EriXpress Eritrean Media

  • Home
  • EriXpress Eritrean Media

EriXpress Eritrean Media EriXpress is an independent community-based progressive media that explores, reclaims, contextualizes, and promotes Eritrea's true narrative.

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ጃፓን ኣትያ...!ካብ 13 ክሳብ 21 መስከረም ኣብ ጃፓን ኣብ ዝእንገድ ቻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም 2025 ትሳተፍ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ጃፓን ኣትያ።ኣብ ነፍስወከፍ...
11/09/2025

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ጃፓን ኣትያ...!
ካብ 13 ክሳብ 21 መስከረም ኣብ ጃፓን ኣብ ዝእንገድ ቻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም 2025 ትሳተፍ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ጃፓን ኣትያ።
ኣብ ነፍስወከፍ 2 ዓመት ዝእንገድ ቻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም ብ1983 ኣብ ሄልሲንኪ (ፊንላንድ) ጀሚሩ ንመበል 20 ጊዚኡ እዩ ኣብ ጃፓን ክእንገድ።
ጽቡቕ ዕድል...!

ኣብ ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ ሕ/መ/ኣሜሪካ ጽምብል ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ  ብድምቀት ተኻይዱ።
10/09/2025

ኣብ ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ ሕ/መ/ኣሜሪካ ጽምብል ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብድምቀት ተኻይዱ።

30/08/2025

1 መስከረም - ጀማሪት ጉዕዞ ሓርነት፡ 1991 ፈጻሚት ጉዕዞ ሓርነት ባና ብርሃን።

30/08/2025

1 መስከረም - ጀማሪት ጉዕዞ ሓርነት

30/08/2025

1 መስከረም - ጀማሪት ጉዕዞ ሓርነት | September 1st - Start of the armed struggle for independence

28/08/2025

ሓበን ሃገር። ፌስቲቫል ኤርታራ ኣብ ሕ/መ/ኣሜሪካ ልዕሊ 22000 ተሳተፍቲ የኣንጊዱ።

Greetings EriXpress followers. We are pleased to inform you that this Eritrean channel is expanding quickly. To help us ...
27/08/2025

Greetings EriXpress followers. We are pleased to inform you that this Eritrean channel is expanding quickly. To help us reach a broader audience, please share our YouTube, Facebook, and TikTok accounts. A wide range of entertaining, educational, and informative videos on technology, health, and community activities is forthcoming. Stay connected.
Hadnet Keleta EriXpress Eritrean Media Shur Shur Wedi Memhr Solomon Yonatan Elsa Kidane

7282 likes, 280 comments. “Shebab Shebab Eritrea by Elsa Kidane fesrival eritrea USA 2025”

'ተጋዳላይ' ማንም ዝዕድሎን ዝኽልክሎን መዓርግ ኣይኰነን። መን ኢኻ ብዘየገድስ: ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ቦታን እዋንን: ንስለ ሃገርካን ህዝብኻን በጃ ንምዃን ኣብ'ቲ ገደል እንተኔርካ: ንስኻ'ውን ...
23/08/2025

'ተጋዳላይ' ማንም ዝዕድሎን ዝኽልክሎን መዓርግ ኣይኰነን። መን ኢኻ ብዘየገድስ: ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ቦታን እዋንን: ንስለ ሃገርካን ህዝብኻን በጃ ንምዃን ኣብ'ቲ ገደል እንተኔርካ: ንስኻ'ውን ብርግጽ 'ተጋዳላይ' ኢኻ!!!!! ..ንገደል ምምላኽ እዩ ምግዳል።
..ውዕሎ ጀጋኑ ምስናድ ንባዕሉ: ክንዲ ናይ'ቲ ዘይትትካእ ህይወቱ ዝውፍይ ጅግና 'ጅግና' ዘብል እኮ እንተዘይኰነ: ንመዓርግ ጅግንነት ኣጫንዩ ዝኸልእ ግን ኣይኰነን። ሰፈር ጀጋኑ ንባዕሉስ ከይጀግነንካ መኣስ ይእቶ ኰይኑ።

