ነኣምን ቅዱሳን

ነኣምን ቅዱሳን የመንገዴ መሪ
የሂወቴ ፈና....

 ኣባ ገሪማ ሓደ ካብቶም ኣብ መወዳእታ 5ይ ክፍለ ዘመን ናብ ኢትዮጵያ (መንግስቲ ኣኽሱም) ዝመጹ ተስዓቱ ቅዱሳን እዩ። ከም ሓያሎ ካብቶም ቅዱሳን፡ መበቆሉ ካብ ሃጸይነት ሮሜ (ቢዛንታይን)፡...
23/06/2025



ኣባ ገሪማ ሓደ ካብቶም ኣብ መወዳእታ 5ይ ክፍለ ዘመን ናብ ኢትዮጵያ (መንግስቲ ኣኽሱም) ዝመጹ ተስዓቱ ቅዱሳን እዩ። ከም ሓያሎ ካብቶም ቅዱሳን፡ መበቆሉ ካብ ሃጸይነት ሮሜ (ቢዛንታይን)፡ ከባቢ ሶርያ ምንባሩ ይንገር። ቅድሚ ምንኩስናኡ፡ ስሙ ይስሓቅ ይበሃል ነይሩ።
ዋና ኣበርክቶኡ:

: እዞም ተስዓቱ ቅዱሳን ንክርስትና ካብ ቤተ-መንግስቲ ኣኽሱም ወጻኢ ኣብ ህዝቢ ንኽስረጽን ንኽዕምቚን ዓቢ ግደ ነይርዎም። ኣባ ገሪማ ድማ ኣብዚ ታሪኻዊ ተልእኾ'ዚ ቀንዲ ተዋሳኢ ነበረ።

: ኣብቲ ሕጂ ዞባ ትግራይ ተባሂሉ ዝፍለጥ ቦታ፡ ጥቓ ከተማ ዓድዋ፡ ገዳም ኣባ ገሪማ ዝተባህለ ዓቢ ገዳም መስሪቱ። እዚ ገዳም'ዚ ክሳብ ሎሚ ህያው ኮይኑ ዘገልግል ዘሎን ታሪኻዊን መንፈሳዊን ማእከል እዩ።

(Garima Gospels): ሓደ ካብቲ ዝዓበየን ዝተፈልጠን ቅርስታት ኣባ ገሪማ፡ "ወንጌላት ገሪማ" ዝተባህለ ጥንታዊ ቅዱስ መጽሓፍ እዩ። እዚ መጽሓፍ'ዚ፡ዝኣረገ ቅርስ: ብናይ ሳይንስ መርመራ (ካርቦን ዴቲንግ) ከም ዝተረጋገጾ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ዘለዉ ዝኣረጉን ብስእሊ ዝተሰነዩን ቅዳሓት ወንጌል እዩ። ዕድሚኡ ኣብ መንጎ 4ይን 7ይን ክፍለ ዘመን ከም ዝርከብ ይግመት።

: ብመሰረት ትውፊት ቤተ-ክርስትያን፡ ኣባ ገሪማ ነዞም ወንጌላት'ዚኣቶም ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ጽሒፉ ንኽውድኦም፡ ኣምላኽ ንጸሓይ ደው ከም ዘበለላ ይንገር። ብሓፈሻ ኣባ ገሪማ ከም መስራቲ ገዳም፡ ከም ሰባኺ ወንጌል፡ ከምኡ'ውን በቲ ዘይነጽፍ መንፈሳዊ ቅርስታቱ ዝፍለጥ ዓቢ ቅዱስ ኣቦ እዩ። ዝኽሩን በዓሉን ድማ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኢትዮጵያን ኤርትራን ብኽብሪ ይዝከር።

 ኣቦና ኣረጋዊ፣ ናይ እምነት ዓንዲ፣ንኽብሪ ዓለም ራሕሪሕካ፣ ብፍቕሪ ጎይታ ተዓንዲ።ካብቶም ተስዓቱ ቅዱሳን፣ ብርሃን ኮንካ ዝመጻእካ፣ኣብ መሬት ኣግኣዚ፣ ንወንጌል ዝሰበኽካ።እታ ደብረ ዳሞ፣ ...
21/06/2025


ኣቦና ኣረጋዊ፣ ናይ እምነት ዓንዲ፣
ንኽብሪ ዓለም ራሕሪሕካ፣ ብፍቕሪ ጎይታ ተዓንዲ።
ካብቶም ተስዓቱ ቅዱሳን፣ ብርሃን ኮንካ ዝመጻእካ፣
ኣብ መሬት ኣግኣዚ፣ ንወንጌል ዝሰበኽካ።
እታ ደብረ ዳሞ፣ እምባ ዘይትድፈር፣
ብሓይሊ ጸሎትካ፣ መንገዲ ተሰርሐ ሰማይ ዝዕፈር።
ገበል መርድእ ኮነካ፣ ብትእዛዝ ፈጣሪ፣
ምእንቲ ክትከውን፣ ናይ ገዳም መባርዒ።
ኣብቲ በሪኽ ቦታ፣ ጸሎትካ ኣዕረግካ፣
ንብዙሓት መናንያን፣ ብቓል ኣምላኽ ኣነጽካ።
በረኸትካ ኣይፈለየና፣ ናይ ጽድቂ ኣቦና፣
በጃኻ ኣማልደና፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና

