ካብዝን ካብትን

ካብዝን ካብትን Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from ካብዝን ካብትን, Lugazi.

ዝተፈላለዩ ኣዛናጋዕትን መሃርትን ፣ ጽሑፋትን ቪድዮታትን ከምኡ እውን ሓድሽ ሓበሬታ ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለምና ብቋንቋታት ትግርኛ ፡ ዓረብኛ ፡ ኣምሓርኛ ከመኡ እውን እንግልዝኛ እንቅርበሉ ደንበ (ፐጅ) ኢዩ ፥ ፈለው ብምግባር ተኻፈልቲ ትሕዝቶታትና ኩኑ።

 #ሓደ ሽሕ ላይክ ንክብሪ ቅድስቲ ድንግል ማርያም 👍🏼 ሃቡለይ !         ⛪ ብ 29 ግንቦት 2016 ዓ.ም. (06 ሰኔ 2024 ዓ.ም.ፈ) ኣብ ሃገረ ስብከት ጋሽ ባርካ ዝተመረቀ ኣዝዩ ...
08/09/2025

#ሓደ ሽሕ ላይክ ንክብሪ ቅድስቲ ድንግል ማርያም 👍🏼 ሃቡለይ !
⛪ ብ 29 ግንቦት 2016 ዓ.ም. (06 ሰኔ 2024 ዓ.ም.ፈ) ኣብ ሃገረ ስብከት ጋሽ ባርካ ዝተመረቀ ኣዝዩ ዓብይን ግሩምን ህንጻ ፣ እዚ ካቴድራል ንኣብ ከተማ ተሰነይ ዝርከቡ መእመናን ንጡፍ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ይርከብ ፡ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ድንግል ማርያም ተሰነይ ። ❤ 🇪🇷 ❤

ደንደን ብገፊሕ ተሳዒራ ፡ ካምፓላ ኲንስ 7 ደንደን 0ኣብ ኬንያ ትርከብ ኤርትራዊት ክለብ ደቂ ኣንስትዮ ደንደን ኣብ 1ይ ናይ ምድብ ውድድር ሴካፋ ብኡጋንዳዊት ክለብ ካምፓላ ኲንስ 7ብ0 ተሳ...
07/09/2025

ደንደን ብገፊሕ ተሳዒራ ፡ ካምፓላ ኲንስ 7 ደንደን 0

ኣብ ኬንያ ትርከብ ኤርትራዊት ክለብ ደቂ ኣንስትዮ ደንደን ኣብ 1ይ ናይ ምድብ ውድድር ሴካፋ ብኡጋንዳዊት ክለብ ካምፓላ ኲንስ 7ብ0 ተሳዒራ።

07/09/2025
ሓበን መላእ ኣፍሪቃ ዝኾነ ኤርትራዊ ተቀዳዳማይ 🇪🇷  ቢንያም ግርማይ ካብ ዝቅጽል ዓመተ ስፖርት (2026) ምስ እስራኤላዊት ክለብ Israël-Premier Tech ተጸንቢሩ ከም ዝቀዳደም  ሎ...
05/09/2025

ሓበን መላእ ኣፍሪቃ ዝኾነ ኤርትራዊ ተቀዳዳማይ 🇪🇷 ቢንያም ግርማይ ካብ ዝቅጽል ዓመተ ስፖርት (2026) ምስ እስራኤላዊት ክለብ Israël-Premier Tech ተጸንቢሩ ከም ዝቀዳደም ሎሚ ዝተሓተመት ፈረንሳዊ ጋዜጣ Le Soir ሓቢራ።

❤ ጽቡቕ ዕድል ቢኒ ❤

#ቢኒ #ቢንያም

 #ህጹጽ ፣ ሼር ብምግባር ንተሓባበር | ዝረኣየ ዓይኑ ይብራህ 👇🏾ሰላም ሰላም ኣብ መላእ ዓለም ዘለኹም ኣሕዋት እዚ ኣብ ስእሊ ትሪእዎ ዘለኹም ዳዊት ገብረሂወት ዝተባሃል መንእሰይ ተወላዲ ደ...
05/09/2025

