05/11/2025
ቆቛሕ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ዒራቕ፡ ሊባኖስ፡ ሶርያ፡ ስዑዲ ዓረብ. . .
ኣሜን ተስፋይ
ካልኣይን መወዳእታን ክፋል
ተስፋጊዮርጊስ ብኢደማርያም (ቆቛሕ)፡ ኣብ ሰብዓታት ንዝነበሮም ብቕዓት ኵዕሶ እግሪን ብድሆታቱን ኣብ ቀዳማይ ክፋል ገሊጹልና ነይሩ። እዛ ዓንቀጽ ኣብ ምድላው እንከላ ድማ፡ ካብ ደገፍቱ ዝመጽኦ ርእይቶ ንኽጠቅስ ብተሌፎን ረኺቡኒ። “ቅድሚ ናብ’ቲ ናይ ግዳም ዛንታ ምስጋርካ፡ እዘን ዝስዕባ ኣቐድመለይ፡” ብምባል ድማ ተላብዩኒ።
ቆቛሕ፡ ካብ 1962 ክሳብ 1965 ምስ ጋንታ ኣዱሊስ ከም ዝተጻወተን፡ ብቕዓቱ ንቕድሚት ክውርወር መንጠሪ ባይታ ኮይናቶ ዝነበረት ዓባይ ጋንታ’ውን እያ።
ኣብ ስሳታትን ሰብዓታትን ዝካየዱ ዝነበሩ ግጥማት ኵዕሶ እግሪ፡ ኣንፈቶም ካብ ስፖርት ናብ መጋበርያ ፖለቲካ ተቐይሩ ከም ዝነበረ፡ ስርዓት ሃይለስላሴ ድማ፡ ንኤርትራውያን ነንሓድሕዶም ብኣውራጃ ተተፋኒኖም ንኽናቖቱ ብዙሕ ሽርሒ ከም ዝሰርሐ ኣቐዲሙ ተገሊጹ ነይሩ። ኣብ ከም’ዚ ኩነታት ሓያል፡ ንኹሉ ዘመዛዝን መራሒ ኣገዳሲ’ዩ። ቆቛሕ፡ ንኹሎም ጠርነፍቶም ብእወታ እኳ ዝገልጾም እንተኾነ፡ ንኣቦ መንበር ጋንታ ሓማሴን ዝነበሩ ነፍ/ ፊተውራሪ ገብረእግዚኣብሄር ገብረኪዳን ካብ ዘድንቖም ጠርነፍቶም ነይሩ፣ ፊተውራሪ ገብረእግዚኣብሄር፡ “ጋንታ ሓማሴን ኣንጻር ኣከለጉዛይን ሰራየን ብስፖርት እምበር፡ ድሕሪ ስፖርት ግን ኣሕዋት ኢኹም። ኩላትኩም ኤርትራውያን ኢኹም። ኣውራጃዊ ስምዒታት ከይሕዘኩም፡” ብምባል ንኹሎም ናይ’ተን ዓበይቲ ጋንታታት ተጻወትቲ ባይታ መራኸቢ ንኽረኽቡ ብማሕበር ጠርኒፎምዎም ከም ዝነበሩ ቆቛሕ ገሊጹ። ነፍ/ ፊተውራሪ ገብረእግዚኣብሄር፡ ወናኒ ሰባር ጉማን ኣብ እግሪ ፎርቶ ዝርከብ እንዳ ነዳዲን ዝነበሩ እዮም።
ቆቛሕ፡ ወዲ ዓብደላ፡ ጀሚል ሓሰን፡ ኣሰፋው ተወልደን የማነ ዮሴፍን፡ ኣብ ናይ 1974 ዓስራይ ዋንጫ ኣፍሪቃ ንምስታፍ ኣብ ሕርይቲ ጋንታ ኢትዮጵያ ተመሪጾም ኣብ ዝነበሩሉ’ዮም ናብ ሜዳ ወጺኦም። ጋንታ ኢትዮጵያ ድማ፡ ብዘይ ኤርትራውያን ስለ ዘይኮነላ ዝነበረ ክብራ ኣይተዓቀበን።
