Mj habesha

Mj habesha ክትመሃሩ ክትዘናግዑ ክትፈልጡ ሓበሬታ ክትረክቡ follow ምባል like ምግባር ኣይትረስዑ !

ወዱ ን ማይክል ታይሰን ኣሚር ታይሰን ሓደ እዋን ንኣቡኡ "ከማኻ ተጓሳጣይ ክኸውን እየ ዝደሊ" ኢሉዎ።  ታይሰን ነዚ ምስ ሰምዐ ገጹ ተቐየረ ኣብ ሓሳቡ ውን ወዱ ኣብታ ህሞት እቲኣ ተጓሳጣይ ...
02/11/2025

ወዱ ን ማይክል ታይሰን ኣሚር ታይሰን ሓደ እዋን ንኣቡኡ "ከማኻ ተጓሳጣይ ክኸውን እየ ዝደሊ" ኢሉዎ።

ታይሰን ነዚ ምስ ሰምዐ ገጹ ተቐየረ ኣብ ሓሳቡ ውን ወዱ ኣብታ ህሞት እቲኣ ተጓሳጣይ ኮይኑ ብተረትርን ጭዋዳታት ዘለዎም ተጓሰጥቲ ብጭካነ ክህረምን ተረርቲ ጉስጥታት ክስተኣናግድን ተራእዮ ።

"ተጓሳጣይ ፈጺምካ ኣይትኸውንን ኢኻ" ድማ በሎ ። ምቹእ ህይወት ለሚድካ ኣብ ምቾት ኢኻ ዓቢኻ ከምዚ ከማይ ቦክሰኛ ክትከውን ኣይትኽእልን ኢኻ። ንስካ ኩሉ ምርጫ ኣለካ ኣብዚ ሰዓት።

ኣነ ግን ንህይወተይ ካብ ምቅላስ ሓሊፈ ካልእ ኣማራጺ ስለ ዘይነበረኒ እየ ናብዚ ዓውዲ ኣትየ ። ናይ ሓደ ኣረሜናዊ ተጓሳጣይ መከራ ማህረምቲ ክትጻወሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ደቀይ ምእንቲ ከይትሳቐዩ ኣነ ዝሓለፍክዎ ከይትሓልፉ እየ ነዚ ሓሊፈዮ።

ንሱ ድማ "ሓሳበይ ዕዉት ኮይኑ ኣሎ፡ ደቀይ ክምህሮምን ምቹእ ክነብሩን ኣክኢለ እየ፡ ከምቲ ኣነ ዝሓለፍክዎ መንገዲ ክሓልፉ ድማ ፈጺመ ኣይደልን እየ" ኢሉ መለሰሉ።

ንሱ ድማ "ደቀይ ኣብ ከም ቦክሲንግ ዝኣመሰለ ቃንዛን ስቃይን ዘለዎ ስፖርት ክሳተፉ ክርኢ ወይ ክሓስብ ኣይደልን እየ፡ እቲ ቃንዛ ድማ ክስምዓኒ ኣይደልን እየ" ኢሉ። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሩ ወዲ ማይክ ታይሰን ተጓሳጣይ ናይ ምዃን ሓሳቡ ሃፊፉ ።

ኣቦነት ከምዚ እዩ !

Mj habesha
canada

ብስፍሕ ዝበለ ኣብ መኣዲ ቲቪ ቻነል ከምዝን ካልእን መደባት ሒዘ ክመጽእ እየ ክትከታተልዎን ኣፍልጦኩም ክተዕብዩን ድማ ኣብዛ ቻነልና ኣቲኩም ሳብስክራይብ ብምጋባር ነዛ ፔጅ ውን ፈልው ምባል ኣይትረስዑ።

https://youtube.com/?si=DaSsnK2lnkINLASy
https://youtube.com/?si=DaSsnK2lnkINLASy

ከምዚ ውን ኣሎኣብ  ግዝኣት ጉጃራት ሃገረ ህንዲ ፡ እንዳ ጓል  ኩሉ ወጻኢታት መርዓ ሸፊኖም እንከለዉ  ፡ ንኣጋይሽ ዝኸውን እኹል ቺዝ ግን ኣይነበሮምን ነዚ ዝፈለጠ መርዓዊ ን መርዓቱን ነቲ...
02/11/2025

ከምዚ ውን ኣሎ

ኣብ ግዝኣት ጉጃራት ሃገረ ህንዲ ፡
እንዳ ጓል ኩሉ ወጻኢታት መርዓ ሸፊኖም እንከለዉ ፡ ንኣጋይሽ ዝኸውን እኹል ቺዝ ግን ኣይነበሮምን ነዚ ዝፈለጠ መርዓዊ ን መርዓቱን ነቲ ጽምብል መርዓን ገዲፉ ወጺኡ።

ስድራ መርዓት ብቕልጡፍ ናብ ፖሊስ ድሕሪ ምድዋል፡ መርዓዊ ናብ መደበር ፖሊስ ተጸዊዑ ቀሪቡ ።

ፖሊስ መርዓውን መርዓውን ክሰማምዑ ከእምንዎን ነቲ ዝጎደለ መግቢ ንምኽሓስ ንመርዓዊ ካሕሳ ገንዘብ ከምዝቐረቡ ውን ይንገር።

ኣብ መወዳእታ መርዓውቲ ኣብ መደበር ፖሊስ ውዕል መርዓኦም ብምፍራም ስነ-ስርዓት መርዓኦም ዛዚሞም ወይ ጉድ ።

መን ኢኪ ባዕልኪ ወጻኢታት መርዓ ሸፊንኪ ኣንተኮርዩ ውን ክሒስኪ ሰብኣይኪ ትወስዲ ኣለክን ዶ ?

Mj habesha
canada

ብስፍሕ ዝበለ ኣብ መኣዲ ቲቪ ቻነል ከምዝን ካልእን መደባት ሒዘ ክመጽእ እየ ክትከታተልዎን ኣፍልጦኩም ክተዕብዩን ድማ ኣብዛ ቻነልና ኣቲኩም ሳብስክራይብ ብምጋባር ነዛ ፔጅ ውን ፈልው ምባል ኣይትረስዑ።

https://youtube.com/?si=DaSsnK2lnkINLASy
https://youtube.com/?si=DaSsnK2lnkINLASy

ሰላምኩም ይብዛሕ ኣኣብ ዘለኩሞ ድሕሪ ንውሕ ዝበለ ግዜ ዳግማይ ብ ዩቱብ Youtube ተመሊሰ ኣለኩ ። ሓደሽቲ ርክበታት ፡ ምዕባለታት ቴክኖሎጂ ከም ኤኣይ AI ዝኣምሰለ ዝተተሓሓዙን እዋናዉ ...
02/07/2025

ሰላምኩም ይብዛሕ ኣኣብ ዘለኩሞ ድሕሪ ንውሕ ዝበለ ግዜ ዳግማይ ብ ዩቱብ Youtube ተመሊሰ ኣለኩ ።

ሓደሽቲ ርክበታት ፡ ምዕባለታት ቴክኖሎጂ ከም ኤኣይ AI ዝኣምሰለ ዝተተሓሓዙን እዋናዉ ዝኮኑ ዜናታትን መሃርን ኣዘናጋዕን ዝኮነ መደባት ኣብ Facebook ብጽሑፍ ጥራሕ ዝነበረ ሕጂ ድምጽን ምስልን ኣሰነየ ሒዘ ይመጽእ ኣለኩ.

