Tekeze Media

Tekeze Media Real information

13/11/2025

እዋናዊ ሓበሬታ ካብ ቢሮ ጥዕና ትግራይ

ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ከተማ ጅንካ (Hemirrhagic Fever) ሄሞራጂክ ፌቨር እንታይነቱ ንምፍላጥ ፃዕሪ ዝግበረሉ ዘሎ ሕማም ሚኒስተር ጥዕና ኢትዮጵያ 03 ሕዳር 2018 ዓ/ም ኣብ ዝለኣኾ ህፁፅ ሓበሬታ እቲ ሕማም ከምዝተኸሰተ እቲ ዳህሳስ ኣመላኺቱ እዩ።

ክሳዕ ሕዚ ሸሞንተ ሰባት በቲ ሕማም ተጠርጢሮም፣
ብምትሕብባር ሚኒስትር ጥዕና፣ ኢንስቲትዩት ጥዕናን ቢሮ ጥዕና እቲ ክልልንን መንቀሊ እቲ ሕማም ንምፍላጥን ተወሳኺ ምልባዕ ንምዕጋትን ከይተስፋሕፈሐ ንምቁፅፃርን ህፁፅ መልሲ ወሃቢ ግብሪ ሓይሊ ናፍቲ ቦታ ብምልኣኽ ኣብ ባይታ ዘሎ ጭቡጥ ገምጋምን ምርመራ ላብራቶሪን እናገበረ ከምዝርከብ ካብ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።

ስለዝኾነ ኩሉ ሕብረተሰብን ዝምልከቶም መድረግቲ ኣካላትን ሚኒስተር ጥዕና ተወሳኺ መብርሂ ክሳዕ ዝህብ ክትግበሩ ዝግበኦም ጥንቃቐታት፣ ብኣፍን ኣፍንጫን ካልኦት ክፍሊ ኣካላትን ምፍሳስ ደም፣ ዋዒ፣ ተቕማጥን ተምላስን እንትረአ ብእዋኑ ናብ ትካል ጥዕና ምኻድን ምርመራ ላብራቶሪ ምግባር።

ምልክት ኣብ ዝተርኣየሉ ዝኾነ ሰብ ዘይምንኽኻእን እንትነኽኡ ቅድሚ ምንካእ መከላኸሊ ሜላታት ምጥቃም።

ኩሉ ግዘ ኢድካ ብሳይኒታይዘር ወይ ብማይን ሳሙናን ተሓፂብካ ምፅራይ።

ዝኾነ ትካል ጥዕና ሕሙሟት ፍሉይ ትኹረት ብምግባር ናይ ቫይራል ሄሞሬጂክ ፌቨር(Viral Hemmoragic Fever) ዝመስል ሕማም ምፍላይ፣ ምምርማር፣ ምሕካምን ፀብፃብ ምልኣኽን ከምዘድሊ ካብ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።

ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
04 ሕዳር 2018 ዓ/ም
መቐለ

12/11/2025

ኣብ ዓፋር ዘለዉ ዕጥቛት ናይ ስምረት ኣይኮኑን ኢሉ ኔሩ ጌታቸው ረዳ ግን ሃፍቱ ኪሮስ ምክትል ኣቦ ወንበር ውድብ ስምረት እዩ። ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ግን ብሽማግለ ዓዲ ዋና ተሸምጋሊ ኮይኑ ዝቐነየ እዩ።
ምሕሳው እማ ንእሽተ ትመሰል ነገር ክትህልዋ ኣለዋ። 😁 ባይዘውይ መድረኹ ስለ ዝሓዝኩም እምበር ዓይኒ ዑሙት ሑስተኩም ዘዳምፅ ህዝቢ የለን።

ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝጠሓስ ዘሎ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣመልኪቱ ካብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይዝተውሃበ መግለፂ
08/11/2025

ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝጠሓስ ዘሎ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣመልኪቱ ካብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይዝተውሃበ መግለፂ

08/11/2025
እንተ ዝኾነለይስ ናብ ቀደም ተመሊሰ ምሓሽከርኩ ዝብል ዝመስል ጠዓመ ኣርዓዶም እቲ አብ 2013 ዓ/ም እዝተፈጠረ መዕነዋይ ኹናት ንሓለቓኡ ነፃ ከወፅእ  ውፅኢት ውድቀት መሪሒነት ፖለቲከኛታት ...
07/11/2025