  ( #ዘሚካኤል)  #መበገሲኦም ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ መበል 5ይ ክፍለ ዘመን ካብ ሃገረ ሮሜ (ሶርያ) ናብ ኢትዮጵያ ዝመጹ ተስዓቱ ቅዱሳን እዮም። እዞም ቅዱሳን ኣቦታት ነቲ ብፍሬምናጦስ ዝተ...
21/06/2025

( #ዘሚካኤል) #መበገሲኦም

፡ ሓደ ካብቶም ኣብ መበል 5ይ ክፍለ ዘመን ካብ ሃገረ ሮሜ (ሶርያ) ናብ ኢትዮጵያ ዝመጹ ተስዓቱ ቅዱሳን እዮም።

እዞም ቅዱሳን ኣቦታት ነቲ ብፍሬምናጦስ ዝተጀመረ ስብከተ ወንጌል ንምጥንኻርን ህይወት ምንኵስና ንምስራትን ዝመጹ እዮም።

ኣቡነ ኣረጋዊ ምስቶም ካልኦት ቅዱሳን ብጾቶም፡ ኣብ ትግራይ ብምእታው ቋንቋ ግእዝ ተማሂሮም፡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ካብ ጽርእን እብራይስጥን ናብ ግእዝ ኣብ ምትርጓም ዓቢይ ኣበርክቶ ገይሮም እዮም። ቀንዲ ዕላማኦም፡ ንህዝቢ ወንጌል ምምሃርን ኣብ ጽኑዕ ክርስትያናዊ እምነት ምስራትን እዩ ነይሩ።

እቲ ዝዓበየን ዝውቱን ታሪኾም፡ ምስ ምስረታ ገዳም ደብረ ዳሞ ዝተኣሳሰር እዩ። ኣቡነ ኣረጋዊ፡ ንስብከትን ንጸሎትን ዝኸውን ገዳም ንምምስራት በሪኽን ብሰብ ንምድያቡ ኣዝዩ ኣጸጋምን ዝኾነ እምባ መረጹ።
ናብቲ ጫፍ ናይቲ እምባ ክወጹ ምስ ተጸገሙ፡ ናብ ኣምላኽ ጸለዩ። እግዚኣብሔር ድማ ጸሎቶም ሰሚዑ፡ ሓደ ዓቢይ ዘንዶ (ገበል) ሰደደሎም። እቲ ዘንዶ ድማ ኣብ ዝባኑ ኣሰቂሉ ናብ ጫፍ እቲ እምባ ኣብጽሖም።
ኣብኡ ድማ ነቲ ክሳብ ሎሚ ዝርከብን ካብቶም ዝቐደሙ ገዳማት ዝቑጸርን ገዳም ደብረ ዳሞ መስረቱ። እዚ ገዳም እዚ፡ ክሳዕ ሎሚ ብገመድ ጥራይ ዝድየብ ኮይኑ፡ ንዘመናት ማእከል ትምህርትን ምንኵስናን ኰይኑ ኣገልጊሉ እዩ።
ስሞም "ኣረጋዊ" ማለት "ሽማግለ" ወይ "ዓብዪ" ማለት እዩ። በዚ ስም እዚ ዝፍለጡ ድማ፡ ብዕድመ ጥራይ ዘይኮነስ ብመንፈሳዊ ብስለቶምን ጥበቦምን እዩ።
ኣቦና ኣቡነ ኣረጋዊ፡ ካብ ሞት ናብ ህይወት ዝተሰጋገሩሉ (ዕረፍቶም ዝዝከረሉ) መዓልቲ ጥቅምቲ 14 እዩ። ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን በዚ ዕለት እዚ ብኽብሪ ይዝክርዎም።

 !ሚካኤል ሊቀ መላእክት፣ስምካ ግሩም "መን ከም ኣምላኽ"።            ኣብ ሰማያት ዝዓበየ ስልጣንካ፣            ንኽብሪ እግዚኣብሔር ዝተገልጸ ግብርኻ።ብሰይፊ ሓይልኻ ንጸላኢ ት...
18/06/2025

!
ሚካኤል ሊቀ መላእክት፣
ስምካ ግሩም "መን ከም ኣምላኽ"።
ኣብ ሰማያት ዝዓበየ ስልጣንካ፣
ንኽብሪ እግዚኣብሔር ዝተገልጸ ግብርኻ።
ብሰይፊ ሓይልኻ ንጸላኢ ትረትዕ፣
ንዘንዶ እቲ ዓቢ ብኽንፍኻ ትድፍዕ።
ሓለቓ ሰራዊት ሰማይ ንስኻ ኢኻ፣
ንውሉድ ኣምላኽ ዋልታን መከታን ኢኻ።
መልኣከ ምሕረት፡ ናይ ረድኤት ጽላልና፣
ኣብ ጊዜ ጸበባ እትኾነና ዓቕምና።
ጸሎትና ናብ ኣምላኽ ንስኻ ተዕርጎ፣
ምእንታና ኩሉ ጊዜ ኣብ ቅድሚኡ ትልምኖ።
ስለዚ ንጽውዓካ፡ ኦ ሚካኤል ሓያል፣
ኣብ መገድና ኩን መራሕን ጸዳል'።
ብጸሎትካ ካብ ክፉእ ሓልወና፣
ናብ መንግስተ ሰማይ ምሳኻ ኣእትወና
#ኦርቶዶክስተዋህዶ #ሚካኤል #ኦርቶዶክሳዊ #ተዋህዶ ゚viralシfypシ゚viralシalシ ゚

