ERITREA

ERITREA Twitter: http://twitter.com/ #!/EritreaNewsRoom
Send us your stories, pictures.. and anything you wou

Eritrea (pronounced /ˌɛrɪˈtreɪə/, /ˌɛrɪˈtriːə/)[4] (Ge'ez: ኤርትራ ʾErtrā, Arabic: إرتريا Iritriya), officially the State of Eritrea, is a country in the Horn of Africa. It is bordered by Sudan in the west, Ethiopia in the south, and Djibouti in the southeast. The east and northeast of the country have an extensive coastline on the Red Sea, directly across from Saudi Arabia and Yemen. The Dahlak Arch

ipelago and several of the Hanish Islands are part of Eritrea. Its size is just under 118,000 km2 (45,560 sq mi) with an estimated population of 5 million. The capital is Asmara.


ኤርትራ, ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣፍሪቃ ትርከብ ሃገረ ኢያ:: ብምዕራብ ምስ ሱዳን ትዳወብ: ብደቡብ ምስ አትዮጵያ: ብደቡባዊ ምብራቕ ድማ ምስ ጅቡቲ ትዳወብ: ብምብራቕ ድማ 1000 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ካብ ራስ ቄሳር ሰሜን ክሳብ ባብኤልመንደብ ደቡብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኣለዋ:ደሰታት ዳህላክ ከምኡ ውን ገለ ካብ ደሰታት ሓኒሽ ክፍሊ ምሬት ኤርትራ አዩ::

u cant read this..>>ኤርትራ

Click here to download font : http://alturl.com/38kik


إريتريا، رسميا دولة إريتريا ، هي دولة تقع في منطقة القرن الافريقي. يحدها من الغرب السودان واثيوبيا من الجنوب ، وجيبوتي في جنوب شرق البلاد. شرق البلاد لديها سواحل واسعة النطاق على الشريط الساحلي للبحر الأحمر ، مباشرة عبر من المملكة العربية السعودية واليمن. أرخبيل دهلك ، والعديد من جزر حنيش هي جزء من اريتريا. تبلغ مساحة إريتريا تقريبا 118،000 فيما يقدر عدد سكانها 5 ملايين نسمة. العاصمة هي أسمرة. " The opinions and views expressed on the wall are purely those of the writer and in no way reflect the opinions or views of Eritrea page."

ቆቛሕ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ዒራቕ፡ ሊባኖስ፡ ሶርያ፡ ስዑዲ ዓረብ. . . ኣሜን ተስፋይ ካልኣይን መወዳእታን ክፋል ተስፋጊዮርጊስ ብኢደማርያም (ቆቛሕ)፡ ኣብ ሰብዓታት ንዝነበሮም ብቕዓት...
05/11/2025

