Dave Solo Beloved

Dave Solo Beloved "ንስኻ ግን ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ከም ዝግባእ ጌርካ ንገር" ቲቶ 2፥1

22/03/2026

1ይ ጴጥሮስ 5:14 ብናይ ፍቕሪ ምስዕዓም ንሓድሕድኩም ሰላም ተባሃሀሉ። ብክርስቶስ የሱስ ዘሎኹም ኵላትኩም ሰላም ይሀልኹም። ኣሜን።

 ። ኣዲስ ኣበባ ናይ ኣስታት ሽዱሽተ ዓመታት መንበሪተይ፡ ብዙሕ ንቕሓት ዝቐሰምኩላ፡ ኣዝዮም ብሉጻት ሰባት ዝተላለኹላ፡ ስርሐይን ኣገልግሎተይን ከዕቢ ዕድል ዝረኸብኩላ ከተማ ተፋንየ ናብ ኣው...
07/11/2025


ኣዲስ ኣበባ ናይ ኣስታት ሽዱሽተ ዓመታት መንበሪተይ፡ ብዙሕ ንቕሓት ዝቐሰምኩላ፡ ኣዝዮም ብሉጻት ሰባት ዝተላለኹላ፡ ስርሐይን ኣገልግሎተይን ከዕቢ ዕድል ዝረኸብኩላ ከተማ ተፋንየ ናብ ኣውስትራልያ ከተማ ሜልበርን ካብ ዝጓዓዝ ምስታ ዘፍቅራ በዓልቲ ቤተይን ምስታ እግዚኣብሄር ዝሃበና ጓልና ሎኢስን ካብ ዝጥርነፍ ድሮ 3 መዓልታት ኮይኑ ኣሎ።
ስለዚ እግዚኣብሄር ይመስገን።

በዚ ምኽንያት ድማ ፡ መደባተይ ኣብ ዩ-ቱብ ካብ ምዝርጋሕ ቅሩብ ድሕር ኢለ ምህላወይ ክሕብር ባህ ይብለኒ። ኣብ ቀረባ ግዝያት ግና ከም ንቡር ወትሩ ዓርቢ ክቕጽል ምዃኑ ድማ የዘኻኽር።

ኩላትኩም ኣብ መዓስከር ኮነ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምሕዝነትኩምን ፍቕርኹምን ደገፍኩምን ዘርኣኹምኒ ኣሕዋትን፡ ኣሓትን፡ መሳርሕተይን፡ መገላግልተይን፡ ስለ ኹሉ ድገፍኩምን ፍቕርኹምን ኣዝየ የመስግን።

እግዚኣብሄር ይባርኽኩም!

01/11/2025
  = እግዚኣብሄር ክሳብ ኣብዚ ረድኣና።ዳዊት 57፥ 9: ጐይታየ፣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ከመስግነካ፣ኣብ ማእከል ህዝብታት ክዝምረልካ እየ።
20/10/2025

= እግዚኣብሄር ክሳብ ኣብዚ ረድኣና።

ዳዊት 57፥ 9: ጐይታየ፣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ከመስግነካ፣
ኣብ ማእከል ህዝብታት ክዝምረልካ እየ።

11/10/2025

  ልክዕ በዛ መዓልቲ ቅድሚ 489 ዓመታት፡ ብዕለት 06 ጥቅምቲ 1536 እቲ እንግሊዛዊ ናይ ተሓድሶ ዓያዪ ዊልያም ቲንዳለ፡ ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ብቛንቛ ላቲን (Latin Vulgate) ጥራይ...
06/10/2025


ልክዕ በዛ መዓልቲ ቅድሚ 489 ዓመታት፡ ብዕለት 06 ጥቅምቲ 1536 እቲ እንግሊዛዊ ናይ ተሓድሶ ዓያዪ ዊልያም ቲንዳለ፡ ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ብቛንቛ ላቲን (Latin Vulgate) ጥራይ ዝንበብ ዝነበረ፡ እሞ፡ ናብ ካልእ ቋንቋ ከይትርጎም ዝተኸልከለ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብገዛእ ፍቓዱ፡ ነቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን ጽሑፋት ህዝቡ ኣምቢቡ ክርድኦን ከስተውዕሎን ካብ ዝብል ቅዱስ ፍቓድ፡ ናብ ቋንቋ እንግሊዝ ስለ ዝተርጎሞ፡ ኣንጻር ሕጊ ቤተክርስትያን ኣተግቢርካ ተባሂሉ፡ ኣብ ሃገረ ቤልጁም፡ ከተማ ብራስለስ፡ ኣብቲ ቪልቮርደ ዝበሃል ግንቢ፡ ኣብ ዓንዲ ናይ ዕንጸይቲ ተሰቒሉ ዝተቓጸለሉ መዓልቲ እዩ።


06/10/2025

Address

Addis Ababa
--

Telephone

+251907235995

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Dave Solo Beloved posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Dave Solo Beloved:

Share