Tigray Media Network

  • Home
  • Tigray Media Network
ዓለምለኸ መዓልቲ ጆኖሳይድ ምኽንያት ብምግባር  ፓርላማ ዓባይ ብሪታንያ ሃውስ ኦፍ ሎርድስ  " ትግራይ ዘኽር " ብዝብል መሪሕ ሓሳብ  ፅንተት ህዝቢ ትግራይ ዝጠመተ መድረኽ ኣሳሊጡ ።ብተበግሶ...
12/12/2024

ዓለምለኸ መዓልቲ ጆኖሳይድ ምኽንያት ብምግባር ፓርላማ ዓባይ ብሪታንያ ሃውስ ኦፍ ሎርድስ " ትግራይ ዘኽር " ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ፅንተት ህዝቢ ትግራይ ዝጠመተ መድረኽ ኣሳሊጡ ።

ብተበግሶ ኣባል ቤት ምኽሪ ዓባይ ብሪታንያ ሎርድ ዳቪድ ኣልቶን ከምእውን ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት ሮዌና ካሕሳይ ዝተዳለወ ኮይኑ ብቴድሮስ ገረእግዚኣብሄር በላይ Tedros G. Belay ፍፁም ብርሃነ Fetsum Berhane Dire ብጥምረት ዝተሰርሐ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ንዝተኻየደ ፅንተታዊ ኩናት ስዒብ ዝተፈፀመ ትሉም ፅንተት ዘንፀባርቕ ፍሉይ ናይ ጄኖሳይድ ዶክመንቴሽኝ ፕሮጀክት ፊልም እውን ንምርኢት ክቐርብ ተገይሩ እዩ ።

ካብ ሞንጎ ነቲ ፊልም ዘሰናድኡ ሓደ ፍፁም ብርሃን ንኽልተ ዓመት ዝደኸምናሉ ፍሉይ ናይ ጄኖሳይድ ዶክመንቴሽኝ ፕሮጀክት ብኣባላት ፓርላማ ብርታንያ ክርአ ምርኣይ ኣዝዩ ዘዕግብ እዩ ኢሉ ኣሎ ።

ቴድሮስ ብግድኡ ኣብ ዓለም ለኸ መዓልቲ ዝኽርን ክብርን ግዳያት ገበን ምጽናት ዓሌትን ምክልኻል ፡ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ፅንተት ኣብ ባይቶ ዓባይ ብሪታንያ ሃውስ ኦፍ ሎርድስ ንዝኽሪ ምጽናት ዓሌት "ትግራይ ዘክር" ብዝብል ምስ ፍፁም ብርሃነ ብሓባር ዘቕረብናዮ ዶክመንተሽን ፊልም ድሕሪ እቲ ግጭት ዘጋጠመ ሳዕቤን ዘቃልዕ ሓያል ትርጉም ዘለዎ ፊልም ነቲ ኣብ ዙርያ እቲ ግጭት ዘሎ ብዝያዳ ግንዛበ ዘጨብጥን ዘገንዝብ ብሙኻኑ ልዑል ግደ ኣለዎ ክብል ገሊፁ ኣሎ ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ዝገብሮ ዝነበረ በረራ ኣቋሪፁ::መቐለ÷27 ነሓሰ 2016 ዓ.ም ትግራይ ሚድያ ነትወርክ(Tigray Media Network) መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ዋና...
05/09/2024

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ዝገብሮ ዝነበረ በረራ ኣቋሪፁ::

መቐለ÷27 ነሓሰ 2016 ዓ.ም ትግራይ ሚድያ ነትወርክ(Tigray Media Network) መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ዋና ከተማ ኤርትራ ኣስመራ ዝገብሮ ዝነበረ በረራ ካብ 28 ነሓሰ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ከምዘቋርፅ ኣፍሊጡ ::

እቲ መንገዲ ኣየር ናብ ኣስመራ ዝገብሮ በረራ ንምቁራፅ ዝተገደደ ኣብ ኤርትራ ግልጋሎቱ ንክህብ ዕንቅፋት ብዝኾነ መስርሕ ምኽንያት ምኻኑ ገሊፁ::