ስለዚ ክብሪ ነቶም ነብሶም ወፍዮም: ነብሶም ንዝውፍዩ ዝስንዱ ዘይተሰነዱ ሰናዶ።

✊️🇪🇷 💪🇪🇷 ✊️🇪🇷💪 🇪🇷 ✊️🇪🇷💪🇪🇷✊️ 🇪🇷 💪🇪🇷✊️ 🇪🇷💪 🇪🇷 ✊️🇪🇷 💪🇪🇷 ✊️🇪🇷💪🇪🇷✊️🇪🇷💪🇪🇷✊️🇪🇷
Samsom Tekuie

© $ - 4 - $ - 3
August 2025
Asmara - Eritrea

“ዝዓበየ ሕልመይ፡ ንኤርትራ ምግልጋል እዩ ነይሩ” ዶ/ር ሓሊ ያሲን ሓሰንሚርያም ዮሴፍዶ/ር ሓሊ ያሲን ሓሰን፡ ሓንቲ ካብ’ቶም ኣብ ስደት ተወሊዶም ዝዓበዩ ኤርትራውያን መንሰያት እያ። ንኤርት...
23/08/2025

“ዝዓበየ ሕልመይ፡ ንኤርትራ ምግልጋል እዩ ነይሩ” ዶ/ር ሓሊ ያሲን ሓሰን
ሚርያም ዮሴፍ

ዶ/ር ሓሊ ያሲን ሓሰን፡ ሓንቲ ካብ’ቶም ኣብ ስደት ተወሊዶም ዝዓበዩ ኤርትራውያን መንሰያት እያ። ንኤርትራ፡ እንትርፎ ኣብቲ ናይ ዕረፍቲ ግዜኣ ንምሕላፍ ዝመጸትሉ እዋን፡ ዝበዝሐ ግዜ ብዕላል ወለዳ እያ ትፈልጣ። ዓውዲ ሕክምና ድሕሪ ምዝዛማ ዝነበራ ዝዓበየ ባህጊ ድማ፡ ኣብ ኤርትራ ሃገራዊ ግቡእካ ምፍጻም እዩ ነይሩ። ምስ ዶ/ር ሓሊ ዝገበርናዮ ሓጺር ዕላል እምበኣር ናባኹም ነብሎ። ሰናይ ንባብ!

ሕቶ : ዶ/ር ሓሊ፡ ምስ ነብስኺ ከተላልይና?
መልሲ : የቐንየለይ፡ ስመይ ሓሊ ይበሃል። ካብ ኣደይ ወይዘሮ ሰሚራ ጣሃ፡ ኣቦይ ኣቶ ያሲን ሓሰን ብሚያዝያ 1994 ኣብ ከተማ መካ፡ ስዑዲ ዓረብ ተወሊደ። ኣብታ ሸሞንተ ዝኣባላታ ስድራቤት፡ ካብ ሽዱሽተ ኣሕዋተይ መበል ካልአይቲ እየ። ወለደይ ቅድሚ ናጽነት ናብ ስዑዲ ዝተሰዱ ኤርትራውያን እዮም። ስለዚ፡ ኩልና ኣሕዋት ኣብኡ ተወሊድና ዝዓበና ኢና።

ሕቶ : ኣተዓባብያኺ ከመይ እዩ ነይሩ?
መልሲ : ኤርትራዊ ኣተዓባብያ እየ ዓብየ። ኣብ ኣተዓባብያና ዝዓበየ ተራ ዝተጻወቱ ድማ ወለደይ እዮም። ዋላ እኳ ኣብ ስደት እንተ ዓበና፡ ኣተዓባብያና ካብ ናይ ኤርትራውያን ስድራቤታት ዝፍለ ኣይነበረን። ኩልና ስድራቤት ብሓባር ኮፍ ኣብ እንብለሉ፡ ዛዕባና ብዛዕባ ሃገርና፡ ህዝብና፡ ናይ ሕብረተሰብና ወግዕን ክብርታትን እዩ ነይሩ። ብተወሳኺ፡ ዓመት-ዓመት ኣዝማድናን ሃገርናን ክንበጽሕ ናብ ኤርትራ ንመጽእ ብምንባርና፡ ካብ ናይ ሃገርና ዝተፈልየ ኣተዓባብያ ኣይነበረናን።