17/05/2025



ህዝበይ ሰላም'ዩ ዝደሊ፣ ካብ ቃንዛ ዝተላዕለ፣
ካብ ኩናት ዝወጾ ስቓይ፣ ካብ ፍርሕን ሽበራን ዝኣኸለ።

ድምጺ ጠያይት ሰሊችዎ፣ ናይ ሞት ዜና ኣሰልችይዎ፣
ንብዓት ደሪቑ ኣብ ኣዒንቱ፣ ስቓይ ከሰተ ኣብ ልቡ።

ሰላም'ዩ ዝደሊ ህዝበይ፣ ንደቁ ንኽዕብየሉ፣
ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸዱ፣ ብርሃን ተስፋ ክርእዩሉ።

ኣብ ጎደናታት ክጻወቱ፣ ብዘይ ስግኣት ሞትን መፍረስን፣
ሕልሞም ክሃንጹ ብናጽነት፣ ብዘይ ስግኣት ማእሰርትን ግፍዕን።

ሰላም'ዩ ዝደሊ ህዝበይ፣ ንኽሓርስ ንኽዘርእ፣
እቶት ምድሩ ብደስታ ክእክብ፣ ጻምኡ ብላህዲ ክበልዕ።

ፋብሪካታት ክዕየያ፣ ዕዳጋታት ክውዕያ፣
ንኡስ ወለዶ ክሰርሕ፣ ሃገር ብልምዓት ክትዓቢ።

ሰላም'ዩ ዝደሊ ህዝበይ፣ ንሕድሕድ ክፋቐረሉ፣
ቂምታን ቅርሕንትን ገዲፉ፣ ብሓድነት ክነብረሉ።

ጎቦታቱ ሰላም ክውረሶም፣ ሩባታቱ ብዓርኪ ክውሕዙ፣
ታሪኹን ባህሉን ክብ ኣቢሉ፣ ንዘለዓለም ክነብር ክሕጎስ።

እወ፣ ህዝበይ ሰላም'ዩ መረצኡ፣ ካልእ ትምኒት የብሉን፣
ነዛ ናፍቖት እዚኣ ንስምዓያ፣ ንሰላም ኢደይ ኢድካ ንበል።

ሰላም ንህዝበይ፣ ሰላም ንዓደይ፣
ሰላም ኣብ ምድሪ፣ ከምቲ ሰላም ኣብ ሰማይ።

✟✟✟    ✟✟✟በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ ፡  አሜን።✟✟✟ ጥንተ ስቅለቱ ለመድኀኒነ ✟✟✟ መጋቢት 27 ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ጎይታናን መድኀኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምእ...
05/04/2025

✟✟✟ ✟✟✟

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ ፡ አሜን።

✟✟✟ ጥንተ ስቅለቱ ለመድኀኒነ ✟✟✟

መጋቢት 27 ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ጎይታናን መድኀኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ድሕነት ደቂ ሰባት አብ መስቀል ተሰቐለ። ፀሐይ ድማ ፡ ፈጣሪኣ አብ ዕንጨይቲ መስቀል ተሰቒሉን ተዘርጊሑን ምስ ርአየት ጸልመተት። ንሱ ድማ ካብ እምበይትና ቅድስት ድንግል ማርያም ወላዲተ አምላክ ፡ ዝነስኣ ፡ ለባዊትን ነባቢትን ነፍሱ ብፍቓዱ ካብ ሥጋኣ ፈለያ። እታ ነፍሲ ድማ ካብ ስጋኣ ተፈልያ ፡ ካብ መለኮት ብዘይ ምፍላይ (አብኡ ንዝነበሩ ነጻ ንምውጻእ) ናብ ሲኦል ከደት። ሐዋርያ ጴጥሮስ “ብስጋ ምዉት እንትኾን ፡ ብመለኮት ሕያው እዩ” ከም ዝበለ። አብቱ ጊዜ ድማ ሥጋ ካብ መለኮት ብዘይ ምፍላይ አብ ዕንጨይቲ መስቀል ተሰቒሉ ነበረ። ከምኡ እውን ነፍስ ምስ መለኮት ሐደ ኾይና ፡ ንእሱራት ንምፍታሕ ናብ ሲኦል ወረደት።
ንሱ አብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል ልዕል ዝበለ ልዑለ ባሕርይ ፡ ምስ አብን መንፈስ ቅዱስን አብ ዙፋን ጕይትነቱ ተቐሚጡ ዘሎ እዩሞ ፡ ዓርሱ ሠዊዑ ንዘድሐነና ፡ ብውሕዘት ደሙ ድማ አፍ ደገ መንግሥቱ ንዝኸፈተልና ፡ ልእኡ ድማ ክብርን ምሥጋናን ፡ አምልኮትን ስግደትን ልዘለዓለመ ዓለም ይኹን ፡ በረከት መስቀሉ እውን አብ ልዕሌና ይሕደር ፡ አሜን።