TMN

ንኹልኽን ኣዋልድን ደቀንስትዮን እንኳዕ ናብ በዓል ኣሸንዳ ኣብፅሓክን😍📻 ምድላው ዕለተ ሓሙስ T M N እነሆ ጀሚሩ📻👉🏻በዓል ኣሸንዳ ኣብ ትግራይ  ብድምቀት  ክኽበር ጀሚሩ👉🏻ሚኒስተር ፋይናን...
22/08/2024

ንኹልኽን ኣዋልድን ደቀንስትዮን እንኳዕ ናብ በዓል ኣሸንዳ ኣብፅሓክን😍
📻 ምድላው ዕለተ ሓሙስ T M N እነሆ ጀሚሩ📻
👉🏻በዓል ኣሸንዳ ኣብ ትግራይ ብድምቀት ክኽበር ጀሚሩ
👉🏻ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ማእሰርቲ ዓሪፉ
👉🏻ግንባር ነፃነት ኦሮሞ ንክልተ ኮርያውያን ብምጭዋይ ንኣልሸባብ ኣሕሊፉ ሂቡ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ከሲሱ
👉🏻ሓፀርቲ ዜናታት’ውን ኣለና
ሰናይ ምክትታል🌹

ስውእ ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ኣስረስ             ( 1947 - 2004 )ትውልዲ ቦታ★ 1 ጉንበት 1947 ዓም ካብ ወላዲቶም ወ/ሮ ኣለማሽ ገብረ ልዑልን ወላዲ ኣቦኦም ኣይተ ዜናዊ ኣስ...
21/08/2024

ስውእ ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ኣስረስ
( 1947 - 2004 )

ትውልዲ ቦታ

★ 1 ጉንበት 1947 ዓም ካብ ወላዲቶም ወ/ሮ ኣለማሽ ገብረ ልዑልን ወላዲ ኣቦኦም ኣይተ ዜናዊ ኣስረስ ኣብ ከተማ ዓድዋ ተወሊዱ።

ትምህርቲ

★ ክሳብ 8ይ ክፍሊ ኣብ ዓድዋ ቤት ትምህርቲ ንግስተ ሳባ ተማሂሩ። ካብ 1961 ክሳብ 1964 ዓም ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቱ ኣብ ጀነራል ዊንጌት ተኸታቲሉ።

★ ብ1965 ዓም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ፋካልቲ ሕክምና ብምእታው ትምህርቱ ምክትታል ጀሚሩ።

ተሳትፎ ፓለቲካ

★ ብ1966 ዓ/ም ንፈለማ ኣብ መማኽርቲ መረፃ ተምሃሮ ንፋካልቲ ሳይንስ ወኪሉ ብምስታፍ ናይ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ቤት ምኽሪ ተምሃሮ ኣባል ብምዃን ናብ ኣመራርሓ ምንቅስቓስ ተምሃሮ ኢትዮጵያ ተፀንቢሩ ።

★ ኣብ ወርሒ መስከረም 1967 ዓ/ም ማሕበር ገስግስቲ ብሔረ ትግራይ (ማግብት) ምስተመስረተ ኣባል ኮይኑ።

★ ብ1967 ዓ/ም ስርዓት ደርግ ንምቅላስ ናብ ገድሊ ብምፅንባር ኣባል ትሓሕት/ ህወሓት ኮይኑ። ካብ 1967 ዓም ክሳብ 1969 ድማ ኣብ ታሪኽ ህወሓት ምርግጋፅ ህልውና ዝነበሩ ፈተናታት ብፅንዓት ተሻጊሩ።

★ ኣብ 1971 ዓ/ም ኣብ 1ይ ውድባዊ ጉባኤ ህወሓት ማእኸላይ ኮሜቴ ኮይኑ ተመሪፁ።

★ ካብ 1971 – 1975 ዓ/ም ህዝቢ ትግራይ ኣብ ብሄራዊን ህዝባውን ቃልስን ብስፍሓት ክሳተፍ ኣብ ዝተገበረ ምንቅስቓስ ብመሪሒነት ተሳቲፉ።

★ ኣብ 1975 ዓ/ም ኣብ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ኣባል ማእኸላይ ኮሜቴን ፓሊት ቢሮ ኮይኑ ተመሪፁ።

