HABEN Qoutes

HABEN Qoutes Journalist

20/08/2026

👉እዚ ናይ ሆዜ ሞሪንሆ (José Mourinho) ዘረባ፡ ኣርሰናል ንስፐርስ ኣብ 2020 ድሕሪ ምስዓሮም ዝሃቦ ርእይቶ። 🔮

​🗣️ "ንሚኬል እንቋዕ ደስ በለካ ክብሎ እደሊ። ብታክቲክ ብጣዕሚ፣ ብጣዕሚ ብሉጻት ይኾኑ ኣለዉ።

👌​ኣብ ኩዑሶ እግሪ ንነዊሕ እዋን ስለ ዝጸናሕኩ፡ ኩነታት ኣቐዲመ ከንብብ እኽእል እየ። ኣርቴታ ኣዝዩ ብሉጽ ስራሕ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ንመንእሰያት ዓቢ እምነት የንብር አሎ፣ ዓቢ ናይ ምምሕዳር ተወህቦ እውን ኣለዎ።​ግዜ ክወሃቦ ተስፋ ይገብር፣ ንደገፍቲ ኣርሰናል እውን ክብሎም ዝደሊ፡ ምስኡ ኣርሰናል ከም ብሓዲሽ ኣርሰናል ክትከውን እያ።"

፣💯​"ዘ ስፔሻል ዋን" (The Special One) ኣብ ገምጋሙ ልክዕ ነይሩ 👌👏

20/08/2026

ሓታቲ፦ "ብዙሕ ናይ ኲዕሶ ብልሕታት (ትሪክስ) ኣይትገብርን ኢኻ፡ ከመይ ገይርካ ከም እትገብሮም ኣይትፈልጥን ዲኻ፣" 😂

​🗣️ ሊዮነል ሜሲ፦ "ይስሕቕ ኣብ ኣጋጣሚታት፡ ኣብ ጸወታታት ንምንታይ 'ባይሲክል ኪክ' (ብድሕሪት ተገሊብካ ምውቃዕ) ወይ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ዘይትገብር ኢሎም ይሓቱኒ እዮም።
​ኣይፈልጥን፡ ንሱ ፈጺመ ኣይስሕበንን እዩ። ብሓቂ ክነግረካ፡ ቆልዓ እንከለኹ እወ፡ ብዙሕ ዝተፈላለየ ነገራትን ናይ ኲዕሶ ብልሕታትን እገብር ነይረ። ሕጂ ግን ብዙሕ ካብኡ እዩ ጠፊኡኒ፡ ​ብልሕታት ምግባርን ምስ ኲዕሶ ምጽዋትን እፈቱ እየ፡ ግን ከምኡ ኢለ ንባህገይ ጥራይ ኢለ ዝገብሮ ሰብ ኣይኮንኩን።​ብሓቂ እኳ ደኣስ፡ ኣብ እዋን ጸወታ ዘካይዶ ኩሉ ነገር፡ ንቲ ኣብቲ ቦታ ዝኽሰት ዘሎ ነገር ዝወሃብ ቅልጡፍ መልሲ ጥራይ እዩ።"

21/07/2026

👉ቲየሪ ኦንሪ፡ ንአሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ እስፓኛ ሉዊስ ደ ላ ፉኤንተ ብምኽንያት ዴቪድ ራያ ኣብ ምሉእ ዋንጫ ዓለም ኣብ ወንበር ተቐመጥቲ ብምሕዳጉ ብርቱዕ ነቀፌታ አውሪድሉ።​"ስማዕ፡ ንዓይ ፈጺሙ ክርድኣኒ ኣይኽእልን እዩ። ከም ዴቪድ ራያ ዝበለ ብቕዓት ዘለዎ ልዑል ተጻዋታይ ሒዝካ፡ ኣብ ምሉእ እቲ ውድድር ሓንቲ ደቒቕ እኳ ከይጻወትካዮ ክትሓልፍ ኣይትኽእልን ኢኻ።​ብዛዕባ ሓደ ናይ ፕሪምየር ሊግ ዋንጫ ዝዓተረን ኣብ ዝለዓለ ብሉጽ ብቕዓቱ ዝርከብ ሓላዊ ልዳት ኢና ንዛረብ ዘለና።ካብ ​ሰሙን ናብ ሰሙን፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ኤውሮጳ ዘለዉ ብሉጻት ምዃኑ እዩ ዘመስከረ፤ ንዋንጫ ዓለም መጺኡ ግን ምሉእ እቲ ውድድር ኣብ ወንበር ተቐመቲ ኣሕሊፍዎ። ንዓይ እዚ ፈጺሙ ትርጉም የብሉን።
👉​እዚ ንኡናይ ሲሞን ንምቅላል ኢለ ዝዛረቦ ኣይኮነን። ንሱ እውን ንፉዕ ሓላዊ ልዳት እዩ። ከምዚ ዝበለ ዓቕሚ ዘለዎ ተጻዋታይ ሓንቲ ዕድል እኳ ከይሃብካዮ ክትገድፎ የብልካን።​ንዓይ እዚ ኣዝዩ ጨካን ውሳነ እዩ። ተጻወትቲ ኣብ ዋንጫ ዓለም ንሃገሮም ንምውካል ምሉእ ህይወቶም እዮም ዝጽዕሩ፤ ንኸም ራያ ዝበለ ብቕዓት ዘለዎ ሰብ ሓንቲ ደቒቕ እኳ ክትከልክሎ ግን ክእመን እይኽእልን እዩ።

👌​ንዓይ እንተሓቲትካኒ፡ ስጳኛ ነቲ ኩነታት ካብዚ ብዝበለጸ ክትሕዞ ምኸኣለት ነይራ፡ ክትሕዞ እውን ነይርዋ።"

👉እንታይ አለኩም ሪእይቶ አብዚ ናይ ቲየሪ ኦንሪ፣

08/06/2026

መን እዪ እቲ ዝበለጸ ናይ ኩሉ ግዜ ቁጽሪ 9 ናይ ክለብ ባርሶሌና።

23/05/2026
17/05/2026

“እዚ ኣብ ጎኒ ቲየሪ ኦንሪ ዘሎ ተጻዋታይ ኩዑሶ እግሪ ነበር መን እዩ ሽሙ ብኸመይ ትዝክርዋ።”

23/04/2026

ሌስተር ሲቲ ናብ 1ይ ዲቪዝዮን ተመሊሳ...!

ቅድሚ 10 ዓመት ዓለም ብዘገረመ መገዲ ቻምፕዮን ፕረምየር ሊግ ዝኾነት ሌስተር ሲቲ ካብ ቻምፕዮንሺፕ ናብ ሊግ-1 (ብመሳልል ኲዕሶ እግሪ ዓዲ እንግሊዝ 3ይ ዲቪዝዮን) ወሪዳ።

Address

Kampala

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when HABEN Qoutes posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

Share