Ezana Media

Ezana Media Empowering the next generation of innovators and investors. Explore the future of business and technology with us. Build your kingdom.

ብሉጽ ዓርኪ ድብር ኣብ ዝበለካ ቁሩብ ዓው ኢሉ ዘስሕቐካ ፣ ከይፈረደ ዝሰምዕ፡ ከይተጸበየ ዝድግፍ፡ በይንኻ ፈጺምካ ከም ዘይኮንካ ዘዘኻኽረካ ሰብ’ እዩ።
18/09/2025

ብሉጽ ዓርኪ ድብር ኣብ ዝበለካ ቁሩብ ዓው ኢሉ ዘስሕቐካ ፣ ከይፈረደ ዝሰምዕ፡ ከይተጸበየ ዝድግፍ፡ በይንኻ ፈጺምካ ከም ዘይኮንካ ዘዘኻኽረካ ሰብ’ እዩ።

መንገድኻ ዋላ ተፀልመተ ኣብ ጉዕዞኻን ፈጣሪኻን እምነት ይሃልኻ። ህይወት ሓደ ሓደ ግዜ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ። ግን ኩሉ ግዜ ኣብ ቕድሜና  ተስፋ ኣሎ። ፅባሕ ካልእ መዓልቲ እዩ።ኣርሒቕካ...
18/09/2025

መንገድኻ ዋላ ተፀልመተ ኣብ ጉዕዞኻን ፈጣሪኻን እምነት ይሃልኻ። ህይወት ሓደ ሓደ ግዜ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ። ግን ኩሉ ግዜ ኣብ ቕድሜና ተስፋ ኣሎ። ፅባሕ ካልእ መዓልቲ እዩ።ኣርሒቕካ ጠምት።

ዩቱብ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ንፈጠርቲ ልዕሊ 100 ቢልዮን ዶላር ከምዝኸፈለ ኣፍሊጡ። ዩቱብ ካብ 2021 ጀሚሩ ንፈጠርቲ ልዕሊ 100 ቢልዮን ዶላር ከምዝኸፈለን ልዕሊ 100 ሽሕ ዶላር...
17/09/2025

ዩቱብ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ንፈጠርቲ ልዕሊ 100 ቢልዮን ዶላር ከምዝኸፈለ ኣፍሊጡ።

ዩቱብ ካብ 2021 ጀሚሩ ንፈጠርቲ ልዕሊ 100 ቢልዮን ዶላር ከምዝኸፈለን ልዕሊ 100 ሽሕ ዶላር ዝረኽባ ቻነላት ዩቱብ ድማ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ብ45 ሚእታዊት ይውስኸ‍ኣ ከምዘለዋን ኣፍሊጡ። (ኣይገርምን ዶ ልዕሊ 100 ሽሕ ዶላር ) 🤣

ዋና ሓላፊት ዩቱብ ዮሃና ቮሊች፡ ፈጠርቲ “ንባህልን መዘናግዕን ብዘይሓሰብናዮ መንገዲ ይቐርጽዎ ኣለዉ” ኢላ።

ዩቱብ እውን ሓደሽቲ ኣገልግሎታት ንምጅማር መደብ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።

ዩቱብ ንሓጸርቲ ቪድዮታት ዝኸውን ሓድሽ ብAI ዝሰርሕ ኣፕ እውን የበግስ ኣሎ፡ እዚ ድማ ሰባት ብAI ዝተቐድሑ ቪድዮታት ናብ ውህደት ቪድዮ ክቕይሩ፡ ሙዚቃ ክውስኹን ድምጺ ክውስኹን ዘኽእሎም እዩ።

💡 መጻኢኻ በቲ ሎሚ እትገብሮ እምበር ጽባሕ ብእትገብሮ ወይድማ እትሰርሖ ኣይኮነን ዝፍጠር።ኩሉ ሎሚ ትገብሮ ንእሽቶ ተግባር ኣብ ጊዜ ኸይዲ ዓብይ ለውጢ ስለዘምፅእ ካብ ደው ምባል እቲ ዝነኣሰ...
17/09/2025