ሓገዝኩም ኣይፈለየኒ እቶም ተተባብዑኒን ዳግማይ ክምለስን ክሰርሕን ኩሉ ግዜ ትነግሩኒ ድማ ከም ሓሳብኩም መጽየ ኣለኩ እዛ ንመጀምሪ ናይዚ ዓመት ዘዳለክዋ ቀዳመይቲ ቪድዮ ድማ ኣሕጽር ኣቢለ ኣቅሪበያ ኣለኩ ርኢኩም ድማ ሓሳብኩምን ርእይቶኩምን ሃቡኒ ይቀንየለይ።

Meareg Yosief
canada

https://youtu.be/2cwPUOjS2dg?si=DAZdeZgrb9Jp3H3a
https://youtu.be/2cwPUOjS2dg?si=DAZdeZgrb9Jp3H3a
https://youtu.be/2cwPUOjS2dg?si=DAZdeZgrb9Jp3H3a

መኣዲ ቲቪ Meadi TV is Eritrean channel that shares Technology news , world wide new , Finance, and New Video clips, Musics, Short films, Series Films, Dramas, ...

ናይ AI Artificial Intelligence ሰብ ዝሰርሖ ብልሒ ምዕባለ ናብ ጥርዚ ኣብ ዝከደሉ ግዜ ይብጻሕ ኣሎ ። ንሎሚ እንብኣር ኣብ ዓውዲ ሕክምና ብዙሕ ኣስተዋጽኦን፡ለውጥ፡ ክገብር ት...
01/31/2025

ናይ AI Artificial Intelligence ሰብ ዝሰርሖ ብልሒ ምዕባለ ናብ ጥርዚ ኣብ ዝከደሉ ግዜ ይብጻሕ ኣሎ ። ንሎሚ እንብኣር ኣብ ዓውዲ ሕክምና ብዙሕ ኣስተዋጽኦን፡ለውጥ፡ ክገብር ትጽቢት ዝግበረሉ ሰለስተ ናይ AI ምህዞታት ናባኩም የብሎ።

በብግዚኡ ናይ ሰብ ዝሰርሖም ብልሒ ወይ ብቁጽርን ምዕባለን እንዳበዝሐን ደርጅኡ እንዳወሰክን ይከይድ ኣሎ ፡ ናይዚ ዓውዲ ኢንዳስትራታት ውን እንዳበዝሓ ይከዳ ኣለዋ።

ዓበይትን ሓያልን ሃገራት ውን ኪኖ ብኣጽዋርን ሃብትን ምትዕብላል ናብ ዓለም ቴክኖሎጂ ኣትየን ብምህዞን ሰንዓን ናይ ሰብ ዝሰርሖ ብልሒ ዝፋጠጣሉ ዘለዋ እዋን ተበጺሑ ኣሎ።

ገለ ካብዚ ኣብ ዓውዲ ሕክምና ዝፈሪ ዘሎ ን ወዲ ሰብ ድማ ብዙሕ ሓገዛት ክገብር ትጽቢታት ዝግበረሉ ዘሎ ናይ AI ምህዞታት ድማ ናይ ሎሚ እንሆ ።

ቀዳማይ ሮቦታት ብ ሰብ ዝሰርሖ ብልሒ AI ተሓጊዘን ልክዕ ከም፡ደቂ ሰባት ቆርበትና ብምድህሳስ ፡ ሙቀት ኣካላትና ብምዕቃን፡ ህርመት ልብና ንምዕቃን ስሚዕታትናን ዘለናዮ ኩነታትን ክፈልጣ ዘክእለን ምዕባለ ተበጺሑ ኣሎ ።

ካልኣይ ብካንሳር ጡብ ዝሳቀያ ደቂ ኣንስትዮ ዓለምና ካብ ግዜ ናብ ግዜ ቁጸርን ኣብ ዝበዝሓሉ ዘሎ እዋን ነዚ መፍትሒ ተባሂሉ ዝተዳለወ ብ AI ሰብ ዝሰርሖ ብልሒ ተሓጊዙ ዝሰርሕ ፡ 5 ዓመት ቅድሚ እዚ ሕማም ኣብ ኣካላትና ምምዕባሉ ክነግረና ዝክእል ፡ ነዚ ሕማም ኣቀዲምና ፈሊጥና ውን ዘድሊ ሕክምናዊ ሓገዝ ረኪብና ቀልጢፍና ካብዚ ሕማም ናጻ ንኮነሉ ዝገብር ምዕባለ ተበጺሑ ኣሎ።

ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ን ወቅዒ ልቢ ፡ ድካም ልቢ ከመይ ከም ዘሎ በዞም ማሽናት ተሓጊዞም ሻምብቆታት ልቢ ፡ ቅርጽን ኩነታት ልብን ኣብ ከመይ ደረጃ ኣሎ ከምኡ ውን ሓፈሻዊ ጥዕና ልቢ ከመጽራን ከርእያን ዝግምታን ዝክእላ ስካነራት ከማዕብሉ በቂዖም ኣለዉ ።

Meareg Yosief
ምንጪ ዓለም ኢንተርነት

ዓለም ቴክኖሎጂ ዓለምና ይሕንበብ ኣሎ ኣፍልጦናን ንቅሓትናን ድማ ማዕሪኡ ክስጉም በብግዚኡ ኣብ ዙርያ እዚ ቴክኖሎጂ ብዓቅመይ ዝርከብክዎ ሓበሬታ ናብኩም ከብሎ እየ ነዚ ገዛ ላይክ ብምግባር ፈለው ብምግባር ኣባልት ኩኑ ኣብ ቀረባ ግዜ ውን ብምስልን ስእልን ኣብ ናይ Youtube ክመጽእ እየ ሳብስክራይን ኣይትረስዑ።

https://youtube.com/?si=kMJCG9w1OLQzM92k

ንኢንዱስትሪ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዘሰንበደ ዲፕሲክ ናይ ሳይበር መጥቃዕቲ ከም፡ዝወረዶ ተገሊጹ ። እዚ ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ዝና ዝደየበ ቻይናዊ ትካል ቴክኖሎጂ ዲፕሲክ፡ ብሰንኪ ሳይበር መጥ...
01/31/2025

ንኢንዱስትሪ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዘሰንበደ ዲፕሲክ ናይ ሳይበር መጥቃዕቲ ከም፡ዝወረዶ ተገሊጹ ።

እዚ ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ዝና ዝደየበ ቻይናዊ ትካል ቴክኖሎጂ ዲፕሲክ፡ ብሰንኪ ሳይበር መጥቃዕቲ ሓደስቲ ተጠቀምቲ ምምዝጋብ ንግዚኡ ከምዘቋረጸ ኣፍሊጡ።

"ዲፕሲክ" ዝበሃል ኣብዚ ሳምንቲን ቀረባ ግዚያትን ንዓለም ቴክኖሎጂ ዘሰንበደ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ቻትቦት፡ ኣብ ኣገልግሎታቱ "ዓበይቲ ጐዳኢ መጥቃዕትታት" ከምዘጋጠሞ ይገልጽ።

