Smarthabesha

Smarthabesha እንተ ዘይተጸልኣናስ፡ ብጊዜኡ ክንዓጽድ ኢና እሞ፡ ንሰናይ ምግባር ኣይንሰልኪ highly securities organization

19/03/2025
13/03/2025

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላኽ ኣሜን!!

ርእሰ ባሕታውያን - ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ

ስምዖን ወአቅሌስያ እለ ነበሩ በንሂሳ፡ በኀጢአ ውሉድ በከየ መጠነ ዓመታት ሠለሳ፡ ሥሉስ ቅዱስ ሶበ ነፍሑ በውስተ ከርሣ፡ ተወልደ እምኔሆሙ ቀናዬ አናብስት ስሳ፡ በኀይለ ኣምላኩ ዘይሠሪ አበሳ።

ርእሰ ባሕታውያን ብምባል ዝፍለጥ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ን30 ዓመታት ዝኣክል መኻናት ካብ ዝነበሩ ኣቡኡ ስምዖንን ኣዲኡ ኣቅሌስያን ኣብ ላዕላይ ግብጺ ንሂሳ ኣብ ዚብሃል ቦታ ተወልደ። ወለዱ ንእግዚኣብሔር ውላድ ንኺህቦም ለይትን መዓልትን ተስፋ ብዘይ ምቝራጽ ምስ ለመንዎ እቲ ንዝለመንዎ ኣዝዩ ቐረባ ዝኾነ እግዚኣብሔር ዓቢይ ውላድ ሃቦም።

ምስ ተወልደ ድማ “ስብሐት ለአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ለዘአውፃእከኒ እምጽልመት ውስተ ብርሃን/ ምስጋና ንአብ ንወልድ ንመንፈስ ቅዱስ፡ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ዘውፃእካኒ” እናበሉ ኣመስገነ። ሽዑ ቕዱስ ገብርኤል መልኣኽ ተገሊጹ “ናይዚ ቘልዓ ስም ገብረ መንፈስ ቅዱስ ኢልኩም ስመይዎ” ኢልዎም ተሠወረ። እዚ ቘልዓ እዚ ከም ኵሎም ሕፃናትኣዲኡ ኣይሓቘፈቶን ጡብ ኣይጠበወን። ብኸምዚ ንሠለስተ ዓመት ምስ ወለዱ ተቐመጠ።

ወዲ ሠለስተ ዓመት ምስ ኮነ ቕዱስ ገብርኤል መልኣኽ ናብ ሰማይ ኣዕረጎ። ኣብኡ ድማ ብኢድ እግዚኣብሔርን ቅዱሳኑን ምስ ተባረኸ ናብ ገዳም ኖብ እትብሃል ገዳም ኣብ ኣፍደገ ኣቐመጦ። ናብ ኣባ ዘመደ ብርሃን ኣበምኔት ገዳም ኣትዩ፡ “ዓቢይ ጋሻ ሕፃን ሎሚ ኣብ ኣፍደገኻ ኾፍ ኢሉ ኽትረኽቦ ኢኻ። ኣእቲኻ ብኽብሪ እናመሃርካ ኣዕበዮ” በሎ። ኣባ ዘመደ ብርሃን እውን ከም ዝተኣዘዞ ንኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሉ ዅሉ ሥርዓት ቤተ ክርቲያንን ዳዊትን ብሉያትን ሓዲሳትን መሃሮ፡ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ብጸጋ እግዚአብሔር ንዅሉ ብሓፂር ጊዜ ኣጽፊፉ ተማህረ።

ኣባ ዘመደ ብርሃን ከኣ ትሕትንኡን ትምህርቱን ርእዩ ናብ ኣባ ኣብርሃም ጳጳስ እቲ ጊዜ ወሲዱ መዓረገ ኽህነት ከም ዚቕባእ ገበረ። ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ’ውን ለይቲ ይኹን ቀትሪ መንፈስዊ ዕዮኡ ብትሕትናን ብትግሃትን ይሠርሕ ነበረ።

ጻድቕ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ሰብ ዚሠርሖ ኽዳን ኣይተኸድነን። ክዳኑ እግዚኣብሔር ብዝሃቦ ጸጋ ኻብ ሰብነቱ ዝበቘለ ፀጕሪ ይኽደን ነበረ እምበር ብኢድ ሰብ ዝተሠርሐ ኽዳን ኣይተኸድነን።

