Tigrai today

Tigrai today ንብዓት አደይ እንትሕበስ
ክብሪ ዓደይ እንትምለስ
ሽዑ እየ አነ ዝሕጎስ ።።።

28/12/2024
05/01/2024

29 Followers, 46 Following, 4 Likes - Watch awesome short videos created by nathan

  !!!  መጽሐፍ በገበያ ላይ ዋለለአነቃቂ መልእክቶች 👉 ቴሌግራም- https://t.me/teklu_tilahunበሮበርት ግሪን የተጻፈው 48 Laws of POWER የተሰኘው አነጋጋሪ መጽሐፍ ...
05/01/2024



!!!

መጽሐፍ በገበያ ላይ ዋለ

ለአነቃቂ መልእክቶች 👉 ቴሌግራም- https://t.me/teklu_tilahun

በሮበርት ግሪን የተጻፈው 48 Laws of POWER የተሰኘው አነጋጋሪ መጽሐፍ በሚል ርእስ በራሱ በእንግሊዘኛው መጽሐፍ ሽፋን በ352 ገጽ ታትሞ በገበያ ላይ የዋለ ሲሆን፣ ከመጽሐፉ 8 ኃያል የሚያደርጉ ትምህርቶች ለቅምሻ ያህል እነሆ፡-


ከበላይ አለቆችህ ተፎካካሪ ወይም የበላይ ሆነህ የምትታይ ከሆነ፣ ስጋትና ፍርሃት እንዲሰማቸው የማድረግ አደጋ ትጋፈጣለህ፡፡ ስለዚህ የበላይ አለቆችህ መልካም እንደሆኑና ለስኬቶቻቸው ምስጋናውን እንዲወስዱ የምታደርግባቸውን መንገዶች ፈልግ፡፡


ሰዎች ተለዋዋጭ በመሆናቸው በማናቸውም ጊዜ ታማኝነታቸው ሊለወጥ ይችላል፡፡ ስለዚህ በሌሎች ላይ ከመተማመን ይልቅ በራስህ ጥንካሬና ችሎታ መተማመኑ የተሻለ ነው፡፡


ሰዎች ምን ለማድረግ እንደምትፈልግ እንዲያውቁ ካደረግክ፣ አንተን ተስፋ ለማስቆረጥ መንገዶች ያገኛሉ፡፡ ስለዚህ እቅዶችህን ለማንም አትናገር፡፡ ግቦችህን ለማሳካት ከትዕይንቱ ጀርባ ስራ፡፡



ብዙ በተናገርክ መጠን፣ ብዙ ልትሳሳት ወይም ጠቃሚ መረጃ አሳልፈህ ልትሰጥ ትችላለህ፡፡ ስለዚህ ንግግርህን አጭርና ግልጽ እንዲሁም መናገር ያለብህ ነጥብ ላይ ብቻ ያተኮረ እንዲሆን አድርግ፡፡



ግልጽና ቸር ሆነህ በመታየት የሰዎችን እምነት ማግኘትና ተጠቂ እንዲሆኑ ማድረግ ትችላለህ፡፡ አንድ ጊዜ ሰዎች እምነት እንዲያሳድሩብህ ካደረግክ፣ ድክመታቸውን መጠቀምና ማሸነፍ ትችላለህ፡፡



ትርምስና እርግጠኛ አለመሆን በመፍጠር ጠላቶችህን ግራ ማጋባትና የበለጠ ተጠቂ ማድረግ ትችላለህ፡፡ ይህም የቁጥጥሩን ቦታ ለመያዝና በሁኔታው ለመጠቀም እድል ይሰጥሃል፡፡



የተጨነቅክ ወይም እርግጠኛ ያልሆንክ ሆነህ የምትታይ ከሆነ፣ ሰዎች ድክመትህን ስለሚረዱ ብዙም አይተማመኑብህም፡፡ ስለዚህ የሚሰማህ በተቃራኒው ቢሆን እንኳን የተረጋጋህና በራስ መተማመን ያለህ ሆነህ መታየት ይኖርብሃል፡፡



ሰዎች ስህተቶች ሰርተው እንዲያመልጡ የምታደርግ ከሆነ፣ ስህተት መስራታቸውን መቀጠላቸው አይቀርም፡፡ ስለዚህ ለድርጊቶቻቸው ተጠያቂ እንዲሆኑ፣ ለመተላለፋቸውም ዋጋ እንዲከፍሉ አድርግ፡፡

