Geez Info ግዕዝ ኢንፎ

  • Home
  • Geez Info ግዕዝ ኢንፎ

Geez Info ግዕዝ ኢንፎ GeezInfo ትኩሳትን ፅፁያትን ሓበሬታት ንተኸታተልቱ የቕርብ። GeezInfo - ሚድያ ሓቅን ሓርነትን! GeezInfo delivers swift and accurate news to its followers.
(1)

GeezInfo - a Media for Truth and Liberty. YouTube channel link: www.youtube.com/

ነበር ፕረዚደንት ትግራይ ጌታቸው ረዳ፤ መዓልቲ ልደት ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ መሰረት ጌሮም መልእኽቲ ኣሕሊፎም። ትሕዝቶ እቲ መልእኽቲ፣ ሳላ መንእሰይ ትግራይ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት በዚ ዕለት...
12/07/2025

ነበር ፕረዚደንት ትግራይ ጌታቸው ረዳ፤ መዓልቲ ልደት ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ መሰረት ጌሮም መልእኽቲ ኣሕሊፎም። ትሕዝቶ እቲ መልእኽቲ፣ ሳላ መንእሰይ ትግራይ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት በዚ ዕለት መዓልቲ ልደት ወዲ ወረደ ኣኽቢርና ነይርና ዝብል እዩ።

Follow and Like Geez Info
👇
https://www.facebook.com/profile.php?id=61574117930858
YouTube channel link: www.youtube.com/

👇👇👇🤔
12/07/2025

👇👇👇🤔

እዚ ቪድዮ ጀነራል ወዲ እምበይተይ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ትግራይ ዝተዛረቦ እዩ።📅 Date: Junly 12, 2025 🌍 Region: Tigray, Ethiopia, East Africa🔔 Subscribe for more news in Tigrinya: w...

‎''ፀገማት ትግራይ ካብ ዝርርብ ወፃኢ ንምፍታሕ ዝህሉ ክያዶ መንገዲ ጥፍኣት እዩ''_ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ‎‎መቐለ፥ ሓምለ 4/2017 ዓ.ም.‎‎ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ሎሚ ንመራ...
11/07/2025

‎''ፀገማት ትግራይ ካብ ዝርርብ ወፃኢ ንምፍታሕ ዝህሉ ክያዶ መንገዲ ጥፍኣት እዩ''_ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ

‎መቐለ፥ ሓምለ 4/2017 ዓ.ም.

‎ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ሎሚ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ''ብሰንኪ ፖለቲካዊ ብልሽውና ብሄረ ትግራይ ኣብ ሓደጋ ጥፍኣት ኣትዩ'ሎ'' ክብል ገሊፁ።

ገጢሞምና ዘለዉ ፀገማት ብብሄራዊ ጉባኤ ጥራሕ እዩ ዝፍታሕ ዝበለ ኣቦ ወንበር ውድብ ሳወት ኣይተ ኣሉላ ሃይሉ፤ ዕጥቂ ዝተሓንገጡ ኣካላት ናብ ጠረጴዛ ክመፁ ብዘይምኽኣሎም ከም ብሄር ናብ ሓደጋ ጥፍኣት ዘውድቕ ኩነታት ተፈጢሩ'ሎ ክብል ተዛሪቡ።

‎ኣብ ጠረጴዛ ክፍታሕ ዘይከኣለ ፀገም ብዕጥቂ ክፍታሕ ኣይክእልን ዝበለ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ካብ ዝርርብ ወፃኢ ዝህሉ ክያዶ እውን መንገዲ ጥፍኣት እዩ ክብል ኣጠንቂቑ።

‎ውድብ ሳወት ''ወፍሪ ድሕነት ትግራይ'' ብዝብል ቴማ ንክልተ ሰሙን ዝፀንሕ ናይ ሚድያ ምንቅስቓስ ንምክያድ ምድላዋት ከምዝወገነ ዝገለፀ ሓላፊ ርክባት ህዝቢ ውድብ ሳወት ኣይተ ብርሃነ ኣፅበሃ መራኸብቲ ሓፋሽ ነቲ ወፍሪ እኹል ሽፋን ክህበኦ ተማሕፂኑ።

