
06/11/2020
ሳልሳይ ወያነ ትግራይ -ሳወት
ሓበሬታ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት መናእሰይ ትግራይ
መናእሰይ ትግራይ ብምኽንያት ግጉይ ፖሊሲ ገዛኢ ውድብን ንዘበናት ተደራሪቡ ዝፀንሐ ድኽነትን ኣብ ዓዶም ተስፋ ስኢኖም፣ ስራሕ ዕድል ሓሪምዎም ብሓፈሻ ኣብ ከቢድ ኢኮኖሚያዊ ፀቕጢ ወዲቖም ስደት ካብ ዝመርፁ ዓሰርተታት ዓመታት ተቖፂሩ እዩ፡፡ መንግስቲ ትግራይ ኢኮኖሚያዊ ዕድላት ክፈጥረሎም ኣብ ልዕሊ ዘይምኽኣሉ ዝርካበን ዕድላት እውን ብሌላን ጉሌላን ተጓንዮም ናብ ዓዲ ሞት ምኻድ ዝመረፁ ብቑፅሪ ብዙሓት አዮም። ንስራሕ ካብ ሓደ ከባቢ ናብ ካሊእ ምኻድ ንቡር እኳ እንተኾነ ስደት መንእሰይ ትግራይ ግን ምስ ሞት ኣናተዳፋእኻ እዩ። ብፍላይ መንእሰይ ትግራይ ዝስደደለን ዓድታት ካብ ዘብህጉ ረቛሒታት( pull factors) ዝደፍኡ( push factors) እዮም ዝበዝሑ። ኣብ ትግራይ ብዘለው ዝኸፍኡ ረቛሒታት ግን ናብ ዓዲ ሞት ካብ ምትማም ኣይተረፉን።
ኣብ መብዛሕቲኡ ትግራይ ስደት ዝተኣታተወሉ ታሪኻዊ መበገሲ ዋላ ንፁር ኣይኹን ብሰፊሑ ህዝቢ ትግራይ ስደት ዝጀመረሉ ግዘ ንናይ 1953 ዓ/ም ወራር ኣምበጣ ተኸቲሉ ዝመፅአ ከም መበገሲ ሰፊሕ ስደት (Mass exodus) እዩ ኢልካ ምውሳድ ከምዝከኣል ብዙሓት ናይ ታሪኽ ምሁራት ይሰማምዑ እዮም፡፡ እዚ ማለት ግን ንወራር ስርዓት ምኒሊክ ፣ ቅድሚኡን ድሕሪኡን ዝነበሩ ገዛእቲን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኸተልዎ ፖሊሲ "ምፅናት" ስዒቡ ዝመፅአን ክርሳዕ ዘየብሉ ኻሊእ ፍፃመ ከምዘሎ እዩ፡፡ ናይ 1966 ዓ/ም ድርቂ ወሎን ትግራይን ስዒቡ ዝተወሰደ ናይ ሰፈራ መደብ እውን ኣብ ህዝብና ገዚፍ በሰላ ዘስዐበ ተግባር እዩ፡፡ ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ እውን ደርጊ ንድርቂ 1977 ዓ/ም ስዒቡ ዝተኸተሎ ናይ ምፅናት መንገዲ ህዝቢ ብጥሜት ተደፊኡን ብሓይሊ ወታደር ተገዲዱን ቁሸታቱ ባዲመን ክስደድ ተገይሩ እዩ፡፡ ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ካብ ሚዛን ቴፒ ብጋምቤላ ፣ ወለጋን ናይ ሐዚ ቤኒሻንጉልን ተበቲኑ ዘሎ ብኣማኢት ሽሕ ዝቑፀር ትግራዋይ ህያው ምስክር እዩ፡
ድሕሪ ውድቀት ደርጊ ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ መንእሰይ ትግራይ ብሰንኪ ንትግራይ ማእኸሉ ገይሩ ዘይሰርሕ መንግስቲን ገዛኢ ውድብን ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ናብ መላእ ከባቢታት እዛ ሃገርን ከምኡ እውን ናብ ብዙሕ ዝሰልጠነን ዝተምሃረን ሓይሊ ሰብ ዘይጠልባ ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕን እግሩ ናብ ዝመርሖ ጎረቤት ሃገራትን ብኣማኢት ኣሸሓት ተሰዲዱን ይስደድ ኣሎን፡፡ ናይዚ መርኣያ ኣብ መላእ እዛ ሃገር ተበቲኑ ዘሎ ህዝቢናን፣ ነቲ እዛ ሃገር ዘጋጠማ ፖለቲካዊ ቅልውላው ስዒቡ ህዝቢ ትግራይ ከም መዝሐሊ በትሪ ተቖፂሩ ዝተፈናቐለን ትግራዋይ ፤ ሐዚ እውን ኣብ መላእ እዛ ሃገር ብስግኣት ሰማይ ደጊፉ ዝሓድር ትግራዋይን ፤ ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ድማ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ (ብፍላይ ኣብ ሃገራት የመንን ስዑዲ ዓረቢያን) ኣብ ከቢድ መዋጥርን ቤትማእሰርቲን ዘሎ ብዓሰርተ ሽሕ ዝቑፀር ትግራዋይ ምርኣይ እኹል እዩ፡፡
ውድብና ሳልሳይ ወያነ ትግራይ እቲ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዘሎ ኩነታት መንእሰይናን ናይ መንግስቲ ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ምንቅስቓሳትን ብክፍሊ ጉዳያት ወፃኢ ኣቢሉ ብዕቱብ ክከታተሎ ፀኒሑ እዩ፡፡ ምስቶም ኣብቲ ኸባቢ ዘለዉ ግዱሳት ወገናት ፣ ምስ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ፌደራልን ምስ ኣብ ጉዳይ ኢሚግሬሽንን ሰደተኛታትን ዝሰርሑ ግዱሳት ተጋሩን ከምኡ እውን ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ጥዕና ሕብረተሰብ ኢንስቲትዩት ዝሰርሑ ግዱሳት ተጋሩን ብምዝርራብ እቲ ዘሎ ኩነታት ንምርዳእ ተፈቲኑ እዩ፡፡በዚ መሰረት እቶም ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዘለዉ ዜጋታት (መብዛሕቲኦም ተጋሩ እዮም) ልዕሊ 18,000 ከም ዝግመቱን መብዛሕቲኦም ኣብ የመንን ስዑዲ ዓረቢያን ዘለዉ እንትኾኑ ውሱናት ድማ ኣብ ኩዌትን ሊባኖስን ዝፀንሑን ሐዚ ናብ ኢ/ያ ተመሊሶም ዘለዉን እዮም፡፡
እዞም ዜጋታት ብዋናነት ናይ ኢኮኖሚ ስደተኛታት ከም ምኻኖም መጠን ገሊኦም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ተጓዒዞም በተን ሃገራት ናይ ሕጊ መንገዲ ተዳንዮም ልዕሊ 10 ዓመታት ኣብ ስሩዕ ቤት ማእሰርቲ ዝፀንሑ ልዕሊ 3,000 ከምዘለዉ ኾይኖም እቶም ዝበዝሑ ብየመን ኣቢሎም ናብ ስዑዲ ዓረቢያ ዶብ ክሰግሩ ዝተትሓዙን ዶብ ከይሰገሩ ኣብ የመን ዝተትሓዙን እዮም፡፡ካብዚኦም ብጣዕሚ ብዙሓት ኣብ ከቢድ ናይ ጥዕናን ስነልቦናን ቅልውላው ዘለዉ እዮም፡፡
ነዞም ዜጋታት ንምምላስ ብዙሕ ስራሕ ክስራሕ ዝግበኦ ዋላ እንተኾነ ብናይ ትግራይ መንግስቲን ፌደራል መንግስቲ ድኽመትን ዘይተገዳስነትን ከምኡ እውን በቲ ሐዚ ዘሎ ዓለማዊ ለበዳ ቫይረስ ኮረና (ኮቪድ 19) ስዑዲ ዓረቢያ በቲ ዝድለ መጠን ዘይምትሕብባራን እዩ፡፡
