Sami Sheqa cycling blog

  • Home
  • Sami Sheqa cycling blog

Sami Sheqa cycling blog መዓልታዊ ሓደሽቲ ዜናታት🚲ብሽክለታን ⚽️ስፖርትን ሒዛ እትቐርብ ፔጅ ፡ ፎሎው ብምግባር ተኸታታልቲ ክትኮኑ ይዕድመኩም.!❤️🚴‍♀️⚽️
Daily cycling updates delivered to your feed.
(1)

Hit follow and join the ride!🚴‍♀️🏁

ጋንታ ሙቪስታር ንናቱ ካብ ቫልታ ስጳኛ ድሕሪ ምትራፋ ናብቲ ጽባሕ 19 ነሓሰ ዝጅምር ዙር ጀርመን ኣሰሊፋቶ...!❤️🚲🇪🇷ኣብዚ ዓመት ኣብ ጽቡቕ ቁሞና ጥርዚ ብቕዓቱ ዝርከብ ኤርትራዊ ተቀዳዳማ...
18/08/2026

ጋንታ ሙቪስታር ንናቱ ካብ ቫልታ ስጳኛ ድሕሪ ምትራፋ ናብቲ ጽባሕ 19 ነሓሰ ዝጅምር ዙር ጀርመን ኣሰሊፋቶ...!❤️🚲🇪🇷
ኣብዚ ዓመት ኣብ ጽቡቕ ቁሞና ጥርዚ ብቕዓቱ ዝርከብ ኤርትራዊ ተቀዳዳማይ ጋንታ ሙቪስታር ናትናኤል ተስፋጽዮን ጽባሕ 19 ነሓሰ ኣብ ዝጅምር ናይ 4ተ መድረኻት ዕምሪ ዘለዎ ዙር ኣልሚንያ ንጋንትኡ መሪሑ ክወዳደር እዩ...!
ጽቡቕ ዕድል ኣክሹ❤️🚲🇪🇷
꧁༺ Sami Sheqa cycling blog ༻꧂⁩

ማዕከን ዜና ብሽክለታ «ዶሞስቲክ»፡ ኣብቲ ብቀዳም 22 ነሓሰ ዝጅምር ቮልታ ስጳኛ ብፍሉይ ክንዕዘቦም ዘለና 5 ተቀዳደምቲ ዘርዚራ ኣላ፡ ኣብዚ ዝርዝር’ዚ ድማ ኤርትራዊ ተቀዳዳማይ ሄኖክ ሙሉእ...
18/08/2026

ማዕከን ዜና ብሽክለታ «ዶሞስቲክ»፡ ኣብቲ ብቀዳም 22 ነሓሰ ዝጅምር ቮልታ ስጳኛ ብፍሉይ ክንዕዘቦም ዘለና 5 ተቀዳደምቲ ዘርዚራ ኣላ፡ ኣብዚ ዝርዝር’ዚ ድማ ኤርትራዊ ተቀዳዳማይ ሄኖክ ሙሉእብርሃን ይርከብ...!
ጽቡቕ ዕድል ሄኒ❤️🚲🇪🇷

🇪🇷 Henok Mulubrhan
​🇧🇪 Thibau Nys
🇫🇷 Léo Bisiaux
🇦🇺 Luke Tuckwell
🇧🇪 Steffen De Schuyteneer

ጋንታ ሙቪስታር ኣብቲ ቀዳም 22 ነሓሰ ዝጅምር ቮልታ ስጳኛ 2026 እትሳተፍ ጋንትኣ ኣፍሊጣ ፡ ኤርትራዊ ተቀዳዳማይ ናትናኤል ተስፋጽዮን የለን ፡ ናቱ ኣክሹ ኣብዚ ዓመት ምስዚ ኩሉ ብቕዓቱ ...
18/08/2026

ጋንታ ሙቪስታር ኣብቲ ቀዳም 22 ነሓሰ ዝጅምር ቮልታ ስጳኛ 2026 እትሳተፍ ጋንትኣ ኣፍሊጣ ፡ ኤርትራዊ ተቀዳዳማይ ናትናኤል ተስፋጽዮን የለን ፡
ናቱ ኣክሹ ኣብዚ ዓመት ምስዚ ኩሉ ብቕዓቱ ጋንታ ሙቪስታር ኣብ ሓደ ግራንድ ቱር ኡኳ ከተሰልፎ ኔሩዋ ፡ ኣይገበረቶን ፡ ናቱ ድማ ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ውዕል ን ምንዋሕ ዝተዋህቦ ወረቀት ኣይፈረመን ዘሎ...!