‎መላእ ህዝቢ ትግራይ ካብ ሰላማዊ መንገዲ ወፃኢ ዝህሉ መገዲ ክዓፁ ይግባእ ዝበለ ኣይተ ብርሃነ ልሂቃን፣ መንእሰያትን ዳያስፖራን ትግራይ ንድሕነት ብሄሮም ክሰርሑ ፀዊዑ።
Follow and Like Geez Info
👇
https://www.facebook.com/profile.php?id=61574117930858
YouTube channel link: www.youtube.com/

እዞም ብቕትለት ንእስቲ ዘውዱ ዕድመ ልክዕ ዝተፈረዶም ገበነኛታት ድምብርፅ ኣይበሎምን። እኳ ደኣስ "ክትወፁ ኢኹም" ዝበሎም ኣካል ግዲ ሃልዩ፤ ምስ ወፁ ነቶም ዝቐርፅዎም ዘለዉ ሰባት ስጉምቲ ...
11/07/2025

እዞም ብቕትለት ንእስቲ ዘውዱ ዕድመ ልክዕ ዝተፈረዶም ገበነኛታት ድምብርፅ ኣይበሎምን። እኳ ደኣስ "ክትወፁ ኢኹም" ዝበሎም ኣካል ግዲ ሃልዩ፤ ምስ ወፁ ነቶም ዝቐርፅዎም ዘለዉ ሰባት ስጉምቲ ክወስድሎም ዝሕነዩ ዘለዉ ይመስሉ።

ትብፃሕ ናብቶም "ሰራዊት ኢ/ያ ሓሪቑ እዩ ግፍዒ ፈፂሙ" ኢሎም፤ ነቲ ገበን ከቃልሉ ዝሞከሩ ጠበቓ ወንጀለኛታት ገ/የሱስ ተኽሉ🤔
11/07/2025

ትብፃሕ ናብቶም "ሰራዊት ኢ/ያ ሓሪቑ እዩ ግፍዒ ፈፂሙ" ኢሎም፤ ነቲ ገበን ከቃልሉ ዝሞከሩ ጠበቓ ወንጀለኛታት ገ/የሱስ ተኽሉ🤔

👇👇👇👇
10/07/2025

👇👇👇👇

ሰበር ዜና: ውጥን ኵናት ኣብይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተቓሊዑ|| ናይ ግብሪ ምስትኽኻል ንመንግስቲ ሰራሕተኛ|| ካብ ኢመራት ናብ ኢ/ያ ዝኣትው ዘሎ ኣፅዋር📅 Date: July 10, 2025 🌍 Region: Tigray, Ethiopia, East Afri.....

ጋዜጠኛ ታደሰ ሚዛን ሓደ ካብቶም ብህዝቦምን ዓዶምን ድቃስ ዘይነበሮም ምዕታት ሰባት ሓደ ነይሩ። ብፍላይ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ናይ መራሕቲ ፖለቲካዊ ምክፍፋል ድቃስ ከምዘስኣኖ ዘርኢ ኣብ...
10/07/2025

ጋዜጠኛ ታደሰ ሚዛን ሓደ ካብቶም ብህዝቦምን ዓዶምን ድቃስ ዘይነበሮም ምዕታት ሰባት ሓደ ነይሩ። ብፍላይ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ናይ መራሕቲ ፖለቲካዊ ምክፍፋል ድቃስ ከምዘስኣኖ ዘርኢ ኣብቲ ብTBS ዝመሓላለፍ "ካነበብኩት" ዝብል መደቡ ሓደ መዓልቲ ኣምሪሩ እናበኸየ ሪአዮ ብጣዕሚ ሓዚነ።
ብሰላም ዕረፍ ኣያ ንባብ

ኣብ ጦብያ ዘይስማዕ ጉድ የለን😁
09/07/2025

ኣብ ጦብያ ዘይስማዕ ጉድ የለን😁

እዋናዊ ሓበሬታ ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ======================== ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ  ኣብ ወረዳ እንደርታ ጣብያ ፈለገማያት ቁሸት ሓዊ ደላ ( ጎቦ መሰቦ) ኣብ ዝርከብ ጥረ ኣቅ...
09/07/2025

