EthioViews

EthioViews Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from EthioViews, Magazine, .

02/09/2024

ደመኛ ፀላእቱ "መራሕቲ ውድብና" እናበለ 50 ዓመት ምስነበረ፣
ሎሚ ግን ህዝበይ እናነቕሐሎም ዘሎ ይመስል!
=====
ኣብታ ማዓልቲ፣ ኢሳያስ ኣፈወርቂይ መለስ ዜናዊይ ሓየሎም ኣርኣያ ክቕተል ወሲኖም ኣለዉ። ስለያ ሻዕቢያ ወኪሉ ሓየሎም ከቕትል ኣዲሳባ ልመፀ ወዲቱ ሃፍታም ኤርትራዊ ነጋዳይ ዑመር ገረወይናይ ኣብ ሂልተን ሆቴል ክልተ ሰሙን ጌሩሎ። ሓለፍቲ ላዕለዎት ስለያ ህወሓት ዝኾኑ ክንፈ ገ/መድህንን ጌታቸው ኣሰፋን ምስ ወዲ ዑመር ኢንፎ ይቐያየሩ እዮም ዘለዉ። ጌታቸው ኣሰፋ ንሰበይቱ ምንኣስ ሓዋ ዝኾነ መንእሰይ ናይቱ ሰላይ ሻዕቢያ ሹፌር ጌይሩዎሎ። ክንፈውን ኣብታ ሓየሎም ክቕተለላ ዝተወሰነት ዕለት ንፕሮፌሰር ኣንድሪያስ እሸቴ ንሓየሎም ዝገበረ ጌይሩ ናብታ እንዳ መስተ ክፅውዖ ይንገሮ። "ሎማዓንቲኳ ብጣዕሚ ደኺሙኒሎ፣ ክ ዕርፍ እየ ዝደልይ" እናበሎ፣ ኣንድሪያስ ግን "ሎማዓንቲ ል ኣይ ክትብል ተሸገረለይ። ምሳኻ ፀዋታ ናፊቑንሎ፣ ክፅበየካ እየ" ይብሎ፣ ሓየሎምውን ይኸድ። ተራ ፅል ኢ ኣምሲሉ ንሓየሎም ቐቲሉ ናብ ኤርትራ ኤምባሲ ክሃድም ዝተነገሮ ጀሚልውን ሻዕቢያ ዝሃቦ ሚሽን ሒዙ ኸይዱ ንሓየሎም ፀሪፉኒባ ፀፊዑኒባ ኢሉ ይቐትሎ። ሓየሎም ቕድሚ ምሟቱ ቕድሚ 3 ሰዓት እቱ ስለያ ሻዕቢያ ናብ ኣስመራ ይምለስ። ሹፌር ናይቱ ወዲ ዑመር ገረወይናይ ዝነበረ ሓዋ ንሰበይቲ ጌታቸው ኣሰፋውን እታ ምሸት እቲኣ ብኣውሮፕላን ኣሳፊሮም ከይሓሰቦ ከየስተንተኖ ንጀርመን ይሰድዎ።
==
(ካብ ጊዘ ዝፅበ ተቐቢሩ ዘሎ ሓቐኛ ታሪኽ ዝተመዘዘ)

