Welday Mesfin Teka

Welday Mesfin Teka I Support The Tigray Transitional Government

10/19/2024
07/19/2024

☝ መደንገፂ ደውታ መሰቦን ናተይ ሓሳብን
ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ ምፍራይ ሙሉእ ብሙሉእ ደው ከምዘበለ ባዕሉ ገሊፁ ኣሎ።

☝ናተይ ሕቶ:
✔ ንምንታይ ሕፅረት ጥረ ኣቕሓ ከምዘጋጠሞን ምፍራይ ደው ከምዘብልን ኣቐዲሙ ዘይገለፀ?
✔ ንምንታይ ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ ምፍራይ ደው እንተድኣ ኣቢሉ ሰብ ዋና ህፃን ኣብ ስራሕቲ ህንፃ ዝተዋፈሩ ኣሸሓት ተጋሩን ከይጉዱኡ ካልእ ስሚንቶ ናብ ትግራይ ክኣቱ ዘይገበረ?
✔ እቲ ፋብሪካ ሕፅረት ጥረ ኣቕሓ ከምዘጋጠሞን ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ካብ ዓቕሚ ኣመራርሓ እቲ ፋብሪካ ንላዕሊ ከምዝኾነን ሓቢሩ ኣሎ። ከምዚ እንድሕር ኮይኑ መራሕቲ ትግራይ ጉዳይ ስሚንቶ ጉዳይ ኢኮኖምያዊ ምንቅስቓስን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ምዃኑ ተገንዛቦም ወይ መሰቦ ደው ከይብል ዘይገበሩ ወይ ከዓ መሰቦ ደው ምስበለ መማረፂ ዝኸውን ካልእ ፍታሕ ዘየቐመጡ?
✔ ብስሩ ግና እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገም ጥረ ኣቕሓ እንተተፈቲሑኸ ቀጥታ ስራሕ ክጅምር ይኽእል ድዩ?

☝ናተይ መደምደምታ:
✔ ብቕልጡፍ እቲ መሰቦ ኣጋጢምዎ ዘሎ ሕፅረት ጥረ ኣቕሓ መንግስቲ ይፍተሓዮ። ምኽንያቱ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሽይጣት ሰሚንቶ መሰቦ ኣብ መኸተ ትግራይ ዝገብሮ ዘሎ ቁልፊ ኣስተዋፅኦ ስለዝፍለጥ ኣዝዩ ከቢድ ሕፅረት ገንዘብ ክፍጠር እዩ። ክስዖይ ግና አኮኖምያዊ ምንቅስቓስ፣ ዕድል ስራሕን ጅማሮ ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ደው ክብል ስለዘይግባእ ካብ ማእኸል ሃገር ስሚንቶ ክኣቱ ይፈቐድ።
✔ ካብ ሕዚ ንደሓር ስራሕቲ ኮንስትራክሽን ትግራይ ኣብ ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ ጥራሕ ፅግዕተኛ ክኸውን ብፍፁም ኣይግባእን።
✔ እቲ ኣብ መሰቦ ኣጋጢሙ ዘሎ ኣዝዩ ዘናድድ ኩነታት ኮነ ኢልካ ዝተገበረ ከይኸውን ህዝቢ ዝፈልጦ ኮሚቴ ተጣይሹ መፅናዕቲ ብምክያድ ብሚድያ መግለፂ ክወሃብ ኣለዎ።
✔ ክሳብ ሽዑ ከዓ ኣመራርሓ እቲ ትካል ሕዚ ናብ
መደበኛ ሚድያ ወፂኦም ግልፂ መብርሂ ክህቡ ይግባእ።

12/11/2016 ዓ.ም

ሓፂር መብርሂ እዋናዊ ፖለቲካ ትግራይ (ህወሓት)ቅድሚ ናብቶም ናይ ኣፈላላይ ሓሳባት ብቐጥታ ምእታውና እዘን ዝስዕባ ክልተ ዓንዲ ሕቶታት ነልዕል እሞ ብድሕሬኡ ናብተን ጭብጥታት ንሕለፍ።ሀ) ኣ...
07/18/2024

ሓፂር መብርሂ እዋናዊ ፖለቲካ ትግራይ (ህወሓት)

ቅድሚ ናብቶም ናይ ኣፈላላይ ሓሳባት ብቐጥታ ምእታውና እዘን ዝስዕባ ክልተ ዓንዲ ሕቶታት ነልዕል እሞ ብድሕሬኡ ናብተን ጭብጥታት ንሕለፍ።

ሀ) ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ መንጎ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ኮነ ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይ ዝተኻየደ ናይ ካድረታት ኣኼባ ዘተርኣዩ መሰረታዊ ኣፈላላያት እንታይ እዮም?
ለ) ናይዞም ኣፈላላያት ምንጪ ከ እንታይ እዩ? ረብሓ ህዝቢ ዶ ወይስ ረብሓ ውልቀ ሰባት?

1. ጉዳይ ድሕነት ዝምልከት
ህዝብን ውድብን ንምድሓን ብዝተወደበ መንገዲ ምስራሕ ከምዘለዎ ኮይኑ ምቅድዳም ኣብ ዘድልየሉ ግን ፈለማ ህዝቢ ንምድሓን ንቃለስ ዝብል፤ በቲ ካልእ ድማ ቅድሚ ህዝቢ ውድብ ክድሕን ኣለዎ፣ ነዚ ኢና ንቃለስ ዝብል፣
እዚ ኣፈላላይ ዳርጋ መሰረታዊ ዝበሃል ኣፈላላይ እዩ። እዚ እዋን ተመዛበልቲ ምምላስ ዝጀመርናሉ፣ ሓደጋ ውሕጅ ንምካት፣ ናይ ክረምቲ መደባት ንምዕዋት፣ ኩነታት ፀጥታ ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ገበናት ትሳተፉ ኣካላት ናበ ሕጊ ንምቕራብን ለዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅን ከም ህዝቢ፣ መንግስትን ወድብ ብዝተውደበን ዝተናበበን ኩነታት እንሰርሓሉ ኣዝዩ ክባር እዋን ምዃኑ እናተፈለጠ መንግስትን መሓውራቱን ካብ ስራሕ ወፃኢ ገይርካ ንምምካን ዝተፀውዐ ኣኼባ እዩ ነይሩ። ኣብ ክንዲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ተዳዕንኖም ዘለዉ ዓበይቲ ሸኽምታት ንምቅላል ተዋዲድካ ምውፋር “ልዕሊ ኩሉን ቅድሚ ኩሉን ህወሓት ነድሕን፣ ቅድሚ ህውሓት ዝድሕን ኣካል የለን፣ ህወሓት ከይድሓነ ዝድሕን ህዝቢ የለን” ብዝብል ዕሙት ናይ ጉጅለ ረብሓ ህዝቢ ናብ ሓደጋ ብዘእቱ ሓላፍነት ዝጎደሎ መንገዲ ምኻድ መሪፆም።

ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ቁም ነገር ውድብ እናበሉ ዝፅውዕዎ ንህወሓት ዘይኮነስ ንጉጅለ ደብረፅዮን፣ ኣለም ገ/ዋህወደን ፈተለወርቅ ገ/ሄርን እዩ። ውድብ ማለት እዞመወ ሰባት እዞኦም ስዓብቶምን ገይሮም እዮም ዝሓስቡ። ውድብ ማለት ንኩሉ ትግራዋይ ዝየተምልከት ናይዚ ጉጀለ እዚ ፍሉይ ረብሓ መፈፀሚ መሳረሒ ገይሮም እዮመ ዝወስዱ። ናይዚ እዋን ትኹረቶም እውን ከምቲ ኣብ መድረኻት ዝበሉዎ ህወሓት ወይ ህዝቢ ምድሓን ዘይኮነስ ናይቲ ጉጅለ ስልጣን ምድልዳል እዩ (ወይ ትግራይ ከም ብሓዲ ብቐጥታ ብምቁፅፃር ወይ ድማ ብተለኣኣኽቶም ኣቢሎም ስልጣን ብምሓዝ ናብቲ ዘይዛዘሙዎ ስርቅን ጉሕለትን ብምእታዉ ስቓይ ህዝቢ ትህራይ ምንዋሕ እዩ)።

በቲ ካል መዳይ ድማ ህዝቢ እናበረሰን እናጠፍአን ኣብ ዘለሉ እዋን ኣብ ክነዲ ነዚ ፀገም እዚ ነቃልል ሎሚ ኮነ ፅባሕ ንእነርክበሉ ውድብ ናይ ምድሓን ዕማም ቀዳምነት ምሃብ ሓላፍነት ዝጎደሎ ከይዲ እዩ ዝብል ቅዋም ኣሎ። እዚ ሓሳብ ዳርጋ ብዝበዝሑ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝርከቡ ኣመራርሓ ዝለዓልን ዝደወገፍን እዩ። እዚ ብ እኒ ጌታቸው ረዳ ዝምራ ሓሳብ እዚ ናይዚ እዋን ቁልፊ ዕማም ውዕሊ ፕሪቶሪያ ምትግባር እንትኾን ብፍላይ ሕዚ ድማ ተመዛበልቲ ብምምላስ ስቓይ ህዝቢ ኣብ ምንካይ ንረባረብ ዝብል እዩ። ህዝቢ ከይድሓን ዝድሕን ውድብ መወዳእታኡ ትርጉም ኣይህልዎን ጥራሕ ዘይኮነስ ከም ኣተሓሳስባ እውን ፀረ ህዝቢ እዩ ዝብል ፅኑዕ መርገፂ ዘለዎ ሓይሊ እዩ። ስለዝኾነ ኣብ መንጎ ህዝብን ውድን ንመን ነቐድም ኣብዝብል ዘሎ ናይ መተከልን እምነትን ኣፈላላይ ሰፊሕ ኮይኑ ወፂኡ ኣሎ።

2. መስሪሕ ሰላም ብዝምልከት፣
2.1 ንመስርሕ ሰላም ሕዝና ሕቶታትና ብሰላማዊ መንገዲ ክንቃለስ ኣለና፤ ኣይኮነን ምስ መንግስቲ ፌዴራል ጉምብሕ ጥልዕ ምባል ተንበርካኽነት ስለዝኾነ ሰላምን ሰላምን እናበልና ኣይንምብርከኽን ዝብል
ኣብዚ መዳይ ብእኒ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ሓይሊ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብምትግባር ሰላምን ሕገ መንግስታዊ መሰላትን ትግራይ ንምምላስ ዝክኣሎ ኩሉ እናገበረ ይርከብ። ብመሰረቱ እቲ ውዕሊ ዝተፈረመ እውን ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ፌዴራልን ስለዝኾነ ንበጀት ሓዊሱ ሕቶታት ትግራይ ንምምላስ ምስ መንግስቲ ምዝርራብ ግድን ኮይኑ ኣሎ። እቲ ውዕሊ እውን ኣፈላላያትን ብፖለቲካዊ ልዝብ ክንፈትሕ ኢና ተፈራሪምና። በዚነመሰረተ ብእኒ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕፋር ትግራይ ምስ መንግስቲ ፌዴራል እናተላዘበ ፀገማት ህዝቢ ካብ ምቅላል ዝሓሸ ካልእ ኣማራፂ የብሉን።

በቲ ካልእ መዳይ ብእኒ ዶክተር ደብረፅዮን ዝምራሕ ጉጅለ ድማ ንጌታቸው ረዳ ሓዊሱ ምስ መንግስቲ ፌዴራን ንዝራኸቡ ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር “ከዳዓት፣ ባንዳታት፣ ዝበልፀጉ፣ ሸየጥቲ ዓዲ፣ ኣብ ጁባ ኣብይ ኣሕመድ ዝኣተዉ ጠላማት” እናበለ ብዝተወደበ መንገዲ የፀልሞም ኣሎ። ብትሕዝቶ ንውዕሊ ፕሪቶራያ ምቅዋምን ምዕንቃፍን እንትኾን በቲ ሓደ መዳይ ድማ ንሶም ዘየምፅእዎ ስላም ከይህሉን ብዓይኒ ዕሙተይ ፀገም ህዝቢ ትግራይ እናተጋደደ ንክኸይድ ብዝተዋደደ መንገዲ ቀትርን ለይትን ዝሰርሕ ዘሎ ሓይሊ እዩ። እዚ ጉጀለ ቅድሚ ምምስራት ግዝያዊ ምምሕዳር ባዕሉ ንዝመደቦም ኣመራርሓ መንግስቲ ብጉጅለ ዝኸስስ እንትኾን መበገሲኡ ድማ “ንምንታይ ንዓና ኣይሰገድኩምን፣ ኣይተሓሽከርኩምን? ዝብል እዩ።

እዚ ሓይሊ ባዕሉ ዘይመርሖን ዘይቆፃፀሮን ሰላም እንተመፂኡ ኣብ መኸተ ብዝፈፀሞ ገበንን ጥፍኣትን ክሕተት እየ ኢሉ ስለዝሓስብ ብእኒ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ሓይሊ ሰላም ክረክብን ተረጋጊዑ ክሰርሕን ኣይደልን። እቲ መሰረታዊ ቁም ነገር እውነ እዚ እዩ። ነዚ እውን እዩ መንግስቲ መደባት እንተውርድ እዚ ጉጅለ ድማ ዝኾነን ዘይኮነን ምኽንያት እናፈጠረ ካድረታት ንኣኼባ ዝፅውዕን ካብ ስራሕ ወፃኢ ንክኾኑን ተሊሙ ዝንቀሳቐስ።

