Smarthabesha

Smarthabesha Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Smarthabesha, Digital creator, 127 Manora Drive NE, .

🟢 !ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ 📖 እቲ እንኮ ናይ ድንግል ማርያም ልመና 🤲🏻🟢 #ቅዱሳን ናብ እግዚኣብሔር ምስ ቀረቡን ከዘራርብዎ ኸለውን፣ ብዛዕባ ነብሶም ኣይኮኑን ዝልምንዎ። ዝኾነ ይኹን ጻድቕ " ...
19/01/2026

🟢 !

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ 📖 እቲ እንኮ ናይ ድንግል ማርያም ልመና 🤲🏻

🟢 #ቅዱሳን ናብ እግዚኣብሔር ምስ ቀረቡን ከዘራርብዎ ኸለውን፣ ብዛዕባ ነብሶም ኣይኮኑን ዝልምንዎ። ዝኾነ ይኹን ጻድቕ " ኦ እግዚኣብሔር ርስቲ ጉልቲ ሃበኒ"ኢሉ ክልምን ኣይንርእን ኢና። እዃ ደኣ እቶም ዝረኣናዮም ናይ ርእሶም ጥቕሚ ሓዲጎም " እዚ ህዝቢ ካብ ዝጠፍእሲ ኣነ ይጥፋእ እሞ እቲ ህዝቢ ይድሓን" እናበሉ ዝልምኑ እዮም። ስለ እስራኤል ዝለመነ ሙሴን ስለ ሶዶም ዝለመነ ኣብርሃምን ናይዚ ምሳሌታት እዮም።
(ዘጸ፣32-32 ዘፍ፣ 18-24)

🟢 #ቅድስተ ቅዱሳን ኣዴና’ውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተጻሕፈ እንኮ ልመናኣ "ወይኒ እምበር የብሎምን" ዝብል እዩ። " ንዓኻ ምውላደይ ደኣ እንታይ መኽሰበይ፤ ከምዚ ግበረለይ እምበር "
ክትብል ኣይሰማዕናያን። ቅዱስ ጴጥሮስ እኳ
ገዲፍዎም ዝመጸ ሓደ ብዕራይን፣ ሓደ ኣድግን ምስ ጃልብኡ መርከቡን ጸብጺቡ ( ሰሪሐ ክኸብር እየ ዝብል ሓሳቡ ከምዝሓደጎ ኣዘኪሩ) " እንሆ ንሕና ንኹሉ ሓዲግና ስዒብናካ ኣሎና እንታይ ኮን ክንረክብ ኢና"? ኢሉ ኔሩ።ደቂ ዘብዴዎስ ዮሃንስን ያዕቆብን’ውን
"ኣብ ክብርኻ ሓዴና ብየማንካ ሓዴና ድማ ብጸጋምካ ክንቅመጥ ፍቐደልና" ኢሎምዎ ነበሩ።(ማቴ 19፣27 ማር 10፣37)

እታ ንትሽዓተ ወርሒ ኣብ ማህጸና ዝጾረቶ፣
ጡባ ኣጥብያ ዘዕበየቶ፤ ንዕኡ ሒዛ ፈቐዶ በረኻ ከርተት ዝበለትሉ ኣዴና ግና ንርእሳ ክትልምን ኣይተራእየትን።ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ እንኮ ናይ መወዳእታ ልማኖኣ " ወይኒ እምበር የብሎምን"ዝብል ነበረ። ኣብ ኣዋልድ መጽሓፍቲ’ውን ድንግል ኣዴና መሓረለይ ክትብል እምበር ብዛዕባ ርእሳ ዝሓተተቶ ነገር የለን። " ነፍሲ ወከፍ ንጥቅሚ ብጻዩ ደኣ እምበር ሓደ እኳ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ" ንዝብል ቃል ድንግል ማርያም ብተግባር ኣርእያትና እያ። (1ይ ቆሮ 10፣24) ድንግል ኣዴና ኣብ ቃና ዘገሊላ ንርእሳ ዘይኮነ ነቶም ወይኒ ዘይብሎም ካልኦት እያ ዝለመነት።ጎይታና ከምቲ ካልኦት ዝብልዎ ተቖጢዑ እኳ እንተዝነብር ዝሓተተቶ ፈጺሙላ እዩ።
ኣብ ፍጻመ ናይቲ ታሪኽ’ውን እቲ የብሎምን ዝበለቶ ወይኒ ነቶም ዕዱማት ተዋሂቡ እዩ። ዝኾነ ሰብ ዋላ ትንፈር ጤል እያ ኢሉ ክሕንግድ (ክኽሕድ) እንተዘይደልዩ፣ ኣብዚ እንዳ መርዓ ስራሕ ኣማላድነት ምስርሓ ብንጹር ዝተቐመጠ ታሪኽ እዩ።ኣማላድነታ ምስ ኩልና ደቃ ይኹን። ኣሜን 🙏