25/04/2024

ቕድሚ ሃገር ዝነቕሑ ክልተ ጀጋኑ ተጋሩ፤
ተስፋይ ቼንቶን ካሕሳይ በርሀን
========

ቕድሚ ሃገር ዝነቕሑ ክልተ ተባዓት ምሁራን ትግራይ ነይሮም። ክልቲኦም ውሩያት ተጋደልቲ እዮም ነይሮም። ካሕሳይ በርሀን ተስፋይ ኣፅብሃን። ካሕሳይ ካብቶም 11 መስረቲ ህወሓት ኮይኑ ብዲግሪ ካብ ሃለስላሴ ዩኒቨርሲቲ ምሩቕ እዩ ነይሩ። ውሩይ ወታሃደራዊ ኮማንደር ተስፋይ ኣፅብሃ (ቼንቶ) ካብ ሃረር ሚሊታሪ ኣካዳሚ ምስተመረቐ እዩ ንሜዳ ዝወረደ። እቱ ሰውነቱ ብጥይት ኣብ ብዙሕ ቦታ ዝቆሰለ ቼንቶ፣ ብመለስ/ስብሓት ትምራሕ ውድብ ደመኛ ፀላኢት ህዝቢ ትግራይ/ኢትዮጵያ ምዃና ብዙሕ፣ ኣዝዮም ብዙሓት መምሀርቲ ዝኾኑ ፅሑፋት እዮም ኣወፊዮም። ኣብ ልዕሊኡ፣ ካሕሳይ በርሀውን እታ ንህወሓት ብ ዕሙቕ ትገልፃ መፅሓፍ - Ethiopia: Democratization and Unity; the Role of the TPLF ዝብል ዝፀሐፈ እዩ። ኻል ኦት ንህወሓት ዝፈልጡ ተጋሩ ብፍርሒ ተሸምሪሮም ትነበሩ፣ እዞም ክልተ ጀጋኑ ግን ንታሪኽ ሰፍ ዘይብል ግደ ኣወፊዮም እዮም። ብፈረንጂ ነሓሰ 2002 ቼንቶን ካሕሳይ በርሀ ካብ ዝፀሐፉዎ ካብ ባሕሪ ብማንካ ቐኒሰ ኣብዚ ኣቕሪበዮለኹ፤
====

Once the non-CC members of the TPLF were deprived of their rights to express their opinion, Meles concentrated himself on the internal struggle for power within the leadership of the TPLF. He has murdered two of them (Atsbeha Dagnew and Teklu Hawaz) and purged 13 others including the latest ten so far.

When the founding congress of the MLLT took place in July 1985, the power struggle within the leadership of the TPLF was openly known only to the CC members and the cadres prepared by Meles. As a result of this system of destructive secrecy, differences of opinion, which both perpetrators and victims claim to have had, were not openly discussed before and during the congress. The protagonists were elected to the CC of the MLLT in the tradition of the TPLF (the old leadership, those appointed by it as deputies, those suggested by it as candidates and those for whose candidacy the members of the election gremium made up of CC members demonstratively raise their hands, get elected).

After the congress, a meeting of the members of CC of the MLLT and TPLF took place. Aregawi and Gidey were demoted, isolated, harassed and they had to accept political tutors just to humiliate them till they were forced to leave Tigray altogether. Even private letters of Gidey were read in some units and used for ridiculing and cracking jocks. Once a small group picked by Meles and co reached decisions, the remaining members of the TPLF had to hear the decisions with corresponding explanations. Aregawi and Gidey did not have basic differences even with Meles. It was simply a power struggle that ended up the phase of the collective leadership.

There was a stage-managed podium discussion between Gidey and Meles, in which the participants either applauded Meles or had to keep quiet. Meles demagogically portrayed Gidey as "a gangrene of the organisation. And as an infected limb must be amputated to save the life of a person, Gidey must be amputated to save the organisation". Meles declared: "Gidey is not a political animal" and ordered the latter to get out of the meeting. Abay Tsehaye, who was nominally the General Secretary of the MLLT, expressed his pride that there were people like Meles who defended the line of the organisation. Abay’s reverence for Meles could not be overlooked and this showed that he had given up his role in the political leadership of the TPLF/MLLT.

The thesis of amputation from Meles says a lot about the taboo of having different opinions in the organisation. Amputation in this connection is the justification for liquidation, purges and isolations. If a member is declared to be gangrene or an unwanted person by Meles, he is automatically an outcast. Such a person, if not killed is all of a sudden an alien amongst his/her former friends, because the former friends do not want to be associated with the outcast out of fear. Meles Bezabeh had to commit su***de after such a dirty experience that made him an outcast.

