ERISAT ERISAT strives to create, produce & distribute outstanding content, through trusted journalism to inform ,inspire and engage.

Eritrean Satellite Television (ERISAT) was founded in 2018 by Eritreans in the diaspora as a not-for-profit (501(c)3) organization registered in the State of California. ERISAT as a media organization aspires to be the PBS or BBC of Eritrea, and as such, it must be fair and balanced. Justice and fairness being the center of its core values, it is a media platform for all Eritreans to share their ideas on how Eritrea can become a nation governed by fair and just laws.

ፖሊስ ጀርመን፡ ናይ ኤርትራዊት ምዃኑ ዝተኣመነሉ ዝተቘርጸ ኣእዳው ኣብ  ጽርግያ ከም ዝረኽበ ሓቢሩፖሊስ ጀርመን፡ ብሰንበት 16 ሕዳር 2025 ኣብ ጐደና ኣይ-45 ናይ ሓንቲ ኤርትራዊት ጓል ...
11/18/2025

ፖሊስ ጀርመን፡ ናይ ኤርትራዊት ምዃኑ ዝተኣመነሉ ዝተቘርጸ ኣእዳው ኣብ ጽርግያ ከም ዝረኽበ ሓቢሩ

ፖሊስ ጀርመን፡ ብሰንበት 16 ሕዳር 2025 ኣብ ጐደና ኣይ-45 ናይ ሓንቲ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ምዃኑ ብዲ ኤን ኤ ዝተረጋገጸ ዝተቖርጸ ኣእዳው ከም ዝረኸበ ምሕባሩ፡ ኣብታ ሃገር እትሕተም ጋዜጣ ቢልድ ዝዘርግሓቶ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

ብመሰረት ሓበሬታ እታ ጋዜጣ፡ በቲ መንገዲ መኪና ሒዛ ትሓልፍ ዝነበረት ሰበይቲ ዝተቐርጸ ኣኣዳው ኣብቲ ጽርግያ ምስ ረኣየት ንፖሊስ ብምሕባራ፡ ኣባላት ፖሊስ ናብቲ ኣብ መንጎ መስቀላዊ መንገዲ ኦልፐ-ሱድን ፍሮይደንበርግን ዘሎ ቦታ ብቕጽበት ብምብጻሕ፡ ነቲ ዘስካሕክሕ ፍጻመ ኣረጋጊጾሞ።

በቲ ብሰንበት ከባቢ ሰዓት 3፡00 ናይ ለይቲ ዘጋጠመ ፍጻመ ኣዝዮም ዝሰንበዱ ኣባላት ፖሊስ፡ ፎረንሲክ መርመራን ከባብያዊ ተፍትሽን ንምክያድ ነቲ ጽርግያ ክሳዕ ሶኑይ ንግሆ ከም ዝዓጸዉዎ ተገሊጹ።

እቲ ኣእዳው ብኸመይ ኣብቲ ጽርግያ ጸኒሑ ዝተፈልጠ‘ኳ እንተዘየሎ፡ ብሰንኪ ሓደጋ መኪና ዘጓነፈ ክኸውን ከም ዘይክእል ግን እቶም መባእታዊ መርመራ ዘካየዱ ሰብ ሙያ ዝሃቡዎ ሓበሬታ ይገልጽ። ሰበስልጣን ጀርመን ኣብቲ ጉዳይ ሓበሬታ ዘለዎ ሰብ ክሕግዝ ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለዉ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ካብ ኤርትራውያን ስድራቤት ዝተወልደ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ጳውሎስ ዳዊት ኣብ ቤት-ትምህርቲ ውዒሉ ናብ ገዝኡ ኣብ ዝምለሰሉ እዋን ድሕሪ ምስዋሩ፡ ኣብ ከባቢ ዋይልበርግ ኣብ ዝርከብ ፈለግ መይቱ ከም ዝተረኽበ ይዝከር።

ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ኣንጎላ፡ ናሚብያን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ንዝመጹ ዜጋታት ቪዛ ክትድርት ምዃና ኣጠንቂቓመንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሃገራት ኣንጎላ፡ ናሚብያን ደሞክራስያዊት ሪፓብሊ...
11/18/2025

ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ኣንጎላ፡ ናሚብያን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ንዝመጹ ዜጋታት ቪዛ ክትድርት ምዃና ኣጠንቂቓ

መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሃገራት ኣንጎላ፡ ናሚብያን ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ ብሪጣንያ ዝጸንሑ ዜጋታተን ክስጐጉ እንከለዉ ኣብ ምቕባል ዘለወን ምትሕብባር እንተዘይኣመሓይሸን፡ ኩሉ ናይ በጻሕትን ቪኣይፒን ቪዛታት ክቋረጽ ምዃኑ ከም ዘጠንቀቐ ዶቸ ቬለ ኣፍሪካ ሓቢሩ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሻባና ማሕሙድ፡ ሰለስቲአን ሃገራት እገዳ ቪዛ ንከየጋጥመን ነቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ ብሪጣንያ ዝጸንሑ ዜጋታተን ንክቕበላ ናይ ሓደ ወርሒ ዕድል ተዋሂቡወን ከም ዘሎ ኣፍሊጣ። እታ ሚኒስተር፡ ምትሕብባር ናብ ዘየርእያ ካልኦት ልዑል ቁጽሪ ዝተነጽጉ ሓተትቲ ዑቕባ ዘለወን ሃገራት ተመሳሳሊ ስጉምትታት ክዝርጋሕ ከምዝኽእል’ውን ወሲኻ ገሊጻ።

መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ኣሽሓት ዜጋታት ኣንጎላ፡ ናሚብያን ኮንጎን ድሕሪ ምፍሻል ሕቶ ዑቕባ፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ’ታ ሃገር ከም ዝርከቡ እዩ ዝገልጽ። ንብረት ዘለዎም ሓተትቲ ዑቕባ ከኣ ንመሕደሪኦም ዝሽፍን ወጻኢታት ባዕሎም ክኸፍሉ ይጠልብ።

ኣብዚ ዓመት ክሳብ ሕጂ ኣስታት 40 ሽሕ ሰባት ብንኣሽቱ ጀላቡ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ከም ዝሰገሩ ጸብጻባት ይሕብሩ፤ እዚ ድማ ካብ ናይ 2024 ዝዛየደ ምዃኑ ይግለጽ። እዚ ዘበገሶ ከኣ፡ መንግስቲ ምቁጽጻር ዶባት ከጽንዕን ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ክሰጉግን ይግደድ ከም ዘሎ ተንተንቲ ይሕብሩ።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ባንግላድሽ ነበር ሸኽ ሓሲና፡ ንሞት ተፈሪዳቀዳመይቲ ሚኒስተር ባንግላድሽ ነበር ሸኽ ሓሲና፡ ብገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ተኸሲሳ ገበነኛ ኰይና ብምርካባ ንሞት ከም ዝተፈረደ...
11/18/2025

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ባንግላድሽ ነበር ሸኽ ሓሲና፡ ንሞት ተፈሪዳ

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ባንግላድሽ ነበር ሸኽ ሓሲና፡ ብገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ተኸሲሳ ገበነኛ ኰይና ብምርካባ ንሞት ከም ዝተፈረደት፡ ኣህጉራውያን ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብምዃን ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝነበረት ሸኽ ሓሲና፡ ኣብ 2024 ኣንጻር መንግስቲ ኣብ ዝተኻየደ ብተማሃሮ ዝምራሕ ተቓውሞ፡ ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ተኹሲ ብምኽፋቶም 1400 ሰባት ከምዝሞቱን ኣሽሓት ከምዝቖሰሉን ውጽኢት መርመራ ውድብ ሕቡራት ሃገራት የረጋግጽ።