#ህጹጽ ፣ ሼር ብምግባር ንተሓባበር | ዝረኣየ ዓይኑ ይብራህ 👇🏾
ሰላም ሰላም ኣብ መላእ ዓለም ዘለኹም ኣሕዋት እዚ ኣብ ስእሊ ትሪእዎ ዘለኹም ዳዊት ገብረሂወት ዝተባሃል መንእሰይ ተወላዲ ደብረሲና ንኡስ ዞባ ዒላበርዒድ ዞባ ዓንሰባ ኮይኑ፡ ኣብ ሊብያ ንነዊሕ ድሕሪ ምጽናሕ ካብ ወርሒ 10-2023 ግን ክንረኽቦ ኣይክኣልናን፡ ስለዚ ኣሕዋት ዝረኣየ ወይ ምሳይ ኔሩ ዝብል ዝኾነ ሓበሬታ ዘለዎ ሰብ እንተ ሃልዩ ክትሕብሩና ብትሕትና ንምሕጸን 🙏🏿

▶ ስም - ዳዊት ገብረሂወት
▶ ዜግነት - ኤርትራዊ
▶ ዓዲ - ደብረሲና
▶ ዝጠፍኣሉ - 01/10/2023

ዝኾነ ሓበሬታ ምስ ዝህልወኩም በዚ ቁጽሪ ተሌፎን
ክትረኽቡና ብትሕትና ንምሕጸን 🙏🏿

ፍስሃ +256703028504
ወልደማሪያም +256708927241
ኤልሳ +256744859113
ኣምለሰት +393465463807

🌲 ሎሚ በዓል ልደት ነቢ መሓመድ ኢዩ በዚ ምኽንያት ንመላእ ተኸተልቲ ሃይማኖት እስልምና ፡ እንቋዕ ንበዓል መውሊድ ኣል ነቢ መበል 1447 ብሰላም ኣብጽሐኩም!! በዓሉ ናይ ሰላም፣ፍቕሪን ምት...
04/09/2025

🌲 ሎሚ በዓል ልደት ነቢ መሓመድ ኢዩ በዚ ምኽንያት ንመላእ ተኸተልቲ ሃይማኖት እስልምና ፡ እንቋዕ ንበዓል መውሊድ ኣል ነቢ መበል 1447 ብሰላም ኣብጽሐኩም!! በዓሉ ናይ ሰላም፣ፍቕሪን ምትሕልላይን ይኹነልኩም!! ❤ ንብል 🍬🍫🍬

#ንኣፍልጦ ብዛዕባ ዒድ ኣል-መውሊድ ኣል-ነቢ፣ ኣብ መላእ ዓለም ንዝኽሪ ልደት ነቢ መሓመድ ዝኽበር ሓደ ካብ ዓበይቲ እስላማዊ በዓል እዩ። ብዛዕባ እዚ በዓል "ዒድ ኣል-መውሊድ ኣል-ነቢ" ገለ ከነካፍለኩም 👇🏿

* ዕለት በዓል * ብተለምዶ ኣብ መበል 12 መዓልቲ እስላማዊ ወርሒ ረቢዕ ኣልዓወል ዝኽበር ኢዩ።

* ምኽንያት በዓል * ንልደት ነቢይ መሓመድ (ብ570 ዓ.ም. ዝተወለደ) ክብሪ ንምሃብ ኢዩ ዝግበር።

* ትውፊታት ኣገባብ ኣበዓዕላ *

1. ሰልፍታትን ሳዕሲዒትን
2. ምንባብ ቁርኣንን ግጥምን
3. ኣስተምህሮታትን ስብከታትን ብዛዕባ ህይወት ነቢይ መሓመድ
4. ምክፍፋል መግብን ምቁር መግብን
5. ስድራቤታዊ ምትእኽኻብን ህያብ ምሃብን።
6. ምስላም (ምውቃብ) ገዛውቲ - ዝተፈላየዩ መብራህትን ቀለማት (ምብልጭጫጭ)
7. ምዝማር መዝሙርን ውፉይ ደርፍን (ናሺድ)