ቆቛሕ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ዒራቕ፡ ሊባኖስ፡ ሶርያ፡ ስዑዲ ዓረብ. . .
ኣሜን ተስፋይ
ካልኣይን መወዳእታን ክፋል
ተስፋጊዮርጊስ ብኢደማርያም (ቆቛሕ)፡ ኣብ ሰብዓታት ንዝነበሮም ብቕዓት ኵዕሶ እግሪን ብድሆታቱን ኣብ ቀዳማይ ክፋል ገሊጹልና ነይሩ። እዛ ዓንቀጽ ኣብ ምድላው እንከላ ድማ፡ ካብ ደገፍቱ ዝመጽኦ ርእይቶ ንኽጠቅስ ብተሌፎን ረኺቡኒ። “ቅድሚ ናብ’ቲ ናይ ግዳም ዛንታ ምስጋርካ፡ እዘን ዝስዕባ ኣቐድመለይ፡” ብምባል ድማ ተላብዩኒ።
ቆቛሕ፡ ካብ 1962 ክሳብ 1965 ምስ ጋንታ ኣዱሊስ ከም ዝተጻወተን፡ ብቕዓቱ ንቕድሚት ክውርወር መንጠሪ ባይታ ኮይናቶ ዝነበረት ዓባይ ጋንታ’ውን እያ።
ኣብ ስሳታትን ሰብዓታትን ዝካየዱ ዝነበሩ ግጥማት ኵዕሶ እግሪ፡ ኣንፈቶም ካብ ስፖርት ናብ መጋበርያ ፖለቲካ ተቐይሩ ከም ዝነበረ፡ ስርዓት ሃይለስላሴ ድማ፡ ንኤርትራውያን ነንሓድሕዶም ብኣውራጃ ተተፋኒኖም ንኽናቖቱ ብዙሕ ሽርሒ ከም ዝሰርሐ ኣቐዲሙ ተገሊጹ ነይሩ። ኣብ ከም’ዚ ኩነታት ሓያል፡ ንኹሉ ዘመዛዝን መራሒ ኣገዳሲ’ዩ። ቆቛሕ፡ ንኹሎም ጠርነፍቶም ብእወታ እኳ ዝገልጾም እንተኾነ፡ ንኣቦ መንበር ጋንታ ሓማሴን ዝነበሩ ነፍ/ ፊተውራሪ ገብረእግዚኣብሄር ገብረኪዳን ካብ ዘድንቖም ጠርነፍቶም ነይሩ፣ ፊተውራሪ ገብረእግዚኣብሄር፡ “ጋንታ ሓማሴን ኣንጻር ኣከለጉዛይን ሰራየን ብስፖርት እምበር፡ ድሕሪ ስፖርት ግን ኣሕዋት ኢኹም። ኩላትኩም ኤርትራውያን ኢኹም። ኣውራጃዊ ስምዒታት ከይሕዘኩም፡” ብምባል ንኹሎም ናይ’ተን ዓበይቲ ጋንታታት ተጻወትቲ ባይታ መራኸቢ ንኽረኽቡ ብማሕበር ጠርኒፎምዎም ከም ዝነበሩ ቆቛሕ ገሊጹ። ነፍ/ ፊተውራሪ ገብረእግዚኣብሄር፡ ወናኒ ሰባር ጉማን ኣብ እግሪ ፎርቶ ዝርከብ እንዳ ነዳዲን ዝነበሩ እዮም።
ቆቛሕ፡ ወዲ ዓብደላ፡ ጀሚል ሓሰን፡ ኣሰፋው ተወልደን የማነ ዮሴፍን፡ ኣብ ናይ 1974 ዓስራይ ዋንጫ ኣፍሪቃ ንምስታፍ ኣብ ሕርይቲ ጋንታ ኢትዮጵያ ተመሪጾም ኣብ ዝነበሩሉ’ዮም ናብ ሜዳ ወጺኦም። ጋንታ ኢትዮጵያ ድማ፡ ብዘይ ኤርትራውያን ስለ ዘይኮነላ ዝነበረ ክብራ ኣይተዓቀበን።
ተጻወትቲ ኵዕሶ እግሪ፡ ተቐዳደምቲ ብሽክለታን ሙዚቀኛታትን ኣብ ጸዓዘጋ ተኣኻኺቦም። ኣብ ዓዲ ቢደል ንዓብደልቃድር ሮሞዳን ዝተባህለ ተጋዳላይ ተ.ሓ.ኤ፡ ሃገራዊ ግቡኦም ክፍጽሙ ድሉዋት ከም ዝኾኑ ገሊጾምሉ። ንሱ ድማ ክልተ ካብኣቶም ዘወሃህድዎም ክመርጹ ሓቲትዎም። ቆቛሕን እስማዒልን፡ ከም ጠርነፍቲ ናይ’ቲ ዝጽበዮም ዝነበረ ጒዕዞ ክኾኑ ተመሪጾም። እተን ኣብ ሜዳታት ኵዕሶ እግሪ ዝተሳሕላ ደናጉ፡ ኣብ ጒዕዞ ጎላጉል ባርካ ተፈቲነን። ኣብ ምዕራብ ባርካ መዓስከር ፍጹም ኣብ ዝበሃል ናይ ተ.ሓ.ኤ ቦታ ከም ዘዕረፉ ቆቛሕ ይዝክር፡ “ኣብ’ዚ ቦታ ብዘይ ዝኾነ ቊምነገር ንኣስታት ሓደ ዓመት ዝኣክል ጸኒሕና። ሓደ-ሓደ እዋን፡ ‘በብዘለኩም ሞያ ኣብ ሱዳን ነጢፍኩም ንውድብ ዝኸውን ኣታዊታት ከተኻዕብቱ ኢኹም’ ይብሉ ነይሮም። ዝተወስደ ስጉምቲ ግን ኣይነበረን። ኣብ መወዳእታ ግን ምስ ተ.ሓ.ኤ ዝደናገጹ ዒራቓውያን መጺኦም ነይሮም። እቶም ጠርነፍትና ምስኣቶም ተረዳዲኦም፡ ‘እዛ ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ብጥርንፍታ ኣብ ዒራቕ ክትጻወት ተረዳዲእና ስለ ዘለና ተበገሱ፡’ ተባሂልና። ኣብ ሱዳን - ካርቱም ንዝተወሰነ እዋን ጸኒሕና ናብ ዒራቕ ኬድና፡” ኢሉ።
እቶም ተጻወትቲ፡ ልዕሊ ዓመት ኣብ ጒዕዞን መዓስከራትን’ዮም ኣሕሊፎምዎ። ዳግማይ ናብ ጸወታ ክምለሱ ሓያል ምድላው ከም ዘድልዮም ርዱእ እዩ። ኣብ ዒራቕ፡ ብዙሕ ልምምድን ዘድሊ ሕክምናን ገይሮም። ናይ ዝበዝሑ ብቕዓት ናብ ንቡር ተመሊሱ። ናይ ነፍ/ ዓብዱራሕማን (ፓቸ)ን ጆኬርን ግን ብቕዓቶም ኣይተመልሰን። ብዓል ቆቛሕ ድማ፡ ሓደ ሓሳብ ሓሲቦም። ንፓቸ፡ ተሓጋጋዚ ኣሰልጣኒ ክኸውን ረቚሖምዎ።
እታ ኤርትራዊት ጋንታ፡ ዝነኣድ ብቕዓት ሒዛ ድሉውነታ ኣረጋጊጻ። ኣብ ከተማ ባቕዳድ ምስ ዝነበራ ዒራቓውያን ጋንታታት ገጢማ። ብኣንጸባራቒ ዓወት ድማ በዲሃተን። ዒራቓውያን፡ ብብቕዓት ናይ’ታ ጋንታ ስለ ዝተደነቑ፡ ዳርጋ ናብ ኩለን ከተማታት ዒራቕ እናዘሩ ከም እትገጥም ገይሮም። ኣብ ኩለን ከተማታት ድማ ብገፊሕ ስዒሮም።