እቲ ኩባንያ ምስ ከም በዓል OpenAI ዝኣመሰላ ፈጣሪ ChatGPT ዝኣመሰላ ኣሜሪካውያን ኩባንያታት ይወዳደር ከምዘሎ እውን ገሊጹ።

ነዚ ስዒቡ፡ እቲ ብዙሓት ተጠቀምቲ ዝሰሓበ ኣፕ፡ ብሰንኪ ሳይበር መጥቃዕቲ ሓደስቲ ተጠቀምቲ ምቕባል ከምዘቋረጸ ኣፍሊጡ።

እቲ ኩባንያ፡ ቅድሚ ሕጂ ዝተመዝገቡ ተጠቀምቲ ናብቲ መርበብ ሓበሬታ ክኣትዉ ከለዉ ዘጋጥሞም ዝነበረ ጸገም ከም ዝፈትሖ እውን ኣመልኪቱ።

ዲፕሲክ ብቻይናውያን ክኢላታት ቴክኖሎጂ ዝተዳለወ ኮይኑ፡ ምስ ቻትጂፒቲን ChatGpt ተመሳሰልቲ መወዳድርትን ክነጻጸር እንከሎ ብኣዝዩ ዝተሓተ ወጻኢታት ኣገልግሎት ናይ ምሃብ ዓቕሙ ተፈታውነቱ ከምዝወሰኸ ይንገር።

እዚ ንኣመሪካዊ ሲሊኮን ቫሊ ዘሰንበደ ዲፕሲክነት ንዶናልድ ትራምፕ ውን ዘገረመ ምህዞ ሙካኑ ውን ይዝረብ ። እቲ ፕረዚደንት "እዚ ነቶም ኣብቲ ዓውዲ ዘለዉ ናይ ንቕሓት" ደው እዩ ክብሉ ውን ተሰሚዖም እዮም ። ፡ ኣብ ሃገሮም ኣብ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዝሰርሑ ኩባንያታት ኣሰራርሓኦም ከማሓይሹ ድማ ኣተሓሳሲቡ።

ዲፕሲክ ኣብቲ ኢንዱስትሪ ዝረኸቦ ልዑል ምላሽን ተፈታውነትን ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ቻይናውያን ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ዘለዋ መርገጺ ዳግማይ ክትሓስበሉ ምኽንያት ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።

ዳታ ፎርብስ ከም ዘመልክቶ፡ ዲፕሲክ ኣብ ኣፕ ስቶር ኣፕል ዝበዝሐ ዝወርድን ዝጥቀመሉን ኣፕ ኮይኑ ኣሎ።

Meareg Yosief

እዝን ካልእ ምስ ቴክኖሎጂ ዝተኣሳስር መደባት ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ናትና Youtube ቻነል ብተከታታሊ ክነቅርበልኩም ሙካና እንዳሓበርና ኣባላትን ተሳተፍትን ክትኮኑ ሳብስካራይብ ብምግባር ሓገዝኩም ኣይፈለየና ።

https://youtube.com/?si=kMJCG9w1OLQzM92k

🟨🔷️ምዕባለ ኣብ ኣተሓሳስባ🔷️🟨🔸️ኩሉ ነገር ትም ኢልካ ምስ እትርእዮ፡ ናብቲ ናይ ጥንቲ ባህርያቱ እዩ ኪምለስ ዚደሊ። ማለት ንሓደ ስፍራ-ኣታኽልቲ ትም ኢልካ ምስ እትርእዮ፡ ግዜ ወሲዱ ናብ...
01/31/2025

🟨🔷️ምዕባለ ኣብ ኣተሓሳስባ🔷️🟨

🔸️ኩሉ ነገር ትም ኢልካ ምስ እትርእዮ፡ ናብቲ ናይ ጥንቲ ባህርያቱ እዩ ኪምለስ ዚደሊ። ማለት ንሓደ ስፍራ-ኣታኽልቲ ትም ኢልካ ምስ እትርእዮ፡ ግዜ ወሲዱ ናብ እንዳ ኣትማንን ኣናጹን እዩ ዚልወጥ። እቲ ኣብኡ ቦቒሉ በነበረ ግሩም ፍረታት ድማ ብኣእሻዅን ካልእ ተሰማሚዑዎ ዝበቖለ ጻህያይን ቆጥቋጥን ይትካእ።

🔸️ጻዕሪ ዝጎደሎ ኩሉ ስራሕ ወይ መስርሕ፡ ናብቲ ጥንታውን መበቆላውን ባህርያቱ ንኺምለስ ግዜ ኣይወስድን። ለውጢ ንኺመጽ፡ ደፋኢ ወይ ኣንቀሳቓሲ ሓይሊ የድሊ። እዚ ዩኒቭርስ፡ እተፈላለየ ብርታዐ ዘለዎ ኤነርጂ ወይ ጸዓት እንተ ዚጎድሎ ናብ ምዕናው ገጹ ምተጓዕዘ ነይሩ። እዚ ኩነትዚ ብግሪኽ ኤንትሮፒ ይብሃል። ናብ ተዛማዲ ስቕታ ይልወጥ ማለት እዩ። ትም ምባልን ንድሕሪት ምጕዓዝን ዳርጋ ኩሉ ሕደ እዩ።

🔹️ወድሰብ ንኺልወጥ ግድን ኪሓስብ ኣለዎ። ብዘይ ምሕሳብ፡ ማለት ነቲ ብደመነፍሲ ዚምራሕ ኣእምሮኡ ንነዊሕ ትም ኢሉ ምስ ዚርእዮ፡ ምዕባለ ከርእይ ኣይክእልን። ንወድሰብ ናይ ኣእምሮ ደው ምባል እዩ ንነዊሕ ግዜ ካብ በዓትን ጫካን ከም ዘይወጽእ ዝገበሮ።

🔹️ኣብ በዓትን ጫካን ምንባር ጥዑም እዩ። ኣእምሮኻ ብዙሕ ኣይሓስብን፡ ኣይደክምን። ሕራይ ኣእምሮኻስ ኣይደክምን ይኸውን፡ ኣብ ክንድኡ ግን ኣካላትካ ይደክም እዩ። ማለት፡ ሰኣን ቀስቲ ምሂዝካ ፍላጻ ወርዊርካ ነታ ካባኻ ንላዕሊ እትጎዪ ዓጋዜን እትቐትላ፡ ምሉእ መዓልቲ ደድሕሪኣ ክትጎዪ ትውዕል። ብድኻም ተሰኒፍካ ምስ ወደቕካ፡ ድራርካ ከይሓዝካ ንበዓትኻ ትምልሰ። ንኣእምሮኻ ኣስሪሕካ፡ ተወንጫፊ ነገራት ምሂዝካ እንተ ትነብር ግን፡ ደው ኢልካ ከሎኻ ፍላጻኻ ወርዊርካ ምቐተልካያ። ድኻምካ ምቖጠብካ፡ ተደሪርካ ድማ ምሓደርካ።