እዋናዊ ሓበሬታ ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ
========================
ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ኣብ ወረዳ እንደርታ ጣብያ ፈለገማያት ቁሸት ሓዊ ደላ ( ጎቦ መሰቦ) ኣብ ዝርከብ ጥረ ኣቅሓ ላይምስቶን ዝዕደነሉ ከባቢ ዘለው ናይ ማሕበረሰብ ናይ ምልዓል ሕቶታትን እዚ ኣብ ምፍፃም ጊዜ ምውሳዱን ስዒቡ ኣብ ደውታ ከምዘሎ ይፍለጥ። እቶም ሕቶታት ማሕበረሰብ ንምፍታሕ ድማ ምስ ዝምልከቶምን ነዚ ፀገም ንምፍታሕ ሓላፍነት ምስ ዝወስዱን ናይ መንግስቲ ኣካላት ተደጋጋሚ ዝርርባት ብምግባር እናሰርሐ ይርከብ።
ካብዚ ወፃኢ ካልእ ምኽንያት ከምዘይብሉ እናሓበርና ኣብ ቀረባ እዋን ፀገማቱ ፈቲሑ ስሩዕ ፍርያቱ ከም ዝጅምር ንገልፅ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ምኽንያት ደውታ ፋብሪካ ሲሚንቶ ኣመልኪቶም ብስሩዕ ሚድያታት ይኹን ብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝወፁ ዘለው ሓበሬታታት ካብ ሓቂ ዝረሓቁን ብዕሊ ካብ ትካልና ዘይተረኸቡ ሓበሬታት ከምዝኾኑ ክንገልፅ ንፈቱ።

09/07/2025

ብዝኾነ "ኢትዮጲያ" እያ ዓድና ትብሉ ኣሓት እክብ እክብ በሉ ፤ "ትግራይ" እያ ዓድና ንብል 'ውን ንምፃእ ናብ ሓደ... መከራኸሪ ነጥብታትና ወዲብና ሒዝና ብግልፂ ነውግዐሉ ፤ ታይከ መማረፂ ኣለና። (ዋላ ዓለም ፣ ኣፍሪካ... ትብሉ ተሃሊኹምለ ፀገም የብሉን ዋ 😚)

ድላይካ ቅዋም ምሓዝ መሰል እዩ ፤ ሓደ ዓይነት ሓሳብ ክህልወና ግድን ኣይኮነን ፣ ኣይኽእልን ፣ ጠቓሚ 'ውን ኣይኮነን። ስለዚ መፃኢ ትግራይ እንታይ ይኹን ፣ ብሄራውነት ድዩ ዘዋፅአናስ ኢትዮጲያውነት... ብዘይስኽፍታ ነውግዐሉ ፣ ንሟገተሉ ፣ ንዘትየሉ ፤ እቲ ሰብና መማረፂኡ ይፍለጥ ፤ ኣብቲ ኣድላይ ናይ ውሳነ ሰዓት ብውነ ምእንታን ዕፅኡ ክመርፅ (informed decision ምእንታን ክገብር)። ኣነ ትግራይ ብዘላቕነት ዘዋፅኣ (strategic ሕርያኣ) ብሄራውነት (ምስረታ ሃገረ ትግራይ) እዩ ኢለ እየ ዝኣምን ፤ ምስ ዝኾነ ዓይነት ሰብ እውን ቀሪበ ሓሳበይ ፣ እምነተይ ፣ ቅዋመይ ብዘይ ሕንከት ብርድኢተይ ልክዕ ከረድእ ፣ ክከራኸር... ንምርትታዕ ዘይኮነስ ብቅንዕና ንምርድዳእ ክዛተ ድልው እየ። ዝወስዶ ተሃልዩ እውን ክወስድ። ኩሉ ዕድል ዘግነየ ሰብ እውን ከምኡ ክገብር እየ ዘበረታትዕ ፤ ክንዘራረብ ክንጅምር እኒሀና።

