05/06/2026
“ከይብሉኒ”
ከም ጨዉ ክበዝሕ ዘይብሉ ግን መቀረት ዘለዎ ነገር😁
ናይ ድሑራት ዝመስል ግን ከኣ ጠቃሚ ዝኾነ ስምዒት
30 ሽሕ followers ስለ ዝበጻሕና ከኣ thank you 😊
እዚ ስምዒት እዚ ንሕማቅ ባህርያት ንምእራም ከም መቆጻጸሪ ይሕግዘካ እዩ
👉🏿ሰባት ስምናን ስም ስድራቤትናን ካብ ነውሪ ዝኾኑ ተግባራት ንኣብነት ስርቂ፡ ጥልመት፡ ወይ ነውራም ዘረባታት ንኽንቁጠብ ይገብር
👉🏿ሰባት ነቲ ሕብረተሰብ ዝሰረተልና ስርዓታትን ክብርታትን ንከነኽብር ብምግባር፡ ኣብ መንጎ ሰባት ምክብባርን ስኒትን ንክህሉ ይሕግዝ።
👉🏿"ሰባት ከይብሉኒ" ዝብል ሰብ፡ ንስድራቤቱን ንኣዝማዱን ንዘዕበዮ ሕብረተሰብን ዘለዎ ሓላፍነት መግለጺኡ እዩ። ንሱ ዝገብሮ ነገር ንኹሉ ስድራቤት ዝጸሉ ብምዃኑ፡ ጥንቁቕ ንክኸውን ይደፋፍኦ።
ጉድኣትን ሳዕቤንን ከኣ ኣለዎ
👉🏿ሰብ ከይብለኒ ካብ መጠኑ ምስ ዝሓልፍን ኣብ ዘይቦትኡ ምስ ዝኣቱን ግን፡ ኣብ ውልቀሰባትን ኣብ ምዕባለ ሕብረተሰብን ዓቢ ዕንቅፋት ይፈጥር፡
👉🏿ናይ ገዛእ ርእስና ባህጊ ወይ ክእለትን ከይንስዕብ ብፍርሒ ማሕበራዊ ነቀፌታ ክንጉተት ይገብር "ሰባት እንታይ ክብሉኒ እዮም?" ኢልካ ምጭናቕ፡ ንፈጠራዊ ስራሕን ሓደስቲ ሓሳባትን ይቐትሎ።
👉🏿ሰብ ብውሽጡ ዝኣምነሉ ነገር ክገብር ዘይኮነስ፡ ንሰባት ጥራይ ንምሕጓስ ክብል ንባህርያቱ ክሓብእ ይገብር። እዚ ድማ ኣብ መንጎ ውሽጣዊ መንነትን ግዳማዊ ተግባርን ጋግ ይፈጥር።
👉🏿ብስክፍታ ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ እንዳገበርካ ንሰባት ክትሕጉስ ምፍታን ዓቢ ጭንቀትን ወጥርን የምጽእ። ብፍላይ ኣብ ከም መርዓ፡ ሓዘንን ካልእ ማሕበራዊ ጉዳያት ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ክተወጽእ ብምግዳድ ንቁጠባዊ ቅልውላው የቃልዕ።
👉🏿ሓደ ሕብረተሰብ ክዓቢ እንተኾይኑ ገለ ንውርዙይ ዝመስል ጎዳኢ ልምድታት ዝሰብሩ ሰባት የድልዩ እዮም። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ግን ንለውጢ ከም ነውሪ ስለ ዝርእዮ፡ ምዕባለ ንክድንጉይ ይገብር።
ስለ’ዚ
👉🏿ኣብ ሕብረተሰብና እዚ ስምዒት እዚ "ክብርን ስምዒት ናይ ሓባራዊ ህይወትን" ንምሕላው ኣገዳሲ እኳ እንተኾነ፡ ሓደ ውልቀሰብ ግን ካብቲ ንሱ ዝኣምነሉ ቅኑዕ ዕላማ ንኸየርሕቆ ጥንቃቐ የድልዮ።
መደምደምታ፦
👉🏿"ሰባት ከይብሉኒ" ምባል ካብ ነውሪ ንምርሓቕ ክጥቀመሉ ከለና ጽቡቕ እዩ፤ ንናይ ህይወት ዕላማኻን ናጽነትካን ንምዕፋን ክኸውን ከሎ ግን ጉድኣቱ ይበዝሕ። ስለዚ፡ ነቲ ጽቡቕ ማሕበራዊ ክብርታት እናሓለኻ፡ ንውልቃዊ ምዕባለኻ ዘይዕንቅፈካ ውሳነታት ምውሳድ ዝበለጸ መፍትሒ እዩ።🫡
Eagle eye pictures 📸 thank you 🙏 ነዛ ስእሊ