ሕቶ : ናይ ትምህርቲ ድሕረ ባይታኽን ተመክሮኽን ከመይ ይመስል?
መልሲ : ካብ መባእታ ክሳዕ ናይ ካልኣይ ደረጃ፡ ኣብ ናይ ኣዋልድ (ናይ ዓረብ) ቤት ትምህርቲ ተኸታቲለ። እቲ ቤት ትምህርቲ ናይ ኣዋልድ ብምንባሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሃይማኖታውን ባህላውን ልምድታት ናይቲ ዓዲ ተደሚርዎ፡ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ኮነ ምስ ዝበዝሐ ክፋል ናይቲ ሕብረተሰብ ክትሕወስ ዘፍቅድ ኣይነበረን። ብባህረይ ሓፋር ስለ ዝነበርኩ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሂወተይ ንፈለማ ዝተመኮርኩሉ ቦታ እዩ ነይሩ። ነፍሰይ ክፈልጥ’ውን ኣኽኢሉኒ እዩ።
ኣብ ትምህርተይ ልዑል ተገዳስነት ነይሩኒ። ወለደይ፡ ጻዕራም ምንባረይን፡ ትምህርተይ ብግቡእ እከታተል ከም ዝነበርኩን፡ ምብኳር’ውን እፈቱ ከም ዘይነበርኩን ኩሉ ግዜ ካብ ዘዕልሉኒ እዩ። ድሕሪ እዚ፡ ናብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ቅድሚ ምቕጻለይ፡ ናይ ቋንቋ እንግሊዝ ዓቕመይ ክብ ንምባል፡ ኣብ ከተማ ጅዳ ንኤርትራውያን ዝወሃብ ናይ ትምህርቲ ዕድል ተኸፊቱ ብምንባሩ፡ ኣብኡ ንሓደ ዓመት ተማሂረ። ድሕሪኡ ናብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ቀጺለ።
ብዓውዲ ሕክምና ናይ ምቕጻል ዝንባለ እዩ ነይሩኒ። ሞያይ ሰባት ኣብ ምሕጋዝ ዘተኮረ ክኸውን እደሊ ነይረ። ምዕባየይ ሓፍተይ ኣብ ዮርዳኖስ ብዓውዲ ፋርማሲ ትመሃረሉ ኣብ ዝነበረት እዋን ብሓንሳብ ክንከውን እኳ እንተ መደብኩ፡ ምስቲ ክመሃሮ ዝደለኹ ዓውዲ ስለ ዘይተሳነየለይ ግን ክኸውን ኣይከኣለን። በዚ መሰረት፡ ኣብ ሱዳን፡ ኣብ ሓንቲ ናይ ሕክምና ዩኒቨርሲቲ ኣመልኪተ ኣብ ዝደልዮ ዓውዲ ክጽንበር ዕድል ረኺበ። ኣብ 2013 ድማ ናይ ሕክምና ትምህርተይ ንምክትታል ናብ ሱዳን ኣምሪሐ።
ኣብ ሱዳን፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ሕክምና ትምህርተን ክከታተላ ዝመጽኣ ዓሰርተ ዝኾና ኤርትራውያን ጸኒሐናኒ። ኣብ ሂወተይ ዘይርስዖ ዓቢ ደገፍ’ውን ገይረናለይ። ብድሕሪ’ዚ፡ ንሓሙሽተ ዓመት ትምህርተይ ድሕሪ ምክትታል፡ ብዓውዲ ሓፈሻዊ ሕክምና ተመሪቐ። ንሓደ ዓመት ድማ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝርከባ ዝተፈላለያ ሆስፒታላት ንልምምድ ወጺአ።