ኣካየድቲ ስፖርት ዒራቕ፡ ነታ ሓያል ኤርትራዊት ጋንታ፡ ኣብ ዒራቕ ጥራይ ተሓጺራ ክትጻወት ኣይመረጹን። ናብ ሶርያ ሒዞምዋ ከይዶም። ፈለማ ምስ ሕርይቲ ወተሃደራዊት ጋንታ ሶርያ ከም እትገጥም ገይሮም። በዛ ዓርሞሸሽ ጋንታ ልዳቶም ኣየድፈሩን፣ ብገፊሕ ስዒሮምዋ። ሶርያውያን ኩነታታ ምስ ረኣዩ፡ ብንጽል ጋንታ ክገጥምዋ ኣይደፈሩን። ንሕርይቲ ጋንታ ሶርያ ዝኣክል ምድላዋት ገይሮም፡ ምስ’ታ ኤርትራዊት ጋንታ ከም እትገጥም ገይሮም። ሶርያውያን ደገፍቲ ሆ. . . ክብሉ ንስታድዩም መሊኦምዎ። ደገፍቲ ዋላ ይጨድሩ፡ ካብ ዝፈርህዎ ግን ኣይወጹን። እታ ዝኾነ ደጋፊን ቀዋሚ ቦታን ዘይነበራ ኤርትራዊት ጋንታ 4ብ1 ስዒራቶም።
ሕጂ’ውን ጒዕዞ ናይ’ታ ኤርትራዊት ጋንታ ደው ኣይበለን። ናብ ሊባኖስ ኣቕኒዓ። ኣብኡ ድማ ንሊባኖሳውያን ጋንታታትን ንጋንታ ፍልስጤምን ስዒራ ናብ መበገሲኣ ቦታ ናብ ዒራቕ ተመሊሳ። ዒራቓውያን፡ ነታ ጋንታ ካብን ናብን ከብልዋ ከለዉ ብዘይ ረብሓ ኣይነበረን። እንተኾነ እቶም ኤርትራውያን ድሒሮም’ዮም ፈሊጦም፡ “ናብ ሱዳን ክንምለስ ኢና” ምስ በልዎም፡ ዒራቓዊያን ነቲ ሕቶ ተገሪሆም ኣይተቐበልዎን። እንተኾነ ብዓል ቆቛሕ ንኽምለሱ ብትሪ ምስ ሓተትዎም ናብ ካርቱም ኣፋንዮምዎም።
“ወከልቲ ተ.ሓ.ኤ፡ ኣብ ሱዳን ተቐቢሎምና። እንተኾነ፡ ነዛ ኣብ ኣህጉራዊ ጸወታታት ተኣምር ዝሰርሐት ጋንታ ኣብ ምብታና ዓቢ ተራ ነይሩዎም። ኣብ ክንዲ ዝጥርንፉና ‘ነናብ ድላይኩም ኪዱ’ ኢሎሙና። ንሕና ብዙሕ ሕቶታት ነይሩና። ምኽንያቱ፡ እቶም ወከልቲ ብስምና ንውልቆም ካብ ዓራቓውያን ብርክት ዝበለ ገንዘብ ኣጠፋፊኦም’ዮም። ደም ዝረሃጽናሉ ገንዘብ ናብ ሜዳ ናብ ተጋደልቲ እንተዝኸይድ ሓንቲ ኣይምበልናን። ብዝኾነ፡ ምብታንና ዝሰምዓ ጋንታታት ክቀዳደማልና ግዜ ኣይወሰዳን። ጋንታታት ሱዳን ሓቲተን፡ ግን ዝመረጸን ተጻዋታይ ኣይነበረን። ኣነን ሰመረ ኪዳነን ናብ ስዑዲ ዓረብ ሽዑ እትምስረት ዝነበረት ጋንታ ኢትሓድ ኬድና። ገለ’ውን ናብ ኤውሮጳ ተሰዲዶም። ብዓል ኣሕመድ ዓብደላ፡ ፓቸ፡ መሓሪ፡ የማነን እስማዒልን ድማ ናብ ኢማራት ከይዶም። ስዉእ ተኸስተ ገብረመድህን (ኢለ) ዝርከቦም ሰለስተ ድማ፡ ናብ ሜዳ ወጺኦም። ካብ’ቶም ሓሙሽተ ናብ ኢማራት ዝኸዱ ወዲ ዓብደላ ምስ ጋንታታት ክጻወት ስለ ዝበቕዐ’ዩ ‘ፕሮፈሽናል’ ክበሃል ዝኽኣለ። ብዓል ንሕና ግን . . .” ኢሉ ቆቛሕ ትም በለ።
ከም’ቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዝገለጽናዮ፡ እታ ቆቛሕ ምስ ብጾቱ ዝተጸንበራ ጋንታ ኢትሓድ እትበሃል ስዑዳዊት፡ ሎሚ ንፈረንሳዊ ካሪም በንዘማ ጠርኒፋ ዘላ ጽቡቕ ከም ዘይፈደየቶም’ዩ ገሊጹ። ብፍላይ ንቆቛሕ ዓይኒ ኣውዲቓትሉ ስለ ዝነበረት፡ ናታ ክትገብሮ ወሲና። ቅድሚ ምፍራሙ ግና፡ ናብ መካ ከይዱ ክሕጅጅ ብኣካየድቲ ናይ’ታ ጋንታ ተሓቲቱ። ንሱ ፍቓደኛ ስለ ዘይነበረ፡ ካብ’ታ ጋንታ ምስ ብጻዩ ተሰናቢቱ። ካብ’ዚ ተበጊሱ’ዩ ድማ ኣብ 1978 ጫማኡ ክሰቅል ዝኸኣለ።
ካብ’ቶም ኣብ ግዜኡ ምስኡ ዝጻወቱን ዘሰልጥንዎን ዝነበሩ ንብዓል መን ከም ዘድንቕ ተወኪሰዮ ነይረ።
ካብ ተጻወትቲ፡ ናይ ቴለ ተጻዋታይ ንዝነበረ ተስፋይ (ቀጭኔ) ከም ዘድንቖ ብምግላጽ፡ ካብ ዓለምቱ ድማ፡ “ንጸሃየ ባህረ፡ ኣብ ሕርይቲ ጋንታ ኤርትራ ከለና፡ የሰልጥነና ነይሩ። ብጋንታ ደረጃ ድማ፡ ኣኣብ ግዜኡ ንጋንታታት ቴለ፡ ሓማሴንን እምባሶይራን ዘሰልጠነ ምኩር ኣሰልጣኒ እንእዶ።” ብምባል ሓቢሩ።
ቆቛሕ፡ ኣብ ዒራቕ ንልዕሊ ዓመት ኣብ ዝጸንሓሉ፡ ጎድኒ ጎድኒ ስፖርት፡ ጽገና መዝሓሊ (ፍሪጅን) ኣየር ኮንድሽነርን ተማሂሩ ነይሩ። በቲ ሞያ ድማ ኣብ ሆቴል ተቖጺሩ ናብራኡ ድሕሪ ምምራሕ፡ ናብ ጀርመን ተሰዲዱ።
ቆቛሕ፡ ኣብ ጀርመን፡ ምስ’ቶም ኣብነታውያን ፈተውቲ ናጽነት ሃገሮም ዝኾኑ ዜጋታት ኮይኑ፡ ንውድብ ህዝባዊ ግንባር (ቅድሚ ናጽነት)፡ ታኒካ ሻሕ-ሻሕ እናበሉ ገንዘብ ይእክብ ከም ዝነበረ፡ ብድሕሪ ናጽነት’ውን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ መኸተ መደባት ሓደ ካብ ወደብቲ ኮይኑ፡ ኣብ ብዙሓት ንጥፈታት ከም ዝዋሳእን ኣብ ዓመት ክልተ ግዜያት ናብ ሃገሩ ከም ዝመጽእን ገሊጹ።
ኣብ መወዳእታ፡ ንስፖርታውያን ሃገርና እንታይ መልእኽቲ ከም ዘመሓላልፈሎም ተወኪሰዮ፡ “ሰብ ንታሪኽ’ዩ ዝነብር፡ ሓደራኹም እዞም ደቀይ ታሪኽ ስርሑ።” ብምባል ምዒዱ።

