Segar Media - ሰጋር ሚድያ

Segar Media - ሰጋር ሚድያ እሙን መረዳእታ፥ፅፁይ ሓበሬታ !!

እዋናዊ መግለፂ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይብስም ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ሎሚ 15 ጥሪ 2017ዓ.ም ዕላዊ ኣብ ዝኾነ መግለፂ ካብ ተልእኾኦም ወፃኢ ንሓደ...
23/01/2025

እዋናዊ መግለፂ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ

ብስም ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ሎሚ 15 ጥሪ 2017ዓ.ም ዕላዊ ኣብ ዝኾነ መግለፂ ካብ ተልእኾኦም ወፃኢ ንሓደ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ወጊኖም ግዝያዊ ምምሕዳር ናይ ምፍራስ፣ ስርዓት ኣልቦነት ናይ ምንጋስን ሰራዊት ናይ ምብታንን ቅሉዕ ምንቅስቓስ ይገብሩ ምህላዎም ኣፍሊጦም ኣለዉ።

እዚ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ዘይፈልጦን ብዝኾነ ይኹን መዐቀኒ ድማ ሕጋዊነትን ሞራላዊ ቅቡልነትን ዘይብሉ ዘይንቡር ተግባር እዩ። ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ነዚ ዘይንቡር ውሳነ ኣዘዝቲ ሰራዊት ንምርኣይ ህፁፅ ኣኼባ ፀዊዑ ኣሎ። ነቲ ኩነታት ድሕሪ ምርኣይ ድማ ንህዝብና ዝርዝር መብርሂ ክንህብ ኢና።

ትሕዝቶ ናይዚ ብሽም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝወፅአ ቅዋም ብግልፂ ዕልዋ መንግስቲ ዝኣወጀን ውዕሊ ፕሪቶሪያ ናብ ሓደጋ ዘእቱን እዩ። ንመላእ ህዝብና ናብ ሓደጋ ዘእቱ ሓላፍነት ዝጎደሎ ውሳነ እውን እዩ። እቲ ሓላፍነት ዝጎደሎ ውሳነ ኣብዚ ጥራሕ ጠጠው ኣብ ክንዲ ዝብል ተፃዲፉ ናብ ታሕቲ ክወርድ ምንቅስቓሳት ይግበሩ ኣለው። እዚ ብህፁፅ ደው ክብል ኣለዎ። እንተዘይኮይኑ ሓድነት ህዝብናን ሓይልታት ፀጥታናን ናብ ሙሉእ ሓደጋ ከምዝጥሕል ክፍለጥ ኣለዎ።

መላእ ሓይልታት ፀጥታ እውን እዚ ዘይሕጋዊ ውሳነ ፀገም ህዝብና ዘጋድድ ኣዋጅ ኩናን ስርዓት ኣልቦነትን ምዃኑ ብውነ ተገንዝብኩም በፅንዓት ክትነፅጉዎን ካብዚ ወፃኢ ዝመፅእ ዝኾነ ዓይነት ትእዛዝ ተግባራዊ ከይትገብሩን ነፍልጥ።

ቤት ፅሕፈት ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ
15 ጥሪ 2017ዓ.ም
መቐለ

#ሰጋርሚድያ

መልእኽቲ ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ጉዕዞ ሰመራ ብዝምልከት:-"ልኡኽ ጊዝያዊ ምምሕድዳር ትግራይ ሎም ኣብሰመራ ምስ ፕሬዝደንት ሓጅ ኣወል ዓርባን መሳርሕቶምን ተራኺብና ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ ህ...
02/10/2024