2.2 ኣብዚ መዳይ እቲ ካልኣይ ኣፈላላይ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ምስራሕን ንመንግስቲ ፌዴራል ገዲፍካ ኣብ ፕሪቶሪያ ምስ ዘይፈረሙ ሓይልታት ኮይንኻ ንመንገስቲ ፌዴራል ምውቃዕን ዝብል እዩ። ብእኒ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብምትግባር ሕቶታት ትግራይ ንምምላስ ትኹረት ገይሩ ዝሰርሕ ሓይሊ እንትኾን ምስ ካልኦት ጎረባብቲ ህዝብታትን ፖለቲካዊ ሓይልታትን እውን ሰላማዊ ርክብ ንምፍጣር ዓሊሙ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ሓይሊ እዩ።
በቲ ካልእ መዳይ ጉጅለ ደብረፅዮን፣ ኣለምን ፈትለን ድማ ንምንግስቲ ፌዴራል ንጎኒ ገዲፎም ምስ ሻዕብያን ፋኖን ጥራሕ ክራኸቡን ዓቕሚ እንተረኺቦም ድማ ንመንግስቲ ፌዴራል ብምውቃዕ ዝተወሰነ ክፋል ትግራይ ገንፂሎም ምስ ሻዕብያ ክፅንበሩ ዘኽእሎም ምድላዋት እናገበሩ ፀኒሖም እዮም። ብትርጉሙ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብምፍራስ ህዝቢ ትገወራይ ናብ ካልእ ዓይነት ደማዊነኩናት ንክኣቱ ዝገብእወ መደብ እዩ።
ኣብዚ ዘሎ ባህጊ ጉጅለ ደብረፅዮን ብእኒ ጌታቸው ረዳ ብዝምራሕ ሓይሊ ተቐባልነት ዘለዎ ኣይኮነን። እቲ ኣፈላላይ እውን ተራ ኣፈላላይ ዘይኮነስ መሰረታዊ እዩ።

3. መኸተ ኩሎም ተሳተፍቲ ኣካላት ብዘለውዎ ብዝርዝር ይገምገም፣ ኣይገምገም ዝብል እቲ ሳልሳይ ወሳኒ ኣፈላላይ እዩ።

ብእኒ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ሓይሊ መኸተ (ቅድሚ ኩናት፣ እዋን ኩናት፣ እዋን ደው ምባል ተፃብኦ/ድሕሪ ፕሪቶሪያ) ብዝተማልአ መንገዲ ተገምጊሙ ኣብዚነከይዲ ዝነበሩ ጥንካረታትን ድኽመታትን ብዝርዝር ምስተፈለጡ ዝሽለም ኣካል እንተልዩ ንክይሸለም፣ ብጥፍኣቱ ዝሕተት እንተልዩ ድማ ንክሕይተት ይገምገም ዝብል መርገፂ እንትሕዙ ጉጅለ ደብረፅዮን ድማ ክግምገም የብሉን ዝብል መርገፂ ሕዞም ክሳዕ ሕዚ ብተግባር የተዓናቕፉዎ ኣለዉ።

ጉጅለ ደብረፅዮን ገምጋም ዘይቕበለሉ ምኽንያት ኣብ እዋን መኸተ ዝፈፀሞ ዓሚቕ ገበን ስለዘሎ ካብ ተሓታትነት ሓራ ንምውፃእ እዩ፤ ምናልባት ናብ ገምጋም ክኣቱ እንተኾይኑ እውን መንግስታዊ ስልጣን ሒዙነመሳርሕታት ሕግን ፍትሕን ብሒቱ ብዝጥዕሞ መንገዲ ምስ ቃነየ ነገዛእ ርእሱ ሓራ ብዘውፅእ መንገዲ ጥራሐ እዩ። ግዝያዊ ምምሕዳር ተረጋጊዑ ከይሰርሕ ዝገብረሉ መሰረታዊ ምኽንያት እውን እዚ እዩ።

3. ጉባኤ ህወሓት ዝምልከት
3.1 ብእኒ ጌታቸው ረደአ ዝምራሕ ሓይሊ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጉባኤ ህወሓት ኣብ ሙሉእ ፅሬትን ምትእምማንን ተመስሪቱ ፅሩይን ምዕሩይን ኣተሓሳስባ ሕዙ ክኣቱን ኣብ መውዳእታ ድማ መፃኢ ዕድል ትግራይ ናብ ዝሓሸ ኣንፈት ዘነፀረን ይኹን ይብሉ።
ጉጅለ ደብረፅዮን ድማ ብኣንፃሩ ፅሬትን ምርድዳእን ከይተበፅሐ “ዝሓዝካ ሕዝካ ናብ ጉባኤ” ሓሰርን ገለባን ተሓዋዊሱ ናብ ጉባኤ ክኸይድ እሞ ኣብቲ ጉባኤ ክቑረፅ ዝግብኦ ዝብሉዎ ሓይሊ ንምቁራፅ ዓሊሞም ይንቀሳቐሱ ኣለዉ። ፅሬት ዘይደልይሉ መሰረታዊ ምኽንያት ካብ ተሓታትነት ንምምላጥ እንተኾን ፅሬት እንተተገይሩ ቅድሚ ጉባኤ “ፖለቲካዊ ስጉምቲ ክውሰደልና ይኸውን እዩ” ዝብል ስግኣት ስለዘለዎም ይመስል።

3.2 እኒ ጌታቸው ረዳ ጉባኤ ድሕሪ ኣፍልጦ ህወሓት ክካየድ ኣለዎ፣ ኣፍልጦ ህወሓት ድማ መንግስቲ ፌዴራል ብዘዳለዎ መመሓየሺ ኣዋጅ ዘይኮነስ ብክልትኣወ‍ኢ ልዝብ ክምለስ ይገበር ወይ ድማ ብፓኔል ሕብረት ኣፍሪካ ይመለስ ዝብለ ግለፂ ቅዋም ኣለዎም። ሕጋዊ ኣፍልጦ ከይሓዝካ ዝግበር ጉባኤ ግን ሕጊ መረፃ ኢትዮጵያ ዘይቕበሎን በቲ ዘለናሉ ፖለቲካዊ ኩነታት ድማ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ናብ ምርፃም ዘአእቱ ስለዝኾነ ህዝብና ናብ ዳግማይ ኩናት ዝዕድም እዩ፤ ስለዝኾነ ድማ ክንሓስቦ የብልናን ዝብል ሓሳብ ኣለዎም። ብትርጉሙን ውፅኢቱን እውን ከይዱ ከይዱ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዘፍርስን ህልውና ህወሓትን ድሕንነት ህዝቢ ናበ ዝኸፍአ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ።
ጉጅለ ድብረፅዮን፣ ኣለምን ፈትለን ከዓ ብኣንፃሩ ጉባኤ ንምክያድ ዝዓግተና ምድራዊ ሓይሊ ስለዘይለ ዝተኸፍለ ይከፈል ጉባኤ ነካይድ ኣለና ዝብል ቅዋም ኣለዎም። ካብዚ ሕልፍ እንትብሉ ድማ ንሕጊ መረፃ ኢትዮጵያ ብምጥሓስ ጉባኤ ክነካይድ መሰልና ስለዝኾነ ጉባኤ ንምክያደወ ናይ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ኣየድልየናን ይብሉ። እዚ ምስቲ ብሕገ መንግስትን ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ክንምራሕ ኢና ብዝብል ዝኣተናዮ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብቐጥታ ዝፃባእ ኣማራፂ እንትኾን ኣብዚ እዋን እቲ ውዕሊ እንተተጣሒሱ ክመፅእ ዝኽል መዘዝ ህዝቢ ትግራይ ዝኸፍሎ ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ።