እንተ ዝኾነለይስ ናብ ቀደም ተመሊሰ ምሓሽከርኩ ዝብል ዝመስል ጠዓመ ኣርዓዶም እቲ አብ 2013 ዓ/ም እዝተፈጠረ መዕነዋይ ኹናት ንሓለቓኡ ነፃ ከወፅእ ውፅኢት ውድቀት መሪሒነት ፖለቲከኛታት ትግራይ 'ዩ ይብል ኣሎ።

እቲ ዝተፈጠረ መዕነዋይ ኹናት ውፅኢት ውድቀት መሪሒነት ፖለቲከኛታት ትግራይ 'ዩ

AMN PLUS -ትግርኛ 28 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም

እቲ ዝተፈጠረ መዕነዋይ ኹናት ውፅኢት ውድቀት መሪሒነት ፖለቲከኛታት ትግራይ ምዃኑ ኣባል ቤት ምኽሪ ውድብ ዴሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ(ስምረት) ኣይተ ጠዓመ ዓረዶም ገሊፆም።

ኣይተ ጠዓመ ንምምስራት ውድብ ስምረትን እዋናዊ ኩነታትን ብዝምልከት ምስ ጋዜጣ ፕላስ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ከምዝገለፅዎ፤ ስምረት ንኽምስረት ዝገበረ ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ቕልውላውን ውድቀት መሪሕነት ፖለቲከኛታት ትግራይን 'ዩ።

ውድቀት መሪሕነት ፖለቲከኛታት ትግራይ እንትንብል እቲ ብቐዳምነት ዝረኣይ ነበር ህወሓት 'ዩ ዝበሉ ኣይተ ጠዓመ፤ ካብ 1983 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ 2015 ዓ.ም ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክሳብ ዝጣየሽ ኣብ ትግራይ እናመርሐ ምንባሩ ገሊፆም።

እዚ ዝወለዶ ትግራይ ኣብ ኸቢድ ፖለቲካዊ ቕልውላውን ምእታዋን ኸቢድ ዝኾነ ውድቀትን ከምዝገጠማን ብምግላፅ፤ ናይቲ ውድቀት ውፅኢት ድማ እቲ ዝተፈጠረ መዕነዋይን ሓደገኛን ኲናት 'ዩ ኢሎም።

እቲ ኲናት ብውዕሊ ፕሪቶሪያ ምስተዛዘመ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ድማ ኣብ ትግራይ ሓቛፋይ ግዝያዊ ምምሕዳር ንክጣየሽ 'ዩ ዝእዝዝ ዝበሉ ኣይተ ጠዓመ፤ ይኹን 'ምበር እቲ ዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምሕዳር 'ውን ካብቲ ቕድም ኢሉ ዝነበረ ዝሓሸ ዋላ እንተነበረ ክንድቲ ዝድለ ሓቛፋይ ግና ኣይነበረን ክብሉ ተዛሪቦም።

እዚ 'ውን ብዙሓት ፖለቲካዊ ፓርትታት ቕሬታ ክሓድረን ዝገበረ ኸምኡ ዘይተኻተታ 'ውን ምንባረን ገሊፆም፤ ካብ ነባር መሪሕነት ህወሓት ነቲ ዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምሕዳር ዘይምቕባልን ስልጣን ካብ ኢድና ኣምሊጡ 'ዩ ብዝብል ምሉእ ብምሉእ ናይ ምዕንቃፍን ስራሕቲ እናሰርሑ ምፅንሖም ሓቢሮም።

ኣብ መወዳእታ 'ውን እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብሓይሊ ተደፊኡ ካብ ትግራይ ክወፅእ ምኽኣሉ ኣልዒሎም፤ ነዚ ክገብር ዝኸኣለሉ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ግዝያዊ ምምሕዳር ወታደራዊ ኢድ ኣእታውነት ስለዝነበረ 'ዩ ኢሎም።