* ኣበዓዕላ ብሃገራት ደረጃ - ሃገራዊ ልምድታት*

1. ግብጺ፡ ግብጻውያን ተኸተልቲ ሱፊ ምስልምና ኣዝዩ ኣደናቂን ምርኢት ሰልፍን ሳዕሲዕትን ብምክያድ ይጽንብልዎ።

2. ሞሮኮ፡ ጽምብል ሙዚቃ፡ ሳዕስዒትን ምክፍፋል ባህላዊ ምቁር መግብታትን የጠቓልል።

3. ቱርኪ፡ ኣብ ዘመነ ኦቶማን ዝነበረ ልምድታት፡ እንተላይ መቭሊድ-ኢ ሸሪፍ (እስላማዊ ግጥሚ)።

4. ኢንዶነዥያ፡ ሰልፊታት፡ ባህላዊ ትልሂታትን ናይ ጽላሎት ባንቡላ ምርኢታትን (puppet shows)።

5. ፓኪስታን፡ ዓበይቲ ሰልፍታት፡ውድድር ቁርኣን፡ ከምኡ’ውን ናይ ግብረ ሰናይ ፍጻመታት ንምክያድ ይበዓል።

ብሓፈሻ ዒድ ኣል-መውሊድ ኣስላም ብዛዕባ ትምህርቲ ነቢይ ከስተንትኑ፣ ሓድነት ከስፋሕፍሑ፣ ክብርታት ርህራሄ፣ ይቕሬታን ሰላምን ከብዕሉ ዕድል ዝኸፍት ዘሐጉስ ኣጋጣሚ እዩ።

ኮይኑ ግና እዚ በዓል ብገለ ተኸተልቲ እምነት ምስልምና ይንጸግ ኢዩ ፣ ገለ ኣስላም ብፍላይ ሰለፊያውያንን ዋሃቢን ዒድ ኣል-መውሊድ ከም ቢድዓ (ሓጥያት) ይቖጽርዎ ኢዮም ፣ ኣብ ቁርኣን ወይ ሓዲስ ኣይተጠቅሰን ብምባል ኣየብዕልዎን እዮም።

ስእሊ ፣ ናይ ሎሚ ዕለት ኣከባብራ እቲ በዓል ካብ ከተማ ኣስመራ ኢዩ።
#ኣስመራ #ኣስላም #ዒድ #መሓመድ #በዓል

ዕድመን ጥዕናን ይሃብካ ኣሌኮ ❤ ብኣሌኮ ዝሕበን  ላይክ ይግበር 🇪🇷
04/09/2025

ዕድመን ጥዕናን ይሃብካ ኣሌኮ ❤ ብኣሌኮ ዝሕበን ላይክ ይግበር 🇪🇷

 #ሌላ  #ንኣፍልጦ   ፊደል ካስትሮ መን’ዩ? ብ 13 ነሓሰ 1926 ኣብ ቢራን ትብሃል ኩባዊት ከተማ’ዩ ተወሊዱ። ባዕሉ ብውልቁ ኣብ ዘማሕድሮ ሕርሻ ናይ ቃንጫ ሽኮር ሓረስታይ እዩ ኔሩ። ካ...
03/09/2025

#ሌላ #ንኣፍልጦ ፊደል ካስትሮ መን’ዩ?

