25/06/2026
እስኪ ስለ ትግራይ ንእሽተይ ክብል። ሕዚ ዘሎ condition ብጣዕሚ ንምግማቱ ኣፅጋሚ እኳ ተኮነ እስኪ ንርኣዮ። ኣብ ትግራይ ብቡዙሕ መመዘኒ fail ዝገበሩ መራሕትን ካድረታቶምን ብከመይ ዕድል ናብዚ ከምዝበፅሑ ሓደ ብጣዕሚ ካብ ዘግረሙለይ ነገራት እዩ። ዝኮነ ኣበሃህላ ኣዘካኪሩኒ፡-
Hard times create strong men.
Strong men create good times.
Good times create weak men.
Weak men create hard time.
እስኪ እዛ ኣበሃህላ ንበትና ብናይ ትግራይና መነፅርን ብናይ ባዕለይ ኣረኣእያን።
Hard time ፡ ዝበሃል ደርጊ ዝነበረ ስርዓት
Strong men ፡ ናይ tplf elite መራሕቲ፣ በዓል መትከላት
Good times ፡ ድሕሪ 83 (ብመለስ ግዜ) at least ሰላም ኔሩ፣ ትግራዋይ ኣብ ደስ ዝበሎ ዓዲ ይሰርሕን ሰሪሑ ዝተለወጠሉ ግዜ
Weak men ፡ ድሕሪ ሞት መለስ ዘለዉ Specially ድሕሪ 2010 ዘለዉ ናይ TPLFን መራሒቲ(ኩሎም)፣ ካድረታቶም፣ ዝበዝሑ ተቓወምቲ ውድባት፣ ኣክቲቪስት ኢና በሃልቲ፣ ጋዜጠኛታትን ብዓብዩ ድማ ህዝቢ ትግራይ።
እስኒ ንዘርዝሮም እና first lets focus on the Weak men ኢልና ዝዘርዘርናዮም።
እዞም ሰባት እዚኦም ኣብ ከብዲ ምስፋሕ ተፀሚዶም ዝውዕሉ፣ ማልያ ከይቐየሩን(ዳ ድሕረት😃) እንዳቐየሩን (ዳ ክሕደት😃)፥ ንህዝቢ ዝሓስቡ እንዳመሰሉ ከብዶምን ጁቦኦምን ዝመልኡ ሱሱዓትን በላዕቲ ሰብን እዮም። እቶም ኣብ ትግራይ ዘለዉ ምስ ሻዕብያ እቶም ኣብ ኣ.ኣ ዘለዉ ድማ ምስ PP ኣብ ዝዓበደ ፍቕሪ ኣትዮም ንዓና መከራና የብዝሕዎ ኣለዉ። ትግራይ ንክልቲኦም ይቕረ ክትብሎም የብላን። ጌታቸው ኣብ ሚዲያ ወፅዩ ስለዝበከየ (ወይ ንስሃ ስለዝኣተወ) ወይ ደብረፅዮም ምስ ሻዕብያ ወደኽደኽ ስለዝበለ ዝምለስ ህይወት ትግራዋይ የለን፣ ኩሎም ንባዕሎም ንከብዶምን ንቤተሰቦም እዮም እምበር ንህዝቢ ምንም ደንታ የብሎምን። ንትግራይ ዝፈትዉዋ ተኮይኖም retire ይግበሩ ኩሎም። ደብረፅዮን ብህይወት እንዳሃላየ ካልኦት ትግራይ ይምርሕዋ፣ ምክንያቱ ተዘይኪኢሉ ተመሊስና ንደብረፅዮን ምእንታን ክንመርፆ😃። ጌታቸው ድማ ኣብ ሓደ ዩኒቨርሰቲ የምህር በቓ።
ካልኦት Weak men ዝተመደቡ ድማ ካድረታት እዮም። እዚኦም ፍልይ ዝበሉ እዮም፣ ኣፈጣጥረኦም ምስ ጆተኒ ብጣዕሚ እዩ ዝመሳሰለኒ። ሃቦም ተጠሊዖም ውልቐ ሰብ እንዳወደሱ ይውዕሉን ይሓድሩን። ህዝቢ ኣይእንታዮምን ቅርሺ ክሳብ ዝረክቡን፣ Then ተጠቂሞም ከም ኮንዶም ክድርበዩ ከለዉ ድማ ማልያ ቀይሮም በቲ ካሊእ side መፅዮም ሌላ ታሪክ😃
ካልኦት Weak men ዝተመደቡ ድማ ተቃወምቲ ውድባት። እዚኦም ክጅመር ከሎ መብዛሕቲኦም(ኣስምሩላ) ብPP ወይ ውድብ እንድዮም ተመሲሪቶም እዚኦም እውን መብዝሓቲኦም ስራሕን ትምህርትን ዘይብሎም፣ ካብ ገለ ዳ ስዋ ወይም ናይ ኩዕሶ ቲፎዞ ተሰባሲቦም ናይ ሓደ ከተማ ወኪል ኮይኖም ይመፁና፣ እቲ ውክልና ከምዚ ቀሊል ድዩ? ምናልባት እኮ ዞም ሰባት ዕድል ቐኒዕዎም ናብ ስልጣን ተመፅዮም imagine ህይወትና ከመይ ከምዘመሰቓቕልዎ(ሰሃሊለነ)። እቶም ዳሕና ዝበሃሉ ውድባት ወይም አብ ውድባት ዘለዉ ውልቀሰባት ድማ ንምንታይ እዮም ናይ ሓባር ሓንቲ ውድብ ፈጢሮም ንቲ ትግራዋይ እውን ሓሳብ ዘይቅንስሉ፣ ንTplf ድማ ብደምቢ ዘይከራከርዋ? 17+ ውድባትስ ንሓንቲ ትግራይ, ኢዶእ? እቶም 10+ እኳ ዓሰስ ገሰስ እንድዮም፣ እቶም ዝተረፉ ግንሲ ንምንታይ እዮም ሓደ ጠንካራ ውድብ ምምስራት ኣብዩዎም if they really care about the people? Anyways ንሶም እውን Weak Men እዮም።