ሸኽ ሓሲና፡ ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣና ድሕሪ ምእላያ ድማ፡ ኣብ ነሓሰ 2024 ናብ ህንዲ ከም ዝሃደመት ይዝከር። ፍሉይ ቤት ፍርዲ ባንግላደሽ ድማ ንሳ ኣብ ዘየላትሉ፡ ትማሊ 17 ሕዳር ብሞት ክትቅጻዕ ፈሪዱዋ ኣሎ። እቲ ውሳኔ፡ ነታ ዛጊት ኣሕሊፋ ክትህባ ፍቓደኛ ዘይኮነት ህንዲ ጸቕጢ ዝፈጥር ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ።

ባንግላድሽ፡ ቅድሚ እቲ ፍርዲ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ብ30 ፍንጀራ ቦምባታትን ዓሰርተታት መጥቃዕቲ ባርዕ ሓዊን ከምዝተናወጸት ይፍለጥ። እዚ ከኣ፡ እታ ሃገር ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ወርሒ ለካቲት ባይቶኣዊ ምርጫ ከተካይድ ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን እዩ።

ኣብ ክልል ደቡብ፡ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ለበዳዊ ሕማም ቫይረስ ማርቡርግ ሽዱሽተ ሰባት ሞይቶምኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ለበዳዊ ሕማም ቫይረስ ማርቡርግ 6 ሰባት ክሞቱ ከለዉ፡ 129 ድ...
11/18/2025

ኣብ ክልል ደቡብ፡ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ለበዳዊ ሕማም ቫይረስ ማርቡርግ ሽዱሽተ ሰባት ሞይቶም

ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ለበዳዊ ሕማም ቫይረስ ማርቡርግ 6 ሰባት ክሞቱ ከለዉ፡ 129 ድማ ኣብ ትሕቲ ክትትል ከም ዝርከቡ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ውጽኢት መርመራ ላቦራቶሪ፡ 17 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ዝተረጋገጸ ኰይኑ፡ 3 ሞት ከምዝተመዝገበን፡ ምልክታት እቲ ሕማም ኣብ ዘርኣዩ ግን ከኣ ዘይተመርመሩ ሰለስተ ውልቀሰባት 'ውን ተወሳኺ ሞት ከምዘጋጠመን ተገሊጹ። ሰብመዚ፡ ካልኦት 129 ምስቶም በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ርክብ ዝነበሮም ሰባት ብምልላይ፡ ኩሎም ተነጺሎም ኣብ ትሕቲ ጥቡቕ ክትትል ክጸንሑ ከም ዝተገበሩ ይሕብሩ።

ኣብ ጂንካ ልዑል ናይ ምምርማር ዓቕሚ ዘለዎ ተንቀሳቓሲ ላቦራቶሪ ከምዝተዋፈረን፡ ቅልጡፍ ምላሽ ዝህቡ ጉጅለታት ድማ ኣብ ዝተጎድኡ ከባቢታት ይንቀሳቐሱ ከምዘለዉን ዝሓበረት ዶክተር መቕደስ፡ መንግስቲ ማእከላት ህጹጽ ረድኤት ብምጥንኻርን ናውቲ ሕክምና ክባጻሕ ብምግባርን ኣብ ወሰንቲ ቦታታትን ማእከላት መጓዓዝያን መርመራታት የካዪድ ከም ዘሎ ኣብሪሃ።

"እቲ ለበዳ ንምቁጽጻርን ሕብረተሰብ ኣድላዪ ክትትል ንኽገብርን ኣበርቲዕና ንሰርሕ ኣለና” ዝበለት እታ ሚኒስተር፡ ሰባት ምልክታት ሓያል ሰዓል፡ ከቢድ ሕማም ርእሲ፡ ቃንዛ ከብዲ፡ ተምላስ፡ ወይ ምፍሳስ ደም ክስምዖ ከሎ ብቕልጡፍ ናብ ትካል ጥዕና ክኸዱ ወይ ድማ ናብ ናጻ መስመራት ስልኪ 8335 ወይ 952 ክድውሉ ተማሕጺና።

በረኸት መንግስትኣብ፡ ካብ ንእሽቶ ዓዲ ወጺኡ ዝነገሰ 'ዑፍ በራሪት ደው ኢላ እትሰምዖ' በሃር ሃርሃሪ
11/18/2025

በረኸት መንግስትኣብ፡ ካብ ንእሽቶ ዓዲ ወጺኡ ዝነገሰ 'ዑፍ በራሪት ደው ኢላ እትሰምዖ' በሃር ሃርሃሪ

Enjoy the videos and music you love, upload original content, and share it all with friends, family, and the world on YouTube.