ቻምፕዮን ኤርትራ ክሮኖሜተር ሞናሊዛ ኣርኣያ ሎሚ ሰሉስ 18 ነሓሰ ኣብ ቤልጅዩም ኣብ ዝካይድ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር EGMONT CYCLING RACE ንጋንታ ካንዮን መሪሓ ክትወዳደር እያ.....
18/08/2026

ቻምፕዮን ኤርትራ ክሮኖሜተር ሞናሊዛ ኣርኣያ ሎሚ ሰሉስ 18 ነሓሰ ኣብ ቤልጅዩም ኣብ ዝካይድ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር EGMONT CYCLING RACE ንጋንታ ካንዮን መሪሓ ክትወዳደር እያ...!
ጽቡቕ ዕድል ሞኒ❤️🚲🇪🇷
꧁༺ Sami Sheqa cycling blog༻꧂⁩

ውዑይ ዜና🇪🇷🚴‍♀️🏆ብመሰረት ጸብጻብ ኮሎምቢያዊ ጋዜጠኛ ዳኒኤል ሚራንዳእቲ ብሉጽ ኮሎምቢያዊ ተቐዳዳማይ ኣብ ብዙሕ ንጋንታ ሞቪስታር  ዓወት ዘግዘመ ናይሮ ኪንታና (Nairo Quintana)፡...
17/08/2026

ውዑይ ዜና🇪🇷🚴‍♀️🏆
ብመሰረት ጸብጻብ ኮሎምቢያዊ ጋዜጠኛ ዳኒኤል ሚራንዳ
እቲ ብሉጽ ኮሎምቢያዊ ተቐዳዳማይ ኣብ ብዙሕ ንጋንታ ሞቪስታር ዓወት ዘግዘመ ናይሮ ኪንታና (Nairo Quintana)፡
ኣብቲ ዝመጽእ ቀዳም 22 ነሓሰ ዝጅምር 3ይን ዛዛምን ደረጃ ግራንድ ቱር ውድድር'ዛ ዓመት ቮላታ ስጳኛ 2026 ከይሳተፍ ብጋንትኡ ሞቪስታር ምውሳኑ ገሊጹ።
እዚ ውሳነ እዚ ብጀነራል ማናጀር እታ ጋንታ ኤውሰቢዮ ኡንዙወ (Eusebio Unzué) እዩ ተወሲዱ ፡ ኪንታና ንኣዋርሕ ዝኣክል ንቮላታ ስጳኛ ክዳለው ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ን10 መዓልታት ኣብ ጽዑቕ ናይ ልምምድ መዓስከር ብምጽናሕ ንጉዕዞኡ እውን ሳንጣኡ ኣዳልዩ ድሕሪ እዚ ውድድር ካብ ቅድድም ብሽክለታ ጥሮታ ክወጽእ'ዩ መዲቡ ኔሩ...!
በዚ ድማ ናይሮ ኪንታና ካብ ሞያዊ ቅድድም ብሽክለታ ዝሰናበተሉ ናይ መወዳእታ ውድድር፡ ካብ 20 ክሳብ 27 መስከረም ኣብ ሞንትሪያል-ካናዳ ኣብ ዝካየድ ሻምፕዮን ብሽክለታ ዓለም (World Road Cycling Championship) ክኸውን'ዩ ማለት እዩ...!
እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ንዑኡ ዝትክኦ ተቀዳዳማይ እቲ ኣብዚ ዓመት ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ብቕዓት ዝርከብ ኤርትራዊ ተቀዳዳማይ ናትናኤል ተስፋጽዩን ክኸውን ከም ዝኽእል ይግለጽ....!

✍️꧁༺ Sami Sheqa cycling blog༻꧂⁩

ወዲ ሙሌ ኣብ ቮልታ ስጳኛ ከምዝሳተፍ ጋንትኡ ብወግዒ ኣፍሊጣ...!ቀዳም 22 ነሓሰ ብወግዒ መጋረጅኡ ቀንጢጡ ን 21 መድረኻትን መዓልታትን ዝቕጽል 3ይ ዝዓበየ ናይ ግራንድ ቱር ውድድር ቮላታ...
17/08/2026

ወዲ ሙሌ ኣብ ቮልታ ስጳኛ ከምዝሳተፍ ጋንትኡ ብወግዒ ኣፍሊጣ...!

ቀዳም 22 ነሓሰ ብወግዒ መጋረጅኡ ቀንጢጡ ን 21 መድረኻትን መዓልታትን ዝቕጽል 3ይ ዝዓበየ ናይ ግራንድ ቱር ውድድር ቮላታ ስጳኛ ፡ ጋንታ ኣስታና ን ኤርትራዊ ሄኖክ ሙሉእብርሃን ኣብ መሳርዓ ሓቂፋ ኣብ ቮልታ ስጳኛ 2026 ከምትሳተፍ ብወግዒ ሓቢራ...!

