
02/11/2025
ወዱ ን ማይክል ታይሰን ኣሚር ታይሰን ሓደ እዋን ንኣቡኡ "ከማኻ ተጓሳጣይ ክኸውን እየ ዝደሊ" ኢሉዎ።
ታይሰን ነዚ ምስ ሰምዐ ገጹ ተቐየረ ኣብ ሓሳቡ ውን ወዱ ኣብታ ህሞት እቲኣ ተጓሳጣይ ኮይኑ ብተረትርን ጭዋዳታት ዘለዎም ተጓሰጥቲ ብጭካነ ክህረምን ተረርቲ ጉስጥታት ክስተኣናግድን ተራእዮ ።
"ተጓሳጣይ ፈጺምካ ኣይትኸውንን ኢኻ" ድማ በሎ ። ምቹእ ህይወት ለሚድካ ኣብ ምቾት ኢኻ ዓቢኻ ከምዚ ከማይ ቦክሰኛ ክትከውን ኣይትኽእልን ኢኻ። ንስካ ኩሉ ምርጫ ኣለካ ኣብዚ ሰዓት።
ኣነ ግን ንህይወተይ ካብ ምቅላስ ሓሊፈ ካልእ ኣማራጺ ስለ ዘይነበረኒ እየ ናብዚ ዓውዲ ኣትየ ። ናይ ሓደ ኣረሜናዊ ተጓሳጣይ መከራ ማህረምቲ ክትጻወሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ደቀይ ምእንቲ ከይትሳቐዩ ኣነ ዝሓለፍክዎ ከይትሓልፉ እየ ነዚ ሓሊፈዮ።
ንሱ ድማ "ሓሳበይ ዕዉት ኮይኑ ኣሎ፡ ደቀይ ክምህሮምን ምቹእ ክነብሩን ኣክኢለ እየ፡ ከምቲ ኣነ ዝሓለፍክዎ መንገዲ ክሓልፉ ድማ ፈጺመ ኣይደልን እየ" ኢሉ መለሰሉ።
ንሱ ድማ "ደቀይ ኣብ ከም ቦክሲንግ ዝኣመሰለ ቃንዛን ስቃይን ዘለዎ ስፖርት ክሳተፉ ክርኢ ወይ ክሓስብ ኣይደልን እየ፡ እቲ ቃንዛ ድማ ክስምዓኒ ኣይደልን እየ" ኢሉ። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሩ ወዲ ማይክ ታይሰን ተጓሳጣይ ናይ ምዃን ሓሳቡ ሃፊፉ ።
ኣቦነት ከምዚ እዩ !
Mj habesha
canada
ብስፍሕ ዝበለ ኣብ መኣዲ ቲቪ ቻነል ከምዝን ካልእን መደባት ሒዘ ክመጽእ እየ ክትከታተልዎን ኣፍልጦኩም ክተዕብዩን ድማ ኣብዛ ቻነልና ኣቲኩም ሳብስክራይብ ብምጋባር ነዛ ፔጅ ውን ፈልው ምባል ኣይትረስዑ።
https://youtube.com/?si=DaSsnK2lnkINLASy
https://youtube.com/?si=DaSsnK2lnkINLASy