መልእኽቲ ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ጉዕዞ ሰመራ ብዝምልከት:-

"ልኡኽ ጊዝያዊ ምምሕድዳር ትግራይ ሎም ኣብሰመራ ምስ ፕሬዝደንት ሓጅ ኣወል ዓርባን መሳርሕቶምን ተራኺብና ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ዝነበረ ታሪኻዊ ሕውነታዊ ርክብ ናብ ንቡር ንምምላስን ሓባራዊ ፀጥታ: ሰላምን ልምዓትን ንምርግጋፅን ኣብዘክእሉ ኣጀንዳታት ምይይጥ ኣካይድና'ለና:: ኣብ ሞንጎና ሓርፊፉ ዝነበረ ርክብ ናብ ንቡር ክምለስ ብሙሉእ ልቢ ክንሰርሕ'ውን ተረዳዲእና'ለና:: ርክብ ህዝብ ንህዝቢ ቀልጢፉ ክጅምር: ካብ ክልቲኡ ወገን ብግጭት ምኽንያት ዝተፈናቐሉ ዜጋታትና ናብ መንበሪኦም ክምለሱ: ዝተዓፀው መገዲታት ክኽፈቱ: ጠጠው ዝበሎ ምድግጋፋት ክጅመሩ:ብክልቲኡ ወገን ምርድዳእ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ይኹን ኣብ ዓፋር ሕቶ ዘለዎም ፓለቲካዊ ውዳበታት ናብማኣዲ ሰላም ኣብዝምለሱሉ መገዲ'ውን ብሓባር ክንሰርሕ: ከምኡ'ውን ደረቕ ገበን ፈፂሞም ካብ ሓደ ክልል ናብቲ ካልእ ንምሕባእ ዝፍትኑ ተጠርጠርቲ ብሕጋዊ ኣግባብ ዝተኣናገዱሉ ኩነታት ኣብ ምፍጣርን ሓፈሻዊ ምርድዳእ በፂሕና'ለና:: ንኣፈፃፅማ እዚ ምርድዳእ በቢብርኩ ዘለው ናይ ስራሕ ሓለፍቲ በቢጊዚኡ እናተራኽቡ ንግብራውነቱ ክሰርሑ ተሰማሚዕና'ለና::"

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ናብ ዓፋር ተጓዒዙ ዘካየዶ ዘተ ዝነኣድ ምዃኑ ይግለፅ ..*****/*****ሎምዓንቲ ብፕሬዝደንት ግዜያዊ መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ልኡኽ ምስ ኣመራርሓ ክ...
02/10/2024

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ናብ ዓፋር ተጓዒዙ ዘካየዶ ዘተ ዝነኣድ ምዃኑ ይግለፅ ..
*****/*****
ሎምዓንቲ ብፕሬዝደንት ግዜያዊ መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ልኡኽ ምስ ኣመራርሓ ክልል ዓፋር ኣብ ሰመራ ዘተ ኣካይዱ እዩ።

እዚ ዘተ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ብዝለዓለ ብርኪ ሓርፊፉ ናይ ዘሎ ርክብ ክልቲኡ ህዝብታት ናብ ንቡር ምሕዝና ንምምላስ ዓብይ ግደ ክህልዎ ምዃኑ ይእመን።

ብፍላይ ድማ ዕጡቓት ዓፋር ናብ ትግራይ ኣትዮም ንፁሃት ይቐትሉ፣ የቑሱልን ከምኡ እውን ከፍቲ ተጋሩ ድማ ሰሪቖም ይወስዱ ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ ነዚ ደው ንምባል ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ፃዕሪ እናካየዱ ይርከቡ።

ብተወሳኺ ኣብ እዋን ኩናት ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ተጋሩ ካብ ዓፋር ተመዛቢሎም ኣብ መዕቖቢ ማእኸላት ዝርከቡ ከምዘለውን ናብ መንበሪኦም ክምለሱ፣ ብፍላት ድማ እቶም ካብ ሽኸት ዝተሰጎጉ ተጋሩ ብህፁፅ ክምለሱ ትፅቢት ይግበር።

ፕረዚዳንት ጌታቸው ልክዕ ከምቲ ኣብ ዓፋር ዘካየድዎ ዘተ ናብ ካልኦት ክልላት ብምምራሕ ብሄራዊ ረብሓታት ትግራይ ከውሕሱ ከምዝግባእ ርኢቶ ብዙሓት ኣካላት እዩ።

ሰጋር ሚድያ

 ብፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር  ትግራይ  ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝተመረሐ ጉጅለ ሰመራ ኣቲዩ ርክብ ናይ ክልቴኡ ህዝቢ ንምሕዳስ ዘኽእል ዘተ ይገብር ኣሎ። ኣማሓደርቲ  ዞባ ደቡብን ደቡብ ምብራቕ...
02/10/2024



ብፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝተመረሐ ጉጅለ ሰመራ ኣቲዩ ርክብ ናይ ክልቴኡ ህዝቢ ንምሕዳስ ዘኽእል ዘተ ይገብር ኣሎ።