ልምንታይ ልደብረፅዮን፣ ሞንጆሪኖ ገዲፈ፣ ልጌታቸውን ፃድቃንን ወቒሰ?====ተስፋ ትገብረሉ ሰብ ኣሎ። ተስፋ ዝቖረፅካሉ ሰብ ኣሎ። ሐዚ ንትግራይ ፅቡቕ ክትምነ ከለኻ ንስብሓት ነጋ ኣይትጥይቖን...
09/04/2024

ልምንታይ ልደብረፅዮን፣ ሞንጆሪኖ ገዲፈ፣
ልጌታቸውን ፃድቃንን ወቒሰ?
====
ተስፋ ትገብረሉ ሰብ ኣሎ። ተስፋ ዝቖረፅካሉ ሰብ ኣሎ። ሐዚ ንትግራይ ፅቡቕ ክትምነ ከለኻ ንስብሓት ነጋ ኣይትጥይቖን። ንሻዕቢያ ምጥያቕ ይሓይሽ። ንደብሪፅ ይኹን ንሞንጆሪኖ ምጥያቕ ማለት ድማ ንስብሓት ነጋ ምጥያቕ ማለት እዩ። ስብሓት ንሻዕቢያ ገና ካብ ንጉሆ ደብሪፁ ዝሓደረ ሰብ እዩ። "ዛላምበሳ ኣብ ትሕቲ ሻዕቢያ 30 ዓመት ተፀንሐት ታይ እዩ ሽግሩ?" ዝበለ ሰብ እዩ። ካብዚ ምንም ትፅበዮ ነገር የለን። ካብ ናቱ ካድረታትውን ከምኡ ማለት እዩ።

ግን ካብ ጌታቸውን ፃድቃንን ተስፋ ትገብረሉ ነገር ኣሎ። ተዋሓደ ፃድቃን "ዴሞክራሲ ባህልና ይኹን፣ መንእሰያት ብጊዜኹም ተጠቐሙ፣ ሓላፊነት ክትሕዙ ተንቀሳቀሱ" ዝብሉን ኻልኦት ተስፋ ዘስንቑ መልእኽቲ "ሰሚናር" እናበሉ የተሓላልፉ እዮም። ጌታቸውውን ናይ ሕጊ ምሁር እዩ። ተዋሓደ ዴሞክራሲያውን ሰብኣዊ መሰላት ክኽበሩ ከምዘለዎም ዝፈልጥ ሰብ እዩ። ፃድቃንውን ከምኡ። ግን ብኣፎም "ዴሞክራት" ብተግባር ግን ሰላማዊ ሰልፊ ዝወፁ ምሁራን መንእሰያት ከም ተመን ዘቐጥቕጡ ኮይኖም ትረኽቦም። ዩኒቨርሲቲ ተምሃሮ እታ ዝቐለለት ሕቶ ሒዞም ሰልፊ ተገበሩ፣ ፖላዊስ ኣልኢኾም የቐጥቕጡዎም። ስረሖም "መዘናግዒ" ኮይኑ ትረኽቦምሞ ተስፋ ትስእነሎም። ካብቶም ብግልፂ ንሻዕቢያ ዝሓደሩ ደቀ-መዛሙርቲ ስብሓት ነጋ፣ እዚኦም "መዘናጋዕቲ" ይጎድኡኻ። የዘናግዑኻ። ኣለዉ እላበልኻዮም የለውይ። የለውይ ትትብልኻ ድማ "ኣለና" ኢሎም ይመፁ። ኣብ ዕንክሊል ኣእይቶምኻ ንሶም ስረሖም ይሰርሑ። መለስ ነዚኣ ፈሊጡ ሓደ ጊዜ ኣብ ኣስመራ ንህዝቢ ከምዚ ኢሉ ነይሩ፣ "ፀላእትና ቐቲልና፣ ቐቢርናዮም ኢና። እቶም ዝተረፈውን ተኾኑ ኣታሓሳስቦኦም ኣዛቢዕናዮ ኢና"።

ህዝቢ ትግራይስ እዚ ጉድዚዶ ይፈልጥ ይኾን?(ምዃንስ መን ነጊሩዎ?!)=========ህዝቢ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ህወሓት ይነብርሎ ማለትኮ ገዛእቱ ይፈልጦም እዩ ማለት ኣይኮነን።ሓንቲ ኣብነት ክጠ...
04/04/2024

ህዝቢ ትግራይስ እዚ ጉድዚዶ ይፈልጥ ይኾን?
(ምዃንስ መን ነጊሩዎ?!)
=========
ህዝቢ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ህወሓት ይነብርሎ ማለትኮ ገዛእቱ ይፈልጦም እዩ ማለት ኣይኮነን።

ሓንቲ ኣብነት ክጠቅስ። ንምእማኑ ዝኸብድ ነገር እዩ። ግን 100% ሓቒ ታሪኽ እዩ። ባዓል ጄኔራል ፃድቃን፣ ጀኔራል ኣበበ ተ/ሃይማኖት (ጆቤ) ዝፈልጥዎ ጉዳይ እዩ።

መለስ ዜናዊ ኣራት ኪሎ ኾይኑ ዂናት ባድመ ብኣፉ እናመርሐ፣ ብተግባር ግን ንሻዕቢያ ይሕግዞም ነይሩ። ናይ መለስ ድልየት፣ ተኾይንሉ ሻዕቢያ ክዕወት፣ ተዘይኾነ ግን ሳዓሪ-ተስዓሪ ዘይፈለየሉ stalemate ክፍጠርሞ፣ እቱ ኹናት "ብጠረጴዛ ዙርያ" ክፍታሕ እዩ ነይሩ።

በዚ ምኽንያት፣ መለስ ንሻዕቢያ Mi-35 ሓያል ናይ ውግእ ሄሊኮፕተር ክወስዱ ገበረ። ዋጋቱ ሄሊኮፕተር $35 ሚልዮን ናይ ኣሜሪካን ዶላር እዩ። እቱ ትእዛዝ ዝተውሃቦ "ፓይለት" ንታ ሄሊኮፕተር፣ ከይተበላሸየት ተበላሽያትኒ ኢሉ ኣብ ግዝኣት ኤርትራ ኣዕረፋ። ትኽተሎ ዝነበረት ሄሊኮፕተር ድማ ንቱ ፓይለት ሒዛቶ ናብ ኢትዮጵያ ተመለሰት።

ከምቱ ወታሃደራዊ ህጊ ተኾይኒ፣ ኣይኮነንዶ Mi-35፣ ዲሽቃውን ተኾነ ፀላኢ ከይጥቀማ ተብሂላ እያ ትቃፀል። እታ Mi-35 ሄሊኮፕተር ኣብኡ ገዲፎምዋ ከይዶም፣ ሻዕቢያ ድማ ህወሓት ቕድም ክትብል "ናብ ኤርትራ ዘባረረቶ" ናይ ሄሊኮፕተር ፓይለት ቴክኒሻን ሒዛ መፅኣ ናይ መለስ "ህያብ" እናብረረት ናብ ኣስመራ ወሰደት። ከይዋዓለት ከይሓደረት ድማ፣ እታ ናይቱ ጊዜቱይ "ድሮን" ዝነበረት ሄሊኮፕተር ኣንፃር ሰራዊትና ሞትን መቑሰልትን እናፈነወት እስካብ መወዳእታ ፀንሐት።

ህዝብ ትግራይ ፀላኢኡ ፈልዩ ከይፈለጠ፣ ብውሽጥን ብደገን እናፀነተ ይሃልቕሎ።

24/01/2024

ህወሓት ንቤት ፍርዲ ተኪኡ ድራማ እንትሰርሕ!
====
ቤት ፍርዲ ኣብ ትግራይ ከምዘየለ ዘረጋግፀልካ ነገር ተሃልዩ መራሕቲ ህወሓት "ገምጋም" ብዝባሃል ዘዴ (method of operation) ንቤት ፍርዲ ተኪኦም እንትሰርሑ እዩ።