★ካብ 1976– 1981 ዓ/ም ቃልሲ ህወሓት ምስ ቃልሲ ህዝብታት ኢትዮጵያ ንምትእስሳር ናይ መፅናዕትን መሪሒነትን ተራ ተፃዊቶም።

★ ኣብ 1981 ዓም ኣብ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ዋና ፀሓፊ ብምዃን ተመሪፁ።

★ ኣብ 1983 ዓ/ም ወርሒ ሕዳር ኣብ ፈላማይ ጉባኤ ኢህወደግ ኣቦ ወንበር ኮይኑ ተመሪፁ።

ተሳትፎ ኣብ መሪሕነት መንግስቲ

★ ኣብ 1983 ዓ/ም ወርሒ ግንቦት ኢህወደግ ኣዲስ ኣበባ እንትቖፃፀር ፕረዝደንት ግዝያዊ መንግስቲ ኢህወደግ ኮይኑ ንሓደ ወርሒ ኣገልጊሉ ።

★ ካብ ወርሒ ሓምለ 1983 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 1987 ዓ/ም መወዳእታ ፕረዝደንት ሽግግር መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮይኑ ኣገልጊሉ።

★ ኣብ 1987 ዓ/ም ንፈለማ እዋን ዝተገበረ ዲሞክራሲያዊ መረፃ ኢትዮጵያ ስዒቡ ኣብ 1988 ዓ/ም ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኮይኑ ።

★ ኣብ 1992 ዓ/ም ካልኣይ ሃገር ለኸ መረፃ ስዒቡ ንካልኣይ ግዘ ቀዳማይ ሚኒስተር ፌድሪኢ ብምዃን ብ1993 ዓ/ም ተመሪፁ።

★ ኣብ 1997 መረፃ ሃገር ለኸ ሳልሳይ ዙር ስዒቡ ብ 1998 ዓ/ም ወርሒ መስከረም ንሳልሳይ ግዘ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ።

★ ኣብ 2002 ዓ/ም ዝተኻየደ ራብዓይ ሀገር ለኸ መረፃ ስዒቡ ብ2003 ዓ/ም መስከረም ቀዳማይ ሚኒስተር ፌዴሪኢ ኮይኑ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ሃገሩን ህዝቡን ኣገልጊሉ እዩ።

★ ምስ ለውጢ ኩነታት ኣየር ተተሓሒዙን ኣብ ካልኦት ጉዳያትን ድምፂ ኣፍሪካ ኣብ መድረኽ ዓለም ፣ ኣብ ኣባል ሃገራት ጉጅለ ሾሞንተን ን 20 ኣኼባታት ብምስታፍ ወኪል ድምፂ ህዝብታት ኣፍሪካ ዝብል ሽም ዝረኸበ ብሉፅ ኣፍሪካዊ መራሒ ነይሩ ።

★ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳ 1995 ካብ ኦፕን ዮኒቨርስቲ ዩናይትድ ኪንግደም ብቢዝነስ ኣድሚኒስትሬሽን፣ ብ2004 ድማ ካብ ኔዘርላንድስ ዩኒቨርስቲ ኣኢራስመስ ብኢክኖሚክስ ካልኣይ ዲግሪ ረኺቡ እዩ።

ኣብ 2002 ኣቆፃፅር ኣውሮፓ ድማ ካብ ደቡብ ኮርያ ዩኒቨርስቲ ሃናማ ብፓለቲካል ሳይንስ ናይ ክብሪ ዶክትሬት ድግሪ ተቐቢሉ።
TMN

30/06/2023

በትግራይ የምግብ እርዳታ ሥርጭት ከተቋረጠ ወዲህ በትንሹ 700 ሰዎች "በርሃብ" መሞታቸውን ከክልሉ የበታች አስተዳደር አካላትና ከአጥኝዎች ሰምቻለሁ ሲል አሶሴትድ ፕሬስ ዘግቧል።

