
05/06/2025
ዘሕዝን ዜና ካብ ሱዳን - ኣብ ማዕስከር ስደተኛታት ተጋሩ ዝበጸሐ ሓደጋ.
ኣብ ሃገረ ሱዳን ክልል ገዳሪፍ ዝርከብ መፅለሊ ስደተኛታት ተጋሩ ዝተፈጠረ ሓደጋ ባርዕ ካብ ሓደ ቀሊል ጉድኣት ወፃኢ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብ ጉድኣተ ኣየብፅሐን።
ኣብ ሕድሕድ መፅለሊ ዝነበረ ንብረት፣ ገንዘብን ጥሪትን ግና ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝተቓፀለ ተገሊፁ።
በዚ ባርዕ ሓዊ ልዕሊ 10 ኩንታል ሰሊጥ፣ልዕሊ 15 ኩንታል ሞሸላ፣ ሓንቲ ሞተር ሳይክል፣ ሓንቲ ጋሪ ፣ ሓደ ኣድጊ፣ ሓደ ከፍትን ሙሉእ ንብረት ገዛን ተቃፂሉ።
መንበሪኦም ዝተቃፀሎም 12 መራሕቲ ስድራ ኣብ ከቢድ ፀገም ወዲቖም ከምዘለዉ ተሓቢሩ።
ነዞም ወገናት ሓገዝ ንምትእኽኻብ ብማሕበር ተጋሩ ሱዳን ጨ/ር ገዳሪፍ መተሓባበሪ ኮሚቴ ተጣይሹ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ዕላዊ ከምዝገብር ካብቲ ማሕበር ዝበፅሐኒ ሓበሬታ የመላኽት ይብል ካብ ጋዜጠኛ መድሃነየ ግደይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ።
'ኡምጉርጃ' ብሰንኪ ሕድ ሕድ ኲናት ሱዳን ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተመዛበሉ ተጋሩ ዘዕቆብሉ ቅድሚ 47 ዓመታት ዝተጣየሸ መዕቆቢ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
ኣብዚ ወርሒ ጥራሕ ሰለስተ ሓደጋታት ባርዕ ሓዊ ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ተጋሩ ከምዘጋጠመ ይፍለጥ።