Amora Media

Amora Media Media/Promotion Service/ Special Event Organization Activities

Amora Media is a digital media which disseminates news & programs via Social Media platforms ኣሞራ ሚድያ !
👉 https://www.youtube.com/

ኣሞራ ሚድያ Amora Media
WING OF RESILIENCE

📍መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት  ​ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ት.እ.ም.ት)------​እንኳዕ ንሓድሽ ዓመት 2019 ዓ/ም ብሰላም ኣብፀሓኩም! – ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ት.እ.ም.ት) ንመ...
11/09/2026

📍መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ​ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ት.እ.ም.ት)
------

​እንኳዕ ንሓድሽ ዓመት 2019 ዓ/ም ብሰላም ኣብፀሓኩም! – ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ት.እ.ም.ት) ንመላእ ህዝብና፣ ንጀግና ሰራዊት ትግራይን ንሰራሕተኛታቱን ሰናይ ትምኒቱ ይገልፅ።

​ትእምት ንሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ! – ትካላትና ናብ ምሉእ ፍርያት ብምእታው ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ስግግር ትግራይ ንምርግጋፅ ብትኹረት ይሰርሑ ኣለው።

​ትካላዊ ዋንነትን ሪፎርምን፦ ብምስላጥ መበል 18 ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ትእምት፣ ትካላዊ ዋንነት፣ ፅፉፍ ምሕደራን ስርዓት ኦዲትን ንምጥንኻር ዝተጀመሩ ፃዕርታት ተጠናኺሮም ይቐፅሉ ኣለው።

​ማሕበራዊ ሓላፍነትን ምግባረ ሰናይን፦ ትእምት ንስደራታትን ጉድኣት ኲናትን ብምሕጋዝ፣ ሕክምናዊ ደገፍ ብምሃብን ሰብኣዊ ሓገዝ ብምብፃሕን ህዝባዊ ሓላፍነቱ የበርክት ኣሎ።

​ደገፍ ንተጠቃዕቲ ድርቂ፦ ምግባረ ሰናይ ትእምት ብድርቂ ንዝተጠቕዓ 13 ጣብያታት ልዕሊ 4,346 ኩንታል ዝተመጣጣነ ቀለብ እንስሳ ኣብፂሑ።

​ሓድሽ ዓመት ንዝሓሸ ኣፈፃፅማ! – ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ብሓይሊ ሰብ፣ ቴክኖሎጂን ኣሰራርሓን ብዝገበሮ ሪፎርም ንትግራይ ዘጋጠሙ ሓደጋታት ንምብዳህ መሪሕ ግደኡ ከበርክት እዩ።

​ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ት.እ.ም.ት)

🌼 ርሑስ ሓዱሽ ዓመት 2019 ዓ.ም! 🌼 🌼🌼🌼መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት  ኤል ኤፍ ኢንተርናሽናል 🌼🌼🌼ንክቡራት ዓማውልና፣ መሻርኽቲ ስራሕናን መላእ ህዝብናን፦ እንቋዕ ናብ 2019 ዓ/ም ብሰላም...
11/09/2026

🌼 ርሑስ ሓዱሽ ዓመት 2019 ዓ.ም! 🌼

🌼🌼🌼መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ኤል ኤፍ ኢንተርናሽናል 🌼🌼🌼

ንክቡራት ዓማውልና፣ መሻርኽቲ ስራሕናን መላእ ህዝብናን፦ እንቋዕ ናብ 2019 ዓ/ም ብሰላምን ኣብፅሐና/ኣብፅሐኩም ክንብል ንፎቱ።

ሓዱሽ ዓመት 2019 ዓ/ም ✨ ናይ ሰላምን ፍቕሪን፣ ✨ ናይ ሓጎስን ምዕባለን፣ ✨ ናይ ፅቡቕ ስራሕን ዓወትን ዓመት ይገበረልና!

እሙን ወኪልን ኣከፋፋሊን ፍርያት ቢ.ጂ.ኣይ ኢትዮጵያ (BGI Ethiopia) ዝኾነ ትካልና ኤል ኤፍ ኢንተርናሽናል ስራሕቲ ንግዲ ሕ/ሽ/ወ/ማሕበር ኣብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ሓዱሽ ዓመት’ውን ከም ወትሩ ብሉፃት ፍርያታት BGI ብልዑል ፅሬት፣ብስሉጥን እሙንን ኣገልግሎትን ናብ ዓማውልና ምብፃሕ ኣጠናኺሩ ክቕፅል እዩ።

🌼 እንቛዕ ንሓዱሽ ዓመተ 2019 ብሰላም ኣበፀሐኹም!

ርሑስ በዓል ቅዱስ ዮሃንስ ሓዱሽ ዓመት 2019 ዓ/ም !

ኤል ኤፍ ኢንተርናሽናል ስራሕቲ ንግዲ ሕ/ሽ/ወ/ማሕበር (ወኪልን ኣከፋፋሊ ፍርያት ቢ.ጂ.ኣይ ኢትዮጵያ - መቐለ)

🌼 ርሑስ ሓዱሽ ዓመት 2019 ዓ.ም! 🌼ካብ ኣሞራ ሚድያ ንኹሎም ክቡራት ተኸታተልትና፣ ዓማውልና፣ መሻርኽቲ ስራሕናን መላእ ህዝብን፣ ልባዊ ምንዮትናን ሰናይ ትምኒትናን እናቕረብና፣ ርሑስን ብ...
11/09/2026

🌼 ርሑስ ሓዱሽ ዓመት 2019 ዓ.ም! 🌼

ካብ ኣሞራ ሚድያ ንኹሎም ክቡራት ተኸታተልትና፣ ዓማውልና፣ መሻርኽቲ ስራሕናን መላእ ህዝብን፣ ልባዊ ምንዮትናን ሰናይ ትምኒትናን እናቕረብና፣ ርሑስን ብሩኽን ሓዱሽ ዓመት 2019 ዓ.ም. ንብል። 🌿✨

እዚ ሓዱሽ ዓመት፣ ናይ ሰላም፣ ፍቕሪ፣ ሓድነት፣ ተስፋን ሓድሽ ዕድልን ዓመት ይኹነልና። ዝሓለፈ ዘመን ሰኒና፣ ናብ ሓዱሽ ዘመን ብተስፋን ብሓድነትን ንሰጋገር።

ኣሞራ ሚድያ ኣብ ሓዱሽ ዓመት ሓቀኛ ሓበሬታ ንምቕራብ፣ ሓድነትን ሰላምን ንምብርታዕ፣ ከምኡ'ውን ንልምዓትን ለውጥን ኣወንታዊ ኣበርክቶ ንምግባር ብትግሃት ክትቅጽል እያ።

ኣብ ሓዱሽ ዓመት ሰላም ኣብ ኩሉ፣ ፍቕርን ምትሕልላይን ኣብ ኩሉ ቤት፣ ተስፋ ኣብ ኩሉ ልቢ ይንገስ! ❤️🕊️

🌼 ርሑስ ሓዱሽ ዓመት 2019 ዓ.ም! 🌼

ኣሞራ ሚድያ | Amora Media
Wing Of Resilience

🌼✨ ርሑስ ሓዱሽ ዓመት 2019 ዓ.ም! ✨🌼እንቋዕ ካብ ዘመነ ማርቆስ ናብ ዘመነ ሉቃስ ብሰላም ኣብፅሐና፣ ኣብፅሐኹም! ❤️ንክቡራት ዓማውልና፣ መሻርኽቲ ስራሕናን መላእ ህዝብናን፣ ሓዱሽ ዓመት...
11/09/2026

🌼✨ ርሑስ ሓዱሽ ዓመት 2019 ዓ.ም! ✨🌼

እንቋዕ ካብ ዘመነ ማርቆስ ናብ ዘመነ ሉቃስ ብሰላም ኣብፅሐና፣ ኣብፅሐኹም! ❤️

ንክቡራት ዓማውልና፣ መሻርኽቲ ስራሕናን መላእ ህዝብናን፣ ሓዱሽ ዓመት 2019 ዓ/ም ዓመተ ሰላም፣ ፍቕሪ፣ ሓጎስ፣ ምዕባለን ብልፅግናን ክኾነልና ንምነ። 🙏✨

🏨 ደስታ ቢዝነስ ግሩፕ | ደስታ ሆቴልን ቱሪዝምን

ኣብ ሓዱሽ ዓመት 2019 እውን ከም ወትሩ፣ ጽሬት፣ ምቾትን ስሉጥን ኣገልግሎትን ተመክሮን ብምቕራብ ንኽቡራት ዓማውልናን በጻሕትናን ብልዑል ክብሪ ክንቕበል ኢና።

🌿 ሓዱሽ ዓመት፣ ሓዱሽ ተስፋ፣ ሓዱሽ ተመክሮ!

