Zara Media Network- ዛራ

  • Home
  • Zara Media Network- ዛራ

Zara Media Network- ዛራ Current affairs, news, political and social analysis, on Ethiopia, Tigray, Eritrea and the horn as well as the Diaspora.

06/05/2025

ታሪኻዊ መልእኽቲ ስውእ ተጋዳላይ ኣባይ ፀሃዬ

04/05/2025

የቡርኪናፋሶው ፕሬዚዳንት ሻምበል ኢብራሂም ትራውሬ የአብይ አህመድን ገመና በአደባባይ ላይ አሰጣው።
Share, follow and like our page.

ካብ ዓሲምባ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ(ዓዴፓ) ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂዓሲንባ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ መሰረቱ ህዝቢ ትግራይ ገይሩ ናይ ህዝብና ፖለቲካዊ ማሕበራዊን ቁጠባውን ጸገማት ንምቕራፍ እናተቓለሰ ...
02/05/2025

ካብ ዓሲምባ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ(ዓዴፓ) ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ

ዓሲንባ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ መሰረቱ ህዝቢ ትግራይ ገይሩ ናይ ህዝብና ፖለቲካዊ ማሕበራዊን ቁጠባውን ጸገማት ንምቕራፍ እናተቓለሰ ዘመፀ ፖለቲካዊ ውድብ እዩ።
‎ ድሕሪ ፅንተታዊ ወራር 'ውን ንውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ሸኻል መራኸቢ መንግስቲ ፌደራልን ክልልናን ምዃኑ ኣሚኑ ህዝብና ዓድናን ሰላሙ ከውሕስ ካብ ዝበፀሖ ኩለመዳያዊ ስምብራት ኵናት ክድሕን ዝኸኣሎ ኩሉ እናፈፀመ መጺኡ እዩ።
‎ ብመሰረት ዝተፈጸመ ስምምዕ ውዕል ፕሪቶርያ ክፍፁም ብዘይምኽኣሉ እቲ ንቓለስሉ ኢና ንብሎ ብሚሊዮን ዝቑፀር ህዝብና ኣርባዕተ ሓጋይ ክረምትን ኣብ ፀሓይን ዝናብን ኣሕሊፉ ብሕማም ን ጥምየትን ሕ ዚ'ውን እናፀነተ ይርከብ።
ሎሚ ዘበን ከረምቲ ኣብ ኬንዳ ኮይኑ እንተሕሊፉዎ ንዝኸፍአ ሓደጋ ከምዝቃላዕ እሙን እዩ።
‎ ውድብና ዓሲምባ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ድማ ውዕል ፕሪቶርያ ናይ ምፍፃም ዕድሉ ዝመነመን ምዃኑ ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ተገንዚቡ ካልእ ኣማራፂ ምንዳይ ይሐይሽ ዝብል እምነት ሒዙ ኣሎ።
ካብዚ ብምብጋስ ዓበይቲ ዓድን ፅዕንቶ ፈጠርትን ውልቀ ሰባት ብምትሕብባር ምስ ዝምልከቶም ኣካላትን ትካላትን ብምልዛብ ተመዛበልቲ ወገናትና ናብ መረበቶም ምስ ሙሉእ ናይ ፀጥታን ምሕደራ ኣካላቱን ክምለሱ ኣበርቲዑ ክሰርሐ ወሲኑ ኣሎ።
‎ ብመሰረት እዚ
‎ 1. መንግስቲ ኤርትራ ንዝምድናታት ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ተገዲሱ ብምኽንያት ዝነበረ ኵናት ዝተመዛበለ ህዝብና ናብቲ ቕድሚ ውግእ 2013 ዓ/ም ዝነበሮ ቦታ ምስ ሙሉእ ምሕደርኡ ክምለስን ቐፀሊቲ ኩለመዳያዊ ርክባት ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ክጠናኸር ሰናይ ፍቓዱ ኸኸውንን እዚ ንምፅናዕ ኣበርቲዑ ክስርሕን ውድብና ዓሲንባ ዴሞክራስያዊ ፓርቲ ይፅውዕ ።
‎ 2 ) መንግስትን ህዝብን ክልል ኣምሓራ ካብ ኵናት ዝርከበ መኽሰብ ዘየለ ምዃኑ ተገንዚቦም ንሰናይ ዝምድናታት ህዝቢ ኣምሓራን ትግራይን ፍሉይ ጠመተ ሂቦም ብምኽንያት ኵናት 2013 ዓ/ም ሒዝምዎም ካብ ዘለዉ ብሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ዝፍለጡ ግዝኣታት ትግራይ ብሰናይ ፍቓዶም ክለቁን ፃውዒት ነቕርብ ::
‎ ዓሲምባ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ (ዓዴፓ)
‎ ማያዝያ 24/ 2017 ዓ/ም
‎ መቐለ