ኣማሓደርቲ ዞባ ደቡብን ደቡብ ምብራቕን ምብራቅን ዘካተተ ጉጀለ ልኡክ ትግራይ ፣ አብ ክልል ዓፋር ርእሰ ከተማ ሰመራ እንትበፅሕ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር አወል አርባ ምስ ካብኔኦም ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣቀባብላ ገይሮምሎም ኣለው ።

ህዝቢ ክልቴኡ ክልላት ብሰላምን ልምዓትን ተኣሳሲሮም ኣብ ዝሰርሕሉ ዘድሃበ ኣንትኾን ኣብቲ መድረኽ ዘተ መመያየጢ ሓሳባት

📌 ጎንፂ እንተጋጥም እንታይ ክስራሕ ከምዝግባእ ተመያይጥካ መፍትሒ ምቅማጥ

📌 ክልቴኡ ህዝቢ ብልምዓት ንምትእስሳር ክግበር ዘለዎን ቀጸልቲ ናይ ሓባር ስራሕቲ ምፍላይ

📌ናይ ዞባታት፣ወረዳታትን ጣብያታትን ርክብ ምጥንኻር

📌ኣብ ክልቴኡ ክልላት ዘለው ተመዛብልቲ ኣብ ዝምለስሉ ብቀዋሚ እግሪ ክተክሉ ኣብ ምግባር

📌ብዝትፈጠረ ጎንፂ ዝተጎድኡ ወገናት ካሕሳ ምሃብን

📌ብሓፈሻ ዝተዓፀወ መንገዱ ክክፈትን ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ክጠናኸር ምግባር

📌ውሕስና ዘለዎ መንገዲ ትራፊክ ምንቅስቃስ ክሕሉ ምግባርን ኣብ ካልኦት ጉዳያት ዘድሃበ ዘተ ይግበር ኣሎ።

ብፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር  ትግራይ  ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝተመረሓን ኣማሓደርቲ  ዞባ ደቡብን ደቡብ ምብራቕን   ዘካተተ ጉጀለ ልኡክ  ትግራይ  ፣ አብ ክልል ዓፋር ርእሰ ከተማ ሰመራ ርክ...
02/10/2024

ብፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝተመረሓን ኣማሓደርቲ ዞባ ደቡብን ደቡብ ምብራቕን ዘካተተ ጉጀለ ልኡክ ትግራይ ፣ አብ ክልል ዓፋር ርእሰ ከተማ ሰመራ ርክባትና ንምሕዳስ ዘተ ከም ዝጀመሩ ተሓቢሩ ።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር አወል አርባ ምስ ካብኔኦም ንጉጅለ ልኡኽ ትግራይ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣቀባብላ ከምዝገበርሎምን ዘተ ይሳለጥ ከምዘሎ ተሓቢሩ ኣሎ ። ተወሳኺ ሓበሬታ ክነስዕብ ኢና ።
ድወት

02/10/2024

"ኢሬቻ ገና ባህርዳር ይከበራል" ይላል አክቲቪስት ሊቀ ሊቃውንት ሞጣ ቀራንዮ 🤔

ብሮየ ሕዚ ነዛ ሊንክ ኣቲኻ ስራሕ ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት Binance ኣብ ዝዕድሎ ዶላር ብፅሒትካ ውሰድ ሕዚ ጀምር። መሓዙትካ ጋብዝ!
27/09/2024

ብሮየ ሕዚ ነዛ ሊንክ ኣቲኻ ስራሕ ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት Binance ኣብ ዝዕድሎ ዶላር ብፅሒትካ ውሰድ ሕዚ ጀምር። መሓዙትካ ጋብዝ!

ናይ ሎሚመግለፂ ካብ ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ጉጅለ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት
18/09/2024

ናይ ሎሚመግለፂ ካብ ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ጉጅለ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት

ፍጠኑ ፍጠኑ!Binance ዶላር ክዕድል እዩ። ፍጠኑ ገና ትማሊ ዝጀመረ ብምዃኑ ብቕልጡፍ መሓዙትኩም ጋብዙ ንስኹም ድማ ጀምሩ
18/09/2024

ፍጠኑ ፍጠኑ!
Binance ዶላር ክዕድል እዩ። ፍጠኑ ገና ትማሊ ዝጀመረ ብምዃኑ ብቕልጡፍ መሓዙትኩም ጋብዙ ንስኹም ድማ ጀምሩ

Address

Addis Ababa
TS

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Segar Media - ሰጋር ሚድያ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Segar Media - ሰጋር ሚድያ:

Share