🌼 ርሑስ በዓል ቅዱስ ዮሃንስን ሓዱሽ ዓመት 2019 ዓ/ም! 🌼

🏨 ደስታ ቢዝነስ ግሩፕ | ደስታ ሆቴልን ቱሪዝምን


🌼🌼 🌼ደስታ በርሀ ኣካቢ ቦርድ🌼🌼🌼

ቅድሚ ኹሉ፣ ንሙሉእ ህዝቢ ትግራይን ዘብዒ ህላወ ትግራይና ንዝኾንካ ጅግና ሰራዊትናን፣  እንኳዕ ንብዓል ቅዱስ ዮሃንስን ሓዱሽ ዓመት 2019 ዓ/ምን ኣብጽሓኩም፣ ኣብጽሓና ክብል እፈቱ።ህዝቢ ...
10/09/2026

ቅድሚ ኹሉ፣ ንሙሉእ ህዝቢ ትግራይን ዘብዒ ህላወ ትግራይና ንዝኾንካ ጅግና ሰራዊትናን፣ እንኳዕ ንብዓል ቅዱስ ዮሃንስን ሓዱሽ ዓመት 2019 ዓ/ምን ኣብጽሓኩም፣ ኣብጽሓና ክብል እፈቱ።

ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ፣ ምእንተ ሰላም ንነዊሕ እዋን ዝተቓለስን፣ ክቡር መስዋእቲ ዝኸፈለን፣ ክሳብ ሕዚ'ውን ዋጋ እናኸፈለ ዘሎን ህዝቢ እዩ። እንተኾነ ዘይከም ኢዱ፣ ተኻሒዱ፣ ከም ህዝቢ ናይ ምንባር መሰሉ ተረጊፁ፣ ከም ህዝቢ'ውን ክጠፍእ ተበይንሉ፣ እቲ ናይ ጥፍኣት ብይን ክውን ንምግባር'ውን ኩሉ ተገይሩ እዩ።

ብዝተኻየደ ናይ ምንባርን ህልውናን ሓያል መኸተ ድማ፣ ቀዋሚ ወጥሪ ናይ ምህዳእ ስምምዕነት ካብ ዝኽተም እንሆ ኣስታት ኣርባዕተ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ።

ሕዚ'ውን ከም ህዝቢ ማእለያ ዘይብሉ በደል እናተፈጸመና፣ ብሰላሕታ እቲ ጀኖሳይድ እናቐጸለ፣ ልዕሊ 40% ካብ ግዝኣትናን ህዝብናን ኣብ ትሕቲ ወረርቲ እናሃለወ፣ ምእንቲ ሰላም ክበሃል ንዅሉ ጸይርና ብትዕግስቲ ቀፂልና ኢና።

ይኹን’ምበር ብስም ሰላም ትግራይ ክትቆራረስ ወይ ህዝብና ፋሕ ብትን ኢሉ ክነብር፣ ከምኡ'ውን መሰል ርእሰ ውሳነናን ዓርሰ ምሕደራናን ተረጊፁ ባርነት ክንቅበል ግን ፈጺሙ ክሕሰብ ዘይብሉን እዩ።

ኣብ መወዳእታ ኣብዚ እዋን'ዚ ዘጋጠመና ሓደጋ ድርቂ ንምምካት ከም መንግስቲ ብልዑል ትኹረት ከምዝስራሕ እናሓበርኩ፣ ብሰንኪ ድርቂ ኣብ ፀገም ዝወደቑን ካብ ምውቕ ቤቶም ተመዛቢሎም ኣብ መከራ ንዘለው ወገናትና ክንድግፎምን ክንሓስቦምን ይላቦ።