ይኹን እምበር ብሓገዝ ዓለም ለኻዊ ትካል ስደተኛታት ዝተወሰኑ ዜጋታት ካብ ሊባኖስ ፣ ኩዌትን ስዑዲ ዓረብን ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም ኣለዉ፡፡ እዞም ተመሊሶም ዘለዉ ዜጋታት ምስቶም ኣብኡ ዘለዉ እንትነፃፀር ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ዋላ ይሃልዉ ብቑፅሪ ኣብዚ እቶ ዝበሃሉ ኣይኮኑን፡፡ ቁፅሪ እቶም ናብ ዓዶም ዝተመለሱ ስደተኛታት ኣስታት 1000 እዮም፡፡ ዳርጋ ኩሎም እውን ተጋሩ እዮም፡፡ ሐዚ እውን ኣብተን ሃገራት ዝተረፉ ዜጋታት ኣብ ሓፂር ግዘ ናብ ሃገሮም ተዘይተመሊሶም ከቢድ ህልቂት ክኽተል ይኽእል እዩ፡፡
እቶም ዝተመለሱ ዜጋታት ዘለውሉ ኩነታት
እቶም ብሓገዝ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት (IOM) ናብ ሃገሮም መፂኦም ዘለዉ ዜጋታት ከቢድ ናይ ጥዕናን ስነልቦናን ፀገም ዘለዎም እዮም፡፡ ብጥይት ተወቒዖም ቁስሎም ናብ ጋንግሪን ተለዊጡ እግሮምን ኢዶምን ዝተቖረፁ ፣ ዝተደፈራ ደቂ ኣንስትዮ ፣ ካብ ኣስራሕተንን ካልኦትን ዝጠነሳን ዝወለዳን ሓዊሱ ኩሉ ዓይነት ፀገም ዝተሸከሙ እዮም ዘለዉ፡፡ ሐዚ ዘለውሉ ቦታ ኣብ መወሸቢ ማእኸል ኣ/ኣበባ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኢንስቲትዩት እዩ፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ኣብ ኣ/ኣበባ ዘለኹም ወገናትና ሓገዝ ክግበር ኣብ ዝከኣለሉ ሰዓት ብዝኸኣልኹምዎ ሓገዝ ክትገብሩ እትኽእሉ ምኻንኹም እናሓበርና ንግዚኡ ግን ብኣካል ብምኻድ ምርኣይ ከምዘይከኣል ኣብቲ መወሸቢ ካብ ዘለዉ ሓለፍቲ ፀጥታ ኣረጋጊፅና ኢና ፡፡
እቲ ካሊእ መሰረታዊ ጉዳይ እዞም ስደተኛታት ናብ ዓዶም ምስተመለሱ ከጋጥሞም ዝኽእል ሰፊሕ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ቅልውላው እዩ፡፡ መብዛሕቲኦም ካብ ትካል ፍትሓዊ ልቓሕን ዕቋርን ደደቢትን ካብ ካልኦት ዘይስሩዕ መንገዲን ተለቂሖም ዝኸዱን ክምልሱ ዘይኽእሉን ምኻኖም ጥራሕ ዘይኮነስ ቀዋሚ ኣካላዊን ስነልቦናዊን በሰላ ዝተሸከሙ እውን ስለዘለዉ ናብ ሕ/ሰብ ንምሕዋስ (Integrate ንምግባር) ከም ህዝቢ ሰፊሕ ስራሕ እዩ ዝፅበየና፡፡
እቲ ኻልእ ግዝያዊ ፀገም ድማ እዞም ዜጋታት ካብ ወፃኢ መፂኦም ሐዚ ኣብ ኣ/ኣበባ እዮም ተወሺቦም ዘለዉ፡፡ ድሕሪ ዝተወሰነ ግዘ ነናብ ዓዶም ድማ ክስነዩ እዮም፡፡ ክስነዩ ከለዉ መንግስቲ ትግራይ "መሊሰ ኣብ ዝኣተውሉ ቦታ ክውሽቦም እየ" ኢሉ ኣፍሊጡ ከምዘሎ ኢና ተረዲእና ዘለና፡፡ እዚ ብኣንፃር ድሕንነት ህዝቢና ዋላ ቅቡል እንተኾነ እዞም ዜጋታት ብኽልተ መልክዕ ክተኣናገዱ ይኽእሉ እዮም ኢልና ንኣምን፡፡
1. ምስ ጉዳያት ወፃኢ ፣ ጉዳይ ኢሚግሬሽንን ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታትን ተዘራሪብካ ብቀጥታ ካብቲ ዝተልዓልሉ ዓዲ ብቀጥታ ንመቐለ ክጎዓዙ ምግባር ምተኽኣለ፡፡ኣብዚ ቅድሚ ሐዚ ምስ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ዝነበረና ሓፂር ፃንሒት "ክልላት መወሸቢ የብልናን" ኢለን ከምዝኣበያን ዓቕሚ እውን ከምዘየብለንን ሓቢሮምልና እዮም፡፡
