02/09/2026
ናይ ማእከል ተኸላኻላይ ርያል ማድሪድ ጀርመናዊ ኣንቶኒዮ ሩዲገር ካብ ሃገራዊት ጋንታ ጀርመን ብፍቃዱ ከም ዝወጸ ሓቢሩ። ወዲ 33 ዓመት ሩዲገር ንሃገራዊት ጋንታ ጀርመን 86 ግዜ ክጻወት ከሎ ኣብ ሰለስተ ግዜ ዋንጫ ዓለምን ኣብ ክልተ ግዜ ናይ ኤውሮጳ ዋንጫን ተሳቲፉ። እቲ ብኣካታዒ ዝኾነ ባህርያቱ ዝፈልጥ ሩዲ ' ድሕሪ ብዙሕ ምሕሳብ ሕጂ ካብ ሃገራዊት ጋንታ ተኣልየ ነቶም ንኣሽቱ ዕድል ዝገድፈሉ ግዜ ኢዩ' ክብል ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ጽሒፉ።