ሓንቲ ዘይገብራ ነገር ክነግረኩም:-

"ኢትዮጲያ ንሕና ኢና ሹማ ነጥፍኣ ዘለና እምበር ብታሪኻ ጨፍጪፋትና ኣይትፈልጥን" ፣ "ሻዕብያ ኣቐይምናዮ ነይርና ኢና እምበር ኣብ ጥፍኣትና ኣይምተሳተፈን"... ኣብ ዝዓይነቶም ዛዕባታት ምስ ማንም ኮፍ ኢለ ንምክርኻር ግን ጊዜይ ኣየጥፍእን ፤ ትዕግስቱ 'ውን የብለይን። ኣብ ትግራይ እዙይ ኣጀንዳ ምዃኑ ባዕሉ ብጣዕሚ እዩ ዝቐፈኒ ፤ ሕዚ 'ውን ክደግመልኩም። ቅር እንተይሉኩም ሽግርኩም እዩ ፤ ምንም ክሕግዘኩም ኣይክእልን። ንዓይ ሓሳብ ኣይኮነን እዙይ ፃዕዳ ሓሶት እዩ ፣ "Denial stage" (ክሕደት) እንብሎ ሓደ ብርኪ እቲ ዝተፈፀመና ገበን ጄኖሳይድ እዩ... ክርክር ኣየድልዮን ፤ ነቐፌታን እርማትን እምበር [ብናሃተይ እምነት - ብንኡሱ ኣነ እዙይ ኣርእስቲ ገይረ ክከራኸር ይኹን ክሰምዕ ፍቓደኛ ኣይኮንኩን]። ምኽንያቱ እዙይ ብፍፁም ኣብ ትግራይ ናይ ክርክር ኣርእስቲ ክኸውን ዘይግብኦ hard fact ስለዝኾነ! ኣነ ከምኡ እየ ዝኣምን። Publicly ወፅዮም እዙይታት ክብሉ ዝደፍሩ ተናገርቲ ይኹኑ ፤ ነዙይ ርእሶም እንዳነቕነቑ "እህም" እንዳበሉ ዘዳምፁ ጋዜጠኛታት ዓድና ዓገብ እዮም ክበሃሉ ዝግብኦም። ከምኡ እየ ክገብር! ሱቕ እንተይልና... ናጋ ንጉሆ ድማ "ብሱሩ 'ውን ንሕና ኢና በዲልናዮም ፤ ንዑ ተኣኪብና ይቅርታ ንበሎም" ዝብሉ ለባማት ክመፁና እዮም።

እቲ ናይ ርሑቕ ሓዲግና... እቲ ኣብ ናትና ዕድመ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ግፍዒ ብኹሉ ዓለም-ለኻዊ መለክዒን ርድኢትን ደረቕ ገበን ጄኖሳይድ እዩ ፤ ፈፀምቲ ኣለውዎ። ዓሰርተ መፅሓፍ ኣጣቒስካ ስለዝዃሓሓልካዮ ፣ ሓደሽቲ ናይ ገዛ-ሹማት ሂብካ ስለዘሽሞንሞንካዮ ፣ ዘፏኸስካዮን ካልእ ምስሊ ክተትሕዞ ስለዝፈተንካን ናይ ፅድቂ ስራሕ ክኸውን ኣይኽእልን።

እዚኣ ግልፂ ትኹን ፤ ካብኡ ንቐፅል! 🤗
የቐንየለይ! 🙏🏾

09/07/2025

ሓታቲ: ሃገረ ትግራይ ከይንምስርት ዝገጥመና ፈተና እንታይ እዩ?
ዶ/ር ገ/የሱስ ተኽሉ: ተመልክት..መሬት እዩ እቲ ዋና። ምዕራብ ትግራይ ኣምሓራ ናትና እዩ ይብለዉ። ራያ እውን ናትና እዩ ይብለዉ። ምስ ኤርትራ እውን ፀገም ኣለና። ስለዚ ሃገረ ትግራይ ምምስራት ኣይከኣልን።
ደገፍቲ: ፐእ..ፐእ..ምሁራዊ ትንታነ😊
ኣነ: ነዚኣ ንምትንታንሲ እዚ ኩሉ ዓመት ምሁሮ? ፒኤችዲ?
ኤህ ደኣ🤔

Address


Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Geez Info ግዕዝ ኢንፎ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

  • Address
  • Alerts
  • Claim ownership or report listing
  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share