ተጻወትቲ ኵዕሶ እግሪ፡ ተቐዳደምቲ ብሽክለታን ሙዚቀኛታትን ኣብ ጸዓዘጋ ተኣኻኺቦም። ኣብ ዓዲ ቢደል ንዓብደልቃድር ሮሞዳን ዝተባህለ ተጋዳላይ ተ.ሓ.ኤ፡ ሃገራዊ ግቡኦም ክፍጽሙ ድሉዋት ከም ዝኾኑ ገሊጾምሉ። ንሱ ድማ ክልተ ካብኣቶም ዘወሃህድዎም ክመርጹ ሓቲትዎም። ቆቛሕን እስማዒልን፡ ከም ጠርነፍቲ ናይ’ቲ ዝጽበዮም ዝነበረ ጒዕዞ ክኾኑ ተመሪጾም። እተን ኣብ ሜዳታት ኵዕሶ እግሪ ዝተሳሕላ ደናጉ፡ ኣብ ጒዕዞ ጎላጉል ባርካ ተፈቲነን። ኣብ ምዕራብ ባርካ መዓስከር ፍጹም ኣብ ዝበሃል ናይ ተ.ሓ.ኤ ቦታ ከም ዘዕረፉ ቆቛሕ ይዝክር፡ “ኣብ’ዚ ቦታ ብዘይ ዝኾነ ቊምነገር ንኣስታት ሓደ ዓመት ዝኣክል ጸኒሕና። ሓደ-ሓደ እዋን፡ ‘በብዘለኩም ሞያ ኣብ ሱዳን ነጢፍኩም ንውድብ ዝኸውን ኣታዊታት ከተኻዕብቱ ኢኹም’ ይብሉ ነይሮም። ዝተወስደ ስጉምቲ ግን ኣይነበረን። ኣብ መወዳእታ ግን ምስ ተ.ሓ.ኤ ዝደናገጹ ዒራቓውያን መጺኦም ነይሮም። እቶም ጠርነፍትና ምስኣቶም ተረዳዲኦም፡ ‘እዛ ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ብጥርንፍታ ኣብ ዒራቕ ክትጻወት ተረዳዲእና ስለ ዘለና ተበገሱ፡’ ተባሂልና። ኣብ ሱዳን - ካርቱም ንዝተወሰነ እዋን ጸኒሕና ናብ ዒራቕ ኬድና፡” ኢሉ።
እቶም ተጻወትቲ፡ ልዕሊ ዓመት ኣብ ጒዕዞን መዓስከራትን’ዮም ኣሕሊፎምዎ። ዳግማይ ናብ ጸወታ ክምለሱ ሓያል ምድላው ከም ዘድልዮም ርዱእ እዩ። ኣብ ዒራቕ፡ ብዙሕ ልምምድን ዘድሊ ሕክምናን ገይሮም። ናይ ዝበዝሑ ብቕዓት ናብ ንቡር ተመሊሱ። ናይ ነፍ/ ዓብዱራሕማን (ፓቸ)ን ጆኬርን ግን ብቕዓቶም ኣይተመልሰን። ብዓል ቆቛሕ ድማ፡ ሓደ ሓሳብ ሓሲቦም። ንፓቸ፡ ተሓጋጋዚ ኣሰልጣኒ ክኸውን ረቚሖምዎ።
እታ ኤርትራዊት ጋንታ፡ ዝነኣድ ብቕዓት ሒዛ ድሉውነታ ኣረጋጊጻ። ኣብ ከተማ ባቕዳድ ምስ ዝነበራ ዒራቓውያን ጋንታታት ገጢማ። ብኣንጸባራቒ ዓወት ድማ በዲሃተን። ዒራቓውያን፡ ብብቕዓት ናይ’ታ ጋንታ ስለ ዝተደነቑ፡ ዳርጋ ናብ ኩለን ከተማታት ዒራቕ እናዘሩ ከም እትገጥም ገይሮም። ኣብ ኩለን ከተማታት ድማ ብገፊሕ ስዒሮም።
