03/02/2026
ሰላም ሰላም ዛዓበኹምን ዝናኣስኩምን ኣብ መላእ ዓለም እትነብሩ ሓተይ። ኣብ ሂወትኩም ጥዕና ቅሳነት ሰላም ሩፍታ። ኣብ ናብራኹምን ስራሓኩምን ካኣ ዓወትን ኣሳልጦን ይምነየልኩም። እሞ ኣነ ሓውኹም ተስፋይ ጉዑሽ ብስራት ይባሃል፡ ትውልዲ ዓደይ ኣኮለጉዛይ ሽምጃና ዓዲ ዕንቅርቲ ወረዳ ዓዲ ጉልቲ ዩ። ተወሊደ ዛዓበኹሉ ካኣ ትግራይ ከባቢ እንዳባጉና ጭዳራ ዩ። ኣብ 2010 ኣቢሉ ካኣ ንጋሽ ባርካ ኦማሓጀር ዝመጻኹሉ ዩ ኣብ ዞባ ሰላም ጥቃ ሕክምና ካኣ ምስ ኣቦይ ጉዑሽ ይነብር ነይረ ኣብ 2016 ካኣ ንስደት ኣምሪሐ።እሞ ኣነ ሕጂ ካባኹም ካብ ህዝበይ ሓገዝኩም ይሓትት ኣለኹ። ብርግጽ ህዝበይ ታሓሊቡ ብሓገዝ መከራ በሊዑ ዩ ግን ናበይ ሞ ክኣቱ ነዊሕ ተጻዊረ በቲ ኣነ ዝጽዕሮ ዶኾን ይሓዊ ኢለ ኣይኮነለይን ስለዚ ሓገዝ ክሓትት ተገዲደ። ጠንቂ ሕማመይ ኣብ ትግራይ እምኒ ጸቂጡኒ ነይሩ ወዲ 17 ከባቢ ይነብር የ ኣብቲ ሹዑ እዋን ሕክምና ኣይወሰዱንን፡ ስድራ ኣብ ገዛ ኣብ ኣፍልበይ ደም ረጊኡ ምትምንፋስ ከሊኡኒ ነይሩ ብማሓጎማ ድማ ዳሓን ኮይነ ንሽዑ። ካብ ሹዑ ሒዙ ካኣ ጽቡቅ ኣየትንፍስን። ሑቀይ ካኣ ኣብ ግዜ ከቢድ ዝስከመሉ ወይ ቡርቱዕ ዝሰርሓሉ የቀንዝወኒ ነይሩ። መሊሰ ካኣ ኣብ ዕስራታት ከለኹ ካኣ ብዕራይ ኣብ በረኻ ተሰብረ ተሰኪምና ንዓዲ ክነእትዊ ተወሲኽዎ ተገምየ። ሹዑ ውን ሕክምና ከይከድኩ ኣብ ገዛ ብምድራዝ ብናይ ሓበሻ መድሃኒት ጸበልን ካልእን ፈቲነ ካኣ ሱቅ ኢለ። ምስቲ ንእስነት ዳሓን ዝኾንኩ ተሰሚዑኒ ብሸለትነት ካብ ሹዑ ኣይጻዓርኩሉን። ኣይጸናሓኩን ናብ ኤርትራ መጽየ ኣብኡ ካኣ ፋሓም ከፍሕም ዓበይቲ ኣግራብ ተሰኪመ ተላዓይሉኒ ነይሩ፡ ኣብኡ ውን ሕክምና ኣይከድኩን ትም ኢለ። የዕርፍ ምስ ኣበልኩ ቁሩብ ረጊኡለይ። ግን ኣብ ቤተክርስትያን ደው ክብል ከለኹ ኣብ ዝቅድሰሉ ብጣዓሚ የቀንዝወኒ ነይሩ.ንዝነግሮ ይጨንቀኒ ነይሩ። ኣብ 2016 ናብ ስደት ኣብ ዝወጻኹሉ ካኣ ካብ ሓምዳይት ብታሃሪብ ንኻርቱም ክመጽእ እቲ ኣውቲስታ ብድሕሪት መብራሃቲ ሩኡ ፈሪሑ ክሃድም ገልቢጡና ሹዑ ካኣ ብጣዓሚ ሑቆይ ተደጊመ ብቃንዛ ሳህራ ወዲእዮ ካርቱም ሓንቲ ለይቲ ሓዲረ ስለተበገስኩ። ኣብ ልብያ ቁሩብ ርግእ ኢሉለይ። ድሕሪ 3 ወርሒ ኣቢሉ ካኣ ጥልያን ኣቴ ካኣ የዕርፍ ምስ ኣበልኩ ዳሓን ኮይነ ነይረ። ኣብ ወርሒ 6 2017 Finland ኣቴ ዳርጋ 2 ዓመት ዝኾን ዳሓን ነይረ። በየን ተላዒሉኒ ገን ኣይተረዳኣንን ከቀንዝወኒ ጀሚሩ። ሕክምና ከይደ ካኣ ኩሉ ዛሓለፍክዎ ነጊረዮም መርመራ ገይሮሙለይ ራጂ ካብ ሹዑ ሒዙ ተዳጋጋሚ ገይሮሙለይ መዳሂታት ይህቡኒ ፊስዮተራፒ ኣዚዞሙለይ መሊሱ ይገደኒ ትንፋስ ይኸልኣኒ ምድቃስ ይኸልኣኒ ብጣዓሚ ይብርታዓኒ። መሊሶም ይሪኡኒ እሞ ዝኾነ ዝራኣየና የለን ይብሉኒ። ናዓይ ግን ኣብ ዝባነይ ልኽዕ መግሊ ዘሎ ኮይኑ እዩ ዝስማዓኒ። ሓዊ ተደፎኦ ይስማዓኒ ዋላ በርበረ ኣሎ ኣይርዳኣንን። ምስ ጨነቀኒ ናብ ኣፍሪካ ከይደ ቅድሚ 2 ዓመት ኣብኡ ቡዙሑ ፈቲነ ማሓጎማ ጎንፊ ወይ ርኻብ ከይኮን ናብ ከምኦም ከይደ ።ዘይፈተንክዎ የለን ቀቢጸ ምትንፋስ ሲኢነ ሓደ ሓደ እዋን ባዓለይ ካራ ገይረ ጥባሓዮ ይመጸኒ ጽልምት ይብለኒ ቃንዛይ ካብ ዝባነይ ሓሊፉ ናብ ርእሰይ ይድይብ ኣሎ ። ሕጂ ግን ትም ኢለ ታዓጽየ ካብ ዝሞት። ኣብ ካልእ ከይደ ክፍትን። ኢሮፓ ካብ ኣፍሪካ ሰብ መጽዩ እናታሓከመ ናዓይ ግን ጭንቂ ኮይናትኒ ሙኻን ኣብያትኒ። ኣብ ካልእ ክፍትን ወረቀት ሃቡኒ ኢለዮም ኣብየሙኒ። ነዊሕ ዝገበረ ኣብዛዓዲ ካኣ ባዓልኻ ስጉምቲ ትወስድ እምበር ዋላ ኣብ ቅድሚኦም ሙት ኣይሰዱኻን ተዋድቆም ዘለኻ ኮይኑ ስለዝስሞዕም ኢሉኒ። እዚ ጥራይ ኣይከነን፡ ሽግረይ 2 ግዜ መጥባሓቲ ገይረ ዓይነይ ዋላ ዜሮ ሳልሳይ ይብሉኒ ኣለው፡። ትም ኢሎም ይጻወቱለይ ኣለው። ዋላ ሑቀይ መጥባሕቲ ኣንተገይሮሙሉ ንሽም እምበር ኣየሕዊኑን እዮም። ስለዚ ካኣ ናብ ካልእ ከይደ ክፍትን ኢለ ሓገዝ ዝሓትት ዘለኹ። ሕጂ ገንዘብ ጥራይ ኣይኮንኩን ሓገዝ ዛሓትት ዘለኹ ዋላ ኣበይ ከይደ ክሕከም ውን ኣፍሉጦ የብለይን ናይዚ ከምዚ ዓይነት ሕማም ሞያ ዘለዎም ምኽሪ ውን እዩ ዘድልየኒ ዘሎ። ነሹ፡ ሰልጠነ፡ በረኸት ኣብራሃ፡ ዲቁ ኤፍረም፡ ካሎኦትን ገበርቲ ሰናይ ኣብ ትሕቲ ፈጣሪ ዝካኣለኩም ክትሕጉዙኒ። ብስም እመ ኣምላክ ይምሕጸነኩም። እሞ ን ኣብ ደገን ውሽጢ ዓድን ዘሎ፡ ለበዋ ኣለኒ፡ ብፍላይ ካኣ ኣብ ኢሮፓ፡ ንዘሎ፡ መንእሰይ ሓወይ በጃኻ ስምዓኒ፡ ጥዕና እንተለካ። ኣተንስፍ ኣሰይ በል፡ ይትስእ ይድቅስ ኣለኹ፡ ዘወር ይብል ኣለኹ ባዓለይ ይንቀሳቀስ ኣለኹ በል፡ ኩሉ ዘይሰለጠኒ ከምዚ ዘይረኸብኩ ኣብ ከምዚ ዘይበጻሓኩ ኣይትበል ዓቅሊ ኣይተጽብብ ኣይትጨነቅ ጥዕና ኣንተልዩ። ኩሉ ኣሎ ኣብ ግዚኡ ክመጽእ እዩ ሓደራ ሂወት ብዘይ ጥዕና ዜሮ ያ ኣታ ዜሮ። ኣነ ውን ሓንቲ ማዓልቲ ሂወት ክረክብ ይኾን። ሰላም ናይ እግዚኣብሄር ምስ ኩላትኩም ይኹን። ብኸመይ ከምትሕጉዙኒ እኻ ኣይፈልጥን የ ግን ቑጽሪ ተሌፎነይ 00358465722454 ኣካውንተይ ካኣ FI7839390019415116