ባዕሎም ፖሊስ፣ ባዕሎም ሰረቕቲ፣ ባዕሎም ጠበቓ፣ ባዕሎም ዳኛ ኮይኖም መሊሶም መላሊሶም ንታ ስልጣን ይሕዝዋ። በዚ ድራማዚ 50 ዓመት ዝደንዘዘ ህዝቢ ድማ ከም ናይ ዓለም እግሪ ኩዑሶ ፀዋታ ብስምዒት ይከታተሎ። "ደብረፅዮንኮ ካብ መሪሕነት ወሪዱ፣ መንጀሪኖኮ ናብ ማእከላይ ኮሚቴ ወሪዳ...ጌታቸውኮ ኣየስርሕይ ኢሎምዎ... ፃድቃንኮ ንደብረፅዮን ኣጂቡ ናብ ኣዲሳባ ናብ ኣብይ ኣሕመድ ስልጣን ሃበኒ ክብሎ ሽምግልና ከይዱ ነይሩ... ወዘተ" እናበለ ንባዕሉ የዕሽው።

ደብረፅዮን ኣብ ሽረ ናይ ኽብሪ ጋሻ ኮይኑ ንህዝቢ ተራእዩ። ኣብ ማይጨው ናይ ኽብሪ ጋሻ ኮይኑ ቐሪቡ። ኣብ መቐለ ኣብቱ ሥነ ጥበባውያን ዝተሸለሙሉ መድረኽውን (ባዕሎም ባዓል ደብረፅዮን ብተዘዋዋሪ ከምዘዳለውዎ ፍሉጥ እዩ) ደብረፅዮን ምስ ሃለቃ ፀጋይ ኣጋይሽ ኮይኖም ናብ ህዝቢ ቐሪቦም።

እቱ ከተሓላልፍዎ ዝድለ መልእኽቲ፣ ሓፋሽ ኣይትታሃወኽ! "ሕዝውን ንሕና ኢና ንመርሐካ ዘለና። ኣብትበፅሖ የብልካን። ጌታቸውውን ትርፊ ዘረባ ዘምፀኦ ለውጢ የለን!" ንማለት ከምዝኾነ ግልፂ እዩ።

ትግራዋይ - ካብዙ ዕንክሊልዚ ውፃእ። ዞም ቐተልቲ ትግራይ ናብ ፍርዲ ዝቐርብሉ፣ ተዘይኾነ ብዝኾነ ሓይሊ ካብ ፖለቲካ ትግራይ ምስቶም ንህዝቢ ትግራይ ዝከሓዱ፣ ንመንጆሪኖ ዝሓደሩ ጀኔራላት ተጓሒፎም ዝፅረግሉ መንገዲ ክኽፈት ተቓለስ። ትግራይ ትድሕነሉ ኡንኮ መንገዲ ቀታሊትኻ ጉጅለ እናረአኻያ ዓነውነው እንቴላ እያ።

ህዝቢ ትግራይ - ፀላኢኡ ኣኽቢሩ ዝነብር ህዝቢ==ሓደ ፃዕዳ ቱሪስት ናብ ኣኽሱም ተምርሕ፣ እግሪ መንገዱ መቐለ እናዞረ ይሪኣ። ድንገት ናይ መለስ ዜናዊ ኣቢዪ ፎቶ-ኣደባባይ (signpost) ...
22/01/2024

ህዝቢ ትግራይ - ፀላኢኡ ኣኽቢሩ ዝነብር ህዝቢ
==
ሓደ ፃዕዳ ቱሪስት ናብ ኣኽሱም ተምርሕ፣ እግሪ መንገዱ መቐለ እናዞረ ይሪኣ። ድንገት ናይ መለስ ዜናዊ ኣቢዪ ፎቶ-ኣደባባይ (signpost) ይሪእሞ፣ ይገርሞ። እዚ መራሒዚ ብ 2012 እዩ ዝሞተ። ግን ኣብዚ ኣብ ኣደባባይ ተዘርጊሑሎ" ኢሉ ይሓልፎ።

ግን ህዝቢ ትግራይ ፀላኢኡ እናፈለጠ ድዩ ከምዘይፈለጠ ኾይኑ ዝፀንት ዘሎ? ወይስ ዘይምፍላጥ እዩ? ኻልእስ ይትረፍ፣ ሻዕቢያ ብኢትዮ-ኤርትራ ጊዜ ከይድምሰስ ዞም ኹላ ጀጋኑ ተጋደልቲ ትግራይ ደሞም ደመ-ከልብ ኮይኑ ክተርፍ፣ ሻዕቢያ ከይድምሰስ ዝገበረ ኣይ መለስ ዜናዊንዶ?