▫️ሓደ እዋን ግን፡ ክትሓስብ ጀሚርካ። ኣእምሮኻ ስለምንታይ ዚብል ሓድሽ ኣመል ኣምጺኡ። ስለምንታይ ዝደክም? ስለምንታይ ከምዚ ዘይገብር? ወዘተ. ኣእምሮ ወድሰብ ንኺሓስብ ኢሉ እዩ ተፈጢሩ። ስለ ዝሓሰብካ እኮዩ ቀስቲ ክትሰርሕ ዝኸኣልካ። ሳላ እተፈላሰፍካ እዩ ወንጭፍ ወይ ኲናት ከተጥሪ ዝኸኣልካ። ከምዚ ብምግባርካ ናይ ዕለት እንጌራኻ ክትምእርር ክኢልካ። ናብቲ ዚቕጽል ናይ ምዕባለ ደረጃ ድማ ደዪብካ። ይኹንምበር፡ ክልተ ዓይነት ኣተሓሳስባ ድማ ኣሎ። ኣብ ማሪት እተመርኮሰ ብሓደ ወገን፡ ኣብ ጭቡጥን ሳየንሳውን ስነሞገታውን፡ ኣብ ትዕዝብትን ምርምርን ኣብ ህየሳዊ ትንተናን እተሞርከሰ ድማ ብኻልእ ወገን። እቲ ኣብ በዓቲ ዚነብር ዝነበረ ሃዳናይ፡ እታ ዓጋዜን ገዲፋቶ ክትዕዘር ከላ፡ እሞ ናይ ጥምየትን ሞትን ደበና ከንጸላሉዎ ከሎ፡ ንጸሓይ ወይ ንወርሒ ከማኽራ ዚብል ሓሳብ መጺኡዎ ይኸውን እዩ። ነቶም ምስ ደቀሰ ናብ ኣእምሮኡ እናተመላለሱ ዘናውጹዎ ዝነበሩ መናፍስቲ ለሚኑዎም ይኸውን እዩ። እንታይ ደኣሞ ኪገብር።

▫️ካልእ ኣብ በዓቲ ዚነበር ሃዳናይ ግን፡ ብዛዕባታ ጎይዩ ክሕዛ ወይ ኪቐትላ ዘይክእል ዝነበረ ዓጋዜን ኪሓስብ ከሎ፡ ኣነኳ ብእግረይ እንተ ዘይኣርከብኩዋ፡ ተወርዊሩ ዘርክባን ዝወግኣን በሊሕ ነገር ዘይሰርሕ ዚብል ሓሳባት መጺኡዎ ይኸውን። ካብ ትዕዝብቱን ካብ ምርምሩን ዝመንጨወ፡ ዝምጠጥን ዝግተርን መንትግ ኪሰርሕ ክኢሉ። እግሩ ከየዘውተረ ከም እግሪ ኮይኑ ዚለኣኾ ኲናት ምሂዙ። ተዓዊቱን ተደሪሩን።

🔻ከምቲ ሓሳባት ንኹነታት ዚጸልዉዎ፡ ኩነታት ድማ ንሓሳባት ይጸልዉዎ እዮም። ናይ ዓለም ወይ መሬት መሰረታዊ ኩነታት ምስ እንዕዘብ፡ እቲ መስርሕ ኣብ ምስፋን ናይቲ ብቑዕ ናይ ምርዓም ክእለት ዘለዎ (ሰርቫይቫል ኣቭ ዘ ፊተስት) እተመስረተ እዩ። ብሓጺሩ፡ ኣብዚ ዓለም ዚነብር ኩሉ ሰብ ይኹን ወይ እንስሳ ወይ ቡቕሊ ዘዋጽኦ ስለ ዝገበረ እዩ ዚነብር ዘሎ። ዘዋጽኦ ክንብል ከሎና፡ ነቲ ንህይወቱ ዚዕቅቦ፡ ቀጻልነት ዚህቦ፡ ከም ዚነብርን ዚፋረን ዚገብሮ መገዲ ወይ ብልሃት ይወስድ ማለት እዩ። ግን ከኣ ዘዋጽኦ ገይሩ ከሎ ዝጠፍአውን ነይሩ። ምናልባት ነቲ ዘዋጽኦ ብልሓት ወይ ሓሳባት ወይ ርኽበት ግሩም ገይሩ ስለ ዘይተጠቐመሉ ኪኸውን ይኽእል፡ ወይ ከኣ ንኪጥቀመሉ እኹል ብቕዓት ዘየጥረየ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል። ወይውን ብዘይፈልጦ ኩነታት ተሰኒፉ ኪኸውን ይኽእል።

🔻ወድሰብ ንህይወትን ንናብራን በዚ መንፈስዚ ተደሪኹ ክርእዮ ከሎ፡ ግድን ህይወቱ ዚዕቅበሉን ሓድጊ ገዲፉ ዚኸደሉን መገዲ ኪደሊ ይግደድ ነይሩ። ከይቀደመኒ ኪቕድሞ እዩ ነይሩ እቲ ኣገባብ። ትም ምስ እትብል ስለ እትብላዕ፡ ወይ ክትቃለስ ወይ ከኣ ክትሃድም እዩ ዘዋጽኣካ። ነፍስኻ ንምዕቃብ፡ ሓድጊ ንምግዳፍ ኩሉ ዘዋጻኣካ ክትገብር ናይዚ ዓለምዚ ሕጊ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት፡ ወድሰብ ነቲ ናይ ምግባትን ምዕማጽን ዝንባለ ከም ኣማራጺ ዘይብሉ ኣካይዳ ገይሩ ስለ ዘቐመጦ፡ ኩሉ ናይ ወድሰብ ፖለቲካዊ ይኹን ቁጠባዊ፡ ስጋዊ ይኹን መንፈሳዊ፡ ውልቃዊ ይኹን ማሕበራዊ ተግባራትን ውጥናትን ካብዚ ናይ ምግባትን ምኽዕባትን ምዕማጽን ዓንኬልዚ ኪወጽእ ኣይክእልን። ኩሉ ኪነብር እዩ ዚቆራቖስ። ነቲ ከይነብር ዝኸልኦ ድማ ብእተፈላለየ መገድን ብልሃትን ገይሩ ካብቲ መገዲ ኪኣልዮን ከድክሞን ይፍትን።

🔘ኣብ ላዕሊ ዘረኣናዮም ሃደንቲ፡ ናይ ወድሰብ ነባሪ ቅርጺ እዮም። እቲ ሓደ ኣብ ማሪት እቲ ሓደ ድማ ኣብ ስነመጎት ብምምርኳስ ህይወቶም ኪመርሑ ክኢሎም። ይኹንምበር፡ እቲ ኣብ ማሪት ዚኣምን ዝነበረ እኹል ዘናብሮ መግቢ ክረክብ ብዘይ ምኽኣሉ ንኺነብርን ንኺፋረን ብማለት ግድን ናይቲ ካልኣይ ሃዳናይ ኣገባብ ኣተሓሳስባ ካብ ምኽታል ከምልጥ ኣይከኣለን። ኣብዚ ዓለም ኣንጻርቲ ንቡር ናይ ወድሰብ ኣተሓስስባ ዚኸዱ ሰባት እንተ ዘይህልዉ ነይሮም፡ ዝኾነ ማሕበራዊ ይኹን ቁጠባዊ ወይ ተክኖሎጂካዊ ለውጢ ኣይምተራእየን። ኣንጻር እቲ ዚውሕዝ ሓሳባት ምኻድ ማለት፡ ነቲ ዝነበረ ምፍራስ ዘይኮነስ፡ ንኣኡ ዚብድህ ሓድሽ ነገር ምትካል ማለት እዩ።

