07/11/2025
እንተ ዝኾነለይስ ናብ ቀደም ተመሊሰ ምሓሽከርኩ ዝብል ዝመስል ጠዓመ ኣርዓዶም እቲ አብ 2013 ዓ/ም እዝተፈጠረ መዕነዋይ ኹናት ንሓለቓኡ ነፃ ከወፅእ ውፅኢት ውድቀት መሪሒነት ፖለቲከኛታት ትግራይ 'ዩ ይብል ኣሎ።
እቲ ዝተፈጠረ መዕነዋይ ኹናት ውፅኢት ውድቀት መሪሒነት ፖለቲከኛታት ትግራይ 'ዩ
AMN PLUS -ትግርኛ 28 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም
እቲ ዝተፈጠረ መዕነዋይ ኹናት ውፅኢት ውድቀት መሪሒነት ፖለቲከኛታት ትግራይ ምዃኑ ኣባል ቤት ምኽሪ ውድብ ዴሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ(ስምረት) ኣይተ ጠዓመ ዓረዶም ገሊፆም።
ኣይተ ጠዓመ ንምምስራት ውድብ ስምረትን እዋናዊ ኩነታትን ብዝምልከት ምስ ጋዜጣ ፕላስ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ከምዝገለፅዎ፤ ስምረት ንኽምስረት ዝገበረ ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ቕልውላውን ውድቀት መሪሕነት ፖለቲከኛታት ትግራይን 'ዩ።
ውድቀት መሪሕነት ፖለቲከኛታት ትግራይ እንትንብል እቲ ብቐዳምነት ዝረኣይ ነበር ህወሓት 'ዩ ዝበሉ ኣይተ ጠዓመ፤ ካብ 1983 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ 2015 ዓ.ም ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክሳብ ዝጣየሽ ኣብ ትግራይ እናመርሐ ምንባሩ ገሊፆም።
እዚ ዝወለዶ ትግራይ ኣብ ኸቢድ ፖለቲካዊ ቕልውላውን ምእታዋን ኸቢድ ዝኾነ ውድቀትን ከምዝገጠማን ብምግላፅ፤ ናይቲ ውድቀት ውፅኢት ድማ እቲ ዝተፈጠረ መዕነዋይን ሓደገኛን ኲናት 'ዩ ኢሎም።
እቲ ኲናት ብውዕሊ ፕሪቶሪያ ምስተዛዘመ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ድማ ኣብ ትግራይ ሓቛፋይ ግዝያዊ ምምሕዳር ንክጣየሽ 'ዩ ዝእዝዝ ዝበሉ ኣይተ ጠዓመ፤ ይኹን 'ምበር እቲ ዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምሕዳር 'ውን ካብቲ ቕድም ኢሉ ዝነበረ ዝሓሸ ዋላ እንተነበረ ክንድቲ ዝድለ ሓቛፋይ ግና ኣይነበረን ክብሉ ተዛሪቦም።
እዚ 'ውን ብዙሓት ፖለቲካዊ ፓርትታት ቕሬታ ክሓድረን ዝገበረ ኸምኡ ዘይተኻተታ 'ውን ምንባረን ገሊፆም፤ ካብ ነባር መሪሕነት ህወሓት ነቲ ዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምሕዳር ዘይምቕባልን ስልጣን ካብ ኢድና ኣምሊጡ 'ዩ ብዝብል ምሉእ ብምሉእ ናይ ምዕንቃፍን ስራሕቲ እናሰርሑ ምፅንሖም ሓቢሮም።
ኣብ መወዳእታ 'ውን እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብሓይሊ ተደፊኡ ካብ ትግራይ ክወፅእ ምኽኣሉ ኣልዒሎም፤ ነዚ ክገብር ዝኸኣለሉ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ግዝያዊ ምምሕዳር ወታደራዊ ኢድ ኣእታውነት ስለዝነበረ 'ዩ ኢሎም።
ከምገለፃ ኣይተ ጠዓመ፤ ብሽም ህወሓት ይንቀሳቐስ ዝነበረ ጉጅለ ዘይሕጋዊ ጉብኤ ኣካይዱ 'ዩ፤ መበል 14 ጉባኤ ህወሓት ብዝብል ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዘይፈቐዶን ዘይተቐበሎን፣ ቁፅፅር ኮሚሽን ናይ ህወሓት 'ውን ምሉእ ብምሉእ ዝነፀጎ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት 'ውን ፍርቅን ልዕሊኡን ዝኾኑ ዝነፀግዎ ወይ ዘይተቐበልዎ ዞባታትን ወረዳታትን ትግራይ 'ውን ዝተገለላሉ ጉባኤ ኣካይዱ 'ዩ።
ኣብቲ ጉባኤ ዝተሳተፈን ዘይተሳተፈን ብዝብል ምስምስ ኣብ ትግራይ ኸቢድ ፖለቲካዊ ቕልውላው ገጢሙ ነይሩ 'ዩ ዝበሉ ኣይተ ጠዓመ፤ ነዚ ስዒቡ እቶም ጀነራላት ተኣኪቦም ነቲ ጉባኤ ዝገበረ ኢና ንድግፍ ዝብል ቅሉዕ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውግንነት ብምሓዞም ምኽንያት ፖለቲካ ትግራይ በትርን ጥይትን ተወሲኽዎ ክብሉ ኣመላኺቶም።
ነቲ ጉባኤ ዘይደገፈ ኣካል ካብ ስርሑ እናተባረረ መሃይኡ እናተመንጠለ ስርሑ እናሰኣነ ካልኦት ምንግልታዕ 'ውን እናገጠሞ ክሳብ መቕተልትን መርሸንትን 'ውን ዝገጠመሉ ኩነታት ምንባሩ ገሊፆም፤ ዜጋታት ትግራይ ብሰንኪ ኣፈላላይ ሓሳብ ተቐቲሎምን ተጨውዮምን 'ዮም ኢሎም።
እዚ ኹሉ ምስተፈጠረ ነቲ ጉባኤ ዘይደገፈ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምክትል ኣቦ መንበር ኾይኑ ይመርሖ ዝነበረ ማይኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ብሽም ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ህወሓት እናተበሃለ ይፅዋዕ ነይሩ ዝበሉ ኣይተ ጠዓመ፤ ስለዚ ብኸምዚ ምቕፃል 'ውን ኸቢድ ብምዃኑ ብሰንኪ እቲ ጉባኤ ገይረ ዝብል ጉጅለ ህወሓት ዝበሃል ፓርቲ 'ውን ተሰሪዙ ክብሉ ተዛሪቦም።
እንድሕር ተሰሪዙ ድማ ብሽም ህወሓት ምንቅስቓስ ብሕጊ ኣይፍቀድን ክብሉ ሓቢሮም፤ ብምኽንያት እዚ 'ውን ሓዱሽ ፖለቲካዊ ፓርቲ ንመስርት ኢልና እቲ ጌታቸው ረዳ ዝመርሖ ህወሓት ይበሃል ዝነበረ፣ ኻልኦት ካብ ህወሓት ወፃኢ ዝነበሩ ደለይቲ ለውጢ፣ ምሁራት፣ መናእሰይን ኻልኦት ኣካላትን ብምዃን ውድብ ዴሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ ምምስራቱ ይዝከር።