
30/04/2025
ጽላሎት ደብረጽዮን ዘንጸላለዎ ጌታቸው ዕላማ ህወሓት ከቐጽል ድዩስ ኣንጻር ህወሓት እዩ ክገጥም?
ን17 ዓመት ብዕጥቃዊ ቃልሲ ልዕሊ 30 ዓመት ድማ ብመንግስትነት ኣብ ፖለቲካ ትግራይ ዝዓበየ ፅልዋን ፀቕጥን ዘሕደረ ውድብ ህወሓት መበል 50 ዓመቱ እንትደፍን ህልውንኡን ህልውና ትግራይን ኣብ ሕቶ ምልክት ኣውዲቑ ዓብዪ ምስንጣቕ ገጢሙዎ ይርከብ።
ካብ ተሓታትነት ኲናት ትግራይን መዘዛቱን ንምህዳም ዝተገበረ ሓያል ውጥጥ መሪሕነት ህወሓት ብደረጃ ፍንጫል ካብ ዝፈጠሮም ዓበይቲ ጕጅለታት ብተወሳኺ ዘይገንገኑ ንኡሳን ጕጅለታት እውን ኣብ ውሽጡ ሒዙ ሓንሳብ ንሰሜን ሓንሳብ ንደቡብ ኣብ ዘይመልአ ድማ ናብ ምዕራብ እናተነነወ ቀዋሚ መሓዛ ከየፍረየ ኣብ ዝቐፀለሉ እዋን "ኣነ እየ ህወሓት፣ ኣነ እባ" ዝብል ውጥጥ ግን መዕለቢ ዝረኸበ ይመስል።
ድሕሪ ምስረታ ጊዝያዊ መንግስቲ ነቲ ውድብ ወኪሉ ፕሬዝደንት ዝዀነ ጌታቸውን ኣቦ ወንበርነት እቲ ውድብ ሒዙ ዝቐፀለ ደብረጽዮንን ኣብ እዋን ፕሬዝደንትነት ጌታቸው ዝፈጠሩዎ ቅርሕንቲ ዴሞክራሲያዊ ዝመስል ከይዲ ክሓልፍ ቀንዩ ኣብ መወዳእታ ብሻንበቆ ብረት ተዓጂቡ ብዓወት ደብረጽዮንን ጕጅልኡን ተዛዚሙ እንትበሃል ጌታቸው ዳግም ካልእ ገፅ ሒዙ መጽዩ 'ሎ።
ንትግራይ ኣኬልዳማ (Blood bath) ካብ ምግባር ፖለቲካዊ ቃልሱ ትሕቲ ተዅሲ ብዘለው ኣማራጽታት ክገብር ከም ዝመረጸ ዝገልጽ ጌታቸው ካብቲ ኣብ ጊዜ ፕሬዘደንትነቱ ዘበርከቶ ንላዕሊ ስልጣኑ ብሓይሊ ንምዕቃብ ብዘይምጽዓር ዘትረፎ ደም ምፍሳስ ዝበለጸ ስርሑ ምዃኑ ብደገፍቱ ይውደስ።
ነቲ ነበር ፕሬዝደንት ኣብ ስልጣን እናሃለወ ኣትሒዙ ነበር ፕሬዝደንት ክብሎ ዝጸንሐ ቤት ጽሕፈት ህወሓት ባህጉ ሰሚሩሉ ዝደለዮ ስልጣንን ብኣገላልጻ ጌታቸው "እኽለማይ ዝርከበለን ቢሮታትን" ተቖጻጺሩ 'ሎ።
ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝሓሸ ጨና ዴሞክራስን ናጽነት ፕረስን ዘርኣየ ጌታቸው ክሳብ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ብስም እቲ ዝመርሖ ክፋል ህወሓት መግለጽታት ከውጽእ ድሕሪ ምጽናሕ ካብቲ ብቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ንኽዝረዝ ሰሙናት ተሪፉዎ ዘሎ ህወሓት ብምውጻእ ሓዱሽ ውድብ ይምስርት ምህላውን ነዚ ዝገበረሉ ምኽንያት ድማ ዕላማ ህወሓት ኣብ ኢድ በዓል ደብረጽዮን ከይሓቅቕ ብምስጋእ ምዃኑ እዩ ዝገልፅ። እንተዀነ ብስነ ሓሳብ ይዅን ብተግባር ኣንፃር ህወሓት ክገጥም ክግደድ እዩ።
ደብረጽዮን ምስ ጕጅልኡ ኣንጻር ጌታቸው ካብ ዝሰርሖ ፖለቲካዊ ወፍርታት ንላዕሊ እቲ ፕሬዝደንት ትግራይ ኰይኑ ዝሰርሖ እዩ ኣንጻር ጌታቸው ብዙሕ ፖለቲካዊ ከስቢ ክረክብ ሓጊዙዎ።
ኣብ መንጐ ኣለም ገብረዋህድን ኣባይ ወልዱን ንዝነበረ ምልሕሓጽ ኔትዎርክታት ተበሊጹ ወዲ መንጎ ኰይኑ ንኣቦወንበርነት ህወሓትን ፕሬዝደንትነት ትግራይን ዝሓዘ ደብረጽዮን ብዙሓት ተስፋ ዝገበሩሉ ለውጢ ክመርሕ ዝተሓጸየን ብደገፍትን ተቓወምትን ህወሓት ማዕረ ዝተደገፈን ብምንባሩ ወኪል ብሄርተኝነት ትግራይ ንምዃን ጊዜ ኣይወሰደሉን።