ሕቶ : ሕክምና ክንዮ ብክልሰ ሓሳብ ብግብሪ ዝጀመርክሉ እዋን እዩ ነይሩ እሞ፡ ኣብ ሱዳን ዝነበረ ናይ ሓደ ዓመት ናይ ስራሕ ተመኩሮኺኸ ከመይ ትግምግምዮ?
መልሲ : ኣብ ሱዳን ኣብ ሰለስተ ሆስፒታላት ማለት፡ ኢብራሂም ማሊክ፡ በሻይር ከምኡ’ውን ሶባ እየ ንናይ ልምምድ ስራሕ ወጺአ። ኣብ ክፍሊ መጥባሕቲ፡ ተመላለስቲ ሕሙማት፡ ሕክምና ህጻናት፡ ወሊድ፡ ወዘተ፡ ነቲ ብክልሰ ሓሳብ ዝተመሃርክዎ ብግብሪ ድርዒ ክውስኸሉ ክኢለ። ኣብ ሱዳን፡ ኣብ ዝተፈልየን ዘይፈልጦን ሕብረተሰብ ኣትየ ስለ ዝሰራሕኩ፡ ከም ተመክሮ ቀሊል ኣይነበረን። ግደ ሓቂ፡ ምስቲ ድሒረ ኣብ ኤርትራ ዝጸናሕኩዎ ከወዳድሮ ከለኹ ናይ ሰማይን ምድርን ፍልልይ ዘለዎ ተመክሮ እዩ።

ሕቶ : ሕጂ ሓኪም ኴንኪ ንስራሕ ዓለም ተጸንቢርኪዮ ኣለኺ። ናይ ስራሕ ተመክሮኺ ኣበይን ከመይን እዩ ነይሩ?
መልሲ : ኣብ መወዳእታ 2019፡ ክልተ ሰሙን ቅድሚ ለበዳ ኮሮና ኣብ ሱዳን ዝነበረኒ ናይ ትምህርትን ስራሕን ግዜ ዛዚመ ናብ ስዑድያ ተመሊሰ። ስድራቤተይ፡ ብፍላይ ድማ ኣቦይ፡ ኩሉ ግዜ ትምህርቲ ድሕሪ ምዝዛመይ ናብ ኤርትራ መጺአ ከገልግል ይነግሩኒ ነይሮም። እዚ፡ እቲ ከተግብሮ ዝደሊ ዝዓበየ ሕልመይ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ዝቐጸለ መደበይ ናብ ኤርትራ ምምጻእ እዩ ነይሩ። እንተ ኾነ፡ ብሰንኪ ዝተኸስተ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ ኩሉ ምንቅስቓሳት ደው ስለ ዝበለ፡ ሕልመይ ክዉን ክኸውን ኣይከኣለን። ንኽልተ ዓመት ድማ ኣብ ስዑዲ ሰሪሐ። ኩነታት እናተመሓየሸ ይኸይድ ብምንባሩ፡ ምስታ ፈለማ ኣገልግሎት ክትህብ ዝጀመረት ነፋሪት ምስ ስድራይ ናብ ኤርትራ መጺአ።