4. ንህወሓት ዘፍርስ ዘሎ ሓይሊ መን እዩ?
ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንህወሓት ዘፍርስን ንህዝቢበትግራይ ናብበተደጋጋሚ ሓደጋ ዘእቱን ዘሎ ሓይሊ ኣብ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ዝዓረደ ብኣለምን ሞንጀሪኖን ዝምራሕ ጥር ትብል ሓሳብ ከቕርብ ዘይኽእል ዓቕሙ ሙሉእ ብሙሉ ዝፀንቀቐን ኣብ ናይ ትማሊ ፅውፅዋይ ክነብር ቀትርን ለይትን ኣብ ምድንጋር ዝነብር ኣካል ከምዝኾነ የቕምጡ። እዚ ሓይሊ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝፈፀሞም ሕመቓት ብስንኩ ህዝቢ ትግራይ ክፅላእን ብኩሎም ብሄራት ክግለልን እጃም ዘለዎ ድሑርን ቅመኛን ሓይሊ እዩ ከዓ ይብሉ። ኣብ ትግራይ እውን ንኩሉ ሰብ፣ ንኩሉ ከባቢ፣ ንኩሉ ሃይማኖት ብማዕርነት ክርኢ ዘይደልን ዘይክእልን ፀቢብ ሓይሊ ከምዝኾነ ይገልፁ። ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኣነፀላልዩ ዘሎ ከቢድ ሓደጋ ክቃለል እንተድኣኮይኑ እዚ ሓይሊ ወይ መሊኡ ክእረም ወይ ድማ ካብ ፖለቲካ ስልጣን ክርሕቕን ህወሓት ብሓዲስ ሓይሊ ክትካእን ይግባእ እናበሉ ይከራኸሩ።

ጉጅለ ደብረፅዮን፣ ኣለምን መንጀሪኖን ከዓ ብኣንፃሩ “ንሕና ነባራት ተጋደልትን ሰብ ዋናን እቲ ውድብ ስለዝኾንና ንሕና ዘይብሉ ወድብ ክቕፅል ኣይክእልን፣ ዕድመ ልክዕና ዝተቓለስናሉ ውድብ ኣሕልፍና ኣይንህብን፣ ንሕና ክንለቅቕ እንተኾይንና ድማ ነቲ ስርዓት ብእምነት ክሕልዉ ዝኽእሉ ናይ ባዕልና ትኣመንቲ ሰባት ክነቕምጥ ኣለና” ዝብል ፅኑዕ ቅዋም ኣለዎም። ካብዚ ሓልፎም ድማ ንባዕሎም ከም ሰብ ዋና እቲ ውድብ ቆፂሮም ዝኾነ ሰብ ክነቕፎምን ብዛዕባ ንሶም ኣሉታዊ ሓሳብ ከቕርብን ኣይፈቕዱሉን። ኣብ ልዕሊ እቶም ሓቂ ሕዞም ዝቃለሱ ምሁራት መናእሰይ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ዘካይድዎ ዘለዉ ዘይዛሪ ወፍሪ ፀለመን ጠቐነን ናይዚ እምነቶም ኣካል እዩ። እዚ ጉጅለ ንባዕሉ ከም ውድብ ገይሩ ዝወስድ እንትኾን ንኣባላት እዚ ጉጀለ ዝነቅፍን ዝወቅስን ኣካል ከም መፍረሲ ውድብ ገይሩ ዝፍርጅ እውን እዩ።

5. ለውጢ ዝምልከት
ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ሓይሊ መሪሕነት ህወሓት (ብፍላይ ጉጅለ ደብረፅዮን፣ ኣለምን ፈትለን) ክሳብ ሕዚ ብዝኸዶ መንገዲ ከይዱ ለውጢ ከምፅእን ኣይከኣለን ጥራሕ ዘይኮነስ ናብ ተደጋጋሚ ኩናት ካብ ዘእቱ መንገዲ ዕንክሊል ምውፃእ ዝኣበዮን ገፁ ናብ 1960ታት ገይሩ ሕቕኡ ናበ 21 ክፍለ ዘበን ዘዞረን ሓይሊ ድሕረት እዩ ኢሎም ይኣምኑ። እዚ ድሑር ጉጅለ ውድብ ህወሓት ምስ ዘበኑ ከይዝምንን ንባዕሉ በብእዋኑ እናሓደሰ ንቕድምት ከይስጉምን ሓኒቑ ዝሓዘ ወኪል ድሐርት ከምዝኾነ እዮም ዘኣምኑ። ስለዘኾነ ውድብ በብእዋኑ ዝምዕብል ጠለበ ህዝቢበትግራይን ዓለማዊ ኩነታትን ተሓሳቢ ዝገበረ ቀፃሊ ምምሕያሽ ክገብር እንተድኣኮይኑ እዚ ፀረ ለውጢ ዝኾነ ገታር ጉጅለ ቦትኡ ንደለይቲ ለውጢ ዝኾኑ መናእሰይነክለቅቕ ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለዎም:

ጉጅለ ደብረፅዮን ድማ ብኣንፃሩ መስመር ህወሓት ዘልኣለማውን ህያውን ስለዝኾነ ክትንከፍ የብሉን፤ ክትንከፍ እንተኾይኑ እውን ንዕኦም ብዝጥዕም መንገዲ ጥራሕ ክፍፀም እዮም ዝደልዩ። ካብዚ ብምብጋስ ሪፎርም ዝበሃል ነገር ከሰምዑ ዘይደልዩ እንትኾኑ ውድብ መስመራታ ብቐፃልነት እናፈተሸት ንባዕላ ክተሐድስን ክተብቅዕን ኣለዋ ኢሎም ሓሳብ ንዘልዕሉ ምሁራት መናእሰይ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ብፀላእነት ዝፍርጅ ጉጅለ እዩ። ለውጢ ጥራሕ ዘይኮነስ ለውጢ ንዝደልን ብዛዕባ ለውጢ ሓሳብ ዘለዕልን ሰብ እውን ከም ፀላኢ ዝርኢ እውን እዩ:

ክቕፅል እዩ!!

ፀገም  #ህወሓት ዉድቀት ስትራቴጂክ መሪሕነት ምዃኑ ተነፂሩ ዝሓደረ'ዩ፣ ዕንክሊል ንግደፍ !------------- #ጉባኤ ህወሓት ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ከይሓልፍን ክካየድን ማእከላይ ኮሚ...
07/17/2024

ፀገም #ህወሓት ዉድቀት ስትራቴጂክ መሪሕነት ምዃኑ ተነፂሩ ዝሓደረ'ዩ፣ ዕንክሊል ንግደፍ !
-------------
#ጉባኤ ህወሓት ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ከይሓልፍን ክካየድን ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ'ዩ:: ምኽንያቱ ብዘይንፈልጦ ግን ተጓቲቱ:: ኣብ ምክያድ ጉባኤ #ኣፈላላይ የለን:: እቲ ኣፈላላይ ካብ ቅድመ ኲናት ክሳብ ሕዚ ዘሎ ኩነታት ብዝርዝርን ብሙሉእነትን ገምጊምካን ተሓታትነት ምስ ኣረጋገፅካን ይካየድ ዝብል በቲ ሓደ ገፅ ፣ በቲ ካልእ ገፅ ድማ ኣይ ዝሓዝካ ሒዝካ ክካየድ ኣለዎ ፣ ዝብል'ዩ: :