መንግስቲ ካናዳ፡ ዜጋታቱ ናብ ኢትዮጵያ ከይገሹ መጠንቀቕታ ጉዕዞ ኣውጺኡ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ካናዳ ኣብ ዘውጽኦ መጠንቀቕታ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት፡ ዓመጽ፡ ዕጥቃዊ ግጭትን ገ...
11/17/2025

መንግስቲ ካናዳ፡ ዜጋታቱ ናብ ኢትዮጵያ ከይገሹ መጠንቀቕታ ጉዕዞ ኣውጺኡ

ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ካናዳ ኣብ ዘውጽኦ መጠንቀቕታ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት፡ ዓመጽ፡ ዕጥቃዊ ግጭትን ገበንን ብምጥቃስ፡ ኣዚዩ ኣገዳሲ እንተዘይኮይኑ ናብ ኢትዮጵያ ዝግበር መገሻታት ደው ክብል ኣጠንቂቑ።

እቲ መጠንቀቕታ ንከተማ ኣዲስ ኣበባ ከም ዘይምልከት ዝገለጸ ኮይኑ፡ እንተኾነ ኣብ ኣዲስ አበባ እውን ኩነታት ጸጥታ ሃንደበት ክሓምቕ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ልዑል መጠን ገበን ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ መንግስቲ፡ ኣብ ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ዕጥቃዊ ግጭት ናብታ ከተማ ክዝርጋሕ ከምዝኽእልን እውን ኣሚቱ ኣሎ።

ብመሰረት እቲ መጠንቀቕታ ዜጋታት ካናዳ፡ ናብ ክልላት ኣምሓራ፡ ትግራይን ቤንሻንጉል ጉሙዝን ፈጺሞም ክገሹ ከምዘይብሎም ብምግላጽ፡ ካናዳውያን ናብ ክልላት ጋምቤላን ሲዳማን ከምኡ’ውን ኣብ ኦሮሚያ ናብ ዞባታት ሰሜን ሸዋ፡ ምዕራብ ሸዋ፡ ምዕራብ ወለጋ፡ ምብራቕ ወለጋ፡ ቀለም ወለጋን ሆሮ ጉድሩ ወለጋን ክገሹ ከምዘይብሎም’ውን ኣፍሊጡ ኣሎ።

እቲ መጠንቀቕታ ወሲኹ፡ ካናዳውያን ካብ ዶብ ኤርትራ 10 ኪሎ ሜተር፡ ካብ ዶብ ሶማል 30 ኪሎ ሜተር፡ ካብ ዶብ ኬንያ 20 ኪሎ ሜተር፡ ካብ ዶብ ሱዳን 20 ኪሎ ሜተር ክጓዓዙ ከምዘይብሎም ገሊጹ።

ምስ ኩነታት ጸጥታ ተተሓሒዙ ነዚ መጠንቀቕታታት ከም ዝሃበ ዝገለጸ እቲ ሚኒስትሪ፡ ሕጂ ድማ ካልእ ምስ ጥዕና ዝተኣሳሰር ጸገም ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ኣብ ከተማ ጂንካ ተራእዩ ዘሎ ቫይረስ ማልበርግ፡ ነቲ ኩነታት ኣጋዲድዎ ከምዘሎ ብምግላጽ ናብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ከይጎዓዙ ብፍሉይ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

11/17/2025

Enjoy the videos and music you love, upload original content, and share it all with friends, family, and the world on YouTube.

ታላቁ የጥበብ ሰው በረከት መንግስተኣብ ስርዓተ ቀብሩ ተፈጸመ
11/17/2025

ታላቁ የጥበብ ሰው በረከት መንግስተኣብ ስርዓተ ቀብሩ ተፈጸመ

#በረከት #መንግስተኣብ #𝐒𝐄𝐂𝐎𝐍𝐃 𝐂𝐇𝐀𝐍𝐍𝐄𝐋 : 𝐒𝐔𝐁𝐒𝐂𝐑𝐈𝐁𝐄https://www.youtube.com/channel/UCZjY4SY4wDEVOVTwwZfBScw...