ሕቶ : ኤርትራ’ሞ ከመይ ተቐቢላትኪ፡ ብኸመይ ኢኺ’ኸ ናብ ስራሕ ኣቲኺ?
መልሲ : ናብ ኤርትራ ቅድሚ ምምጽአይ፡ ገለ ሰባት፡ ኣብ ወጻኢ ተወሊድኪ ስለ ዝዓበኺ ናብራ ኣይትኽእልዮን ኢኺ ዝበሉኒ ነይሮም። ስድራይ፡ ህዝበይ፡ ናብ ዘለዉዎ ዓዲ’ምበር ናብ ዓዲ ጓና ኣይኮንኩን ዝኸይድ ዘለኹ እዩ ነይሩ መልሰይ። በዚ መሰረት፡ ቅድሚ ምምጽአይ፡ ኣብ ስዑድያ ንዘሎ ኤምባሲና መደበይ ድሕሪ ምሕባር፡ ዘድልየኒ ደገፍ ኣስኒቖም ሰዲዶምኒ። ናብ ኤርትራ ምስ መጻእኩ ድማ፡ ናብ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን ኤርትራ ኣምሪሐ።
ሃማመተኤ ብጽቡቕ መንፈስ እዮም ተቐቢሎምኒ። ንሞያይ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ፡ ናብቲ ከድምዓሉ ዝኽእል ቦታ ማለት ናብ ሚኒስትሪ ጥዕና ተላኢኸ፣ ናብ ሆስፒታል ኦሮታ ተመዲበ ድማ ስርሐይ ጀሚረ።
ሓጺር ናይ ስራሕ ተመክሮ እዩ ነይሩኒ። ኣብ ሆስፒታል ኦሮታ ዝቐሰምኩዎ ተመክሮ ግን፡ ዋላ ብሕጂ ንዝመጽእ ናይ ስራሕ ተመክሮይ ዝወዳደር ኣይክኸውንን እዩ። ኣብ ሆስፒታል ኦሮታ ሽድሽተ ወርሒ ምስ ሰራሕኩ፡ ብሰንኪ ውልቃዊ ጉዳያት ንክልተ ሰሙን ናብ ስዑድያ ክምለስ ነይሩኒ። እንተ ኾነ፡ መምለሲ ወረቐተይ ኣብ ዝመደብኩሉ ግዜ ካብ ስዑድያ ከውጽኣኒ ስለ ዘይከኣለ፡ ካብ ዝሓሰብኩዎ ወጻኢ ብዙሕ ኣዋርሕ ከደ። ሃመይን ቀልበይን ምስ’ቶም ኣብ ኤርትራ ዝገደፍኩዎም መሳርሕተይ፡ ብጾተይን ብዙሕ ተመክሮ ዝቐሰምኩሎም ተሓከምትን እዩ ነይሩ። ናብ ኤርትራ ደጊመ ክምለስ ዝገበረኒ ቀንዲ ምኽንያት’ውን፡ እቲ ኣብ ቀዳማይ እግረይ ዝነበረ ዘይርሳዕን ሃብታምን ተመኩሮ እዩ። ኮይኑ ድማ፡ ኣብ 2024 ደጊመ ተመሊሰ ናብ ስራሕ ተጸምቢረ።
ንኣዋርሕ ስለ ዝተፈለኹ፡ ተሰኪፈ ነይረ። እንተ ኾነ፡ ኣሕዋትካ፡ ኣሕዋትካ ምዃኖም ኣይተርፍን እዩ፡ ኣባላት ሆስፒታል ኦሮታ ኣዝዩ ፍሽሑው ኣቀባብላ ገይሮምለይ። ብሓፈሻ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸናሕኩሉ እዋን ዝነበረ ተመክሮ ብሕጂ ክንደየናይ ከይድገም። ትግሃት፡ ምቕሉልነት፡ ኣኽብሮት፡ ምብህሃልን ናይ ስራሕ ናጽነትን እየ ተማሂረ። ልዕሊ ዝኾነ፡ ካብ ህዝብና፡ ካብቲ ኣገልግሎት ደልዩ ዝመጽእ ተገልጋላይ ዝቐሰምክዎ ትምህርቲ ብቓላት ዘይግለጽ እዩ። ቋንቋ፡ ክብርታት ሕብረተሰብ፡ ግቡእ ኣዘራርባን ኣቀራርባን ካብ ተሓከምተይ እየ ተማሂረዮ። ኣብ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ስለ ዝነበርኩ ድማ፡ ምስ ኩሉ ዓይነት ሰብ ክራኸብ ኣኽኢሉኒ እዩ። ብሓፈሻ ምስ ኩሎም መሳርሕተይ ተዛካሪን መሃርን ግዜ ከሕልፍ ክኢለ እየ።