ጽቡቕ ዕድል ሄኒ❤️🇪🇷🚲
꧁༺ Sami Sheqa cycling blog༻꧂⁩

ዓወት ኣማን 2ይ...!🇪🇷🚴‍♀️🏆ዓወት ኣማን ሎሚ ሰንበት 16 ነሕሰ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር ኣብ ቱርኪ ዝተካየደ ኦርዱ ብላክ ሲ ክላሲክ ኣብ ዓቀብ ኣብ ዝተዛዘመትሉ መበል 2...
16/08/2026

ዓወት ኣማን 2ይ...!🇪🇷🚴‍♀️🏆

ዓወት ኣማን ሎሚ ሰንበት 16 ነሕሰ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር ኣብ ቱርኪ ዝተካየደ ኦርዱ ብላክ ሲ ክላሲክ ኣብ ዓቀብ ኣብ ዝተዛዘመትሉ መበል 2ይ ተርታ ብምሓዝ ኣብ መድረኽ ደዩቡ...!
ብራቮ ጎኒጨ....!
꧁༺ Sami Sheqa cycling blog ༻꧂⁩

ትስፉው ኤርትራዊ ተቀዳዳማይ ኣባል ጀርመናዊት ጋንታ ባይክ ኤይድ ናሆም ኤፍሬም ሎሚ ሰንበት 16 ነሓሰ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝኻየድ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር La Polynormande ኣብ መሳርዕ...
16/08/2026

ትስፉው ኤርትራዊ ተቀዳዳማይ ኣባል ጀርመናዊት ጋንታ ባይክ ኤይድ ናሆም ኤፍሬም ሎሚ ሰንበት 16 ነሓሰ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝኻየድ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር La Polynormande ኣብ መሳርዕ ጋንትኡ ተሰሊፉ ክወዳደር እዩ...!
ጽቡቕ ዕድል ናሆም❤️
꧁༺ Sami Sheqa cycling blog ༻꧂⁩

ልብኻ ዝሰብር ስሚዒት💔🕊🤍ኣባላት ጋንታ NSN እቲ ቅድሚ ሓደ ካልኢት ምስኦም ኮይኑ ንዓወት ጋንትኦም ክቓለስ ዝጸንሐ ብሪጣንያዊ ወዲ 19 ዓመት ተቀዳዳማይ ፊንላይ ታርሊንግ ሓደጋ ምስ ኣጋጠሞ...
14/08/2026

ልብኻ ዝሰብር ስሚዒት💔🕊🤍
ኣባላት ጋንታ NSN እቲ ቅድሚ ሓደ ካልኢት ምስኦም ኮይኑ ንዓወት ጋንትኦም ክቓለስ ዝጸንሐ ብሪጣንያዊ ወዲ 19 ዓመት ተቀዳዳማይ ፊንላይ ታርሊንግ ሓደጋ ምስ ኣጋጠሞ ክመጾም ከርክቦም ንድሕሪት ቁሊሕ እንዳ በሉ ከለዉ በቲ ዘጋጠሞ ሓደጋ ከም ዝሞተ ድሕሪ ምንጋሮም ብሓዘን ወዲ ጋንትኦም ርእሶም ኣድኒኖም ክኣትዉ ኸለዉ ፡ እታ ኣብ ቀጥታ ፈነወ ዝነበረት ጋዜጠኛ ኣቀዲማ ብምፍላጣ ኣብ ቀጥታ ፈነወ ኸላ ክትነብዕ ተራእያ
Rest in peace Finlay Tarling🕊🤍💔
Sami Sheqa cycling blog

ዘሕዝን ፍጻሜ💔🚴‍♀️ኣባል መጋቢት ጋንታ NSN ፊንላይ ታርሊንግ ኣብ 8ይ መድረኽ ቮልታ ፖርቱጋል ብዘጋጠሞ ሓደጋ ኣብ መበል 19 ዓመቱ ዓሪፉ ፡ እዚ ንእሽቶ ሓው ን ተቀዳዳማይ ጋንታ ኢንዮን...
14/08/2026

ዘሕዝን ፍጻሜ💔🚴‍♀️
ኣባል መጋቢት ጋንታ NSN ፊንላይ ታርሊንግ ኣብ 8ይ መድረኽ ቮልታ ፖርቱጋል ብዘጋጠሞ ሓደጋ ኣብ መበል 19 ዓመቱ ዓሪፉ ፡ እዚ ንእሽቶ ሓው ን ተቀዳዳማይ ጋንታ ኢንዮን ጆሽ ታርሊንግ ዝኾነ ብሪጣንያዊ ተቐዳዳማይ፡ ናብ መስመር ውድድር ብዝኣተወ መራሒ መኪና ከምዝተሃርመ ይግለጽ ፡ እቲ ዝካየድ ዝነበረ መድረኽ ብኡ ንብኡ ተቛሪጹ...!
Rest in peace🕊🤍

Address


Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Sami Sheqa cycling blog posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

  • Want your business to be the top-listed Media Company?

Share