ዐርኬያት

ሰላም ለሕማማቲከ በተጸፍዖ መልታሕት ከመ ዕቡስ
በተቀሥፎ ዘባን ዓዲ ወተኰርዖ ርእስ
እንዘ መላኪሆሙ አንተ እግዚአብሔር ንጉሥ
ኢያፍርሁኒ ቀታልያኒሃ ለነፍስ
እስመ ማኅተምየ ደመከ ቅዱስ።

ሰላም ለስቅለትከ መልዕልተ ቅዱስ ጸልቦ
ለቅንዋቲከ ካዕበ ወለርግዘትከ ገቦ
ኢየሱስ ክርስቶስ መቅለሌ ነገር ለዘዐፀቦ
ከመ እባእ በአርእዮቱ ገነተ ኅሩያን ኀበ ቦ
ለመዝራዕትከ ሀበኒ ማዕተቦ።

ሰላም ለጸዓተ ነፍስከ እምነ ሥጋ ፍሉጠ
ወለግንዘትከ በዕፍረት ዘእደ ዮሴፍ ጸዓጠ
አመ ወረድከ እግዚኦ ቈላተ ደይን ውሥጠ
ኀይለ ስብሐቲከ ጽንዐ መንሠጉ ቀጥቀጠ
ወገሃነም ቄዐ ነፍሳተ ዘውኅጠ።

✟✟✟ አባ መቃርስ ዐብዪ ✟✟✟

ካብኡ እውን ብዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ መብራህቲ (ፋና) ገድሊ ገዳም ፡ አቦ ኩሎም መነኮሳት ገዳመ አስቄጥስ ኽቡር አቦ አባ መቃርስ ዓብዪ አዕረፈ ። እዚ ቅዱስ አቦ ድማ ካብ ደቡብ ግብጺ፣ ዞባ መኑፍ ፡ ካብ ደቂ ሀገረ ሳሱይር ኮነ። ወለዱ እውን ጻድቃንን ሕያዎትን እዮም።