💡 መጻኢኻ በቲ ሎሚ እትገብሮ እምበር ጽባሕ ብእትገብሮ ወይድማ እትሰርሖ ኣይኮነን ዝፍጠር።
ኩሉ ሎሚ ትገብሮ ንእሽቶ ተግባር ኣብ ጊዜ ኸይዲ ዓብይ ለውጢ ስለዘምፅእ ካብ ደው ምባል እቲ ዝነኣሰ ስጉምቲ እውን እንተኾነ መዓልታዊ ምውሳድ ይሓይሽ። 🚀

👉 መዓልታዊ ዘነቓቕሑ ናብ ተግባር ዝወስዱ ትምህርታዊ ሓበሬታት እንተደሊኻ ነዚ ናይ ፌስቡክ ፔጅ ፎሎው ፣ሼር ✌️✌️

06/07/2025

ኣብ ኩሉ ባህላዊ ናይ ትግርኛ ደርፍታት ክሊፕ ተትሰርሕ ጃሙየ ጓል ሀይለ 👌👌

27/06/2025

👏 Congratulations

17/05/2025

💯 ሓቂ እዩ። ንውላድካ ምንባር

ኣብ ዳብሊን ዝተኻየደ ዓመታዎ መዓልቲ ቅዱስ ፓትሪክ ብዘገርም ነገራት ዝተመልአ ነይሩ።ሓደስቲ ገጻት፣ ናይ ሓባር ፍሽኽታን ሓጐስ ናይቲ ጽምብልን ብደንቢ ኣብ ብዙሓት ሰባት ተንብብ። ሓደ ሓደ ...
21/03/2025

ኣብ ዳብሊን ዝተኻየደ ዓመታዎ መዓልቲ ቅዱስ ፓትሪክ ብዘገርም ነገራት ዝተመልአ ነይሩ።

ሓደስቲ ገጻት፣ ናይ ሓባር ፍሽኽታን ሓጐስ ናይቲ ጽምብልን ብደንቢ ኣብ ብዙሓት ሰባት ተንብብ።

ሓደ ሓደ ግዜ እቶም ዝበለጹ ተዘክሮታት ከይሓሰብናዮም ኣብ መንገዲ ዘጋጥሙና እዮም☘️

ብዝኾነ ወፂአ እቲ ካርኒቫል ንኽርኢ ዝደፋፋእኹምኒ ምስጋና ይብፃሕኹም። 🙏

እቲ ዝተሰብረ ጀሪካንን እተን ጽቡቓት ዕምባባታትንሓደ እዋን ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ገጠር ሓንቲ መዓልታዊ ብክልተ  ጀሪካን ማይ ካብ ውሓዚ ሩባ ናብ ገዝኣ ተመላልስ ንእሽቶ ጓል ነይራ ። እቲ ተማ...
09/03/2025

እቲ ዝተሰብረ ጀሪካንን እተን ጽቡቓት ዕምባባታትን

ሓደ እዋን ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ገጠር ሓንቲ መዓልታዊ ብክልተ ጀሪካን ማይ ካብ ውሓዚ ሩባ ናብ ገዝኣ ተመላልስ ንእሽቶ ጓል ነይራ ።

እቲ ተማላልሰሉ ዝነበረት ሓደ ጀሪካን ፍጹም ነቓዕ ዘይብሉ እንትኸውን እቲ ካልኣይ ግን ንእሽቶ ስንጥቕ ስለ ዝነበሮ ኣብ ትመላለሰሉ ዝነበረት መንገዲ ማይ የልሑኽ ወይ ክዓ የፍስስ ነይሩ።

ሓደ መዓልቲ እቲ ምንም ከምዘይረብሕ ዝተሰምዖ ዝተሰንጠቐ ጀሪካን መዓልታዊ ማይ ብምፍሳሱ ጓሂ ተሰሚዕዎ ነታ ጓል “ብጉድለተይ ይቕሬታ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መንገዲ ማይ ሰ‍ለዘፍስስ ብሰንከይ እናተንደላሓፅኪ ትወድቂ ኣለኺ” ይብላ።