ይህ ኃያልነትን የሚያቀዳጀው መጽሐፍ
#ጄዚ




ጨምሮ ሌሎች ታዋቂ እና ኃያል ግለሰቦች ለስኬታቸው እንደ ምክንያት የሚጠቅሱት ነው። እናም አንተም ያቀድከውና ያሰብከው የስኬት መዳረሻ ላይ ለመውጣት ይህን መጽሐፍ እንደ መሰላል ተጠቀመው፡፡

‼️ልብ በል👉- መጽሐፉ በራሱ በእንግሊዘኛው መጽሐፍ ሽፋን የታተመ ሲሆን ገጹም 352 እና በታጣፊ ሽፋን ማለቢያ ጭምር ተደርጎበት የታተመ ነው!

⛔️ከ18 አመት በታች ያሉ እንዲያነቡት አይመከርም!!!❌

በየመጽሐፍት መደብሩና በአዟሪዎች እጅ ይገኛል፡፡

📕📕📕

(በየቀኑ አነቃቂ መልእክቶችን፣ ከምናሳትማቸው መጽሐፍት ፒዲኤፍ፣ የገንዘብና የመጽሐፍት

05/11/2023

ዓብይ ብስራት❤👇
""""""""""""""""""""""""""""
ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ሕማም ኮረናን ኲናትን ኣብ 2012 ዓ/ም ክፍተኑ ዝግበኦም ዝነበሩ ተምሃሮ ድሕሪ 4 ዓመት ካብ መስከረም 29 ክሳብ ጥቅምቲ 02/ 2016 ዓ/ም ብዝተረጋገአ መንገዲ ከምዝተፈተኑ ይፍለጥ።

እቲ ውፅኢት ሎሚ 24 ጥቅምቲ 2016 ካብ ሳዓት 3:00 ናይ ምሸት ጀሚሩ ዝተለቐቐ እንትኸውን ተምሃሮ በዌብ ሳይት፡- eaes.et ወይ ቴሌግራም አድራሻ፡- ብምጥቃም ውፅኢቶም ክሪኡ ይኽእሉ እዮም።

ናይ ፈተና መስፈርቲ ኣማሊኦም ካብ ዝተፈተኑ ተምሃሮ ተፈጥሮ ሳይንስ 73.09% ሶሻል ሳይንስ 51.38% ብጠቕላላ 66.96% ናብ ዩንቨሲቲ መእተዊ ነጥቢ (50% ልዕሊኡን) ኣምፂኦም ከምዝሓለፉ እንዳገለፅና ዝርዝር ኣሃዛዊ መረዳእታ ብቐፃሊ ክግለፅ እዩ።

እዚ ውፅኢት ዘምፃእኹም ተምሃሮ እንኳዕ ደስ በልኩም እንዳበልና ንዚ ውፅኢት ንክመፅእ ኣብ ፀገም ኮይንኩም ዘይትካእ ግደ ዝተፃወትኩም መምህራን፣ ኣመራርሓ ትምህርትን ወለድን ከምኡ እውን ንተምሃሮ ናይ መዳለዊ ትምህርቲ ክትህቡ ዘኸረምኩም ዩንቨርስታትና ብሹም ማሕበረሰብ ትምህርቲ ትግራይ ልባዊ ምስጋናይ የቕርብ። ሚንስትሪ ትምህርትን ኣገልግሎት ፈተናን ምዘናን እውን ስታንዳርድ ዝሓለወ ፈተና ፈቲኖም ለይትን ቀትርን ብምስራሕ ብእዋኑ ውፅኢት ስለዘፍለጡና ምስጋናና ዝላዓለ እዩ።

መተሓሳሳቢ:-
1.ውፅኢት ንምርኣይ እንትትፍትኑ dsq ዝብል እንተመፂኡ ኣብ 2012 ዓ/ም ናይ 12 ክፍሊ ተምሃሮ ምንባርኩም መረጋገፂ መረዳእታ ዘይተረኸበልኩም ምዃኑ ፈሊጥኩም መረዳእታ እንድሕር ሃልዩኩም ኣብ ድረ ገፅ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምዘናን ፈተናን ወይ ኣብ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ብኣካል ቅሬታኹም ምቕራብ ትኽእሉ ኢኹም።