🔘ዝኣረጉ ሓሳባትን እምነታትን ብሂላትን ነቲ ናይ ምምርማር፡ ምድህሳስ፡ ምትንታን፡ ምፍታንን ኣእምሮኣዊ ድራኸታት ስለ ዝዓጽዉዎን ዝደፍኑዎን፡ ኣብ ድሕረትን ድንቁርናን ዘለዎም ጽልዋ ኣዚዩ ዓቢ እዩ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ፡ ናይ ወድሰብ መሰረታዊ ባህርያት ኣብቲ ናይ ምግባትን ምዕማጽን፡ ከይቀደመኒ ክቕድሞ ዚብል ደመነፍሲ እተመርኮሰ ብምዃኑ፡ እቲ ሳየንሳውን ስነሞገታውን ኣተሓሳስባውን ውዒሉ ሓዲሩስ ነቲ ናይ ወድሰብ ኣሉታዊ ባህርያት ምግልጋሉ ኣይተርፎንዩ ዚብል ርእይቶ ኪለዓል ይኽእል እዩ። ከም ሓቂ፡ ወድሰብ ብሳየንሳዊ መገዲ እናተመርሐውን ነቲ ምህዞታቱን ርኽበታቱን ኣብ ሕማቕ ከውዕሎ ይኽእል እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ግን እቲ ምሕሳብን ምምርማርን ደው ኪብል ኣይግባእን፡ ከመይሲ ኩሉ ማሕበራዊ ይኹን ቁጠባዊ ወይ ፖለቲካዊ ምዕባለታት፡ ኣብ ዓሚቝ ምሕሳብን ምምርምርን ደኣምበር ኣብ ማሪትን ኣጉል እምነትን እተመርኮሰ ኣይኮነን።

🔲ኣብ ማሪትን ኣጉል እምነትን ስምዒትን እተሞርኮስ ኩሉ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ድሕረትን ድንቍርናን እዩ ዚዕድም። ናይ ምጥርጣርን ምልዋጥን ናይ ደጋጊምካ ምምርማርን ባህርያት ስለ ዘይብሉ፡ ነቲ ናይ ምሕሳብን ምትንታንን ኣፍደገታት ብምዕጻው፡ ናይ በይኑ ዝኾነት ሕልማዊትን ምትሃታዊትን ዓለም ይፈጥር። ናይ ወድሰብ ሰብኣዊ መሰላትን ክብርታትን ፍትሓውነትን ማዕርነትን ተጻዋርነትን ድማ ኣብዛ እተጠቕሰት ዓለም ፈጺሙ ቦታ ኪህሉዎ ኣለዎ ።

ኣማኑኤል ሳህለ
ምንጪ © 2024 Bana Mental Health - All Rights Reserved.

🚨ኣገዳሲ ሓበሬታ ን ኣብ ኣሜሪካ ንዝነብሩ: ብዛዕባ ምጥያስ ስደተኛታትን ምምላስን ክትፈልጥዎ ዘለኩም ኣገደስቲ ነገራት 🚨  ኣብ ዲሲን ከባቢኣን ዝቕመጡ ኤርትራውያን ከምኡ ውን ኢትዮጵያውያንን...
01/31/2025

🚨ኣገዳሲ ሓበሬታ ን ኣብ ኣሜሪካ ንዝነብሩ: ብዛዕባ ምጥያስ ስደተኛታትን ምምላስን ክትፈልጥዎ ዘለኩም ኣገደስቲ ነገራት 🚨

ኣብ ዲሲን ከባቢኣን ዝቕመጡ ኤርትራውያን ከምኡ ውን ኢትዮጵያውያንን ኣብ ካልኦት ከተማታት ኣሜሪካን ብፍላይ ድማ ሕጋዊ መንበሪ ዘይብሎምን ኣብ መስርሕ ሕጊ ዝርከቡን ስድተኛታት ምስ ሰፊሕ ምስጓግ ስደተኛታት ዝተኣሳሰር ሕጽረት ሓበሬታ፣ ጭንቀትን ስግኣትን የጋጥሞም ኣሎ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ሓበሻን፡ናይ ውልቀሰባት ትካላት ንግዲ፣ ቤት መግቢ፣ ዕዳጋታት ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት እውን ብሰንኪ ፍርሒ ካብ ገዝኦም ከይወጹ መሪጾም ኣለዉ።

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንስኻትኩም ኣብ ኣመሪካ እትነብሩ ዝምልከቶም ኣባላት ማሕበረሰብና፡ ብሓበሬታ ዝተሰነየ ጥንቃቐ ምእንቲ ክትገብሩ፡ ነቲ ፈጻሚ ትእዛዝን ኣተገባብርኡን ድሕሪ ምግምጋምን ምስ ክኢላታት ሕጊ ብምዝርራብን ዝተረክበ ሓበሬታ ጽማቕ ኣብዚ ኣለኩም ።

ቀንዲ ዕላማታት ናይዚ ወፍሪ ምስጓግ ድማ እንሆ ፤
🔴 ሰነዳት ዘይብሎም፣ ኣብ ኣሜሪካ ብሕጋዊ መንገዲ ናይ ምጽናሕ ሓበሬታን ፍቓድን ዘይብሎም፣ ኣብ ዝኾነ ናይ ኢሚግሬሽን ወይ ናይ ዑቕባ ሕቶ መስርሕ ዘይርከቡ፣
🔴 ኣብ ኩሉ ደረጃታት መስርሕ ሕቶ ዑቕባ ተነጺጉ ካብ ሃገር ክወጹ (Removal Order) ብቤት ፍርዲ ኢሚግሬሽን ዝተኣዘዘሎም
🔴 ዝኾነ ሰብ ኣብ መስርሕ ምሕታት ዑቕባ ዝርከብ፣ ወይ ናይ ስራሕ፣ ወይ ናይ በጻሒ ቪዛ ዘለዎ፣ ግን ብኽሲ ዝተኸሰሰ፣ ዝተፈርደ፣ ዝተጠርጠረ ወይ ገበናዊ ታሪኽ ዘለዎ ሰብ፣ ነዚ ናይ ምስጓግ ትእዛዝ ይግዛእ።

እዚ ወፍሪ ወይ መስርሕ ምስጓግ ነዞም ዝስዕቡ ኣይምልከትን፤

🟢 ሕጋውያን ነበርቲ፤ ግሪን ካርድ ዘለዎም ሰባት ናብ ምስጓግ ዘብጽሕ ገበን እንተዘይፈጺሞም ክጥረዙ ኣይክእሉን እዮም።
🟢 ግዜኡ ዘይሓለፈ ቪዛ ዘለዎም፤ እቶም ናይ ተማሃራይ፣ ናይ ስራሕ፣ ወይ ናይ በጻሒ ቪዛ ዘለዎምን ንውሓት ጻንሖትን ኣብ ቪዛኦም ንዘሎ ሕግታትን /ግዴታታትን ዘማልኡን።
🟢 ሓተቲ ዑቅባ ዝኮኑ ናይ ዑቅባ መስርሖም ኣብ ዝኾነ ደረጃ ጉዳዮም ኣብ ምጽራይ ዝርከብ፣ ናይ ስራሕ ፍቓድ ዘለዎም፣ ናይ ገበን መዝገብ ሪኮርድ ዘይብሎም ሓተትቲ ዑቕባ ኣይጸሉን ።