እታ ጓል ፍሽኽ ኢላ ናብቲ መዓልታዊ ዝመላለስዎ ዝነበሩ መንገዲ እናመላኸተት ነቲ ማይ ዘፍስስ ጀሪካን ከመዙይ በለቶ እሰቲ ። “ድሕሬኻ ምልስ ኢልካ ርአ” በለቶ። እቲ ጀሪካን ተጠውዩ ምስረአኣየ ኣብቲ ዝመላለስዎ መንገዲ ጽቡቐ‍ኣት ዕምባባታት ክበቁል ረኣየ።

እታ ጓል ኣስዕብ ኣቢላ፡ ማይ ተልሑኽ ምኻንካ ምስፈለጥኩ ኣብቲ መንገዲ እዞም ናይ ዕመበባታት ዘርኢ ተኺለ፡ መዓልታዊ ድማ እቲ እተፍስሶ ማይ ንኽጥቀሙ ብምግባር እዞም ዕመበባታት ዓብዪም። ብዘይ ናትካ ጉድለትካ እዞም ዕምባባታት ኣብዚ ኣይምሃለዉን።”

ስለዚ መሲልካ እንታይ ኣምፃእኻ? እዪሞ ካብዚ ታሪኽ ንወስዶ ትምህርቲ?

ናትካ ዘጋጥሙኻ ዕንቅፋታትካን ጌጋታትካን ንኣኻ ኣይገልጹኻን እዮም- እኳ ድኣስ ይቐርጹኻ እምበር ። ዋላ ዝተሰብረ ኮይኑ ኣብ ዝተስምዐካ እዋን እውን ጽቡቕ ነገር ትፈጥር ከምዘለኸ ክትፈልጥ ኣለካ ። ኣብ ናይ ትማሊ ስብራትካ ኣይትንበር። ኣብ ናይ ሎሚ ጉዕዞኻ ኣተኩር፣ ምኽንያቱ ገና ገለ ድንቂ ነገር ተስቲ ከምዘለኻ ክትፈልጥ ኣለካ።

ሓደ ሓደ ሰባት ገንዘብ ምስ ዝህልወካ ጥራሕ ይፈትዉኻ ገሊኦም ድማ ዝና ምስ ዝህልወካ ይፈትዉኻ ግን ኩሉ ግዜ ዘፍቅሩኻ ዝፈትውኻ ሰባት ድማ ኣለዉ። ስለዚ ሓወይ ምስቶም ምንም ኣብ ዘይብልካ ስ...
09/03/2025

ሓደ ሓደ ሰባት ገንዘብ ምስ ዝህልወካ ጥራሕ ይፈትዉኻ ገሊኦም ድማ ዝና ምስ ዝህልወካ ይፈትዉኻ ግን ኩሉ ግዜ ዘፍቅሩኻ ዝፈትውኻ ሰባት ድማ ኣለዉ።

ስለዚ ሓወይ ምስቶም ምንም ኣብ ዘይብልካ ስዓት ምሳኻ ደው ዝበሉን ዝፈትዉኻን ግዜኻ ኣሕልፍ።

እዞም ምንም ዋላ ኣብ ዘይብልካ ዝፈትውኻ መን ይመስለኩም ?

09/03/2025

ዋላ ተደንጎኹ ንኹልኽን ደቂ ኣንስተዮ እንኳዕ ን March 8 ኣብፀሐክን #ማርች8

መብዛሕቲኡ ግዜ ዝኾነ ነገር ክትጅምር  ኢልካ  ኣይትኽእልን ይትረፍካ ዝብልዃ ሰባት ንስኻ ከምእትኽእል ስለዝፈርሑኻ  እዮም። ደስ ዝብል መዓልቲ ይኹነልኩም።
26/02/2025

መብዛሕቲኡ ግዜ ዝኾነ ነገር ክትጅምር ኢልካ ኣይትኽእልን ይትረፍካ ዝብልዃ ሰባት ንስኻ ከምእትኽእል ስለዝፈርሑኻ እዮም።

ደስ ዝብል መዓልቲ ይኹነልኩም።

Address

Newcastle Road
Dublin

Opening Hours

Monday 9am - 5pm
Tuesday 9am - 5pm
Wednesday 9am - 5pm
Thursday 9am - 5pm
Friday 9am - 5pm
Saturday 9am - 5pm

Telephone

+256702113785

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Ezana Media posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share