2. መሕለፊ ነጥቢ ዝረኸብኩም ተምሃሮ ዩንቨርሲቲ መምርፂ ቅጥዒ ናብ ቤት ትምህርትኹም ስለዝላኣኽ ካብ 25 ክሳብ 26 ጥቅምቲ ናብ ዝተምሃርኩሙሉ ካልኣይ ብርኪ ብምኻድ ክትመልኡ ነፍልጥ። ተመዛበልቲ ተምሃሮ ኣብ ጥቓኹም ዘሎ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ብምኻድ ክትመልኡ ትኽእሉ።

30/10/2023


==========================

አፉላላይ 19 93 አብ ላዕሊ ነይሩ ሕዚ ክሳዕ ወረዳን ጣብያን እዩ ዘሎ።
ጥረ ሓቅታት ብዝዓባ ብዕውት ተኻይዱ ዝተበሃለ ስብሰባ ካድረታት

አብቲ አኼባ ዝተረኸቡ ላዕለዎት አማራርሓ ማእኸላይ ኮምቴን ፈፃሚትን
1,ዶክተር ደብረፅዮን
2,ወይዘሮ ፈትለ ወርቅ
3, አይተ አለም ገብረዋህድ

እቲ መፀውዒ ዋኒን ሰነድ አይቀረበን አይተዘተየሉን።

ዘይተዘተየሉ ምኽንያት

1, ብግዝያዊ መንግስቲ ስለ ዝተአገደ
2, ፍርቂ ማእኸላይ ኮምቴ ስለ ዘይተረኸበ
3, እቲ ካድረ በቲ ውጥጥ ሰንቢዱ ውድብ ትጠፍእ አላ ዋላ ንስኹም ዝሕሸሉ ውድብ ክነድሕን ስምዑና ዝብል ምሕፅንታ ስለ ዝቀረበ

እቲ አኬባ ብዕውት ተኻይዱ ዝተበሃለ ውድብ ከመይ ነድሕን አፋላላይ አመራርሓ ከመይ ነድሕኖ እምበር መመያየጢ ሰነድን አጀንዳን አይቀረበን።
ስለዚ ፃዕዳ ሓሶት እዩ።
ጌታቸው ተረኺቡ ዝተበሃለ እውን ብዕራይ ወለደ ኤዩ።

አብቲ አኼባ ልዕሊ ሓሙሽተ ጀነራላት አመራርሓ ሰራዊት ተሳታፎም አበድትን ንብዓት ሓበስትን ኮይኖም ውዒሎም እዮም።

ዘይተሳተፋ ማእኸላይ ኮምቴ

ካብ ማክኸላይ ኮምቴ
ክርከቡ ዝግብኦም 42
ዘይተረኸቡ 23

ስለዚ ልዕሊ ፍርቂ ማእኸላይ ኮምቴ አይተረኸበን።

ከብቶም ዘይተረኸቡ እዞም ዝስዕቡ እዮም።

1,አይተ ጌታቸው ረዳ

2,አይተ ኢሳያስ ታደሰ
3,አይተ ጌታቸው አሰፋ
5,አይተ ሰሎሙን ምዕሾ
6, አይተ በየነ መኩሩ
7, ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወት
8, አይተ ሹሽይ መረሳ
9, አይተ ብርሃነ ገብረክርስቶስ
10, አይተ ረዳኢ ሓለፎም
11, አይተ ሃፍቱ ኪሮስ
12, ወይዘሮ ሰብለ ካሕሳይ
13,, አይተ ነጋ አሰፋ
14,አይተ አታኽልቲ መዝገቦ
15,ዶክተር ሓጎስ ጎዳፋይ
16, አይተ ርስቁ አለማው( ብሕማም)
ካብዚ ወፃኢ ዘለው ዝተሳተፉ እዮም።

አብቲ አኼባ ከይሳተፉ በቲ ፃውዔት ግዝያዊ መንግስቲ ዝተረፉን ዘይተሳፉን እንትህልው አብቲ አኼባ ከይሳተፉ ተኸልኪሎም መኪና ተሓዲጎም ብናይ ህዝቢ መጎዓዓዝያ መፂኦም ዝተሳተፉ አለው።
አብነት ገብረ ኢሮብ ብአይተ ሹሻይ መረሳ አይትሳትፍን ብዝብል መኪና ካብ ዝተሓደጉ ብዙሓት ሓደ እዩ።