ነዚ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣካላት ክገብርዎ ዘለዎም ነገራት ድማ

✅ ናይ በዓል መዚ ኢሚግሬሽን ትእዛዝ ወይ ቤት ፍርዲ እንተዘይሃልዎም ኣብ ገዛኻ ናይ ምጽናሕን ማዕጾካ ናይ ዘይምክፋት መሰልን ኣሎካ።
✅ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምስ ትኣትዉ ስቕ ናይ ምባልን ናይ ዘይምምላስን መሰልኩም ዝተሓለወ እዩ ፡ ጠበቓ ክትሓትትን መሰል ኣሎካ።
✅ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ኣብ እትጉዓዙሉ እዋን Id ወይ እንታይነትኩም ዝገልጽ ሰነዳት መንነትን ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድን ወይ መመልከቲ ቅብሊትን መርትዖን ሒዝካ ምኻድ።
✅ ንጽቡቕን ሕማቕን ናይ ህጹጽ ግዜ ዕላማ ምውጻእ፡ ናይ ኣገደስቲ ኣባላት ስድራቤትን ሰብ ሞያ ሕግን ድማ ቁጽሪ ቴለፎን ምሓዝ።
✅ ኣብ ምሉእ መስርሕ ናይ ወረቀት ምስ ትህልዉ ምስ ጠበቓታትኩም ርክብ ምግባርን ምውከስን ፣ ኩነታት ጉዳይካን ኣበይ ደረጃ በጺሑ ምፍላጥ፣ ናይ ቤት ፍርዲ ግዜ ወይ ቃለ መሕትት ቆጸራታት ግዜ ዘይምላፍ።
✅ ናይ ገበን መዝገብ ወይ ታሪኽ እንተሃልዩ ሕጋዊ ሓገዝ ምሕታት
✅ ኣብ ክንዲ ምጭናቕ ህድእ ኢልካ ቅኑዕን ትክክል እዋናውን ሓበሬታ ካብ ሕጋውን እሙንን ምንጭታት ጥራሕ ምርካብ።

እዚ ሓበሬታ ንመምሃሪ ዕላማ ዝተዋህበ እምበር መተካእታ ሞያዊ ሕጋዊ ምኽሪ ከምዘይኮነ ከነጽር እፈቱ። እቲ ክግበር ዘለዎ ጥንቃቐታት ብኹነታት ኩሉ ሰብ ዝውሰንን ዝተፈላለየን ስለዝኾነ፡ ነብስኻ ምክልኻል፡ ኣብ ፍልጠት ዝተመርኮሰ እኹል ሓበሬታ ምጽጋዕ፡ ኩሉ ግዜ ሕጋዊ ደገፍ ምድላይ ኣገዳስን ጠቓምን እዩ።

© Abebe Feleke
Meareg Yosief

#ኢትዮጵያ #ኢሚግሬሽን

⚫ "973 መንበሪ ፍቃድ ሰነዳት ዘይብሎም ኤርትራውያን ከምኡ ውን  1713 ዝኣክሉ ኢትዮጵያውያን ካብ ሃገረይ ኣሜሪካ ይሰጉግ ኣለኹ" ይብል  - ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ   ከም ውጽኢት ው...
01/28/2025

⚫ "973 መንበሪ ፍቃድ ሰነዳት ዘይብሎም ኤርትራውያን ከምኡ ውን 1713 ዝኣክሉ ኢትዮጵያውያን ካብ ሃገረይ ኣሜሪካ ይሰጉግ ኣለኹ" ይብል - ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ

ከም ውጽኢት ውሳኔ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ፡ ካብቶም ክስጎጉ ዝጸንሑ ሰነዳት ዘይብሎም ዜጋታት እቶም 973 ኤርትራውያን 1,713 ኢትዮጵያውያንን ካብቶም 1.4 ሚልዮን ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ኣብዚ እዋን’ዚ ምምሕዳር ኣመሪካ ክስጎጉ ዝተሓሰቦም’ዮም።

ኣብ ዝሓለፉን ሕጂን ኣየናይ ፕረዚደንት ኣሜሪካ እዮ ዝበዝሑ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሩ ዝሰጎገ?

ቢል ክሊንተን (1993-2001) ኣብ ናይ 8 ዓመት ስልጣኑ ኣስታት 870,000 ስደተኛታት ኣባሪሩ።

ጆርጅ ቡሽ (2001-2009) - ኣብ 8 ዓመታት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ኣስታት 2 ሚልዮን ስደተኛታት ኣባሪሩ።

ባራክ ኦባማ (2009-2017) - ኣብ 8 ዓመታት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ኣስታት 3.2 ሚልዮን ስደተኛታት ብምስጓግ "ዋና ስደተኛ" ኮይኑ።

ዶናልድ ትራምፕ (2017-2021) - ኣብ 4 ዓመታት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ኣስታት 1 ሚልዮን ስደተኛታት ኣባሪሩ።

ጆ ባይደን (2021-2024) - ኣብ ናይ 4 ዓመት ስልጣኑ ኣስታት 1.5 ሚልዮን ስደተኛታት ኣባሪሩ።

ሕጂ ውን መበል 47 ፕረዚደንት ኮይኑ ዝተምረጸ ዶናልድ ትራምፕ ካብ (2025 - """"") ገና ኣብ ምጅማሩ 1.4 ሚልዮን ክሰጉግ መደብ ሰሪዑን ብወግዒ ምጥራዝ ጀሚሩን ኣሎ።

ነቶም ብዙሕ መከራታት ርኢኩም ናብ ሃገረ ኣሜሪካ ዝኣተኩም ኤርትራውያን ደቂ ሃገረይ መዋጽኦ ይፍጠረልኩም ሓሳቡ ድማ የቀይረልኩም ክብል ይፈቱ ።

Meareg Yosief
canada

ብዛዕባ AI ምዕባለታቱ ዝመጹ ዘለዉ ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታትን ካልእን ዝኣምሰሉ መደባት ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ናተይ ናይ Youtube ቻነል ብሰፊሕ እንዳገለጽኩ ክመጽእ እየ ክሳብ ሽዑ ኣቲኩም ሳብስክራይብ ብምግባር ኣባላት ኮንኩም ጽንሑ ሰላም ኣኣብ ዘለኩሞ ።

https://youtube.com/?si=A8CMgGad1G0IAPkt

ትፈልጡ ዶ ኣብ ውሽጢ ከተማ ቫቲካን ዝርከብ ትሕተ ምድራዊ ዝኮነ ዝዓበየን ዝጠንተወን  ምስጢራዊ ቤት መዝገብን መጻሕፍትን ከም፡ዘሎ።   እዚ ብታሪክ ካብቶም ዝዓበዩ ጥንታዊ ቤት መዛግብቲ ዝኮ...
01/25/2025

ትፈልጡ ዶ ኣብ ውሽጢ ከተማ ቫቲካን ዝርከብ ትሕተ ምድራዊ ዝኮነ ዝዓበየን ዝጠንተወን ምስጢራዊ ቤት መዝገብን መጻሕፍትን ከም፡ዘሎ።