ኣብቱ ዝሓለፈ 3 ዓመት ህዝቢ ትግራይ ብጀጋኑ ደቅኻ TDF ከይትዕወት ዝገበሩ ኣይ መለስ ዝመልመሎም መራሕቲ ጉጅለ ደብረፅዮን፣ መንጀሪኖ፣ ኣለም ገ/ዋህድ... ምስቶም ናይ መንጀሪኖ ጀኔራላት ኣይኮኑንዶ?

ብኢትዮ-ኤርትራ ጊዜ ተጋሩ ኢና ዝብሉ ፀላእትኻ ዝገበርዎ ክሕደት ብጅግነንት ተትፋረዶም ኔርኻ፣ ብናይ መለስ-ኢሳያስ ጀኖሳይድ ፀኒትኻ፣ ዝብላዕ ሓሪሙካ፣ ዓዲ ስኢንካ ኣይምተዋረድኻን።

20/01/2024

64 ማዓልቲ ትትእከቡ...
======
ኣባላትን መራሕቲ ህወሓትን 64 ማዓልቲ ትእከቡ፣ ብዛዕባ ህዝቢ "ዋላ ሓንቲ ጊዜ ኣልዒሎም ኣየዘትዩን" ይባሃልሎ። ሓቖም! ኣበይ ዘሎ ህዝቢ እዩ? ብዛዕባ ዘየለ ህዝቢዶ ትዝትይ ኢኻ? ቐደም ዝቐተልዎ ህዝቢ ከምዘሎ ጌርካ ምርኣይ ንባዕሉ ዝኻኣለ ሕማም እዩ።

ኣቢይ ኣሕመድ ንመራሕቲ ህወሓት ካብ ኣዲሳብ ብካልቾ ተባርሮም፣ መቐለ መፂኦም ታይ በሉ? "27 ዓመት ረሲዕናካ..." ዶ ኣይበሉንዮም። ሽዑ ቱ ህዝቢ ብሂወት ተዝፀንሖም፣ ብደም ደቅና ስልጣን ሒዝኹም 27 ዓመት ኣብ ሀፍትን ማቻን ትነበሩ፣ ንዓና ግን ኣብ ድከትን ሕማምን ጉሒፍኩም ደብሪኩምና። ሎም ምስ ጨነቐኩም፣ ናብ ትግራይ ሃዲምኩም መፂእኹም፣ ከይሓፈርኹም "ተውሓሱና" ትብሉለኹም።

ሎሚ ቐቲልና ከይንውድአኩም፣ ፍርድኹም እስካብትረኽቡ፣ ናብዘዳለውናልኩም ቤት ማእስርቲ እተዉ! እምቢ ቴልኩም፣ ኣብዚኣ ትረኽብዋ!" ምበለ ነይሩ። ግን ቱ ህዝቢ ቐደም ስለዘጥፍእዎ፣ ዝተፈጠረ ነገር ኣይነበረን።

ሓደ ጊዜሲ ኣብ ኣዲሳባ ኣንፃር ህወሓት ኣገዛዝኣ፣ ሥራሕ ጠጠው ናይ ምባል ተቃውሞ (sit-in protest) ይግበር።

መለስ ዜናዊ እንታይ በለ? "ግደፍዎም! ካብ ሓደ ማዓልቲ ንላዕሊ ሥራሕ ጠጠው ዘብል ህዝቢ የለን። ብጥምየትዶ ክሃልቕ፣ እንታይ ክበልዕ?! ባዕሉ ናብ ስርሑ ከምለስ እዩ!" ከምዝበለ ይፍለጥ።

ኣጥሚኻ ናይ ምግዛእ ተሞክሮ ዘለዎ ጉጅለ ንኣመሉ ዳኣ ብዛዕባ ህዝቢ ኣይዘተናን ይበል እምበር፣ እቱ ህዝቢማ ቐደም ከምዝሞተ፣ ደቀውን ኣብታ ዝሓለፈት ኣንፃር ጀኖሳይድ ዝተገበረት ኹናት ክሃልቅ ከምዝገበርዎ ይፈልጡ እዮም።

ዘይፈለጥናስ ደቂ ማርያም ኩሊዖ!