ደገፍ ኣብ ኩሉ ጫፍ ዓለም ዝነበረ ትግራዋይ ዘይተፈለዮ ደብረጽዮን ንኹሎም ዕድላት ብምሕንሻሽ ተስፋ ለውጢ ብዙሓት ንውልቃውን ጉጅላውን ድሌታቱ ዘሀገረ መራሒ ብምዃኑ ለውጢ ማለት ከም ናቱ መሪሕነት ተገይሩ ክሕሰብ ብምግባሩ ንጌታቸው ኣቐዲሙ ተስፋ ለውጢ ብምሕንሻሽ እዩ ስዒሩዎ።
ምስ ደብረጽዮን ኰይኑ ተስፋ ለውጢ እንትሕንሸሽ ኣባል ፈጻሚት ዝነበረ ጌታቸው እምበኣር ኣብ ውሽጢ ህወሓት ኰይንካ ለውጢ ምምጻእ ይከኣል እዩ ዝብል ሓሳብ ከሰጕም ድሕሪ ምጽናሕ ሕጂ ብግልጺ ናይ ባዕሉ ውድብ ሒዙ ከም ዝመጽእ ይገልጽ ኣሎ።
ምስራዝ ህወሓት ዘስዕቦም መዘዛት ንምትራፍ ንዓመታ ኣብ ዝግበር መረጻ ንቦታ ህወሓት ተኪኡ ክመጽእ ዝሸባሸብ ዘሎ ጌታቸው ንሊበራል ዴሞክራሲ ኣብ ስያመ እቲ ሓዱሽ ውድብ ብምእታው ኣንፃር እቲ ንወያናይ ዴሞክራሲ ዝተወቀጠ ነባር ውድቡ ህወሓት ክገጥም እዩ።
ብጽላሎት ደብረጽዮን ብዙሕ ክሳራታት ዝገጠሞ ጌታቸው በዚ ሒዝዎ ዘሎ መገዲ ከምቲ ኩሉሻዕ ዝብሎ ቀጥታዊ ኣጀንድኡ ትግራይ ብምግባር ኣብ ፖለቲካ ትግራይ ለውጢ የምጽእ ዶ ይኸውን? ወይስ ከም ደብረጽዮን ኣብ መጻወድያ እቲ ኣማኻሪ ጕዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ገይሩ ስልጣን ዝሃቦ ኣብዪ ኣትዩ ዝተጸሓፈሉ ገጸ ባህሪ ይዋሳእ? ቀጸልቲ መዓልትታት ምናልባት ምሉእ መልሲ እንተዘይሃባ ኣንፈት ግን ክሕብራ እየን።
ንታደሰ ወረደ ፕሬዝደንት ገይሩ ንስያመ ህወሓት ምስ ጊዝያዊ ኣፍልጦ ዝወነነ ደብረጽዮን ዝመርሖ ድሌት ብዙሓት ርእስታት ዝሓዘ ጕጅለ ብኣንጻሩ ድሕሪ እቲ ንጌታቸው ካብ መዝነት ዝኣለየሉ ወፍሪ ኣብ ውሽጣዊ ሕቱኽቱኽ ከይተጸመደ ኣይተረፈን።
ንመዝነት ወዲ ወረደ ብቐረባ እናተኸታተለ፣ ከምቲ ኣብ መጀመርታ ዘመን ፕሬዝደንትነት ጌታቸው ዝበሎ ንዕማማት ግምት ክንድግፍ ኢና ዋላ እንተበለ ብሓቂ ክድግፎ ድዩ ክጸርፎ ግና ቅዋሙ ከይነፀረ ንጌታቸውን ኣብዪን እናሓለወ ንሻዕብያ እናማዕደወ "እኽለ ማይ" ዝርከበለን ትካላት እናተቖጻጸረ መዓልትታት ይቖጽር ኣሎ።
ብድሌቱን ረብሓ ህዝቡን ምጕዓዝ ደው ዘበለ ፖለቲካ ትግራይ ዝሓየለን ዝጐርሐን ደጋዊ ሓይሊ ዝገንሖ ካብ ዝኸውን ፀኒሑ እዩ። መዓልታዊ ይረኣዩ ዘለው ምዕባለታት ኣብቲ ዘይተርፍ ዝመስል ዘሎ ውግእ ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብ በሰላ ኲናት ንዘይሓወየት ትግራይ ጐቲቱ ዘእትው ዕድላት ከይህሉ ኣብ ክንዲ ምክልኻል ባዕሉ ደፊኡ የእትዋ ዘሎ ምግጋይ ዘይርብርብ መሪሕነት ህወሓት ሎሚ እውን ካልእ ጽንታ ይጽውዕ ኣሎ።
ብዅሉ ወገን ይግበር ዘሎ ጻዕሪ ኣንጻር ትግራይ ናይ ምዃን ዕድሉ ልዑል ኣብ ዝዀነሉ እዋን ሓዱሽ ውድብ ጌታቸው መሊኡ ዘይተቐንጠጠ ደበና ኲናት ንዘንጸላለዎ ሰማይ ትግራይ ሰላም ከዝንብ ትምኒት ብዙሕ ትግራዋይ እዩ።
ሓለፎም'የ