ERISAT-Eritrean Satellite Television

ERISAT-Eritrean Satellite Television ERISAT strives to create, produce & distribute outstanding content, through trusted journalism to inform ,inspire and engage.

Eritrean Satellite Television (ERISAT) was founded in 2018 by Eritreans in the diaspora as a not-for-profit (501(c)3) organization registered in the State of California. ERISAT as a media organization aspires to be the PBS or BBC of Eritrea, and as such, it must be fair and balanced. Justice and fairness being the center of its core values, it is a media platform for all Eritreans to share their ideas on how Eritrea can become a nation governed by fair and just laws.

 #  ህልው ኲነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ከመይ ይመስል፧ #ኣብ ኢትዮጵያ ዝግበር ግፋን ማእሰርትን ንምንታይ መግትኢ ዘይግበሮ፧ # # # እዝን ካልእን ዝድህስስ ቃለ መጠይቕ እንሆ ተኸታተ...
10/05/2026

# ህልው ኲነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ከመይ ይመስል፧

#ኣብ ኢትዮጵያ ዝግበር ግፋን ማእሰርትን ንምንታይ መግትኢ ዘይግበሮ፧

# # # እዝን ካልእን ዝድህስስ ቃለ መጠይቕ እንሆ ተኸታተልዎ ኢኹም።

ኤሪሳት ካብ ጥቅምቲ 2018 ጀሚራ፡ ናብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ማእከላይ ምብራቕን ምብራቕ ኣፍሪቃን ኣብ መዓልቲ...

መግለጺ ዓለምለኸ ብርጌድ ንሓመዱ፡ ጥርናፈ 13 ሃገራት04 ጥቅምቲ 2026
10/04/2026

መግለጺ ዓለምለኸ ብርጌድ ንሓመዱ፡ ጥርናፈ 13 ሃገራት

04 ጥቅምቲ 2026

ላዕለዎት ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ኣመሪካ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግማይ ዝተወለዐ ኲናት ብህጹጽ ደው ክብል ጸዊዖም ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ዝርከቡ ላዕለዎት ወከልቲ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ...
10/04/2026

ላዕለዎት ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ኣመሪካ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግማይ ዝተወለዐ ኲናት ብህጹጽ ደው ክብል ጸዊዖም

ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ዝርከቡ ላዕለዎት ወከልቲ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ሓድሽ ወተሃደራዊ ግጭት ዘለዎም ዓሚዩቕ ስግኣት ገሊጾም።

ኣባላት ጕጅለ ዕማም ፖሊሲ ኣመሪካ-ኣፍሪቃ ዝዀኑ ኣባላት ኮንግረስ፡ ኢልሃን ዑመር ፣ጆን ጋራመንዲን ጂም ማክጎቨርንን፡ ብዕለት 1 ጥቅምቲ 2026 ብሓባር ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግማይ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ብህጹጽ ደው ክብል ጸዊዖም።

እቶም ወከልቲ ህዝቢ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘመላልሳ ዝነበራ መካይን ዝተፈጸመ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ብትሪ ኰኒኖምዎ ኣለዉ።

እዚ ድማ ነቲ ኣብ 2022 ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ዝጣሓሰ ምዃኑ ገሊጾም።

እቲ ግጭት ንመላእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዓብዪ ሓደጋ ከም ዘውድቖ ዘጠንቀቑ እቶም ኣባላት ኮንግረስ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ምስ ኵሎም ሸነኻት ብምትሕብባር ነቲ ዓመጽ ደው ንምባልን ተሓታትነት ንምስፋንን ብህጹጽ ክሰርሕ ጸዊዖም።

እዋናዊ ኩነታት እቲ ዞባ ምስቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ተፈጢሩ ዘሎ ምዕጻው ኤምባሲታትን ምስሕሓብን ተደሚሩ፡ ንብዙሓት ኣህጉራውያን ተዓዘብቲ ዘሻቅል ኮይኑ ኣሎ።

10/04/2026

ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ይሳተፍ ከም ዘሎ ተገሊጹ

ላዕለዋይ በዓል ስልጣን መንግስቲ ፌደራል ዶ/ር ኣብርሃም በላይ፡ ምስ ቴሌቪዥን ኢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት፡ ሰራዊት ኤርትራ ምስ ምሉእ ዕጥቁን ወተሃደራዊ ቀረቡን፡ ኣብቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ቅድሚት ግንባር ብቐጥታ ከም ዝተሳተፈ ገሊጹ።

ዶ/ር ኣብርሃም በላይ ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ሰራዊት ብቐጥታ ብምስታፉ ምኽንያት ብዙሓት ኣባላቱ ከም ዝተቐትሉ፣ ዝተማረኹ ከም ዘለዉን ወተሃደራዊ ኣጽዋሮም ከም ተታሕዘን ኣፍሊጡ ኣሎ።

ምስዚ ብምትእስሳር፡ ናብ ልዑላዊ መሬት ካልእ ሃገር ብምእታው ዝግበር ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ብቐሊሉ ዝውጻእ ከምዘይኮነ ብምሕባር፡ ኤርትራ ነዚ ተግባራ ድርብ ዋጋ ክትከፍለሉ እያ ክብል ኣጠንቂቑ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ መንግስቲ ኤርትራ ብወገን ኢትዮጵያ ንዝቐርበሉ ዘሎ ክሲታት ውሽጣዊ ጸገማት ኢትዮጵያ ንምሽፋን ዝተማህዘ ጸለመ ብምባል ክነጽጎ ምጽንሑ ዝፍለጥ'ዩ።