በቢዞብኡ ዝተሳተፉን ዘይተሳተፉን

1,ምዕራብዊ ዞባ ክሳተፉ ዝግብኦም 42 እዮም ዝተሳተፉ, 40

2, ሰሜን ምዕራብ

106 ክሳተፉ ዝግብኦም
104 ዝተሳተፉ

3, ማእኸላይ ዞባ
ክሳተፉ ዝግብኦም 135
ዝተሳተፉ 83
አብ ዞባ ማእኸል ሓሙሽተ ወረዳ ሙሉእ ብሙሉእ አይተሳተፋን።
አብዚ ዞባ አርባዕተ ዞባ ኮምቴ አይተሳተፉን።

4, ዞባ ምብራቅ
ክሳተፉ ዝግብኦም 111
ዝተሳተፉ 85
አብዚ ዞባ 6 አባላት ዞባ ኮምቴ አይመፁን።

5,ዞባ መቀለ
ኽሳተፉ ዝግብኦም 96
ዝተሳተፉ 87
አብዚ ዞባ ክልተ ዞባ ኮምቴ አይተሳተፉን።

6, ዞባ ደቡብ ደቡብ ምብራቅ
ኽሳተፉ ዝግብኦም 62
ዝተሳተፉ 49
አብዚ ዞባ አርባዕተ ዞባ ኮሞቴ ተረፊፎም።

7,ዞባ ደቡብ

ኽሳተፉ ዝግብኦም 86
ዝተሳተፉ 20
አብዚ ዞባ ሰለሰተ ዞባ ኮምቴ አይተሳተፉን።

8, ክልል ስታፍ

ክሳተፉ ዝግብኦም 163
ዝተሳተፉ 111

9, ካብ ትካላት ትእምት 6 ጥራሕ ተረኺቦም

10, ካብ ትካላት ፌደራል
ክሳተፉ ዝግብኦም 13
ዝተሳተፉ 8 እዮም

እዚ ዘመላኽት
እቲ አፉላላይ ክሳዕ ዞባን ወረዳን አመራርሓ ከምዝለሓኸ ዘመላኽት ኮይኑ።

አብቲ ስብሰባ ዝተለዓሉ ዋናዋና ነጥብታት

1, ቅድሚ ኩናት ሸዊድኩምና ተሓተቲ ኢኩም
2, አብ እዋን ኩናት እውን ዝቸፈጠረ ፀገም ኩሊ ናይ ማእኸላይ ኮምቴን ፈፃሚን እዩ። ተሓተቲ ኢኹም
3, ሕድሪ አይንጠልምን ።ቃል ሰውአት እንዳበልኩም

ኣኼባ ካድረ ውድብና ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ዝተፈላለለዩ ውሳነነታት ብምውሳን ተዛዚሙ ።
29/10/2023

ኣኼባ ካድረ ውድብና ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ዝተፈላለለዩ ውሳነነታት ብምውሳን ተዛዚሙ ።

ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ አብ ወረዳ ደጉዓ ተንቤን ከተማ ሃገረ ሰላም ማርያም ቆራር   2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ  ንምህናፅ  ሎሚ 18 ጥቅምቲ 2016 ዓ/ም እምነ ሰረት ኣንቢሮም።እቲ 2ይ ብር...
29/10/2023

ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ አብ ወረዳ ደጉዓ ተንቤን ከተማ ሃገረ ሰላም ማርያም ቆራር 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ንምህናፅ ሎሚ 18 ጥቅምቲ 2016 ዓ/ም እምነ ሰረት ኣንቢሮም።

እቲ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ፣ ዶክተር ዘርኡ ገብረሊባኖስ ብዝአተዎ ቃል መሰረት ዝህነፅ ምዃኑ ተሓቢሩ።
Office of the President-Tigrayy

'ህወሓትና የኤርትራ ጥያቄ'"ህወሓት ገና ትግሉን ሀ ብሎ ሲጀምር የኤርትራ ጥያቄ ዲሞክራሲያዊ ጥያቄ ነው የሚል አቋም ይዞ ነው የታገለው። ጥያቄው   ጥያቄ ነው፤ ኤርትራ ዘመናዊት ኢትዮጵያ በ...
29/10/2023

'ህወሓትና የኤርትራ ጥያቄ'