Biniam Girmay finished 2n at "Tour de France Singapore Criterium"                  1▫️🇮🇹 Jonathan Milan wins2▫️🇪🇷Biniam ...
02/11/2025

Biniam Girmay finished 2n at "Tour de France Singapore Criterium"
1▫️🇮🇹 Jonathan Milan wins
2▫️🇪🇷Biniam Girmay
3▫️🇧🇪 Jasper Philipsen

Men’s Singapore Criterium Final KM'S.News and coverage from the in Europe. Watch TNT Sports Cycling anytime, anywhere via: https://bit.ly/3boI...

President Isaias Afwerki and President El-Sisi agree to support the Sudanese army, enhance Red Sea security, and coopera...
30/10/2025

President Isaias Afwerki and President El-Sisi agree to support the Sudanese army, enhance Red Sea security, and cooperate on Somalia

Egyptian President Abdel Fattah El-Sisi and his Eritrean counterpart Isaias Afwerki discussed developments in Sudan, Somalia, and the Red Sea during their meeting in Cairo today, affirming the two countries’ aligned views on regional issues of mutual concern.

According to a statement from the Egyptian presidency, the two leaders emphasized the need to support Sudan’s national institutions, particularly its armed forces, and to reject any attempts to establish parallel entities, while commending Egypt’s efforts within the Quartet mechanism to end the conflict and alleviate the suffering of the Sudanese people.

Regarding the situation in Somalia, both presidents reaffirmed their countries’ commitment to the 2024 Asmara Trilateral Summit Declaration, which called for respect for Somalia’s sovereignty, independence, and territorial integrity, and for strengthening the capacities of Somali state institutions to address internal and external challenges.

The meeting also addressed Red Sea security, with both sides stressing the importance of enhancing cooperation among Arab and African littoral states to safeguard navigation and promote stability in this vital maritime corridor.