ስም አቡኡ (ካህን) አብርሃም እዩ። ሰም አደኡ ከዓ ሣራ እዩ። ንሳ ድማ ከም ሣራን ኤልሣቤጥን ብትእዛዝ እግዚአብሔርን ብትሕትናን ትጓዓዝ ነበረት። አቡኡ እውን ወትሩ ብፈሪሃ እግዚአብሔር፣ ብቅድስናን ብንጽሕናን አብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ዘገልግል ካህን እዩ። እግዚአብሔር ድማ አብ ልዕሊኦም በረኸቱ አሕደረ። በኹሉ ሥራሕቶም ድማ ልዕል ልዕል አበሎም። ንድኻታትን ንዝተጸገሙን እውን ይምጽውቱ ነበሩ። ንኹሎም ዝተሸገሩ ሰባት ድማ ይሐዝኑሎም። ወትሩ እውን ብጾምን ብጸሎትን ይጋደሉ ነበሩ።
ነገር ግን ውሉድ አይኾነሎምን። እሞ ውሉድ ብምስኣኖም ንነዊሕ ጊዜ ናብ እግዚአብሔር ውላድ ክህቦም ይጽልዩ ነበሩ። ሓደ ግዜ አቦ ብዙኃት መነኮሳት ዝኸውን ዓብዪ ውላድ ከም ዝረኽቡ ካብ እግዚአብሔር ዝተላእኸ መልአኽ ነገሮም። ሽዑ አቡነ መቃርዮስ (መቃርስ፡ መቃሪ፡ መቃራ) ብዕለት ፲፬ (14) መስከረም ተወልደ። ስሙ ከምዚ አቐዲሙ ዝተጠቕሰ መቃርዮስ አውጽኡሉ። ። ንዓቕሚ አዳም ምስ በጽሐ ሓንቲ ጓል ዓበይቲ ንሱ ከይፈተወ አሕጽዮም አመርዓውዎ። ንሱ ግና ምእንቲ ሥጋዊ ርክብ ከይፍጽም ሓሚመ ብምባል ንነዊሕ እዋን ጸንሐ። ድሕሪኡ ነቡኡ ካህን አብርሃም “አቦ አነ ናብዚ ገዳም ከይደ ማየ ጸሎት ተሓጺበ ክመጽእ ሕደገኒ” በሎ። አቡኡ ከዓ “ሕራይ እዚ ወደይ ተሓጺብካ ምጻእ” ብምባል አፍቀደሉ። አቡነ መቃርስ አብዚ ገዳም እዚ ኰይኑ እናጸለየ እንተሎ ሓደ በዓል ፮ (6) አኽናፍ ኪሩብ መጺኡ ብኽልተ አእዳዉ ሒዙ ፡ ናብ እምባ አደየቦ።
እዛ ገዳም እዚኣ ስምካ ዝጽውዓላ ናይ ደቅኻ ብመንፈስ እትወልዶም መንበሪ ክትከውን እያ ኢሉ ስፍሓታ፡ ጐድና፡ ጽባቔኣ አርአዮ። ካብዚ ገዳም እዚ ናብ እንዳ ዓለቡኡ ማለት ናብ ወለዱን መርዓቱን እንተ ተመልሰ፡ እታ መርዓቱ ሓሚማ ሞይታ ጸንሐቶ። ንሱ ተሓጒሱ ናብ ፈጣሪ ምስጋና ኣቕረበ።
እቶም ደቂ ዓዱ ደቂ ሳሱዩር ትሕትናኡን ሓቅነቱን፡ ትምህርቱን ርእዮም ካብ መዓርገ ዲቁና ክሳብ መዓርገ ክህነት ኣውሂቦም ቤተክርስቲያን ሃኒጾም ኣገልግለና በልዎ። ድሕሪ ነዊሕ ኣገልግሎት እቲ ኣቐዲሙ ዝተራእዮ በዓል 6 ክንፊ ኪሩብ ተገሊጹ፡ ኣብታ ዝሓበሮ ገዳም ኣስቄጥስ (መደልወ ኣልባብ) ክነብር ሓበሮ። እዚ ቦታ እዚ ብስም እቶም ደቅኻ መክሲሞስን ዱማቴዎስን ዝስመ እዩ። ኣብዚ ገዳም እዚ ኾይኑ ብፈተና ኣጋንንትን ብጾምን ጸሎትን ድሕሪ ምጽናሕ ብዛዕባ ብሕትውና ዝምልከት ምኽሪ ንምርካብ ናብ አቡነ እንጦንዮስ ከደ።
አቡነ እንጦንዮስ ናብኡ ይመጽእ ከምዘሎ ብመንፈስ ስለ ዝተገልጸሉ ከም ሓደ ኣቦ ጠፊኡ ንዝነበረ ወዱ ዝቕበሎ ብዓቢይ ክብርን ሰላምታን ተቐበሎ። አቡነ መቃርዮስ ዘምጽኦ ሕቶታት ብዛዕባ ፈተና ኣጋንንት ዝምልኸት ካብ መጀመርታ ክሳብ መፈጸምታ ተረዲኡ ናብ ቦትኡ ተመልሰ። ሓደ መዓልቲ ፍርቂ ለይቲ ኣብ ጸሎቱ ጐይታ ድምጺ ኣጋንንቲ ክሰምዕ ገለጸሉ እሞ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ድምጺ ኣጋንንት ሰምዐ። “ነዚ ፈላሲ እዚ ኣብዚ ቦታ እዚ ክቕመጥ ስቕ ኢልና እንተ ሓዲግናዮ፡ ንሱ ናይ ብዙሓት ኣመንቲ መራሒ ኰይኑ ሕዝቢ ኣኪቡ ሃገር ሰማያውን ምእንቲ ከይገብሮም ንዑ ተኣኪብና ንስጐጎ” ዝብል ድምጺ ነብረ። ነዚ ምስ ሰምዐ ንዝገለጸሉ ጐይታ ኣመስጊኑ በቲ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝሓበሮ ኣንጻር ኣጋንንቲ ዝኾነ መሳርያታት ጾም፡ ጸሎት፡ ስግደት ክዋጋእ ጀመረ። እቶም ኣጋንንት ተኣኪቦም ሓዊ ኣንዲዶም ናብ ኣፍ ደገ በዓቱ ካብቲ ሓዊ ይስንድዉሉ ነበሩ። እቲ ዝደርበይዎ ሓዊ ከኣ ብጸሎቱ ይጠፍእ ነበረ። ከምኡ ውን ብዝተፈላለየ ፈተናታት ፈተንዎ፡ ማለት ብዝሙት፡ ብሓጐስ ዓለም፡ ብጓሂ ብትዕቢት፡ ብፍቕሪ ገንዘብ፡ ብኽብሪ ዓለም፡ ብትምክሕቲ፡ ብፍርሂ፡ ብትህኪት፡ ብጸርፊ፡ ብቀቢጸ ተስፋ፡ ብቓንዛ . . ወዘተ ከምቲ አቡነ እንጦንስ ዝነገሮ ፈተንዎ።
ንኻልኣይ ግዜውን ናብ ኣቡነ እንጦንዮስ ከይዱ ዘጋጠሞ ኩሉ ነገሮ። ኣቡነ እንጦንዮስ እዚ ወደይ ኣጆኻ ጽናዕ፡ በርትዕ ኣይትፍራህ ምኽንያቱ ንሕና ንኹሉ ዝመጸና ናይ ኣጋንንት ፈተነታት ተዓጊስና ንዝመጽእ _ ወለዶ አብነትን መምህራንን ክንከውን ይግብኣና እዩ።
አብዚ ጊዜ እዚ አቡነ እንጦንዮስ “እዚ ወደይ እታ ማይ ክትቀድሕ ክትከይድ ከለኻ እቲ ኪሩብ ዝነገረካ ሕድሪ ኣይትረስዕ” በሎ። ኣቡነ መቃርዮስ ብትምህርቲ ኣብ ትሕቲ ኣቡነ እንጦንዮስ ነዊሕ ጸኒሑ ኣቦ ኣመንኩሰኒ ምስ በሎ ስለዘመንኮሶ፡ በዚ ምኽንያት እዚ ኣቦን ወድን ተባህሉ።
ኣቡነ እንጦንዮስ “እግዚአብሔር ድሕሪ ሓጺር ግዜ ክጽውዓኒ እዩሞ መጺእካ ቅበረኒ” ኣቡነ መቃርዮስ ሐራይ ኣቦይ መዓረይ። ኣቡነ እንጦንዮስ ብምኽርን ለበዋን መቃርዮስ ወደይ ጥራይ ዓቕሊ ግበር እምበር ከምቲ ንዓይ ዝሓገዘኒ እግዚአብሔር ኣምላኽ ካብ ፈተና ኣጋንንት ክሕልወካ እዩ ኢሉ እታ በትሩ _ ሃቦ። ከምታ ቃሉ ከኣ ብኢድ ኣቡነ መቃርዮስ ወዱ ተቐብረ።
ድሕሪኡ ኣቡነ መቃርዮስ ቅድሚኡ ኣብታ ዝተዋሃበቶም ገዳም መን ከም ዘሎ ክፈልጥ እንተኸደ ክልተ ክዳን ዘይተኸድኑ ጥራይ ነብሶም ሰባት ረኸበ ሰይጣውንቲ እዮም ዝኾኑ ኢሉ “ኣልቦትበረቦን” (ኣቡነ ዘበሰማያት) ኢሉ እንተጸለየ፡ ንሳቶም “ኦ መቃርዮስ ኣይትፍራህ” በልዎ። ኣቡነ መቃርዮስ “እንታይ ድኣ ጥራይ ነፍስኹም፡ ቁርን ፀሓይን ከመይ ጌርኩም ትጻወሩ” እንተበሎም፡ ንሳቶም “እግዚአብሔር ስለ ዘኽኣለና ቁርን ፀሓይን ከይረኸበና ንኣርብዓ (፵)/40 ዓመት ኣብዚ ንነብር” በልዎ። ንሱ ኣነ ድኣ ከምዚ ናትኹም ክኸውን ከመይ ገይረ እየ ዝኽእሎ፡ እንተበሎም፡ ንሳቶም “ኣብ በዓትኻ ተቐሚጥካ ብዛዕባ ሓጢኣትካ እንተበኪኻ ከማና ክትከውን ኢኻ ኢሎም ባሪኾም ነናብ በዓቶም ከዱ።
አብኡ ከኣ ብደቁ ዝተሰርሐ መሕጸቢ ማይ ዒላ ወይ ጉድጓድ ነበረ እሞ ኣቡነ መቃርዮስ ክሕጸብ ከሎ ኣጋንንት ብጉሩብ መጺኦም ናብቲ ዒላ ደፍእዎ፡ ንኽመውት ፍቓድ አምላኽ ስለ ዘይኾነ ደቁ መጺኦም ካብቲ ዝወደቖ ዒላ አውጽእዎ።