ነባራት ማእከላይ ኮሚቴ፣ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊትን ኣብ ስራሕ ዘሎ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓትን ብሓባር 64 መዓልቲ ዝወደአ ኣብ ዘካየድዎ ገምጋም ኣብ ሓደ ምርድዳእ ዝተበፅሐሉ ቁልፊ ነጥቢ " ኣብ ህወሓት ኣጋጢሙ ዘሎ ዉድቀት ቀንዲ መንቀሊኡ ዉድቀት ስትራቴጂካዊ መሪሕነት'ዩ " ዝብል ከምዝኾነ ተሰሚርሉ ሓሊፉ'ዩ::

ናብዚ መደምደምታ'ዚ ዝተበፅሐሉ ጉዳይ ብዙሕ'ኳ እንተኾነ እቶም ቀንዲ ንምዝኽኻር ግን ቅድመ ምድላው #ኲናት ምሒር ድኹም ምንባሩ ፣ ዝሓዝካ ዘይብልካ ጃህራን ፈኸራን ምንባሩን ብምኽንያት'ዚ ሓይሊ መኸተ ዘየድሊ ዓርሰ እምነት ክሕዝን ከርጅዕን ምግባሩ፣ ንፀላእቲ ኣናኢስካ ምርኣይን ምትንታንን ምንባሩ ፣ ኣብ እዋን ኲናት'ዉን ስትራቴጂክ መሪሕነት ህወሓት ተበታቲኑ ንኣስታት 4 ኣዋርሕ ዝተወደበን ዝተማእኸለን መሪሕነት የዕርፍ ከምዘይነበረ፣እዚ መኸተ ሳላ ላዕለዎት ወታሃደራዊ ኣመራርሓን ሳላ ንመናእሰይ ፎቖድኡ እናመልመለ ዝሰድድ ዝነበረ ካድረ ህወሓትን ከምተዓወተ፣ ክሳብ ዉዕሊ ፕሪቶሪያ ዝፍረም ዝነበረ ግዜ'ዉን ኣብ ምሕደራ ሃፍቲ መኸተ ትግራይ ልቂ ምጥፍፋእ ከምዝነበረ፣ ድሕሪ ምፍራም ውዕሊ ፕሪቶሪያ'ዉን ነቲ ዉዕሊ ንዘይምቕባል ምዕግርጋርን መሬት ከይረግፅ መሓዉራዊ ምትዕንቓፍን ከምዝነበረ ወዘተ ተረጋጊፁ ተሓሊፉ'ዩ::

እዞም ብጥቕልሉ ብኣብነት ዝተጠቐሱ መሰረታዊ ድኽመታት መንቀሊኦም ስትራቲጂያዊ ድኽመት መሪሕነት ህወሓት ምዃኖምን እዚ ማለት ድማ ብሓፈሻ ናይ ኩሉ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ድኽመት ብፍላይ ድማ ሽዑ ንማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ንጎኒ ኣግሊሎም በይኖም ዝዉስኑ ዝነበሩ 4/5 ኣባላት ፈፃሚት ኮሚቴ ህወሓት ቀንዲ ሰብ ዋና ስትራቴጂያዊ ድኽመት ምዃኖም ተሰሚርሉን ተቐቢሎምዎ ሓሊፎምን'ዮም::

ብመሰረት'ዚ ገምጋምን መደምደምታን ድማ ናብ ምቅፅፃዕ እንትእቶ ኣቦ-መንበር ህወሓት ካብ ስልጣኑ ክወርድ ብኣብዝሓ ድምፂ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ተወሲኑ እዩ:: ይኹን'ምበር ሽዑ ብዝነበረ " ከይንፈርስ" ዝብል ጉጉይ ስግኣታዊ ድባብ እቲ ስጉምቲ ክፀንሕ ኣብዚ ዉድብ ብዘይነበረን ብዘይፍለጥን መስርሕ "ሽምግልና" ተኸምቢቱ:: ካብ'ቶም ተሓተትቲ ሓደ ኣባል ፈፃሚት ጥራሕ ካብ ፈፃምነት ናብ ማ/ኮ ሓደ ደረጃ ክወርድ "ብሽምግልና " ተወሲኑ::

ትግራይ ናብዚ ሕዚ ኣትያቶ ዘላ ድከት ክትኣቱ ዝገበረ ቁልፊ ፀገም " ድኽመት ስትራቴጂካዊ መሪሕነት ህወሓት'ዩ " ዝብል መደምደምታ ኩሉ ኣባልን መሪሕነትን ህወሓት ዝተመያየጠሉን ዝወሰዶን ኮላይ ሓፋሽ ህዝቢ ትግራይ ዝወሰዶን ዝደምደሞን'ዩ:: ግን ሕዚ እዛ መሰረታዊት ነጥቢ'ዚኣ ኣብ ቦታኣ ኣላዶ ? ናበይ ኣበለት ? ንምንታይ ? ኢሉ ኩሉ ኣባል ህወሓት ይኹን ሓፋሽ ህዝቢ ክሓትት ኣለዎን ይግባእን::

" ድኽመት ህወሓት ዉድቀት ስትራቴጂክ መሪሕነት'ዩ " እትብል ወሳኒት መደምደምታ ሕዚ ኣብ ቦታኣ የላን:: ግዜ ብምጉታትን ሰብ ክፋዘዝ ብምግባርን እታ ቀንዲ ፍልፍል ንጎኒ ተገዲፋ፣ ሕዚ መንቀሊ ፀገምና " ኣብ ሞንጎ ኣተሓሳስባ ኣካብነት ኪራይን ልምዓታዉነትን ዘሎ ኣፈላላይ'ዩ " ናብ ዝብል ወሲዶምዋ ኣለው እዞም ፀገም ስትራቴጂክ መሪሕነት ኣለኩም ተባሂሎም ዝተገምገሙን ባዕሎም'ዉን ንድኽመቶም ዝተቐበሉን 3 ኣባላት ፈፀምቲ ህወሓት ::

ካብ ተሓታትነት ንምህዳም ዕንክሊል ዝብሉ ዘለው ኣባላት ፈፃሚት ስራሕ ህወሓት(3) መላእ ኣባል ህወሓት ፣ ህዝቢ ትግራይን ሰራዊት ትግራይን፣ ኮታስ ፈተዉን ፀላእን ንዝፈለጦ ድኽመት ስትራቴጂክ መሪሕነቶም ዓይኖም ዓሚቶም ብምድፋን መለስ ኣብ ገምጋም ተሃድሶ 93 ዓ.ም ዝፀሓፎ ከምዘለዎ ገምጢሎም ብምምፃእ ቀንዲ ፀገምና " ኣብ ሞንጎ ኣተሓሳስባ ኣካብነት ኪራይን ልምዓታዉነትን'ዩ ዝካየድ ዘሎ ግጥም'ዩ " ብምባል ኣንፈቱ ክስሕት ይገብሩ ኣለዉ:: ንባዕሎም " ልምዓታዉያን " ፣ ንዝቃለሶምን ዝቃዎሞምን ዘሎ መሪሕነት ህወሓትን ሓፋሽን " ኣካቢ ኪራይ " ገይሮም'ዮም ዝፍርጁ ዘለው:: ንባዕሎም " ደቂ በይዛኖ ተሓለቕቲ ህወሓት" ፣ ንዝቃለሶምን ዝቃዎሞምን ዘሎ መሪሕነትን ሓፋሽን " ኣፍራስን ጠላምን ህወሓት" ገይሮም'ዮም ክስእሉ ዝፍትኑ ዘለው::ግን ኣይኮነን !! ፀገም ህወሓት ዉድቀት ስትራቴጂክ መሪሕነት ምዃኑ ተነፂሩ ዝሓደረ'ዩ:: ዕንክሊል ንህወሓት ዝቐትል'ምበር ዘሕዊ ኣይኮነን:: ምኽንያቱ ሓባኢ ቁስሉ -ሓባኢ ፈዉሱ ስለዝኾነ !!