On the bilateral level, President El-Sisi welcomed President Afwerki’s visit and participation in the Grand Egyptian Museum inauguration, reaffirming Egypt’s keenness to strengthen its longstanding strategic partnership with Eritrea.

For his part, President Afwerki expressed his deep appreciation for Egypt’s leadership role in promoting stability and development in the Horn of Africa and East Africa, and voiced his desire to expand bilateral cooperation and enhance regional and international coordination.

Via Khaled Mahmoued, Egyptian writer and journalist

29/10/2025

Ethiopia’s Past Is Haunting Its Future.

https://www.nefasitpost.com/the-ghosts-of-nakfa-ethiopias-dangerous-diversion-and-the-specter-of-war/

Once again, leaders in Addis Ababa speak the language of conquest instead of cooperation, echoing the very arrogance that buried generations of Ethiopians in Nakfa’s hills. When a government chooses war over reform, and threats over reconciliation, it is not defending its future — it is destroying it.
I call for a peaceful, global boycott of Ethiopian Airlines and every commercial entity tied to this reckless agenda. Let the world’s conscience answer with economic resistance. Refuse to fund those who glorify war, and instead support Eritrean businesses that stand for dignity, sovereignty, and peace.


Eritrea and the UN: A New Language of Partnership
25/10/2025

Eritrea and the UN: A New Language of Partnership

Why the UN’s approach in Asmara may be the most important development story Africa isn’t talking about. The hall at the National Confederation of Eritrean Workers was full, alive with an energy I hadn’t felt before at any event hosted by international partners in Asmara. The even

Ethiopia’s Costly Choice: How Political Arrogance Cut Addis Off From the Red Sea Archival records and international docu...
23/10/2025

Ethiopia’s Costly Choice: How Political Arrogance Cut Addis Off From the Red Sea

Archival records and international documents tell the true story. Ethiopia once had full, tariff-free use of Eritrea’s ports — and abandoned them by choice.

For years, Ethiopian officials and state-aligned media have repeated a striking claim — that the country spends enormous sums each year on port access through Djibouti because Eritrea allegedly denied it a route to the Red Sea. The narrative, now echoed across speeches and social

ቆቛሕ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ዒራቕ፡ ሊባኖስ፡ ሶርያ፡ ስዑዲ ዓረብ . . . ኣሜን ተስፋይ ክቡራት ነበብቲ፡ ቅድሚ ክልተ ሳምንቲ፡ ንቐዳማይ ፕሮፈሽናል ተጻዋታይ ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ ቅድሚ...
22/10/2025

