08/10/2026
ዩኒቨርስቲታት ሰላሌን መደወላቡን ሓደሽቲ ተማሃሮ ንምቕባል ዘድሊ ምድላው ኣጠናቒቐን
++++++++++++++++++++
| ኣብ 2019 ዓ.ም ሓደሽቲ ተማሃሮ ንምቕባል ዘድሊ ምድላው ምዝዛሞም ዩኒቨርሲቲታት ሰላሌን መደወላቡን ኣፍሊጦም።
ፕሬዝዳንት ዩኒቨርሲቲ ሰላሌ ዶ/ር ፈዬራ ዲንሳ፣ ኣብ 2019 ዓ.ም ናብ ዩኒቨርሲቲ ሰላሌ ተመዲቦም ዝመፁ ሓደሽቲ ተማሃሮ ንምቕባል ዘድሊ ምድላው ምዝዛሙ ገሊፁ፡፡
እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብዚ ዓመት ንመበል7 ግዜ ተማሃሮ ከምዘመረቐ ብምዝካር፣ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ንተማሃሮ ዘድልዩ ግብኣታት ምሉእ ብምሉእ ከምዝተማልኡ ገሊፆም። ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ዓለምለኸ ደረጃን ተወዳዳሪ ንምዃን እናሰርሐ ከምዝርከብ 'ውን ገሊፆም።
እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ብጄነራል ታደሰ ብሩ ዝተሰየመ ዋና ግቢን ኣበበች ጎበና ናይሕክምናን ጥዕናን ግቢን ከምዘለዎ ገሊፆም። ከይዲ መምሃርን ምስትምሃርን ንምስፋሕ ሳልሳይ ግቢ 'ውን እናዳለወ ከምዝርከብ ጠቒሶም።
ነባር ተማሃሮ ብ7ን 8ን መስከረም ተቐቢሉ መምሃር ከምዝጀመረ ብምጥቃስ፣ ሓደሽቲ ተማሃሮ ንምቕባል ብቑዕ ምድላው ከምዝተገብረ ገሊፆም።
ፕሬዝዳንት ዩኒቨርሲቲ መደወላቡ ዶ/ር ብርሃነመስቀል ጠና ብወገኖም፣ ነባር ተማሃሮ ናብ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣትዮም መምሃርን ምስምሃርን ከምዝጀመረ ገሊፆም።
ሓደሽቲ ተመዲቦም ዝመፁ ተማሃሮ ንምቕባል ዘለና ምድላው ኣጠናቒቕና ኢና ኢሎም። ኣቐዲሙ እቲ ዩኒቨርሲቲ ብብዙሕ መዳያት ንተማሃሮ ዘይምቹእ ኩነታት ውሽጢ ከምዝነበረ ብምጥቃስ፣ ሐዚ ግና ንመምሃርን ምስትምሃርን፣ ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅን ምቹው ናይ ትምህርቲ ከባቢ ንምፍጣርን ዘኽእሉ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ገሊፆም።
እቲ ዩኒቨርሲቲ መንበሪ ቦታታት ተማሃሮ፣ ክፍልታት መምሃሪ፣ ቦታታት መመገቢ፣ ኣቕርቦት ምግብን ግቢን ንተማሃሮ ምቹው ንምግባር ዝድለ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ብምግላፅ፣ ተማሃሮ ትኹረቶም ኣብ ትምህርቲ ጥራይ ክገብሩ ዘኽእሎም ኩነታት ከምዝተፈጠረ 'ውን ጠቒሶም።
#ዩኒቨርስቲ #ሰላሌ #መደወላቡ