13/09/2025
ካፍቶም ናይ ወፃእቲ ፀላእቲ ዋና ትግራይ ሓደገኛ ፀላኢ ኮይኑ ዘሎ ናይ ህወሓት ርዕዮተ ዓለም (ኣተሓሳስባ) እዩ:: ንህወሓት ዝፃረር ውድብ ይኹን ናይ ግለ ሰባት ሓሳብ ካም ፀላኢ ምርኣይ እዩ እቱ ዋና ሓደጋ ንህዝቢ ትግራይ ኮይኑ ዘሎ:: ህወሓት ካም መፈጠሩ ንኣይ ዘይድግፍ ፀላኢየይ እዩ ኢሉ ካም መትከሉ ዘሓዞ ስለዝኾነ ንህልውና ትግራይ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቕዋ ይርከብ:: ናይ ህወሓት ድሑር ኣተሓሳስባ ናይ ህዝቢ ትግራይ ሓድነት ከፋፊልዎ ኣሎ::
መፍቲሒኡ ድማ ህዝቢ ትግራይ ንህልውናኡ ኣብ ሓደጋ ስለዘውድቖ ናይ ህወሓት ኣተሓሳስባ ንክቃወሞ ንክኹንኖን ንክቃለሶን ይግባእ:: ህወሓት ርዕዮተ ዓለሙ እንተይ ደኣ ለውጢ ዘይገይሩ፣ ትግራይ ካብ ናይ ህልውና ሓደጋ ኣይትናገፍን፤ ኣትወፅእን፤ ኣይትድሕንን::