ሓደ መዓልቲ ቕዱስ ገብርኤል መልኣኽ ናብ ኣብነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ መጺኡ፡ “ኸምቲ ቕድም ናብ ሰማይ ዘዕረግኩኻ ንዓ ሕጂ’ውን ናብ ሰማይ ከዕርገካ እየ” በሎ። ብኽንፉ ሓቝፉ ድማ ናብ እግዚኣብሔር ኣቕረቦ። ጐይታ ድማ ኢዱ ዘርጊሑ ባረኾ ፡ “ብጸሎትካ ብዙኃት ነፍሳት ስለዝድኅኑ ኻብ ሰባት ተፈሊኻ ንበር። ብጸሎትካ ዕዉራን ፡ ሓንካሳን ኪፍወሱ እዮም እሞ ንበረኻ ኺድ ምስ ኣናብስቲን ኣናብርቲን ንበር" በሎ። ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ እግዚአብሔር ብዝሓቦ ጸባ 60 ኣናብስቲ ቐቅድሚኡ 60 ኣንናብርቲ ደድኅሪኡ ዝስዕቡዎ ርጋጽ እግሩ እናአመገቡ ዝነብሩ ነበሩዎ።

ጻድቕ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ግርማ ለይቲ፡ ድምጺ ኣራዊት፡ ተዓጊሡ ኣብ በረኻታት ግብጽን ሱዳንን እናተዘዋወረ ዝተፈላለየ ተኣምራት እናገበረ ን300 ዓመታት ምስ ተቐመጠ፡ ብፍቓድ እግዚአብሄር ብቕዱስ ገብርኤል መልኣኽ እናተመርሐ ናብ ሃገረ ኣግኣዚት መጽአ። ብመጀመርታ ኣኽሱም በጽሐ። ድኅሪኡ ናብ ላስታ (ደብረ ሮሓ) ኸደ። ድኅሪኡ’ውን ጕዕዞኡ ብምቕጻል ናብ “ምድረ ከብድ” ዝተባህለ ቦታ ብምብጻሕ ናብ “ዝቋላ” ኣምርሐ። ኣብዚ ቦታ እዚ ብጾምን ጸሎትን ብምስጋናን እናነበረ ኸሎ ኣብቲ ኸባቢ ዚቕመጥ ሕዝቢ ብኃጢኣት ከም ዝተሰናኸለ ተገልጸሉ።

ጻድቕ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ እቶም ሕዝቢ ኻብ ኃጢኣቶም ኪምለሱ ጸለየ። ከምቲ ነቢይ ሙሴ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኣምላኹ ምእንቲ ሕዝቡ “ኦ እግዚኣብሔር ስለምንታይ ኰሬካ ፧ ኩራኻ ኣብዚ ብዓቢይ ኃይልን ብጽንዕቲ ኢድን ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውፃእካዮ ሕዝብኻ ስለምንታይ ዚነድድ፧ ስለምንታይ’ከ ግብጻውያን “ኣብ ኣኽራን ኪቐትሎም ካብ ገጽ ምድሪ ኸኣ ኸጽንቶም፡ ንጥፍኣት እዚ ዚመጽኦም’ ኢሎም ዚዛረቡ፧ ኻብቲ ነዳዲ ቝጥዓኻ ደኣ ተመለስ። ነቲ ንሕዝብኻ ኽትገብሮ ዝሓሰብካዮ ኽፉእ ድማ ተጠዓሰሉ . . .” ዘፀ. 32፡11-14 እናበለ ዝተማህለሎ ብምዝካር ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ኣብቲ ቦታ ኣብ ዝርከብ ዓቢይ ቐላይ ጠጠው ብምባል ን40 መዓልትን 40 ለይትን ናብ ፈጣሪኡ ምስ ጸለየ። “ስምካ ጸዊዑ ዝለመነኒ ናይ ምሕረት ቃል ኪዳን እህበካ ኣሎኹ ። የኣኽለካ ኻብ ባሕሪ ውፃእ” ዝብል ቃል መጽኦ። ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ግና መሊሱ ን100 ዓመት ብርእሱ ንቁልቁል ተደፊኡ “ነቶም ኵሎም ብስምካ ዝኣምኑ ሕዝቢ ምሓረለይ ክወፅእ” ብምባል ዝተፈላለየ ፈተናታት ኣጋንንቲ ተጻዊሩ ድኅሪ ምስዓሩ፡ ጐይታ መጺኡ “ብልማኖኻ ብኣምላኽነተይን ኣሚኑ ብስምካ ንቤተ ክርስቲያን ዕጣን፡ ሽምዓ፡ መባእ ዝሃበ ፡ ቤተክርስቲያን ዝሠርሐ ኽምሕረልካ እየ” በሎ። ሽዑ ኻብቲ ቝልቍል ኣፉ ኾይኑ ዝነበሮ ወፅአ።