የክልሉ አደጋ መከላከልና ምግብ ዋስትና ቢሮ በበኩሉ፣ ከርሃብ ጋር በተያያዙ ምክንያቶች የምግብ እርዳታ ከቆመ ወዲህ በሦስት ዞኖች ብቻ የ728 ሰዎች ሕይወት ማለፉን መመዝገቡን ገልጧል ተብሏል።

የመቐለ ዩኒሸርስቲ አጥኝዎች ደሞ፣ በሰባት የተፈናቃዮች መጠለያዎች፣ 165 ሰዎች "በርሃብ" እንደሞቱ መረጃ አጠናቅረናል ማለታቸውን ዜና ምንጩ ጠቅሷል።

14 ለካቲት 2023ጠበቓታት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰዓብታ ከም ዝተኣሰሩን መብዛሕትኦም ድማ ናብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣዋሽ ሰባት ከም ዝተወስዱን ንቢቢሲ ገ...
15/02/2023

14 ለካቲት 2023

ጠበቓታት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰዓብታ ከም ዝተኣሰሩን መብዛሕትኦም ድማ ናብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣዋሽ ሰባት ከም ዝተወስዱን ንቢቢሲ ገሊጾም።

እዚ ፍጻመ ምስቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብታ ቤተ ክርስትያን ዘጋጠመ ፍጻመ ዝተኣሳሰር ምዃኑ’ውን ሓቢሮም።

ኣቦ መንበር ዓቢ ኮሚቴ ጠበቓታት እታ ቤተክርስትያን ኣያሌው ቢታኔ፡ ክሳዕ ሕጂ ብዘለዎ ሓበሬታ ቁጽሪ እቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ኣመንቲ ልዕሊ 200 ከም ዝኾነ ተዛሪቡ።

ይኹን እምበር እቲ ብዝሒ ገና ብንጹር ከም ዘይተፈልጠን ነዚ ዕላማ ዝተጣየሸ ኣካል ኣብ ዝቕፅሉ መዓልታት ዝርዝር ሓበሬታ ከም ዘቕርብን ወሲኹ ገሊጹ።

ኣቶ ኣያሌው ከም ዝብሎ፡ እቶም ኣመንቲ መብዛሕትኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኡን ተኣሲሮም ናብ ኣዋሽ ሰባት ተወሲዶም ኣለዉ።

ብተወሳኺ፡ ቁጽሪ እቶም ናብ ኣዋሽ ዝተወሰዱ ሰባት ክንደይ ምዃኑ ብልክዕ እኳ እንተዘይፈለጡ፡ ካብ 100 ክሳብ 200 ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ገሊጹ።

ካብቶም 'ሽበራዊ ንጥፈታት ንምፍጻምን ዘይወግዓዊ ትካል ብምቛም ሕገ መንግስቲ ንምድኻም ብምንቅስቓስ' ተጠርጢሮም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኣሰሩ፡ እቶም 12 ሰኑይ 06 ለካቲት 2015 ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ነይሮም።

ካብዚኦም እቶም 7 ጥርጡራት ብዋሕስ ክፍትሑ እንከለዉ፡ እቶም ዝተረፉ ን14 ለካቲት 2015 ከም ዝተቖጸሩ እቲ ጠበቓ ሓቢሩ።

ካብቶም ብገበን ግብረሽበራ ዝተጠርጠሩ ኣደመንበር ማሕበራት መንእሰያትን ዓበይትን እታ ቤተክርስትያን ፌቨን ዘሪሁን፡ ዋና ጸሓፊ ናይቲ ማሕበር ብሩክታዊት ነብዩ፡ ከምኡ’ውን መሳይ ተፈራ፡ ተካልኝ ኢትቻ፡ ወንድወሰን ንጉሴ፡ ረ/ሳጅን ሳጅን፡ ሰራዊት ጸጋን ፋሲል ኣግደውን ከም ዝርከብዎም እቲ ማሕበር ኣመልኪቱ።

እቲ ዝርዝር ጥርጡራት ንኣማኑኤል ኣያሌው፡ ከሩቤል ኣሰፋ፡ ሰይፉ ኣለማየሁ፡ እጅጋየሁ ዳርጌን ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ሰባኺ ኮይኑ ዘገልግል መምህር ምሕረተኣብ ኣሰፋን ዘጠቓልል'ዩ።