"ህወሓት ገና ትግሉን ሀ ብሎ ሲጀምር የኤርትራ ጥያቄ ዲሞክራሲያዊ ጥያቄ ነው የሚል አቋም ይዞ ነው የታገለው። ጥያቄው ጥያቄ ነው፤ ኤርትራ ዘመናዊት ኢትዮጵያ በመመስረቱ ሂደት ውስጥ አልተሳተፈችም፤ ለ60 ዓመታት ያህል በአውሮጳዊ ሃይሎች አገዛዝ ስር የነበረች ናት ከሚል ታሪካዊ ማስረጃ ከመነሳትና በተባበሩት መንግስታት ህጋዊ እውቅና ያገኘች አገር የነበረች መሆንዋን ከመገንዘብ የመነጨ ነበር። ይሁን እንጂ ህወሓት ይህን አቋም የወሰደው በዚህ ምክንያት የተነሳ ብቻ አልነበረም።

በህወሓት ምስረታ ወቅት አካባቢ የኤርትራ ጥያቄ በአገር ደረጃ ተነስቶ የተለያዩ ድርጅቶች የተለያዩ አቋሞች የወሰዱበት ሁኔታ ነው የነበረው። ኤርትራ የኢትዮጵያ አካል ነች የሚሉና አይደለም ኤርትራ በኃይልና በሸፍጥ ነው የተቀላቀለችው የሚሉ ድርጅቶች ነበሩ።

ህወሓት በወቅቱ የኤርትራ ጥያቄ የቀኝ ግዛት ጥያቄ ነው የሚፈታውም በህዝበ ውሳኔ ነው የሚል አቋም ነው የነበረው። ህወሓት የኤርትራ ምክንያት ጥያቄ የደገፈበት በመነሳት ሆኖ ተጨማሪ ምክንያትም ነበረው።

የህወሓት 25ኛ ዓመት ምክንያት በማድረግ "የህወሓት ህዝባዊ ትግል" በሚል ርዕስ ከታተመው መጽሃፍ የተወሰደ (ገጽ 28)

ከም ውድብ ናይ ካድረታት ኣኼባ ክነካይድ ብውድብ ደረጃ ተሰማሚዕና ኢና።እቲ ዕለት ግን እዙይ ማዓልቲ ይኹን ኢልና ኣይነፀርናን።ጌታቸው ረዳ።*********ሕቶታት፦👉እቲ ኣኼባ ዝካየደሉ ዕለት ...
29/10/2023

ከም ውድብ ናይ ካድረታት ኣኼባ ክነካይድ ብውድብ ደረጃ ተሰማሚዕና ኢና።እቲ ዕለት ግን እዙይ ማዓልቲ ይኹን ኢልና ኣይነፀርናን።ጌታቸው ረዳ።
*********
ሕቶታት፦

👉እቲ ኣኼባ ዝካየደሉ ዕለት ንምውሳን ናይ ግድን ኣኼባን ውሳነን ዘድሊ ድዩ ኾይኑ❓እቲ ፕረዚዳንት ኣድላዪ እዩ ኣብ ዝበሎ እዋን ኣኼባ ክፅውዕ እቲ ውድባዊ ሕገደንቢ ዘይፈቕደሉ ድዩ ኾይኑ❓ብኣቕራባይነት ካልኦት ኣመራርሓ እቲ ውድብ ኣድላዪ ኾይኑ እንተተረኺቡ እቲ ፕረዚዳንት ኣኼባ ናይ ምፅዋዕ ስልጣን የብሉን ድዩ ኾይኑ❓

👉እቲ ኣኼባ ዝካየደሉ ዕለት ጌታቸው እንተዘይፈሊጥዎ ኸ ክካየድ ኣይኽእልን ማለት ድዩ❓እቲ ናይቲ ውድብ ግረዚዳንትን ካልኦት ኣመራርሓ እቲ ውድብን እዙይታት እንተዘይኮይኑ ደኣ ስርሑ እንታይ እዩ ዝኾን ዘሎ ማለት እዩ❓ ወዮ ኣብ መንግስትን ውድብን ዘሎ ምትሕውዋስ ክፀሪ እዩ ዶ ኣይተባህለን።እዚ ማለት እቲ ናይታ ዓዲ መራሒ ነቲ ናይ ውድብ መራሒ እውን ክቆፃፁሮ እዩ ማለት ድዩ ዝኾን ዘሎ❓

👉ብስሩ ኸ ጌታቸው ሓደ ውድብ ኣኼባ ዘካየደሉ መዓበይ (መዓዝ ዕለት ኣበይ)ክፈልጥን ክውስንን ግድን ድዩ❓

👉ጌታቸው እዚ ናይ ካድረታት ኣኼባ ከይካየድ ዝደለየሉ ቀንዲ ምኽንያት ብሓቂ እቶም ካድረታት ንህዝቢ ትግራይ ክሕግዙ ካብ ዘለዎ ድሌት ዶስ ካልእ መበገሲ ምኽንያት ኣለዎ❓

