20/09/2025
በዓል ዘመን መለወጢ ብሄር ከምባታ መሳላ ኣብ ከተማ ዱራሜ ብድምቀት ተኸቢሩ
+++++++++++++
| በዓል ዘመን መለወጢ ብሄር ከምባታ ሓበን ኢትዮጵያውያን ዝኾነ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተዛዘመሉ ዓመት ምኽባሩ ዝተፈለየ ይገብሮ ክብሉ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ ኣይተ ኣንተነህ ፍቃዱ ገሊፆም።
መግለፂ ብሄረሰብ ከምባታ በዓል ዘመን መለወጢ መሳላ ኣብ ኹለመዳያዊ ስታድየም ዱራሜ ብድምቀት ተኸቢሩ።
ብሄረሰብ ከምባታ መርኣያ ሕብረት ምትሕስሳብን ምድግጋፍን ንዝኾነ በዓል ዘመን መለወጢ መሳላ ቕርሲ ዓለም ኾይኑ ንኽምዝገብ እናተሰርሐ ምዃኑ ተሓቢሩ።