ብድኅሪኡ’ውን ን 100 ዓመት ዝኣክል ምስ ሰይጣን ንሱ ብመብረቕ፡ ሰይጣን ብዅናት ተዋግኡ። እቲ ጻድቕ ኣብ መዓልቲ 1000 ኣጋንንቲ እናቐተለ በዚ ናይ 100 ዓመት ኵናት እቲ ጎቦ እናተፈርከሸ ኻብቲ ዝነበሮ ንውኃት ቀነሰ። በዚ ምኽንያት እዚ እቲ ጎቦ ዝብሃል ዝነበረ፡” እዚ ደኣ እንታይ ጎቦ ኾይኑ ደይ ቆላ እዩ” ተባህለ። በዚ ምኽንያት ናይቲ ቦታ ስም ክሳብ ሎሚ “ዝቋላ” እናተባህለ ይጽዋዕ። ካብ ሰባት መብረቕ ዝተዋህቦ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ጥራይ እዩ። ካብ መላእኽቲ ድማ ቕዱስ ገብርኤል መልኣኽ እዩ።

ብድኅር እዚ ናብ ምድረ ከብድ ኸይዱ ንሾብዓተ ዓመት ካብ ፀሓይን ማይን ኣብ ዘይትኽወለሉ ጎልጎል ተቐመጠ። ኣብዚ ቦታ እዚ ኸም ዓንዲ ጠጠው ኢሉ ኢዱ ዘርጊሑ እናጸለየ ኸሎ ዅሉ ጊዜ ሰይጣን ርጉም ከም ምዃኑ መጠን፡ ኳዅ ተመሲሉ “ ማይ ጸሚአ ኣስትየኒ” ይብሎ። ንሱ ለዋህ ስለ ዝኾነ ዓይኑ ናብኣ ጠሚቱ ነታ ዃዅ “እንኪ ስተዪ” በላ። ንሳ ኸኣ ኽልቲኤን ኣዕይንቱ ኣውፂኣ ሰተየተን። ኵሉ ጽድቂ ብትዕግሥቲ እዩ ዚመጽእ ብምባል ንኽልተ ቕነ ዚኣክል ክልቲኤን ኣዕይንቱ ነቝረን ከለዋ፡ ተስፋ ኸይቘረጸ ጸሎቱን ጾሙን ቀጸለ። ድኅር’ዚ መላእኽቲ ቕዱስ ሚካኤልን ቕዱስ ገብርኤል መጺኦም ነተን ዝጠፍኣ ኣዕይንቱ ኡፍ በልሉ እሞ ኸም ቀደመን ተመልሳሉ። ንሱ ድማ ንእግዚአብሔር ኣመስገነ።

ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ካብ ምድረ ከብድ ንቝሩብ ጊዜ ድኅሪ ምጽናሕ ናብተን ኣብ ኢየሩሳሌም ዚርከባ ቕዱሳን መካናት ሠለስተ ጊዜ ተመላሊሱ ተሳሊሙ መጋቢት 27 ቅዳሴ ቐዲሱ መሥዋዕቲ ኣዕረገ።