ኣካየድቲ ስፖርት ዒራቕ፡ ነታ ሓያል ኤርትራዊት ጋንታ፡ ኣብ ዒራቕ ጥራይ ተሓጺራ ክትጻወት ኣይመረጹን። ናብ ሶርያ ሒዞምዋ ከይዶም። ፈለማ ምስ ሕርይቲ ወተሃደራዊት ጋንታ ሶርያ ከም እትገጥም ገይሮም። በዛ ዓርሞሸሽ ጋንታ ልዳቶም ኣየድፈሩን፣ ብገፊሕ ስዒሮምዋ። ሶርያውያን ኩነታታ ምስ ረኣዩ፡ ብንጽል ጋንታ ክገጥምዋ ኣይደፈሩን። ንሕርይቲ ጋንታ ሶርያ ዝኣክል ምድላዋት ገይሮም፡ ምስ’ታ ኤርትራዊት ጋንታ ከም እትገጥም ገይሮም። ሶርያውያን ደገፍቲ ሆ. . . ክብሉ ንስታድዩም መሊኦምዎ። ደገፍቲ ዋላ ይጨድሩ፡ ካብ ዝፈርህዎ ግን ኣይወጹን። እታ ዝኾነ ደጋፊን ቀዋሚ ቦታን ዘይነበራ ኤርትራዊት ጋንታ 4ብ1 ስዒራቶም።
ሕጂ’ውን ጒዕዞ ናይ’ታ ኤርትራዊት ጋንታ ደው ኣይበለን። ናብ ሊባኖስ ኣቕኒዓ። ኣብኡ ድማ ንሊባኖሳውያን ጋንታታትን ንጋንታ ፍልስጤምን ስዒራ ናብ መበገሲኣ ቦታ ናብ ዒራቕ ተመሊሳ። ዒራቓውያን፡ ነታ ጋንታ ካብን ናብን ከብልዋ ከለዉ ብዘይ ረብሓ ኣይነበረን። እንተኾነ እቶም ኤርትራውያን ድሒሮም’ዮም ፈሊጦም፡ “ናብ ሱዳን ክንምለስ ኢና” ምስ በልዎም፡ ዒራቓዊያን ነቲ ሕቶ ተገሪሆም ኣይተቐበልዎን። እንተኾነ ብዓል ቆቛሕ ንኽምለሱ ብትሪ ምስ ሓተትዎም ናብ ካርቱም ኣፋንዮምዎም።
“ወከልቲ ተ.ሓ.ኤ፡ ኣብ ሱዳን ተቐቢሎምና። እንተኾነ፡ ነዛ ኣብ ኣህጉራዊ ጸወታታት ተኣምር ዝሰርሐት ጋንታ ኣብ ምብታና ዓቢ ተራ ነይሩዎም። ኣብ ክንዲ ዝጥርንፉና ‘ነናብ ድላይኩም ኪዱ’ ኢሎሙና። ንሕና ብዙሕ ሕቶታት ነይሩና። ምኽንያቱ፡ እቶም ወከልቲ ብስምና ንውልቆም ካብ ዓራቓውያን ብርክት ዝበለ ገንዘብ ኣጠፋፊኦም’ዮም። ደም ዝረሃጽናሉ ገንዘብ ናብ ሜዳ ናብ ተጋደልቲ እንተዝኸይድ ሓንቲ ኣይምበልናን። ብዝኾነ፡ ምብታንና ዝሰምዓ ጋንታታት ክቀዳደማልና ግዜ ኣይወሰዳን። ጋንታታት ሱዳን ሓቲተን፡ ግን ዝመረጸን ተጻዋታይ ኣይነበረን። ኣነን ሰመረ ኪዳነን ናብ ስዑዲ ዓረብ ሽዑ እትምስረት ዝነበረት ጋንታ ኢትሓድ ኬድና። ገለ’ውን ናብ ኤውሮጳ ተሰዲዶም። ብዓል ኣሕመድ ዓብደላ፡ ፓቸ፡ መሓሪ፡ የማነን እስማዒልን ድማ ናብ ኢማራት ከይዶም። ስዉእ ተኸስተ ገብረመድህን (ኢለ) ዝርከቦም ሰለስተ ድማ፡ ናብ ሜዳ ወጺኦም። ካብ’ቶም ሓሙሽተ ናብ ኢማራት ዝኸዱ ወዲ ዓብደላ ምስ ጋንታታት ክጻወት ስለ ዝበቕዐ’ዩ ‘ፕሮፈሽናል’ ክበሃል ዝኽኣለ። ብዓል ንሕና ግን . . .” ኢሉ ቆቛሕ ትም በለ።