ብ 13 ነሓሰ 1926 ኣብ ቢራን ትብሃል ኩባዊት ከተማ’ዩ ተወሊዱ። ባዕሉ ብውልቁ ኣብ ዘማሕድሮ ሕርሻ ናይ ቃንጫ ሽኮር ሓረስታይ እዩ ኔሩ። ካስትሮ ኣብ ሳንትያጎ ኩባ ናይ ሮማ ካቶሊካዊት ኣሕዳሪት ቤት-ትምህርቲ ከምኡ ውን ኣብ ሃቫና ዝርከብ ናይ ካቶሊክ ቤት-ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ እዩ ትምህርቱ ተከታቲሉ። ኣብ 1945 ናብ ሃቫና ዩኒቨርሲቲ ስነ-ሕጊ ክምሃር ዝኣተወ ኮይኑ ምስ ዝተወደቡ ናይ ግብረ-ሽበራውያን ጉጅለ፡ ሮማንቲካውያን ማሕበራት ከምኡ ውን ፖለቲካዊ ምንቅቃሓትን ጎስጋሳትን ግላዊ ምንቅስቃሳትን ብሕቡእ ከካይድ ይደሊ ነበረ። ኣብ ውሽጢ’ቲ ዩኒቨርሲቲ ካስትሮ እቲ ቀንዲ ስርሑ ፖለቲካዊ ምንቅስቃስ ኮይኑ ኣብ 1947 ዶመኒካን ሪፓብሊክ ብምውራር ጀነራል ራፌል ቱርጄሎ ካብ ስልጣን ንምውራድ ብዶመኒካን ግዝኣትን ብኩባውያን ዘይዕውት ፈተነ ተፈጸመ።ብድሕሪ’ዚ ኣብ ሚያዝያ 1948 ኣብ ኮሎምብያ ኣብ ዝተቀስቀሰ ከተማዊ ሽበራ ተሳታፊ ኔሩ። ካስትሮ ኣብ 1950 ብስነ-ሕጊ ድሕሪ ምምራቑ ናይ ሕጊ ልምምድ ክገብር ጀመረ’ሞ ኣባል ናይ “ህዝቢ ኩባ ኦርቶዶክስ ተሃድሶ ፓርቲ” ድማ ኮነ። ኣብ 1952 ኣብ ዝተካየደ ምርጫ ንምምሕዳር ሃቫና ወኪሉ በታ ቆይማ ዝነበረት ፓርቲ ኣብቲ ውድድር ክኣቱ ከኣለ። ንኣብቲ ሽዑ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ዓማጺ መራሒ ባቲስታ ብሕጋዊ መንገዲ ካብ ስልጣኑ ምውራድ ምስ ፈሸለ ካስትሮ ኣብ 1953፡ 160 ሰባት ብምጉስጓስ ተቛውሞኣዊ ሰልፊ ኣካየደ። ካብቶም ዝተሳተፉ ዝበዝሑ ክቕተሉ እንከለዉ ካስትሮን ሓዉ ራውልን ተታሕዙ። ን15 ዓመት ክእሰሩ ድማ ተፈረዶም። እንተኾነ ግን ኣብ 1955 ካስትሮን ሓዉን ብፖለቲካዊ ምሕረት ተለቐቑ። ብትእዛዝ ባቲስታ ድማ ሃገራዊ ወፍሪ ክቕጽሉ ናብ ሜክሲኮ ከዱ። ኣብኡ ምስ ከደ ካስትሮ ናይ ኩባ ምሩኻት “ምንቅስቃስ ሓምለ 26” ዝብሃል ጉጅለ ብምምስራት ናብኡ ከም ዝጽንበሩ ገበረ።2 ታሕሳስ 1956 ካስትሮን ባዕሉ ዝመርሓ 81 ዕጡቓት ዝሓዘት ጉጅለ ካብ ሜክሲኮ ተበጊሳ ብሸነኽ ምብራቓዊ መኣዝን ኩባ በጽሐት። ብዘይካ ካስትሮ፡ ሓዉ ራውል፡ ኤርኔስቶ፡ ቼኮ-ቬራ፡ ካልኦት 9 ኣዝዮም ጸለውቲ ኣክቲቪስት ካልኦት ኩሎም ምስ ባቲስታ ውግእ ከፊቶም መንግስታዊ ፍንቀላ ከካይዱ ዘንቀዱ ውልቀ ሰባት ተቐትሉ። እንተኾነ ግን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ባቲስታ ጽልኢ የሕዲሩን ተስፋ ቆሪጹን ዝነበረ ህዝቢ ብገዛእ ፍቃዱ ኣብተን ብሕቡእ ዝምስረታ ዝነበራ ናይ ካስትሮ ጉጅለታት ብምጽንባር ኣብ ልዕሊ ባቲስታ ብዙሕ ዓወታት ክጎናጸፍ ጀመረ።

ናይ ካስትሮ ኣጀንዳ ኣብ ጽቡቕ ገስጋስ ስለዝነበረ፡ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ባቲስታ ውን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳደኸመ ስለዝኸደ ኣብ 1 ጥሪ 1959 ሃገሩ ገዲፉ ተሰደደ። ናይ ካስትሮ 800 ዕጡቓት ሓይሊ ንናይ ባስቲስታ 30,000 ወተሃደራዊ ሰራዊት ብምስዓር ድማ ካስትሮ ግዝኣት ኩባ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽሩ ኣእተዋ። ካብ 1959-1976 ከም ፕራይም ሚኒስተር፡ ካብ 1976-2008 ድማ ከም ፕረሲደንት ኮይኑ ክመርሕ ድማ ከኣለ።