2. እቶም ሐዚ ኣብ ኣ/ኣበባ ተወሺቦም ዘለዉ ጊዜኦም ምስ ወድኡ ወይ ብቀጥታ ናብ ትግራይ እናተመርመሩ ክኸዱ ወኪል መዲብኻ ምክትታል እናተኸኣለ "ንፌደራል መንግስቲ ስለዘይንኣምኖ" ብዝብለ ጥራሕ እዞም ዜጋታት ተወሳኺ ን20 መዓልቲ ብሓፈሻ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ምውሻብ ኣብ ስነልቦናኦም ዘስዕቦ ጉድኣት ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይኮነን፡፡ እቲ ዝኸፍአ ድማ ካብ ወፃኢ ክመፅኡ ከለዉ "መወሸቢን መመርመሪን የብለይን" ተባሂሉ እንተብቅዕ ካብ ኣ/ኣበባ ንዝመፅኡ ግን “ክንውሽቦም ኢና” ማለት እንታይ እዩ ኣመኽንይኡ? እቲ ዓቕሚ ምውሻብ ካበይ ተረኺቡ? ዝብሉ ሕቶታት ዘልዕል እዩ።
ብሓፈሻ እዞም ዜጋታት ብጥዕና ፣ ብስነልቦና ፣ ብቁጠባን ማሕበራዊ ፀገምን ዝተሃሰዩ ስለዝኾነ መንግስቲ ትግራይ ወኪል መዲቡ ክከታተሎምን ኣድላዪ ዘበለ ናይ ስነልቦና ምኽሪን ልቓሕ ስረዛን ገይሩ ናብ ሕ/ሰብ ክሕወሱ ክገብርን ቀፃሊ ሂወቶም ውሑስ ክኾን ብዕቱብ ክሰርሕን ኣለዎ ኢልና ንኣምን፡፡
ብዛዕባ እቶም ዘይተመለሱ ዜጋታት ፣
1. መንግስቲ ፌደራል ነዞም ዜጋታት ምስ ኩሎም ዓለም ለኸ ትካላትን ዘለውለን ሃገራትን ተዘራሪቡ ብቅልጡፍ ፍታሕ ክወሃቦምን ናብ ዓዶም ክምለሱን ክገብር ኣለዎ። ኣብዚ ኣብቲ ሚኒስትሪን ካልኦት ኣብያተ ዕዮ ፌደራልን ከምኡ እዉን ኣብ ዓለምለኸ ትካላት እትሰርሑ ተጋሩን ፈተውቲ ተጋሩን ክትተሓባበሩ ንፅውዕ፡፡
2. መንግስቲ ትግራይ ነዚ ጉዳይ ከም ሓደ ዓብዪ ጉዳይ ወሲዱ ምስ መንግስቲ ፌደራልን ምስቲ ኣብቲ ኸባቢ ዘለዋ ማሕበራትን ተናቢቡ ክሰርሕን፤ እዚ ጉዳይ ፖለቲካዊ ሃልኪ ከይተሓወሶ መሰል ዜጋታት ምኽባርን ናይ ወገናትና ብሂወት ናይ ምንባር ሰብኣዊ መሰል ኣብ ግምት ብምእታዉን ብሓላፊነት ክከታተሎን ኣለዎ፡፡
3. ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዘለኹም ማሕበራትን ተወከልቲ ማሕበራትን እዚ ጉዳይ ልዕሊ ኹሉ ኣጀንዳኹም ሰሪዕኹም ክትሰርሑን ሂወት እዞም ዜጋታት ኣብ ምድሓን ክተተኩሩን ይግባእ፡፡ ካብ ዜጋታት ብሽም ዝተፈላለየ ማሕበራትን ካሊእን ንገንዘባዊ ሓገዝ ጥራሕ ዘይኮነስ ሂወት እዞም ለጋሳት ዜጋታት ንምድሓን እውን ኣእዳውኩም ክትዝርግሑ ነተሓሳስብ፡፡
4. ኩሉ ትግራዋይ ነዞም ዜጋታት ናብ ዓዶም ኣብ ምምላስ ይኹን ምስተመለሱ ኣብ ምጥያሽ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ብዝኸኣሎ ክሳተፍን ክሕግዝን ኣለዎ ኢልና ንኣምን፡፡
ብሓፈሻ ዜጋታትና ዘለውዎ ኣፀጋሚ ኩነታትን ከም ህዝቢ ክንገብሮ ዝግበኣና ነገራትን ነፂርና ሂወት እዞም ኣብ ሓደጋ ዘለዉ ዜጋታትና ክነድሕን ፃውዒትና ነቕርብ፡፡
ሳልሳይ ወያነ ትግራይ
3 ሰነ/2012 ዓ/ም
መቐለ፣ ትግራይ