ንቅዱስ ኣቡነ መቃርስ፡- ናብተን ክልተ አንስቲ ኪድ በሎ። እዘን ክልተ አንስቲ እዚኣተን ክልተ አሕዋት ዝኾኑ ሰብኡት ተመርዕየን ብሓድነትን፡ ፍቕርን ይነብራ ነበራ። ቆልዓ ኣብ ዝወለዳሉ ግዜ ውን ብዘይ ኣፈላላያ ናይታ ሓንቲ ቆልዓ እታ ሓንቲ፡ ናይታ ሓንቲ ውን እታ ሓንቲ እናኣጥበዋ የዕብያ ነበራ። ጋሻ ለማናይ እንተ መጽአን እውን ተቐቢለን ሓደ እግሩ እታ ሓንቲ፡ ሓደ እግሩ እታ ሓንቲ የሓጽብኦ ነበራ። ከምኡ እውን ሓደ ኣረጊት ከልቢ ነበረ፡ ንዕኡ እውን ሓንቲአን ምሳሑ፡ ሓንቲአን ድራሩ፡ እናሃባ ይረድእኦ ነበራ። ኣቡነ መቃርዮስ ከምታ ዝተኣዘዛ ናባታተን ይኸይድ እሞ ከምታ ልማደን ሓንቲ እግሩ እታ ሓንቲ፡ ሓንቲ እግሩ ከኣ እታ ሓንቲ ሓጸብኦ። እዘን ደቐይ ናብራኽን ከመይ እዩ፧ እስከ ግለጻለይ በለን። ንሳተን ከኣ ናብራና እንታይ ክሕተት ዓለማውያን ኢና ስብኡት ኣለዉና እናወለድና እናዘመድና፡ ቤት ንብረት ገዚእና ንነብር በልኦ። ኣይፋልክንን፡ ካብ ኣምላኽ ብትእዛዝ እየ መጺአ ኩሉ ግብርኽን ብዘይተረፍ ንገራኒ በለን። ንሳተን እምበኣርከስ ሰብኡትና ክንምንን እንተበልና ዘይሰዱና ስለዝኾኑ ደቅና ከነዕቢ ኢልና ኢና እምበር ኣብዚ ዓለም'ዚ ንምንባር ፍቓደኛታት ኣይኮንናን። ናትና ድሌትሲ ነዚ ዓለም'ዚ ጠንጢንካዮ ምኻድ እዩ። ስራሕና ከኣ ከምዚ ትርእይዎ ዘሎኹም፡ ጋሻ ምቕባል፡ ተቐቢልና ነዚ ኣረጊት ከልቢ ብጽቡቕ መጊብና (ረዲእና) ቆልዑት እኳ እንተወለድና ናይ ሓንቴና፡ እታ ሓንቲ፡ ናይታ ሓንቲ እታ ሓንቲ ኣጥቢና የዕቢና ኢና ንነብር በላኦ።
ቅዱስ አቡነ መቃርዮስ እዚአተን እኳ ዓለማውያን እንከለዋ ከምዚ ጌረን ዝተጋደላ ኣነ ድኣ እንታይ ግብሪ ኣሎኒ ክብል እየ ብምባል ትሕትና ተማሂሩ ከደ። ክኸይድ ከሎ እቲ ዝበለጸ ግብርኽን ናይዚ ኣረጊት ከልቢ እዩ እሞ ከይትገድፍኦ ሓደራኽን ኢሉ ተላበወን።
እባ መቃርስ ብዙሓት ተአምራት ገበረ። ሓንቲ ምስ ሓደ መንእሰይ ዝሙት ዝፈጸመት ጓል እቲ ዝተራኸባ ወዲ “ወለድኺ ካብ መን ጠኒስኪ ምስ ዝብሉኹ፡ እቲ ኣብታ በዓቲ (ቤተክርስቲያን) ዘሎ ፈላሲ ብኡኡ ክሓልፍ ከለኹ ብሓይሊ ሒዙ ዓሚጹኒ ጠኒሰ ትብሊ” በላ። እታ ጓል ትጠንስ እሞ ወለዳ እንተሓተትዋ ከምቲ እቲ ወዲ ዝበላ ኢላ መለሰትሎም። ቤተሰባ ነዚ ነገርዚ እዚ ምስ ሰምዑ ብቚጥዓ፡ ብብዝሒ ተኣኪቦም ንኣቡነ መቃርዮስ ካብቲ በዓቲ ኣውጺኦም፡ ሒዞም ክሳብ ክመውት ዝደሊ ከትከትዎ።
እቲ ድንግልና ጓልና ዘጥፍአ ሰብ እዚ እዩ ብምባል ከም ሓደ ዕቡድ (ጽሉል) ኣብ ክሳዱ ገመድ ኣሲሮም ገጹ ብጸሎሎ ለኽዮም፡ ንየማን፡ ንጸጋን እናወጠጡ ኣብቲ ዓዲ ኣዘርዎ። ኣብዚ ግዜ እዚ መላእኽት ብመልኽዕ ደቂ ሰባት ተገሊጾም “እዚ ሰብ እዚ እንታይ እዩ ፈጺሙ፡ ካብ ቀደም ኣትሒዝና ንፈልጦ ኢና፡ እዚ ትብልዎ ዘለኹም ፈጺሙ ሓሶት እዩ ኣይወዓሎን” ኢሎም መስከሩሉ። ቅርብ ኢሎም እውን ነቲ ተኣሲሩሉ ዝነበረ መእሰሪ ገመድ ፈትሑሉ። ብዋሕስ ንኽለቅዎ ውን ነገርዎም። ኣብዚ ግዜ እዚ ኣቡነ መቃርዮስ ቀደም ዝሰርሖ ዝነበረ ስሌን ተቐቢሉ ዝሸጠሉ ዝነበረ ፈታዊኡ ቀልባ ድማ ይብሃል እምበር ስቕ ኢልካዶ ይቕጥቀጥ እዩ ኢሉ ተዋሕሶ። ካብ ኢድ እቶም እኩያት ሰባት ወጺኡ ናብ በዓቱ ከደ።
ኣቡነ መቃርዮስ ቀልባ ስለ ዝተባህለ ኣብ በዓቱ ኰይኑ፡ ቅርጫት፡ መብልዒ እንጀራ ስሪሑ ነቲ ዋሕስ፡ እቲ ዋሕስ ከኣ ተቐቢሉ ሸይጡ ነታ ሓሳዊት ጓል ቀለብ የብጽሓላ ነበረ። እታ ካብ ካልእ ዝጠነሰት ጓል ግዜ ሕርሳ ኣኺሉ ሕርሲ ተታሒዛ ምውላድ ስኢና ንኣርባዕተ መዓልቲ ተጻዕረት። ኣዲኣ “እዛ ጓለይ እንታይ ኢኺ ግዲ ጌርኪ” እንተ በለታ “እወ ኣደይ ኣነ ክመውት ይግብኣኒ እዩ፡ ምኽንያቱ ምስ ሓደ መንእሰይ ንዝፈጸምክዎ ዝሙት ንዘይገበሮ ኣባ መቃርዮስ ስለ ዘላገብኩሉ ሓጢኣተይ እዩ” ኢላ መለሰት። ሕጂውን ከምቲ ቀዳሞት ቤተሰባ ነዚ ነገር እዚ ምስ ሰምዑ፡ ተኣኪቦም መጺኦም ንዝገበርዎ በደላት ክሓድገሎም ለመንዎ። ኣቡነ መቃርስ ከም ኣምላኹ ሓዳግ ስለ ዝነበረ፡ ሥርየት ሂቡ ቅዳሴ ሠሪዑ ኣቊረቦም። (ኣብ ማር ይስሓቅ ምዕ 32 ይቅረ በለልና ክብሉ እንተመጹ ካብ በዓቱ ወጺኡ ስለ ዝነበረ ክረኽብዎ ኣይከኣሉን ይብል፡ ካልኦት ጽሑፋት ግና ከምዚ ዝተጠቕሰ ስለዚ ኣንበብቲ ንኹሉ መርምርዎ ይብሉ።)
ካብኡ እውን ፡ ጓል ንጉሥ አንጾኪያ ርኹስ መንፈስ ሓዲርዋ ስለ ዝነበረ ከም ሓደ መንእሰይ ኾይና መጸቶ እሞ ብጸሎቱ ኣሕውዩ ፈዊሱ ናብ ወለዳ፡ ኣቦኣን ኣደኣን ሰደዳ። ኣቦኣ ንጉሥ ስለ ዝኾነ ብዙሕ ብሩርን ወርቅን እንተሃቦ ምቕባል አበየ።
ካልእ ድማ ፡ ሓደ ፈላሲ በዓል ናይ ትንሣኤ ሙታን ጥርጥር ነበሮ። ከምኡ እውን “ትንሣኤ ሙታን የለን” ብምባል ንብዙሓት ሰባት ዘስሐተ ነበረ። አቡነ መቃርዮስ ካብ መቓብር ምውት አተንሢኡ አእመኖ። እቲ ካብ ሞት ዝተንሥአ ከጠምቖ ለመኖ። አጥሚቑ አመንኲሱ ድሕሪ (7) ፯ ዓመት ናብ ዝነበሮ ሞት ብጽድቂ ከደ።
ቅዱስ ኣቡነ መቃርዮስ ግዜ ሞቱ ምስ ኣኸለ፡ ድሕሪ (97) ፺፯ ዓመት አዕረፈ።አባ በብኑዲ ድማ አፍሲ ቅዱስ አባ ምቃርስ ብኽብሪ ከም ዝዐረገትን ሰይጣውንቲ እውን “ኦ ምቃሪ ስዓርካና ! ሰዓርካና!” እናበሉ እንተእውዩ ከም ዝሰምዐን ምስክር ኮነ። አማላድነቱን በረኸት ጸሎቱን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ትኹን ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለመቃርዮስ ዘየዓቢ ክብሩ፡
እስመ ዓቀበ መርዔቱ ለእንጦንዮስ በበትሩ፡
እምነ አሐዱ አሐዱ እንበለ ይሕፅሩ፡
ሶበ ዕሩየ ደቂቁ ምግባራተ ጽድቅ ገብሩ፡
መዳልወ አልባብ ተስምየት እስከ ዮም ደብሩ።

