12/27/2025
#ኣልቡምትታኣረም
እዚ ስራሕ እዚ ብፍቕርን ብሓያል ሓሳብን እዩ ተፈጢሩ-ብዓቢ ባጀት ኣይኮነን።
እቲ ንነዊሕ እዋን ዝኸበደና ሞያና ኣብ ምክባር ድፍረት ዘስኣነና ኣብዚ እዩ ዝውዳእ። ሎሚ፡ ነቲ ትርጉም ዘለዎ ስራሕ ባጀት ይሓትት እዩ ዝብል እምነት ተፈታቲናዮ ኣለና። ብኒሕን ዕላማን ጥራይ ተመሪሕና ዋላ ሓንቲ ከም ዘይብልና እንዳሓሳብና ገለ ክንፈጥር ሓሳብ ኣቅሪብና ኮነ ድማ ኩሉ ሞያዊ ተቀበለና ።
ኣብዛ ኣልቡም ልዕሊ 100 ሰባት ኣበርክቶ ገይሮም፡ ኩሉ ዝከኣሎ ድማ ብናጻ ተዋሂቡ። ዝኾነ ሰብ ኣይተኸፈለን፤ ኩሉ ነገር ንዕብየትን ምዕባለን ስነ-ጥበብ ሃገርና ንምድጋፍ ብልቡ ነጺሁ ኣበርክቶ ገበረ።
ንጹህ ልቢ ንጹህ ስራሕ ከም ዝፈጥር ንኣምን። እዚ ንእሽቶ ፕሮጀክት ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ግናኸ ብገንዘብ ዘይኰነስ ብፍቕሪ እዩ እተሰርሐ—ክግበር ከም ዚኽእል ድማ የረጋግጽ።
"ዓቢ ስራሕ ኣብ ዓበይቲ ሓሳባት እምበር ኣብ ዓቢ ገንዘብ ኣይህነጽን። ዓቢ ሓሳብ ዓቢ ስራሕ ይፈጥር፡ ዓቢ ስራሕ ድማ ኣብ መወዳእታ ዓቢ ዋጋ ይፈጥር።"
ኩሉ ሰብ ምሳና ደው ኢሉ ንቐጻሊ ወለዶ ስነጥበባውያን-ብፍላይ ሄኖክ ኣይሙት ብምድጋፍ ነዛ ኣልቡም ዕዉት ክትከውን ክትሕግዝ ንዕድም።
ናብ ስነጥበባውያን ሃገርና: እዚ ቃልሲ ብዕምቆት ትርድእዎ ኢኹም:: ናይ ገዛእ ርእስና ተውህቦ እንተዘይደጊፍናን እንተዘይተማቒልናን መን’ዩ ከክብረና? ሓድነትና ነዚ ስራሕ’ዚ ንካፈል፡ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ሄኖክ ኣይሙት ብሓሳባትና ነበርኮ።
እዚ ስራሕ እዚ . . . ብምትሕብባር
#ሰዶ ኢንተርተይመንት
ብብዙሓት ትካላይ ዝተፈጸመ ስራሕ እዩ።
ዝተበገሰ ኮይኑ፡ ኣብ ኣለዳ ሚድያ ድማ ተዘርጊሑ ኣሎ።
Hello Everyone Welcome To Aleda media👍ሰላም ተከታተልቲ መደባትና ✋ኣለዳ ሜድያ ፡ ኣብዚ ቻነል ዝተፈላለየ ትሕዝቶ ዘለዎ ኣዛናዪን ኣላላይን መደባት ብተከታታሊ ከነቅርበኩም ኢና ። ክትድግፉና ኣብ .....