11/18/2025
ፖሊስ ጀርመን፡ ናይ ኤርትራዊት ምዃኑ ዝተኣመነሉ ዝተቘርጸ ኣእዳው ኣብ ጽርግያ ከም ዝረኽበ ሓቢሩ
ፖሊስ ጀርመን፡ ብሰንበት 16 ሕዳር 2025 ኣብ ጐደና ኣይ-45 ናይ ሓንቲ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ምዃኑ ብዲ ኤን ኤ ዝተረጋገጸ ዝተቖርጸ ኣእዳው ከም ዝረኸበ ምሕባሩ፡ ኣብታ ሃገር እትሕተም ጋዜጣ ቢልድ ዝዘርግሓቶ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።
ብመሰረት ሓበሬታ እታ ጋዜጣ፡ በቲ መንገዲ መኪና ሒዛ ትሓልፍ ዝነበረት ሰበይቲ ዝተቐርጸ ኣኣዳው ኣብቲ ጽርግያ ምስ ረኣየት ንፖሊስ ብምሕባራ፡ ኣባላት ፖሊስ ናብቲ ኣብ መንጎ መስቀላዊ መንገዲ ኦልፐ-ሱድን ፍሮይደንበርግን ዘሎ ቦታ ብቕጽበት ብምብጻሕ፡ ነቲ ዘስካሕክሕ ፍጻመ ኣረጋጊጾሞ።
በቲ ብሰንበት ከባቢ ሰዓት 3፡00 ናይ ለይቲ ዘጋጠመ ፍጻመ ኣዝዮም ዝሰንበዱ ኣባላት ፖሊስ፡ ፎረንሲክ መርመራን ከባብያዊ ተፍትሽን ንምክያድ ነቲ ጽርግያ ክሳዕ ሶኑይ ንግሆ ከም ዝዓጸዉዎ ተገሊጹ።
እቲ ኣእዳው ብኸመይ ኣብቲ ጽርግያ ጸኒሑ ዝተፈልጠ‘ኳ እንተዘየሎ፡ ብሰንኪ ሓደጋ መኪና ዘጓነፈ ክኸውን ከም ዘይክእል ግን እቶም መባእታዊ መርመራ ዘካየዱ ሰብ ሙያ ዝሃቡዎ ሓበሬታ ይገልጽ። ሰበስልጣን ጀርመን ኣብቲ ጉዳይ ሓበሬታ ዘለዎ ሰብ ክሕግዝ ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለዉ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ካብ ኤርትራውያን ስድራቤት ዝተወልደ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ጳውሎስ ዳዊት ኣብ ቤት-ትምህርቲ ውዒሉ ናብ ገዝኡ ኣብ ዝምለሰሉ እዋን ድሕሪ ምስዋሩ፡ ኣብ ከባቢ ዋይልበርግ ኣብ ዝርከብ ፈለግ መይቱ ከም ዝተረኽበ ይዝከር።