16/01/2024

ህጊ ዝሞያኹም ተጋሩ፣ እስቲ ምኽሪ ሃቡና!
=====
እስራኤል ብሰንኪ ሃማስ ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ተብፅሖላ ገበን ብጄኖሳይድ ኣኽሲስዋሎ። ኣብ ቤት ፍርዲ ICJ ቐሪባውን እናተኸራኸረት ትርከብ። ኸሳሲት ድማ ደቡብ ኣፍሪቃ እያ።

እስራኤል ንጋዛ ካብ ሃማስ ከንፅሃ እየ ኢላ ኣብትገብሮላ ወፍሪ ኣብ 3 ወርሒ ልዕሊ 23 ሺሕ ደቂ ፍልስጤም ተቐቲሎም ኣለዉ። ሓስብዎ ደጊም። መበቖሊትና ዝኾነት ትግራይና ድማ ብሰንኪ ህወሓት (ናትና ሃማስ ማለት እዩ)፣ ልዕሊ 1 ሚልዮን ህዝቢ ሃሊቁናስ፣ ብሚልዮናት ዝቑፀር ህዝብና ፎቆድኡ ተበቲኑስ ትግራይውን ፈሪሳላ።

ሎሚ ህዝብና ብጥምየትን ሕማምን ይረግፍሎ። ንትግራይ ናብዚ ውድቀት ዘብፀሐ ጉጅለ ግን ብጀኖሳይድ ዝኸሶ ስኢኑ ክልተ ወርሒ ሙሉእ ገዛ ዓፅዩ ይቕልድሎ። ኣቱም ሰብ ሙያ ህጊ፣ ከመይ ጌርና ንዞም ገበነኛታት ብጀኖሳይድ ይኹን ብcrimes against humanity ክንኸሶም ንኽእል? ICJ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ዝላዓል ጀኖሳይድ ዝፍትሽ ቤት ፍርዲ እዩ። ከምዙ ናይ ትግራይ ዝበለ ህልቂት ግን ብቤት ፍርዲ ICC ክቐርብ ይኽ እልዶ ትብሉ? ህዝቢ ከም ህዝቢ እንትጠፍ፣ ምሁር ትግራዋይ ስቕ ኢልካዶ ትሪኢለኻ?

01/01/2024

ኣብይ ግን ንወደብ ዘይግባእ ዓቢዪ ቦታ እዩ ሂብዎ ዘሎ። ንወደብ ኢሉውን ኵናት ከይጅምር የፍርሕ እዩ። ወደብኮ ኣብዚ እቶ ዝባሃል ጥቕሚ የብሉን። ወደብ ጥቕሚ ከምዘይብሉ ድማ ካብ ዓለም ከም ኣባላት ህወሓት ቕድሚ ሃገር ዝተረደኦ ሰብ የለን። ጥልያንሲ ንሓበሻ ትፀርፍ ኣንታ ርእሲ ደርሆ (testa di gallina) ይብል ነይሩ። መለስ ድማ ንዚኣ ብተግባር ተውዕላ፣ ንርእሲ ደርሆታት ከምዚ በለ፡ "ወደብ ማለትኮ መስተኻኸሊ ፀጉሪ (ባርበር ሶፕ) ማለት እዩ። ገንዘብኻ ትኸፍል፣ ተስተኻኺልኻ ትውፅእ። ፀጉረይ ይጎትነለይ፣ ባርበር ሾፕ ኣይደልን እንቴልኻ ድማ እታ ወደብ መፃወቲት ኣግማል ኾይና ትተርፍ።"

ህወሓትስ 50 ማዓልቲ ኣብ ኣኬባ ኣላ። ኣይሞተትን። ትግራይ ትባሃል ሰረቕቲ ዝውንንዋ ክልልኸ ብህይወት ኣላዶ?

Address


Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when EthioViews posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

  • Address
  • Alerts
  • Claim ownership or report listing
  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share