ቆቛሕ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ዒራቕ፡ ሊባኖስ፡ ሶርያ፡ ስዑዲ ዓረብ . . .
ኣሜን ተስፋይ
ክቡራት ነበብቲ፡ ቅድሚ ክልተ ሳምንቲ፡ ንቐዳማይ ፕሮፈሽናል ተጻዋታይ ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ ቅድሚ ናጽነት ዝኾነ ኣሕመድ ዓብደላ (ወዲ ዓብደላ) ዝገልጽ ዓንቀጽ ኣብ ዓምዲ ስፖርት ጽሒፍና ከም ዝነበርና ዝዝከር እዩ። ነቲ ዓንቀጽ ተኸታቲልኩም ኣተባባዕቲ ርእይቶታት ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዝገለጽኩም ነመስግን። ኣብ’ቲ ዓንቀጽ “ቆቛሕ” ዝበሃል ተጻዋታይ ነበር ብዙሕ ግዜያት ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ዓንቀጽ ኣብ ጋዜጣ ምስ ወጸ፡ ኣጋጣሚ፡ ተስፋጊዮርጊስ (ቆቛሕ) እውን ካብ ጀርመን ናብ ሃገሩ መጺኡ ስለዝጸንሐ ነቢብዎ። ንሱ’ውን ምስ’ቲ ዝተገልጸ ሓበሬታ ዝተኣሳሰር ንታሪኽን ሃገራውነትን ስፖርታውያን ሃገርና ዝገልጽ ሓበሬታ ሂቡና ኣሎ።
ኣብ 1947፡ ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ። ኣብ’ዚ ሎሚ ብስታድየም ኣስመራ ዝፍለጥ ዘሎ ከባቢ፡ ከም ኩሎም ቈልዑ ኵዕሶ ጨርቂ እናተጻወተ ዓብዩ። ዳርጋ ናብ ምሉእ ኣስመራ እናተዓዳደሙ ድማ፡ ኵዕሶ እግሪ ምስ ዝጻወቱ ዝነበሩ ይጻወት ነይሩ - ተስፋጊዮርጊስ ብኢደማርያም (ቆቛሕ)።
ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ’ውን፡ ከም’ዚ ሎሚ ተበራቢሩ ብንጡፍ ዝግስግስ ዘሎ፡ ኩሎም ዓይነታት ስፖርት ማለት ውድድራት ኵዕሶ እግሪ፡ ጉያ፡ ቅድድም ብሽክለታ፡ ጠሬጴዛ ቴንስ፡ ኵዕሶ መርበብን ሰኪዐትን ይካየዱ ነይሮም። ቆቛሕ፡ ኣብ’ታ ቪላጆ ጂንዮ፡ ደሓር ሕብረት፡ ሎሚ ድማ ሓድነት እትበሃል ዘላ ቤት ትምህርቲ እናተማህረ ኸሎ፡ ምስ መዛኑኡ ጸወታ ኵዕሶ እግሪ ቀጺልዎ። ተጻዋታይ ክለብ ሓማሴን ዝነበረ ኣብርሃ ይግዛው ድማ፡ ይዕልሞም ከም ዝነበረ ንድሕሪት ልዕሊ 60 ዓመታት ተመሊሱ ኣዘንትዩለይ። ቅድሚ ናብ ዝርዝር ዛንታኡ ምእታወይ፡ ‘ቆቛሕ’ ከም ቅጽል ስም ብኸመይ ከም ዝወጻቶ ሓቲተዮ። ኣብ ቊልዕነቱ፡ እናተማህረ ኸሎ፡ ንኹሎም ንጥፈታቱ ዝተዓዘቡ መምህር ዘካርያስ ዝተባህሉ ከም ዘልገቡሉ ገሊጹ። እዛ ንስሙ ስዒራ ዳርጋ ዕምሩ ምሉእ ዝጽዋዓላ ቅጽል ስም፡ ክእለቱ ንኽንጸባረቕ ተራ ከም ዝነበራ ብምዝካር፡ ንመምህር ዘካርያስ ወትሩ ብኣኽብሮት ከም ዘመስግኖም ሓቢሩ።
ኣብያተ-ትምህርቲ፡ መገብቲ ናይ’ተን ፉሕ ፉሕ ዝብላ ዝነበራ ጋንታታት’የን ነይረን። ብፍላይ ድማ፡ እታ ብኣብርሃ ይግዛው ትስልጥን ዝነበረት ቤት ትምህርቲ ቪላጆ ጂንዮ፡ ቀንዲ ቀላቢት ጋንታ ሓማሴን ክትከውን ዝኸኣለት፡ ጽልዋ ናይ ኣብርሃ ይግዛው’ዩ ዝነበረ። ንኣብነት፡ ካብ’ታ ቤት ትምህርቲ ተስፋሚካኤል፡ በዅረጽዮን፡ ዮውሃንስ፡ ቆቛሕን ካልኦትን ምስ ጋንታ ሓማሴን ከም ዝጽንበሩ ገይሩ።
ካብ መግዛእቲ ጣልያን ጀሚሩ ኣብ ኤርትራ ብስሩዕ ውድድራት ኵዕሶ እግሪ ይካየድ ነይሩ እዩ። ኣብ ሰብዓታት ከኣ፡ ኣዝዩ ሰሓቢን ብዙሕ ደገፍ ከም ዝነበሮን ቆቛሕ ይገልጽ። ቀዳሞት ዋንጫ ኣፍሪቃ እንተርኢና፡ ህያው ኣብነት እዩ። ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ዋንጫ ኣፍሪቃ፡ ግብጺ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ጥራይ’የን ተሳቲፈን። ንክልተኡ ከኣ፡ ግብጺ ቀዳመይቲ ኮይና ዋናጩ ኣልዒላትሉ። ሳልሳይ ዋንጫ ኣፍሪቃ ግና፡ ፍሉይነት ነይሩዎ። ከም ራብዓይቲ ጋና ተጸንቢራተን። ኣብ’ዚ ጸወታ ኢትዮጵያ ከም ወትሩ ልዕሊ 80% ኤርትራውያን’ያ ሒዛ ተጻዊታ። ብሕጽር ዝበለ ሕርይቲ ጋንታ ኤርትራ ምባል ዝሓሸ ነይሩ። እንተኾነ ብውክልና ምዕራባውያን ዝመሓደር ዝነበረ መግዛእቲ ኣየፍቀደን። ኣብ 1962፡ ሳልሳይ ዋንጫ ኣፍሪቃ ብስም ኢትዮጵያ ካብ ዝጽውዑ ዝነበሩ ቀዳሞት 11 ተሰለፍቲ ተጻወትቲ፡ እቶም ሸሞንተ ኤርትራውያን እዮም። እቶም ሰለስተ ድማ ኢትዮጵያውያን። ንኣብነት፡ ተስፋይ (ቀጭኔ)፡ በርሀ፡ ጊላይ፡ ኣስመላሽ፡ ክፍሎም፡ ኣባሳንጋ፡ ኢታልዮ፡ ሉቺያኖ (ሓለቓ ጋንታ ኢትዮጵያ)፡ ተኽለ (ስልኪ) ነይሮም። እዛ ብኤርትራውያን ዝተዓብለለት ጋንታ፡ ንሕርይቲ ጋንታ ግብጺ 4ብ2 ስዒራ ኢትዮጵያ ንመጀመርታ እዋን ብኤርትራውያን ዋንጫ ኣፍሪቃ ወሲዳታ። ቀዳማይ ዋንጫ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ምስሪ፡ ካልኣይ ኣብ ሱዳን፡ ሳልሳይ ድማ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ከም ዝተኻየደ ቆቛሕ ሓቢሩ። ንሱ ወሲኹ፡ “ምኽንያት ዋሕዲ ተሳተፍቲ ናይ’ቲ ውድድር፡ ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ መግዛእቲ ናጻ ኣይወጻን ነይረን።” ኢሉ።
ኣብ’ቲ እዋን’ቲ፡ ኢትዮጵያውያን ብዘይካ ናይ ሰራዊት ብፈደረሽን ዝተወደበ ውድድር፡ ስሩዕ ጸወታ ከም ዘይነበሮም ቆቛሕ ይገልጽ። እተን ወተሃደራውያን ጋንታታት ሞቻል ናይ ሰራዊት፡ ግምሩክ ናይ ፋይናንስ ፖሊስ፡ ኦሞዴላ ናይ ፖሊስ ከም ዝነበራ’ውን ይዝክር። እዘን ጋንታታት፡ ካብ ኢትዮጵያ እናመጻ፡ ምስ’ተን ሓያላት ጋንታታት ናይ ኤርትራ ተጻዊተን ስዕረተን ተሰኪመን ይምለሳ ነይረን።