👉እዛ ጉዳይ ካብ እትስማዕ ጀሚሮም ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያ ዓዲኣርባዕተ ኣብ ናይ ጌታቸው ሰብእና፣ጅግንነት፣ ምሁርነትን ወታሃደራዊ ሊህቅነትን ኣተኲሮም ኣብ ሰፊሕ ናይ personality cultivation and face value building ወፍሪ ንምንታይ ተሰማሪዎም ቀንዮም❓

👉Mainstream, digital and printing media ናይዛ ዓዲ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ከም ቀንዲ ውረየን ብምግባር ናብ ሰፊሕ ፕሮፓጋንዳዊ ሃልኪ ዝኣተዋሉ ምኽንያት ጌታቸው ኮነ ብፆቱ ልቢ ኣይበልሉን ማለት ድዩ❓ጌታቸው ከም መጠን መራሒ ንህዝቢ ግልፂ ኾይኑ ክቐርብ ኣለዎ።

👉ፕረዚዳንት ጌታየው ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ዞባን ወረዳን ዘለው ኣመራርሓታት ዕንቅፋት ይኾኑና ኣለው ብምባል ክወስዶ ንዝደለዮ ስጉምቲ ጉዝጓዝ ኣቐሚጡ ነይሩ እዩ።ቅፅል እንትብል ድማ መንግስቲ ዘይፈልጦም ኣብያተ ማእሰርቲ ምንባሮም እውን ንህዝቢ ኣብ መራኸብቲ ሓፋሽ ገሊፁ ሰሚዕና።እዚ ሕዚ ኾይነ እንትሓስቦ "Abiy Ahmed's style of dehumanizing of once foe" እዩ ኢለ ክወስዶ ተገዲደ ኣለኹ።ኣብይ ኣሕመድ ዝጥቀመለን ካብ ዝነበራ ስልቲታት፦

👉ኣብ ቀፃሊ ስጉምቲ ክወስደሉ ንዝደለየ ኣካል ሎሚ ጦቋሚ መልአኽቲ ይህብ።ከምቲ ጌታቸው ረዳ ንዞባታት ኣመልኪቱ ቅድም ክብል ዝሃቦ ጦቋሚ ሓበሬታ ማለት እዩ።

👉ዘይፍፅሞም መፅባዓታት ብምእታው ህዝቢ በቃ ከምዙይ እኮ ኢሉ ብምባል ተስፋ ከሕድር ምግባር ።ከምቲ ጌታቸው ረዳ ብተደጋጋሚ ብዛዕባ ተፈናቀልቲ ኾነ ኣጠቃላሊ ኩነታት ትግራይ ዝኣትዎም መሰልቸውቲ መፅብዓታት ማለት እዩ።

👉ናይ ፕርቶኮል ጉዳያት እውን ኣለው።ንሳቶም ግን ንግዚኡ ክሓድጎም።

ብዝኾነ numerous questions to follow.

👉ንህወሓት‼️

✍️ከምቲ ልዕል ክብል ዝገለፅኩዎ ምንም እኳ ኣኼባ ንምክያድ ናይ ማንም ባሩኾት ዘየድልዮም እንተኾነ ብሓባር እቲ ጌታቸው ዝበሎ ውሳነ ተማሓላሊፉ እንተነይሩ ንምንታይ ሕዚ ናብ ጉያ ጉያ ክእቶ ተድለዩ❓

✍️ህወሓት ካድረታት ኣብ እቲ ኣኼባ ብኽተትን ዘይስሩዕን ብዝኾነ ኣገባብ ንኽሳተፉ ንምንታይ ተደልዩ❓ብስሩ ኸ መን እዩ ፀዊዕዎ❓

✍️እቲ ኣኼባ ከምቲ ፕረዚዳንት ጌታቸው ዝበሎ እንተኾይኑ ንምንታይ ኣብ ውድቕቲ ለይቲ ክጅመር ተደልዩ❓ወዘተ።

ኣነ ናይ መትከል ሕቶ እምበር ንዝኾነ ይኹን ኣካል ወጊነ ዝሓቶ ኾነ ዝህቦ ሓሳብ ከምዘየለ ሓፋሽ ክፈልጠለይ ይላቦ።

Shalom‼️

Address

Emirates
Abu Dhabi

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Tigrai today posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share