ምሕደራ ካስትሮን ናይ CIA ዘይዕውት ፈተነ ቕትለትን
➖➖➖➖➖♾♾➖➖➖➖➖➖

ካስትሮ ኣብ 1960 ናይ ነዳዲ መጻረዪ፡ ፋብሪካታት፡ ከምኡ ውን ኩሎም ኣብ ኤሜሪካ ምስ ኩባ ዝካየዱ ዝነበሩ ንግድታት ብሓፈሻ ጠጠው ንክብል ብወግዒ ሓበረ። ብተወሳኪ ኤሜሪካ ምስ ኩባ ዝነበራ ዲፕሎማስያዊ ርክባታ ደው ከተብል ኣገደ። ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኤሜሪካ ብሕቡእ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ፡ ኣብ ልዕሊ ዓለም-ለኻዊ ቅትለት ንዝፈጸሙ ገበነኛታት ከምኡ ውን ኣብ ልዕሊ ኣብ ክሻፍኣ ዘእተወቶም መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ብርክት ዝበለ ባጀት ሰሊዓ ናይ ምቕታል ውዳበ ኣዳለወት። ካብቶም ዝድለዩ ዝነበሩ መራሕቲ ብቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ እምብኣር ፊደል ካስትሮ ነበረ። ኣብ ሚያዝያ 1961 ብ CIA ዝሰልጠኑን ብገንዘብ ዝሰድዑ ክሳብ 1400 ዝኾኑ ናይ ኩባ ምሩኻት ካስትሮ ንምግልባጥ ብምሕሳብ ናብ ኣሳሞየ ዝተባህለ ወሽመጥ ተጸግዑ። ይኹን ደኣ እምበር ኩሉ ምድላዋቶም ኣጻፊፎም ናይ ቦንባ መጥቃዕቲ ኣብ ዝፈነዉሉ እዋን ካብ ዕላማ ወጻኢ ኮኑ። ዝቕጽል ናይ ኣየር ደብደባ ዕላምኦም እንተኾነ ውን ዕላመኦም ከይሃረሙ መኸነ። ንስክላ ካብ ሞት ዘምለጡ ሒደት ሰባት ገዲፍካ ዳርጋ ኩሎም ክብሃል ይከኣል ብኣማኢት ዝቁጸሩ ዕጡቓት CIA ሂወቶም ሰኣኑ። ኣብ 1962 ነቶም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ዝነበሩ ምሩኻት CIA ክሳብ 52 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ናይ ሕክምና ጥረ-ነገራትን መግቢ ህጻናትን ብስምምዕ ካብ ኤሜርካ ብምቕባል ናጻ ለቐቖም።

ወኪል ስለያ ኤሜሪካ(CIA) ኣብ ልዕሊ መራሒ ኩባ ዝነበረ ፊደል ካስትሮ 668 ግዜ ናይ ቅትለት ፈተነ ዘካየደ ኮይኑ፡ ንምቕታሉ ዝተፈላለዩ ዘይዕዉት ኣገባባት ተጠቒሙ። ገለ ካብኡ ንምጥቃስ ዝተመረዘ ሽጋራ(ካስትሮ የትክኽ ብምንባሩ ክቀትሎ ይኽእል’ዩ ብዝብል ሓሳብ)፡ተቶካሲ ፈንጅታት፡ዝተመረዙ መግብታት ወይ ውን መስተታትን ካልኦት ኣገባባትን ብምጥቓም ብዙሕ ፈተነታት ኣካየዱ።

እቲ ናይ ምቕታል ፈተነታት ኣብ ስልጣን ብዝነበሩ መራሕቲ ኤሜሪካ ከምዚ ዝስዕብ’ዩ ኔሩ። ዲዋይት ዲ ኣይን ዘኣወር ካብ 1959-1961( 38 ግዜ)፡ ጆን ኤፍ ኬነዲ ካብ 1961-1963(42 ግዜ)፡ ሌንደን ቢ ጆንሰን ካብ 1963-1969 (72 ግዜ)፡ ዲ ቻርድ ኔክሰን ካብ 1969-1974 (184 ግዜ)፡ ጂሚ ካርተር ካብ 1977-1981 (64 ግዜ)፡ ሮናልዶ ሪገን ካብ 1981-1989(197 ግዜ)፡ ጆርጅ ኤች ዳብልዩ ቡሽ ካብ 1989-1993(16 ግዜ)፡ ቢል ክሊንተን ካብ 1993-2001(21 ግዜ)፡ ብጠቕላላ ካብ 1959-2001 ኣብ ውሽጢ 42 ዓመታት (CIA ካስትሮ ንምቕታል 668 ግዜ ፈተነ ቕትለት ኣካይዱ)።