ናይ ዓይኒ ፈተነ ምስ ገጠሞ እግዚኣብሔር ንቕዱስ ሚካኤልን ቕዱስ ገብርኤልን መላእኽቲ ለኣኸሉ። እቶም ቕዱሳን መላእኽቲ ድማ “ንጸላእትኻ ምእንቲ ኽትሥዕሮም ናብ “ገዳመ ዝቋላ ኺድ” ኢሎምዎ ተሠወሩ። ጻድቕ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ’ውን ካብ ምድረ ከብድ ናብ ገዳም ዝቋላ ኸደ። ኣብ ጥቓ መንበረ ማርያም ምስ በጽሐ ሥላሴ ብኣምሳል ሠለስተ ሽማግለታት ኣብ ትሕቲ ገረብ ኮፍ ኢሎም ረኸቦም። ስለ እቲ ጽቡቕ ትሩፋቱ ኸኣ ናይ ሥላሴ ሠለስትነትን ሓድነትን ኣብ ዝቋላ ተገልጸሉ። በብሓደ ንሠለስቲኦም ብዝባኑ ተሰኪሙ ንሓደ ምእራፍ ኣፋነዎም። በዚ ምኽንያት እዩ ኣብ መልከዐ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ፡ “አብ በዘባኑ፡ ወልድ በዘባኑ፡ መንፈስ ቅዱስ በዘባኑ፡ ዘሐዘልዎ በኪዳኑ፡ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ሠለስተ ገጻተ ዘይዜኑ” ዝብል።

ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ብሓፈሻ ኣብ ምድረ ኣግኣዚ ን262 ዓመታት ዝሓመሙ እናኣሕወየ ዝሞቱ እናኣተንሥአ ኣዝዩ ዘደንቕ ተኣምራት ገበረ። ኣብዚ ናይ 562 ዓመት ዕድሜኡ ብዙኅ መከራን ፈተና ሰይጣንን ተዓጊሡ ኻብ እግዚኣብሔር ናይ ምሕረት ቃል ኪዳን ተቐቢሉ ብ 5 መጋቢት ተጋድሎኡ ፈጺሙ ዓረፈ። “ሞቶሙሰ ለጻድቃን ሕይወቶሙ ውእቱ/ ንጻድቃን ሞቶም ሕይወቶ እዩ።” ከም ዝተባህለ ቕዱሳን መላእኽቲ ንነፍሱ ተቐቢሎም ኣብ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኣዕረፍዋ”

“ንኣታቶም ኣብ ቤተይን ኣብ ውሽጢ ደምበይን ስፍራ ካብ ኣወዳትን ኣዋልድን ዚበልጽ ስም ክህቦም እየ፡ ዘይጠፍእ ዘለዓለማዊ ስም ከኣ ኽህቦም እየ።” ኢሳ 56፡-5
ምዓልታዊ ትምህርቲ ንምክትታል ኣብዛ smarthabesha Follow,Like ግበሩ!

መንፈሳዊ ሕቶን መልስን ትምህርቲ ንምክትታል ድማ፡ኣብዛ link
https://www.youtube.com/?sub_confirmation=1

ጸሎቱ ወበረከቱ ይኩን ምስለ ኵልነ ሕዝበ ክርስቲያን!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን !
ምንጪ፥ ልሳን ተዋህዶ

 በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!ናይ ዓቢይ ጾም ካልኣይቲ ሰንበት  “ቅድስት” ተባሂላ ትፍለጥ።  ከምቲ  እቲ ዕለት ዝሕብሮ ኣብዛ ሰንበት እዚኣ ብፍላይ ብዛዕባ ቅድሳ...
04/03/2025



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!

ናይ ዓቢይ ጾም ካልኣይቲ ሰንበት “ቅድስት” ተባሂላ ትፍለጥ። ከምቲ እቲ ዕለት ዝሕብሮ ኣብዛ ሰንበት እዚኣ ብፍላይ ብዛዕባ ቅድሳና እግዚአብሔር፡ ክብርን ቅድስናን ዕለተ ሰንበት ስለዝዝረብ ቅድስት ተባሂላ ተሰምያ ኣላ።

ትርጉም ናይቲ ቃል ምስ ንርኢ ድማ ቅዱስ ማለት ፍሉይ፡ ክቡር፡ ዝተቐደሰ ማለት እዩ። ቅድስት ማለት ድማ ፍልይቲ፡ ክብርቲ ዝተቐደሰት ማለት እዩ፡ እቲ ምሥጢሩ ግና ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ገዳመ ቆሮንቶስ ኣትዩ ንዝጸሞ ጾመ ኣርብዓ እታ ፈላመይቲ ክብርትን ፍልይትን ዕለት ስለዝኾነት ቅድስት ተባሂላ ተሰይማ ኣላ፡ ማቴ, 4-2።