ሕቶ : ምስ ዓበይቲ ሓካይም ናይ ሃገርና ክትሰርሒ’ውን ዕድል ረኺብኪ ኢኺ። ካብኦም እንታይ ቀሲምኪ?
መልሲ : ሓካይምና ኣብ ዝለዓለ ደረጃ እየ ዝሰርዖም። ቁጽሮም ዘይኮነ ብቕዓቶም ዝተራብሐ እዩ። ብድሆና ሕጽረት መሳርሒ እምበር ሕጽረት ሓንጎል ኣይኮነን። ማዕረ-ማዕረ እቲ ኣብ ትምህርቲ ዝቐሰምኩዎ ፍልጠት፡ ካብ ናይ ሃገርና ሓካይም ዝወሰኽኩዎ’ውን ቀሊል ኣይነበረን። ካልኣይ ቤት ትምህርተይ ነይሮም እንተ በልኩ’ውን ምግናን ኣይኮነን። ኣዝየ ድማ’የ ዘመስግኖም።

ሕቶ : ድሕሪ እዚ ጉዕዞኺ ናበይ እዩ?
መልሲ : ብትምህርቲ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክበጽሕ መደብ ኣለኒ። ብሕክምና ማህጸንን ወሊድን እየ ክቕጽል ዝደሊ። ኣብቲ ዝቕመጠሉ ሃገር፡ ዘይከም ኣብ ኤርትራ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብደቂ ኣንስትዮ ሓካይም ጥራይ እየን ዝሕከማ። ብዓል ቤተን ይኹን ኣሕዋተን፡ ዋላ ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ እናሃለዋ፡ ብወዲ ተባዕታይ ሓኪም ክረኣያ ፍቑድ ኣይኮነን። ስለዚ፡ ደቂ ኣንስትዮ ክሕግዝ እዩ ድሌተይ። ኣብ ሃገርና፡ መን እዩ እቲ ዝበለጸ ሓኪም? ደኣ’ምበር፡ ወዲ ድዩ ጓል ሕቶ ከም ዘይኮነ ኣብዚ ናይ ስራሕ ተመክሮይ ርእየዮ እየ። በቲ ዝውስኾ ትምህርቲ ግን፡ ደጊመ ናብ ሃገረይ መጺአ ከገልግል መደብ ኣለኒ።

ሕቶ : ተመክሮኺ ንኣብ ደገ ዘለዉ ዜጋታትና ብፍላይ ድማ ንመንእሰያት እንታይ መልእኽቲ ወይ ትምህርቲ እዩ ዘሕልፍ?
መልሲ : ንሕና ኣብ ዝተፈልየ ዓለም ኢና ዘለና። ህዝብና ሃብታም ክብርታት ዘለዎ ህዝቢ እዩ። ክግልገል ዝመጽእ ህዝቢ ተገምጢሉ ንዓና እዩ ዘኽብር። ኣነ ቅድሚ ናብ ኤርትራ ምምጽአይ፡ ምስቲ ኣብ ሱዳን ዝነበርኩሉ እዋን እየ ዘወዳድሮ። ኣብ ሱዳን ኣብ ልምምድ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ኣብ ገለ ገለ ሆስፒታላት፡ ብፍላይ ድማ ለይቲ ተረኛታት ኣብ እንኾነሉ፡ ብፖሊስ ንሕለወሉ ግዜ ነይሩ። ኤርትራ ግን ለይቲ ይኹን ቀትሪ ሰላማዊ ህዝቢ፡ ሰላማዊ ሃገር እዩ። ልዕሊ ዝኾነ ከኣ፡ ሃገር ሕድሪ እዩ። ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዘለና ኤርትራውያን፡ ዋላ ቁንጣሮ ይኹን ዓቕምና፡ ከነበርክት ኣለና። ስለዚ፡ ኩሉኹም መንእሰያት ናብ ሃገርኩም ምጽኡ፣ ኣገልግሉ፣ ህዝብኹም ፍለጡ፣ ኩሉ ዝበሃል ድማ ብዓይንኹም ረኣዩ ክብሎም እደሊ።
- የቐንየለይ።