ከምገለፃ ኣይተ ጠዓመ፤ ብሽም ህወሓት ይንቀሳቐስ ዝነበረ ጉጅለ ዘይሕጋዊ ጉብኤ ኣካይዱ 'ዩ፤ መበል 14 ጉባኤ ህወሓት ብዝብል ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዘይፈቐዶን ዘይተቐበሎን፣ ቁፅፅር ኮሚሽን ናይ ህወሓት 'ውን ምሉእ ብምሉእ ዝነፀጎ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት 'ውን ፍርቅን ልዕሊኡን ዝኾኑ ዝነፀግዎ ወይ ዘይተቐበልዎ ዞባታትን ወረዳታትን ትግራይ 'ውን ዝተገለላሉ ጉባኤ ኣካይዱ 'ዩ።

ኣብቲ ጉባኤ ዝተሳተፈን ዘይተሳተፈን ብዝብል ምስምስ ኣብ ትግራይ ኸቢድ ፖለቲካዊ ቕልውላው ገጢሙ ነይሩ 'ዩ ዝበሉ ኣይተ ጠዓመ፤ ነዚ ስዒቡ እቶም ጀነራላት ተኣኪቦም ነቲ ጉባኤ ዝገበረ ኢና ንድግፍ ዝብል ቅሉዕ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውግንነት ብምሓዞም ምኽንያት ፖለቲካ ትግራይ በትርን ጥይትን ተወሲኽዎ ክብሉ ኣመላኺቶም።

ነቲ ጉባኤ ዘይደገፈ ኣካል ካብ ስርሑ እናተባረረ መሃይኡ እናተመንጠለ ስርሑ እናሰኣነ ካልኦት ምንግልታዕ 'ውን እናገጠሞ ክሳብ መቕተልትን መርሸንትን 'ውን ዝገጠመሉ ኩነታት ምንባሩ ገሊፆም፤ ዜጋታት ትግራይ ብሰንኪ ኣፈላላይ ሓሳብ ተቐቲሎምን ተጨውዮምን 'ዮም ኢሎም።

እዚ ኹሉ ምስተፈጠረ ነቲ ጉባኤ ዘይደገፈ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምክትል ኣቦ መንበር ኾይኑ ይመርሖ ዝነበረ ማይኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ብሽም ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ህወሓት እናተበሃለ ይፅዋዕ ነይሩ ዝበሉ ኣይተ ጠዓመ፤ ስለዚ ብኸምዚ ምቕፃል 'ውን ኸቢድ ብምዃኑ ብሰንኪ እቲ ጉባኤ ገይረ ዝብል ጉጅለ ህወሓት ዝበሃል ፓርቲ 'ውን ተሰሪዙ ክብሉ ተዛሪቦም።

እንድሕር ተሰሪዙ ድማ ብሽም ህወሓት ምንቅስቓስ ብሕጊ ኣይፍቀድን ክብሉ ሓቢሮም፤ ብምኽንያት እዚ 'ውን ሓዱሽ ፖለቲካዊ ፓርቲ ንመስርት ኢልና እቲ ጌታቸው ረዳ ዝመርሖ ህወሓት ይበሃል ዝነበረ፣ ኻልኦት ካብ ህወሓት ወፃኢ ዝነበሩ ደለይቲ ለውጢ፣ ምሁራት፣ መናእሰይን ኻልኦት ኣካላትን ብምዃን ውድብ ዴሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ ምምስራቱ ይዝከር።

07/11/2025

ብመሰረት ፃዊኢት እኒ ብዓል ጌታቸው ረዳን ሙጫይ ዘሪጋ ፃድቃን ወ/ሮ ስምረት ፓርቲ ኣብ መቻረ ትግራይ ቦታ ናብ ቶንሳ ዝወስድ መንገዲ ብልፅግና ናይ ድሮን መጥቃዕት ፈፅሙ ኣሎ!!

06/11/2025

ሕጂ መንግስቲ ዓፋር ሰራዊት ትግራይ TDF ድንበረይ ተደፊረ ዝብል ዘሎ ኣብኡ ዝደራጀው ዘለዉ ዕጡቓት ዓፋረቶት ድዮም? ናይ ዓፋር ፍሉይ ሓይሊ እዮም ማለቱ ድዩ ዝኾውን?

06/11/2025

🤣🤣.

Address

Tekeze
Addis Ababa

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Tekeze Media posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share