25/11/2025
ኣብ ኣፋር ኢትዮጵያ ድሕሪ 12 ሽሕ ዓመት፣ እሳተጎመራ ተኸሲቱ’ሎ።
እቲ ዝውንጨፍ ዘሎ ሰመያዊ ሓሙኹሽቲ ጽልውኡ፣ ካብ የመን ጀሚሩ ክሳብ ፓኪስታንን ህንድን ክብክል ከምዝኽእል ይሕበር ኣሎ።
እዚ ደበናዚ ንመገሻ ነፈርቲ ክዕንቅረን ስለዝኽእል፣ ናይ ዓለም ኣቭየሺን፣ ዝኾነ ናይ መንገዲ ኣየር ትካላትን፣ ገየሽትን ብጥቕኡ ከይነፍሩ መጠንቀቕታ ሂቡሎ!!!
ኦማን ድሮኳ ናይ ግዝያዊ መጠንቀቕታ ኣውጃ ኣላ።
ናይ ጅዮለጂ ተመራመርቲ ከም ዝሕብርዎ፣ እዚ ምትኳስ ካብ ብዙሕ ምኽንያታት ክኽሰት ከምዝኽእልን፣ እቲ ነሸሓት ዓመታት ብህድኣት ደቂሱ ዝነበረ፣ ብሙቐት፣ ብምስፍሕፋሕ ጋዛ ወዘተ ክኸውን ይኽእልዩ ይብሉ ኣለዉ።
ካብ ዝርኸብክዎ ሓበሬታ 👇