ካልኦት Weak men ዝተመደቡ ድማ ጋዜጠኛታት እና ኣክቲቪስታት ትግራይ እዮም። እዚኦም ካብ ኹሉ ዝበኣሱ ዑሱባትን ርእሲ ኣልባን እዮም (updated version of ጆቶኒ😀)። በቲ ሓደ ዘለዉ ጋዜጠኛታትን ኣክቲቪስትን ኣብ ዉሑስ ቦታ ኮይኖም ላምባ ዘቀብሉ እዮም። በቲ ሓደ ገፅ ናይ PP ቕድስና ክሰብኹና ላሕ ይብሉ፣ በቲ ሓደ ናይ ሻዕብያ። በቲ ሓደ ኣብ ትግራይ ጦርነት ይቃወሙ፣ በቲ ሓደ ድማ ናይ ሓራ መሬት main supporter እዮም። እዞም ሓደ ነዞም ተለጠፍቲ😆 ናብ PP ተለጢፎም ኢሎም ቀውጢ ይገብርዋ፣ በዚ ድማ ምስ ሻዕብያ ብሓደ ነፀላ ኢና ክነቐድስ ይብሉና😃። በዚ ሓደ ንትግራይ ዘለዉ ክራገሙ እንዳወዓሉ ነቶም ኣ.ኣ ዘለዉ ቅዱሳት ክገብሩ ዛ ትግርኛ ኣለሳሊሶም ክፅሕፍዋ ይውዕሉ፣ እዞም ሓደ ድማ ነዞም ኣብ ትግራይ ዘለዉ ቅዱሳት ጌሮም ነዞም ኣ.ኣ ዘለዉ ክራገሙ ይውዕሉ(መብዛሕቲኦም ውጪ ዝነብሩ እዮም)፣ ማይክ ብዝሓዙ ቁፅሪ ርእሶም ዝረአ ኣክቲቪስትታት በሃልቲን ቖልዑትን😀.. ብTVን ብFBን መፃውቲ ቖልዑት ጌሮምዎ ህዝቢ።
ካልኦት Weak men ዝተመደቡ ድማ ህዝቢ እዩ። ክንደይ ባሩድ፣ ክንደይ ስቓይ ዘሕለፈ ህዝቢ፡ ሓንቲ ልምዓት ጉጅለ ተንበርክኾ፣ ንሓደ ለፍላፊ ጌታቸው ኣሚኑ ህይወቱ ክህብ ዘይፈርሐ ሕዝቢ ናይ ሓደ ደንቆሮ ኣረጋይ ሓሳብ ምቕዋም ዝፈርሕ ህዝቢ፣ ንሓደ ለማስ ደብረፅዮን ኢሉ ክንደይ መስዋእቲ ዘሕለፈ ሕዝቢ ንሓደ ናይ PP ተቐላቢ ሓሳብ ኣሚኑ ናብ ሓዉ ዝትኩስ ህዝቢ፣ ዝኮነ ሰዓት ሓራ መሬት ከይዱ ክፃረፍ ዝውዕል ዝነበረ ሰብ ማልያ ቐይሩ ንPP ክፃረፍ ዝውዕል፣ ንPP ክፃረፍ ዝውዕል ዝነበረ ማልያ ቐይሩ ንውድብ ክፃረፍ ዝውዕል፥ ጥራሕ ተፃረፍ 'ምበር ስልጣን ክትወሃብ ኢካ ዝተብሃለ ይመስል ኩሉ ዝተፃረፈ አብ ስልጣን ክመፅእ ከሎ ህዝቢ ሱቕ እንተይሉ፣ ክንደይ መምህራን፡ ክንደይ ሰብ ርእሲ፡ ክንደይ ጋዜጠኛ ኣብ ጓጉኡ ኣቀሚጡ ንዝተወሰኑ ኣፎም ከፊቶም እምባሕሕሕ ናብ ዝበሉ ደናቑር ቲፎዞ ዝኮነ ህዝቢ ከም ህዝቢ Weak Men ይውሕዶ እዩ። ዘሕዝነካ ክንደይ መምህራንን ስለ ህዝቢ ሓሰብቲ ምሁራትን ምንም ድምፂ ዘይብሎም ስለዝኮኑን እዩ። ቲፎዞ የብሎምንያ። ቲፎዞ ንክህልወካ ድማ ድንቁርና እምበር ርእሲ ኣየድልየካን።ግን 'ዞም ምሁራትን መማህራንን ዋላ ድምፆም ሓቢኦም ፀጥ ምባሎም መተዓዛዘቢን weak ዝገብሮምን እዩ።
ዝኮነ ኮይኑ ትግራይና ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ኣብ Hard Time ትርኸብ። ብዙሓት strong men ከምዘለዉና ጥርጥር የብለይን። On my next ፅሑፍ፡ ንትግራይና መከራ ዝውስኹላ ዘለዉ መራሕቲ፣ ካድረታት፣ ጋዜጠኛታትን ኣክቲቪስታትን ሽም እንዳፀወዕና ንፀሊም ፀሊም፣ ነቲ ፃዕዳ ድማ ፃዕዳ (ፃዕዳ ክህልዉ ኢለ ይሓስብ😂) ኢለ ንምፅሓፍ ክፍትን እየ።
ወደሓንኹም!!
Tigray News