ደጊመ ርሑስ ቅዱስ ዮሃንስን ሓዱሽ ዓመትን ክኾነልና ልባዊ ትምኒተይ ክገልጽ እፈቱ።

ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል

ፕሬዝደንት ትግራይ

መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ሓድሽ ዓመት 2019 ዓ/ም ካብ ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ - ትእምት~~~~ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ንዝርከብ መላእ ህዝብና ፣ ንጅግና ሰራዊት ትግራይን መላእ ማሕበረ...
10/09/2026

መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ሓድሽ ዓመት 2019 ዓ/ም ካብ ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ - ትእምት
~~~~
ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ንዝርከብ መላእ ህዝብና ፣ ንጅግና ሰራዊት ትግራይን መላእ ማሕበረሰብ ትእምትን ፤ ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ት.እ.ም.ት) እንኳዕ ንሓድሽ ዓመት 2019 ዓ/ም ብሰላም ኣብፀሓኩም ኣብፀሓና እናበለ ሰናይ ትምኒቱ ይገልፅ።

ብፍላይ ድማ ትካላዊ ዋንነት ትእምት ንምርግጋፅ ድሕሪ ዝተገበረ ዝተዋደደ ቓልሲ ኣብ ፅቡቕ ብርኪ ኣብ ዝርከበሉ ፤ ኣብ ፅባሕ ምስላጥ መበል 18 ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ትእምት ኮይኑ ሰናይ ትምኒቱ እንትገልፅ ዝለዓለ ታሕጓስ ይስምዖ።

ትእምት ሒዙዎ ዘሎ ኩለመዳያዊ ዓቕሚ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ሕድሕድ ኩባንያታቱ ዝሓዞም ብቑዓት ሰብ ሞያን ውህሉል ትካላዊ ተሞክሮን ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ሕውየትን ስግግርን ትእምት ኢሉ 'ዉን ትግራይ ኣብ ምርግጋፅ ዝህልዎ ግደ ኣዝዩ ልዑል ብምዃኑ ፤ መደባት ሕውየትን ስግግርን ሓንፂፁን ቕደም ሰዓብ ሰሪዑን ብዝገበሮም ምንቅስቓሳት ኣብ ደዉታ ዝነበራ ትካላት ትእምት ናብ ፍርያት ክኣትዋ ኣኽኢሉ እዩ። ነዚ ድማ መላእ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ትእምትን ኩባንያታቱን ንዝገበርዎን ዝቕፅልሉ ዘለዉን ዝነኣድ ኣበርክቶ ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ትእምት )ዝለዓለ ክብሪ ኣለዎ።

ኩባንያታት ትእምት ካብቲ ዝበፅሓን ትሉም ዕንወትን ጉሕለትን መሊአን ከይሓወያ ንዓሰርተታት ኣሽሓት ሰራሕተኛታት ዕድል ስራሕ ካብ ምፍጣር ብዝሰገረ ፤ ሕግን ስርዓትን ኣኽቢረን ብምንቅስቓስ ፅፉፍ ምሕደራ ሃፍትን ንብረትን ከምኡ እውን ስርዓት ፋይናንስን ኦዲትን ንምትእትታው ኢሉ እውን ትካላዉነት ብቐፃልነት ንምርግጋፅ፤ ብበዓል ሓደራ ቦርድን ዋና ቤት ፅሕፈት ትእምትን ደገፍን ክትትልን እናተገበረለን ኣብ ምንቅስቓስ ይርከባ።

ዉፅኢት ቃልስን ረዚን መስዋእትን ዝኮነ ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ትእምት) ፤ ክቡር መስዋእቲ ንዝኸፈሉ ጀጋኑናን ስድርኦም ኣብ ምሕጋዝ ፣ ጀጋኑ ጉድኣት ኩናት ኣብ ምሕካምን ማሕበረ-ቑጠባዊ ፀገማት ህዝብና ንክፍትሑን ዓበይቲ ስራሕቲ እናወገነ መፂኡን ኣሎን። ብቐፃልነት እዉን ቤት ፅሕፈት ምግባረ ሰናይ ትእምት ኩባንያታት ትእምት ብምትሕብባር ዓቕሙ ዝፈቐዶ ከሉ ክዓምም እዩ።