22/08/2025

🌟 Exciting News! 🌟

Check out the new video clip by Merhawi T/Medhin on EriXpress Media YouTube channel! 🎥🇪🇷

Don't forget to share, like, and comment to support! 🙌✨

Let's spread the word and get everyone excited for the Eritrean Festival USA 2025! 🎉🎶

youtu.be/7swhDRC02cM?si=dl70cpIBImKTq15Z
Hadnet Keleta EriXpress Eritrean Media Berhane Araia Dawit Kuflu Eritrean Community ልሳን ሰራዊትና Abdul Nur Wedi Memhr Solomon Yonatan Shur Shur Medhane Sebhatu Abdella Sifaf Alazar Abraham Fesh Bahlna ERI SKATO cycling news Eritrean American Medical Association Eritrea Peace Elsa Kidane

Swimming 🏊‍♂️ 🇪🇷 |• ክርስቲና ራቺ፡ ካብ ምድባ ትመርሕ፡ሎሚ 21 ነሓሰ 2025፡ ኣብ ሮማንያ ዝካየድ ዘሎ ናይ ጁኒዮር ሻምፕዮን ምሕንባስ ዓለምና - ንኤርትራ ወኪላ ትሳተፍ ዘላ ክ...
22/08/2025

Swimming 🏊‍♂️ 🇪🇷 |• ክርስቲና ራቺ፡ ካብ ምድባ ትመርሕ፡

ሎሚ 21 ነሓሰ 2025፡ ኣብ ሮማንያ ዝካየድ ዘሎ ናይ ጁኒዮር ሻምፕዮን ምሕንባስ ዓለምና - ንኤርትራ ወኪላ ትሳተፍ ዘላ ክሪስቲና ራች ኣብ ናይ 100 ሜትሮ "ነጻ ምሕንባስ" (free style)፡ ብ59'፡23" ካብ ምድባ ቀዳመይቲ ኮይና ሓሊፋ።

ዜና ዲፕሎማሲ:-=======🇪🇷 🇷🇺 ሓላፊ ፖሎቲካዊ ጉዳያትን ዲፕሎማስን ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፣ ኣቶ ዳዊት ሃይለ ምስ ኣምባሳደር ሩስያ Илья Тараров (Elya...
21/08/2025

ዜና ዲፕሎማሲ:-
=======

🇪🇷 🇷🇺 ሓላፊ ፖሎቲካዊ ጉዳያትን ዲፕሎማስን ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፣ ኣቶ ዳዊት ሃይለ ምስ ኣምባሳደር ሩስያ Илья Тараров (Elya Tararov) ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ንገስጋስ ኩሉ መደያዊ ምትሕግጋዝ ክልቲኤን ሃገራት (ማለት፡ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማሲያዊ፡ ቁጠባዊ፡ ጸጥታዊ፡ ልምዓታዊ ፕሮግራማት፡ ጸዓት፡ ናይ ወደብ ኣገልግሎት፡ መጓዓዝያን ካልእ ቴክኒካዉን) ጉዳያት ዘተኮረ ርክባት ኣብ ኢምባሲ ኤርትራ ኣካይዶም።

Address


Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when EriXpress Eritrean Media posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to EriXpress Eritrean Media:

  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share

Our Vision at EriXpress Media

Our vision is to explore, reclaim, contextualize and promote Eritrea's narrative by building an engaged and informed community-based Eritrea-owned media platform of Eritreans that provides high quality programming of news, political analysis, history, ideas, culture and information as well as support and represent Eritrea’s diversity, and serves the interests of local and global Eritrean communities.