ሓደ ሓደ ሰባት መንግስቲ ኩባ ንምውዳቕ ዝዓለመ ስርሒት ብ “ሞን ጎይስ” ብዝብሃል ቅጽል ስም ዝፍለጡ ናይ CIA program ኣካል ነበሩ። ሓደ እዋን ንካስትሮ ንምቕታል ዝተኻየደሉ ናይ መጨረሽታ ፈተነ ኣብ 2000 ዓ.ም ነበረ። እቲ ዓይነት ምቕታል ካስትሮ ኣብ ፓናማ ኣብ መድረኽ ኮይኑ መደረ ኣብ ዝህበሉ ዝነበረ ግዜ ኣብ ትሕቲ መድረኽ 90ኪ.ግ ዝምዘን ፈንጂ ኣጻዊዶም ነበሩ። እንተኾነ ግን ሕጂ ውን ብክትትል ግላዊ ሰለያ ካስትሮን ኣባላት ድሕነትን ቅድሚ ምፍንጃሩ ኣምከንዎ። ካስትሮ ሓደ እዋን ኣብ ልዕሊኡ ዝካየዱ ዝነበሩ ፈተነ ቕትለት ኣመልኪቱ ከምዚ ኢሉ ኔሩ፡ “እዞም ኣብ ልዕለይ ዝካየዱ ፈተነ ቕትለት ብሂወት ዝተረፉ ናይ ኦሎምፒክ ክስተታት ኔሮም እንተዝኾኑ ብርግጽ ወርቂ መዳልያ ምተሸለምኩ ኔረ”።

ካስትሮ ስልጣኑ ድሕሪ ምቕባሉ ናይ ሕጊ ኣድልዎ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኩባ ደው ኣበሎ፡ ኣብ ገጠር ዝርከባ ዕድታት ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ከም ዝረኽባ ገበረ፡ ሓደስቲ ቤት-ትምህርታት ከምኡ ውን ሆስፒታላት ብምክፋት ደረጃ ዕቤት ንቕሓትን ጥዕና ሕብረተ-ሰብን ከዕቢ ክኢሉ እዩ። ይኹን እምበር ናይ ፖሊቲካዊ ጎስጋስ ዝገብራ ሚድያታትን ጋዜጣታትን ዓጽዩ ብዙሓት ተቓወምቱ ድማ ኣብ እሱር-ቤት የእትዩ። ከምኡ ውን ዝኮነ ይኹን ናይ ምርጫ መርሓት ኣየካየደን። ካስትሮ ካብ 1960ታት ክሳብ 1980ታት ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ላቲን ኤሜሪካ ከምኡ ውን ኢትዮጵያ ሓዊስካ ዝተፈላለያ ናይ ኣፍሪቃ ሃገራት ወተሃደራዊን ገንዘባዊ ሓገዛት ጌሩ ኔሩ።

ኣብ 2006 ካስትሮ ሃንደበታዊ ናይ ከብዲ መጥባሕቲ ድሕሪ ምግባሩ ብግዚያዊነት ከገልግል ሓዉ ራወል ፕሬዝደንት ኮይኑ ኣብ ስልጣን ብሙሻም ን 2 ዓመት ክመርሕ ክኢሉ ኔሩ’ዩ። እዚ ማለት ኣብ 2008 ወግዓዊ ካብ ስልጣኑ ለቒቑ። ኣብ 2015 USAን ናይ ኩባ ሰበ ስልጣንን ብወገን ክልቲኤን ዘሎ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ስምምዕ ከም ዘለዉ ብወግዒ ኣፍለጡ። ብድሕሪ’ዚ ብዙሕ ኣይጸንሐን ካስትሮ ኣብ 25 ሕዳር 2016 ኣብ መበል 90 ዓመቱ ብሞት ካብዛ ዓለም ተፈልየ።