እዚ ብታሪክ ካብቶም ዝዓበዩ ጥንታዊ ቤት መዛግብቲ ዝኮነ ስፍራ ከባቢ 42 ኪሜ ዝከውን ከብሒ መጻሕፍቲ ውን ኣለዎ ። እዚ ልዕሊ 1200 ዓመታት ዘቁጸረ ቤት መዝገብ 1.1 ዝኣክሉ ዝተሓትሙ መጻሕፍቱ ውን ይውንን።

ናይ ቫቲካን ምስጢራዊ ቤት መዝገብ ብልክዕ ቤተ መጻሕፍቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተኣሳሰሩ ታሪኻዊ ሰነዳትን መዛግብትን ዝሓዘ ማህደር እዩ። እቲ ማህደር ሰፊሕ እኩብ ሰነዳት ዝሓዘ ኮይኑ፡ ካብ ታሪክን ኣፈጣጥራን ወዲ ሰብ ጀሚርካ ክሳብ ንኣብነት፤

1. ታሪኻዊ መዛግብቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን
2. ኣብ መንጎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን መራሕቲ ዓለምን ዝግበር ደብዳቤ
3. ምስ ኢንክዊዚሽን ዝተኣሳሰሩ ሰነዳት።
4. መዛግብቲ ናይ ጳጳሳዊ ጉባኤታትን ምርጫታትን

እዚ ን ተመራመርትን ምሁራትን ብፍቓድ ዝተወሰኑ ሰነዳት ዝሓዙ ጥራሕ ፍቁድ ዝኮነ ቦታ ፡ ነቲ ቤት መዝገብ ምሉእ ብምሉእ ምስጢራዊ ኣይኮነን ከብሎ ይክእል ። ይኹን እምበር ገለ ከባቢታት ናይቲ ቤት መዝገብ ብሰንኪ ጽኑዕ ሕግታትን ወይ ምስጢራዊ ሓበሬታ ድሩት ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ከምዝን ካልእ ብዙሓት መሃርቲ ዝኮኑ መደባት ኣብ ዩቱብ ሒዘልኩም ክመጽእ ስለ፡ዝኮንኩ ኣቀዲምኩም ኣባላት ክትኮኑ ሳብስክራይብ ብምግባር ብትሕትና ይሓትት ሰላምኩም ይብዛሕ ሰሰናዩ ።

https://youtube.com/?si=6rfL5oYiX-C5bexw

Meareg Yosief

ብዛዕባ AI ኣጀማምርኡን ዝበጽሖ ደረጃን ትፈልጡ ዶ ? ሰባት ኣብ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ (AI) ዘለዎም ርድኢትን ንቕሓትን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዙሕ  ምዕባለ ኣርእዩ እዩ።  ሓጺር ሓፈሻዊ...
01/25/2025

ብዛዕባ AI ኣጀማምርኡን ዝበጽሖ ደረጃን ትፈልጡ ዶ ?

ሰባት ኣብ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ (AI) ዘለዎም ርድኢትን ንቕሓትን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዙሕ ምዕባለ ኣርእዩ እዩ። ሓጺር ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ኣብዚ ኣሎ እንሆ ።

🔴ቀዳሞት ጅማሮታት
1. *1950ታት:* "ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ" ዝብል ቃል ብጆን ማካርቲ ዝተባህለ ናይ ኮምፒተር ሳይንቲስት ዝመሃዘ እዩ። መጽናዕቲ ኤኣይ ከም ትምህርቲ ማሽን፡ መስርሕ ተፈጥሮኣዊ ቋንቋን ሮቦቲክስን ዝኣመሰሉ መዳያት ክድህስስ ጀሚሩ።
2. *1960ታት-1970ታት:* AI ብቐንዱ ኣብ ውሽጢ ኣካዳሚያውን ምርምርን ዓንኬላት ይፍለጥ ነይሩ። ኣብዚ እዋን እዚ እቶም ቀዳሞት መደባት AI ከም ELIZA (1966)ን MYCIN (1976)ን እዮም ተማሂዞም።

🟠 ንቕሓት እናዓበየ ምስ ከደ
1. ኣብ 1980ታት:* AI ብከም "Blade Runner" (1982) ከምኡ'ውን "The Terminator" (1984) ዝኣመሰላ ሳይንሳዊ ልቢ ወለድ ፊልምታት ተፈታውነት ክረክብ ጀሚሩ። እዘን ፊልምታት እዚኣተን ንኣምር AI ናብ ሰፊሕ ተዓዛቢ ኣላልየን እየን።
2. *1990ታት-2000ታት:* ምስ ኢንተርነትን AIን ዝተተሓሓዘ መፅናዕቲ ዝያዳ ተበፃሒ ኮይኑ። ከም ክኢላዊ ስርዓታትን ቻትቦትን ዝኣመሰሉ ናይ AI ኣፕሊኬሽናት ኣብ ዝተፈላለዩ ኢንዱስትሪታት ክቕልቀሉ ጀሚሮም።

🟡 ቀንዲ ኣፍልጦ ምሃብ
1. *2010ታት:* AI ቀንዲ ኣፍልጦ ክረክብ ጀሚሩ ብሰንኪ፤
1. *ቨርቹዋል ኣሲስተንትስ፡* ሲሪ (2011)፡ ጉግል ኖው (2012)፡ ከምኡ’ውን ኣሌክሳ (2014) ብAI ዝሰርሑ ናይ ድምጺ ሓገዝቲ ንሓፋሽ ኣተኣታትዮም።
2. *ዓሚቕ ትምህርቲ፡* ኣብ ዓሚቕ ትምህርቲ ዝተራእየ ስርሒታት፡ ኣብ ምልላይ ምስልን ዘረባን፡ ኣብ መስርሕ ተፈጥሮኣዊ ቋንቋን ካልእን ርኡይ ምዕባለታት ኣምጺኡ።
3. *AI ኣብ መራኸቢ ብዙሃን፡* ከም "Her" (2013)፡ "Ex Machina" (2014)፡ ከምኡ'ውን "AI-themed" ዝኣመሰሉ ፊልምታት ናይ ቲቪ መደባት፡ ኣብ ህዝባዊ ባህሊ AI ርኡይነት ኣዕብዮምዎ።

🔶️ ህሉው ኩነታት
▫️1. *ሰፊሑ ምቕባል፡* ሕጂ AI ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት መዓልታዊ ህይወት ተዋሃሂዱ ኣሎ፡ ንሳቶም ድማ፤
1. *ስማርት ሆምስ፡* ብAI ዝሰርሑ መሳርሒታት፡ ከም ተርሞስታትትን ስርዓተ ጸጥታን፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተለመዱ ይመጹ ኣለዉ።
2. *ሕክምና ጥዕና፡* AI ኣብ ሕክምናዊ መርመራ፡ ብሕታዊ ሕክምና፡ ከምኡ’ውን ኣብ ክንክን ሕሙማት ይጥቀመሉ ኣሎ።
3. *መጓዓዝያ:* ባዕለን ዝዝውራ መካይንን ብAI ዝሰርሕ ናቪጌሽን ሲስተምን ይምዕብልን ይትግበርን ኣሎ።
▫️2. *ምውሳኽ ንቕሓት፡* AI ብቐጻሊ ኣብ ማዕከናት ዜና ይዝርጋሕ፡ ብዛዕባ AI ስነ-ምግባር፡ ወገናውነትን ምዝንባል ስራሕን ዝምልከት ስክፍታታት ድማ ብዓለም ደረጃ ይዝረበሉ ኣሎ።