ኣመሪካ ኣብ ግዝኣታ መንነቱ ዘይተፈልጠ ዝበርር ኣካል ተኲሳ ከምዘውደቐት ኣፍሊጣ*******ወሃቢ ቃል እቲ ፕረዚደንት ጆን ኪርቢ ከም ዝበሎ፡ እዚ ኣካል ግዝፈቱ፡ ክንዲ መኪና ዝኸውን እዩ።እቲ...
11/02/2023

ኣመሪካ ኣብ ግዝኣታ መንነቱ ዘይተፈልጠ ዝበርር ኣካል ተኲሳ ከምዘውደቐት ኣፍሊጣ
*******
ወሃቢ ቃል እቲ ፕረዚደንት ጆን ኪርቢ ከም ዝበሎ፡ እዚ ኣካል ግዝፈቱ፡ ክንዲ መኪና ዝኸውን እዩ።

እቲ ኣካል፡ ኣብ ሰዓት ካብ 20 ክሳብ 40 ሜትሮ ይጓዓዝ ከምዝነበረ ተገሊጹ።

ሀውልት'—በአግባቡ ስቴሌ[a] ወይም በአገር ውስጥ ቋንቋዎች ትግርኛ፡ ሀወልት; እና ቤተ ክርስቲያን ግእዝ፡ ሃወልቲ—በአሁኗ ኢትዮጵያ በአክሱም ከተማ ከብዙ ሐውልቶች ጋር ይገኛል። ሐውልቶቹ በ...
06/02/2023