ትእምት ሕዉየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ኣብ ምቅልጣፍ ፣ ማሕበረ-ቁጠባዊ ፀገማት ህዝቢ ትግራይ በብብርኩ ንክፍትሑ ካብ ምርብራብ ብዝሰገረ ፤ ፃውዒት መንግስቲ ትግራይ ተቐቢሉ ብተደጋጋሚ ሰብኣዊ ሓገዛት ብምብፃሕ እጃሙ እናበርከተ ዝመፀን ዘሎን ህዝባዊ ትካል 'ዩ።

ሕዚ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙና ንዘሎ ተፈጥራዊ ሓደጋ ድርቂ ስዒቡ ፤ ምግባረ ሰናይ ትእምት ምስ ኩባንያታት ብምትሕብባር ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 𝟰𝟯𝟰𝟲 ኩንታል ዝተመጣጣነ ቀለብ እንስሳ ብድርቂ ኣዝየን ናብ ዝተጠቕዓ 𝟏𝟑 ጣብያታት ክባፃሕ ምግባሩ ናይዚ መርኣይ እዩ ።

ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ትካላት ትእምት ናብ መዘዉር ለዉጢ ንኽኣትዋ ብሓይሊ ሰብ ፣ ቴኽኖሎጂ ፣ኣሰራርሓንኣወዳድባ ፣ ኮታስ ብስራሕቲ ዙርያመለሽ ሪፎርም ንምጥንኻር ጎና ጎኒ ዝግበሩ ዘለዉ ዓበይቲ ፃዕርታት ፤ ምግባረ ሰናይ ትእምት ኩባንያታት ብምትሕብባር ማሕበራዊ ሓላፍነቱ ብስፍሓት ኽዋፃእ እዩ።

ጀጋኑ ጉድኣት ኣካልን ሓርበኛታትን ንምሕጋዝ እናገበሮም ዝመፀ ፃዕርታት ብቐፃልነት 'ዉን ቑልፊ ዋኒኑ ገይሩ ክነጥፍ'ዩ ።

ብዋናነት ትካላት ትእምት ካብቲ ብሰንኪ ኲናት ዝበፅሐን ዕንወት ወፂአን ናብ ሕውየት ክሰጋገራን ትእምት ዝሐሸ ቑመና ክህልዎ ዝሕግዙ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ሪፎርምን ምርግጋፅ ትካላዊ ዋንነትን ተጠናኺሮም ንክቕፅሉ ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ብትኹረት ክስራሕ እዩ።

ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ኩሎም ንጥፈታት ትእምትን ኩባንያታቱን ብመንፅር ትግራይ ዘላትሉ ዝተፈለየ መድረኽ ተቓንዩ ንዝሓሸ ኣፈፃፅማ ልዑል ምርብራብ ይግበር ኣሎ።

ህዝቢ ትግራይ ገጢሞሞ ዘለዉ ዙርያ መለሽ ሓደጋታት በዲሁ ንኽወፅእ ይገብሮም ኣብ ዘለዉ ዓበይቲ ፃዕርታት ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ት.እ.ም.ት) ህዝባውነቱ ዓቂቡን መሪሕ ኮይኑን እጃሙ ብቐፃልነት ከም ዘበርክት በዚ ኣጋጣሚ ደጊሙ የረጋግፅ።

ደጊሙ ፡ ንመላእ ህዝቢ ትግራይ፣ ጀግና ሰራዊት ትግራይን መላእ ሰራሕተኛታትን ኣመራርሓን ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ት.እ.ም.ት) እንኳዕ ንሓድሽ ዓመት 2019 ዓ.ም ብሰላም ኣብፀሓኩም እናበለ ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ት.እ.ም.ት) ደጊሙ ሰናይ ትምኒቱ ይገልፅ።

ትእምት ንሕዉየትን ዳግመ-ህንፀትን ትግራይ !

ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ ት.እ.ም.ት

ውሽጣዊ ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ብምፍታሕ  ኣጋጢሙና ንዘሎ ሓደጋ ድርቅን ህልውናን ብስሙር ቃልሲ ክንምክቶ ይግባእ።                    ውድብ ናፅነት ትግራይኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 4...
10/09/2026

ውሽጣዊ ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ብምፍታሕ ኣጋጢሙና ንዘሎ ሓደጋ ድርቅን ህልውናን ብስሙር ቃልሲ ክንምክቶ ይግባእ።

ውድብ ናፅነት ትግራይ

ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 40 ሚእታዊ ግዝኣታዊ መሬት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ፅንተት ተታሒዙ እቲ ህዝቢ ኣብ ዝተፈላለዩ ማእኸላት መዕቆቢ ተመዛበልቲ ንልዕሊ ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ከቢድ ኩነታት ከምዘሎ ዝሓበሩ ላዕለዎት መሪሕነት ውድብ ናጽነት ትግራይ ሕዚ እውን ኣብ ከቢድ ሕሱም ናብራ ወዲቁ ንዝርከብ ናብ መረበቱ ንክምለስ ከምዝቃለሰሉ ገሊጹ ።

ኣመራርሓ እቲ ውድብ ሎሚ ኣብዝሃብዎ መግለፂ ፤ ህዝቢ ትግራይ ብከቢድ ሓደጋ ድርቅን ህልውናን ተስጢሑ ኣብ ዘለሉ እዋን ዀይኑ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ዝተፈፀሙ መጥቃዕቲታት ድሮን ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ትምህርቲ ፥ ሲቪላትን ማሕበራዊ ትካላትን ዘነፃፀረ ምንባሩ ብምሕባር፣ እዚ ድማ ናይቲ ዝቐፀል ዘሎ ፅንተት ኣካል ምዃኑ ገሊፆም ።

እቶም ላዕለዎት መሪሕነት እቲ ውድብ ወሲኮም ከምዝገለፅዎ ፣ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዘለው ፀገማት ኣዝዮም መተሓሳሰብቲ እዮም ዝበሉ እንትዀኑ ፤ ብፍላይ ድማ ስእነት ፍትሒ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝበፅሕ ዘሎ ዓመፅን ቅትለትን፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጥም ዘሎ ስእነት ፍትሒ ኣዝዩ ዘሕዝን ምዃኑ ገሊፆም ።

ብተወሳኺ ድማ ዘይምኽፋል መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ንነዊሕ እዋን ብምጽንሑ ኣብ ከቢድ ማሕበራዊ ቅልውላው ወዲቆም ከምዝርከቡ ኣብሪሆም ።

ከምኡ እውን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ምስልፍ ዝርኣይ ዘሎ ምግዳድ ንመንእሰይ ትግራይ ንምብታን ምኽንያት ይኸውን ከምዘሎ ብምሕባር፣ እዚ ኣካይዳ ክእረም ከምዘለዎ ድማ ኣስሚሮምሉ እዮም ።

ኣብዚ ዓመት ዘጋጠመ ብስንኪ ሕፅረት ዝናብን በረድ ኣብ ልዕሊ ዝርኣቲ ልዑል መጥቃዕቲን ንሕረሻዊ ፍርያት ዓንቃፍን ይኸውን ከምዘሎ ዝገለፁ ዀይኖም ህዝቢ ድማ ንከቢድ ድርቅን ጥሜትን ተቓሊዑ ይርከብ ኢሎም ። እዚ ፀገም እዚ ብዘላቒነት መፍትሒ ንምርካብ ዘላቒ ኣሰራርሓን ምጥቃም ከምዘድሊ ገሊፆም ።

ላዕለዎት መሪሕነት ውድብ ናጽነት ትግራይ ወሲኾም ከምዝሓበሩዎ፣ ንትግራይ ካብዚ ዘላቶ ውሽጣዊን ግዳማውን ፀገማት ንምውጻእ፣ ኩሎም ውድባትን ምሁራንን ዝተፈላለዩ ኣካላትን ዝሳተፉሉ ብሄራዊ ዘተን ብሄራዊ ስኒትን የድሊ ኢሎም ።

ውድብ ናፅነት ትግራይ (ውናት) እውን ነዚ ዓላማ እዚ ዝሕግዝ ናይ "ባዶ ባዶ" ፖሊሲ ስትራቴጂ ኣውፂኡ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፆም ኣዘኻኺሮም ።

# ፊሊሞን ደስታ

Adresse

Swizerland
Stans

Benachrichtigungen

Lassen Sie sich von uns eine E-Mail senden und seien Sie der erste der Neuigkeiten und Aktionen von Amora Media erfährt. Ihre E-Mail-Adresse wird nicht für andere Zwecke verwendet und Sie können sich jederzeit abmelden.

Service Kontaktieren

Nachricht an Amora Media senden:

Verknüpfungen

Teilen