ዶ/ር ኣብራሃም በላይ፡ ምስ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ጽቡቕ ኲነታት ከም ዘየለ ክግለጽ እኳ ተጸንሐ ኩነታት ትግራይ ንቕድሚት ክወጽእ ገይርዎ ከም ዘሎ ገለ ገለ ተንተንትን ላዕሎዎት ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ይገልጹ።

ኣመሪካ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ወጥሪ ብህጹጽ ክሃድእ ጸዊዓሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ዶባዊ ውጥሪ ንምልእቲ ዞባ ቀርኒ ኣ...
10/04/2026

ኣመሪካ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ወጥሪ ብህጹጽ ክሃድእ ጸዊዓ

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ዶባዊ ውጥሪ ንምልእቲ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከእቱ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቓ።

ኣብቲ ዝወጸ ወግዓዊ መግለጺ፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተወሳኺ ወተሃደራዊ ግጭትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ክጻወር ከም ዘይኽእል ተሓቢሩ ኣሎ።

እዚ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ፡ ነቲ ኣመሪካ ምስ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ሓባራዊ ረብሓታት እተካይዶ ዘላ ምትሕብባር ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑ እቲ መግለጺ የነጽር።

ብተወሳኺ፡ ኣመሪካ ንኢትዮጵያን ኤርትራን ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ጎረባብተን ከኽብራ ጽኑዕ ምሕጽንታ ኣቕሪባ ኣላ።

ክልቲኤን ሃገራት ካብዚ ተግባራት ብምቁጣብ፡ ኣብቲ እማመ ስምምዕ ሰላም 2018 መሰረት ገይረን ብህጹጽ ናብ መድረኽ ዘተን ምትሕብባርን ክምለሳ'ውን ጸዊዓ ኣላ።

ኣብ መወዳእታ ኣመሪካ፡ ናብ ቀጻሊ ውሕስነት፣ ቁጠባዊ ዕብየትን ብልጽግናን ዘብጽሕ እንኮ መገዲ ብመገዲ ዘተ ዝመጽእ ሰላም ጥራይ እዩ ብምባል መግለጺኣ ዛዚማ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ፡ ናብ ሪያድ ከምርሕ'ዩ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ሃካን ፊዳን፡ ጽባሕ ሰኑይ፡ ኣብ ሪያድ ኣብ ዝካየድ ኣገዳሲ ዋዕላ ንምስታፍ ናብ ስዑዲ ዓረብ ከምዝጉዓዝ ተ...
10/04/2026

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ፡ ናብ ሪያድ ከምርሕ'ዩ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ሃካን ፊዳን፡ ጽባሕ ሰኑይ፡ ኣብ ሪያድ ኣብ ዝካየድ ኣገዳሲ ዋዕላ ንምስታፍ ናብ ስዑዲ ዓረብ ከምዝጉዓዝ ተሓቢሩ።

እዚ ኣኼባ፡ እተን ዓበይቲ ሃገራት እስልምና ማለት እውን ቱርኪ፥ ስዑዲ ዓረብን ፓኪስታንን ኣብ መንጎአን ዝመስረተኦ "ስምምዕ ሓባራዊ ምክልኻል-መካ" ትካላዊ መልክዕ ሒዙ ንምስጓም ዝዓለመ ምዃኑ ሎሚ 04 ጥቅምቲ ዝተዘርገሐ ጸብጻብ ማዕከን ዜና ኣናዶሉ የመልክት።

ሚኒስተር ሃካን ፊዳን፡ ምስ ሚኒስተር ምክልኻል ሃገር ያሻር ጉለርን ሓለቃ ስታፍ ሰራዊት ጀነራል ሰልቹክ ባይራክታሮግሉን ብሓባር ክጓዓዝ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ቀንዲ ዕላማ እዚ ህጹጽ ኣኼባ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ብዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲታት ሚሳይልን ድሮንን፡ ቱርኪ ምስ ስዑዲ ዘለዋ ጽኑዕ ደገፍ ንምርግጋጽ'ዩ።

ሃካን ፊዳን፡ ኣብ ልዕሊ ቅዱሳት ቦታታት ዝግበር ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ፈጺሙ ተቐባልነት ከም ዘይብሉ ዘለዎ መርገጺ ከስምረሉ'ዩ።

እቲ ምስ ናይ ኔቶ ዓንቀጽ 5 ዝመሳሰል ሓያል ውዕል ዘለዎ ስምምዕ መካ፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ሃገር ዝፍጸም) መጥቃዕቲ ከም መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሰለስቲአን ሃገራት ጌሩ ዝወስድ'ዩ።

ኣብዚ ኣብ ሪያድ ዝካየድ ኣኼባ ድማ፡ ቀዋሚ ቤት ጽሕፈት ሴክሬታርያት ኣብ ስዑዲ ዓረብ ንምምስራትን፡ ጡረተኛ ጀነራል ፓኪስታን ናውማን ማሕሙድ ቀዳማይ ዋና ጸሓፊ ጌርካ ንምሻምን ክዝተየሉ'ዩ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ንምስፋንን መስመራት ኣህጉራዊ ንግዲ ንምሕላውን ኣብ ዝግበሩ ዘተታት ቱርኪ ንእስራኤል እትነቕፈሉ ሓሳባት'ውን ከም እተቕርብ ትጽቢት ይግበር።

Address

California City, CA

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ERISAT-Eritrean Satellite Television posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to ERISAT-Eritrean Satellite Television:

Shortcuts

Share