ሀውልት'—በአግባቡ ስቴሌ[a] ወይም በአገር ውስጥ ቋንቋዎች ትግርኛ፡ ሀወልት; እና ቤተ ክርስቲያን ግእዝ፡ ሃወልቲ—በአሁኗ ኢትዮጵያ በአክሱም ከተማ ከብዙ ሐውልቶች ጋር ይገኛል። ሐውልቶቹ በ4ኛው መቶ ክፍለ ዘመን ከክርስቶስ ልደት በኋላ በጥንታዊው የኢትዮጵያ ሥልጣኔ በአክሱም መንግሥት ተገዢዎች ተቀርጸው የተሠሩ ናቸው። በአክሱም ውስጥ የብረታ ብረት ድንጋይ መገንባት በጣም የቆየ ልማድ ነበር፣ ምናልባትም ከሜሮ የኩሺቲክ መንግስት የተበደረ ነው። ተግባራቸው ከመሬት በታች የመቃብር ክፍሎች እንደ "ማርከሮች" መሆን አለበት. ከመቃብር ምልክቶች መካከል ትልቁ ለንጉሣዊው የመቃብር ክፍሎች ነበሩ እና ባለ ብዙ ፎቅ የውሸት መስኮቶች እና የውሸት በሮች ያጌጡ ነበሩ ፣ ያነሱ መኳንንት ግን ያነሱ ፣ ያጌጡ አይደሉም። ጥቂት ትልልቅ ሰዎች ቆመው ሳለ፣ በተለያዩ “የስቴላ መስክ” ውስጥ በመቶዎች የሚቆጠሩ ትንንሾች አሉ። አሁንም ቢሆን ጥንታዊ፣ በግምት የተቀረጹ ሐውልቶች ይበልጥ በተብራሩ “ሀውልቶች” አጠገብ ማየት ይቻላል። በመጨረሻ በአክሱም ላይ የተተከለው ብረት የንጉሥ ኢዛና ስቲል እየተባለ የሚጠራው በ4ኛው ክፍለ ዘመን እዘአ ነበር።
ንጉስ ኢዛና (321 –360 ዓ. እንዲሁም የመስዋዕት መሠዊያ[ጥቅስ ያስፈልጋል])።
በጊዜ ሂደት፣ ከእነዚህ ስቴላዎች ውስጥ ብዙዎቹ በብዙ ምክንያቶች ወደቁ[6] መዋቅራዊ ውድቀት (ምናልባት እንደ ታላቁ ስቴል 33 ሜትር) ምናልባትም ከተገነቡ በኋላ ወዲያው; የመሬት መንቀጥቀጥ (አክሱም በሴይስሚክ ዞን ውስጥ ናት) ወይም ከ1529 እስከ 1543 በኢትዮጵያ እና በአዳል ጦርነት ወቅት የኢማም አህመድ ግራኝ ወታደራዊ ወረራ። በ19ኛው መቶ ክፍለ ዘመን ከሦስቱ ዋና ዋና "ንጉሣውያን" ሐውልቶች መካከል የቆመው የንጉሥ ኢዛና ስቲል ብቻ ነው፣ በኅትመት "በአክሱም ሐውልት የሄንሪ ጨው (1780–1827)።[7] ጨው ከካፒቴን ቶማስ ፍሬማንትል ጋር ወደ እንግሊዝ ተመልሷል፣ እና የአክሱም ሀውልት ንድፍ በኔልሰን ሀውልት፣ ፖርትዳውን ሂል፣ ፖርትስማውዝ ሃርበር አቅራቢያ ባለው ላይ ተጽዕኖ አሳድሯል፣ ለዚህም ፍሬማንትል ገንዘቡን ሰብስቧል።[8]
በ1937 የጣሊያን ኢትዮጵያን ወረራ በዘረፋ አብቅቷል፣በዚህም የንጉሥ ኢዛና የአክሱም ሀውልት ወደ ጣሊያን በጦርነት ምርኮ ተወሰደ። ሞኖሊቱ በሦስት ተከፋፍሎ በአክሱም እና በማሳዋ ወደብ መካከል ባለው አሰቃቂ መንገድ በጭነት መኪና ተጭኖ በሁለት ወራት ጊዜ ውስጥ አምስት ጉዞዎችን አድርጓል። መጋቢት 27 ቀን 1937 በመርከቡ አድዋ ኔፕልስ ደረሰ። ከዚያም ወደ ሮም ተጓጓዘች፣ እንደገና ተመለሰች፣ ተሰብስቦ እና በጣሊያን አፍሪካ ሚኒስቴር ፊት ለፊት በሚገኘው ፖርታ ካፔና ካሬ ላይ ቆመ። ይህ ካሬ በኋላ የተባበሩት መንግስታት የምግብ እና የእርሻ ድርጅት እና የሰርከስ ማክሲመስ ዋና መሥሪያ ቤት ይሆናል። የሮም መጋቢት አስራ አምስተኛው የምስረታ በዓልን ለማክበር ሀውልቱ በኦክቶበር 28፣ 1937 በይፋ ተከፈተ።[9] ክዋኔው የተቀናጀው በኡጎ ሞኔሬት ዴ ቪላርድ ነው።
የኢትዮጵያ ንጉሣዊ አገዛዝ ምልክት የሆነው የይሁዳ አንበሳ የነሐስ ሐውልት ከሐውልቱ ጋር ተወስዶ ተርሚኒ ባቡር ጣቢያ ፊት ለፊት ታይቷል።

https://t.me/tigrayadialula

https://t.me/tigrayhistory

ናይዝ Group ዓላማ ዝተፀገሙ ወገናትና ምሕጋዝ ምብሪትታዕ ካብኡ ሓልፉ ኸዓ ስለ ዓባይ ትግራይ ተጋሩ ጥራሕ ዘዕሊሉላ Group አያ:: https://t.me/tigrayadialula

አቡነ ማትያስ ሌላ የጦብያ ኦርቶዶክስ ሲኖዶስ ሌላ...አቡነ ማትያስ ያን ሁላ የስም ማጥፋት ሲደርስባቸው ፣ የቁም እስርላይ ሲሆኑ ፣ ታፍኛለው ሲሉ  ዞር ብሎ ያላየ ምእመን አሁን የትግራይን ...
23/01/2023

አቡነ ማትያስ ሌላ የጦብያ ኦርቶዶክስ ሲኖዶስ ሌላ...

አቡነ ማትያስ ያን ሁላ የስም ማጥፋት ሲደርስባቸው ፣ የቁም እስርላይ ሲሆኑ ፣ ታፍኛለው ሲሉ ዞር ብሎ ያላየ ምእመን አሁን የትግራይን እና ተጋሩን ድጋፍ ለማግኘት ሲል አቡነ ማትያስ ብቻ ናቸው ጳጳስ እያለ ሲላላጥ ማየት ያስቃል....