እዋናዊ ጉዳይ ኣመልኪቱ ካብ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተወሃበ መግለፂ፦ከም ዝፍለጥ  ከም ህዝቢ ናይ ህልውና መሪር ተጋድሎ ከነካይድ ድሕሪ ምፅናሕ፣ ዘላቂ ተፃብኦ ጠጠው ብናይ ምባል ው...
30/04/2025

እዋናዊ ጉዳይ ኣመልኪቱ ካብ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተወሃበ መግለፂ፦
ከም ዝፍለጥ ከም ህዝቢ ናይ ህልውና መሪር ተጋድሎ ከነካይድ ድሕሪ ምፅናሕ፣ ዘላቂ ተፃብኦ ጠጠው ብናይ ምባል ውዕል ተኸቲሙ፣ ኣብ ክሊ እቲ ውዕል ኮይንና ሰላማዊን ፖለቲካዊን ቃልሲ እናካየድና ምዃንና ኩሉ ዝርድኦ'ዩ ።
ምእንተ ዘላቂ ሰላም ክበሃል ሕገ መንግስታዊ ወሰን ትግራይ እንከይተረጋገፀ፣ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዘሎ ኮነ ኣብ መዕቆቢ ማእኸላት ዘሎ ህዝብና ንምግላፁ ዝድንፁ ህይወት እናሕለፈ፣ ከም ህዝቢ ተወሰኽቲ ዋጋ እናኸፈልና'ውን እንተኾነ ውዕል ፕሪቶሪያ ብምሉእነት ክፍፀም ካባና ትፅቢት ዝግበር ኩሉ እናፈፀምና ንርከብ።
እንተኾነ ሓደ ሓደ ናይ ፌዴራል መንግስቲ ሚድያታትን ናይ ክልል ኣምሓራ ሚድያን ኮሚዩኒኬሽንን ሕገ መንግስቲ እታ ሃገርን ውዕል ፕሪቶሪያ ብዝፃባእን ብዝጥሕስን ኣገባብ ምዕራብ ትግራይ ኣካል ግዝኣት ክልል ኣምሓራ ከምዝኾነ ተገይሩ ተደጋገምቲ መልእኽታት ክሓልፍ እናተገብረ እዩ።
ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ጥራሕ ካብ ዝተመሓላለፉ ንምጥቃስ ቤት ፅሕፈት ኮሙዩኒኬሽን ክልል ኣምሓራን ኮርፖሬሽን ብሮድካስቲንግ ኣምሓራን ብ08 ሚያዝያ 2017 ዓ/ም "የተከዜ ትውልድ የተከዜ ዘብነቱን በተግባር ማሳየት ይጠበቅበታል!" ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝዘርግሕዎ መልእኽቲ፣ ሑመራ ኣካል ክልል ኣምሓራ ከምዝኾነ ገይሮም ብምቕራብ ብግልፂ ንውዕል ፕሪቶሪያ ዝፃባእን ሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር ዝጥሕስን ኣዝዩ ሓደገኛ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም እዮም።
ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ክፍሊ ቋንቋ ትግርኛ ብወገኑ ብ01 ሚያዝያ 2017 ዓ/ም ኣብ ዘቃልሖ ዜና፣ ክልተ ዞባታት ኣምሓራ ማለት'ውን ጎንደር-ሑመራ ዘራኽብ ፕሮጀክት መንገዲ ይፅገን ምህላዉ ብምግላፅ፣ ሑሞራ ኣካል ክልል ኣምሓራ ገይሩ ብምቕራብ ተመሳሳሊ ሓደገኛ ዜና ሒዙ ወፂኡ እዩ።
ብተዛማዲ ብ20 ሚያዝያ 2017 ዓ/ም ከተማ ጎንደር ንምልማዕ ብዝብል ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሻራተን ኣዲስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ፌዴራል መንግስቲ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣጋጣሚ ኣብ ዝተሳለጠ እቶት መተኣኻኸቢ ቴሌቶን ብስም ወልቃይ ፀገዴ ሰቲት ሑሞራ ወፈያ ከምዝተበርከተ ብቐጥታ ብመራኸብቲ ሓፋሽ ብምትሕልላፍ፤ እዚ እውን ምዕራብ ትግራይ ኣካል ክልል ኣምሓራ ከምዝኾነ ጌርካ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ዝተገብረ ውዲት እዩ።
እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር ንውዕል ፕሪቶሪያ ዝጥሕስን ንዝተጀመረ ከይዲ ሰላም ዝጎድእን ግጭት ክደግስ ዘኽእል ብሕታዊ ጉዳይን ኣዝዩ ሓደገኛ ተግባርን እዩ። ካቤነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እዚ ተግባር ብትሪ እናኾነነ፣ እዚ ብወገን ትካላት ሚድያን ኮሙዩኒኬሽን ክልል ኣምሓራ ዝግበሩ ዘለው ሓደገኛን ተደጋገምትን ሽርሕታት ንማሕበራዊ ስኒትን ሕውነትን ኽልቲኡህዝብታት ዝጎድእ ብምዃኑ ካብ ዘይግቡእን ውዕል ፕሪቶርያ ዝጻባእን ተግባሮም ክዕቀቡን ንፅውዕ።
ፌዴራል መንግስቲ 'ውን እዚ ጉዳይ ኣፃርዩ መአርምታ ስጉምቲ ክወስድን ነባሪ ሰላም ኣብ ምስፋን ቁልፍ ተራ ዘለዎ ውዕል ፕሪቶሪያ ብምሉእነት ንክፍፀም ግብኡ ክዋጻእን ፃውዕት ነቕርብ።

ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ
22 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም
መቐለ

22/02/2025

ድምፂ ህዝቢ ሰሓርቲ - ኣዲስኣለም

11/02/2025

ደሃይ ስድራ ስዉኣት

03/02/2025

መግለፂ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ

ንመሰረታዊ ለውጢ ብዝጥምት መልክዑ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሓቛፋይ ኾይኑን ዳግም ክምስረት ግቡእ ከም ዝኾነ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ብተደጋጋሚ እናሞገተን እናፀወዐን ምፅንሑ ይፍለጥ። ነዚ ዝድግፍን ዝቆፃፀርን ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ምጥያሽ እውን ኣድላይን ንፅባሕ ዘይበሃል ውራይ ደቂ ብሄረ ትግራይ ክኸውን ዝግብኦ እማመ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ገሊፁ እዩ።

ይኹን እምበር፡ ኣብ ፀበባን ስቓይን ንዝርከብ ህዝብና መዋፅኦ ክኸውን ዘቕረብናዮ ሓሳብን እማመን ፀማም እዝኒ ተዋሂብዎ ቓንዛን ስቓይን ትግራይናን ተጋሩን መዓልቲ ብዝሓደረ ቑፅሪ እናተጋደደን እናኸፍአን ምኻዱ ቀፂሉ ኣሎ።

ሓጋጊ፣ ሕጊ ተርጓምን ስራሕ ፈፃምን ዝሓውሳ መንግስታዊ ትካላት ትግራይ መጓተቲ ጉጅለታት ህወሓት ካብ ምዃን ሓራ ወፂአን ዘላቒ መዋፅኦ ንምምፃእ ብዝሕግዝ መልክዑ ክቖማን ክሰርሓን ግቡእን ንቡሩን እዩ። ይኹን እምበር ሐዚ እውን ካብ ትማሊ ትምህርቲ እንተይተወሰደ፡ እዘን ትካላት ኣብ ማዕቐፍ ጉጅላዊ ፍሕፍሕ ህወሓት ጥራይ ክሽክርከራን ኣብ ኪሳራ ብሄረ ትግራይ፡ ጉጅላዊ ስልጣን ንምፅናዕ ብዝዓለመ መገዲ ክጣየሻን ክሰርሓን ብምግባር ፀገም ህዝብና ናብ ዝኸፈአ ብርኪ ክበፅሕ ይግበር ኣሎ።

ብሄራዊ ሓልዮት ዘቐድም ኩሉ ካብዚ ዕንክሊል ኣብ ዘውፅእ ደፋር ተበግሶ ክወሳወስን ክዓምምን ግቡእ ከም ዝኾነ ብምእማን፡ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ መሰረታዊ ለውጢ ናይ ምምፃእ ተኽእሎ ኣብ ዘለዎን ንዳግማይ ምስረታ ሓቛፋይ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ዝጥምትን ቃልሲ ምልኣተ ህዝብና ብፍላይ እቲ መንእሰይ ሓቢሩና ክቃለስ ይፅውዕ።

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ
ጥሪ 26, 2017
ትግራይ፣ መቐለ

02/02/2025

General Yohanes (John Medid)

30/01/2025

Breaking
Commercial plane crashes with helicopter near DCA, Washington, D.C

22/01/2025

'ሰራዊታችን አልተመቸውም'

18/01/2025

መልእኽቲ ብፁእ ኣቡነ ሰላማ - ኣብ በዓል ጥመቀት -ማይጨው

15/01/2025

'ዓይኖም ብጨው ሓፂቦም ናብ ሚድያ ዝወፁ መራሕቲ' -'ይኣክል'

Address

VA

Telephone

+15716228891

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Zara Media Network- ዛራ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Zara Media Network- ዛራ:

Shortcuts

  • Address
  • Telephone
  • Alerts
  • Contact The Business
  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share