ካብ ዋዜማ ናይዚ ሰንበት ኣትሒዙ ድማ ብዛዕባ ቅድስና ሰንበት ይዝመርን ይስበኽን። ቤተ ክርስቲያን’ውን ነዛ ዕለት ምኽንያት ብምግባር ብዛዕባ ቅድስና ሰንበትን ምሕረት እግዚአብሔርን ኣስፊሓ ትምህርን ትነግርን። ኵሎም ኣብዚ ዕለት ብፍላይ ከኣ ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ መልእኽታት፥ ምስባክ፥ ግብረ ሓዋርያት ይኹን ወንጌል ብዛዕባ ቅድስና እግዚአብሔርን፡ ንሕናውን ንእግዚአብሔር ብቅድስና ክንግዛኦ ከምዝግባእ ዝምህሩን ዘመሓላልፉን እዮም።

ቀንዲ መልእኽቲ ናይዚ ዕለት ክንርእዮ ከሎና ድማ ብዛዕባ ቅድስና እግዚአብሔር ኮይኑ እቲ ናባና ዝቀነዐ መልእኽቱ ድማ ሰባት ብዛዕባ ክነብሩሉ ዝግባእን ዝተኣዘዝዎን ናብራ ቅድስና እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ብባህሪኡ ቅዱስ እዩ። ነዚ ቅድስና ድማ ካብ ካልእ ዝረኸቦ ዘይኮነስ ናቱ ናይ ባዕሉ ገንዘቡ እዩ፤ ስለዚ እዩ ድማ ቅድስና ናይ ባህሪኡ እዩ ንብል። በዚ መሠረት ከኣ ብቅዱሳን መላእኽቲ ይኹን፡ በቶም ኅሩያቱ ወትሩ “ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ” እናተባህለ ክምስገን ይነብር። ኢሳ, 6፥1-3።

መሠረት ኵሉ ዓይነት ቅድስና ድማ ባዕሉ እግዚአብሔር እዩ። ከም ፍቓዱ ድማ ነቲ ዝግብኦ ዝቕድስ ዘኽብር ቅድስና ዝዕድል ንሱ ሓደ እግዚአብሔር ጥራይ እዩ። “ቅዱስ” ዝብል ቃል ንፍጡራት ከከም ዝግብኦም ይስየመሎም እዩ። በዚ መሠረት ድማ ቅዱሳን መላእኽቲ ኢልና ንመላእኽቲ፡ ቅዱሳን (ሓዋርያት፡ ሰማእታት፡ ጻድቃን ወዘተ) ኢልና ንሰባት፡ ቅዱሳን መካናት ኢልና ንቦታ፡ ንዋያተ ቅዱሳት ኢልና ንመንፈሳዊ መገልገሊ ዓቝሑት፡ ቅዱሳን በዓላት ኢልና ንዕለት ወዘተ ከምኡ ኢልና ንጽውዕ ኢና።

እዚ ኵሉ ቅድስና ፍጡራቱ ግና ናይ ባህሪኦም ዘይኮነስ ምንጪ ቅድስና ካብ ዝኾነ እግዚአብሔር ዝተረኽበን ዝተዋህበን ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ከመይሲ እግዚአብሔር ንሱ ቅዱስ ከም ምዃኑ ፍጡራቱ ዝኾንና ንሕና ቅዱሳን ክንከውን ይደሊ። እዚ ከምዚ ንፍጡራቱ ዝወሃብ ቅድስና ድማ ናይ ጸጋ ቅድስና ይበሃል። ነዚ’ውን ብአርአያኡን አምሳሉን ብዝፈጠሮ ኣዳም ክንርድኦ ንኽእል ኢና።

እግዚአብሔር ኣምላኽ ንደቂ ሰባት ክፈጥር ከሎ ንቅድስናን ንክብርን ደኣ እምበር ንርኽሰትን ክፍኣትን ኣይኮነን። ስለዚ እዩ ድማ ቅዱሳት መጻሕፍት ብዛዕባ እዚ ጕዳይ ኣስፊሖምን ኣጉሊሖምን ዘረድኡና። ንሱ ቅዱስ ከምዝኾነ ንዓና’ውን ቅዱሳን ኩኑ ኢሉ እዩ ኣዚዙና። ብኵሉ ናብራናውን ቅዱሳን ክንከውን እዩ ነጊሩና።

“ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ፡ ዚብል ጽሑፍ ስለ ዝሎ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ።” ይብለና፡ 1ጴጥ, 1፥15-16።

ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ብግዲኡ “ኣምላኽሲ ንቕድስና እምበር፡ ንርኽሰት ኣይጸውዓናን” ይብል። 1ተሰ, 4-7።