አቡነ ማትያስ ሲሞላልህ ምትጥላቸው or ባላየ ምታልፋቸው ; ሲቸግርህ ደግሞ ምታነሳቸው ተራ እቃ ሳይሆኑ ትክክለኛ አባት ናቸው!

👉 "ፓትርያርኩ ፅላት ሰርቀው ሊወጡ ሲሉ ተያዙ" ሲባል - ህዝቡ ገሚሱ ዝም ገሚሱ ' ሌባ ' ይላል
👉 "ፓትርያርኩ ገለልተኛ አደሉም ለአንድ ብሄር ነው ሚያደሉት" ሲባል - ህዝቡ ' እሄ ጁንታ ' ይላል
👉ስዩም ተሾመ "ሰውየው ትግራይ ትስዕር ማለት ብቻ ነው የቀረው" ሲል - ህዝቡ ኮሜንት ላይ ' እሄ ርካሽ ሰውዩ ' ይላል
👉 " ታፍኛለው" ሲሉ - ህዝቡ ' ለዘመዶቹ ሊያወራ ሲል ዝም አስባሉት ደግ አረጉ ' ይላል
👉 እንዳያወሩ ማይክ ሲቀሙ - ህዝቡ ባላየ ላሽ ይላል
👉 ለህክምና ወደ ውጪ ደርሰው ሊመጡ ነው ሲባል - ህዝቡ 'እሄ ሽማግሌ በዛው ሊጠፋ ነው እንዳይወጡ ' ይላል

ታድያ አንተ ያላከበርካትን ሲኖዶስ ; አንተ ያላከበርካቸውን ፖትርያርክ የአብይ የጴንጤ መንግስት እንዲያከብርልህ ፈልገህ ነው😂 !? ድንቁርና

ጠቅለል ለማድረግ ግን .... ሲደላችሁ ፓትርያርኩን ምትወቅሱ ሲከፋችሁ ምትጠመጠሙ ከሆነ ኣላማችሁ ከመጀመርያውም ሃይማኖት ሳይሆን ፖለቲካ ነው!

" ሲፈታ ወደኔ ሲታሰር ወደሱ" የሆነ ህዝብ

ትግራዋይነት ከኢትዮጵያዊነት በላይ ነው ብሎ፣ ዘሎ ወደ ሜዳ የገባው ትግራዋይ፤ ትላንት መቐሌ የገቡ ትግራዋይ አትሌቶች አካል አንዱ ነበረ❤💛❤
12/01/2023

ትግራዋይነት ከኢትዮጵያዊነት በላይ ነው ብሎ፣ ዘሎ ወደ ሜዳ የገባው ትግራዋይ፤ ትላንት መቐሌ የገቡ ትግራዋይ አትሌቶች አካል አንዱ ነበረ❤💛❤

ከስምምነቱ ፊርማ ቡኋላ 3708 ንፁሃን በኤርትራ እና በአማራ ሀይሎች ተገድለዋል። 3708 ንፁሃን! ስምምነቱ ''የሰላም'' ሳይሆን ''የትግራይ ንፁሃን የሚገደሉበት'' እንደሆነ ነው እየገባኝ...
08/01/2023

ከስምምነቱ ፊርማ ቡኋላ 3708 ንፁሃን በኤርትራ እና በአማራ ሀይሎች ተገድለዋል። 3708 ንፁሃን!

ስምምነቱ ''የሰላም'' ሳይሆን ''የትግራይ ንፁሃን የሚገደሉበት'' እንደሆነ ነው እየገባኝ ያለው!

በደላትና ንምንታይ ኢና ንርስዕ?ካብ ትግራይ ወፃኢ ተወሊዱ ዝዓበየን ብትግራዋይ መንነቱ ብዙሕ መስዋእቲ ዝኸፈለ መሓዛይ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ናብ ዋና ኸተማ ትግራይ መቐለ ከይዱ ሎሚ እዛ ኣብዚ...
05/01/2023

በደላትና ንምንታይ ኢና ንርስዕ?