“ሓደ እዋን፡ ካብ’ዚ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይድና። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ህውከት ስለ ዝነበረ ግና፡ ክንጻወት ኣይከኣልናን። ንሃገራዊት ጋንታ ቻይና ሒዝናያ ድማ ናብ ኣስመራ መጺእና። ኣብ’ዚ ድማ ስዒርናያ። ብተመሳሳሊ፡ ንዝመጽኣ ዝነበራ ናይ ጣልያን ጋንታታት ንስዕረን ነይርና፡” ብምባል፡ ቆቛሕ ነቲ ዝነበረ ብቕዓት ገሊጽዎ።
ሓደ ካብ’ቶም ምስ ሕርይቲ ጋንታ ኢትዮጵያ ኮይኑ፡ ኣብ ሳልሳይ ዋንጫ ኣፍሪቃ ዝተጻወተ ኢትዮጵያዊ ይድነቃቸው ተሰማ እዩ። ንሱ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ፈደረሽን ንምቛም ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ኣብ ዝበለሉ፡ ነቲ ውዱብን ስልጡንን ፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ፡ ከም ዝጽንበር ገይሩ። ንሱ፡ ነቲ ምዕቡል ኣካይዳ ኤርትራ ከም ጸጋ ተጠቒሙ፡ ፕረዚደንት ፈደረሽን ኢትዮጵያ ኮይኑ ተሸይሙ። ኣብ ፊፋ ድማ፡ ኣባል ክኸውን ከም ዝበቕዐ ቆቛሕ ገሊጹ።
ኣብ’ቲ እዋን’ቲ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ብሰለስተ ደረጃታት ውድድራት ኵዕሶ እግሪ ይሰላሰል ከም ዝነበረ ይፍለጥ። “ሰሪ ኣ (A)፡ ቢ (B) ሲ (C)” ተባሂሎም ድማ ይፈላለዩ ነይሮም። ካብ ታሕቲ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ናይ ዓበይቲ ንኽትበጽሕ ከኣ፡ ብዙሕ ዋጋ ሃልኪ ይሓትት ከም ዝነበረ ቆቛሕ ሓቢሩ።
“ሻምፕዮን ኢትዮጵያ ክካየድ ከሎ፡ ካብ ኤርትራ ክልተ፡ ካብ ሃረር ክልተ፡ ካብ ሽዋ ድማ ክልተ ጋንታታት ይሳተፋ ነይረን። ንስዕሮም ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ጸወታታት ንዕብልሎን ብገፊሕ ንዕወተሎምን ነይርና። ኢትዮጵያውያን ብጸወታ ምኽኣል ምስ ሰኣኑ፡ ኣብ ዓመጽ ኣትዮም። ንኣብነት፡ ምስ ናይ ሃረር ንጻወት እንተሊና፡ ዳኛ ወዲ ሸዋ ይኸውን። ብርኡይ ከም እንዕመጽ ይገብር። ብሓጺሩ፡ ስፖርት ናብ ፖለቲካ ዝተቐየረሉ እዋን ስለ ዝነበረ፡ ብእኦም ክንሰዓር ፍጹም ድሌት ኣይነበረናን። ዋላ ንቀሸሽ ስዒርና ሻምፕዮን ንኸውን ነይርና። ኣብ’ዚ ዘይርስዖ ነንሕድሕድና ኣናቚቶም ከባእሱና ብዙሕ ተንኰላት ይፍሕሱ ነይሮም። እንተኾነ፡ ኤርትራዊ ኣጸቢቑ ስለ ዝፈልጦም መሊሱ ይተሓቛቘፍ እምበር ይበኣስ ኣይነበረን። ኩላትና ብሓባር ድማ፡ ንሳ’ቶም ሻምፕዮን ንኸይወጹ ኣሐይልና እናተመኻኸርና ንጻወት ነይርና።” ብምባል፡ ኒሕ ኤርትራዊ ካብ ቀደም ኣትሒዙ ከም ዝነበረ ገሊጹ።
ኣብ 1974፡ ቆቛሕ፡ ኣሕመድ ዓብደላን ዓብዱራሕማን (ፓቸ)ን፡ ናብ ጀርመን ከይዶም ዋንጫ ዓለም ንኽከታተሉ ዕድል ረኺቦም። ነቲ ኣብ ውሽጢ ጀርመን ኣብ ዝርከባ ስታድዩማት ዝነበረ መእተዊ ገንዘብ ፕረዚደንት ፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ዝነበረ ይድነቃቸው ተሰማ ዋላ ይሸፍነሎም፡ ካብ ኤርትራ ናብ ጀርመን ዘብጽሕዎም ግና፡ ደገፍቲ ኤርትራውያን ከም ዝነበሩ ቆቛሕ ሓቢሩ።
ኣብኡ ድማ፡ ምስ ኮኾብ ተጻዋተይ ዓለም ዝነበረ ተጻዋተይ ጋንታ ብራዚል ፔለ ክራኸቡ ከለዉ፡ ቆቛሕ ከም ዝነበረን ነፍስሄራት ቀለታ ኣስፋሃ፡ ፊተውራሪ ገብረእግዚኣብሄር ገብረኺዳን፡ ፓቸን ወዲ ዓብደላን ኣብ ዝነበሩሉ ብካሜራኡ ከም ዝሰኣሎምን የዘንቱ። ንፔለ፡ ብዛዕባ ምዕባለ ጸወታ ኵዕሶ እግሪ ኤርትራን ድሕረ ባይታ ኤርትራን ከም ዝገለጹሉ’ውን፡ ብስእሊ ኣሰንዩ ሓቢሩ።
ስምዒታት ኣውራጃ ተጐሃሂሩ ናብ ዘይተደልየ ናዕቢ ንምስግጋር ብዙሓት ተንኰላት ተፋሒሶም እዮም። ንዅዕሶ እግሪ ወይ ስፖርት መሳርሒ ፖለቲካ ክገብርዎ እንታይ ዘይተኣልመ። ከም’ቲ ኣብ ድሕረ- ባይታ ኣሕመድ ዓብደላ ዝተገልጸ፡ ነቶም ቆቛሕ ዝርከቦም ሓሙሽተ ጸለውቲ ምስ ሕርይቲ ጋንታ ዝተመርጹ ተጻወትቲ፡ ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ስፖርት ጸወታ ከቋርጹ፡ ደብዳበ ከም ዝመጽኦም ገሊጹ። ካብ’ዚ ብምብጋስ ድማ፡ ኣብ 1974 ኵዕሶ እግሪ ተቛሪጹ። ብዙሓት መንእሰያት ከኣ፡ እቲ ኵነታት መግዛእቲ ዒቕ ስለ ዝበሎም፡ ንናጽነት ሃገሮም ክጋደሉ ናብ ሜዳ ወጺኦም።
ቆቛሕ ዝርከቦም 12 ተጻወትቲ ብጸሎት፡ ዓደምዘማት ገይሮም ናብ ጸዓዘጋ ምስ ዝነበሩ ተጋደልቲ ተጸንቢሮም። ንሳቶም ኣቡእ ከለዉ፡ ተቐዳደምቲ ብሽክለታን ሙዚቀኛታትን ከም ዘርከቡዎም ቆቛሕ ይዝክር።
ቆቛሕ፡ ኣብ ሱዳን፡ ኣብ ጋንታታት ዒራቕ፡ ሊባኖስ፡ ሶርያ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ድማ፡ ኣብዛ ኣብዚ እዋን ፈረንሳዊ ካሪም በንዘማ ዝጻወተላ ዘሎ ኢትሓድ ዝተባህለት ክለብ ክትምስረት ከላ ኣባላ ከም ዝነበረን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ስደት ጀርመንን ኣብ ካልኣይን ናይ መወዳእታ ክፋልን ክንከታተሎ ኢና።

