12/12/2025
፡
ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 2 ዘሎ ታሪኽ መርዓ ቃና ዘገሊላ ሒዘልኩም ቀሪበ ኣለኹ።
እዚ ታሪኽ ብዛዕባ ሓልዮትን ኣማላድነትን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብዝደንቕ መገዲ ዝምህር እዩ።
ኣብ ቃና ዘገሊላ ሓደ ዓብይ መርዓ ነበረ። ጎይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ድማ ካብቶም ክቡራት ዕዱማት ነበሩ። እቲ መርዓ ብደስታ ይካየድ ነበረ ግናኸ ሓደ ዘይተሓስበ ዓብይ ጸገም ተፈጠረ እቲ ንዕዱማት ዝቀርብ ዝነበረ ወይኒ ተወደአ።
ኣብቲ ባህሊ ወይኒ ምውዳእ ንወለዶ ዝሰግር ዓብይ ሕፍረት እዩ ነይሩ። እቶም ሰብ መርዓ እንታይ ከም ዝገብሩ ጨኒቕዎም ነበረ።
ብዙሓት ሰባት ኣብቲ ቦታ እኳ እንተነበሩ ነቲ ዝነበረ ጭንቂ ዝረኣየትን ዝተረድአትን ግን ርሕርሕቲ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ጥራይ ነበረት። ከይተደናገፀት ብቀጥታ ናብቲ ኩሉ ዝኽእል ወዳ (ናብ ጌታና መድሓኒና ኢየሱስ ከደ።
"ወይኒ እኮ የብሎምን" በለቶ።
ጎይታና ኢየሱስ ንጊዜኡ "ጊዜይ ገና ኣይበጽሐን" እንተበለ እኳ ንሳ ግን ለዋህ ኣደ ስለዝኾነትን ልቢ ወዳ ስለ እትፈልጥን፡ ጸሎታ ከም ዘይወድቕ ትፈልጥ ነበረት። ስለዚ ድማ ናብቶም ኣገልገልቲ ከይዳ እታ መፍትሒት ዝኾነት ቃል ተዛረበት፥
"ንሱ (ኢየሱስ) ዝበለኩም ዘበለ ግበሩ።
゚viralシfypシ゚viralシalシ #ኦርቶዶክሳዊ #ተዋህዶ