ማዕበል ሓርነት

  • Home
  • ማዕበል ሓርነት

ማዕበል ሓርነት ንቓሕ 🔥 ተወደብ 🔥 ተቓለስ 🔥 ተዓወት 🔥

08/11/2025

ተጋዳሊት ሃይሚ 😥

07/11/2025

ኣሜሪካ ንፅምዶ ኣድሚፃቶ 😮
ነዚ ዝኣምን ውን እኮ ኣይሰኣንን 😁🙈
እዚ ውፅኢት ፃዕሪ ናይ Dori Asgedom ክኸውን ኣለዎ 👌 😁

07/11/2025

ሃይለ ይኹን ስታሊን ካልኦትን ኣፈኛታት ድሕረት ሰበር ዜና ኢሎም ዜና ካብ ምስራሕ ወፃኢ እንታይ ዝፈጠርዎ ነገር ኣሎ? ርኢኹም ዶ ባዕሎም ዘዋለድዎ ኲናት ባዕሎም መሊሶም ክፅብፅብዎ እንተዘይኮይኑ ዝፍይድዎ ተኣምር የለን። እንተ ወዲ ድኻ ግን ብሓዊ ንኽትብላዕ ይገብሩ ኣለው። ፍሉይ ተሓላቕነት ስለዘለዎም ከይመስለካ ናይ እንጀራ ጉዳዮም እዩ። ኣስተውዕል☝️

07/11/2025

ናብ ትግራይ ዝፍኖ ዝኾነ ይኹን ጥቕዓት ሕጉስ ኣይኮንኩን። እኳደኣስ ብሰንኪ ድንቁርና ገዛእቲ ትግራይ ብምዃኑ: ዝያዳ የሕመንን የጉህየንን💔 ትግራይ ንኲናት ዝሽከም እንግድዓ የብላን።
ምእንተ ህዝቢ ክበሃል ሕዚ ውን ኣይረፈደን ደው ኢልኩም ሕሰቡ።☝️

07/11/2025

ድሮን ጥቕዓት ጀሚራ እንትብሃል ናብ ኣእምሮይ ቅጅል ዝብሉኒ ምስልታት ኣለው። ሓዘኑ መሪር እዩ 💔
ገዛእቲ ትግራይ ናይ ኢድኩም ኣይትስኣኑ 🙌

06/11/2025

ኮነ ተባሂሉ ኣብ ዓፋር ዕጡቃት ክውደቡን ክዕጠቑን ጥጡሕ ባይታ ብምፍጣር ፣ ብምድጋፍን ተልእኾ ብምሃብን ንውዕል ፕሪቶርያ ዝጎድኡ ምንቅስቃሳት ንዕዘብ ኣለና ዶ ኢልኩም ሓቀይ? በሉ ሓዙ

ፅምዶ ዝበሃል መፃወድያ ሻዕቢያ ኸ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዘፅንዕ ድዪ ኮይኑ🤔 መራሕትን ፖለቲከኛታትን ሻዕቢያ ናብ ትግራይ ከም ድላዮም ክወፁ ክኣትው ጌርካ መሬት ትግራይ ብወራሪ ሻዕቢያ ተታሒዙ ፈቒድካ ገዲፍካሎም እንትተብቅዕ ዶባት ትግራይ ጋሕ ኢሉ ምትእትታዋት ኣራዊት ሻዕቢያ ኣብ ዝዛደየሉ እዋን። ፌዴራል መንግስቲ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዘዕንቅፉ ምንቅስቃሳት ይገብር ኣሎ ኢልካ ክትከስስ የዋፅእ ዶ🤔 መዓስ ኢኹም ካብ ዕንኪላሎ ፖለቲካ ትወፁ?

06/11/2025

ትግራይ...ዓገብ ዝብል :ዘተዓርቕ: ሰላም ዝሰብኽ: ኢሉ ውን ንእከይ ተግባር ዘወግዝ: ናይ ሃይማኖት ኣቦ ብዘይምህላዋ ኣይተዓደለትን። የሕምም 💔

06/11/2025

ካብ "ሕሉፍነት" ሓራ ክንወፅእ እንተዘይኪእልና ፀገም ትግራይ ቀፃሊ እዩ። ሕሉፍነት መድሓኒት ዘይተረኸቦ ሕማም ምንሽሮ ትግራይ እዩ።
ንሕሰበሉ☝️

06/11/2025

ትግራይ መዓልታዊ ብሰላማዊ ሰልፊ ተጨናኒቓ ህዝቢ በትን በትን ኣውያት ኣብ ዘስመዐሉ እዋን ኣብ ልዕሊ እዚ ተደሚሩ ኲናት ምሕሳብ ማለት ኮነ ተባሂሉ እቲ ህዝቢ በጃ ሻዕቢያ ክሃልቕ ከምዝተደለየ መርኣያ እዩ።
ኣስተውዕል መንእሰይ ☝️

06/11/2025

ኣብ ቅድሚ ናይዞም መጋበርያ ህወሓት ኮይኖም፡ ሚዛኑ ዝጎደሎ ሓበሬታ ዝህቡ ዘይሓላፍነታውያን ሰባት፡ ገንዘብ እምበር ሓቅን ሰብኣውነትን ቦታ የብሉን። ንሞያን ክብርን ጋዜጠኝነት ዘመራስሑን ብብርዖም መጋበርያ ሓደ ጉጅለ ኮይኖም ሕሰም ህዝብና ዘናውሑን ፍትሒ ዝጥምዝዙን ሰባት ዓገብ ክበሃሉ ይግባእ።

06/11/2025

ኣቱም ናይ ስደት ተጋደልቲ መናፍሕ ናይ ድሕረት ክሳብ መዓስ ኣብ ውሑስ ዓዲ ኣብ ማቻ እንዳነበርኩም ደቂ ድኻ ክተውድኡ: ኲናት: ኣጆኻ: ጅግና: ዋዕሮ: እንዳበልካ ከም ምፅሓፍ ቀሊል ኣይኮነን ሞ : ሃየ ደኣ ውረዱ ንሜዳ:

ሕዚ ኸ እንታይ ኢና ክንብሎ 🤔
05/11/2025

ሕዚ ኸ እንታይ ኢና ክንብሎ 🤔

Address


Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ማዕበል ሓርነት posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to ማዕበል ሓርነት:

  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share