When a former U.S. Assistant Secretary of State calls for “Libya-style change” in Eritrea, the world should pay attentio...
18/10/2025

When a former U.S. Assistant Secretary of State calls for “Libya-style change” in Eritrea, the world should pay attention.
Tibor P. Nagy Jr.—once responsible for U.S.–Africa policy—is now undermining Washington’s stated goal of engagement and stability in the Horn of Africa.
In March 2025, German prosecutors classified the Blue Revolution (Brigade Nhamedu) as a terrorist organization after nationwide raids—yet this is the group Nagy publicly praised.
Eritrea stands for peace, order, and sovereignty. Those values must be defended from the politics of destruction.
Read the full exposé on Nefasit Post ⬇️
🔗 https://www.nefasitpost.com/tibor-nagy-undermines-u-s-policy-on-eritrea-with-dangerous-libya-style-rhetoric/

💼 Support Eritrean progress through business and unity: EritreaBusinessDirectory.com

Former U.S. diplomat Tibor Nagy’s “Libya-style” call on Eritrea contradicts U.S. policy and stability. Discover Eritrean unity and progress at EritreaBusinessDirectory.com

Lily Yohannes: From Eritrean Roots to Messi’s Global Stage
18/10/2025

Lily Yohannes: From Eritrean Roots to Messi’s Global Stage

When adidas unveiled Messi+10: Season 2 , its celebration of the next generation of football visionaries, one name stood out — Lily Yohannes , the 18-year-old midfielder whose story spans continents but whose heart beats with unmistakable Eritrean pride. Born in Virginia to Eri

Address

Godena Harnet
Asmara
2351

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ERITREA posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to ERITREA:

Share