ፅቡቕ ! ዋላ በቲ ባዕሎም የድሕነና'ዩ ዝበልዎ ካብ ናይ 93 ዓ.ም ገምጋም ገምጢሎም ብዘምፅእዎ " ኣብ ሞንጎ ኣተሓሳስባ ኣካብነት ኪራይን ልምዓታዉነትን ዝካየድ ዝካየድ ዘሎ ግጥም'ዩ" ብዝብል መነፅር ንርኣዮ እቲ ህልዉ ኩነታት ህወሓት::

ህልዉ ኩነታት ህወሓት እቲ ኣተሓሳስባ ኣካብነት ኪራይ ናብ ምሒር ተግባር ካብ ዝሰጋገር ፀኒሑ'ሎ:: መላምል ትግራይ ምስ ፀላኢ ኣብ ዝዋደቕሉ ሰዓት መሪሕነት ህወሓት ሃፍቲ መኸተ ዘሪፉን ኣዝሪፉን'ዩ ፣ኣብ ዘይምዓልኡ ኣዉዒሉን'ዩ: : ህዝቢ ትግራይን ዲያስፖራን ንመኸተ ዘወፈይዎ ኣማኢት ሚልዮናት ቅርሽን ዶላርን ሽዑ ሓለፍቲ ቑጠባ ኮይኖም ይመርሑን ይሰርሑን ብዝነበሩ ፈፀመቲ ህወሓት ምስ ዝፍለጡን ዘይፍለጡን ሰባት ኮይኖም ሓንሺሾምዎን ንወፃኢ አሃዲሞምዎን'ዮም ፣ ዝተሃገረ ንብረት ፀላኢ ከም ነዳዲ ተቸርቺሩ ተሸይጡ'ዩ ኣብ እዋን ኲናትን ድሕሪኡን:: ነዚ ዝተረደአ ሓፋሽ ህዝብናን ተጋሩ ዲያስፖራን ዝገብርዎ ዝነበሩ ንጡፍ መኸተ ተዘሓሒሉን ቂሁሙን'ዩ:: ተጋሩ ዲያስፖራ " ንመኸተ ዘዋፃእናዮ ዶላር ዘጠፋፍኡ ይተሓተቱልና " ዝብል ሰልፊ ክሳብ ምክያድ በፂሖም'ዮም:: እዚኦም ዉሑዳት ግን ገዘፍቲ ኣብነት ተግባራዊ ኣካብነት ኪራይ'ዮም:: ኣብዚ ብኣዉርኡ ዝተኣለኸ ድማ መዋፈሪን ኣመሓዳርን ሃፍቲ ዝነበረ ፈፃሚት ህወሓት'ዩ:: ኣተሓሳስባ ጥራይ ዘይኮነ ምሒር ብተግባር ኣካብነት ኪራይ ዝሕተት ባዕሉ እቲ ፈፃሚት ስራሕ ህወሓት'ዩ::

በዚ ተግባራዊ ኣካብነት ኪራይ ከይሕተቱ ድማ እቲ ጉዳይ ኣብ ክንዲ ብዝምልከቶም ኣካላት ፍትሒ ዝረአ፣ ዝፅናዕን ዝፃረን ኣፍልጦ ምፅራይ ብዘይብሎም፣ ነቲ ጉዳይ ብዘይምልከቶም ሰባት፣ ገሊኦም'ዉን ኣብቲ ምጥፍፋእ ኢድ ኣለዎም ተባሂሎም ዝሕመዩ ሰባት ዘለዉወን ኮሚቴታት ብምጥያሽን ወገናዊ ሪፖርት ብምቕራብን ንግዚኡ'ዉን እንተኾነ ንባዕሎም " ንፁሃት " ዝብል ስእሊ ክጥመቑን ንኻልእ ክዉንጅሉን ፈቲኖም'ዮም:: ነዚኣ'ዉን ተሳታፊ ተዓዚብዋስ " ከመይ ከመይ'ዩ እቲ ነገር " ኢልዋ'ዩ ሓሊፉ:: ምስቲ ፈፃሚት ህወሓት ምንም ምትእስሳር ብዘይብሉ ዓርሰ እምነት ዘለዎ ሰብ እትምራሕ ሓንቲ ኮሚቴ ድማ " ምስ ፀላኢ ርክብ ዘለዎ ሰብ ኣይረኸብኩን:: ምስ ፀላኢ ርክብ ኣለዎም ዝተብሃሉ ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ ፀለመ'ምበር ኣብ ባይታ የለን " ዝብል ሪፖርት ብምቕራብ በቲ ሓደ ጉጅለ ዝተኣለመ ዉዲት ኣምኪናቶ'ያ::

ካልእ መግለፂ ተግባር ኣካብነት ኪራይ ኣባላት ፈፃሚት ህወሓት መድረኽ ብምዕፋን ፀረ-ዴሞክራሲያዊ ምዃን'ዩ:: ኣብቲ ከይዲ ምይይጥ ዝነበረ ኣባል ይፈልጦ'ዩ:: ግን ሓፋሽ ንክፈልጦ እቲ ዕድል ንዝተመረፁ ደገፍትና'ዮም ንዝብልዎም'ዩ ዝወሃብ ነይሩ ፣ ናይቲ ካልእ ወገን'ዮም፡ንዝብልዎም ተሳተፍቲ ዕድል ተኸሊኡ:: ነዚ ዝተዓዘቡ መራሕን ኣባላትን ቁፅፅር ኮምሽን ህወሓት እቲ ኣካይዳ ትኽክል ከምዘይኮነ፣ ሓሳብ ይዕፈን ከምዘሎ ፣ ብዕሊ ገሊፆም'ዮም:: እቲ ከይድን መጠቓለልን ንህወሓት ዘድሕን ዘይኮነ ንህወሓት ዘጥፍእ ምዃኑ ኣስሚሮምሉ'ዮም::

ንምጥቕላል ፀገም ህወሓትን ድከት ትግራይን ሓደን ክልተን ዘይብሉን ፀሓይ ዝወቕዖን ካብ ዉድቀት ስትራቴጂክ መሪሕነት ህወሓት ዝብገስ'ዩ:: ኣኸለ !! ፈዉሱ ድማ ከምቲ ጌታቸው ረዳ ኣብቲ መድረኽ ዝተዛረቦ : ዓቕሙ ፀናቒቑ ዘሎ መሪሕነት ህወሓት ካብ ስልጣኑ ወሪዱ ዝሕተት ተሓቲቱ ፣ ስልጣኑ ንመናእሰይ ምርካብ ጥራሕ'ዩ:: ኣኸለ ! !