ትርጉም- Natnael Arefaine

 #ህጹጽ |• ሼር ብምግባር ሓውና ንክርከብ ንተሓባበር 🙏🏿     ሰላም ንዓኹም ይኹን ኣሕዋት እዚ ትርእዎ ዘለኹም ኣብርሃለ መድሃኔ ይብሃል ተወሊዱ ዝዓበየሉ ን/ዞ/ላ/ ጋሽ ሙልቂ ኮይኑ ፣ ...
03/09/2025

#ህጹጽ |• ሼር ብምግባር ሓውና ንክርከብ ንተሓባበር 🙏🏿
ሰላም ንዓኹም ይኹን ኣሕዋት እዚ ትርእዎ ዘለኹም ኣብርሃለ መድሃኔ ይብሃል ተወሊዱ ዝዓበየሉ ን/ዞ/ላ/ ጋሽ ሙልቂ ኮይኑ ፣ ብዕለት 14/09/2023 ካብ ሊብያ ብመንገዲ ፍትሓዊ ወዲ ኣቁርደት ምስ ካልድ ዝብሃል ሊብያዊ ዝሰርሕ ጃልባ ተሰቂሉ ባሕሪ ንምስጋር ከም ዝብገስ ምስ ሓበረና ደጊምና ክንረኽቦ ኣይክኣልናን ስለዚ ኣሕዋት ምስኡ ዝነበርኩም ወይ ወን ዝርኣኹሞ እንተ ሃሊኹም ክትሕበበሩና ብትሕቲና ንሓቲት ..

🛑 ሰም - ኣብርሃለ መድሃኔ
🛑 ዜግነት - ኤርትራዊ
🛑 ዓዲ - ዶኮነብያ ን/ዞ/ላ/ ጋሽ ሙልቂ
🛑 ዝጠፍኣሉ ዕለት - 14/09/2023
🛑 ዝጠፍኣሉ ቦታ - ባሕሪ ሊብያ
🛑 ስም ሰምሳሪ - ፍትሓዊ ወዲ ኣቁርደት
🛑 ዘበገሶም - ካልድ ሊብያዊ

🙏🏿 ዝኾነ ሓበሬታ ምስ ዝህልወኩም በዚ ቁጽሪ ተለፎን ክትረኽቡና ንምሕጸን 👇🏾

0920742159

#ሊብያ

🇬🇧  #ሌላ ምስ እንግሊዛዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ 😳       እዚ ኣብ ስእሊ ትርእይዎ ዘለኹም ወዲ 37 እንግሊዛዊ ዕሉል ደጋፋ ኒውካስል ኮይኑ ፣ ጋንትኡ ድሕሪ 70 ዓመታት ዋንጫ ድሕሪ ምዕታ...
03/09/2025

🇬🇧 #ሌላ ምስ እንግሊዛዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ 😳
እዚ ኣብ ስእሊ ትርእይዎ ዘለኹም ወዲ 37 እንግሊዛዊ ዕሉል ደጋፋ ኒውካስል ኮይኑ ፣ ጋንትኡ ድሕሪ 70 ዓመታት ዋንጫ ድሕሪ ምዕታራ ንክብሪ እቲ ዝበለጸ ኣጥቅዓይ እታ ጋንታ ዝነበረ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ፡ ስሙ ካብ "ዴቪድ ዋይት" ናብ "ኣሌክሳንደር ኢሳቕ" ብወግዒ ዘቀየረ ሰብ ኢዩ።
እዚ ሰብ ሕጂ እንታይ ይብል ይህሉ ?

Unbelievable Newcastle United story! ⚫⚪

David White, a 37-year-old Magpies superfan from Killingworth, has taken his love for the club to the next level… He legally changed his name by deed poll to Alexander Isak after the striker’s winning goal in the Carabao Cup final! 🏆🔥

This isn’t even his first tribute—he had already changed his middle name to “Bruno” in honor of Bruno Guimarães. Now, his official documents, from driver’s license to bank cards, all say Alexander Isak.

💬 He says: “I promised that whoever scored the winner would become my name… and Isak did it!”

Talk about dedication to the Toon Army! 🙌

Would YOU ever change your name for your favorite player? 🤔⚽

Address

Lugazi

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ካብዝን ካብትን posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share