ቀዳማይ ሰብ ኣዳም ምስ በደለን፡ ንዝተዋህቦ ቅድስና ምስ ኣጥፈአን፤ እግዚአብሔር ባዕሉ ነቲ ኣዳም ዘጥፍኦ ክብርን ቅድስናን ክመልሰሉ፤ ኃጢኣቱ ከስተስርየሉ፤ ንሞት ብሞቱ ክድምሰሰሉ ብዝተፈለየ ኣካሉ ወልደ እግዚአብሔር ፍጹም ሰብ ኮይኑ ተሰቕለ፡ ሞተ ተንሥአ። አማን በአማን ኣምላኽና ካብ ሞትን ጥፍኣትን ኣድኂኑና እዩ። ግና እዚ ኵሉ ውዕለት ክፍጸመልና ከሎ ብክርስቶስ ኣምላኽና ብዝረኸብናዮ ጸጋ ብሓዲስ ሰብነት ብቅድስና ክነብር እምበር ዳግማይ ብጐደና ሞትን ርኽሰትን ክንመላለስ ኣይኮነን።

ወትሩ ፍሬ መንፈስ ቅዱስ ከነፍሪን፡ ካብ ኃጢኣት ክንርሕቕ እዩ እግዚአብሔር ዝጸውዓና። እወ እግዚአብሔር ቅዱስ እዩ እሞ ንሕና’ውን ብጥምቀት ውሉዱ ዝኾንና ግብሪ ቅድስና ክህልወና ይግባእ።

ስለዚ 2ይ ሰንበት ዓቢይ ጾም “ቅድስት” ክንዝክር ከሎና ቅድስት ናይ ዝኾነት ሰንበት ክብሪ ምፍላጥን ምኽባርን ከምዝግባእና ካልእ መልእኽቲ ናይዚ ዕለት እዩ። ነፍስ ወከፍ ምእመን ድማ ነዛ ቅድስት ዕለት ከኽብራን ኣጸቢቝ ክፈልጣን ትእዛዝ ኣምላኽ እዩ።

ካብቶም ቀዳሞት ዓበይቲ ትእዛዛት እግዚአብሔር እቲ ሓደ ድማ “አክብር ሰንበቶ ለእግዚአብሔር” ዝብል እዩ። እዚ ትእዛዝ ድማ ኣብ ብሉይን ሓዲስን ጸኒዑ ዝነበረን ዘሎ ሕጊ እግዚአብሔር እዩ። እግዚአብሔር ንዕለት ሰንበት ኣኽቢርዋን ቀዲስዋን እዩ እሞ ንሕና ድማ ከነኽብራ ይግባእና።

ኣብ ሓዲስ ኪዳን እኳ ዝያዳ ጸኒዓ በቲ ጐይታና ንድኅነት ደቂ ሰባት ክብል ብዝፈጸሞ ከም ትንሣኤ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ግብርታት መዓልቲ እግዚአብሔር ተባሂላ ተጸዊዓ ኣላ።

ስለዚ ኣብዛ “ቅድስት” ዕለት ብባህሪኡ ቅዱስ ንዝኾነ እግዚአብሔር ስብሐትን ውዳሴን እናቕረብና፡ ንሱ ዝፈቕዶን ዝፈትዎን ናብራ ቅድስና ክንነብር መልእኽቲ እዛ ዕለት እዩ። ምስኡ ድማ ክብሪን ቅድስናን ሰንበት ተረዲእናን ፈሊጥና ከምቲ ዝግባእ ነኽብራ።

ምዓልታዊ ትምህርቲ ንምክትታል ኣብዛ smarthabesha Follow,Like ግበሩ!

መንፈሳዊ ሕቶን መልስን ትምህርቲ ንምክትታል ድማ፡ኣብዛ link
https://www.youtube.com/?sub_confirmation=1
ሓዳስ ቻነል እያ subscribe ብምግባር ነተባብዓያ !

ስብሐት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!

Address

Kampala

256

Opening Hours

Tuesday 09:00 - 17:00
Thursday 17:00 - 17:00
Sunday 09:00 - 17:00

Telephone

+256742075811

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Smarthabesha posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

  • Address
  • Telephone
  • Opening Hours
  • Alerts
  • Claim ownership or report listing
  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share