11/16/2025

ቀጥታ፡ፈነወ ዓውደ ዘተ ኣብ ጉዳይ ሕንጸት ሃገር፡ኣብ ጉጅለ ማንዛ፡ ብ ኤርትራዊ ኣዳራሽ ዘተ(Eritrean house of Dialogue)

ስነ-ስርዓት ቀብሪ በሃር ስነ-ጥበበኛ በረኸት መንግስተኣብ
11/16/2025

ስነ-ስርዓት ቀብሪ በሃር ስነ-ጥበበኛ በረኸት መንግስተኣብ

ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ፡ ስደተኛታት ዝጸዓና ክልተ ጀላቡ ተገልቢጠንኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ፡ ኣልኩሙስ ኣብ ዝተባህለ ቦታ፡ ስደተኛታት ዝጸዓና ክልተ ጀላቡ ብምግልባጠን፡ ብውሕዱ ኣርባዕተ ሰ...
11/16/2025

ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ፡ ስደተኛታት ዝጸዓና ክልተ ጀላቡ ተገልቢጠን

ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ፡ ኣልኩሙስ ኣብ ዝተባህለ ቦታ፡ ስደተኛታት ዝጸዓና ክልተ ጀላቡ ብምግልባጠን፡ ብውሕዱ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝሞቱ ንቀይሕ ወርሒ ሊብያ ብምጥቃስ ኣልጀዚራ ሎሚ 16 ሕዳር ሓቢሩ።

ትካል ቀይሕ ወርሒ፡ እታ ቀዳመይቲ ጃልባ፡ ካብ ባንግላድሽ ዝመጹ 26 ሰባት ጽዒና ከምዝነበረትን ካብዚኣቶም እቶም ኣርባዕተ ከምዝሞቱን ሓቢሩ።

እታ ካልአይቲ ጃልባ፡ ክልተ ግብጻውያንን ብዓሰርተታት ዝቚጸሩ ሱዳናውያንን ዝርከብዎም 69 ሰባት ጽዒና ምንባራ እቲ ትካል ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኣብ ከመይ ኩነታት ከምዘለው ከይገለጸ፡ 8 ካብኣቶም ህጻናት ምንባሮም ኣፍሊጡ ኣሎ።

ሰራዊት ሱዳን፡ ኣብ ሰሜን ጎርዶፋን ክልተ ወሰንቲ ዓድታት ዳግማይ ተቘጻጺሩብዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሓይሊ መንግስቲ ሱዳን ብ ክፍለ ሃገር ሰሜን ጎርዶፋን  ነቲ ብሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ...
11/16/2025

ሰራዊት ሱዳን፡ ኣብ ሰሜን ጎርዶፋን ክልተ ወሰንቲ ዓድታት ዳግማይ ተቘጻጺሩ

ብዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሓይሊ መንግስቲ ሱዳን ብ ክፍለ ሃገር ሰሜን ጎርዶፋን ነቲ ብሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ ብምስዓር፡ ካዝቂልን ኡም-ዳም-ሓጅ-ኣመድን ዝበሃላ ክልተ ወሰንቲ ዓድታት ከምዝተቖጻጸረ፡ ኣልጀዚራ ኣብ ናይ ትማሊ 15 ሕዳር ዜናኡ ሓቢሩ።

ካዝቂልን ኡም-ዳም-ሓጅ-ኣሕመድን፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዝነበረ ውጉእ ናብ ትሕቲ ቊጽጽር ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ ዝኣተዋ ኰይነን፡ ነዘን ኣገደስቲ ቦታታት ንምምላስ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ሓያል ግብረ-መልሲ ካብ ወገን ሓይልታት ዳዕመልሰሪዕ ክረአ ትጽቢት ዝግበረሉ ኰይኑ ኣሎ።

Address

California City, CA

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ERISAT posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to ERISAT:

Share