኮነን:: ሰረቕቲ መራሕትኹም ምስ ማፍያታት ዓለም ተመሻጢሮም እዮም ሃፍትኹም/ሃፍቲ ዓድኹም ዝዘምትዎ ዘለዉ::

ነዚኦም ተቓለሱ- ናይ ማዕርነት ስርዓት መስርቱ!! እንዳረኣኹም ናብ ገደል ኣይትፅደፉ:: ኣብ ዓድኹም ሞት ፈሪሕኩም ናብ ሞት ኣይትሰደዱ:: ናይ ሞት ምርጫ የብሉን- ኣብ ዓድኻ ንፅቡቕ ዕላማ ምስዋእ ግን ሃርበኝነት እዩ::

ኣብ መድረኽ ወፂእካ ፀፍጭልጥ ዘይኮነ ብተግባር ርኡይ ተራኻ ምፅዋት እዩ እቲ ቁምነገር:: ተኽእልኡ እንዳሃለወካ ስቕ ኢልካ ምርኣይ እዩ እቲ ፀገም ኮይኑ ዝንሄ! ሕኸኸኒ ክሓከካ እዩ ፀገማትና...
30/12/2024

ኣብ መድረኽ ወፂእካ ፀፍጭልጥ ዘይኮነ ብተግባር ርኡይ ተራኻ ምፅዋት እዩ እቲ ቁምነገር:: ተኽእልኡ እንዳሃለወካ ስቕ ኢልካ ምርኣይ እዩ እቲ ፀገም ኮይኑ ዝንሄ! ሕኸኸኒ ክሓከካ እዩ ፀገማትና ዝሓላልኾም ዘሎ!! ዓዲ እንዳጠፍአ ስቕ ኢልካ ቁልጭልጭ እዩ ሕመቕ ዝበሃል!!

ሓረስታይ እንዳተነቕለ ሃፍቲ ህዝቢ እንዳተዘርፈ ስቕ ኢልካ ምርኣይ እዩ ሕመቕ ማለት!! ፖለቲካና ሓሚቑ ኢልካ ሕመቕ ፖለቲካዊ መራሕቲ ካብ ትገልፅፀልና ከም መራሒ ቲዲኤፍ ክትገብሮ ዝግበኣካ ገይርካ ነገራት መልክዕ ክሕዙ ምግባር እዩ ነይሩ ስራሕካ!!

ኣብቲ ሚሊታሪ ዘለኹም ከም በዓል ጆን መዲድ እንተትዕርዩ ነይርኩም እቲ ሓሚቑ ኢልኩም እትነቕፍዎ ዘለኹም ፖለቲካ ትግራይ ውን ኣብ ከምዚ ዝበለ ናይ ውርደት ጫፍ ኣይምስኣብፅሓናን ነይሩ!! ናትኩም ዘይመትከላዊ ኣከያይዳ እዩ ህዝቢ መፃወቲ ሕማቓት ክኾን ተገዲዱ!

30/12/2024

ዮሴፍ ካብ ባይቶና ዓሰርተ ግዜ ፌደራል መንግስቲን ሕግታት ፌደራል መንግስትን እንዳፀወዐ ፃድቕፃድቕ ዝፃወት ዝነበረ ንሓደ ናይ ግምት ልኡኽ ዝሃቦ ዝገርም መልሲ እዩ!

ኣብ ጉዳይ ዘይሕጋዊ ዕደና ወርቂ ዘሎ ሽግር ክንፈትሕ እንተኾይና ፈደራል መንግስቲ ምፅዋዕ ከምዘየድሊ ብምሕባር የግዳስ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ህዝቢ እንዳኣከበ ዝቕጥቅጥ ዘሎ ሰራዊትን መራሕነቱን ክሕተት ከም ዝግባእ!!

ኣዛዚ ምዕራብ ግንባር: ጀነራል ምግበይ ሃይለ እዩ ክሕተት ዝግብኦ! ሓደ ኮር ሰራዊት ሒዙ ትግራይ ዝፍሕራ ዘሎ ንሱን ጃንድኡን እዮም!! ሓሙሸተ ኣዘዝቲ ኮራት እዮም ትግራይ ዝሕምስዋን ዘጥፍእዋን ዘለዉ!

Address


Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when HaHu Events posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

  • Address
  • Alerts
  • Claim ownership or report listing
  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share