30/10/2023
==========================
አፉላላይ 19 93 አብ ላዕሊ ነይሩ ሕዚ ክሳዕ ወረዳን ጣብያን እዩ ዘሎ።
ጥረ ሓቅታት ብዝዓባ ብዕውት ተኻይዱ ዝተበሃለ ስብሰባ ካድረታት
አብቲ አኼባ ዝተረኸቡ ላዕለዎት አማራርሓ ማእኸላይ ኮምቴን ፈፃሚትን
1,ዶክተር ደብረፅዮን
2,ወይዘሮ ፈትለ ወርቅ
3, አይተ አለም ገብረዋህድ
እቲ መፀውዒ ዋኒን ሰነድ አይቀረበን አይተዘተየሉን።
ዘይተዘተየሉ ምኽንያት
1, ብግዝያዊ መንግስቲ ስለ ዝተአገደ
2, ፍርቂ ማእኸላይ ኮምቴ ስለ ዘይተረኸበ
3, እቲ ካድረ በቲ ውጥጥ ሰንቢዱ ውድብ ትጠፍእ አላ ዋላ ንስኹም ዝሕሸሉ ውድብ ክነድሕን ስምዑና ዝብል ምሕፅንታ ስለ ዝቀረበ
እቲ አኬባ ብዕውት ተኻይዱ ዝተበሃለ ውድብ ከመይ ነድሕን አፋላላይ አመራርሓ ከመይ ነድሕኖ እምበር መመያየጢ ሰነድን አጀንዳን አይቀረበን።
ስለዚ ፃዕዳ ሓሶት እዩ።
ጌታቸው ተረኺቡ ዝተበሃለ እውን ብዕራይ ወለደ ኤዩ።
አብቲ አኼባ ልዕሊ ሓሙሽተ ጀነራላት አመራርሓ ሰራዊት ተሳታፎም አበድትን ንብዓት ሓበስትን ኮይኖም ውዒሎም እዮም።
ዘይተሳተፋ ማእኸላይ ኮምቴ
ካብ ማክኸላይ ኮምቴ
ክርከቡ ዝግብኦም 42
ዘይተረኸቡ 23
ስለዚ ልዕሊ ፍርቂ ማእኸላይ ኮምቴ አይተረኸበን።
ከብቶም ዘይተረኸቡ እዞም ዝስዕቡ እዮም።
1,አይተ ጌታቸው ረዳ
2,አይተ ኢሳያስ ታደሰ
3,አይተ ጌታቸው አሰፋ
5,አይተ ሰሎሙን ምዕሾ
6, አይተ በየነ መኩሩ
7, ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወት
8, አይተ ሹሽይ መረሳ
9, አይተ ብርሃነ ገብረክርስቶስ
10, አይተ ረዳኢ ሓለፎም
11, አይተ ሃፍቱ ኪሮስ
12, ወይዘሮ ሰብለ ካሕሳይ
13,, አይተ ነጋ አሰፋ
14,አይተ አታኽልቲ መዝገቦ
15,ዶክተር ሓጎስ ጎዳፋይ
16, አይተ ርስቁ አለማው( ብሕማም)
ካብዚ ወፃኢ ዘለው ዝተሳተፉ እዮም።
አብቲ አኼባ ከይሳተፉ በቲ ፃውዔት ግዝያዊ መንግስቲ ዝተረፉን ዘይተሳፉን እንትህልው አብቲ አኼባ ከይሳተፉ ተኸልኪሎም መኪና ተሓዲጎም ብናይ ህዝቢ መጎዓዓዝያ መፂኦም ዝተሳተፉ አለው።
አብነት ገብረ ኢሮብ ብአይተ ሹሻይ መረሳ አይትሳትፍን ብዝብል መኪና ካብ ዝተሓደጉ ብዙሓት ሓደ እዩ።
በቢዞብኡ ዝተሳተፉን ዘይተሳተፉን
1,ምዕራብዊ ዞባ ክሳተፉ ዝግብኦም 42 እዮም ዝተሳተፉ, 40
2, ሰሜን ምዕራብ
106 ክሳተፉ ዝግብኦም
104 ዝተሳተፉ
3, ማእኸላይ ዞባ
ክሳተፉ ዝግብኦም 135
ዝተሳተፉ 83
አብ ዞባ ማእኸል ሓሙሽተ ወረዳ ሙሉእ ብሙሉእ አይተሳተፋን።
አብዚ ዞባ አርባዕተ ዞባ ኮምቴ አይተሳተፉን።
4, ዞባ ምብራቅ
ክሳተፉ ዝግብኦም 111
ዝተሳተፉ 85
አብዚ ዞባ 6 አባላት ዞባ ኮምቴ አይመፁን።
5,ዞባ መቀለ
ኽሳተፉ ዝግብኦም 96
ዝተሳተፉ 87
አብዚ ዞባ ክልተ ዞባ ኮምቴ አይተሳተፉን።
6, ዞባ ደቡብ ደቡብ ምብራቅ
ኽሳተፉ ዝግብኦም 62
ዝተሳተፉ 49
አብዚ ዞባ አርባዕተ ዞባ ኮሞቴ ተረፊፎም።
7,ዞባ ደቡብ
ኽሳተፉ ዝግብኦም 86
ዝተሳተፉ 20
አብዚ ዞባ ሰለሰተ ዞባ ኮምቴ አይተሳተፉን።
8, ክልል ስታፍ
ክሳተፉ ዝግብኦም 163
ዝተሳተፉ 111
9, ካብ ትካላት ትእምት 6 ጥራሕ ተረኺቦም
10, ካብ ትካላት ፌደራል
ክሳተፉ ዝግብኦም 13
ዝተሳተፉ 8 እዮም
እዚ ዘመላኽት
እቲ አፉላላይ ክሳዕ ዞባን ወረዳን አመራርሓ ከምዝለሓኸ ዘመላኽት ኮይኑ።
አብቲ ስብሰባ ዝተለዓሉ ዋናዋና ነጥብታት
1, ቅድሚ ኩናት ሸዊድኩምና ተሓተቲ ኢኩም
2, አብ እዋን ኩናት እውን ዝቸፈጠረ ፀገም ኩሊ ናይ ማእኸላይ ኮምቴን ፈፃሚን እዩ። ተሓተቲ ኢኹም
3, ሕድሪ አይንጠልምን ።ቃል ሰውአት እንዳበልኩም