ከም’ቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዝገለጽናዮ፡ እታ ቆቛሕ ምስ ብጾቱ ዝተጸንበራ ጋንታ ኢትሓድ እትበሃል ስዑዳዊት፡ ሎሚ ንፈረንሳዊ ካሪም በንዘማ ጠርኒፋ ዘላ ጽቡቕ ከም ዘይፈደየቶም’ዩ ገሊጹ። ብፍላይ ንቆቛሕ ዓይኒ ኣውዲቓትሉ ስለ ዝነበረት፡ ናታ ክትገብሮ ወሲና። ቅድሚ ምፍራሙ ግና፡ ናብ መካ ከይዱ ክሕጅጅ ብኣካየድቲ ናይ’ታ ጋንታ ተሓቲቱ። ንሱ ፍቓደኛ ስለ ዘይነበረ፡ ካብ’ታ ጋንታ ምስ ብጻዩ ተሰናቢቱ። ካብ’ዚ ተበጊሱ’ዩ ድማ ኣብ 1978 ጫማኡ ክሰቅል ዝኸኣለ።
ካብ’ቶም ኣብ ግዜኡ ምስኡ ዝጻወቱን ዘሰልጥንዎን ዝነበሩ ንብዓል መን ከም ዘድንቕ ተወኪሰዮ ነይረ።
ካብ ተጻወትቲ፡ ናይ ቴለ ተጻዋታይ ንዝነበረ ተስፋይ (ቀጭኔ) ከም ዘድንቖ ብምግላጽ፡ ካብ ዓለምቱ ድማ፡ “ንጸሃየ ባህረ፡ ኣብ ሕርይቲ ጋንታ ኤርትራ ከለና፡ የሰልጥነና ነይሩ። ብጋንታ ደረጃ ድማ፡ ኣኣብ ግዜኡ ንጋንታታት ቴለ፡ ሓማሴንን እምባሶይራን ዘሰልጠነ ምኩር ኣሰልጣኒ እንእዶ።” ብምባል ሓቢሩ።
ቆቛሕ፡ ኣብ ዒራቕ ንልዕሊ ዓመት ኣብ ዝጸንሓሉ፡ ጎድኒ ጎድኒ ስፖርት፡ ጽገና መዝሓሊ (ፍሪጅን) ኣየር ኮንድሽነርን ተማሂሩ ነይሩ። በቲ ሞያ ድማ ኣብ ሆቴል ተቖጺሩ ናብራኡ ድሕሪ ምምራሕ፡ ናብ ጀርመን ተሰዲዱ።
ቆቛሕ፡ ኣብ ጀርመን፡ ምስ’ቶም ኣብነታውያን ፈተውቲ ናጽነት ሃገሮም ዝኾኑ ዜጋታት ኮይኑ፡ ንውድብ ህዝባዊ ግንባር (ቅድሚ ናጽነት)፡ ታኒካ ሻሕ-ሻሕ እናበሉ ገንዘብ ይእክብ ከም ዝነበረ፡ ብድሕሪ ናጽነት’ውን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ መኸተ መደባት ሓደ ካብ ወደብቲ ኮይኑ፡ ኣብ ብዙሓት ንጥፈታት ከም ዝዋሳእን ኣብ ዓመት ክልተ ግዜያት ናብ ሃገሩ ከም ዝመጽእን ገሊጹ።
ኣብ መወዳእታ፡ ንስፖርታውያን ሃገርና እንታይ መልእኽቲ ከም ዘመሓላልፈሎም ተወኪሰዮ፡ “ሰብ ንታሪኽ’ዩ ዝነብር፡ ሓደራኹም እዞም ደቀይ ታሪኽ ስርሑ።” ብምባል ምዒዱ።