ካብ ትግራይ ወፃኢ ተወሊዱ ዝዓበየን ብትግራዋይ መንነቱ ብዙሕ መስዋእቲ ዝኸፈለ መሓዛይ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ናብ ዋና ኸተማ ትግራይ መቐለ ከይዱ ሎሚ እዛ ኣብዚ ኣተሓሒዘያ ዘለኹ መልእኽቲ ብውሽጢ መስመር ሰዲዱለይ። እንታይ ኮይንኻ ኢለ ምስ ሓተትኩዎ ብጣዕሚ ዘሕዘንዎ ነገራት ብዙሓት ዘርዚሩለይ። ካብቶም ዘሕዘንዎ ነገራት ሓደ ኣብ ከተማ መቐለ ሰብ ሙሉእ ለይቲ ፍቓዶ ባራት ንሓንቲ ቢራ 150 ቅርሺ እንዳኸፈለ ብኣምሓርኛ ክጭፍር ከም ዝሓድር ምስ ረኣየ ኣዝዩ ከም ዝጎሃየ ገሊፁለይ።

እዚ መሓዛይ "ኣነ ናብ ትግራይ ሐዚ ክመፅእ ከለኹ ትግርኛ ኣፅቢቐ ስለ ዘይክእል ብኣምሓርኛ ከዋገዖም ከለኹ ናይቲ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት በሰለኦም ዶ ከዘኻኽሮም ይኸውን እንዳበልኩ ይስከፍ ነይረ። ኣብ መቐለ ኣትየ ብኣምሓርኛ ከዛርቦም ከለኹ ግን ከምቲ ናይ ቀደም ሸፈድፈድ ምባል ኣብዚሖሙለይ ፤ ብጣዕሚ ድማ ሓዚነ" ይብል።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጋሩ ትግርኛ ተዛሪብኩም ፤ ትግርኛ ደርፊ ከፊትኩም ተባሂሎም ብትግራዋይ መንነቶም ምኽንያት ፍቓዶ ኣብያተ ማእሰርቲታት ኢትዮጵያ ተንገላቲዖም እዮም። ኣብ ክልላት ኣምሓራ ፣ ኦሮምን ደቢብ ክልልን ክንደይ ተጋሩ ተቐቲሎም እዮም። ኣብ ትግራይ እውን ትግርኛ ተዛሪብኩም ተባሂሎም ዝተረሸኑ ወገናትና ፈጣሪ ይቑፀሮም።

ንሕና ድማ ሐዚ ተገልቢጥና ኣብ ዋና ከተማና ብኣምሓርኛ ክትጭፍርን ክትዓብድን ምሕዳር ሕስረት እዩ ኢሉ እውን ብኣብ ልዕሊ ህዝብኻ ዝበፅሐ በደል ምልጋፅ ማለት እዩ። ከምዚ ዓይነት ሕማም እንታይ ይበሃል?

ዝብላዕ ምግቢ ስኢኖም ከም ደቂ በረኻ ቆፅላ መፅሊ እንዳበልዑ ፣ ዝኽደንዎ ስኢኖም ትርሹዋ እንዳተኸደኑ ፣ መሳፈሪ ስኢኖም ብእግሮም ንኡሽተይ እንተረኺቦም ብጋሪን ብባጃጅን ኣብ ዝጎዓዝሉ ፣ ብስእነት መድሓኒትን ብጥሜትን ኣሻሓት ወገናትካ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ከም ቆፅሊ እንዳረገፉ ንሓንቲ ቢራ 150 ቅርሺ እንዳኸፈልካ ፍቓዶ ባራት ኣብ ዕብዳን ምሕዳር እንታይ ይበሃል?

ኣብ ዳያስፖራ ይኹን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ማሕበረሰብና ብዙሕ ግዜ ፀገም ትግራይ ምስ ፖለቲካዊ ውድብ ህወሓት እዩ ዘተሓሕዞ። ከም ማሕበረሰብ እቲ ቐንዲ ፀገምና ግን ምስ ፖለቲካዊ ውድባት ጥራሕ ዝተሓሓዝ ድዩ?

Desta Hailesilassie

Address


Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Tigray Media Network posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share