✟✟✟ ገላውዴዎስ ንጉሠ ኢትዮጵያ ✟✟✟

ካብኡ እውን ፡ ብዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ወዲ ሃይማኖቱ ዝቐንዐ ፡ ንጉሥ ልብነ ድንግል (ዝኾነ) ሰማዕት ገላውዴዎስ ንጉሥ ኢትዮጵያ ኽሳዱ ዝተቖረጸሉ ኮነ። በረከት አምላኹ ምሳና ትኹን ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለዝክረ ስምከ ከመ ዝክረ ነቢያት ትሩፍ
ዘተጽሕፈ ቅድመ በርእሰ አሐቲ መጽሐፍ
ገላውዴዎስ ክቡር ሊቀ ሰማዕታት አእላፍ
በኃምስ ዓም እም ድኅረ ሞትከ በሰይፍ
እም ገጽከ ውኅዘ ወተክዕወ ሐፍ።

ልእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለኣና እውን ብጸሎት ቅዱሳኑ ይምሐረና ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

15/03/2025

ሸክምኩ ዝከበደኩም ንዑ ናባይ....!

Dirección

San Sebastián De La Gomera

Notificaciones

Sé el primero en enterarse y déjanos enviarle un correo electrónico cuando ነኣምን ቅዱሳን publique noticias y promociones. Su dirección de correo electrónico no se utilizará para ningún otro fin, y puede darse de baja en cualquier momento.

Contacto La Empresa

Enviar un mensaje a ነኣምን ቅዱሳን:

Compartir

Categoría