12/02/2025
ርእሲ ከተማ ሱዳን ካርቱም ሓራ ንምውጸኣ ተቓሪቦም !
ነታ ፍጹም ቅሳነት ስኢና ዘላ ህዝባ ዝተገማምዐት ሱዳን ድሕርቲ ውሕስነታ ምሕላዉ ሓድሽ መንግስቲ ከቕውም ኣንቂዱ ኣሎ።
ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ዳዕም ሰሪዕ፡ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተቖጻጺርዎ ካብ ዝጸንሐ ከተማታት ብሓይሊ ይድፋእ ምህላዉ ይንገር።
ኣብ ከበባ ኣትዩ ስለ ዝርከብ ከኣ ብሰለማዊ መንገዲ ዕጥቁ ብምፍታሕ፡ ሰለማዊ ናብርኡ ክመርሕ ጻውዒት ነቲ ተቓዋሚ ሓይሊ ቀሪብሉ ይርከብ።
ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ንካርቱም ክቆጻጸራ ምዃኑ ዘእምን ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ዝምእዘን ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ኩሉ ነባሪ ናብ መረበቱ ከም ዝምለስ ይጠቅስ፡፡
ካብ ህዝቢ ከኣ ሕጋዊ መንግስቲ ዳግማይ ብምምራጽ ነታ ሃገር ናብ ንቡር ክመልስዋ ምዃኖም ኢዮም ዝሕብሩ።