ብዛዕባ AI ምዕባለታቱ ዝመጹ ዘለዉ ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታትን ካልእን ዝኣምሰሉ መደባት ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ናተይ ናይ Youtube ቻነል ብሰፊሕ እንዳገለጽኩ ክመጽእ እየ ክሳብ ሽዑ ኣቲኩም ሳብስክራይብ ብምግባር ኣባላት ኮንኩም ጽንሑ ሰላም ኣኣብ ዘለኩሞ ።

https://youtube.com/?si=A8CMgGad1G0IAPkt

Meareg Yosief
canada

ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ሓድሽን ሰፊሕን ባርዕ ጫካ ተላዒሉ። ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ካሊፎርንያ ኣብ ሰሜን ሎስ ኣንጀለስ ሓድሽን ሰፊሕን ባርዕ ጫካ ተላዒሉ። ብርክት ዝበሉ ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ ነቲ ...
01/23/2025

ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ሓድሽን ሰፊሕን ባርዕ ጫካ ተላዒሉ።

ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ካሊፎርንያ ኣብ ሰሜን ሎስ ኣንጀለስ ሓድሽን ሰፊሕን ባርዕ ጫካ ተላዒሉ።

ብርክት ዝበሉ ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ ነቲ ትማሊ ምሸት ዝጀመረን ብሰንኪ ብርቱዕ ንፋስ ዝዝርጋሕ ዘሎን ባርዕ ጫካ ንምቁጽጻር ምሉእ ለይቲ ክሰርሑ ከምዝጸንሑ ይፍለጥ። እዚ ድማ እቲ ባርዕ ተወሳኺ ሞትን ዕንወትን ከስዕብ ከምዝኽእል ስክፍታታት ኣለዓዒሉ ኣሎ።

እቲ ባርዕ ጫካ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 3,800 ሄክታር መሬት ከምዘቃጸለ ይግለጽ፤ ድሕሪ እቲ ባርዕ ሓዊ 31 ሽሕ ሰባት ካብ ገዝኦም ክወጹ ተኣዚዞም።

ካብዚ ብተወሳኺ 23 ሽሕ ሰባት ኣብ ልዑል ንቕሓት ክህልዉ ምኽሪ ተዋሂብዎም ኣሎ፤ ብተወሳኺ 500 እሱራት ካብ ሓደ ናይቲ ከባቢ ቤት ማእሰርቲ ናብ ካልእ ቦታ ከምዝተሰጋገሩ ይግለጽ።

ነቲ ብቕልጡፍ ዝነድድ ዝነበረ ባርዕ ሓዊ ኣብ ጥቓ ካስታይክ ሌክ፡ ሰሜን ሎስ ኣንጀለስ እዩ ፡ ብተወሳኺ ኣስታት 4 ሽሕ ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ ነቲ ባርዕ ንምግታእ ብሓያሎ ነፈርቲ መጥፋእቲ ሓዊ ተሓጊዞም ይሰርሑ ከምዘለዉ ይግለጽ ።

እቲ ባርዕ በረኻ ዛጊት ክሳብ ሕጂ ኣብ ህይወትን ንብረትን ደቂ ሰባት ዝኾነ ጉድኣት ከምዘየብጽሐ ተገሊጹ።

ካስታይክ ኣብ ኣዋርሕ ሓጋይ ብዙሓት በጻሕቲ እትስሕብ ኣብ ወሰን ቀላይ እትርከብ ከተማ ኮይና፡ ኣስታት 19 ሽሕ ህዝቢ ኣለዋ። ምስታ ኣስታት 224 ሽሕ ሰባት ዝነብሩላ ከተማ ሳንታ ክላሪታን ማጂክ ማውንተይን ፓርክን ምህላዋ ግን ንዝርግሐ እቲ ባርዕ ሓደጋ ከይቅጽል ይፍራሕ ።

ሓላፊ መጥፋእቲ ሓዊ ሎስ ኣንጀለስ ካውንቲ ኣንቶኒ ማሮን "እቲ ኩነታት ፈሳሲ ኮይኑ፡ እቲ ባርዕ ንምቁጽጻሩ ኣጸጋሚ'ዩ፡ እንተኾነ ግን ሕጂ'ውን ቁጽጽር ንረክብ ኣለና" ክብል ዋል ስትሪት ጆርናል ጸብጺቡ።

ሰብመዚ ገና ሓደገኛ ኩነታት ባርዕ ዝምልከት መጠንቀቕታ ክሳብ ዓርቢ ንግሆ ኣብ ግብሪ ክጸንሕ ምዃኑ ገሊጾም። "ኩነታት ድርቂ ነቲ ከባቢ ንሓደጋ ተቓላዓይ ገይርዎ'ሎ" ካብል ድማ ገሊጹ ።

ብኻልእ ወገን ድማ ቅድሚ 16 መዓልታት ኣብ ከተማ ሎስ ኣንጀለስን ከባቢኣን ካብ ዝተወልዐ ባርዕ ሓዊ ከም ከቢድ ተቖጺሩ ዝነበረ ባርዕ ሓዊ ኢተንን ፓሊሳዴስን ክሳብ ሕጂ ይቃጸል ከምዘሎ ተገሊጹ።

ባርዕ በረኻ ኢተን ክሳብ ሕጂ 5600 ሄክታር መሬት ከምዘቃጸለ ይፍለጥ። ባርዕ ፓሊሳደስ ልዕሊ 9,489 ሄክታር መሬት ከምዘቃጸለ እውን ይግለጽ።

ሕጂ እቲ ባርዕ ኤቶን ብ91 ሚእታዊት ከምዝተቖጻጸረ ተገሊጹ፤ እቲ ካብ ሎስ ኣንጀለስ ንምዕራብ 9,489 ሄክታር ዘቃጸለ ሰፊሕ ባርዕ ሓዊ ፓሊሳደስ 70 ሚእታዊት ከምዝተዓገተ ይንገር።

እዚ ከቢድ ባርዕ በረኻ ኣብ ህይወትን ንብረትን ደቂ ሰባት ርኡይ ጉድኣት ኣውሪዱ እዩ። ብመሰረት እዋናዊ ሓበሬታ፡ በቲ ሓደጋ ህይወቶም 27 ሰባት ከምዝሰኣኑ ተገሊጹ።
ክሳብ ሕጂ ድማ እዞም ክልተ ባርዕ ሓዊ ልዕሊ 16 ሽሕ ኣባይትን ህንጻታትን ዓንዮም ኣለዉ።

ክፍሊ ኣግራብን ምክልኻል ባርዕን ካሊፎርንያ፤ ኣብ 2011 ዓ.ም. ኣብ 2025 ጥራይ 240 ባርዕ በረኻ ከምዘጋጠመን 40,462 ሄክታር መሬት ከምዝተቓጸለን ተገሊጹ።

© (ሓንቲ ሬድዮ)

Meareg Yosief

Address

Winnipeg, MB

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Mj habesha posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share