ነዚ መሰረታዊ መደምደምታ'ዚ ንጎኒ ገዲፍካ ጓልን ወዲ ጓልን ምኽንያታትን ፍልፍላትን ካብ ሕሉፍ ፅሑፍ መለስ እናገምጠልካ ምድርዳርን ንሰብ ምድንጋርን ዕንክሊል ካብ ምብዛሕ ጠብ ትብል ዉፅኢት ኣየምፅእን:: !!

07/16/2024

ታደሰ ክእሰርእዩ ዘለዎ
- - -
ግዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንሰለስተ ላዕለዎት ኣመራርሓ ኮምሽን ፖሊስ ትግራይ ካብ ሓላፍነቶም ኣልዒሉ። ካብ ሓላፍነቶም ዝተልዓሉ ሓለፍቲ ፖሊስ ኮምሽን
- -
1ይ ም/ኮምሽነር ታደሰ መሰረት (ሓላፊ ምፅራይ ገብን)
2ይ ም/ኮምሽነር ገብረስላሴ በላይ (ሓላፊ ኣድማ ብተና)
3ይ ም/ኮምሽነር ብርሃነ ገብረኣነንያ (ሓላፊ ፉሉይ ልኡኽ)

ንምክትል ኮሚሽነር ገ/ስላሰ በላይ ሓዊሱ ሰለስተ ላዕለዎት ኣመራርሓ ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ካብ ሓላፍነቶም ከምዝተልዓሉ ዝወጹ ዘለዉ ሓበሬታታት የመላኽቱ።

"ም/ኮሚሽነር ሓላፊ ምጽራይ ገበን: ታደሰ መሰረት፤
[ ኣብ ዝሓለፈ ብወራር መዓድን፣ነዳድን ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባትን ብዝብል ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ክውዕል ዝተገበረን ቤት ፍርዲ ድማ ኣብ እሱር ኰይኑ ንክከታተል ወሲኑሉ ዝነበረን]

"ዋና ም/ኮሚሽነር ሓላፊ ኣድማ ብተና: ገብረስላሴ በላይ፤
[ ኣብ ጉዳይ ቅትለት ዘውዱ ተጠርጣሪ ንዝኾነ ሓው በዓልቲ ገዝኡ ኣብ ልዕሊ መርመርቲ ጽዕንቶን ምፍርራሓትን ዘብጽሕ ዝነበረ ሽዑ ብደብዳቤ እውን ዕላዊ ኰይኑ ዝተገለጸ፤]

* ም/ኮሚሽነር ሓላፊ ፉሉይ ልኡኽ: ብርሃነ፤

Congratulations to. Joel Teddy for graduation from Albert Enistine  high school July 6/2024 Decoration Embat DJ Dave Cam...
07/08/2024

Congratulations to. Joel Teddy for graduation from Albert Enistine high school July 6/2024

Decoration Embat
DJ Dave
Camera works Welday & Felma

የህወሃት ገፅታ ግንባታ አምሳሺ ተከፋይች
07/02/2024

የህወሃት ገፅታ ግንባታ አምሳሺ ተከፋይች

06/16/2024

እዋናዊ ኣካይዳ ኣለምን መንጀሪኖን!
======================

ምግላፅ ዋና ተለኣኣኽቲ ኣለም ኣብ ትግራይ
~~
ልኡኻት ኣለም ገብረዋህድ ሓሽከርነቶም ከረጋግፁ ኣብ ልዕሊ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፈጠራታት እናፈጠሩ ስም ግዝያዊ ምምሕዳር ንምጉዳፍ ድቃስ ዝሰኣኑ ይመስሉ።

#ሃይለ ደደብን #ባሻ ደስታን ነገር ጎይታ ኾይንዎም ጌታቸው ረዳ #ንኣለም ገብረዋህድ ክኣስር ይንቀሳቀስ ኣሎ እናበሉ ወግሐ ፀብሐ ይነግሩና ኣለው።

እዙይ ፈጠራ #ኣለም ገብረዋህድ ምዃኑ ምንም ዘጠራጥር ጉዳይ የቡሉን። እንተ ጌታቸው ከምኡ እንተገይሩ ከም ውልቀይ ንትግራይ ዓብይ ውዕለታ ከም ዝወዓለ እየ ኽሓስቦ።

ሐዚ ድማ ድማ ብወገኑ ናይ ማሕበር መናእሰይ ሓላፊ እየ ዝብል #ሰናይ ከሓሲ ዝተብሃለ ዋና መቀባበሊ ወረ ሓድሽ አጀንዳ ብምሓዝ እሱን እቲ ነባር ጉጅለ ኣለምን መንጀሪኖን ነቲ ናይ ለውጢ ሓይሊ ሓሊኹ ንምውዳቅ ዝተፈላለዩ መፃወድያታት ኣብ ምዝርጋሕ ተፀሚዱ ይርከብ።

እቶም ኣብ ከይዲ ምዝርጋሕ ዝርከቡ መፃወድያታት ዋና ኣንፈታት መፈፀሚ ሕልሞም ከም ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፦

እቲ ናይ መጀመርታ መሓውር ዞባታትን ወረዳታትን ብዝግባእ ምጥንኻርን ዝተውሃቦም ተልእኾ ብዝግባእ ክፍፅሙ ብዝኽእሉ ካድረታት ብደንምቢ ፈቲሽካ ምስትኽኻል እዩ።

እዚኣቶም ነቲ ብግዝያዊ ምምሕዳር ዝወሃቦም መደብ ከም ተወሳኺ መደብ ወሲዶምን ቀንዲ ስራሕቶም ግና ብኒ ኣለምን መንጀሪኖን ዝወሃቦም መደብ ናይ ምፍፃምን ነቲ ናይ ለውጢ ሓይሊ መደብ ናይ ምዕንቃፍን ናይ ምሓዝን ቐፂሉ ነቲ ናይ ለውጢ ሓይሊ ናይ ምፍርራስን ባይታ ከይረግፅ ምንቅስቃስን ስራሕ ብዕቱብ እናሰርሑ ይርከቡ።