ቃና ዘገሊላ

ስሞም እኳ ዋላ እንተዘይፈለጥናዮም እስከ ንመርዓውቲ ቃና ዘገሊላ ንንኣዶም! ታሪኽ መርዓ ናይዞም መርዓውቲ ከም ናይ ካልኦት መርዓውቲ ኣብ ሰነድ ውዕል መርዓ ዘይኮነ፣ ኣብቲ ኩልና ኣኽቢርና እንሳለሞ ቅዱስ ወንጌል እዩ ዝተጻሕፈ። ነቲ ታሪኽ መርዓኦም ክንሰምዖ ከለና’ውን ከም ዜና ካልኦት መርዓታት ዘይኮነ፣ ደው ኢልኩም ስምዑ ተባሂልና ኣብ እንሰምዖ፣ ኣብ ንባብ ወንጌል እዩ። ካብ ዝምርዓው ድሕሪ ክልተ ሽሕ ዓመታት እኳ "በቃና ዘገሊላ" እናተባህለ ዝዝመረሎም እዞም መርዓውቲ፤ ኣየ ክንደይ ተዓዲሎም! ድንግል ማርያም ኣብ ውሻጠኦም ዝተመላለሰት፣ ወልደ እግዚአብሔር ወይኒ ዝጸመቖሎም፣ ሓዋርያት ዝዓጀብዎም፤ ካብ ፈጣሪኦም ዘይፍለዩ መላእኽቲ ብናይ እሳት ሰረገላ ዳሶም ዝኸበቡሎም እዞም መርዓውቲ ኣየ ክንደይ ተዓዊቱሎም! መራሒ ሃገር ወይ ውሩይ ሰብ እኳ ኣብ መርዓኡ እንተተረኺቡሉ ሰብ ደስ ይብሎ፣ ክብሪ ይስምዖ፣ ከም ዓቢይ ውዕለት እውን ይሓስቦ እዩ። እግዚኣብሔር ዕዱም ዝኾነሎም፣ ወላዲት ኣምላኽ ዝጋሻኦም መርዓውቲ ኣየ ክንደይ ክቡራት እዮም።

ቃና ዘገሊላ!

ነዘን ኣጋንእ ማይ ምልእወን !
ጎይታ ንተዓጠቕቲ ናይ ቃና ዘገሊላ ማይ ንኽመልኡ ኣዘዞም።
" ንማያት ባሕሪ ኣብ ሓደ ዝእክቦ "
" ንማይ ከም ኩምሪ ኣቚሙ ህዝቡ ዘሳገረ"
" ንርሻኑ ኣብ ማያት ዝሃንጾ"
" ንማያት ብኢዱ ዓሚኹ ዝሰፈረ"
"ማያትን ነፋሳትን ዝእዘዙሉ" ኣምላኽ፣ ኩሉ ኺገብር እናኸኣለ ነቶም ተዓጠቕቲ ‘ነዘን ኣጋንእ ማይ ምልእወን’ በሎም። እዚ ኣዝዩ ዘደንቕ ትሕትና እዩ። ኣብ ጊዮርጊስ ኣብ ሰዓታቱ " ብረቂቕ ሃፋ ግመ ንማይ ዝዓቚሮ : ካብ ቀላይ ናብ ላዕሊ የደይቦ ካብ ነዊሕ ሰማይ ከኣ የውርዶ" / በተነ ጊሜ ረቂቅ ዘየዓቁሮ ለማይ ያዐርጎ እምቀላይ ወያወርዶ እምኑኀ ሰማይ/ ከም ዝበለ : ኣብ ምድሪ ዝናም ዘዝንም: ንውቅያኖስን ባሕርን ብማይ ዝመልአ ኣምላኽ ማይ ምልኡ ዝበለ ነዘን ሽዱሽተ (6) ኣጋንእ ማይ ምምላእ ጸጊምዎ ኣይነበረን ። በዚ ስርሑ ኣዝዪ ዓሚቚ ትሕትናኡን ከረደኣና ኢሉ እዩ። ‘ኦ ኣምላኽ ንውቅያኖስ ማይ ክትመልኦ ከሎኻ መን መልኣልካ? ንማይ ኣብ ሰለስተ (3) ክትከፍሎ፤ንሓኖስ፤ ንጠፈር፤ንውቅያኖስ እንክትሰርሖ መን ሓገዘካ? እናበልና ከኣ ንድነቕ።