እዚ ሓደገኛ ጉጅለ ንዝአመነሉ ግብረ እከይ ለይትን ቀትርን ናይ ምስራሕ ልምዲ ከም ዘለዎ እሙን እዩ። ስለዚ ኣብ ላዕሊ ደብረፅዮንን ጌታቸው ኣሰፋን ደገፍቲ ጌታቸው ረዳ መሲሎም ብምቅራብን ኣፍተን ቀለልቲ ጉዳያት ካብ ኣለምን መንጀሪኖን ብዝተፈለየ መልክዑ ከም ዝድግፍዎን ብቐሊሉ ንጌታቸው መፈፀሚ ዓላምኦም ክገብሩ፣ ነቶም ጫፍ ወፂኦም ነዛ ለውጢ ክትመፅእ ዝገበሩ ቀንዲ መራሕቲ ለውጢ ድማ ካብ ዝነበሮም ምድብ ገለል ክብሉ ተገይሮም ንገሊኦም ድማ ካብ ምድቦም ቀይርካ ናብ ምንም ውሳነ ዘይወሃበሉ ቦታ ብምምዳብ ክድስክሉ ናይ ምግባርን ምስቲ በቲ ለውጢ ዝመፀ ሓይሊ ቅሬታ ክሕዙን ኣፈላላይ ክፈጥሩን ኢሎም እውን ኣንፃሩ ክለዓሉ ምግባርን ስራሕቲ፣ ነቲ ሰጋእ መጋእ እናበለ ነቲ ለውጢ ዝደገፈ ሓይሊ ከምኒ በየነ መክሩ፣ ሶሎሞን መዓሾ፣ ሽሻይ መረሳ፣ ሓጎስ ጎደፋይ ድማ ሰብ መዲቦም ውድብ ይፈርስ ኣሎ ከመይ ገይርኩም ንስኹም እናሃለኹም ውድብ ይፈርስ ነዓና ክንድድላይኩም ዋላ ፅልኡና ንስኹም ትመስሉ ተጋደልቲ ግና ኣብ ምድሓን ውድብ ክትሕግዙ እዩ ዝግባእ ዘሐሸ ቦታ ድማ ክንህበኩም ኢና ብዝብል ንሕድሕዶም ሰብ መዲቦም ሰፊሕ ናይ ምንፃል ስራሕቲ ይሰርሑ ኣለው።

ሳልሳይ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ወሳናይ ኣካል ከም ዘይኮነ ንምርኣይ ጠንኪሮም ይሰርሑ ምህላዎም ምንቃሕ የድሊ። ሐዚ እውን ጉጅለ ኣለምን መንጀሪኖን ዘይኣመንሉ ከም ዘይፍፀም ከርእዩ ብዕቱብ ይሰርሑ ኣለው።

ናይ ቤት ህንፀት ሓላፊ ተወልደብርሃንን ሓላፊ ፀረ ግዕዝይና ግዕዙይ ብርሃነ ወዲኣንብሉን ብተወሳኺ እውን ሰናይ ከሓሲ ተዋዲዶም ዝፍፅምዎ ዘለው ናይ ምዕንቃፍ ስራሕቲ ኹሉ ህዝቢ ትግራይ ክፈልጦ አለዎ።

06/16/2024

ትማሊ ዕለት 03/10/2016 ዓ/ም ኣብ ከተማ ዓድዋ "ፍትሒ ንማህሌት" ዝብል ተበግሶ ሒዞም ድምፆም ከስምዑ ኣብ ምድላው ዝነበሩ መናእሰይ ከም ዝተኣሰሩ ምስ ሰማዕና ከም ትካል ሰብኣዊ መሰል ነቲ ኩነታት ንምፅራይ ፃዕሪ ገይርና ኢና።

ካብ ዝተፈላለዩ ፍልፍላት ከም ዝተረዳእናዮ እቶም መናእሰይ መጭወይቲ መንእሰይ ማህሌት ከም ዘተሓሳሰቦም ብምግላፅ ፍትሒ ንምሕታት ናብ ኣደባባይ ከም ዝወፁ ንቤተሰብ ማህሌት ኣፍሊጦም እዮም። ምድላዋት ንምግባር ኣብ " ሸዊት ኣደባባይ" ዝብሃል ክፋል ከተማ ዓድዋ ከባቢ 8+ ዝኾኑ መናእሰይ እናተዘራረቡ እናሃለው ንጉሆ ሰዓት 3:00 ፖሊስ መፅዮም ከም ዝኣሰርዎም፣ ድሕሪ ሰዓት ድማ ብዋሕስ ከም ዝፈትሕዎም ካብቶም ዝተኣሰሩ መረዳእታ ረኺብና ኢና።

ንዝምልከቶ ኣካል ናይቲ ከተማ ሰልፊ ከም ንገብር ኣየፍለጥናን፣ ምኽንያቱ ሎሚ ምርድዳእን ምድላዋትን ንምግባር እምበር ሰልፊ ክንወፅእ ሓሳብ ኣይነበረናን ብምባል ሓደ ካብቶም መተሓባበርቲ ገሊፁልና እዩ። ብተወሳኺ መዘራረቢ ዛዕባኦም "ፍትሒ ንማህሌት" ዝብል ጥራሕ ከም ዝነበረን፣ ካልእ ፖለቲካዊ ሕቶ ከም ዘይነበሮ ሓቢሩና እዩ። መጭወይቲ ማህሌት ብጣዕሚ ከም ዘጨነቖም ፣ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ዝበፅሑ ዘለው ጥሕሰት መሰላት ንምሕታት ከም ዘተሓሳሰቦም ገሊፆም እቲ ሰልፊ ኣብ ቀፃሊ ንዝምልከቶ ኣካል ኣፍሊጦም ብሰላማዊ መንገዲ ኣብ ኣደባባይ ሕቶታቶም ከም ዘቕርቡ ድማ ሓቢሩና።

ትካልና ንዝምልከቶ ኣካል ኣፍሊጥካ ብሰላማዊ መንገዲ ዝግበር ሰላማዊ ሰልፊ ሕገ መንግስታዊ መሰል ስለዝኾነ መንግስቲ ናይ ፀጥታ ድጋፍ ክህብ የተሓሳስብ።

ፍትሒ ንግዳያት መቕተልቲ፣ ጭውያ፣ ምድፋር ወዘተ ዝኾና ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ።

Women, foundation of the society!!

ቅድሚያ ንሰብኣዊ መሰላት / Human Rights First

መንግስቲ ትግራይ ብቅልጡፍ ክገብሮ ዝግባዕ 1/ መንዕሰይ አብ ምዕላሽ መዓድን ወዲቡ ክሰርሑ ምግባር ናይ ገንዘባዊ ሓገዝ ምግባር ተዘይኾይኑ ሓፍቲ ትግራይ ብፍላይ ወርቂ ናይ ካናዳ ናይ ኤምሬት...
05/16/2024

መንግስቲ ትግራይ ብቅልጡፍ ክገብሮ ዝግባዕ

1/ መንዕሰይ አብ ምዕላሽ መዓድን ወዲቡ ክሰርሑ ምግባር
ናይ ገንዘባዊ ሓገዝ ምግባር

ተዘይኾይኑ ሓፍቲ ትግራይ ብፍላይ ወርቂ ናይ ካናዳ ናይ ኤምሬት አትየን ክግሕፈዖ እየን

መንዕሰይ ናይ ስራህ ዕድል ኽፈትሉ !!

Address

Washington D.C., DC

Opening Hours

Monday 9am - 5pm
Tuesday 9am - 5pm
Wednesday 9am - 5pm
Thursday 9am - 5pm
Friday 9am - 5pm

Telephone

+12022882217

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Welday Mesfin Teka posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Welday Mesfin Teka:

Share