ነዚ ሓመድን መሬትን ዝኾነ ወዲ ሰብ ኣኽቢሩ: ንሱ ኣብ ዝገበሮ ተኣምራት ግደ ከም ዝህልዎ ምግባሩ ዓቢይ ትሕትና እዩ።
ንዋይ ኅሩይ ቅዱስ ጳውሎስ "ከመይ ንሕና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና። ንስኻትኩም ግራት ኣምላኽ ኢኹም። ህንጻ ኣምላኽ ኢኹም" ( 1 ቆሮ 3፣ 9 )
ከም ዝበለ እግዚኣብሔር ምስ ፍጥረቱ ብትሕትና ዝሰርሕ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ይምህረና ትሕትና ምስ ዓቅሊ ይዓድለና። 🙏

መጽ፣ ቃና ዘገሊላ ምዕ-4፣ቁ 2

🚨 ትእዛዝን መተሓሳሰብን ዘይብሉ ልመና 🚨

ወይኒ እምበር የብሎምን ዝብል ኣዘራርባ ፍጹም ትሕትና ዝመልኦ ልመና እዩ። ከምዚ ግበር ዝብል ትእዛዝ የብሉን። ኣብ ወዳ ትተኣማመን ስለዝነበረት ከኣ፣ ካልኦት ከምዝገብርዎ "ሕራይ በለኒ " ዝብል መተሓሳሰቢ’ውን ኣየቐደመትን።

ቤርሳቤህ ኣደ ሰሎሞን፤ ክትልምን ናብ ወዳ ሰሎሞን ምስ መጸት፣ ወዳ ተንሲኡ ብኽብሪ ተቐበላ። መንበር ከምጽኡላ ኣዚዙ ኸኣ ኣብ የማን ኣቐመጣ። ንሳ’ኸኣ "ካባኻ ሓደ ንእሽቶ ነገር ዝልምነካ ኣሎኒ እሞ፤ ኣይትእበየኒ" ኢላ ቅድሚ ልመናኣ ሕራይ ንኽብላ ኣተሓሳሲባቶ ነይራ። ናይቲ ካብ ሰሎሞን ዝዓቢ ክርስቶስ ኣደ ዝኾነት ድንግል ማርያም ግና ኣብ ቃና ዘገሊላ ንወዳ ክትሓቶ እንከላ ኣቀዲማ መተሓሳሰቢ ዝኸውን ቃላት ኣይተዛረበትን።
(1ነገ 2፣20) ከም ዮሃንስን ያዕቆብን "መምህር ዝለመንናካ ክትገብረልና ንደሊ ኣሎና" ኢላ ቅድሚ ልመናኣ ኣይሓተተትን። (ማር፣10፤35)

ንጸገም ናይዚ መርዓ ከምዚ ጌርካ ፍትሓዮ ‘ ኢላ ነቲ ዘይንገሮ ኣምላኽ ኣይነገረቶን። ናይ ትሕትና ጸሎት ንጸገምካ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ምንባር ስለ ዝኾነ ንወዳ " ወይኒ እምበር የብሎምን" በለቶ።
እዚ ትሑት ልመናኣ፣ እንሓንሳእ፣ ንኹሉ ነገር ብናይ ባዕልና ምክረ ሓሳብ ክፍጸመልና እንደሊ ሰባት ወይ ከኣ፣ ናብ እግዚኣብሔር ዝቐረብና መሲሉና
‘ከምዚ እንተ ዘይጌርካለይ እሞ ኣብ ዙፋንካ የለኻን!
እናበልና ንፈጣሪ ንፈታተኖ ድኹማት ሰባት፤ተግሳጽ ዝኸውን ልመና እዩ።

ጸሎታን ምሕረት ፍቑር ወዳን ምስ ኩልና ይኹን !

30/09/2025

"እዚኦም ኵላቶም ነተን ተስፋታት ኣይረኸብወንን፡ ግናኸ ካብ ርሑቕ ርእዮም ተሳለምወን እሞ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም እናተአመኑ፡ ብእምነት ሞቱ።" ዕብ 13፣11

30/09/2025

"እዚኦም ኵላቶም ነተን ተስፋታት ኣይረኸብወንን፡ ግናኸ ካብ ርሑቕ ርእዮም ተሳለምወን እሞ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም እናተአመኑ፡ ብእምነት ሞቱ።"ዕብ 11፣13

05/09/2025
02/09/2025

19/03/2025

Address

127 Manora Drive NE

T2A4P6

Telephone

+256742075811

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Smarthabesha posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share